ኩቡራት ኤርትራውያን ኣብ ዘለኹሞ ሰላምታይ ይብጻሕኩም

ሎሚ ማዓልቲ ዕለት 28-10-2011 ካብ ስራሕ ገዛይ በጺሐ ቲቪ ወሊዐ ነተን ዝፈትወን ማዕከናት ዜና ዓለም- ፕረስ ቲቪ፡ ራሻ ቱደይ፡ ኣል ዓለምን፡ ድሕሪ ምክትታለይ፡ ናብ ቲቪ ኤረ ሰገርኩ’ሞ ኣብ ሱዳን ናይ መኽፈቲ ሓድሽ ጽርጊያ ጽንብል፡ ኢሳይያስን መራሒ ቀጠርን መራሒ ሱዳንን መመቐዞም ሒዞም ሪቦን ክቖርጹ ታዓዘብኩ።

ቀጺለ ዝተዓዘብኩዎ፡ ኢሳይያስ ኣብ ከተማ ከሰላ ኣብ ካንሸሎ ምስ ኣማሓዳሪ ከተማ ከሰላን ምስ ካልኦትን ኮፍ ኢሎም ይዛራረቡ ነበሩ። ስዒቡ ዝመጸ ዜና ኢሳይያስ ኣብ ካልእ ገዛ ኣብ ከሰላ ኮፍ ኢሉ ክዕዘብን ኣንባቢ ዜና ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣብ ገዛ እንዳ ዓብደላ ኢድሪስ በጺሑ ምስ በለ፡ ምስ እዝነይ ተጣራጠርኩ’ሞ ዓብደላ ሳልሕ ናይ የመን ኢዩ ኢሉ ዝኸውን ብምባል ንኸራጋግጽ ተጸቢየ ድሕሪ ሓደ ሳዓት ኣብ ክልቲአን ቋንቋታት ማለት ዜና ትግርኛን፡ ኢንግሊዝኛን ተጠንቂቐ ድሕሪ ምክትታል፡ ኢሳይያስ ኣብ ገዛ እንዳ ሓርበኛ ዓብደላ ኢድሪስ ከምዝበጽሐ ኣረጋገጽኩ።

ንቕጽበት ኣካላተይ ተቖጠዐ ልበይ ካብ ኑቡር ንላዕሊ ክትወቅዕ ጀመረት፡ ሓሳባት ከውርድ ከደይብ ጀመርኩ፡ ባዓል መን ኮን ይኾኑ ናብ እንዳ ሓርበኛ ዓብደላ ኢድሪስ መሪሖሞ በልኩ። ቀጺለ እቶም ናይ ቀረባ ስድራቤቱ’ኸ እንታይ ወረዶም፡ እቶም ህዝቢ በኒዓምር’ከ ኣበይ ነበሩ፡ ሰሚዖም ደኾን ይኾኑ ኣቐዲሞም ኢሳይያስ ናብ ገዛ ሱውእ ሓርበኛ ዓብደላ ኢድሪስ ከምዝበጽሕ ብምባል ሰንፈላል ኮይነ ይርከብ።

ምኽንያቱ ኢሳይያስ ን 30 ሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ን ሓርበኛ ዓብደላ ኢድሪስ ንምቕታል ዘይፈተኖ ጥበብ ዘይገምጠሎ እምኒ የለን። ብፍላይ እታ ንስክላ ዝወጸላ ኣብ ካርቱም መራሕ መኪንኡ ክስዋእ እንኮሎ ዓብደላ ኢድሪስ ግና ድሒኑ ማዓልቱ ስለ ዘይኣኸለት።

ስለዚ ዎ ስድራቤት ሓርበኛ ዓብደላ ኢድሪስ ዎ ህዝቢ በኒዓምር ዎ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኢሳይያስ’ሲ ነታጒ ተጻውደሉ፡ ብድብያ ተጥቅዖ፡ ብመንጣሊ ብረት ትምንጥሎ፡ ብነብሰ ቅትለት ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ትቖራርጾ እምበር፡ ናብ ገዛ እንዳ ሓርበኛ ዓብደላ ኢድሪስ ክኣቱስ፡ ነብስኻ ዘይምኽባርን ስንፍናን ዕሽነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዝፈሰሰ ደም ሓርበኛታት ግዳያት ገበናት ኢሳይያስ ዕሽሽ ምባልን ዘይሓላፍነታዊ ዘይንቡር ፍጻሜ ስለዝኾነ ብልቢ የሕፍረናን የሕዝነናን።

እቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንሱ ዝመርሓ ሓይሊ ኣብ ከምዚ ከባቢ ኣላ ክስማዕ ኮሎ፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ናይ ማዓልትታት ጉዕዞ ዘህድሞም ዝነበረ ቆራጽ ናይ ቆራጻት ኣቦ ኲናት ስዒድ ሳልሕ፡ ልክዕ ቅድሚ 28 ዓመታት፡ ስዒድ ሳልሕ ክሳብ ዘሎ ጀብሃ ዳግማይ ውደባ ጌራ ናብ ሜዳ ክትምለስ ኢያ ብምባል፡ ኣዝዩ የፍርሆም ስለዝነበረ፡ ቅድሚ ኩሉ ልዕሊ ኩሉ ስዒድ ሳልሕ ክቕንጸል ኣለዎ ብምባል ባዓል ኢሳይያስ ዘውጽእዎ ውጥን ኣብ ከሰላ ምስተዓወተ፡ ኣብ ቀብሩ ከምስሉ ብመካይን መጺኦም ኢዮም ቀቢሮሞ። ከምኡ መግበሪኦም ድማ ንክልተ ዕላማታት ንምውቃዕ ነበረ፡ እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ውሽጢ ጀብሃ ዘይምትእምማን ንምንጋስን ቀተልቲ ስዒድ ገለ ካብ መራሕቲ ጀብሃ ንምምሳል። እቲ ካልኣይ ድማ ዘይዋዓልዎ ንምምሳል ብሓንቲ ጸጸር ክልተ ኣዕዋፍ ነበረ።

እዚ ኩሉ ገበናት ቅትለት ኣብ ሱዳን ዝዕወት ዝነበረ ድማ፡ ሓገዝን ምትሕብባርን ናይቶም ዝተፈለጡ ጡስጡሳት ቡልሹዋት ሱዳናውያን ስለ ዝነበሮ ኢዩ። ንሱ ድማ ብ ቋንቋ ዓረብ ተዛረብቲ ኣስላም ከም ባዓል ዓብደላ ጃብርን ካልኦትን ዘይቡቑዓት ዕደታት፡ ንሰበስልጣን ሱዳን ብደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያንን ብመስተን ኣፍቲኻ ኢዩ ዝፍጸም ዝነበረ።

ስለ’ዚ እዚ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ መንግስቲ ሱዳን ተቓወምቲ ኣሲሩ፡ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ኤርትራ መሊሱ ቤት ጽሕፈት ተቓወምቲ ዓጽዩ ወ.ዘ.ተ. ዝባሃል ዘሎ ዝነበረ’ዩ ክቕጽል’ዩ ውን። ምኽንያቱ ከም መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዓለም መትከል ዘይብሉ የለን ዝብል ግምት ኣለኒ።

ክሳብ ኣብ ዝመጽእ ጹሑፈይ ንራኸብ ሰላም ቅነ

ሳልሕ ዓብደላ

ካብ ለምለም ካናዳ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...