ኮምሽነር ዳኒኤል ተወልደ ካብ ዝሓለፈ ሶሙን ጀሚሩ፡ ብድልየት ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽንን መሻርኽቱን፡ ካብ ኣባልነት ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊ ክፍሊ ዜና፡ ክስሕብ ከም ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንታይ ዳኣ፡ ኣብ ጉባኤ ከይካፈል ምእንቲ፡ ኣባልነቱ ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ እውን ከይተረፈ እዩ ከምዝሕደግ ተገይሩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሓው ዳኒኤል ተወልደ ክውሰድ ዝተመረጸ ግዜ፡ እቲ፡ ሓው ዳኒኤል ተወልደ ግዜኡን ናብርኡን ከይበቐቐ፣ ትምህርቱን ስርሑን ራሕሪሑ፣ ክትግበር ልዕሊ ሓደ ዓመትን ወርሕን፡ ብትብዓትን ተውፋይነትን፡ ጻዕርታት ዝገበረሉ፡ ኤርትራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ክጅምርን ክኽፈትን ሓደ ሶሙን ምስ ተረፎ እዩ። ጠንቂ ናይቲ፡ ኣብ ድሮ ጉባኤ፡ ኣብ ልዕሊ ኮምሽነር ዳኒኤል ተ. ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ክውሰድ ዘድለየ ምኽንያት ካኣ፡ እቲ ኣብ መንጉ ዳኒኤልን ኣብ መንጎ ኣቦ መንበር ኮምሽን ሓው እማሃ ዶመኒክን ዝነበረ ወጥሪ እዩ። እዚ ወጥሪ እዚ ዝጀመረሉ እዋናት፡ ዋዕላ ሓሊፉ ዕድምኡ ክልተ ወርሒ ምስ ገበረ እዩ።

ዋዕላ ተወዲኡ ኩሉ ዋዕለኛ ነናብ ገዝኡ ምስተመለሰ፡ ኣነን ሓው እማሃን ብተለፎን ተራኺብና፡ ብቀዳምነት ብዛዕባ ዋዕላ ከመይ ነይሩ ምስ ሓበረኒ፡ ብዙሕ ጽቡቅ ነገር ብዛዕባ ዳኒኤል ተ. ካኣ ኣዕሊሉኒ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተወፋይነት ዘለዎ፣ ተባዕን ሓየትን ዝኾነ ትጉህ ተቃላሳይ መንእስይ (ቖልዓ) ካበይ ኢኹም ኣምጺእክሞ …? ዝብል ሓፍ ዘይብል ናእዳ ኣብ ልዕሊ ዳኒኤል ተ. ኣስሚዑኒ። ድሕሪ’ዚ ኩሎም ኣባል ኮምሽን፡ ብፍላይ ካኣ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ፡ ኣብ መደብ ኣስፊሮሞ ዘለዉ ጉባኤ ክትግበር፡ ብኸመይ ስረሖም የከናውኑዎ ምስራዕ ምስ ጀመሩን ነናቶም ንድፊ ምስ ኣውጽኡን፡ ኮምሽነር ዳኒኤል ተወልደ ካኣ፡ ከም ኩሎም ብጾቱ፡ ከም ሓላፊ ክፍሊ ዜና መጠን፡ ዝተዋሃቦ ሓላፍነትን ስራሕን ብኸመይ ከሳልጦ ይደሊ፡ ዘርኤ ስእሊ ሓንጺጹ። ከም ሓላፊ ናይ ክፍሊ ዜና ካኣ፡ ሓው ዳኒኤል ንነብሱ „ዳይረክተር“ ዝብል ሽም ሃባ። ድሕሪ’ዚ ኣቦ መንበር ኮምሽን ኣማሃ ዶመኒክ ነዛ ነገር እዚኣ ስለዘይተቀበላ፡ ምሳይ ብተለፎን ተራኺቡ፡ ዓርክኻ ንነብሱ ዳይረክተር ኢሉ ሰምይዋ ስለዘሎ፡ በጃካ ማዓዶ፡ ክብል ሓበረኒ። ኣነ ኻኣ፡ ክቡር ሓው ኣማሃ፡ ዳይረክተር ዝብል ሽም እኮ ዓብይ ቑም-ነገር ኣይኮነን፡ እቲ ኣገዳሲ፡ ዳኒኤል ኣብ ስርሑ እዩ ክምዘን ዘለዎ፡ በልክዎ። ኣማሃ ግን ንናተይ ርእይቶ ስለዘይተቀበሎ፡ ነዛ ነገር እዚ ኣብ ስኑ ነኺስዋ ተረፈ።

ይኹን እምበር፡ ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ኮምሽነር ዳኒኤል ተወልደ፡ ኣብ ዝተዋሃቦ ሓላፍነቱ ከይዘንገዔ፡ ስርሑ ክሰርሕ ጀመረ፡ ኣቦ መንበር ኮምሽን ኣማሃ ዶመኒኮን መሰልቱን ግን፡ ከም ሓያል ተመክሮ ዘለዎም፣ ከም ዓበይቲ ኣሕዋቱ፣ ገለ ካኣ ኣያታቱ፣ ገለ ካብኣታቶም’ውን ከም ኣቦታቱ፣ ዝኣኽሉ መጠን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ስራሕ ዝታሓባበርዎ፣ መገድታት ዘርእይዎ፣ ከም መንእሰይ መጠን ከይንህር ምእንቲ፡ ነገራት ረጊኡ ክጥምቶም፡ ዝምዕድዎን ዘታባብዕውን፣ ክጻብእዎን፡ ስርሑ ንኸይሳለጥ ክዓናቅፍዎን ጀሚሮም። እቲ ቀንዲ ወጥሪ ኣብ መንጎ ዳኒኤል ተወልደን ኣማሃ ዶመኒኮን ካኣ፡ ኣብዚ እዋናት እዚ እዩ ጀሚሩ። ዳኒኤል ተወልደ ግን፡ ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ክሓጽር፣ መዋእል ስቅይት ህዝቢ ኤርትራ መጨረሻ ክህልዎ ኣለዎ፣ ዝብል ዘይሕለልን ድልየትን ሕልምን ዕላማን ስለዝነበሮን ዘለዎ፣ እዚ ዕላማ እዚ ክዕወት እንተኾይኑ ካኣ፡ በጀካ ብመገዲ ናይ ሓባር ቃልሲ ደቂ ሃገር፡ ካሊእ መንገዲ የልን፣ ዝብል ዘይዕጸፍ ዕግበት ስለዝነበሮን ዘለዎን፡ ኣብታ ዋዕላ ዘሰከሞ ሓላፍነት ኮይኑ፡ ነቲ ዓመት ምሉእ ብኣማሃን መሰልቱን ዘጋጠሞ ተጻብኦ ሰጊሩ፡ ክሳብ እታ ካብ ኣባልነት ኮምሽን ዝተሰጎገላ ማዓልቲ ይቃለስ ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣብዚ ሕጂ ክቀርብ ዘለዎ ሕቶ፡ ስለምንታይ ዳኣ እዮም እሞ፡ ኣማሃን ማሻርኽቱን፡ ኣብ ድሮ ጉባኤ፡ ኩሉ ነቲ ኣብ ዋዕላ ዝተኻፈለ ህዝቢ ዝሃቦ ሓላፍነት ቀንጢጦም፡ ኣብ ጉባኤ እውን እንተኾነ ከምዘይካፈል ክገብርዎ ዝተደለየ …? እያ ትብል።

እምባኣር ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣንበብቲ መልእኽተይ፡ ካምሽነር ዳኒኤል ተውልደ ቅድሚ ሰለስተ ሶሙን ወይ’ውን ሓደ ወርሒ ይኸውን፡ ኩሉ እቲ ዓመት ምሉእ ዘጋጥሞ ዝነበረ ዕንቅፋታትን ኣብ ስርሑ፣ ብፍላይ ካኣ፡ ጉባኤ ንምትግባር ግዜኡ እንዳቀረበ ምስከደ፡ እቲ ዝግበር ዝነበረ፡ ኣብ ኣታዓዳድማ ተኻፈልቲ ጉባኤ፡ ብልሽው ኣስራርሓ ብኣቦ መንበር ኮምሽን መሻርኽቱን፡ ኣብ Paltalk ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ እቲ ሓቂ ክገልጽ ከምዝፈተኒ ንዝክር ንኸውን። ዳኒኤል ኣብ መራኸቢ ብዙሓን መጺኡ፡ ዝግበር ዘሎ ብልሽውና ኣብ ኣመራርሓ ኣታኣላልያን ኣቦ መንበር ኮምሽን ኣማሃ ዶመኒኮን መሻርኽቱን፡ ክገልጾ ዝተተገደደ ካብ ክልተ ምኽንያት ተበጊሱ እዩ። 1) ኣቦ መንበር ኮምሽን ኣማሃ ዶመኒክ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ኮምሽን harmony ዘረጋገጸ ኣሳራርሓ ዘማዕብልን ዘረጋግጽን፡ ኣብ ናይ ዋህዮ ኣሳራርሓ ቀይርዎ ስለዝነበረ፡ ዳኒኤል ተወልደ ሰማዒ ክረክብ ስለዘይካኣለ እዩ። 2) ነቲ ኮምሽን ዝቖጻጸሮን፡ ኣብ ሕጊ ከምዝቅየድ ዝገብሮን፡ ዳኒኤል ይኹን ብጾቱ ጥርዓኖም ክቅርብሉ ዝኽእሉ፣ ካሊእ Organ (Structure) ስለዘይነበረ፡ ዳኒኤል ተወልደ ናብቲ ኣባ ዋዕላ ሓላፍነት ዘሸከሞ ህዝቢ ወሪዱ፡ ብልሽው ኣሰራርሓ ሓው ኣማሃ ዶመኒኮን መሻርኽቱን ክሕብር ተገዲዱ። በዚ ዝነደረ ዝተቕጠዔን ኣቦ መንበር ካኣ፡ ነቲ ድኹም ጎድኒ ናይቲ ኣባ ዋዕላ ዝቖመ ትካል፡ ማለት ልዕሊኡ ካሊእ Organ ወይ’ውን (Structure) ከምዘየለ ፈሊጡ፡ ስልጣኑ ተጠቂሙ፡ ንሓው ዳኒኤል ተወልደ፡ ካብ ኣባልነት ኮምሽን ጥራይ ዘይኮነ ኣልይዎ’ስ፡ ሰላይ ህግደፍ እዩ ብዝብል ክሲ’ውን፡ ክሳብ ብጸጥታ ናይ ኢትዮጵያ፡ ከምዝምርመርን ዝታሓዝን ገይሩ እዩ።

ካብ ኩሉ ግን ስለምንታይ እዩ ሓው ኣማሃ ዶመኒክ፡ ንዳኒኤል ተወልደ ኣብ ኣባልነት ኮምሽን ኣሕዲጉ ኣብ ጉባኤ ከዘይሳተፍ ክገብሮ ይፍትን ኣሎ …? ንዝብል ሕቶ፡ ሓው እማሃ ዶመኒክ ኣመራርሕኡ ኣብ ቅድሚ ጉባኤኛ ክግለጽ ስለዘይደሊ እዩ። ብዓይኒ ፍትሒ እዚ ጉዳይ ክንጥምቶ እንተኽኢልና ግን፡ እቲ ግቡእ ከሳስን ተኻሳስን ብማዕረ እዮም ኣብ ቅድሚ ፈራዲ (ህዝቢ) ክቀርቡ፣ ድምጾም ከስምዑ ዝግባእ። ከምቲ እሳያስ ን-G15 ገርዎም ዘሎ ግን፡ ንሱ ኣንጻሮም ድልየቱ ከሲሱ ከብቅዕ፡ ክሱሳት ድምጾም ከይስማዕ ግን፡ ኣብ ሰማዒ ዘይረኽብሉ ቤት ማእስርቲ ዓጽይዎም። ሓው ኣማሃ ዶመኒክ ካኣ፡ ደምጺ ዳኒኤል ኣብ ዝእከብ ህዝቢ ጉባኤኛ ከይስማዕ፡ ጉዱ ካይቃላዕ፡ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ክወስድ፣ ልዕሊ እቲ ኣብ ዋዕላ ተኺፍሉ፡ ንዳኒኤል ተ. ሓላፍነት ዝሃቦ ህዝቢ፡ ኮይኑ ነዚ ዘይሕጋዊ ውሳኔ ክወስድ መሪጹ። ዘይሕጋዊ ውሳኔ ስለዝኾነ ካኣ፡ ሓው ኣማሃ ፖለቲካዊ ውሳኔ እዩ፡ ክብል ምኽንያት ሂብ። ኣብዚ እቲ ዝቀርብ ሕቶ፡ እዚ ኮምሽን እዚ ፖለቲካዊ ውድብ ድዩ …? ዝብል እዩ ክኸውን ዝኽእል። እዚ ኮይኑ እቲ ግን፡ ኮምሽን ታሓታትነቱ ንግባኤ ስለዝኾነ፡ ዳኒኤል ተወልደ እውን ከም መሪሕነት ናይ ኮምሽን መጠን፡ ኣብ ጉባኤ ጸብጻቡ ከቅርብ፡ ኣብ ዋዕላ ዝተኻፈለ ህዝቢ፡ ዝሃቦ ሓላፍነት እዩ። ስለዚ፡ ኦ ኤርትራዊ ህዝቢ ተኻፋሊ ጉባኤ፡ ዳኒኤል ተውልደ ኣብ ጉባኤ ካምዝሳተፍ እተገርካ፡ ዓወትካ ኣረጋጊጽካ፡ ድምጽኻ ክተስምዕ እንተዘይክኢልካ፡ ፍሽለት ኢኻ ኣመስኪርካ ክትምለስ። ካብኡ ዝተረፈ ግን፡ ኣማሃ ዶመኒኮን መሰልቱን፡ ኣብ ኮምሽን ዘርኣይዎ ብልሽውናን ዘይሓለፍነታዊ ኣሰራርሓን፡ ናይ ብቅዓቶም መዔቀኒ ስለዝኾነ፡ ኣብ ድሕሪ ጉባኤ ዝቐውም ባይቶ፡ ከም ኣባላት ከምዝምረጹ እንተተገይሩ፡ ንዝመጽእ ዓብይ ዕላማ ዓንቀፍቲ ክኾኑ ስለዝኽእሉ፡ ጉባኤኛ ከለልዮምን፡ ነዚኦም ገዲፉ፡ ህርፋን ስልጣን ዘይብሎም ደቂ ሃገር ሓላፍነት ክተሽክም፡ ይላቦ። ሕጂ፡ ጠለብ፣ ሓደራ፣ ድለየት ህዝቢ ረጊጾም ዝኸዱ፣ ምእንቲ ስልጣን ወዲ ሃገር ክብድሉ ዝመረጹ፣ ጽባሕ ከ እንታይ እዮም ክደግሙ …? ኣንጻር ዓመጽ እንዳ ተቃለስና ክነብቅዕ፡ ሓደ ወዲ ሃገር ኣብ ተቃውሞ ደንበ ክዕመጽ ክነፍቅድ የብላናን።

ዘላኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና

ዓወት ን ኤርትራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ

ውደቀት ንስርዓት ኢሳያስን መሰልቱን

ካብ ኣስፋሃ ተስፋሚካኤል

20. 11. 2011 ዓ.ም.ፈ. Germany


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...