ካልኣይ ክፋል

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፣ እናሓሰብካ መድር እናረኤኻ ሰድር ማለት ኮ ክድገም ዝኽእል ጽባሕ ተመሊሱ ዘየሕፍረካ ነገራት ፈጽም ማለት እዩ። ብፍላይ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ዝዝርጋሕ ጫለዳ ነገራት እናሓደረ ስለ ዝብለል ተመሊሱ የርጽመካ ጥራሕ ዘይኮነስ ተኣማንነትካ´ውን ዘህስሶ ምኻኑ ዘይምርሳዕ።

ንፋስ ናብ ዘዝነፈሶ ምብቃጽ  መበገሲኻን መዓልቦኻን ዘይምፍላጥ ጥራሕ`ዩ ከመልክት ዝኽእል። ኩነታት ዝመረረ እንተመረረ፣ ዋላ`ውን ከፊኡ እንተሓሰመ ከም ዘለዎ ኣቕሪብካ ስንኻ ነኺስካ ደኣ ክምከት ኣለዎ´ምበር ብምቁር ቃላት ዝተሰነየ ብዘይክውንነት ክፍታሕ ከም ዘይኽእል ተመኩሮና ብዝይንሕስያ ጨቢጡ ክምህረና ይኽእል፣ ግዕዝም ተመኩሮኡ ዘይፍትሽ ምዱሕ ጥራሕ እዩ ክኽውን ዝኽእል።

እዚ ኮነ እቲ ቁሪ ናበይ ኢኻ ናብ ክዱናት፡ ዕሩቓት ከ እቲኣቶም ደኣ ትሑዛት እዩ ነገራቱ። ኩነታት ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ዳጋጊምካ ምጽሓፍ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ምኽንያቱ ብሳላ ትዕቢቱ ዝፈጸሞን ጌና ዝገብሮ ዘሎን እከይ ተግባራት ቅሉዕ ካብ ማንም ክስወር ዘይከኣል ብምኻኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘየማትእ ካብ ስሩ ክንቀል ዘለዎ ሕማም ሃገር እዩ ።

ብዘይተጉላባነት ክቃላዕ ዘለዎ ጉዳይ እንተልዩ ብበጠበጥ ክኸይድ ዝጸንሐን ጌና ዘይተመነዎ ክቕጽሎ ዝሻባሸብ ዘሎን ክንፊ ተቓውሞ እዩ። ዕርቃነ-ስጋኡ ኣውጺእካ ዝሕባኣሉ በዓቲታ ክፍተሽ ግደታ እዩ። ኣንጻር ምልካዊ ሕሰም ዝቃለስ ሓይልታት እናሓደረ ክንዲ ዝስስን እናሓደረ ዝማስን፣ ክንዲ ውህደት ምብትታን ዘዘውትር፣ ጎይቢ ናይ ቃልሲ ኩርካሕ ናይ ህዝቢ ኮታ ፍናንን ንያትን መናእሰይ ዝቐተለ ብምኻኑ ኣዳቒቕካ ክቃላዕ ኣለዎ ። ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን! ግርም´ባ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ተጸጊዕካ ጥዕና ዘይብሉ ብቓንዛ ስቅያት ህዝቢ ምቕንዛዉ፣

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፣ ልቢ በሉ ዝግበር ኣኸባታት እወንታውን ኣሉታውን ውጺኢታት ኣለዎ።

ጠንቂታት ኣኸባ ብሩክስልስ(በልጅም) ዝፈረዮ ጉቱር ምስሕሓብ፣ ሳዕበናቱ ነቲ ዝነብረ ሕቡእ መላገጺ ጎጆታት ኣዕንዱ ሰባቢርዎ። እዚ ንቀልቢ ዘለዎ እወንታዊ እዩ። ኩሉ ጊዜ ኣብ ምስምስ ኣይንበርን። ምቅይያር ኣስማት ለውጢ ኣየምጽእን።

ካብ ስም ምሕዝነት ናብ ስም ኪዳን ምቕያሮም ዘምጽኦ ሓድሽ ምዕብልና ለውጢ የሎን፣ ብሓጺሩ ቅጽበታዊ መልሲ ናይ ኣኸባ ብሩክስልስ ንዓመታት ውዕሎ ክንፊ ተቓውሞ የድሊ ኣሎ እናተባህለ ዝዋጠየሉ ዝነበረሞ ንኸተግብርዎ ላዕሊ ታሕቲ ዝብልሉ ዝነብሩ ኣጋጣሚ ብምርካብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝብል ጭርሖ ነጎደ። ደቂ ገርሂ ልባ ኮታ ካባይ ጀሚርኩም ዋላ ኣብ ኣስያይማ ኮታ ኣብ ኣጸዋውዓ እቲ ውዕሎ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ዋዕላ ዝበሃል ካልእ ክስየም  ኣለዎ ዝብል እካ እንተነበርኩ መታን ኩሉ ክሳተፎ ዝከኣለኒ ብመፈተል ሓበረታ መልእኽተይ የመሓላልፍ ንቢረ።

እንተኾነ ግን ሰውራዊት ባይቶን መሰላቶምን ነቲ ዝተመደበ ውዕሎ ናይ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ ዝነበሮም ኣኸባታቶም ኣዛሚዶም ኮነ ብሕጽረት ጊዜ ምኽንያት ነቲ ውዕሎ ክካፈልዎ ከም ዘይኽእሉ ገሊጾም።

ብወገነይ ኣይቅበሎን።

ዘዋደድካዮ መሳርዕ ኣብ ገበላኻ ሰቒልካ ካልኦት ክጥቀምሉ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ምርእይ ንርእሱ ስንፍና እዩ።

ስንፍና ሰውራዊት ባይቶ ኣብቲ ውዕሎ ዘይምስታፎም ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ዝነበረ ውሽጣዊ ሓጎጽጎጽን ኮነ ተዛሪኻ፡ ቀርቂርካ ናይ ምንጻል ዝነበረ ከይዲታት ብትብዓት ኣብ ቃልዕ ከጋልጽዎ ኣይብቅዑን። ንዝተወጠነ ኣኸባ ከተነኣእሶ ዘይኮነስ ብሓቂ እንተደኣ ኣብ ረብሓታት ህዝቢ ኮይኑ ኣድህቦታትካ ነቲ ዘጋጠመ  ዕድል ክትጥቀመሉ ይግባእ። ሰውራዊት ባይቶ ግን ብኣንጻሩ ነዚ ተርክቦትትዚ ክጥቀምሉ ክእለት ኣየጥራዩን።

ውዕሎ ኣዲስ ኣበባ ውሽጠ-ሊጡ ክገልጾ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን ስለምንታይ ተኹሊፉ ኣብ ዝመጽእ እዋን ብፍሉይ ኣርእስቲ ክገልጾ ክፍትን እየ። ዘይጸዓድ ጊዜ ይንዋሕ ይሕጸር ንኹሉ የቃልዖ እዩ።

ውዕሎ ኣዲስ ኣበባ ምስታፈይ ግን ብጣዕሚ ሕጉስ እየ። ነቲ ዝነበረኒ ደብዛዝ ስእሊ ቁልጭ ኣቢሉ ኣርእዩኒ እዩ። ዝተኻየደ ውዕሎ ብዘይካ መራሕቲ ኪዳንን ደቂ መዛምርቶምን ብዙሕ ንጹህ ሕልና ዘለዎ ተሳቲፍዎ እዩ። ዝተዋደደ ውዕሎ ገለ ብገርሁ ገለ ከኣ ብጉርሑ ምንባሩ እቲ ዝነበረ ሃዋሁ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ሓደ ካብቲ  ዘገረመኒ ኣብ ውሽጢ ዕጹው ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ኣልቦ ዓለም ለኻዊ ጋዘጠኛታት ሰላማዊ ሰልፊ ምግባርና እዩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኣበይ ኣለዉ ደኣ እቶም ጋዘጠኛታት እንተበልካስ ጋዘጠኛ ትመስክር!! ትዕዝብቲ ዘይብቅዓት ካብዚ ይጅምር፣

ዝተኣከበ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሃይማኖቱ ኮነ ብሀሩ ብዘየገድስ ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን ቃልሰይ ዘጋጥመኒ ዝነብረ ነጸበራቕ ፍስሃን ፍሽኽታን ሕድሕድ ምስ ረኣኹ ካብቲ ዘሐጎሰኒ ሓደ እዩ። ህዝቢ ኣወሃሂዱ ዝመርሕ ጽቡሕ ናይ ኣመራርሓ ክእለት ዘለዎ  ጉጅለ ጥራሕ´ዩ ስኢኑ ምበር ውሽጣዊ ጸገማት ከም ዘይብሉ  ብተግባር ኣመስኪሩ። ካብ ጻት ናብ ጻት ሃይማኖቱ ኮነ ብሀሩ ብዘየገድስ ብሓደ ንስለ ፍትሓዊ መሰላቱ ዝፈትዎም ደቁ ኣብ ሓደ ጉድጋድ ቀቢሩ በጃ ዝኸፈለ ብሃይማኖትዶስ ብብሀር እናበልካ ክትፈላልዮ ምፍታን መሳርሒ ህግደፍ ካብ ምኻን ሓሊፉ ዝፍይዶ ነገራት የብሉን።

ካብቲ እናሓደረ ዘስደምመካ ኣኸባ ካብ ዕለት 31-07-2010-09-08-2010 ተኻይዱ እናበልካ ዓጀውጀው ምባል ጽባሕ ታሪኽ ክፈርደና እዩ ዘይምባል ንርእሱ ሓደ ኣብነት እዩ። ክትዕ ዝተኻየደለን መዓልታት ሰለስተ ኮታ ካብ 04-07 ነሓሰ 2010 እየን። ነዚ ሓሶት ዝብል እንተልዩ እወሓስ ይበል ወይ ትበል።

ብስላ ዘይብቕዓት ኣሳናዳዊት ሽማግለ ኮነ መራሕቲ ኪዳን እቲ ኩነታት መመሊሱ ይዋጠጥ ነይሩ። ሓደ ምሁር ካናዳዊ ፕሮፈሶር በሽር ይስሓቕ ዘምጽኦ እዩ እመስለኒ፡ ብዛዕባ ብሀርን ብሀረሰባትን ብዙሕ መብርሂታት ሂቡ ከብቅዕ ኣብ ኣጋ መወዳእታኡ ብሀር ትግርኛ ንብሀር ዓፋር ይረግጾ ምህላዉ ምስ ገለጸ ብነጎዳ ጠቓዒት ኣዐጂበሞ ብፍላይ ከኣ ካብ ካናዳ ዝመጹ። ክሳብ ክይንደይ ዘይንረብሕ ምኻና ክብዚታት ክትዕዘብ ትኽእል።

ህዝቢ ከበሳ ንባዕሉ እናተረገጸ ንኻልኦት ይረግጽ ኣሎ እናበልካ ዓዘር-ቆዘር ከተዐምር ምንባር ንርእሱ ሓጋዚ ታራ ንህግደፍ ምጽዋት ኮይኑ፣ ንደቂከበሳ ካብ  ቃልሲ ኣግሊልካ ዘየርብሕ በታኒ ነጋሪት ክትድስቕ ምንባር ንርእሱ መሕነቒኻ መሸንቁቖ ምፍሓስ ጥራሕ እዩ። መዋእሎም ዝተቓለሱ ኣብ ክንዲን ስምምዕ ነንሕድሕዶም እናተራገሑ ዕንክሊል ክብሉ ዝመረጹ ሃወርያታት ለውጢ ክኾኑ ምጽባይ ሚዛንካ ከም ዝሰሓትካ ዘይምፍላጥ ጥራሕ እዩ። ዘይተዓደለ  ህዝቢ ከኣ ዘይረብሑ ኢደወነናውያን ንሕስያ ዘብሎም መራሕቲ የጥሪ።

ይቕጽል…።

ገብረሂወት ውልደሚካኤል

2011-10-31 ስቶክሆልም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...