ዝኽበርኩም ኤርትራውያን ብቐዳምነት ከምቲ ልሙድ ልባዊ ሰላምታይ ተቐበሉ ከምኡ'ውን ርሑስ ባዓል ልደትን ዓመተ ሰላምን ለውጥን ክኾነልና ዘለኒ ትምኒት ክገልጸልኩም ደስ ይብለኒ፡ ብምቕጻል ናብ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ፡ ከእትወኩም ተኸታተሉኒ ሰናይ ንባብ።

 

ኣብዛ ዓለምና ኩሉ ጊዜ ብቐጻሊ ደቂ ሰብ ዝድሕኑሉ መንገዲ ኣብ ምድላይን ሂወት ዘድሕን መድሃኒታት ኣብ ምድህሳስን ዝነጥፉን ብምኽሪ ንሰብ መንፈሱ ብምህዳእን ካልእን ንድሕነት ሂወት ወዲ ሰብ ዝሕግዝ ሓሳባት ዝፈላሰፉን ብዙሓት ኢዮም። እዞም ምሁራት እዚኣቶም ዝረኸብዎ ኣፍልጦ ይኹን ዝሰርሕዎ ኣፋውስ ነቶም ኣብ እዋኖም ዘለው እንተዘአየድሓነ ነቶም ዳሕረዎት ወይ ስዒቦም ዝመጹ ደቂ ሰብ ኣብ ምግልጋል ይውፅል፡ ስለ'ዚ ወዲ ሰብ፡ ብሕክምናን ብኹሉ እቲ ኣብ ምቕጻል ሂወት ዝሕግዝ ፍልጠትን እናተደገፈ ጥፅንኡ ብምሕላው ፅድምኡ ንምንዋሕ ይቃለስ።

ብኣንጻሩ ካኣ ኣብዛ ዓለምና ኣፅናዊ ዝኾነ ስነ ሓሳብ ዘማፅብሉ ነቲ ብጥፅና እናነበረ ፅድመ ክቕጽል ዝጽፅር ወዲ ሰብ ብቓጻ ዝቐዝፉ ብመርዚ ዝቐትሉ ዓለም ክብሕቱ ዝደልዩ ፍጡራት ደቂ ሰብ ካኣ ኣለው፡ ግን ኩሎም ብኽንድዚ ዝተራሓሓቐ ኣታሓስባ እናተፈላለዩ ከለው ንዓለም ብሓንሳእ ይነብሩዋ ብሓንሳእ ድማ ይመቱ፡ እቲ ተግባር ናይቶም ጸላእቲ ሰናያት ንዓለም ምሳኻ ዝገድፉዋ ብምዃኖም ፅሽነቶም ይገርመካ።

እቶም ንድሕነት ወዲ ሰብ ዝጽፅሩ የማናዊ ወይ ቅዱስ ኣታሓሳባ ዘለዎም፡ ኣብ የማን ይስርዑ፡ እቶም ብኣንጻሩ ንጥፍኣት ደቂ ሰብ ዝሓስቡ ካኣ ጸጋማውያን ኢዮም ፡ ግን ካኣ ከማና ሰባት ስለ ዝኾኑ ንኽትፈልጦም ኣሸጋሪ ኢዩ፡ ከጥፉኡኻ ኣይትፈልጦምን፡፡

ብዛፅባ ስርዓታት ዝሓስቡ ደቂ ሰብ ድማ በዘን ኣብ ሞንጎ ንድሕነትን ቀጻልነት ሂወት ወዲ ሰብ ዝጽፅሩን እቶም ቀተልትን ዝመስል ስነ ሞጎት ኢዩ ዘለዎም፡ ናይ'ዚ ሓሳብ'ዚ መሰረት ወዲ ሰብ ኣብ መጀመርታ ኣማዓባብልኡ ነንሕድሕዱ ዘይታኣማመን፡ ምስዘይ ፈልጦም እንተተራኸበ እውን ዝቃተል ኢዩ ኔሩ፡ ንሱ ፍልመ ዴስነት ኢዩ ዝብሃል፡፡

ይኹን እምበር እቲ ናይ ኣእምሮ ኣማዓባብላ ዘገምታዊ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ውርሻ እዚ ክሳፅ ሎሚ ካብ ደቂ ሰብ ኣይጸረየን ዘሎ፡ እቶም ዝማፅበሉ ምስቶም ምፅብልና ዘይ ወድኡ ክማጎቱ ይነብሩ ኣለው፡ ስለ'ዚ ጌና ኣብ ሞንጎ ደቂ ሰብ ክታዓረቕ ዘይኽእል ናይ ምፅብልና ፍልልይ ኣሎ ፡ እዚ ፍልልይ እዚ ክሳፅ ዘሎ ዓለም ኣይትቐስንን'ያ፡፡

ነዚ ክውንነት እዚ ዋላኳ ናይ ተፈጥሮ ባህሪ ወዲ ሰብ ዘይቅየር እንተኾነ እቲ ብመጠኑ ሓጋዚ ትምህርቲ ኢዩ ፡ እቶም ጸጋማውያን ወይ ሓሰብቲ ክፋእ ግን ፡ ከምቲ ብሂወት ክትነብር ዘይደልዩኻ ነታ ተማሂርካ ከትምፅብል እውን ተጻረርታ ኢዮም።

እስከ ሕጂ ንጉዳይና ብምንጽጻር ናይ እዚ ተርእዮ እዚ ንርኣዮ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ኣሎ እተባህለ ምሕደራ ዝደልዩ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ብጥፅና ክነብር ሰላም ረኺቡ ዝብላፅን ዝስተን ረኺቡ ብሓጎስ ክነብር ዝደልዩ ምስቶም ሰብ ንነዊሕ ምእንቲ ክነብር ክቐስንን እንተሓመመ ካኣ መድሃኒት ክረክብን ዝደልዩን ጻፅሪ እውን ዘካይዱን ይመሳሰሉ ወይ ሓደ ኢዮም።

እቶም ንወዲ ሰብ ብቓጻ ይኹን ብኻልእ መገዲታት ዝቐትሉ ኣፅነውቲ ወይ ቀተልቲ ካኣ ምስቶም ምፅብልና ዘይወድኡ ዝቑጸሩን ፅንቅፋታትን ኢዮም፡ ኩሉ ዝገብርዎ ካኣ ኣንጻር ወዲ ሰብን ኣንጻር ሓቅን ኢዩ፡ ስለ ዝኾነ ጸሊም እንተበልካ ጻፅዳ፡ ጻፅዳ እንተ በልካ ካኣ ጸሊም ኮታ ኣንጻር ኩሉ ሓቅታት ኢዮም ዝጓዓዙን ዝማጎቱን፡፡

እዞም ንኣና ዝመስሉ ኣብ ሞንጎና ካኣ ዝርከቡ ፍጡራት እዚኦም ኣብ ሃገር ስልጣን እንተሒዞም እታ ሃገር ናብ ብርሰት ኢያ ተምርሕ ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ተሓጕሱን ቀሲኑን ክነብር ነብሶም ሕራይ ኣይብሎምን ወይ ኣይገብረሎምን ኢዩ፡ ኩሎም እቶም በዚ ዝልለዩ ኣብ ዓለም ዝተራእዩ ረገጽቲ ህዝቢ ዲክታቶራት ካኣ ናይ ኣታዓባብያ ይኹን ካልእ መሰረታዊ ሽግርን ሕማቕ ድሕሪ ባይታን ኣለዎም።

እዚ ንጊዜኡ ኣብ ቦትኡ ከሎ ናብ ጉዳይና ክንመለስ ኢና እሞ ካብ መሰረቱ ንርኣዮ።

ከይትዳናገሩ ካኣ ህዝቢ ኤርትራ ምፅብልና ዝወድኤን ብሕጊ ዝነብርን ምዃኑ ፈሊጥና ከነስምረሉ ኣለና፡ እንታይ ዳኣ ኮይኑ ኢዩ ንዝብል ጥራይ ክንማራመረሉ ይግባእ፡ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጨንቕ ዘሎ ስርዓት ሓደ ካብዞም ጸረ ፍጥረት ዝኾኑ ደቂ ሰብ'ዩ።

ነዚ ዝኽተሎ ዘሎ ካብ ባህልናን ስነ ምግባርናን ወጻኢ ዝኾነ ጭካነ ዝመልኦ ተግባር ዘሰንዩ ምፅባለ ዘይወድኡ ጨካን ዝኾነ እንስሳዊ ባህሪ ዘለዎም ሰባት ብምምልማል ካኣ ግዙፍ ዝኾነ ኣረሜናዊን እንስሳውን ጥባይ ዘለዎ ዓቢ ጉጅለ ጨካናት ክፈጥር ክኢሉ።

እዚ ሓደጋ'ዚ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ጥዑይን ስልጡንን ዝኾነ ህዝቢ ኤርጥራ ቃልሲ ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልኡ ዝሓስቦ ዝነበረ ኩሉ ፡ ብዙሓት ከምኡ ዝኾኑ ሰብ ጥዑይ ኣእምሮን ሰናይ ዝሓስቡን ነቲ ቃልሲ ይመርሕዎ እንተ ዝነብሩ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ካኣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽቡቕ ዝኾነ ምስ ዓለም ዝወዳደር ምፅባሌን ጥዑይ ምሕደራን ምሃለወ፡ ፅድል ናይ እዚ ክልቲኡ ህዝቢ ስለ ዘይጸበቐ ግን ኣብ ሓደን ክልተን ከምዚኦም ዝበሉ ወዲቑ ሰላም ስኢኑ ይነብር ኣሎ።

ግን እዞም ምፅባለ ዘይወድኡ ማሕወስ ኩሉ ጸጋማዊ ኣታሓሳስባ ኢዩ ዘለዎም፡ ከምቲ ዝበልኩዎ ካኣ ወዲ ሰብ ርህዩዎን ጥዒሙዎን ተሓጕሱን ብሰላም ክነብር ኣይደልዩን ኢዮም፡ እዚኦም ካብ ኣማዓባብልኦም መብዝሕትኦም ኣብ ኣታዓባብያ ሽግር ዝነበሮም ኢዮም፡ ናይ ዝኾነ ዲክታቶር ድሕሪ ባይታ ንምፈላጥ ጻፅሪ እንተካይድኩም ነዚ ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ሓቂ ኢዩ ክትብልዎን ሓቂ ኮይኑ ክትረኽብዎ ኢኹም።

ነታ ልፅል ኢለ ምፅባለ ምሃለወ ዝበልክዋ ግን፡ብልብኹም ከመይ ኢሉ ዝማፅበለ ምኾነ ትብል ኣለኻ ትብሉ ከም ዘለኹም ይርዳኣኒ ፡ ይኹን እምበር ብዝካኣለኒ መጠን ነቲ ንኡ መሲሉ ዝርኣየኩም ካብዚ ቀጺለ ክጠቓቕሶ ኢየ፡ ብሓጺሩ ግን ሰላምን ቅሳነትን ጥዑይ ኣማሓዳድራን ዘለዎ ህዝብን ሃገርን ኩሉ ጊዜ ናብ ምፅባለ ኢዩ ዘምርሕ ኢለ ስለ ዝኣምን ዝብሎ ዘለኹ ኢዩ፡፡

ብኣድህቦ እንተሲዒብኩምኒ ካኣ ንምንታይ ዘይኮነ እንተዝከውን ኢሉ ኣይትበሉ እም በር ክገልጾ ኢየ፡ ብዝኾነ ኣምሲልካ ትዛረቦ ነቲ ዝተሰግረ ጌጋ እናዘከርካ ካልእ ጌጋ ካብ ምድጋም ንምድሓን ንኽሕግዝ ኢዩ፡ ዝኾነ ሓሳብ ኣምሲልካ ዝዝረብ።

ናብቲ መጀመርታ ሽግርና ዝኮነ ምኽንያት ክመልሰኩም ንሕና ኤርትራውያን ካብ እንግሊዝ ከም ኩለን እተን ኣብቲ እዋን እቲ ነጻነተን ዝረኽባ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ነጻነትና ክንወስድ ኢዩ ዝግብኣና ኔሩ፡ ካብ ኣቦታትና ጀሚርና ካኣ እታ እንኮ ወገንና ንሓስባ ዝነበርና ሃገር ኢትዮጵያ ኢያ፡ምኽንያቱ ብግዝኣት ቱርኪ ስለ ዝሰካሕና ኣብቲ እዋን እቲ እውን ኣቦታትና ኣብ ዶጋሊ ምስ ቱርኪ ምስ ገጠሙ ሓጊዛትና ኔራ ኢያ።

ዝኾነ ኮይኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ክንዲ ኣሕዋትና እንቋፅ ካብ ባፅዳውያን ገዛእቲ ነጻ ወጻእኩም ኢሎም ሕውነትና ዝረጕደሉ ክንዲ ዝገብሩ ብናይ ምስፍሕፋሕ ኣታሓሳስባ ተገዚኦም ክገዝኡና ሓሲቦም ምእንቲ መሰልና ናጽነትናን ምስኦም ክንራጸም ተገዲድና

ሳፅቤኑ ካኣ ፅንወት ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኑ፡፡

ኣብዚ ኢዩ እምባር እቲ ኣንፈት ምፅብልና ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ተኾሊፉ፡ ሕጂ ብዘይ ቃል ዓለም ክልቲኡ ሃገር ተደቍሱ ኢዩ፡ እቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት ውግእ ከይ ኣክል ካልእ ክልተ ዓመት ዝልዓለ ውግእ ተወሲኹዎ ብዙሕ ህዝቢ ጠፊኡ፡ ንእሽቶ ሓሳብ ማለት ቁሩብ ልቦና ዘለዎም ይመርሑ እንተዝነብሩ ግን ናይ ሓምሳ ዓመታት መገዲ ሰላምን ምፅባለን ንኽልቴና ህዝብታትን ሃገራትን ኣበይ ኣብጺሑና ምሃለወ።

መንግስቱን ኢሳያስን ግን ኢዶም ኣይስኣኑ እምበር መሰረት ናይ እዚ ኩሉ ፅንወትን ሞት ናይ ብዙሓት ሂወትን ጥፍኣት ናይ ማእለያ ዘይብሉ ንዋትን ንብረትን ኢዮም ስለ እዚ እታ ዝጥዓየት መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ምትካል መሰረት ሕውየትን ምፅባለን ናይ ክልቲኡ ህዝብታትን ሃገራትን ኣብ ምዃን ዓቢ ተራ ክትጻወት ከም ዘለዋ ናይ ምግባር ኣታሓሳስባ ክገዝኣና ይግባእ፡ ከም መሰረታዊ ደቂ ሕጊ ምዃንና ናይ ሕጊን ስርዓትን መማህራን ክንከውን ዳኣ ምተገባኣና እምበር ሕጊ ክንስእን ኣይምተገብኤን፡፡

እዚ ግን ንሓደ ከም መሪሕ ርኣዩኒ ዝብልን ምስ ናይ ኢሳያስ ጠባይ ተመሳሳልነት  ዘለዎን እናሳዓርካን ንሓደ ክብሪ ህዝቢ ዝፈልጥን ሓደ ህዝባዊ መንገስቲ ዝኣምንን እኩብ ሓይሊ ኮንካ ምልኪ ከተጥፍእ ጻፅሪ ምስ ተካይድ ጥራይ ኢዩ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል፡ ስለ'ዚ ንሱ ዝሰረቶ ዝኾነ መምርሕታት ይኹን ኣለኒ ዝብሎ ሕጊ ካብ ሱሩ ክይማሓኻ ኤርትራ ሰላም ረኸበት ማለት ዘበት ኢዩ፡ ዝኾነ ንኡኡን ናቱ ሕግታትን ትኻላትን ዘቋናጁ ጠቓሚና ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

ኣብ ከም ኩነታትና ካኣ ብሓቂ ኣብቲ ኩልና ንደልዮ ደረጃ ክንበጽሕ ዝድለ እንተኾይኑ ሓደ ከደ ኢልካ ክትፅንቅፎ ካብ ምሕሳብ ንዘሎ እንታይ መሊኤ ኢየ ዓዲ ዝኣቱ ዝገብሮ ኣብ ዝብል ኣትኵርና ምሕሳብን ምስራሕን ኢዩ እቲ ዓዲ ዘእቱ ናይ ቅኑዓት ኣታሓሳስባ እምበር ፡ ኩሉ ጊዜ ክትስሓሓብ እንተ ነቢርካ ንኹሉ ጊዜ ኣብ ስደት ከም ትተርፍ ዝገብር ዳኣ እምበር ዓዱ ዘእቱ ኣይኮነን፡ እቲ ዓዲ ዘእቱስ ጌና ስለ ዘይበጻሕናዮ ክንሕሰበሉ ዘለና ዳኣ እምበር ሰረት ኣይሓዘን ዘሎ ጌና፡ ሽግርና ብዙሕ ተሪፉዎ ዘሎ ስለ ዝኾነ ካኣ ናይ ምፅራይ ጥራይ ንሕሰብ።

እቲ ካብዚ ንላፅሊ ኣሕጽር ኣቢለ ዝገልጾ ኣለኒ ዝብሎ እንተልዩ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ጉባኤ ብኸመይ ክንርእዮ ኣለና ኢዩ፡ ሓደ ባይቶ ጌርና ኣለና እዚ ኣብነታዊ እምበር ምሉእ ኣይኮነን፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ብቓልሱ ኣብ ሓደ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ዘመልክት ምፅባሌ እዩ ዘይንዓቕ ኣስተዋጽኦ ካኣ ተጌሩዎ ኢዩ፡ እዚ ማለት ካኣ ንህዝብና ሓደ ታሪኻዊ ንብረት ኢዩ፡ ባይቶና ምስ ፈረሰ ወጺና ባይቶ ጌርና ካኣ ንምለስ ኣለና፡ ባይቶን ሕጊን ዘለዋ ሃገር ካኣ ክትህልወና ኢያ ማለት ኢዩ።

እዚ በቶም ኣብ ቃልሲ ዘለና ዝተገብረ ምስቲ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ካኣ ንኸተስምሮ ጻፅሪ ዘድልዮ ኢዩ፡ እቶም ኣብ ቃልሲ ዘለና ክንሳማማፅ ማለት ብመጀመርታ እቲ ሓሳብ ነቶም ኣብ ዓዲ ዘለው ክጸሉ ከም ዝኽእል ምግባር የድሊ፡ ብኻልኣይ መገዲ ካኣ ነቲ ዝፈላልየና ዘጻብብ ሓሳብ ኣማፅቢልና ህዝቢ ከም ዝርድኦ ዘመተ ከነካይድ ይግባእ እቲ ዘሎ ኩሉ ጸገማትና ህላዌ ሕጊ ኣብዘይብሉ ህሞት ንነብር ስለ ዘለና ኢዩ።

እንተ ዳኣ ብቓልሲ ህዝቢ ዘዝተጀመረ ኣነ ዝገበርኹዎ ኢዩ ዝበለጸ እናበልካ ንስኻ ከተፍርስ፡ እቲ ሓደ ካኣ ብኣኻ ንዝተጀመረ ኣፍሪሱ ካልእ ክጅምርን፡ ነቲ ንስኻ ዝጀመርካዮ ካኣ ከፍርሶ ኮይኑ፡ እዚ ንቓልሲ ዘዳኽምን ነቲ ጸላኢ ካኣ ፅድመ ዝህብን ጥራይ ኢዩ ዝኸውን፡ ንእሽቶ ሓሳብ እንተልያትካን ህዝብን ሃገርን ካኣ ተቐድም እንተዳኣ ኮንካን፡ እዚ ዝዓይነቱ ምቅዋም ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ሓደ ንዳሕረዎት ወለዶ ዘስሕቕን ንዘለና ወለዶ ካኣ ዘኽፅብን ዘንፅቕን ኢዩ፡ ስለ'ዚ ነዚ ክንሓስበሉን ብጥንቃቐ ክንሕዞን ዳኣምበር ክንጻረሮ ኣይግባእን፡ ብኸመይ ኣብቲ ዝግባእ ነብጽሖ ካኣ ብዙሕ ተሪፉዎ ዘሎን ብዙሕ ምምኽኻር ዘድልዮን ሃገራዊ ጉዳይ ኢዩ።

ክሳፅ ኣብ መጻኢ ንራኸብ ሰናይ ቅነ።

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና

 

በላይ መስፍን

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...