መንቀሊ ናይዚ ጽሑፍ`ዚ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት "ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓደ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ኣደስኪሉ።" ዝብል እዩ። ምድስካል ዝብል ቃል ግደፍ ዶ ፖለቲካዊ ትርጉም ተዋሂብዎስ፡ ብተራ ዘረባ'ውን ንእዝንኻ ዝሕርኩኽ ሕማቕ ቃል ምኻኑ ብዙሕ ሰብ ዝሰማማዓሉ ኢዩ። ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ህግደፍ ግን እዚ ቃል እዚ ከም ልሙድ ተቖጺሩ ዳርጋ ብብዙሕ ሰብ፡ ብዘይካ እቲ ብቕጥታ ብሓለንጊ ስርዓተ-ምድስካል ዝተገርፈ፡ ግምት ተዋሂብዎ ኣይፈልጥን። ብዘይ ኣፍልጦ ህዝብን ግሉጽ ኣሰራርሓን፡ ሰብ፡ እሞ ከኣ በዓል መዚ፡ ካብ ስራሕ ምድስካል ወይ ከኣ ምውጋድ ዲክታተርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ምድስካል ቀንዲ መሳርሒ ናይቶም ንብዙሕነት ሪኢቶ ክጻወሩ ዘይክእሉ ውልቀ-መለኽቲ ስለዝኾነ። 

ስለምንታይ ውልቀ-መለኽቲ ንምድስካል ከምቀንዲ መሳርሒ ይጥቀሙላ?

  1. ዝደስከለ ሰብ ኣብ ስራሕ ሰለዘየሎ ካብ ገጽ ህዝቢ ይኽወል። ምኽንያቱ ምስ ህዝቢ ዘራኽቦ ስራሕ የብሉን። ካብ ገጽ ህዝቢ ዝተኸወለ ከኣ ካብ ልቢ ህዝቢ ብቐሊሉ ይወጽእ እሞ ሰዓቢ ህዝቢ (ፖወርበይዝ) የጥፍእ።
  2. ምድስካል ነቲ ብስራሕ ዝተጠርየ ዝና ናብ ዝተሓተ ደረጃ የውርዶ። ብኡ መጠን ከኣ ኣብቲ ዝደስከለ ሰብ ስነ- ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ፈጢሩ ናይ ምስራሕ ዓቕሙ የጉድል።
  3. ልዕሊ ኹሉ ድማ ጽልውኡ ኣብ ኩሉ ትካላት መንግስቲ ልሒኹ ኩሉ ሰብ ካብ ሳዕቤናት ምድስካል ንምህዳም ተገዛኢ ናይቲ ኣደስካሊ ኣካል ከምዝኸውን ይገብር።
  4. ኣብ መወዳእታ ኣብ ክንዲ መመንጨዊ ሓሳባት ሰዓቢ ሓሳባት ጥራሕ ኮይኑ ነብሱን ህዝቡን ይልክም::    

እምበኣር እቲ ጠንቂ ኣብ ቁጽሪ 4 እዩ ዘሎ። ሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ፍሉይ ዝገብሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳባትን ሪኢቶን ብምህላዉ ኢዩ። ምስ ካልእ ሰብ ክሰማማዕ ከኣ ናይ ግድን ኣይኮነን። ስለ ዘይተሰማመዐ ክድስክል ወይ ከኣ ካብ ስራሕ ክእለ እንተደኣ ኮይኑ ስጉሚ'ውን ትኹን ክኽየድ ዝከኣል ኣይኮነን። ሓሳባትካ ከም ካብ ማና ዝወረዱ ገይርካ ኣብ ልቢ ሰባት ብሓይሊ ክትሰኩዕ ምፍታን ካብ ንኣድጊ ብዱላ ምዱግዳግ ብምንታይ ይፍለ።

ብዓለም ደረጃ ብዙሕ ኣብነታት እኳ ክጥቀስ እንተተኻእለ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ጥራሕ ብሰንኪ ጃንዳ ህግደፍ ዝተኸተሎ ሓሳድ ሜላ ኣብ ኤርትራ ዝተጠርየ ናይ ስርዓተ-ምድስካል ተሞክሮ ቀሊል ኣይኮነን።  ከምቲ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ ዝበሎ፡ ኣብ ኤርትራ ሎሚ ዘይደስከለ ክፍሊ ናይቲ ሕብረተሰብ የለን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ እቲ ናይ ብሓቂ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ዝቕንዞ ለባም ኣብ ስልጣንን ስራሕን የለን። እንዳተባህለ ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ኣስመራ ዘወን ክብል ዝውዕል ሚኒስተር ነበር፡ ጀነራል፡ ኣካየዲ ስራሕ፡ ብደረጃ ዓለም ዝፍለጥ ደራሲን፡ ካልእን መወዳእታ የብሉን። ስለዚ ኤርትራ ብዉሑዳት ሓሳብ ከመንጭዉ ዘይክእሉ ጉጅለ ትሕመስ ኣላ። እስኪ ንድሕሪት ግልጽ ኢልና  ናብ መጀመርታ ተስዓታት ንመለስ፡ እቶም ኣብቲ እዋን ንርእዮም ዝነበርና ልሙዳት ገጻት ኣበይ ኣለዉ? ብጀካ እቶም ብዕሊ ንፈልጦም ጂ15 (ንሳቶምውን ተኣሲሮም/መይቶም) ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ካልኦት ኣብ ገጽ ህዝቢ የለዉን። እቲ እንኮ  ዝኾነ ስርዓት ኣልቦ ኢሳያስን ንበረልና ዝብሉ ሳዕሳዕትን ደረፍትን ኣብ ገጽ ህዝቢ ከሽኮንድሩ ይሓድሩን ይውዕሉን ኣለዉ።

ኣቱም ሰባት!  እቲ ኣለና፡  እንዳበልና ከለና፡ በዚ መጺኡ ዘይበሃል ሕዱር ሕማም ብባሕሪ ክመጸና ግን ተጸቢና ኣይንፈልጥን። ምኽንያቱ ንህዝቢ ኤርትራ ዳግም ካብዚ ኣኺሉ ዝፈስስ ተመክሮ ንላዕሊ ኣየድልዮን ኢዩ። ሎሚ ዝተፈላለየ ሪኢቶ ከዳምጻ ዝኽእላ ኣእዛን እምበር ዝበልኩኻ ጥራይ ግበር ዝብላ መልሓሳት ንህዝቢ ኣየድልየኦን እየን። ገና ኢልና ሃንቀው ኢልና እንጽበየን ዘለና ዉድባትን ማሕበራትን ስርሐን ብምድስካል ክጅምርኦ ከኣ ኣይግድን። እናተባህለ ዝምኽነዮ'ውን ኣይኮነን። እቲ ብሓደ ሰብ ምድስካል ዝጀመረ ኣብ ዓዲ ዝመርሕ ዘሎ ህግደፍ ሎሚ ሃገር ሙሉእ ኣደስኪሉ ኣሎ። ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ከይተረፉ።" ንሱ ከይኣኽለና ክኣ እንሆ ሕጂ በዞም "ንኹሉ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላትካ ንቃለስ ኣለና" ዝብሉ ሰብ ባሕሪ ብ"ውሽጣዊ ኣሰራርሓና ኢዩ" ተባሂሉ ዝምኽነ ዘሎ ምድስካል ዶ ምውንዛፍ ጽባሕ  ንግሆ ሳዕሪሩ ናብ ደገ ወጺኡ እንተለከመና ዝግበሮ የለን።  ስለዚ ገና ዕላል ካህንን ናዝን ከይኮነ ከሎ ብኣግኡ ክንምሕዎ ከኣ ናይ ኩልና ሓላፍነትን ስራሕን እዩ።  

ከምቲ ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ብሓፈሻ ውልቀ-መለኽቲ ንብዙሕነት ሪኢቶ ክጻወሩ ከምዘይክእሉን ካብ ናቶም ዝተፈለየ ሓሳብ ከተኣናግዱ`ውን ባህሪኦም ከም ዘይፈቕዶን ታሪኽ`ውን ኢዩ ዝነግረና። ስለዝኾነ እምባኣር`ዩ እዚ ኣብ ዓድና ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት`ውን ከም ኩሎም ናይ ዓለምና መለኽቲ እቲ ካልእ ኩሉ ውልቀ መላኺ ተግባራቱ ገዲፍና እዚ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ንምጥቃስ ነቶም ናይ መዋእል ብጾቱን መቓልስቱን ሃለዋትና ንገምግም፡ ነብስና ንፈትሽ ስለዝበሉ ጥራይ ኣብ ደልሃመት መናቕዕ ዒራዔሮ ብምድ¶ን ንገለ ብሞት ንገለ ብዑረትን መልመስትን ስንክልና ዳሪግዎም ዘሎ፡፡
ሕጂ ኽኣ ሃየ!  .....ወዘተ ዝብሉን  ብዘቑጸልጽሉ ቃላት ልቢ ሰብ ዝሰልቡ ሓደስቲ ናይ ባሕሪ ኣደስከልቲ መጺኦሙና እነሀለዉ። ስለዚ እዞም ናይ ባሕሪ ኣደስከልቲ`ውን ከምቶም ናይ ዓዲ ከም ካብ ሓደ ሩባ ዝተቐድሑ  ሓይልን ዓቕምን ድኣ ሲኢኖም`ምበር በትርን ስልጣንን እንተዝህልዎምስ ካብ ኣባጎብየ ብምንም ዘፍልዮም ኣይምሃለወን። እንቛዕ! ክኣ ኣይሃለዎም።

ካብዚ ቀጺለ "ተዛሪብካ እንታይ ኣምጽኣካ" እንድዩ ብመሰረት እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣርእስቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕለይ ዝተወሰደ ናይ ምድስካል ምኽንያት ዝወጸ ዜናን ምስኡ ተኣሳሲሩ ካልእ ዓገብ ንምድስካል ዝብሉ ጽሑፋትን ምስ ተዘርግሑ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሕን ርትዕን እንታይ ተረኽበ ክብሉ ከለው ገለ ደገፍቲ ውልቀ-መላኺ ወልደየሱስ ዓማርን ጭፍርኡን ዝኾኑ ውልቀ-ሰባት ግን ብፍላይ እኳ ኣብ ፓልቶክ ብምስምስ 'ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ሰልፊ'ዩ" እናበሉ ከደናግሩ ስለዝጸንሑ እቲ ሓቂ መታን ኩሉ ክፈልጦ ጠንቂ ምኽንያት መደስከሊ ኮይኑ ዘሎ ቀጺሉ ክቐርበልኩም ኢዩ'ሞ ባዕልኹም ፍረዱ። 

 

ንምድስካል ምኽንያት ዝኾነ ግሉጽ ደብዳበታት። 31 ሓምለ 2010

ዝኸበርኩም ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፤፤

ብመጀመርታ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስልዎ ሃገራዊ ዕማም ሙሉእ ጥዕናን ዕዉት ናይ ስራሕ ኣሳልጦን እምነየልኩም፤፤ ቀጺለ ኣብዚ ዝሓለፈ ዕለት 28 ሓምለ 2010  ዓ.ም ብኣቦ መምበር ሰልፍና ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ኣብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ክቐርብ ተባሂሉ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣቦ መምበርን ከምኡ ድማ ጸብጻባት ክፍልታት ሰልፍና ተላኢኹ ምምባሩ ዝዝከር`ዩ፤ ይኹን እምበር ኣብ ዝተላእኸ ጸብጻብ ኣቦ መምበር ንብዙሕ ኣርእስትታት ኣልዕሉ ዝዳህሰሰን ዝተንተነን እካ እንተኾነ ብወገነይ ክዛረበሉ መሪጸ ዘለኹ ግን ኣብቲ ጸብጻቡ፤ ኣብ ሰልፍና እኹል ዝኾነ ግልጹነትን ግሉጽ ኣሰራርሓን ኣሎ ተባሂሉ ዝጠቐሶ መበገሲ ብምግባር ንዓ ድኣ ኣይፋልካን ኢለ ክብድሆን እካ ድኣ ብኣንጻሩ ኣብ ሰልፍና ሚስጥራዊ፤ ጉጅላዊ ነጻልን ዝኾነ ኣሰራርሓ ብምስዕራሩ ዓቢ ብኩራት ግልጹነትን ግሉጽ ኣሰራርሓን ከም ዘሎ ምስናይ ጭብጥታቱ ከቕርብ ኢየ፤፤

ዝኸበርኩም ብጾት፤ 

ቅድሚ ናብ ቀንዲ ዛዓባይ ምእታወይ ሓጺር መእተዊ ክገብር ክፍትን፤፤ ከምዝዝከር ኣብ ምጽንባራዊ ኮንፈረንስና ንኹሉ ጉዳያት ብዘይ ሓደ ሽግር ድሕሪ ምጽዳቕና ሓደ ካብ ቀንዲ ኣካራኻርን ነዊሕ ግዘ ዝወሰደን ነጥቢ እንተነይሩ ኣብ ዝመጽእ 18 ኣዋርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ውሳነታት ፈጻሚ ኣካል ብስምምዕ`ዶ ብድምጺ ብዝሒ ይሕለፉ ኣብ ዝብሉ ገቲሩ ዝሓዘና ክርክር ምምባሩ ተሰኒዱ ዘሎ ኢዩ፤፤ ኣብ መወዳእታ ክኣ ድሕሪ ክንደይ ክትዕ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም በሉ ድሓን ብሰንኪ እዛ ነጥቢ እዚኣ`ዶ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ክንበጽሕ ኮይና ክንማኸር ዕድል ሃቡና ድሕሪ ምባል ኣባላት ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ነበር ተማኺሮም ድሕሪ ምምጻእ ሕጂ`ውን ብልሳን ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም በሉ ድሓን ምእማን እካ ኣይክንኣምነኩምን ኢና፤ እንተኾነ ግን ምእንቲ ሓድነት ተቐቢልናዮ ኣለና፤፤ ግን ክኣ ሓደራኹም ኣይንበዳደል ኣይንወጻጻዕ  ኢሉ ነይሩ እዚ`ውን ዝተሰነደ ታሪኽ ኢዩ፤፤ ስለዚ ካብ 18 ኣዋርሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ካብቲ ዝፈራሕናዮ ከይወጻእና እዚ ኹሉ ሓርጎጽጎጽ፤፤ ይኹን እምበር ብዘወሰድናዮ ተባዕ  ውሳነ ግን  ኣይንጥዓስን፤ እቲ ምንታይ ቃልሲ ስለዝኾነ፤፤

ናብ ቀንዲ ዛዓባይ ክምልስ እምባኣር፤ ብጩቡጥ ምዝራብ ስለ ዝቐልል ቃል ብቓሉ ኣቀራርባ ኣቶ ወልደኢየሱስ  ዓማር እዚ ዝስዕብ ኢዩ፤

ሰልፋዊ ሓበረታታት/ግሉጽነት፤

ብዘይካ’ቲ ናብ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት እተመሓላለፈ ሓያለይ ሓበረታታት፡ ቤ/ጽ ኣቦ መንበር ናብ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ 9 ናይ ሓበረታ መልእኽትታት ኣመሓላሊፉ። እዚ ሓበረታታት’ዚ ከኣ ብክፍሊ ስርርዓዊ ጒዳያት ከም ኣድላይነቱ ተኣሪሙ ናብ መሰረታት ይመሓላለፍ ነይሩ። ስለ’ዚ ኣብ ሰልፊ ኣኻሊ ግሉጽነት ኣሎ ክንብል ንኽእል።) ዘገርም ኢዩ፤፤ ኣቶ ወልደኢየሱስ  ዓማር ኣብ ሰልፍና እኹል ግሉጽነት ኣሎ ይብለና ኣሎ፤፤ በሉስከ ድሓን ኣብ መሰረታትናን ካድራትናንስ ይትረፍ ኣብ መንጎ ፈጸምቲ ኣካል ውን ዘሎ ብኩራት ግሉጽነት መታን ብንጹር ክትርድኡ ነዛ ትሒታ ቀሪባ ዘላ ብዕለት 25 ሰነ 2010  (ክእረም ዝግብኦ ግጉይ ሓበረታ) ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብኣይ ዝተዳለወት ተዓዘቡ፤፤ ንሳ ብመንገድኻ ናብ ፈጸምቲ ኣካላት ክተብጻሓለይ ኢለ ዝልኣኽክሉ ኮይና ዛጊት ናብ ዝኾነ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ከይተላእኸት ተሪፋ ዘላ ኢያ፤፤ በሉስከ እዚ ድዩ ግሉጽነት?፤፤ 

እታ ዝተላእኸት`ሞ ተሓቢኣ ዝተረፈት ጽሕፍቲ ምስ መሰነይትኣ እዛ ትዕስብ ኢያ፤፤

ዝኸበርካ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር፤፤

ኣቐዲመ ናይ ቃልስን ጽን ዓትን ሰላምታይ እብጻሕካ፤፤ ቀጺለ ሙሉእ ጥዕናን ዕዉት ናይ ስራሕ ኣሳልጦን እናተመነኹ፤ ብ ዕለት 22-06-2010 ናብ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፤ ብዝብል ንውጽኢት ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ሰልፍና ኢልካ ዝልኣኽካዮ በጺሑኒ፤እንተኾነ ኣብ ኣቀራርብኡ ብዙሕ ዘይቅቡል ነጥብታት ስለዘለዎ ተቓውሞይን ምሕጽንታይን በዚ ኣብ ጥብቆ ሰፊሩ ዘሎ ኣቢለ ናብ ዝምልከቶ ፈጻሚ ኣካል ሰልፍና አቕርብ ኣለኹ`ሞ ብመንገድኻ  ክብበጽሓለይእላበውካ፤፤

ሓይልና ንምሸቱ`ዩ!
ኢሳያስ ኣስፍሃ;;

ናብ ዝኸበርኩም ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።

ኣቐዲመ ኣብ እተሰላስልዎ ሃገራዊ ዕማም ሙሉእ ጥዕናን  ዕዉት ናይ ስራሕ ኣሳልጦን እናተመነኹ  ነዚ ቀጺሉ ዝስዕብ መልእኽቲ ከመሓላልፍ እፈትዉ።

ብመሰረት ኣብ ዕለት 22 ሰነ 2010 ዓ.ም ብኣቦ መምበር ሰልፍና ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ብመልእኽቲ ኣ/መ ቊጽሪ 8 ርእሰ-ነገር፡ ጒዳይ ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ: ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ተዳልዩ ናብ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ: ተባሂሉ ዝተላእከ ዘዋሪ ጽሑፍ ምርኩስ ብምግባር: ኣብ ኣቀራርብኡ ዘለኒ ትዕዝብትን ተቓውሞን አቕርብ;; ከም ውጺኢቱ ክኣ ዝግባእ ምስትኽኻል ተገይሩሉ: እቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርገሐ ተሳሒቡ እቲ ቅኑዕ ሓበረታ ክልኣኽ ኣጥቢቐ እምሕጸን።

ኣብቲ ዝተላእከ ዘዋሪ ጽሑፍ: ንጉዳይ ኣወሳስና ዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ብፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ኣመልኪቱ ኣቦ መምበር ዘቕረቦ  እዚ ብሰማያዊ ሕብሪ ቀሪቡ ዘሎ ኮይኑ። ንሱ ይብል፡-

(ካብ ሓያለይ ኣዋርሕ ጀሚሩ፡ ኣብ ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ  ርእይቶታት ነይሮም።) ኢሉ ድሕሪ ምጅማሩ ቀጺሉ:- ( ዕቱብ ምድላዋትን ቅኑዕ ኣሰታትፋ ህዝቢን ዘይብሉ እሞ ኣዓዋቲ ኣብ ዘይኮነ ዋዕላ ሰልፍና ኣይሳተፍን ዝብል ናይ ብዙሓት ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን - ሕጽረታት ናይ ምድላው ብዘየገድስ፡ ኣብ ዋዕላ ክንሳተፍ ኣሎና ዝብል ናይ ዝዋሓዱ ርእይቶን ኔሩ።) ክብል ገሊጽዎ። 

እንተኾነ ግን ናይዚ ዳሕረዋይ ብኣባሃህልኡ ናይ ውሑዳት ኢሉ ዝሰየሞ: መርገጺን ሪኢቶን ከምቲ ንሱ ዝጠቐሶ ዘይኮነ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

(ኣብዚ ዝዳሎ ዘሎ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ምስንዳኡን  ምድላዉን ጉድለታት እŠú እንተሃለዎ፤ እሞ ኽኣ ኣብ ኣቃውማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉድለት ከምዝገበሩ እውን ስለ ዝተኣመኑን፤ ንዝገብርዎ ጉድለት ኣመዝጊብና ኣብቲ ዋዕላ  ኣቲና ንኻልኦት ከሲብና ናብ ረብሓና ንቐይሮ ኢዩ ዝተባህለ። )

ድሒሩ ኣቦ መምበር ንናይ ዕለት 21/06/2010 ዓ.ም ኣኼባ እውን እንተኾነ ብኸምዚ ዝስዕብ ኢዩ ክገልጾ ፈቲኑ።
(ኣብ ናይ ዕለት 21/06/2010 ኣኼባ እውን እዞም ክልተ ርእይቶታት ቀጺሎም።

እቲ ናይ ብዙሓት ሸነኽ፡ ልኡኽና ነቲ ውሳኔ ሰልፍና ከቐይሮ ዝኽእል ኩነታት ስለዘየምጽኤ፡ ውሳኔና ኣብ ቦትኡ ኣሎ።) ኢሉ ድሕሪ ምቕራብ ቀጺሉ: (እቲ ናይ ውሑዳት ርእይቶ ከኣ፡ ኢትዮጵያውያን ኣቕሪቦሞ ዘለዉ፡ ክልተ ዋዕላታት ናይ ምግባር እማመ ሓዲሽ ርእይቶ ኢዩ። ስለዚ ኣብዚ ዋዕላዚ ክንሳተፍ ኣሎና ዝብል ነይሩ።) ክብል ገሊጽዎ።

ኣብዚ እውን እንተኾነ ከምዚ ኣቦ መምበር ዝበሎ ኣበሃህላን መንፈስን ዘይኮነ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ዝነበረ።

ንሱ ኽኣ:-

ኢትዮጵያውያን ፈተውቲ ነቶም 10 ውድባት ዘርብሕ እንተዘይኮይኑ ሓድሽ ነገር ኣየምጽኡን እናተባህለ በቶም ብዙሓት ዝበሎም ይዝረብ ስለ ዝነበረ፡ በቶም ውሑዳት ዝተባህለ ክኣ:- (ኣይፋልኩምን: እኳ ድኣ ኢትዮጵያውያን ፈተውቲ ከምዚ ኣብ ጸብጻብ ቀሪቡ ዘሎን ፍታሕ ኢሎም ዘምጽእዎን ክልተ ዋዕላ ግበሩ ኢዩ። እዚ ናይ ሓምለ ከምቲ ኣብ ጸብጻብ ቀሪቡ ዘሎ ኣጽብብ ኣቢልኩም ግበርዎ። ድሓር ክኣ እቲ ንኹሉ ዘሳትፍ እትብልዎ ዘለኹም ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምስንዳኡ ጀሚሩ ብሓባር ትገብርዎ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። ስለዚ እዚ እማመ ናይ ፈተውትና ኢትዮጵያውያን ሓድሽን ዓራቕን ኢዩ እሞ እዚ  ዕድል እዚ ተጠቒምና ኣብ ውሽጡ ኣቲና ንዋሳእ። ኢዩ ዝተባህለ።)

ስለዚ ኣብ መደምደምታ ደጊመ ክብሎ ዝደሊ: እቲ ዝነበረ ዘተን ፍልልዩን  ከምቲ ዝነበሮ ኣበሃህሉኡን መንፈሱን ገይርካ ድኣ ክቐርብ እግባእ እምበር ከከም ዝጥዕመካ ንሪኢቶኻ ብዘድምቕ ኣገባብ ገይርካ ከተቕርቦ ምፍታን ቅንዕና ዝጎደሎ ኣብ ርእሲ ምኻኑ ዘተዓዛዝብ እውን`ዩ። ስለዚ ሕጂ እውን ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልክዎ እቲ ዝነበረ ውዕሎታት ከም ብሓድሽ ተስተኻኺሉ እቲ ቅኑዕ ሓበWታ ክመሓላለፍ ኣጥቢቐ እምሕጸን።

ሓይልና ንምሸቱ`ዩ!
ኢሳያስ ኣስፍሃ
25 ሰነ 2010።

ኦሮማይ! ድሓን ኩኒ ግሉጽነት።

እቲ ዘገርም ትዕዝብተይን ተቓውሞይን ናብ ፈጻሚ ኣካል ክንሱ፤ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ግን ኣብ በይኑ ሓዚኡን ሓቢኡን ብምድባቕ ብኣቃራጭ በዘን እትርእይወን ቃላት ጌሩ`ዩ መሊሱለይ።


Dear IA,
It is sad that you are addressing this message in this manner. I am sure there is no misleading information in my short update.
WA

መደምደምታ

ኣብ ሕቶ ብኩራት ግልጹነት ኮነ ተካይድዎ ዘለኹም ጉጅላውን ነጻልን ኣትሓሕዛ ዘለኒ ርእይቶ ብምቕራብ ክዛዝም ኢየ፤፤

  • ብግስ ከይበልኩም ኣገባብ ኣካይዳኹም ጉጅላውን ግሉጽነ ዝጎደሎን ሙዃኑ ድሮ ተገሊጹ ኣሎ። ብኸምዚ ክኣ ከቶ ሰልፉ ክትሰርሕ ዘይክኣል ኢዩ። እቲ ዘገርም ክሳብ ክንደይ ንዕቐት ካብኡ ኣይሕለፉን ክኣ ንኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኪዳን ንኣቦ መምበርን ንኣምባሳዶር ኣድሓኖምን ዝውክሉ ተባሂሎም ዝተሓረዩ ነዊሕ እዋን ኣብ ማእከላይ ባይቶ ኪዳን ኮይኖም ዝሰርሑ ምኩራት ብጾት ሓጅ ዓብደልኑርን መኮነን ሃይለ እናሃለዉ ሓንቲ ኣፍልጦ ዘይብሉ ኣማኑኤል ሃብተ ኣበሉ እናተኽፈለ ውቅያኖስ ሰጊሩ ክመጽእ ዝተገብረ እቲ እምነት ስለዝተሳእነ'ዶ ኾነሁ? እዚ ጉጅላዊ ኣከያይዳኹም ከ ኣበይ ኢዩ ከብጽሕ?፤፤
  • ንኪዳን ብመትከል ከነሀብትሞን ከነሕይሎን ተሰማሚዕና ከነብቅዕ ይኹን'ምበር ሒዝናዮ ዘለና ኣገባብ ክልተ ነንሓድሓዱ ዘይራኸብ ኢዩ። ስለዚ እቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ኣገባብ ንኪዳን ዘፍርስን ዘዳኽምን ጸረ ኣብ ውሳነታትና ዘቐመጥናዮም መትከላ'ዩ። ስለዝኾነ ክኣ ካብቲ ዝፈራሕናዮ ኣይወጻእናን። እንተ እቲ ደጊምስ ኣብ ውሽጥና ኣኣቲናዮም ኢና'ሞ ኣበይ ከይበጽሑ ዝብል ስሚዒት እንተኾይኑ ግን ዘይሰርሕ ድኹም ኣተሓሳስባን መንፈስን'ዩ።
  • ብእምነትና ናይ ሓባር ሓያል ሰልፊ ክንሰርሕ  እንተኼንና ካብ ጉጅላዊ ኣሰራርሓ ወጺእካ ንርእይቶ ውሑዳት ብምኽባርን ብምእንጋድን፣ ኪንኡ ድማ ኣብ ኣባላትን ህዝብን ወሪድካ ብግሉጽ ክትሕብር ምስ እትኽእል'ዩ። ካብኡ ሓሊፉ እንተ'ቲ ብጉልባብ ደሞክራሲያዊ ማእከልነት እናበልካ ነቲ ጉጅላውን ነጻልን ኣሰራርሓኹም መህጠሪ ክትጥቀምሉ እንተድኣ ኴንኩም ግን ቅድሚ ሕጂ ተፈቲሉ ዝፈሸለን ዝበርዓነን ስልቲ ኢዩ'ሞ ኣይትድከሙ።

ሓይልና ንምሸቱ`ዩ! 18-08 2010


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...