“As I walked out the door toward the gate that would lead to my freedom, I knew if I didn’t leave my bitterness and hatred behind, I’d still be in prison.” Nelson Mandela

እዋን ወገግ፡ ጸሓይ ብርጭቕ ኣብ ዝብላሉ ሰዓት፡ እሞ ድማ መሬት ብድንግላ እንከላ፡ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ክበሃሃል ዝፈተነ ናይ ሓሳባት ግጥም: ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን’ሲ፡ ብእመትዶ ብመጽዓን ይተመን? ኣብ ዝብል ናይ መጻኢ ዕድል ሕቶ’ዩ ዝተረባረበ’ምበር፡ ንፋታሕ ጥራይ ዝብል ጎንፊ ዝናን ባህታን ኣራሲኑዎ፡ ካብ ዑናታት ናይ ታሪኽ ዝተረኽበት ባንዴራ ኣብ ክሳድ ናይ እዋን ክሰቅል በ’ባትር ኣይተኾሳተረን።

ምኽንያቱ ናይ ምንብባርን ናይ መሰልን ምምሕያሽ’ምበር፡ መርገም ናይ ታሪኽ ማሕዘል ስለዘይኮነ’ቲ ቐንዲ ዛዕባ፡ ኤርትራዊ ንእስነት ናብ ቀላያት ላምፐዱሳ ምእንቲ ከይጸድፍ ናብ ዕዳጋ ልብን ኩላሊትን ናይ በደዊን ምእንቲ ከይሃትፍ፡ ካብ ደቡብ ሱዳን ክሳብ ኡጋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ኮለል ዝብል ዘሎ መሓውራት ንግድን ዕዳጋን ኣብ ደምብኡ ምእንቲ ክዓርፍ፡ ብሕጂ’ውን ጌና ነዛ ናይ መሰል ሕቶ’ዚኣ ንምምላስ፡ እቶም ቀደም ብዝተፈላለዩ ሸነኻት ዝተፈተኑ ሓሳባት’ዮም፡ ንጠለባት ናይ እዋን ዘዕግብ መልሲ እንተረኸቡ ኣብ ዓድን ዓውድን ዘዕነንዩ ዘለው። …. ኣጆኻ’ሞ ደበሳይ ክንደ’ሻዓ’ሎ ዋርሳይ!

ስለ’ዚ ገያሾ ስንቂ ወዲኦም ማይ ምእንቲ ከይጸምኡ፡ መጽዓኛ መንገዲ ነዊሕዎም ምእንቲ ከይውጽዑ፡ ምናልባት ውሕዥ ሩባ መረብ እንተመሊኡ ድማ፡ መጋይሾ ሰብ ቀደም ዝነበረ ገባላ እንዳመዓለ’ቦኦም ንመራሕትና፡ ማለት’ሲ ንበዓል ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈውርቅን ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን፡ ኣብ ቦትኡ ስለዘሎ እቲ ንቡር ናይ ምንብባር ጉዕዞ ዝሓጽረሉ ተኽእሎ ኣበ’ቢሉ ኾን’ዩ ዘሎ ንምባል’ዩ ጻዕረይ።

እወ “ህግደፍ ኣተሓሳስባ’ዩ” ዝብል ናየ’ተሓሳስባ ዝምባለ ካብ ተቐልቀለ’ምበኣርከስ፡ ደጊም ሓዲሽ ሓሳብን ሓደስቲ ሰባትን በየን ኮን ይበርቁ’ኾኑ፡ ኣብ ዝብል መስመር’የ ርኢቶይ ክሕውስ ዝፍትን ዘለኹ።

ስለ’ዚ ህግደፍ ኣተሓሳስባ’ዩ ካብ ተባህለ፡ ኣብ ዓድን ዓውድን ገኒኑ ካብ ዘሎ ብህልኽን ጽልእን ዝተገመለ ቋንቁኡ፡ ብዛዕባ ቅርጹን ትሕዝትኡን ዝሕብር ንጹር መልክዑ፡ ንሱ’ዩ ምባል ምግናን ኣይመስለንን። ምናልባት ኣብነት ንምሕዋስ እንተ’ድልዩ ከኣ፡

ሀ) ብዕለት 08/05/2013 ኣብ መርባብ ሓበሬታ ኣሰና.ኮም ብኣማኑኤል ማህደረ ረቒቓ ንንባብ ዝቐረበት፡ “ጨቋኒ ሕብረተሰብ ጨቆንቲ መራሕቲ ይወልድ” ትብል፡ ዘይነጽፍ ትምህርትን ብሱል ትዕዝብትን ዝሓዘለት ጽሕፍቲ፡ እዚ ዝስዕብ መስተንክር ኣበሃህላ ንንባብ ኣቕሪባ’ላ።

“እዝከረኒ ኣብ ኣኼባ ደብረዘይት ኣቶ በረኸት ስምኦን ነቲ ኣኼበኛ መግለጺ እናሃበ ከሎ ብዛዕባ ምምላስ ንብረት ናይቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተባረሩ ኤርትራዉያን ተላዒሉ ሕቶታት ኣብ ዝቐርበሉ ዝነበረ እዋን ሓደ መንእሰይ ርእይቶ ንምሃብ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ ዕድል ምስ ተዋህቦ፦ ዝተወርሰ ንብረት ኤርትራዉያን ይመለስ ዝበሃል እንተኾይኑ ብኣቶ በረኸት ክንጅምር ኣለና። ንሱዉን ንብረትና ስለዝኾነ ይመለሰልና በለ። ርእይቶ ናይቲ መንእሰይ ብነጎድጓዳዊ ጣቕዒት ናይቲ ኣኼበኛ ዝተሰነየ ኢዩ ነይሩ። መልሲ ኣቶ በረኸት ድማ ኣነስ ኢትዮጵያዊ ኢየ። ሃገረይ ከኣ ክልተ ዜግነት ኣይትፈቅድን ኢያ። ብሓሳብ ደኣ ይሕግዘኩም እምበር ኤርትራዊ ኮይነ ምሳኻትኩም ክቃለስ ኣይክእልን ኢየ ዝብል ነበረ።”

እዚ ናይ ህልኽ ርኢቶ’ዚ፡ ብነጎድጓዳዊ ጣቕዒት ናይ ባይቶ ምዕጃቡ ጽፍሕን ዑምቆትን ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራውነት ሰሪጹ ዘሎ ኣናብባ ታሪኽን ኣገናዝባ ህሉው ኩነታትን ዝእምት’ዩ።

እወ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት’ሲ መጻኢ ዕድል፡ ብተባህለን ተገብረን ናይ ትማሊ ተደናጊሩ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ካብ ቀደም ካብ ምብቋሉ ኣትሒዙ  ብዂናት ናይ ባድመ’ቢሉ ኣብ ጉባአታት ኣልጀሪስን ኦጋዱጉን ብባዶ ተሳዒሩ ዓቕሙን ብቕዓቱን ዘመስከረ ኣተሓሳስባ ዝናን ባህታን ኮይኑ ብምድራቑ፡ ኣብ ስደት’ውን ተረፍ መረፉ ንእዋን ከዳህልል በጨቕ ምባሉ ዘፍርሕ’ምበር ዘሕፍር ጥራይ መኣስ ኮይኑ። ህግደፍ ኣተሓሳስባ’ዩ ክበሃል’ምበኣርከስ ሓቂ’ዩ።

ስለ’ዚ እቲ ጸገም በረኸት ዝበሃል ስም ዘለዎ በሊሕ ኤርትራዊ ሰብኣይ ኢትዮጵያ ስለዝወሰደትልና ዘይኮነ ምብሳል ዝኣቢ ዘሎ ጉዳይና፡ ኣብ መስርሕ ገድልን ምግዳልን ብንግሁኡ፡ ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ቅዲ’መራርሓ ወይ ድማ ሓዲሽ ሓሳብ ንኸቕርብ ክወድቕ ክትንስእ ንዝጽዕር ዜጋ ዕድል ዝህብ ባይታ ዘንጽፍ ኣተሓሳስባ ስለዘይተዘርአ’ዩ። ….. በላሕትን ሊቃውንትን ዘይተሳእኑ።

ሓታታይ ድማ ሓቁ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ባህሉን እምነቱን ዝሰልብ፡ መልክዕን መልሓስን ናይ ዜግነት ከም ቃሕትኡ ኣብ ማፍጢ ሳዋ ዓፊኑ፡ ካብ ትምህርትን ፍልጠትን ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ነጺሉ፡ ዝጸርብ ብላይ ኣተሓሳስባ ዝናን ባህታን፡  ኣደናጊሩ ይገዝኦ ስለዘሎ፡ ብመሰረት’ቲ ዝዓበየሉ ምስ እዋን ዘይቃዶ ናይ ዋርሳይ ምህሮ’ዩ ዝሓተተ።

ስለ’ዚ ንቕድሚት ብምጥማት ምስ ጠለባት ናይ እዋን ምትዕጽጻፍ ምእንቲ ክጥዕም፡ ደጊም ንሓሳባት በዓል ደበሳይ ምስትንታን  ከድሊ’ዩ። .. ኣጆኻ ጥራይ ደበሳይ ክንደ’ሻዓ’ሎ ዋርሳይ!

ምኽንያቱ ኣብ ከም’ዚ ዝተጠቕሰ ኣበሃህላ ንዘሎ ናይ ጥፍኣት ጓይላ ብዝምልከት፡ ከም’ቲ ተለሚዱ ዝጸንሐ ኣኻይዳ ዓባቢጥካ ምሕላፉ ረብሓ ከምዘይብሉ ዘማትእ መኣስ ኮይኑ። ምናልባት ከም’ንዳ ዝናን ባህታን ካብ ታሪኾምን መበቆሎምን ክሕብኡ ዝፍትኑ እንተ’ልዮም ድማ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኣብ ዝዓለቡ ዓሊቦም፡ ዝገበሩ እንተገበሩ፡ ካብ ነብሶም ክሕብኡ ስለዘይክእሉ፡ ንርእሶም ኣይክቐሱንን’ዮም፡ ሰብ’ውን ኣይከቕስኑን’ዮም። … እዚኣቶም ጸላኢ ክብሉ ንሕልፈቶም’ዩ።

እወ በቲ ሓደ ሸነኽ ካብ ኢትዮጵያዊ መበቆሎም ከመዓልካ ዘይብሉ ርሕቀት ክርሕቁ ዝቖረጹ፡ መሃንድሳት ፖለቲካ ኤርትራ፡ ካብ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ክሳብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ንኤርትራዊ መበቆሎም ከም ታሪኽ ዘዕልሉሉ፡ ሃንደስቲ ፖለቲካ ናይ ኢትዮጵያ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ክሳብ ሚኒስተር በረኸት ስምዖን ዝኣልይዎ መድረኽ ኣብ ጣውላ ከምዘሎ ዘማትእ መኣስ ኮይኑ፡ እንተኾነ ግን፡

“If the solution to a problem of absolute disagreement extends to a call for bloodshed, then neither party has demonstrated the intelligence to formulate the question properly.” John Steinbeck

ኣብ’ዚ ዛዕባ’ዚ፡ እቲ ህልም ዝበለ ምስጢር ኮይኑ ዘሎ ስለምንታ’ዩ እዚ ብዘርእን ብባህልን ዝተጠምረ ትውልዲ ክሳብ ክንድ’ዚ ብህልኽ ተጸሚዱ ኣጀንድኡ ብደም ንጹሓት ኣጨቅዩ፡ ጉርብትናን ምንብባር ኣጊሙዎ፡ ብምባል ኣማራጺ ከማዕዱ ክንዲ ዝመጣጠር፡ ኣብ ልቡ ንዝተዓቑረት ታሪኻዊት ናይ ህልኽ ናጤባ፡ ከም ምልክት ዜግነቱ ኣብ ግምባሩ ለጢፉ ብኸም’ዚ ዝተጠቕሰ ቛንቋ ርኢትኡ ዘባርቕን ዘጣቕዕን ሜላ ምስ መንፈስ ንእስነት ኤርትራውነት ተጸምቢሩ እንክንጸባረቕ፡ ን’ንዳ ዝናን ባህታን ልቦና ብምስራቕ ጥራይ ዘይኮነ ሓፈሻዊ ብቕዓት ናይ ዜግነት፡ ብቛንቋ ብትሕዝቶ ከምኡ’ውን በ’ገባብ (image, style and ideas) ትውልዲ ብምምካን ብታሪኽ ዘውቅሶም’ዩ። …. እንተ ንደቂ እዋን ግን ሽሕ’ኳ እቲ ዝጽበዮም ዘሎ ዕማም ቀሊል እንተዘይኮነ፡ቅድሚ ዝኣገረ ናይ ምይይጥ መደረኾም ብህልኽ ከም ኣፍ ዑንቊ ዘጽብቡሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን። ህልኽ ንሕድሪ ዘይበቅዕ።

ካልኣይቲ ተመሳሳሊ ኣብነት ካብ’ቲ ዝተባህለ ናይ ደብረዘይት ዋዕላ’ሲ፡ ሓደ ወሃቢ ርኢቶ፡ “ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሃድሙ መንእሰያት፡ ብረቶም ኣብ ድፋዖም ገዲፎም’ዮም ሩባ መረብን ሓጻውር ፈንጂታትን ክሰግሩ ዝብገሱ፡ ካልእስ ይትረፍ ካብ ተጻባእቲ ሰባትን ኣራዊትን ዋሕስ ምእንቲ ክኾኖም’ኳ ጠበንጅኦም ክማልእዎ ኣይውሱኑን’ዮም”፡ ብዝዓይነቱ ኣባሃህላ ሓሳቡ ክገልጽ ምስ ፈተነ፡ ካብ ማእከል’ቲ ብዙሓት ሰበስልጣን ናይ ወያኔ ዝነበርዎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፡ ብሃንደበት “ዋይ ብረትና፡ ብረት ስዉኣት’ሲ ንወያኔ” ዝብል ድምጺ ዘቃለሐ ተሳታፊ ካብ’ቲ መድረኽ ናይ ኣኼባ ብድድ ከምዝበለ ይዕለል’ዩ።

ወሃቢ ርኢቶ’ውን ገሪሙዎ “ኣብ ዘረባይ ብረትካ ንወያኔ ዓድላ ዘይወጽኣኒ፡ ካብ ሂወትካ ንላዕሊ ዝዓብየካ ስለዘየሎ ግን ካብ ዓድኻ ክትጠፍእ ምስ ወሰንካ ምናልባት ብረትካ እንተ ተማሊእካያ፡ እቶም ክሕዙኻ ወይ ድማ ክቐትሉኻ ዝኽተሉኻ ክፈርሑኻ’ዮም፡ ካብኡ ድማ ወላ ንቕድመኻ፡ ሸጥካ ስዋ ክትሰትያ ትኽእል ትኸውን ኢኻ’የ ክብለካ ዝፈተንኩ” ወሰኸሉ ይበሃል።

ዝኾነ ኾይኑ ካብ ኤርትራ’ምበር ካብ ሳክቲዝምን ኢሳያሲዝምን መኣስ ሃዲምና ዝመስል ዘረባ ዋርሳይ ተሰሚዑ ብጭብጫባ ምስ ተቓለሐ፡ ብዙሓት ካብ’ቶም ካብ ሙሉእ ዓለም ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ብዛዕባ’ቲ ምሳሉ ዝተዛረበ ወሃቢ ርኢቶ እዚ’ሲ ወያኔ’ዩ ብዝዓይነቱ ሕሜታ በብጉጅለ ሕሹኽሹኽ ክብሉ ከምዝሰምዐን፡ ብዝተኻእሎም መጠን ካብኡ ረርሒቖም ብጎቦ ዓይኖም ክጥምትዎ ከምዝተዓዘበን፡ ኣብኡ ዝወዓለ ተጋዳላይን ጸሓፋይን ብኣንክሮ ይዝክር።

ስለ’ዚ ብሰንክ’ዚ ኣነዶ ንስኻ ንመልኽ ዝዓይነቱ ናይ ደቂ ሓውቦታት ህልኽ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ዕንወት መስርሕ ናይ ቋንቋ ምርሳይ ጥራይ ኣይኣኸሎን። በብቑሩብ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዝነበረ ተመሳሳልነት ናይ ንግድን ዕድጋን የማህምን: ማሕበራዊ ሃብቲ (social pyramid) የብንን’ዩ ዘሎ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ኤርትራውነት ብፖለቲካ ናይ ሽመልባ ጥራይ ዘይኮነ “እዚ’ውን ይሓልፍ” ብዝብል ናይ ሲናይ ንብዓትን ናይ ላምፐዱሳ ጥፍኣትን ብዝንጸባረቕ ተስፋ ቑርጸት ዝተዓብለለ ዜግነት እናመሰለ’ዩ ምስ ህልኹ ናብ ሙሉእ ዓለም ፋሕ ብትን ዝብል ዘሎ።

እቲ ኣዝዩ ዝገርም በዚ ሰፊኑ ዘሎ ናይ ዕንወት ኩነታት’ኳ ዘይርሕርሕ ቅዲ’መራርሓ ኣብ ዓዱ ገዲፉ ዝተሰደደ ንእስነት’ሲ፡ ድሕር’ዚ ኹሉ ዘስካክሕ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ፡ ኣብ ናይ ስደት መዓቑቡኡ ኮይኑ፡ ካብ’ታ ናይ ህልኽን ጽልእን ቀዳመይቲ ሓጢኣት-ኣዳም ዝነጽሓላ ማ’ጨሎት ክልተ ሸውዓተ ክሕጸብ ዘይምንግሁ’ዩ።

ብንጽጽር ሃለዋት ናይ’ቲ መላፍንቱ  ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ፡ ስግር ሩባ ዘሎ ናይ ንእስነት መድረኽ ብምሳሌ እንክግለጽ ግን፡  “መንእሰያት ደቡብ ኮረያ ምስ’ቶም ኪኖ ዶብ ብሰሜን ዝነብሩ ደቂ ሓውቦኦም ዘለዎም ናይ ወገናውነት ስምዒት ዝማሕምሐ’ዩ። ደቡባውያን ብዛዕባ ሰሜናውያን በቐል የብሎም ናፍቖት የብሎምን። ምናልባት ናይ ታሪኽ ሕማም ደሓር እንተ’ሎ’ውን፡ ክርስዕዎ”ሞ ናብ ዝዓጀቦም ክጓየዩ ጥራይ’ዮ ድላዮም። ሰሜናውያን ግን ኣይትረስዑና’ባ ክብሉ ዘጋብሩ’ይኮኑን።”  …  ከምኡ’ውን ናይ ዓጽመ-ስጋ ሓረጋት ማህሚኖም’ዮም። ዝገደደ ድማ ካብ ህዝቢ ደቡብ ኮረያ ክሳብ 5% ዝግመት ጥራይ’ዩ ገለ ቑሩርብ ብዛዕባ ታሪኽ ኣንድነት ዝዝክር።”  (The Economist 10/26/13)

እወ መጻኢ ዕድል በ’ዒንቲ ሳክቲዝምን ኢሳያሲዝምን ክጥመት እንተዘይተመሪጹ፡ ኣብ’ዛ እዋን ሳዋ፡ ሲናይን ላምፐዱሳን፡ ኤርትራዊ መበቆል ዝጸልዎ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሎም ክመያየጡ ካብ ናይ ስደት መዓቑቦኦም  ምስ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ዕርቅን ክዝቲ ጸቡቕ ፍቓዱ ኮይኑ ክርከብ እንከሎ’ሲ፡ ሓዲሽ ኣንፈት ናይ መጻኢ ዕድል ኣብ ምቕያስ ባብ ዝኸፍት ዓቢ ህያብ’ዩ ኔሩ።

ምኽንያቱ ኤርትራ ንልዕሊ 80 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኣፍ ደገ (gateway) ብሙዃን፡ ንባህርያዊ ትዕድልታ፡ ንሳቶም ምስ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝዋስኣሉ ዓንቀጽ ኮይኑ ንኽሰርሕ ብምርሓው ንናይ ሓባር ረብሓ ተውዕለሉ መስርሕ ዝኹስኩስን ካብ ጉዕዞ ሲናይን ላምፐዱሳን ኣድሒኑ ኣብ ገዛ ናብ ዘሕድር መስተርሆት ገጹ ዝመርሕ መንገዲ ዝኸፍት ኣጋጣሚ ስለዝኾነ።

እወ ካብ ሕጻን ክሳብ ሽማግለ ፈቐድኡ እናተበተነ፡ ንበዓል ደበሳይ ዶብ ክሳብ ዝሕንጸጽ ወይ ድማ ፕረሲደንት ኢሳያስን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ውዕል ክሳብ ዝፈራረሙ ዘጸቢ ምኽንያት ዘለዎም ኣይመስለንን። ንዘተን ምይይጥን ልቢ እንተተራሕዩ ኣማረጽቲ መንገድታት ናይ ለውጥን ዕርቅን በብቑሩብ ከምዝጥረዩ ዘጠራጥር መኣስ ኮይኑ። ብዓይኒ ሳክቲዝምን ኢሳያሲዝምን ክጥመት እንተዘይተደልዩ።

ስለ’ዚ ቐጠር ክትዓርቆም’ያ፡ ወይ ድማ ሱዳን ክትሽምግሎም’ያ ዝብል ወረ ንዕላል ዝበቅዕ እንተኾይኑ፡ በዓል ደበሳይ ብምሳሎም መንገዶም እንተጸረጉ ባንዴራ ምቕያር መኣስ የስምዕ ኮይኑ።

ብዘይምግናን ናይ ኩሉ ጸገማት መበገስን ከምኡ’ውን እንዳ ዝናን ባህታን ሸታሕ ዝበሉላ ገደልን ኣብ’ዛ ዝምድና’ዚኣ’ያ ዘላ። …. ተዓመት ደበሳይ ኣጆኻ ዋርሳይ ክበሃል እንተዘይተደልዩ።

ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት’ምበኣርከስ፡ ነዚ ክብሎ ዝፍትን ዘለኹ ኣበሃህላ ብዓይኒ ህልኽ ዘጠምቶ ናይ ኣንድነት ወይ ድማ ናይ ተምበርካኽነት ምስጢር ከምዘይብሉ፡ ድሕሪ ኲናት ናይ ባድመ ተፈጢሩ ዘሎ ዝምድና ኢትዮጵያ ምስ ጂቡቲ፡ ሱዳን፡ ከንያን ሶማልን ህያው ምስክር’ዩ።

“ከም ድላይካ’ይኮነን ውረድ-ደይብ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከምዝሃበካ’ምበር” ይብሉ ክቡር ኣቶ ቢል ገይትስ። ስለ’ዚ ሰኣን እሂንምሂን ብቛንቋ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶብን ብፖለቲካን ጥራይ ዘይኮነ፡ እናሓደረ ብአኮኖሚ’ውን ይጥረር፡ መጻኢ ዕድል ድማ፡ ንእዋንን ንበዓል ደበሳይን እናተቛመተ ናብ ጎረባብቲ ይጉኖኽ’ዩ ዘሎ። ካብ ህልኽን ጽልእን ዘናግፎ ናየ’ተሓሳባ ለውጢ’ፍጥረሉ።

ምናልባት ሃተፍተፍ ኣይትበል፡ ሃገር ማለት ብንግድን ዕዳጋን ብሸቐጥን ዋጋን ኣይምዘንን’ዩ፡ ኤርትራዊ ድማ ብኸብዱ ኣይዛረብን’ዩ ዝብሉ ናይ ሳክቲዝምን ኢሳያሲዝምን ተጣበቕቲ እንተ’ልዮም፡

“ሃገራት መናፍስቲ’ይኮናን። ደቂ ሰባት ምእንቲ ረብሐኦም ዝወስድዎ ስጉምትን ዘማዕብልዎ እምነትን’ዩ ዝፈጥረን። (5, 129)

“…States are not abstractions. They are products of beliefs and actions by real people, with real interests.” (5, 129)

“.. interests are species of ideas, it matters not simply what they are but what we are rightly or wrongly believe them to be.” (5, 19)

ረብሓታት ናይ ሓሳባት ዓይነታት’ዮም። ንሓሳባት ድማ ዓይነቶም ጥራይ ኣይኮነን ዘገድስ፡ ብምፍላጥ ይኹን ብዘይምፍላጥ ብዛዕብኦም ዘማዕበልናዮ እምነት ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ።”

ስለ’ዚ እዛ ዓለም ዕዳጋ ናይ ረብሓ መድረኽ’ያ። እንተ ጉዳይ ላዕላይ ሃገር ግን ማፍጡን ገነቱን ከከምኢድና ተፈሪድና ክሳብ ንሪኦ ወይ ድማ በጺሑ ዝተመልሰ ክሳብ ዘነጽሮ ንወለ’ዝጊ’ጭነቆ!

ከም’ቲ ሱሩር ሶርያዊ ዝበሎ፡ “ኣነ’ሲ እስራኤል ትበሃል ጸላኢት ከምዘላትኒ እናተመሃርኩ’የ ዓብየ።  ሕጂ ግን ጸላኢ እስራኤል ዘይኮነት’ሲ ባሻር’ዩ። ነዚ ሰብኣይ’ዚ ንምእላይ ወላ’ስራኤል እንተትወራ ንሶርያ ሓላል’ዩ። ምኽንያቱ እኳ ሓንቲ መዓልቲ ከይቀሰንኩ እንሆ ሰላሳ ናይ ንእስነት ዓመታተይ ተበሊዐን። ስለዝኾነ ድማ ደጊም ኣብ ገዛና ንሓድረሉ ሰላም ጥራይ’ዩ ጨኒቑና ዘሎ።” “ Srour said he had been raised to hate the Israelis, but now he was calling on any one, even Israel, to invade his country. I don’t want to pray at the Al Aqsa Mosque in Jerusalem!” he said. “Our enemy is Bashar, not Israel. We want to live our lives in peace. I’m thirty, and I haven’t seen a good day in my life.” (4, 54)

ስለ’ዚ ኣብ ኤርትራውነት ሰፊኑ ዘሎ ህልኽ ብመንጽር ኣበሃህላ ሱሩር ሶርያዊ እንተተመዚኑ፡ ትማልን ሎምን ዘማዕደዎ ረብሓ እንታይ ምዃኑ ዓቢ ምስጢር’ዩ።

ራእይ መራሕትና።

ሀ) “ደጃዝማች ገብረዮሃንስ ተስፋማርያም ኣብ’ቲ እዋን ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሩ እዮም። ንሶምን ከምኦም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝሓተቱ ካልኦት መንእሰያትን ናጽነት ዘይሓተቱሉ፡ ብኣንጻሩ ጸግዒ ኢትዮጵያ ዝሓዙሉ ምኽንያት ክገልጹ እንከለዉ ከምዚ ይብሉ።

“እዚ ሎሚ ናጸነት እትብሉዎ ዘለኹም፡ ሳላ ክፍኣት ጣልያን፡ ከመይ ጌሩ ሽዑ ከምዚ ዝመሰለ ኣተሓሳስባን ሓንጎልን ክነብር? ናጽነት፡ ርእስኻ ምኽኣልን ምሕዳርን ክመጸና ኣይከኣለን። ናይ ተገዛእነት መንፈስ ኢዩ ኣብ ሓንጎልና ተቐሪጹ ዝነበረ።

…… እቲ ሽዑ ዝነበረና ኣተሓሳስባ፡ ሕብረት ዝብል ይኹን ናጽነት ዝብል ይኹን ካልእ ዝብል፡ ናይ ጽልኢ ስምዒት ደኣ’ምበር ዝኾነ ሰብ ኣዕሚቑ ሓሲቡ፡ ኣእሚሩ ገይሩዎ ክበሃል ኣይከኣልን። በዚ ግብጺ ናተይ ትብል፡ በዚ ጣልያን ናተይ ትብል፡ በዚ እንግሊዝ ፖለቲካኡ ገይሩ ክፈላልየና ምስበለ፡ እቲ ምርጫና ኾይኑ ዝረኸብናዮ ምስ ኢትዮጵያ ምሕባር ኢዩ። (2, 82)”

ሁ) “ክሳብ 1943 ካብ ዓበይቲ መራሕቲ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝነበሩ” (2, 83) ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ …

“ብዝኾነ ከም’ዚ ምስ ኮነ ይብሉ ሸኽ ኢብራሂም፡ ነቲ ዋዕላ ረጊጾም፡ ትኽ ኢሎም ናብቲ ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ናይ ኣስመራ ቤት ምኽሪ ነጋዶ ኸዱ። ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ኮፍ ኢሎም፡ “ብኢስሚላህ ኣልራሕማን ኣልራሒም” ኢሎም ብምጅማር ድማ ፕሮግራም ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ነደፉ።” (2, 187)

“ሸኽ ኢብራሂም ኣብ ቅድሚ’ቲ ኮሚቲ ቐሪቦም መደረኦም ኣስምዑ። መደረኦም ግን ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝብሉዎን ዝማጎቱሉ ዝነበሩን መትከላት ኣልራቢጣ ተባሂሉ’ውን ብኹሉ ዝንገር ዝነበረን ሃገራዊ ትሕዝቶ ቁሩብ ውጽእ ዝበለ ነበረ። ብፍላይ ኣብ መእተዊ ዘረባኦም ሸኽ ኢብራሂም፡ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ረብሓታት ናይ’ቶም “75% ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘቑሙ እስላም ኤርትራውያን ዝሕሉ ኢዩ” በሉ። ነቲ ኣብ እስልምና ዘይኣምን ህዝቢ ድማ፡ ብመበቆል ቋንቋን ሃይማኖትን ዝተኸፋፈለ ምንባሩ ሓበሩ። ………   “ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ዝበሃል ናይ ሓባር ቁጠባዊ ረብሓታት’ውን የብላን” ድሕሪ ምባል ድማ ብጆኦግራፍያዊ መንጽር እንተኾነ’ውን፡ ካብ ወደባት ምጽዋዕን ዓሰብን ጂቡቲ ዝያዳ ከምዝጥዕማ ኣረድኡ። (2, 334-335)

“እቲ ካብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ዝመጽእ … ጣፍ እንተኾነ’ውን፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ንቡር እኽሊ ዝጥቀመሉ ኣይኮነን፡ ብዝያዳ ዕፉንን መሸላን’ዩ ዝበልዕ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሃገርና መሊኡ’ዩ።” (2, 502)  … ለከ ህዝቢ ኤርትራኮ ኣታሕዛ ፋርኬታን ማንካን ይፈልጥ’ዩ ዝተባህለ ናይ ስሓቂ’ይኮነን!

ስለ’ዚ ቀደም ናይ ልብኻ ምዝራብ ሓላል እንከሎ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብእመት ድዩ ወይስ ብመጽዓን’ዩ ክግመት ዝብል ክርክር መዕለቢ እንተተረኽቦ፡ ክጣበብ ዝፈተነ ውዕሎ ባይቶ ዓደ’ቦ ከምዝምስክሮ፡ …

“ዋዕላ ቤት ገርጊስ ክልተ ግዜ ኢዩ ተኻይዱ። እቲ ቀዳማይ ዛዕባ ወይ ኣጀንዳ ናይ’ቲ ቀንዲ ኣኼባ ንኽሰርዕ ዝተኣከበ ኾይኑ ብዘይ ገለ ጸገም ብ16 ሕዳር 1946 ተፈጸመ።  … ኣቶ ወልደኣብ ተረኺቦም … ኣቶ ተድላ ግን ኣይተረኽቡን። ኣጀንዳ’ውን ጸደቐ።” (2, 179)

ሂ) ዝኾነ ኾይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ሰንበት 24 ሕዳር 1946 ዝተኻየደ ካልኣይ ኣኼባ፡ ኣቶ ወልደኣብ ካብ ዝበልዎ፡

“…ዳርጋ ኩላቶም እቶም መራሕቲ ሕብረት ዝነበሩ ክርስትያን ኢዮም መብዛሕትኦም፡ ንሕና ኣስላም መብዛሕትና ተራኺብና።” (2, 180)

ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ቤት ገርጊስ እምበኣርከስ ኣቶ ወልደኣብን ኣቶ ተድላን፡  ፊት ንፊት’ዮም ተራኺቦም። ናይ ኣቶ ወልደኣብ ቃላት ከም ዝሕብሮ ድማ፡ ኣበ’ሰላልፋን፡ ናይ ሓሳባት ፍልልይን ናይ’ቲ ዋዕላ፡ ዝተንጸባረቐ ረቛሒ፡ ንጹርን ድሙቕን’ዩ ኔሩ።

ደራሲ ኣቶ ኣለም ሰገድ ተስፋይ፡ ከም ዘዘንትዎ ድማ፡ “ኣብ’ዚ ክልተ ዝተገራጨወ ትሕዝቶ ኢዩ ዝቐረበ። እቲ ቐዳማይ ናይ ወልደኣብ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ተድላ” (2, 181) ብምባል ናይ ክልቲኦም ኣሳእል ብማዕረ ሰሪዑ ይቕጽል..።

ምኽንያቱ ኣቶ ተድላን ኣቶ ወልደኣብን ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተጋጭዮም’ሲ፡ ክሳብ ንመበቆል ዝትንክፍ መሪር ቃላት ተለዋወጡሞ፡ ክርክሮም ኣብ ጋዜጣ ቀጸሉ። ካብኡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተበሃሃልዎ በብናቶም መንገዲ ናበ’ንበብቲ ኣቕረብዎ። እቲ ዘሕዝን ናይ ክልቲኦም ቆየቛ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ብኻልኦት ተሳፈቲ ናይ’ቲ ኣኼባ ንታሪኽ ዝቐርብ ምስክርነት ኣብ ጽሑፍ ዘይምድማቑ’ዩ።

ስለ’ዚ መንቀሊኡ፡ ኣቶ ተድላ ንኣቶ ወልደኣብ፡ ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን! ክንበሃሃል ኢና ተኣኪብና ዘለና’ሞ፡ ባይቶና ዘይተብሕቱና ካብ ዝዓይነቱ መንቂ፡ ናትኩም ነገር ይገርመና’ሎ ክሳብ ትማሊ መዓልቲ ብናይ መጉዚት/ትራስትሺፕ ስብከትኩም ህዝቢ ክትእክቡ ከምዘይጸናሕኩም’ሲ ሎሚ ድማ  ፍሉይ ውዕል ዝብል ሓሳብ ሒዝኩም ንእኩብ ህዝቢ ክትምህሩ ትደልዩ’ለኹም፡ ንምዃኑ  ኣበ’ዩ ዓድኹም፡ “ወዲ ትግራይ ትግራዋይ ምዃንኩም ንፈልጥ ኢና።” ዝብል ናይ ህልኽ ቃላት ምስ’ሰምዕዎም፡ ኣቶ ወልደኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ብቓላት ኣቶ ተድላ እንክዝከር፡

“ንሕዝቢ መረብ ምላሽ ዚሓይሽ ኮይኑ ስለ እተራእየኒ’ምበር፡ ኣነ ውዕል ዜድልየኒ ኣይኮንኩን። ንዓኻትኩም ግና ሕጂ’ውን ደጊመ እብል ኣለኹ። ብዘይ ውዕል ናብ ኢትዮጵያ ክንጽንበር ኢና እንተ በልኩም ጌጋ ኢዩ፡ ኢሎም ከምዝተዛረቡ’ውን ተድላ ባይሩ ኣብታ ዓንቀጽ ገለጹ። (2, 183)

ስለ’ዚ ብክርስትናን ብኣኹሱማዊ ኣነነትን ዝምክሑ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም’ሲ ስለምንታይ ኮን’ኸውን ካብ’ታ በ’ቦን በ’ደን ትብጽሖም፡ “ዓድ’ኖሓጎታቶይን ዓደ’ቦሓጎታቶይን” (2, 182) ብምባል ዝምኩሑላ ኢትዮጵያ፡ ንህዝቢ መረብ ምላሽ መሪሖም፡ ከመ’ዓልካ ክሳብ ዘጥፍእ ርሕቀት ክርሕቁ፡ ናይ ህልኽ ፈረሶም ተወጢሖም፡ በ’ተሓሳስባን ብኣካልን ካ’በኽሱም ነ’ስመራ፡ ካ’በስመራ ድማ ክሳብ ካይሮ ነፊጾም ጻዕሮም ቀጺሎም?  …….. እዚ ንእዋን ዝግደፍ ዕዮ ገዛ’ዩ።

መልሶም ብቓላቶም እንክዝከር ድማ “ከምታ ንሓደ ትግራዋይ ተዋሂባቶ ዘላ ዓቕሚ ክደራጎስ ጀመርኩ። ትግራዋይ ማለት በዓል ክልተ ደሞዝ፡ ጠላም ብጻዩ ብዓል ክልተ መልሓስ ከም ዘይኮነ፡ እዚ ካብ ዘይከውን ከኣ ትግራዋይ ማለት ወዲ ነገስታት ወዲ መሳፍንቲ ወዲ መኳንንቲ ማለት እንካብ ዝኸውንስ…… ከም’ዚ ዝበለ ቃል ክዛረብ ከለኹ ድማ፡ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ከቶ ተሰሚዑኒ ዘይፈልጥ ደስታን ሓበንን ይስምዓኒ ነበረ። ሕፍቲ ዘይብሉ ዘይጥርጠር ወለዶ እንሓንሳእ ብሓቂ ዝጠቅም’ዩ!” (2, 182)

ብኣቶ ኣለም ሰገድ ተስፋይ ዝተጻሕፈ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ “ኣይንፈላለ ገጽ-119” ዘሎ ጽሑፍ ከም ዝሕብሮ፡

“ኣብ ናይ 3 ነሓሰ 1944 ሕታም ሰሙናዊ ጋዜጣ ብስም ሓደ ኤርትራዊ ዝተጻሕፈት፡ ብዛዕባ’ቲ ዝመጽእ ኩነታት ኤርትራ ዚትንኪ ገለ ሓሳባት እትብል ዓንቀጽ ነበረት። ደራሲ ስሙ’ኳ እንተ ዘየስፈረላ፡ ሽዑ ናይ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ስቲቨን ሎንግሪግ ምንባሩን፡ ካብ ቋንቋ እንግሊዝ ናብ ትግርኛ ድማ ባዕሎም ከምዝተርጎሙዋን ኣቶ ወልደኣብ ደጋጊሞም ገሊጾም እዮም።”

ኣብ ገጽ 120 ካብ ዘሎ ጽሑፍ ድማ …. “ደራሲ ኤርትራዊ ወዲ ኸበሳ ምንባሩ ይሕብር’ሞ፡ ኣውራ ዘገድሶ እቲ ቋንቋ ትግርኛ ንዝዛረቡ ብዙሓት ክርስትያን ዝትንኪ ምንባሩ ድሕሪ ምርግጋጽ … ህዝቢ ኸበሳ ይብል …. ምስ’ቲ ኣብ ሰሜናዊት ኢትዮጵያ ዚቕመጥ ሕዝቢ፡ ብዓሌትን ብሃይማኖትን ብያታን ብዛንታን ብትምህርትን ብልማድን ሓደ ወገን ከምዝኾነ ኣጸቢቑ እተፈልጠ ኢዩ፡ እቲ ትግራዋይ (ትግሬ) ዚበሃል ሕዝቢ፡ እቲ ንምልእቲ ኢትዮጵያ ስልጣንን ጭውነትን ዕብየትን ስርዓትን ዝሃበ ሕዝቢ፡ ኣብ ክልተ ኪምቀል ከኣ ከቶ ዘይግባእ ኢዩ።

በዚ ደው ከይበለ ደራሲ፡ ኣኽሱም ናይ’ቲ ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ መንፈሳዊት መደበር ወይ ብልጽቲ መዝገብ ኢያ፡ ናይ ምሉእ ሕዝቢ ትግርኛ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ሃረርታን ናፍቖትን ከኣ ኣብኣ ኢዩ ተዓቚሩን ተዓቂቡን ዚነብር ዘሎ …. ።” ክሳብ ምባል ይበጽሕ።

ስለ’ዚ እዚ ብደራሳይ ስቲቨን ሎንግሪግ ተርጓማይ ኣቶ ወልደኣብ ዝቐረበ ዝበሃለሉ ጽሑፍ ከም ዝብሎ፡  “እቲ ትግራዋይ (ትግሬ) ዚበሃል ሕዝቢ፡ እቲ ንምልእቲ ኢትዮጵያ ስልጣንን ጭውነትን ዕብየትን ስርዓትን ዝሃበ ሕዝቢ፡ ኣብ ክልተ ኪምቀል ከኣ ከቶ ዘይግባእ ኢዩ።” …… ክብል ዝደፈረ እንግሊዛዊ ናይ ኤርትራ ኣመሓዳሪ’ሲ፡ ኣኽሱም’ዩ ዝመስል ዓዱ ምባሉ ምግናን ኣይመስለንን።

ከመይ’ሲ ኣንቶኒ ለይክ ከማን ሰገነይቲ’ዩ ዓደ’ኮታቱ ዝብል ናይ ባዶ ሰለስተ ወረ ዝተናፈሰሉ እዋን ኔሩ’ይ።

ስለ’ዚ ገለ ቑሩብ ነጻብራቕ ካብ ራእይ መራሕትና ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝመስል ሱር ዘለዎ ኢሳያሲዝምን ሳክቲዝምን’ዩ ዝመስል ምባሉ ምግናን የብሉን።

ይኹን ደኣ’ምበር ነዚ ሕጂ ዓድን ዓውድን ዝብጽብጽ ዘሎ ጸገም ኣለልዩ፡ ብዛዕባ ኣፈታትሕኡ ክጣበብ ዝፍትን ዝመስል ናይ ለውጢ መስርሕ’ሲ፡ ዓንዲ ሕቖ ከምዘይብሉ፡ ወይ ድማ ነቲ ቐንዲ ሕማም ፈሪሑ፡ ገለሻብ ኣብ ህላወ (http://www.balance-today.org/bias/availability_bias.html) ግልብጥ ኢሉ ድማ ኣብ ምሕካል (unavailability bias) ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተተንጠልጢሉ ዝሻቐል ኣናብባ ታሪኽን ኣገናዝባ ህሉው ኩነታትን ተወንዚፉ፡ ድሕሪትን ቅድሚትን ዝሓዋውስ ሓሳባት ካብ ምቅላሕ ዝርብርብ ኣይመስልን’ዩ ዘሎ።

ብሓፈሽኡ ግን ብገለ ገለ ናይ’ንዳ ዝናን ባህታን ሓዋርያት ዝነበሩ ክቃላሕ ሓግዩ ዝኸረመ ናይ ጸርፊ ቛንቋ ክደጋግሞ ዝስማዕ ዘሎ መደናገሪ ሓሳባት፡ ናይ’ዛ ከም ዓባይ ሰዓል ዘይትምሕር ትመስል ሕማም ተላገብ ጠንቂ ኢሳያስ ዝበሃል ቫይረስ’ዩ ትብል ጭርሖ ሒዙ፡ ነቲ መዋርዶ ናብ ዘይብላ ጸድፊ ብጣቕዒትና ምስ ተሰቕለ፡ ብሞያ ሞይቱ ኣብ ህልኽ ዝተሳዕረ ቅዲ’መራርሓ ኣዳዕዲዑ ዝጻረፈሉ ክሳድ ክመርጽ ክገብሮ ዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ካብ ጠለባት ናይ እዋን ንኽሃድም ፈረሱ ዝጋልብ ነብሰ-ምትዕሽሻው’ዩ ዘምስሎ ኔሩ፡ ንምባል’ዩ ጻዕረይ’ምበር፡ ፍርቂ ዘመን ንድሕሪት ዘጠምት መቓብር ወርቂ ይረኣየኒ’ሎ ዝብል ሕልሚ ሓሊመ ኣይወጽኣንን! ….. ብዘይቃልዓለም ግን እብረ እንተረኺቦም ሓሳባትን ባህግታትን ምስ እዋን ዘይሕደሱ መኣስ ኮይኖም።

እቲ ኣዝዩ ዝገርም፡ እዚ ጸሓይ ክሳብ ትመርር ኣብ ህለወ ኣራፊዱ ኣብ ምዝሓላ ድማ ኣብ ምሕካል ፕረሲደንት ኢሳያስ ተተንጠልጢሉ ንኽጻረፍ ድሕር ዘይብል ዝመስል ዝምባለ፡ ክሳብ ትማሊ ኣብ ውሽጢ ዳስ እንዳ ዝናን ባህታን ከሳሲ ካብ ዝጸንሐ ሽርሒ ምንቃሉ ከይኣክል’ሲ፡ ሎሚ ድማ ኣብ እዋን ዕግርግር ነንዝፈረየት ኣርእስተ-ወረ ብዝያዳ ዘድምቕ ሕብሪ’ለኒ ንምባል ጉልባቡ ቀሊዑ፡ ኣንፈት ሓደስቲ ሓሳባት ስግጽ ዘብል ሽወሽ ተዓጢቑ፡ ብዛዕባ ንመራሕትና ዝኸውን መንቀሳቐሲ ወረቐት ናይ ደቀ’ባት ዝፈልጦ’ለኒ ክብል ብምፍታኑ “ኣድግ’ሲ ከም’ዛ ትሕለብ ቀቅድሚ’ዘነ’ሓ ትቑለብ” ዝብል ምስላ ካብ ምዝኽኻር ዝፈልዮ ብልጫ’ብሉን። ኢሳያስን ኢሳያሲዝምን ዘለልየሉ ብርሃን ይፍጠረሉ።

ግደ ሓቂ ግን ሚዛን መሪሕነት ካብ ህላወን ሞትን ናይ ደቂ-ሰባት ንላዕሊ ናይ ሓሳባት መንጸፉ’ዩ ሂወቱ ። ከመይ’ሲ፡ ንሱ’ዩ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝውረስ-ዝወራረስ፡ ዝበኩዕ-ዝልወስ፡ ዝኣርግ-ዝልወጥ፡ ዝምዕብል-ዝኹስኮስ።

ስለ’ዚ ናይ ሓሳባት መሪሕ ካብ ኮነ ምስ ረብሓን ሰላምን ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከከምእዋኑ ተመሳሲሉ ብምትዕጽጻፍ ኣብ መስርሕ ጎደና ምዕባለ ንቕድሚት ክስጉም ዝወድቕ ዝትንስእ፡ ናጽነት ብለውጢ’ያ ትዕቀን ምባል ከይደቀስካ ምሕላም ኣይመስለንን።  ካብ ተመሓላላፊ ሕማም መርዘን ሳክቲዝምን ኢሳያሲዝምን ይሰውረና ጥራይ!

እወ፡ ንመስርሕ ለውጥን ዕርቅን መናቕሎን መዓልቦን ምእንቲ ክንጽረሉ፡ እሞ ድማ ናይ ደቂ እዋን ኣድህቦ ዝጽበ ዘሎ ዛዕባ ከም መለክዒ እንተተቖጺሩ፡ ናብ’ዚ ክሳብ ሕጂ ዝገዝእ ዘሎ ናይ ዕንወት መስመር ዘዕለበ መስርሕ ኣበ’ተኣላልያ ፍልልይ ናይ ሓሳባቱ ድዩ ተዓንቂፉ ወዲቑ ወይስ፡ በ’ተረጓጉማ ሓድነት ናይ ሓሳባቱ’ዩ ተዓሻሽዩ ከም’ዚ’ሉ ክሳብ ዝቐብዕ ተሃሚሉ፡ ዝብል ሕቶ ደጊም ዓይኒ ጸቒጥካ ዝሕለፍ መኣስ ኮይኑ።

ዝኾነ ኾይኑ ግን ውድቀቱ ዘይኮነ፡ እንተተረኺቡስ ትንሳኤኡ ስለዝኾነ ዝዓብስ፡ መን’ፈልጥ እቲ ዝተረፈ ቁጻሩ ቆጺሩ ናብ መድረኽ ለውጥን ዕርቅን ክሕወስ እንተ ርዒሙ ሕጂኸ  ደሃይ እዋን ኣለዎዶ፡ ወይስ ብናይ ታሪኽ ኦክያለ’ዩ ንእዋን ከዐምት፡ ዝህንጠ ዘሎ? ብዝዓይነቱ ስምዕታ ምውጣሩ ክሳራ’ብሉን።

ብዘይምግናን ግን እቲ መስርሕ ኣብ ሓድነት ናይ ሓሳባቱ’ዩ ተሃሚሉ’ምበር፡ ኣበ’ተኣላልያ ፍልልይ ናይ ሓሳባቱ ዝተደናገረ ስለዘይመስል ከም ቅናቱ፡ ናይ ፈተውቱ ዓቕሊ ከይተረፈ ዘጸንቀቕ’ዩ ተግባራቱ።

ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ’ፍጠረሎም፡ ክቡር “ፕሮፈሰር ተኪአ ፍስሓጽዮን፡ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ 9ይ ዓመት ቁ.149 ቀዳም 12 ነሓሰ 2000፡ ድምጽታት ካልኦት’ውን ንስማዕ! …

Eritrean Profile 08/05/2000 - Listening to Other Voices”  ክሳብ ምባል ዘብጽሖም መረረ፡ ንእሽቶ ሓበሬታ መኣስ ኮይኑ።

ከምኡ’ውን ንሕና ኤርትራውያን’ኮ ፍሉያት ኢና፡ ወይ ድማ ፍሉይ ውዕል’ዩ ዘድልየና ዝብል ጭርሖ ክድገም እንተዘይተደፊሩ እዚ ዝስዕብ ትዕዝብቲ ዛ’ዓለም ዕዳጋ ብዛዕባ ሓደገኛ ኣዋዕላ ሓድነት ዘመሓላልፎ ትምህርቲ ቀሊል መኣስ ኮይኑ።

http://www.balance-today.org/bias/group_think.html

“Group-think occurs when decisions are made due to the unified nature of decision-makers. In other words, their cohesiveness prevents alternative views from being aired and evaluated.

It happens when the decision-makers strive for unanimity, and this overrides their motivation to consider alternative views. As a result, independent thinking is lost. 

There could be a number of reasons for group-think occurring, but, generally, it's because the decision-makers want to avoid looking foolish themselves or annoying others. Whatever the reason, groupthink can cause a group to make irrational decisions, because its members are fearful of upsetting the group's cohesiveness.”

እወ ሕጂ’ውን ኣድህቦ ደቂ እዋን ዝጽበ ዘሎ ሕቶ’ምበኣርከስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብእመትዶ ብመጽዓን ይገመት ዝብል ናይ መሰል ሕቶ’ዩ’ምበር፡ ካብ ደቡብ ሱዳን ክሳብ ኦምዱርማን፡ ካብ እስራኤል ክሳብ ኖርወይ፡ ካብ ከንያ ክሳብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ኡጋንዳ ክሳብ ካናዳ፡ ካብ ኣመሪካ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ …. ፋሕ ብትን ንዝብል ዘሎ ህዝቢ፡ መኣከቢ ዝኸውን ነጥቢ፡ መራሕትና ደቀ’ባት ኣይኮኑን፡ ወይ ድማ ፕረሲደንት ኢሳያስ’ምበር ካበ’ስመራ ተሰዊሩ ዝዓይነቱ ናይ እዋን-ድቃስ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣይኮነን።

ስለ’ዚ ወዮ ቐደም፡ ኣንጻር ጎብለልነት ናየ’ምሓራ መሲሉ ዝተሰፍለ ናይ ሓሳባት ህልኽ፡ ብእዋኑ ሩባ ምስ ሰገረ ሎም’ውን ምስ ናጽነት ኤርትራ፡ ታሪኽን ጂኦግራፍን ተደናጊሩዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸላእን መሃልኽትን እንተስኢኑ ካብ ማይ ከምዝወጽአ ዓሳ ሂወት ስለዘይብሉ፡ ኣብ’ዛ ንእሽቶ ኤርትራ ዓድን ዓውድን ክብጽብጽ’ዩ ዝርአ ዘሎ።

ዝኾነ ኾይኑ እዞም ብታሪኽ ተጠቀስቲ ኮይኖም፡ ብህልኽ ዝልለዩ ናይ ዘውድን ጎብለልነትን ሓሳባት፡ ትማልን ሎምን ምማይ ዝኣገሞም ክሳብ ዝመስሉ፡ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ኣበ’ዒንቲ ብዙሓት ደለይቲ ለውጢ ተሳኢሎም ዥንግሪር ይብሉ ከምዘለዉ ኣዝዩ ዝገርም’ዩ።

ብዘይ ምግናን ሓፈሻዊ ጽልወኦም ኣብ ብዙሕ መዳያት መልክዕ ኤርትራውነት ሱር ሰዲዱ ትማሊ ክብል ንእዋን ጥራይ ዘይኮነ ንቛንቋ ከይተረፈ ከደናግር’ዩ ዝረአ ዘሎ።

መዛግብቲ መራሕ ዕለት መስርሕ ምዕባለ ናይ ዛ’ዓለም ዕዳጋ፡ ከምዝሕብርዎኮ፡ ናይ ትማልን ናይ ሎምን፡ ነንበይኑ’ዩ። ደጊም ምስ ለውጥን እዋንን ንምትዕጽጻፍን ዘይበቅዕ ሓሳብን፡ ፍጥረትን፡ እንተ’ልዩ፡ ሂወት ከምዘይብሉ’ዩ፡ ዝብል ትምህርቲ፡ ንደቂ ኣዳም ዘቕሰማ’የን ተባሂለን ካብ ዝጥቀሳ ድሙቓት ፍጻመታት ገለ ቑሩብ ንምጥቃስ’ሲ፡

1.       “ሓሙራቢ ሕጊ ኣርቂቑ Hammurabi issued a Code of Law (1750 B.C.)

2.      ኮሎምቦስ ዳህሲሱ ሓዳስ ዓለም ረኺቡ Columbus Finds a New World (312 A.D.)

3.      ጸላም ሞት - ታሪኽ መቕዘፍቲ ብሕማም ተላገብ Black death – Pandemics and History (1348)

4.      ሂትለር ናይ ጀርመን መራሒ ኮይኑ ተመሪጹ Hitler becomes Chancellor of Germany (1933)

5.      ኣቶሚክ ቦምብ ተተኲሳ The Atomic Bomb is dropped (1945)

6.      ስርሒት ኣልቃይዳን ቢን ላደንን፡ መስከረም - 11 - 2001” (1)

እዘን ኣብነታት እዚኣተን ንደቂ ኣዳም ዝሃብኦ ህያብ፡ ንሕስያ’ብሉን። ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ምእንቲ ክሰምዕ፡ ትማሊ ማለት ሎሚ’ይኮነን’ሞ፡ ንሂወትኩምን ንውሉድ ወለዶኹምን ክትብሉ፡ ብሓዲሽ መንፈስ፡ ዳግም ተወለዱ። “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕዥ ይወስደክን” (ምስላ)፡ ዝዓይነቱ ዓይነታዊ-ለውጥታት ዘግሃደ፡ ታሪኽ ዘለወን ፍጻሜታት’የን።

ካብ’ቲ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ገለ ገሊኡ ሓዲሽ ብስራትን ተስፋን፡ ሰሓቕን ጓይላን ዘበሰረ ኣንፈት መጻኢ ዕድል እንኪትልም፡ ገለ ገሊኡ ግን ንምግማቱ ዘጸግም ሃብትን ሂወትን ዘብረሰ ስምብራት ናይ ትማሊ ውዕሎ ዘለዎ ሓዘንን ጓህን ዘሰነዮ፡ ደጊም’ሲ ይኣክል’ሞ፡ ዝተረፈ’ትረፍ ዝኸኣለ የርክብ ዝዓይነቱ ሓድሽ ኣንፈት መጻኢ ዕድል ዘንጸባርቕ ምዕባለ ዘለዎ’ዩ።

እሞ ኣብ ታሪኽ ሓዳስ ኤርትራኸ ንኸም’ዚ ዝበለ ዓይነታዊ ናይ ለውጢ ምዕባለ ዝዕድም ፍጻመ ዘለወን ዕለታት ተሳኢነን ድየን፡ ወይስ ዘይበርሀ ምስጢር ኣለዎ’ዩ’ዚ ጉዳይ?

ዝኾነ ኾይኑ ካብ ቀደም ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝተራእየ ዓይነታዊ ናይ ፖለቲካ ምዕባለ ምትሕስሳብ እንተተፈቒዱ፡ ምስ’ቲ ካብ ምንቃሉ ኣትሒዙ፡ ከም መሃልኽቱን መወዳድርቱን ጌሩ ዝቐረጾ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዝምባለ፡ ካብ ዘንጸባረቖ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ናይ ሓባር ረብሓ ንውድድር ዘብቅዖ ምዝጉብ ጻዕርታቱ ኣዝዩ ድሩት’ዩ። ድሙቕ መለለይኡ ግን ህልኽ’ዩ!

እዚ ህልኽ’ዚ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ከበሳ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ብትውልዲ ሓማሴናይ፡ ብሃይማኖቶት ድማ ከኒሻ ኣቶ ተድላ ባይሩ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ብትውልዲ ኣከሎጉዛይ ብሃይማኖት ድማ ተዋህዶ ደግያት ኣብርሃ ተሰማ ጸሚዱ ሓደ ብምባል ዝተሰፍለ’ዩ ዝመስል።

“ደግያት ኣብርሃ ንመራሕ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ተድላ ባይሩ ተወዳዲሮም ምስ ተሳዕሩ ….. ኣብ’ቲ ሓዲሽ መንግስቶም ቦታ ነፈግዎም። … ኣብርሃ ቀንዲ ተጣባቒ ናጽነት ጸኒሖም ቀንዲ መጓቲ ናይ “ሕብረት ብውዕል”፡ ናይ ሕብረት ትግራይን ኤርትራን ወይ ናይ “ትግራይ ትግሪኚ” መራሒ ስለዝነበሩ ምስ ተድላ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ፍልልይ ነበሮም።” (8, 442-43)

እዚ ፍልልይ ናይ ኣውራጃን ሃይማኖትን ከምኡ’ውን ጉዳይ ረብሓን ስልጣንን ዝመስል መንቀሊ ዝነበሮ’ዩ። ብዝያዳ ንፋስ ዝወሰዶ ግን፡ ናይ ኣቶ ተድላ ባይሩን ናይ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ህልኽ ምስ ተወሰኾ’ዩ። ማለት’ሲ ናይ’ዞም ክልተ መራሕቲ ምትህልላኽ ዝፈጠረታ ነቓዕ፡ ነታ ብፍሉይ ውዕል ወይ ድማ ትግራይ ትግሪኚ ትብል ናይ ኣቶ ወልደኣብ ፍልስፍና ጥጡሕ ባይታ ዘትሓዘታ’ያ ትመስል።

ምትህልላኽ ናይ ኣቶ ወልደኣብን ኣቶ ተድላን ካብ መበቆል ክሳብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝንጸባረቕ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ብሃይማኖት ዝመሳሰሉሉ፡ ብደረጃ ትምህርቲ ግን ዝወዳደሩሉ ዓቕሚ ዝነብሮም’ዮም።

ደግያት ኣብርሃ ተሰማ እንተስ ብህልኽ ኣንጻር ተድላ እንተስ ኣሚኖሙሉ፡ ፍልስፍና ናይ ትግራይ ትግሪኚ ኣብ ምቅላሕ ምስ ኣቶ ወልደኣብ ሓደ ኣፍ ክኾኑ ምስጀመሩ፡ ኣከለ ጉዛይ ንትግራይ-ትግሪኚ ሙሉእ ብሙሉእ ተቐቢላቶ’ያ፡ ተባህለ። ንሰራየ ገጹ ዝተፈተነ ተመሳሳሊ ጻዕሪ ግን ብዙሕ ስለዘይሰለጠ ብዓይኒ ጥርጣረ ይረአ’ሎ ተባህለሉ። ስለ’ዚ ሓማሴንን ኣከለጉዛይን እንክዋጠጡ ሰራየ ብማዕዶ የጽቕጡ’ዩ ዝመስል ውጽኢቱ!

ዝኾነ ኾይኑ ካብኡ ስዒቡ ኣብ እንዳ ተድላ፡ ማለት ሓማሴን፡ ኣከለ ጉዛይ ዓጋመ’ዮም ዝብል ንፋስ ፉፍ እንክብል፡ ኣብ ኣከለጉዛይ ድማ ንሰራየን ጉርሕን ዘመሳስል ንፋስ ነፈሰ። ስለ’ዚ ኣብ ውሽጢ ኣስታት 40 ኪሎ ሜትር ዝርአ ኣውራጃዊ ፍልልይ፡ - ኣስመራ ደቀምሓረ መንደፈራ - ወዮ ቀደም ማለት ኣበ’ገባብ ምእንጋድ ፍልስፍና ትግራይ ትግሪኚ ኣቦታት ዘንጸባረቕዎ ፍልልይ ኣበርቲዑ ዝጸለዎ’ዩ ዝመስል።

ዝኾነ ኾይኑ በቲ ኢትዮያዊ ሸነኽ ግን ምስ ሰባትን እዋንን እናተመሳሰለ ዝተጋህደ ዓይነታዊ ለውጢ ብዙሕ’ዩ። ቁሩብ ኣብነት ንምሕዋስ፡

ሀ) ሃጸይ ምንሊክ፡

ብሸነኽ ሰሜን ናብ ኢትዮጵያ ገጾም ክኣትዉ ዝረባረቡ ዝነበሩ ተጻብኦታት፡ ናይ አውሮጳውያንን ኣዕራብን፡ ሓደ ዓይኖም ጸቒጦም ብምርኣይ፡ እቲ ሕማም፡ ነቶም ብቐረባ ዘቐንዝዎም፡ ናይ ሰሜን ወይ ድማ መሳፍንቲ ትግራይ ጥራይ ከምዝምልከት፡ ዕሽሽ በልዎ’ሞ፡ ኣኻይዳኦም ናብ ዝሕሾም ኣመኣዛዝዮም፡ ኣዕራብን ጥልያንን ድላዮም ዝፍጽምሉ ባይታ ዘጣጥሕ ሓዲሽ ኩነታት ክፍጠር እንከሎ፡ ንምክልኻሉ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዘድምዕ ኣይነበረን።

ስለ’ዚ ከም ሳዕቤኑ፡ ጥልያን ኣብ ኤርትራ ጫምኡ’ውጺኡ ሸናዕ ዝብለሉ ጽርግያታትን መንገዲ ባቡርን ሃነጸ፡ ኣዕራብ ድማ ክሳብ ጎንደርን መተማን ዓንዲሮም ክሳድ ሃጸይ ዮውሃንስ ቆሪጾም ዝወሰዱሉ መስመር ዘርግሑ።

ስለ’ዚ ብባህሊ ብሃይማኖት ይኹን ብአኮኖሚ ህዝብታት ክፈላሊ ዝኽእል ሱር ዝሰደደ ጽልዋ፡ ኣብ ዘመን ሃጸይ ምንሊክ ተዘርግሐ’ሞ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ አውሮጳን ኣዕራብን ክዛመድ ባህ ዝብሎ ኣነነት ተጋሂዱ’ሲ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ዝፈላለይሉ መርትዖ ከምዘሎ ዝሰብኩ መራሕትን መጻሕፍትን ማዕቢሎም ኣንፈት መጻኢ ዕድል ክቕይሱ ተንቀሳቐሱ።

ምናልባት ሕጂ ግን እዚ ናይ ፍልልይ ጉዕዞ ውጽኢቱ ተራእዩ’ሎ፡ እንተተኻኢሉ ናይ ተመሳሳልነት መማቕርቲ ከምዘሎ’ውን ምዝካር የደሊ’ሎ ንምባል’የ ዘልዓልኩዎ!

ፖለቲካ ሃጸይ ምንሊክ’ምበኣርከስ፡ መረብ ምላሽ ጠሪሩ ንፈረንጂ ብምሃብ፡ ንሕብረትን ሓይልን ተዛረብቲ ትግርኛ፡ ዝገማምዐ ስጉምቲ ኣብ ርእሺ ም’ሳዱ፡ ዘውድን ዝናን ካ’በኽሱም መንጢሉ ናብ ሸዋ ስለዘግዓዘ፡ ምስ’ቲ ንነዊሕ እዋን ገኒኑ ዝነበረ፡ ኣኽሱማዊ ሓበንን ዝናን ዝተሃላለኽ፡ ኣብ መንጎ ሸዋን-ኣኽሱምን፡ ወይ ድማ ኣምሓራን-ተዛረብቲ ትግርኛን፡ መን’ዩ ጎብለል ካብ ክልቴና፡ ዝዓየነቱ ህልኽ ዘለዎ ዝምባለ ኣስፊሉ’ዩ ንእዋን እነሆ በረከት ዝበለ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ እዚ ናይ ደቂ ሓውቦታት ኣነዶ-ንስኻ ንመርሕ ዝብል ህልኽ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብእመትዶ ብመጽዓን ይገመት ዝብል ናይ መጻኢ ዕድል ሕቶ ዘስረጾ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን። ንሱ ከይኣክል ድማ፡

ለ) ሃጸይ ሃይለስላሰ።

ንጉስ ሃይለስላሰ ድማ ነቲ ኣብ እዋን ሃጸይ ምንሊክ ዝማዕበለ፡ ዓረባውን አውሮጳውን ጽልዋ ዝፈጠሮ ኣነነትን ናይ ሓሳባት ፍልልይን ኣብ ግምት ዘየእቱ ሜላ ብምኽታል፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓንቲ ሃገር’የን ኔረን’ሞ ናብ ቀደመን ክምለሳ’ለወን እናበሉ ዝጀመርዎ ናይ ሓድነት ጻዕሪ፡ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራ ከም ሃገር ክትቅጽል ኣይትኽእልን’ያ፡ ዝዓይነቱ ላምባን ሓሰረን ወታቲፎም’ዮም ሓጋይን ክረምትን ዘይትጠፍእ መጋርያ ዝኣጎዱ።

እወ እዚ እሳት’ዚ ብቐዳማይ ደረጃ ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ምዕባለ ገድሊ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራ ሂወት የብላን’ሞ፡ ኢትዮጵያውያን ምእንቲ ረብሐኦም ክብሉ ደድሕሬና ክስዕቡ’ዮም ዝዓይነቱ፡ ትምክሕቲ ዝመስል፡ ኣጉል እምነት  ከምዝፈጠረ ሎሚ ምዝካሩ ምግናኑ ኣይመስለንን። ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ዓበይትን ተጋደልትን ዋዕ ኢሎም ዝምድሩሉ ዛዕባ ስለዝኾነ።

ክሳብ ደርጊ ኣብ ዝተራእየ መስርሕ ፖለቲካዊ ምዕባለ ናይ ኢትዮጵያ ድማ፡ በዚ ዝምባለ’ዚ ሰጊኡ ናይ ሞትን ሂወትን ስግኣት ዝሰፈኖ ፖለቲካን ወተሃደራዊ መንፈስን ኣስሪጹ ክንደይ ሂወትን ሃብትን ዘብረሰ ናይ ዕንወት እዋን’ዩ ኣሕሊፉ።

ስለ’ዚ ደርጊ’ሲ፡ ኣብ’ታ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራ ሂወት የብላን ትብል ናይ ንጉስ ሃይለስላሰ ሰልሚ ጥሒሉ፡ ብሓይሊ ክሳብ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ፡ ከምኡ’ውን ብዲፕሎማሲ ክሳብ ጉባኤ ኣትላንታ፡ ተወዓዒሉ፡ ፍታሕ ሃሰስ ብምባል ክተዓጻጸፍ ከምዝፈተነ፡ ካልእስ ይጽናሕ፡ ንፈለማ እዋን፡ ናይ ሎሚ ሚኒስተር ናይ ሽዑ ተጋዳላይ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ብቛንቋ ዓረብ መግለጺ ክህብ እንከሎ ብተለቭዥን ናይ ኢትዮጵያ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ምዝርጋሕ ዝደፈረሉ ምዕባለ ኣርእዩ’ዩ ሓሊፉ።

ሐ)  ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ።

ናይ ወያኔ ፖለቲካ ድማ ፈለማ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ ዘይፈንቀለታ እምኒ ኣይነበረትን። ደሓር ግን ምስ እንዳ ዝናን ባህታን ሓቢርካ ምስራሕ ምዃን ምስ ኣበዮም፡ ከም’ታ ኣቶ ተድላ ባይሩ ንኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝሓተትዋ ናይ መበቆል ሕቶ ተመርኲሶም ክሳብ ምብራር ህዝቢ በጺሖም።

ልዕሊ ኹሉ ድማ ካብ ናይ ንጉስን ናይ ደርግን ጌጋ ተማሂሮም፡ ከም’ታ ናይ ሃጸይ ምንሊክ ትመስል ኣማራጺት ፖለቲካ ኣልዓሉ’ሞ፡ ኢትዮጵያ ብዘይካ ዓሰብን ባጽዕን፡ ሃገር ክትከውን ከም ዘይጽግማ ዝምስክር ለውጢ ኣመዝጊቦም፡ ብዘይንሕስያ ኣምፈት ጉዕዞ ታሪኽ ቀይሮም ሓዳስ ኢትዮጵያ’ዮም ፈጢሮም።

እቲ ኣዝዩ ዝገርም፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብእመትዶ ብመጽዓን ይገመት፡ ኣብ ዝብል ዛዕባ’ሲ፡ እዚ ኹሉ ዓይነታዊ ለውጢ ብሸነኽ ኢትዮጵያ እንክፍተን፡ ብሸነኽ ኤርትራ ዝተራእየ ናይ ሓሳባት ምዕባለ ንውድድር ዝምጥን ሂወት ዘይብሉ ምዃኑ’ዩ። እነሆ ሎሚ’ኳ ወርቃዊ እዮቤል ኣብ ዘጸንብለሉ ዕለት’ሲ ካብ’ታ ብዘይካና ኣይኮኖሎምን’ዩ ትብል  ኣፍ ዘውጽኣላ ናይ ህልኽ ቋንቋ ንላዕሊ መልሓሱ ከጽሪ ዝኸኣለ ኣይመስልን’ዩ ዘሎ።

ስለ’ዚ ህግደፍ ማለት ናየ’ተሓሳስባ ቫይረስ’ዩ። መለለይኡ ድማ ናይ መን ከማይነት ህልኽ፡ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያን ጸላእን ሓደ’ምሲልካ ብምቕራብ ንእዋን ምትዕሽሻው ስለ ዝኾነ፡ እንዳ ዝናን ባህታን ነዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ከም ቃሕትኦም እናገላበጡ’ዮም፡ ንፍርቂ ዘመን ዝኣክል ጠበንጃ ኣብ ዝባኑ ተሰኪሙ ዝኣርግ ኣተሓሳስባ ኣንጺፎም፡ ኣብ እርጋኖም ከም ዒሉ ዝዕንድሩ ዘለዉ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ኣብ ምኹስኳስ ኤርትራን ኤርትራውነትን’ሲ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመጽዓንዶ ብእመት ይገመት ዝብል ናይ ረብሓ ሕቶ፡ ምእንቲ ሰላም ቅሳነት፡ ምእንቲ ጥዕናን ሕክምናን፡ ምእንቲ ምስሳን ንግድን መኣድን፡ ምእንቲ መሰል ሽማግለን ሕጻንን፡ ሰብኣይ ሰበይትን፡ ዝሓምም ዝዓምም ልቦና ሃሰስ ንምባል፡ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ኣብ ለልብና ተዓቚሩ ዝመልከና ኣተሓሳስባ’ዩ ቀያዲ።

እወ፡ ምልኪ ክበሃል እንከሎ እምበኣርከስ፡ ከም ሳዳም ከም ጋዳፊ፡ ከምኡ’ውን ከም ኣሳድን ኢሳያስን ዝመስል ሊንጎ በዓል ክታብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ልዕሊ ኹሉ ኣብ ለልባትና ንዓቑሮ ሓሳባት’ዩ ዝመልከና ምባሉ ምግናን ኣይኮነን።

ስለ’ዚ ትማሊ፡ ሎሚ፡ ከምኡ’ውን ጽባሕ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን’ሲ ብእመትዶ ብመጽዓን ይገመት ንዝብል ሕቶ፡

ሀ) ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢንተርቪው ክገብር እንከሎ፡ ናይ’ዚ ዞባ ጎብለል ንምፍላይ ዝግበር ኲናት’ዩ ኣብ ዝብል ናይ ህልኽን ጸላእን ሕንጻጹ ጸኒዑ ሕጂኸ እንታ’ይ ይብላ’ሎ? .. ዝብል ሕሜታ ጥራይ መልሲ ክረኽበሉ ወይ ድማ ንበይኑ ብሓላፍነት ክሕተተሉ ኣይክእልን’ዩ። ኣጆኻ ደበሳይ ክንደሻዓ’ሎ ዋርሳይ!

ሐ) ብኣኽሱማዊ ዘውድን ዝናን ዝምክሑ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ካብ እንዳ መዓለ’ቦኦም ካብ ጣና፡ ማለት’ሲ መናቕሎ ማይ ሩባ ኣባይ፡ ክሳብ ካይሮ መዓልቦ ማይ ሩባ ኣባይ ኣርሒቑ ጸው ዘበሎም፡ ናይ ዘውዲ ህልኽ ኣንጻር ኣምሓራን ሸዋን፡ ዝሓንጸጾ ኣረጊት መጽሓፍከ እንታይ ይብላ’ሎ ዝብል መወከሲ ክኾኖ ኣይክእልን’ዩ። ኣጆኻ ደበሳይ ክንደሻዓ’ሎ ዋርሳይ!

ከም ርኢቶይ ሕጂ’ውን ማለት’ሲ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት፡ እሞ ድማ ድሕሪ ኲናት ባድመ፡ ምስ ጉዕዞ ሲናይን ላምፐዱሳን፡ ክፍጠር ዝኽእል ኣተሓሳስባ፡ ዝተወልደ ሕጻን ኣብ ገዝኡ ምእንቲ ክዓቢ፡ ዝሓመመ ኣብ እንዳኡ ምእንቲ ክዓርፍ፡ ዝሞተ ኣብ ዓዱ ምእንቲ ክቕበር፡ እቲ መሰረታዊ ሕቶ፡ እቲ ናይ ቀደም ማለት’ሲ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጂ’ኸ ብእመትዶ ብመጽዓን ይገመት፡ ዝብል ሕቶ’ዩ፡ ግቡእ መልሱ ዝጽበ ዘሎ ንምባል’የ። …. ጌጋ’ኽለኣለይ።

ስለ’ዚ ንኢትዮጵያ፡ ብጽልእን ህልኽን ዝጥምት ኣተሓሳስባ፡ ለጊሱ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብዉሑድ ብዉሑዱ፡ ከም’ቲ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰፊኑ ዝገዝእ ዘሎ፡ ዝምድናታት ናይ ጂቡቲ ሱዳንን  ከንያን ምስ ኢትዮጵያ፡ ዝምጥን ዓይነታዊ ምንብባር ከም ዝመስል ናይ ምግባሩ ሓላፍነት፡ ንደቂ እዋን ዝምልከት’ዩ። እዚ ድማ ምስ ባንዴራ ምቕያር ዘዛምድ የብሉን። እንተዘይኮነ ግን፡

ክረሓወልኩም ኳሕኩሑ

ክወሃበኩም ደገ ጽንዑ

ብእምነትኩም ጎቦ ክትደፍኡ

ኣነ ዝብለኩም ጥራይ ስምዑ።

ዝመስል ኣረኣእያ ክሳብ ሕጂ ተራእዩ’ዩ። ፍሕት ዘብል ኮይኑ ድማ ኣይተረኽበን።

ስለ’ዚ፡ መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራ ንኣዳም ክሳብ ዝገርሞ፡ ንፍርቂ ዘመን ተሓቚኑ ስለምንታይ’ዩ በቲ ሒዙዎ ዘሎ ጉዕዞ ክጽዒ ዘይከኣለ ዝብል ሕቶ ልቢ ብዙሓት እናሓቖነ እንከሎ፡ ካብ ንእስነቱ ክሳብ ዕብየቱ ምስ መራሕቱ ብናይ ስልጣን ውረድ- ደይብ ምትሕስሳብ ዘይተዓለመ መስርሕ ዘብለዮም ሰባት፡ እዚ ኹሉ ዕንወትን ሃገራዊ ብርሰትን እናረኣዩ እንከለዉ፡ ንናየ’ተሓሳስባ ድኽመትን ሽበትን ናይ’ቲ መስርሕ ተዓሚቶም ክሓልፍዎ ዝፍትኑ ስለምንታይ’ዮም እንድዒ።

ምናልባት ከመ’ማራጺ መተካእታ ዝኸውን ሓሳባት ምስካም ዝኸብድ እንተመሲሉ ድማ፡ “እሞ መጻኢ ትውልዲ ክፍትኖ ነዚ ሕቶ ንግዜኡ ኣብ መኻዚኖ ዘይነቐምጦ” ዝብል ምኽሪ ቻይናዊ ደንግ ዝዮፖንግ ዘኪርካ፡ ኣጆኻ ደበሳይ ክንደ’ሻዓ’ሎ ዋርሳይ ምባል ሸፈጥ ከምዘይኮነ ሕሹኽ ዝደሊ ኣይመስለንን።

ብኻልእ ኣዘራርባ መስርሕ ገድልን ምግዳልን ናብ ስልጣን ምስቃልን ምስ ዝተሾመ ምጥቓዕን’ምበር፡ ብሓላፍነት ወጢሩ፡ ምሻምን ምስዓርን፡ ዘይተዓለመ መስርሕ ኮይኑ ከምዝተመልመለ፡ ህያው መልክዑ’ዩ ምስክሩ። እዚ ድኽመት’ዚ ኢሳያስ ዝገበረና ጉድ ብምባል ጥራይ ክምኽነየሉ ኣይክእልን’ዩ።

ልዕሊል ኹሉ ድማ ብዛዕባ ኣመሰራርታ ይኹን ብዛዕባ ዓወታት ናይ’ቲ መስርሕ ጸብጻብ ክህብ ዝፈቱ ምኩርን ምኩሕን መንፈስ ተጋዳላይነት፡ ካብ መራሕቲ’ቲ መስርሕ ኣብነት ብምጥቃስ ከማርር እንተደፊሩ፡ ንተራ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን (ኮኾብ ጽባሕ) ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን (ኮኾብ ድራር) ብቐዳምነት ካብ ምጥቃስ ኣየምልጥን’ዩ። ስለ’ዚ እዚኣቶም ብዝመስሉ፡ ኢትዮጵያውነት ብቐጥታ ዝብጽሖም ኮዋኽብቲ፡ ተኾስኲሱ ኣብ ዓወት ከም ዝበጽሐ ዝሕብር ፍሉይ መለለዪ፡

- Brandname –

ዘለዎ መስርሕ ዘድንቕ መንፈስ ተጋዳላይነት’ሲ፡ ኣብ መወዳእታ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ዓወት መርገም (The Winner’s Curse) ዝመስል ክሳራ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራውነት ንኽምህር፡ ኣሕ! መራሕትና ደቀ’ባት ስለዘይኮኑ’ኮ’ዩ ኣደራዕ በዚሑ ብምባል ንእዋን ከደናግር እንተፈቲኑ፡ ካብ’ቲ ንቕዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስን ህግደፍን ኣዕቢዱዎም ዘሎ ጎንፊ ዝናን-ባህታን፡

- brand disaster –

ዘናግፍ ምሕረት የውርደሉ ዘየብል ኣይኮነን። ስለ’ዚ እቲ ጸገም ናይ መሪሕ ኣተሓሳስባ ድኽነት ስለዝኾነ፡ ንናጽነት ኤርትራ ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ፡ ምስ መዳውብትን መናግድትን መናብርትን ዘመያይጥ፡ ብርሃን ምእንቲ ክፈጥረላ “ህግደፍ ኣተሓሳስባ’ዩ” ዝብል ትብዓት በዓል ደበሳይ ዘየህርፍ መኣስ ኮይኑ። ኣጆኻ’ሞ ደበሳይ ክንደ’ሻ’ዓሎ ዋርሳይ!

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

ewandt54@ gmail.com

References:

1.       The great Courses: Course # 389

2.      ኣይንፈላለ - ኣለም ሰገድ ተስፋይ

3.      Parallel Worlds: Special Report The Koreas – The Economist 10/26/2013

4.      City Of The lost: The New Yorker 08/26/2013 – David Remnick

5.      Cool War: The Future of Global Competition – Noah Feldman 2013

6.     Going To Extremes: How Like Minds Unite and Divde – Cass r. Sunstein 2009

7.      Religion without God – Ronald Dworkin 2013

8.      ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ማትየንሶ ክሳብ ተድላ 1951 -1955፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...