ብናይ ዕለት 21/11/2011 ፈነዋ ሬድዮ ኤረና ኣቢለ ንኣብ መንከስ ሓርገጽ ኮይኖም....... " ወይ ክንድዚ ዝኣክል ኣሽሓት ዶላር ትኸፍሉ ወይ ኩሊታትኩም እናተባሃልና ለይቲ ምስ መዓልቲ ቆርበትና መጥፍኢ ሽጋራ ኮይኑ፤ከብዲ እግርና ብማህረምቲ ደንዚዙ፡ብጥምየትን ጽምእን ሕማምን ንሳቀ ኣለና፡......... ነፍሰ-ጾር`የ … ብሕማምን መግረፍትን እሳቀ ኣለኹ …. እንስሳዊ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጸመና`ሎ '' ወዘተ......... ዝብል ኣውያት ብናይ ሬድዮ ኤረና ናይ ስልኪ ቃለ ማሕተት ዝቀረበ ጸብጻብ ክሰምዕ እንከለኹ ጌና እቲ ጸብጻብ ከየብቀዔ ብዙሕ ሕቶታት ኣብ ኣእሙረይ ተጸፋጸፈ።

- እዞም ኣብ ድሮን ጽባሕን ነጻነት ዝተወልዱ መንእሰያት በየናይ ሕግን ሞጎትን`ዩ ዝሽየጡን ዝልወጡን ዘለዉ!  ኣብ ምንቲምንታይ`ዩ ክፍሊ ኣካላቶም ኣብ ምድረበዳ ሲናእ እናተፏሓቀ ዝሞቱን ዝማስኑን ዘለዉ?  ኣብ መዋእል ሓርነታዊ ቃልሲ ቀዳማይ ኑቅጣ መዕቆብ ህዝብና ከሰላ ከመይ`ላ መበገሲ ኑቅጣ ባርነትና ዝኾነት ? እዚ ወለዶ ናይቲ ካብ ጽባሕ ናይ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ንኸባቢ 50 ዓመታት ደሙ እናፍሰሰ ልዕሊ 65 ሽሕ ስዉኣት ከፊሉ ነጻነቱ ዘረጋገጸ  ህዝቢ ዝኾነ መንእሰይ፡ከመይ ኢሉ`ዩ ወለዱ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ዘይረኣይዎ ሕሰም ዝርእይ ዘሎ !!!

መን`ዩ ተሓታቲ? ብወገነይ ንመን`ዩ ተሓታቲ ዘሎኒ መልሲ ቅድሚ ምትንታነይ፡ ነቲ ጉዳይ`ቶም ናብ ስደት ዘምረሑ መንእሰያት ክለዓል እንከሎ ብገለገለ ሰባት ዝወሀብ ርእይቶታት ተናኺፈ ክሓልፍ`የ።

1*ዓያሽኦም "ጸጊቦም" ለባማቶም ከኣ "ተጋግዮም"ብምባል ዝጅምርዎ፡ ".......... ካብ ገነት ናብ ገሃነም (ካብ ጀና ናብ ጀሃነም)ክኸዱ ኣይነበረሙን" ዝብሉ፡ መብዛሕቲኦም ቅድሚ ሰቦም ዝሃደሙ፡ ኣብ ገንዘብ ዝሕፈሶ ዓድታት ሰፊሮም ነሕዋቶምን ደቆምን ብናይ ቀዳማይ ደረጃ በረራ ዘህደሙን ዘህድሙን ተበለጽቲ እዮም።

2* ገሊኦም ከኣ "....... እዞም ንሓንቲኣ ኢሎም ብባሕርን ምድረበዳን ብውሕስነት ዘይብሉ ስጉምቲ ዝጓዓዙ ዘለዉ መንእሰያት ናይ ግሎም ጸገም ንምቅላል ዝዓለሙ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሓባር ጸገም ንምፍታሕ ብዙሕ ዘየገድሶም`ዮም" ዝብል ኮይኑ፡ በዚ ንኽትዓግብ ዘቅርብዎ መርተዖ ኸኣ "........ እወ፡ እቶም ካብቲ ኹሉ ጸገም ዲሒኖም ኣብ ዓዲ ሰላምን ስራሕን ዝበጽሑ መንእሰያት ከይወዓሉ ከይሓደሩ ንመንግስቲ ዝወሃብ ክፍሊት ክህቡን ጓይላታት ከዳምቁን ኢኻ ትርእዮም ስለዚ እንትርፊ ግላዊ ረብሓታቶም ዝሓምሉ ነገር የብለሙን፡ካብ ህግደፍ ሃዲምካ ደኣ ናብ ሑቅፊ ህግደፍ ! " ዝብል ይኸውን።

3*ነቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ሕማቅ ኩነታት ዝኣምን ኮይኑ ነቲ ናይ መንእሰያት ናይ ስደት ምርጫ ዘይድግፍ" ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ክምክቱን ክቅይሩን ነይርዎም " ዝብልን`ዩ።

ነቲ ወጅሂ ዘይብሉ ቀዳማይ ርእይቶ ረጊጽካዮ ምሕላፍ ክመርጽ`የ፡፡ነቲ ኣብ ቁጽሪ 2 ን 3 ንዝተገልጸ ርእይቶታት ብዝምልከት ግና ንኽልተ ሓቂ ዝመስላ ነቲ መንእሰይ ዘይግባእ  ሓላፍነት ዘሰክማ ነጥብታት(ኣስሚረለን ዘለኹ) ንርኤ፡-

"ናይ ግሎም ጸገም ንምቅላል ዝዓለሙ" "ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ክምክቱን ክቅይሩን ነይርዎም" ነዚ ኣበሃህላ`ዚ፡ ነዚ ተርእዮ`ዚ  ምስ ካልእ ጉዳያት ዘለዎ ዘንተ-ሞጎታዊ ምትእስሳር ከይዘከርካ ቆንጪልካ ከም ነፍሱ ዝኸኣለ ተርእዮ ወሲድካ ንመንእሰያትና ክትፈርደሉ ምፍታን ዘይፍትሓዊ ኢዩ። ልክዕ`ዩ እቲ ሓርበኛታት ኣቦታትና ካብ ኣርባዓታት ጀሚሮም ሰብ ዝኸብርን ባህግታቱ ዘረጋግጽን ንናይ ሓባር ረብሓ ምስ ዘቀድም ጥራሕ ምዃኑ ካብ ዝነበሮም እምነት ነቂሎም እንተላይ`ቶም ብዝነበሮም ደራጃ ትምህርትን ማሕበራዊ ቦታን  ተመሳሲሎም ግላዊ ረብሓ ብዝለዓለ ደረጅኡ  ንምርግጋጽ ዕድል እናሃለዎም መስዋእቲ ምምራጾም፡ ሕብረተ-ሰብ ከኣ ነቲ መስዋእቶም ዘድሊ ሞራላዊ ክብሪ ስለ ዝሃቦ ከምነጸብራቅ ናይ`ዚ ኸኣ እቲ ዝሰዓበ ወለዶ ነቲ ንሓርበኛታት ንስዉኣት ንስድረኦምን ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ሞራል ክብሪ እናሰምዔን እናተጸልወን ድሕር ዘይብል ንመስዋእቲ ዝብህግ ባህሊ ኣጥርዩ ብምጡን  ሓይሉ ንምዕራብን ምብራቅን ዝተበራረይሉ ጽንኩር ውግእ ስዒሩ ነጻነቱ ዝጨበጠ ህዝቢ ሎሚ ንመንእሰይ ጥራሕ ከይወቀስና ብሓፈሽኡ  ንግላዊ ረብሓኻ ኣቀዲምካ ህይወትካ ምምራሕ ዝብል እምነት ከመይ`ሉ እዩ ተኣታትዩዎ ? ናይዚ ንሲናእ ዘብጸሔ መንገዲ ኣተሓሳስባ ክህልወና ዝገበረ መን`ዩ ? መን`ዩ ተሓታቲ ?

ተሓተቲ ብዙሓት`ዮም፡እቲ ብወገነይ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘሰክሞ ሸነኽ ግና እቶም ሕጂ ብዙሓት ካብኣቶም ብሞት ዝተፈልዩ፡ንሞት ክፈርሑዋ ዘይግበኦም ዝነበረ ሽማግለታት ዓዲ ኢዮም፡ከምኡ ኸኣ ኤርትራ ነጻ ክትወጽእ እንከላ ደቂ 40 ነይሮም ሎሚ 60 ዝኣተዉ ፤ 70, 80, 90, 100 ዝመልኡ ሽማግለታት`ዮም፡ ምኽንያቱ ነቲ ነጻነት ዘምጸኤ ብረት ዓጢቁ ዝኣተወ ሸነኽ ከምቲ ንቡር ዓበይቲ ዓዲ ክገብርዎ ዝግባእ ኣብ ግዜ መንገዲ ምስሓት ዓገብ ዘይምባለሙን ነቲ ነዚ መርገጽ`ዚ ዝኽፈል ዋጋ ክኸፍሉ ድልዋት ብዘይምንባሮምን ኢዩ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ፡- ኣብ ተጋዳላይ ዘይከብረሉ፡ ዘብህግ ሞራላውን ነገራውን ጻማ ዘይተሸለመሉ፡ ናይ ሓርነት ዉጉኣት ዝርሸንሉ፡ ፍሬ ዓጽምን ደምን ረሃጽን ናይ 50 ዓመት ቃልሲ ቁንጣሮ ዘጋይጹሉ ውድዕነት ምስ ተፈጥረ  ከመይ ኢሉ`ዩ ንናይ ግሎም ጠቅሚ ንናይ ገዝኦም ጸገም ጥራሕ ንምቅላል ኢሎም ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ ኣብ ምድረበዳ ዝዕበጡ ኣብ ስናእ ክፍሊ ኣካላቶም ዝዝመቱ መንእሰያት ምርኣይ ዘገርመና !!!

ቅጥዒ ዘይብሉ ፍርሒን ቅጥዒ ዘይብሉ ስቅታን ዓበይቲ ዓዲ፤ ንሓርበኛዊ ውርሻና ኣዳኺሙ ንመንእሰያትና ዘይግባእ ዋጋ ኣኽፊልዎም`ዩ።ሕጂ`ውን ንሰውራዊ ሓርበኛዊ ውርሻና ንምሕያል ዝግባእ ዋጋ ዝኸፍል መንእሰይ ኢዩ`ሞ ኣንቱም ይትረፍዶ ምብጃው ንፍሽኽታ`ኳ ሌላን ጉሌላን ትገብርሉ ተበለጽቲ ኣፍኩም ሓዝሉ።

ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...