ኣቦታትና ኣገዳሲ ጉዳይ ክርከብ እንከሎ ርሑስ ይግበረልና ብማለት ይምርቕዎ። እዚ ግን ኩሎም ነቲ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ተሰማሚዖምሉ ኣየስመዕን። ንሕና እውን ብሸነኽና ብጸዓት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን፤ ሲቪካውያን ማሕበራትን፤ ተባዓት ሃገራውያንን ኣብ ድሮ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንርከብ ኣሎና። ኣነ እውን ከምቶም ኣቦታትና፤ ርሑስ ዋዕላ ይግበረልና፡ ቀዳዊና ይግበሮ ክብል እፈቱ።

ርግጽ ነዚ ዝግበር ዘሎ ዋዕላ ዝድግፍዎን ዝጻረርዎን ከም ዘለዉ ብሩህ እዩ። ብዛዕባ እቶም ዝድግፍዎ ብዙሕ ዝበሃል እኳ እንተሎ፡ ባዕሎም ይብልዎ ስለ ዘለዉ፡ ኣብ ናይ ውልቀይ ኣተኲረ ስለምንታይ ይድግፎ ከም ዘሎኹ ካብ ዘሎኒ መትከላዊ እምነት ተበጊስ ከብርህ እፈቱ። እዚ ማለትይ፤

 

  1. ብመልክዕ ሃገራዊ ዋዕላታትን፡ ጉባኤታትን፡ ኣኼባታትን ዝውሰኑ ጉዳያት ዝያዳ ዲሞክራሲያዊ ሰረት ኣለዎም ኢለ እኣምን። ኣብ ኽምዚ ዝኣመስለ ጉዳያት ሓደ ርእይቶ ወይ ዝምባሌ ክዕብልል ስለ ዝይከእል ንተሳተፍቲ ኣብ እንካን ሃባን ዘፍቅድ ውረድ ደይብ ተመርኲሾም ኣብ ንኹሉ ዝጥርንፍ ማእከላይ ፍታሕ ክሰማምዑ ዘኽእል መስርሕ የምርሖም።
  2. ዕላማ ናይዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ስለ ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ንዚ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምልጋስ ተኣኪብካ እትገብሮ ካብ ብውልቀ ውድባት ዝግበር ጉባኤታትን፡ ዋዕላታትን፡ ኣኼባታትን ዚያዳ ኣድማዕነትን፡ ዓቢ ምልኣትን ዘለዎ መስርሕ ክኸውን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ተሳትፎ ሕዝቢ ኣብ ምምስራት ንኹሉ እትሓቁፍ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ የረጋግጽ ብምህላዉ ፍሉይ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ክህልዎ እዩ።
  3. እዚ ሃገራዊ ዋዕላ እዚ ኣብዚ ተታሓሒዝናዮ ዘሎና ቃልሲ ንመጀመርያ ጊዜ ዝግበር ዘሎ ኮይኑ፡ ነቲ ብሰንኪ ባዕዳውያንን፡ ዲክታቶርያውያንን ዓመጽቲ ተሪፉ ንዝነበረ ሕዝባዊ ባህልና “ሽግራትና ብዋዕላታት ናይ ምፍታሕ” ምዕቡል ልምዲ ዘሕድስ መስርሕ ኮይኑ፡ እዚ ዋዕላ እዚ ፈላሚ ኾይኑ፡ ንመጻኢ ዋዕላታት ንምክያድ መስረት ዘንበር መስርሕ እዩ።
  4. ሓደ ካብቲ ሽግርና ግን ገለ ካባና ‘ንሃገራዊ’ ንዝብል ጥምሮ ሓሳብ ምስ ‘ፖሊቲካዊ ውክልና’ ዝብል ይሓዋውስዎ። ብሸነኸይ ሃገራዊ ዘብሎ ምኽንያት፡ ካብ ኩሉ ሸነኻት ናይ ሃገርና ይሳተፍዎ ስለ ዘለዉ ድኣ እምበር ንኹሉ ስለ ዝውከለ ኣይኮነን። ብዓቢኡ እቲ ተጠቃሚ ዲሞክራሲ ክኸውን ንጽበዮ ዘሎና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርነት ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ ብቀጥታ ክሳተፎ ይኽእል ከምዘየሎ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ብዙሕ ሸነኻት ናይ ሕብረተስብና ይሳተፍዎ ስለ ዘለዉ፡ ንኹሎም ሸነኻትን፡ ዝምባሌታትን ሕዝብና ዝውክል ዋዕላ ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ንኹሎም ነዚ ዋዕላ ንምዕዋት ዝቃለሱ ምስጋናይ ብምቅራብ፡ ደጊመ፡ ርሑስ ዋዕላ ይግበረልና፡ ቀዳዊና ይግበሮ ክብል እፈቱ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...