ቀደም እንዳሳልባቲ፡ጭርጭር ዓበደ፡ኣናዳዋ፡ኣሸኻኻት ዓለም ወዘተ…. ክንጻወት እንከለና መን ናይ ምጅማር ብልጫ ኣለዎ ዝንጸር፡ብጎስጢ፡ብባእሲ፡ብጸርፊ ኣይኮነን ነይሩ።ዳበርኪ ትገብር`ሞ በዓል ዕጫ ይጅምር።ንኣብነት፡እቲ ዓይነት ጸወታ ኣሸኻኻት ዓለም ኮይኑ እቲ በዓል ብልጫ/ ጀማሪ ኸኣ ጽቡቅ ተጻዋታይ ኮይኑ፡ምናልባት ከይጀመርካ ክስዕረካ ይኽእል ኢዩ። ሽዑ ንስዕረትካ ተቀቢልካ ንኻልኣይ ዙርያ/ ፈተነ ትዳሎ። ንዳግማይ ዳበርኪ።ኻለኦት መጋጥምቲ እንተለዉ ኸኣ ብትዕግስቲ ተራኻ ትጽበ።በዚ ኣቢሉ ዕርክነት ይድልድል፡ንገዛውትኻ ዘለካ ፍቅሪ ኸኣ ይዓቢ።

ሳሕቲ ኸኣ ሓደ ዘሪጋ ብዳፐርኪ ክዳነ ዘይደሊ ብሓይሉ ተኣማሚኑ በዓል ብልጫ ንኽኸውን ኣብ ቅድመኻ ደው ኢሉ የዕገርግር።እዞም ከምዚኦም መዕገርገርቲ ብፍላይ ካብኦም ዝሮግድን ዝነውሕን ክፈርሖም ርእዮም ስኽራኖም ኣብ ጥርዚ በጺሑ ክጻፍዑ ትርእዮም።ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ብሐደ ቁንጹብ ቆራጽ ተደፊሮም መውዓሊገዛውቲ ዝቅይሩ ኣለዉ።

ኣብቲ ዝሓሰመ ኩነታት ከኣ ዓቅልኻ ምስ ኣጽበብካ፡ንዓቢ ሓውኻ፡ዘመድካ ፡ጎረቤትካ ዘራይ ብምጽዋዕ ኣብ ጥቃኻ ከምዘይቀርብ ትገብሮ።ነቲ ሰውራውያን መንእሰያት ሊብያ ዝተጠቅምሉ ሜላ ዝመስል ምዃኑ ኢዩ።
ዳፐርኪ ኣብ ጸወታ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት`ውን ጐናዊ ሃሰያ ዘይብሉ መድሃኒት እዩ።ንኣብነት ንተቀራራቢ ዕድመ ዘለዎም ደቅኻ፡ብሕብሪ ወይ ብዓቀን  ወይ ብተምሳል ዝተፈላለየ ህያብ ሕዝካሎም መጺእካ፡ን A በዝን በዝን ምኽንያት ትሳማመዖ እዚኣ እያ፡ን B ኸኣ እዚኣ ፡ ን X ከኣ እዚኣ  ፡ ኢልካ ክትዕድሎም እንተደኣ ኮንካ ፡ ሚዛንካ ኩሉ ግዜ ቁኑዕ ክኸውን ስለዘይክእል ፡ በዚ ሚዛንካ ኣቢልካ፡ምናልባት ዘይተደላዪ ቂምታን ደስ ዘይምባልን ሃዋሁ ክትፈጥር ትኽእል ኢኻ፡ካብ`ዚ ኹሉ ግና፡ናይ መን ቀዳማይ ወሰደ ዳበርኪ ግበሩ ኢልካ ምቅራብ ነቲ ነገር ባህርያዊ መልክዕ ኣትሒዙ ዘይሃሲ ይገብሮ።

ከምኡ ኸኣ ምሳኻ ዝነብሩ 3 ኣዕሩኽትኻ ዝፈትውዋ ሓንቲ ነገር ትውንን ጸኒሕካ ጽቡቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብኣ ዝሐደሰት ከም ህያብ መጺኣትካ፡ነታ ናይ ቀደም ኣብ ክንዲ ምሕራጃ፡ንሐደ ካብኦም  ንክትህብ ወሲንካ ፡ ሽዑ ብገርህኻ ነቲ መጀመርታ ዝረኸብካዮ ዓርክኻ እንተሂብካዮ ፡ ብዘይገለ ዘረባ እቶም ክልተ ነቲ ዝሃብካዮ ዓርክኹም ብዝያዳ ከምትፈቱን ኣብሊጽካ ከምትርእዮን እዮም ክመዝኑ፡ረኤ`ሞ ! ብኣብ ኣእምሮኻ ዘይነበረ ነገር ተገሚትካ፡ኣብ ልቢ`ቶም ክልተ ዝነበረካ ቦታ ኣጻቢብካዮ ፡ ግና ሰለስቲኦም ኣብ ዝተረኽብሉ ግዜን ቦታን እዚኣ ንሓደኹም ኢያ፡ መን`ዩ ዕድለኛ ሕጂ ክፍለጥ`ዩ ያላ! ዕጫ ንግበር ኢልካ ምቅራብ፡ ዋላ`ኳ ከም ውሁብ ውጺኢት  ንሓደ  ካብኦም ጥራሕ ከምትበጽሖ ዓሻን ለባምን ዝፈልጥዎ ነገር እንተኾነ፡ ከምኡ ምግባርካ ጥራሕ ብኹሎም፡እቲ ካብ ምሕራጅ ካብ ገንዘብ ኣዕሩኽተይ ዝብል፡ሰብ ተባሂልካ ንልቢ ሰለስቲኦም ምዓንደርካሉ።ዕጫ በሎ ዳበርኪ በሉ ደሞክራሲ በሎ ብዘይገድስ ዘከባብር፡ዘፋቅር፡ዘተኣማምን ዘስምር ነገራውን ስነ-ምግበራውን ዋጋ ዘለዎ ስልቲ ኢዩ።

ከምኡ ኸኣ 20,30, ዝኾና ሰብ ዑቁብ ኣንስቲ ንኻልኣይ ዙርያ ክዳለዋ እንከለዋ በቲ ብሙልታ (መቅጻዕቲ) ክእክበኦ ዝጸንሓ ገንዘብ ሽሻይ ቀሪበን ዕጫ ንግበር ክብላ እንከለዋ መብዛሕቲኤን ቀዳመይቲ ተቀባሊት ዑቁብ ንኽኾና እናተመነያ እየን፡ግና ኩለን ቀዳመይቲ ክኾና ስለዘይክእላ ሓንቲ ካብኤን ቀዳመይቲ ትኸውን ሓንቲ ናይ መጨረሽታ ትኸውን`ውን ኣላ።ኣይጻፋዓ፡ ኣይዳፋፈኣ፡ኣይተሓማመያ፡ ኣይቆናጠዋ።ኣብቲ ስዒቡ ዝመጽእ ዕጫ ኸኣ ተስፋ ኣሎወን።ንዓለም ተስፋ ኢያ ተሕምቃ።

በሉ!ካብ ገዛውትና ናብ ኣዕሩኽትና ናብ ዑቁብና ክንብል ጸኒሕና`ሞ፡ኣብ ጉዳይ ሃገር`ከ ዳበርኪ ኣሎዶ ? እወ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር`ውን ዳበርኪ ኣሎ ዕጫ ኣሎ፡ንስፍሓቱ ዝሰማማዕ ስም ግና ደሞክራሲ ዝብል ስያመ ኢዩ።ንኣብነት ንሃገር ዝመርሕ ርእሰ - ብሄር ሓደ ኢዩ።ነዚ ንበቅዕ ኢና ኢሎም ነፍሶም ዝሓጽዩ ግና ኣማኢት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም።ንሚእቲ ዝኾኑ ኣባላት ጥራሕ ኣብ ዝጻወር ባይቶ ንበቅዕ ኢና ዝብሉ ነፍሶም ዝሓጽዩ ኸኣ ኣሽሓት ክኾኑ ይኽእሉ፡ክሳብ`ቲ ህዝቢ( መራጺ) ዘንበሮ ቅድመ - ኩነታዊ ሮቋሒታት ዘማለኡ ኸኣ ኣይትሕጸን ኢኻ ወይ ነፍስኻ ንውድድር ከተቅርባ የብልካን ኢሉ ዝገትኦም ማንም የለን። ኣብዚ ውድድር`ዚ ዕድልካ ንምርኣይ እትዝርግሖ ኣጻብዕቲ ኢድ ይኹን ንስምካ ዝጾረ ጥቅሉል ወረቀት ከኣ የለን፡ኣብ`ዚ ዘድልየካ፡ድምጺ ህዝቢ ኢዩ።ብጌጋ ይረዳኣካ፡ ብቁኑዕ ይረዳካ ብዘየገድስ፡፡

ኣብ ደሞክራሲያዊ ምርጫታትን ምጽዳቅ ሕግታትን እቲ ዝተመርጸ እቲ ዝበለጸ፡ እቲ ዝጸደቀ ኸኣ እቲ ዝሓሸ እዩ ማለት ኣይኮነን እዚ ኻልእ ዘረባ እዩ።ግና ንዝተወሰነ መድረኽን ዓመታትን እቲ ዝተመርጸ ዝበለጸ እዩ፡እቲ ዝጸደቀ ኸኣ ዝሓሸ እዩ።ኣብ ጸወታ ኩዑሶ እግሪ ካምቢያ ምስ ተገብረ፡ናብቲ ቅድሚ ፍርቂ ሰዓት ን45 ደቂቃ ዝኣክል ትከላኸለሉ ዝነበርካ ፖርታ ገጽካ ኢኻ ጎል ተእትው።ኣረኣእያን ዕግበትን`ውን ምስ ግዜ ይቅየር እዩ።ኣብ ደሞክራሲ ንስዕረት ዋላ ዕረ እናጠዓመትካ ክትውሕጣ ትግደድ`ኮ ካብቲ ኻልእ ምርጫታት ንላዕሊ ስለዝምረጽን ዘዋጽእን እዩ።

ረኤ`ሞ ! ኣብ ሓንቲ ደሞክራስያዊት ሃገር ሓሚቁ ጸቢቁ ክትመርሕ ጸኒሕካ፡እቲ ትማሊ ንላዕሊ ዘዕረገካ ድምጺ-ሰብ ናብቲ ዝነበርካዮ ዝተበገስካሉ ባይታ መሊሱ ንኻልእ ዜጋ ከዕርግ እንከሎ፡ዳሓር ዘዝረኣየካ እዚ`ኮ እቲ ካብ ክንድዚ ክሳብ ክንድዚ ዓመተ-ምሕረት መራሕ ሃገርና ዝነበረ እዩ፡ሕጂ ከብቲ የራብሕ ኣሎ።እዚ ኸኣ ኣባል ፓርላማ ዝነበረ`ዩ........እናበለካ፡ንስኻ ኸኣ ካብ ሕብረተ-ሰብካ፡ቤተ-ሰብካ፡ፈተውትኻ፡ተዘክሮኻ፡ከይረሓቅካ ንደቅኻ፡ዘርሞዘርሞ ከይገበርካ፡ካብ ፋኛቶረ ከይተጎተትካ ምንባር`ዶ ይሐይሽ ወይስ ክሳብ ሒዞም ከም ገበነኛ ዝፈርዱኻ ወይ ሃዲምካ ነቲ ናይ ሰላሙን ውግኡን ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝነበረ ሃገር ኣማዕዲኻ ምርኣይ።

ኣብ ዳበርኪ ንተዓዋቲ ዝስመዖ ፉሉይ ጸብለልትነት የለን።ንተሳዓሪ`ውን ዝስመዖ ትሕትና የለን።ዳበርኪ እዩ ዳንይዎም፡ ደሞክራሲ፡

13/01/2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...