ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን
ውልቃዊ ትዕዝብቲ
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም
መበል 15 ክፋል 15/12/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

 

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ መበል 14 ክፋል በዚ ዝስዕብ ኢየ ተፋንየኩም …

 

“እቶም ሃገር ዘውሓሱ መኮነናትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ‘ዝነበረና ድኽመታት ገምጋም ንግበረሉ’ ምስ በሉ፣ እቶም ብዓድን ዓውድን ክኣኻኽቦም ዝጸንሐ፣ ልዕሊ ክብሪ ሃገር፣ ክብሪ ውልቀ-ሰብ ዘገድሶም መኮነናት ኣብ ጎድኑ ኣሰሊፉ፣ ነቲ ቅኑዕን ሕጋውን ሕቶ ደቚሱዎ። እቶም ሓለፋ ብጾቶም ስልጣን ዝተዓደሉ መኮነናት ዑቕባ ኮይኖሞ። በቲ ንሓለቓኦም ዝገበርዎ ጉንዖ ድማ ሎሚ ናብ ጎይቶት ተቐይሮም ንርእዮም ኣለና። እቶም ልዕሊ ትእዛዝ ፕረዚደንት ክብሪ ሃገር ዘቐደሙን፣ ሃገር ዘውሓሱን መኮነናትን ሓለፍትን ብክሕደት ሃገር ተኸሲሶም፣ ተሃዲኖምን ይህደኑን ኣለዉ። እታ ንዓመታት ክሰርሓላ ዝጸንሐ ፖሊሲ ድማ ካብ ሞትን ተሓታትነትን ኣድሒናቶ። ኩሉ’ቲ በደላት ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ተፈጺሙ። በዚ ከኣ ኢየ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ክመሃር ኣለዎ ዝበልኩ።

 

ብዛዕባ ፍሽለት ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ተዛሪብካ፣ ነቲ ተኸዲኑዎ ዝጸንሐ ካባ ዝቐንጠጠ ናይ ዶብ ኲናት ከየልዓልካ ምሕላፍ ስለ ዘይከኣል፣ ብዛዕባ’ቲ ብኢደ-ወነኑ ምስ ኢትዮጵያ ዝወለዖ ኲናት፣ ምስ ብቕዓት ናይቲ ወታደራዊ እዚ ኣዛሚደ ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ።”

መቐጸልትኡ ድማ ይቕጽል …

 

ጉልባብ ፕረዚደንት ዝቐንጠጠ ናይ ዶብ ኲናት

ፕረዚደንት ብዛዕባ ዕላማን ውጽኢትን ናይቲ ኲናት ክዛረብ ከሎ፣ ነንሕድሕዱ ዝጋጮን ዝዋቓዕን መግለጺ ኢዩ ሂቡ። ‘ወያኔ ነቲ ኲናት ዘበገሰ፣ ኣብ ኤርትራ ከም ድላዩ ዝዝውሮን ዝእዝዞን መንግስቲ ንምትካል ኢዩ’ ክብል ጸኒሑ፣ ግምጥል ኢሉ ድማ፣ ‘ኣስመራ ኣትዩ ታንክታትን ወታደራዊ መካይንን ሰሪዑ፣ ጥሩምባ እናሃረመ ብዓወት ንምምላስ ኢዩ’ ኢሉና። ‘ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሞራልን መንነትን ንምድቛስ ኢዩ’ ክብል’ውን ሰሚዕናዮ። ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ ኲናት ክገልጽ ከሎ ድማ ‘ኢትዮጵያ መሬትና ሒዛ ኣላ፣ ዶብና ከይተሓንጸጸ ሰላም ክህሉ ኣይኮነን’ ክብል ጸኒሑ፣ ግምጥል ኢሉ ‘ጉዳይ ዶብ ተወዲኡ ኢዩ፣ ሕጋዊ መዕለቢ ስለ ዝተገብረሉ ብዛዕብኡ ምዝራብ ትርጉም የብሉን’ ኢሉና። እዚ ከኣ መርኣያ ናይቲ ዘይርጉእ መንፈሱን ፖለቲካዊ ጥፍሽንኡን ኢዩ። ርእይቶን ትዕዝብትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ግን ካብዚ ፕረዚደንት ዝሃቦ ተዛባዒ መደረታት ኣዝዩ ዝተፈልየ ኢዩ።

እቲ ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ሕቶ፣ ኲናት ምስ ተጀመረ ኣብ ውሽጢ’ቲ ወታደራዊ ኣመራርሓ ዝተራእየ ዘይብቕዓት ኢዩ። ፕረዚደንትን መሰልቱን ብሚሐ እናመመዩ ናብቲ ወታደራዊ እዚ ከደይብዎም ዝጸንሑ ጀነራላት፣ ‘ንዝተዋህቦም ሃገራዊ ሓላፍነት ብብቕዓት ሰሪሖሙሉ’ዶ’ ዝብል ኢዩ። ብወገነይ ‘ኣይፋሎምን’ እብል። ነዚ ዘረጋግጽ ሰለስት ኣብነታት ከቕርብ ኢየ።

 

  1. ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ ግምባር፣ ቦታ ምሓዝን ምግዳፍን ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ 1978 ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ካብ ብሎኮታት ዓዲቀይሕን ጎቦታት ግርሁ ስርናይን ክሳብ ናቕፋ ኣዝሊቑ ኢዩ። ጸላኢ ነዚ ኩሉ ቦታታት ክቆጻጸር ከሎ፣ መሬት ብምሓዙ ጥራሕ ተሓጒሱን ጨዲሩን’ኳ እንተኾነ፣ ብዙሕ ክፋል ሰራዊቱ ተደምሲሱን ብዙሕ ካብ ንብረቱ ድማ ተሰሊቡን ዓንዩን ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሞራል ሰራዊቱ ባይታ ዘቢጡ ነይሩ።

 

ብኣንጻሩ ኣብቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ናይ ዶብ ኲናት ዝወረደ ክሳራን ፍሽለት ኣመራርሓን ግን፣ ኣብ ወታደራዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ መማዝንቲ የብሉን። ንኣብነት ኣብቲ ብ12 ግምቦት 2000 ዝጀመረ፣ ብስም 3ይ ወራር ዝተኻየደ ውግእ ጥራይ፣ እቲ ኣብ ግምባር መረብ ሰቲት ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ፣ ብዙሕ ክፋል ስንቁን ተዓጢቑዎ ዝነበረ ከበድቲ ኣጽዋሩን ኣረኪቡ ምውጽኡ፣ ምሉእ ብምሉእ ፍሽለት ናይቲ ዝነበረ ወታደራዊ ኣመራርሓ ኢዩ። እቲ ሰራዊት በቶም ጉድለታቶም ንደገ ከይወጽእ ነንሕድሕዶም ዝሸፋፈኑን፣ ሓደ ነቲ ካልእ ኣሕሊፉ ከይህብ ዝተማሓሓሉን መኮነናት ዝተዓብለለ ኣመራርሓ ኢዩ ነይሩዎ። ወያኔ ጀነራላት ደርግ ነበር ከይተረፊ ከሰልፍ ከሎ፣ ህግደፍ ግን ንገለ ካብቶም ምኩራት መራሕቲ ውግእ ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይሩዎም፣ ወይ ድማ ትእዛዝ ናይቶም ፍሽለቱ ዝሽፍኑ ትሕት ዝበለ ዓቕሚ ዝነበሮም መኮነናት ከም  ዝቕበሉ ገይሩ።

 

ነዚ ክብ ኢለ ክዝርዝሮ ዝጸናሕኩ ብንጹር ዘብርህ ናይ ክልተ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ርእይቶ ከቕርብ ጽቡቕ ይመስለኒ። ኮሎኔል ተስፋገብሪኤል እምባየ (ሕፉን) “ሓደ ካብቲ ዘሕመካ” ኢሉ ብምጅማር፦

 

“እቲ ኲናት ምስ ኩሉ ጸገማቱን ኣተሓሕዝኡን…  ንሕና ሓንቲ መዓልቲ ተበግሶ ወሲድና ኣይንፈልጥን ኢና። ብወታደራዊ ዓይኒ ክረአ ከሎ፣ ንሱ ሓደ ካብቲ ናይ ስትራተጂ ጌጋ ኢዩ። እቶም ምኩራት ዝበሃሉ ደስኪሎም ኢዮም፣ ነቲ ኲናት ዝመርሕ ዝነበረ ኢሰያስ ኢዩ። ኢሰያስ ሓላፊ ወታደራዊ ኣዛዚ ምኒስትሪ ምክልኻል ኮይኑ፣ ወዲ ኤፍረም ከኣ ሓለቓ-ስታፍ ናቱ ነይሩ” ድሕሪ ምባል ኢሰያስ ዝኾነ ወታደራዊ ተመክሮ ከም ዘይነበሮ ይገልጽ።

(ቃል ሌ/ኮ/ል ተስፋገብሪኤል እምባየ - ሕፉን - you tube 16/ 07/ 2012)

 

ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ኣባል ናይታ ሚስጢራዊት ሰልፊ ዝነበረ ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግስ’ውን ከምዚ ክብል ንሬድዮ ወጋሕታ ቃሉ ሂቡ፣-

“ድሕሪ መስዋእቲ ኢብራሂም ዓፋ ኲናት ዝመርሑ ዝነበሩ ጴጥሮስ ሰለሞንን ዑቕበ ኣብርሃን ኢዮም። ኣብ ምፍራስ ናደው ነቲ ውግእ ዝመርሕ ዝነበረ ድማ መስፍን ሓጎስ ኢዩ።”

… ቃል ገዲም ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግስ፣ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ 7ይ ክፋል

 

ሰለስቲኦም ድማ፣ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፣ ካብቲ ወታደራዊ እዚታት ተገሊሎም ነይሮም። ኣብ ምዝዛም ናይቲ ኲናት፣ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ኲናት ንፕረዚደንት ዝነቐፉን፣ ክልተ ካብኣቶም ብትእዛዝ ፕረዚደንት ተኣሲሮም ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ኢዮም።

 

  1. እቲ ካልኣይ ነጥቢ፣ እቲ ኣንጻርና ዝዋጋእ ዝነበረ ወያነ’ኸ፣ ብዛዕባ’ቲ ኲናት ዝሃቦ ገምጋም እንታይ ይመስል? ዝብል ኢዩ። ዳርጋ ኩሎም መኮነናት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወታደራቶምን ‘ተዓጻጻፊ’ ኣሰራርሓኦምን ዝንየቱ’ኳ እንተኾኑ፣ ብቐንዱ ግን ወታደራዊ እዚ ኤርትራ ምስቲ ናይ ህዝባዊ ግምባር ዝዳረግ ወታደራዊ ብቕዓት ኣይነበሮምን። ንሳቶም ነቲ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝነበሮም ቅዲ-ኲናት ከም ዘለዎ ክጥቀምሉ ይፍትኑ ነይሮም” ይብሉ። ብዛዕባ ተወፋይነት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናይ ሰራዊት ኤርትራ ክገልጹ ከለዉ ድማ፣ “ምስ ክውንነት ዘይከይድ ትእዛዝ ይህቡ፣ ኩነታት ክብድ ክብል ከሎ ድማ፣ ነቲ ሰራዊት ‘እቶ’ ዝብል ትእዛዝ ሂቦም፣ ንባዕሎም ዝሃድሙ ኢዮም ነይሮም” ይብሉ። ንኣብነት ሓደ ‘ኣብ ወታደራዊ ስለያ ኢትዮጵያ እሰርሕ ነይረ’ ዝበለ መኮነን፣ ንሓንቲ ፍጻሜ ጠቒሱ፣ ከምዚ ክብል ጽሒፉ ነይሩ፦

“… ሓደ ንረዳት ዝተላእከ መራሕ ብርጌድ፣ ኣሃድኡ መሪሑ ናብቲ ግምባር እናኸደ ከሎ፣ ወታደራትና (ወታደራት ኢትዮጵያ ማለቱ ኢዩ) ንቕድሚት ናብ ባረንቱ ገጾም ፋሕ ኢሎም ክጎዩ ምስ ረኣየ፣ ዝሃድሙ ዘለዉ ብጾቱ መሲሉዎ ‘ተመለስ’ እናበለ ናብኦም ገጹ ጎይዩ። ኣብ ጥቕኦም ምስ ቀረበ ኢዱ ክህብ ምስ ሓተትዎ፣ ኩነታቱ ደንጽይዎ፣ ‘ብጾትና ናበይ ከይዶም?’ ክብል ሓቲቱዎም። … እቲ መራሕ ብርጌድ ካብቲ ቅድም ዝፈልጦ ድፋዓት ርሒቑ ስለ ዝነበረን፣ ብሓለፍቱ ድማ ረዳት ክኸይድ እምበር፣ እቲ ዝነበረ ሓድሽ ምቅይያራት ስለ ዘይተነግሮን ኢዩ ተዛንዩ ከሎ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሽግር ዝኣተወ” ይብል።

 

እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብሓደ ናይ ጸላኢ መኮነን ዝተጻሕፈ ስለዝኾነ፣ ምግናን ክህልዎን ከይእመንን ይኽእል ይኸውን። ብዙሓት ኣብቲ ኲናት ብኣካል ዝነበሩ፣ ሕጂ ብሂወት ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝነበሩ መንእሰያት ዘዕልልዎ ዕላል ግን፣ ኣቀራርብኡ ጥራይ ኢዩ ዝፈላለ’ምበር፣ ካብዚ መግለጺ’ዚ ዝርሕቕ ኣይኮነን። ኣብቲ ኲናት ዝተራእየ ፍሽለት ኣመራርሓ እምበኣር፣ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። ‘ናይዚ ፍሽለት’ዚ ተሓታቲ’ኸ መን’ዩ?’ ዝብል ሕቶ ግን መልሲ የብሉን።

 

  1. ነዚ ዝመሳሰል ካልእ ኣብነት’ውን ኣሎ። እቲ ኲናት ተወዲኡ ናይ ሰላም  ውዕል ምስ ተፈረመ፣ ሰለስተ ካብ ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ መንደፈራ፣ ንሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስቲ (ተጋደልትን በርገስን) ብሓባር ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ መግለጺኦም ከም ዝተረዳእኩዎ፣ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ፣ ገምጋም ናይቲ ኲናት ንምቕራብን፣ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዝነበረ ነድሪ ንምድዕዓስን ኢዩ ይመስል። ኣብቲ ኣኼባ ናተይን ናይ ብዙሓት ካልኦት ሰባትን ኣቓልቦ ዝሰሓበት ርእይቶ ነይራ። ሓደ ሰብ ካብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ ምስ ተፈቕደሉ፣ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ።

“ኣነ ኣባል ወታደራዊ ስለያ ኢየ። 3ይ ወራር ቅድሚ ምጅማሩ፣ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ፣ ‘ጸላኢ ኣርባዓ ሽሕ (40,000) ኣድገ-በቕሊ ጽዒኑ፣ ናብ ትኹል ገጹ ይግስግስ ከምዘሎ፣ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ናይቲ ግምባር ኣዘዝቲ ደጋጊምና ሓቢርናዮም ኢና። እቶም ሓለፍቲ ግን ክሰትዩን መኽሰብ ናይቲ ከፊቶምዎ ዝነበሩ ድኳናት ክጽብጽቡን፣ ንዝሃብናዮም ሓበሬታ ኣይተገደስሉን…” ይብል። (ብትኹል ዝኣተወ ሰራዊት ወያኔ፣ ንመስመር መንደፈራ ባረንቱ ኣብ ሞልቂ በቲኩ ዓጽዩዎ ነይሩ ኢዩ።)

 

እቲ ከም በዓል ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ዝኣመሰሉ ሓለፍቲ ኣቐዲሙ ዝኸሰረ፣ ከም በዓል ጴጥሮስ ሰለሞን፣ ዑቕበ ኣብርሃ፣ ብርሃነ ገረዝጊሀርን መስፍን ሓጎስን ዝኣመሰሉ ምኩራት ሓለፍቲ፣ ብሂወቶም ከለዉ ኣገልግሎቶም ዝተነፍጎ፣ እቶም ኣብ ውሽጡ ዝነበሩ ምኩራት ሓለፍቲ ድማ፣ ትሑት ብቕዓት ብዝነበሮምን ነብሶም ዝፈትዉን ሓለፍቲ ተጸቒጦም፣ ርእሶም ኣድኒኖም ክኸዱ ዝተዓዘበ ሰራዊት እምበኣር፣ ኣብ ክንዲ ንጡፍ ተዋሳኢ ዝኸውን፣ ልኡም ተቐባሊ ትእዛዝ ናብ ምዃን ተለዊጡ ኢዩ። ኣብኡ’ውን ኣየብቀዐን። ካብ ልኡም ተቐባሊ ትእዛዝ ድማ ናብ ነብሱ ዘይውንን፣ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክጣበቕ ዘይክእል ጊላ ተቐይሩ።

 

እቲ ዝገርም ካብ ኩሎም ነቲ ግምባራት ዘወሃህዱ ዝነበሩ፣ ነንሕድሕዶም ዝቀራረቡ ላዕለዎት መኮነናትን ፕረዚደንት ባዕሉን፣ ዋላ ሓደ ሓላፍነት ናይቲ ፍሽለት ዝወሰደ ሰብ ዘይምንባሩ ኢዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ኣመራርሓ ናይቲ ኲናት ኢድ ዘይነበሮም ‘ድኽመታትና ንገምግም’ ዝበሉ ሰበ-ስልጣን፣ ብዘይፈጸምዎ ገበን ክሕተቱ ተዓዚብና። ጉድለታቶም ንግዳም ከይወጽእ ዝዓብጡን ዝሰታተሩን፣ ብስጋን ዓድን ዝቀራረቡ ደቂ ሓደ ከባቢን ንሶም ዝሓረይዎም ሰባትን፣ ብጻዕቂ ኣብ ቀንዲ ሓላፍነት ምቕማጥ እምበኣር፣ ንረብሓ ብምሉኡ’ቲ ህዝብን ረብሓ ሃገርን ዝዘርግ ምዃኑ ካብዚ ንላዕሊ መረጋገጺ ዘድልየና ኣይኮነን። ንሳቶም ንዝኾነ ኣብ ውሽጦም ዝፍጸም ጌጋታት ክዓብጥዎ ኢዮም ዝፍትኑ። እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ጉድለታት ኣብ ህዝቢ ከዛርብ እንተጀሚሩ ድማ፣ ካልኦት ኣብቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘይብሎም ንጹሃት ሰባት ‘ተሓተቲ’ ይገብርዎምን ይኹንንዎምን። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ ህግደፍ ቀተልትን ገበነኛታትን፣ ንንጹሃትን ውፉያትን ሃገራውያን እናኸሰሱ፣ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ከም ዝበልዩ ዝገብርሉ ስርዓት ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ንነዊሕ ክስርሓሉ ዝጸንሐ፣ በሰላታት ኣውራጃዊ ፖለቲካ ድማ እዚ ኢዩ።

 

ካብዚ ተበጊሰ ድማ ነቶም ዕምሪ ህግደፍ ንምንዋሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ደገፍቱን፣ ንኣወዳድባ ደምበ ተቓውሞን ዝምልከት ሕጽር ዝበለ ርእይቶ ከቕርብ ኢየ።

ብእኡ ድማ ነዚ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብክፋላት ተመቓቒሉ ክጸሓፍ ዝጸንሐ ውልቃዊ ትዕዝብተይ ከብቅዕ ኢዩ።

 

…..  ይቕጽል

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...