ኮሙንስታውን ኽቱር ምቁጽጻር ዝኽተሉ ግፍዓውያን ስርዓታት፣ ንስድራ ቤታት ብምንጻል፣ ፍሉይ ኣካላት ሕብረተ ሰብ ብንጽል ማለት ብውልቀ ሰብ ደረጃ ብምውሳድ፣ ኣብ ስነ ኣእምሮኣዊ ይኹን ነገራዊ ውልቃዊ ጥቕሚ ዝተመሰረተ ናይ ሓንጎል ምሕጻብ ተጠቒሞም ናይ ስርዓቶም ተማእዘዝትን ኣተግበርትን ሰባት፣ ብፍላይ መንእሰያት ይምልምሉ ኢዮም።

ብዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2010 ኣብ ሳዋ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንእሰያት ኣኼባ ተኻይዱ ኔሩ። እዚ ኣብ ዓዓመቱ ዝግበር ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ዲያስፖራ መገሻ ኢዩ። ሎሚ ዓመት ግን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ኣብ እትርከበሉ እዋን ስለዝተኻየደ፣ መንግስቲ ኢስያስ ነዚ ኣኼባ ብምምልካት ኣብ ናይ ኦል ኣፍሪቃ ወብሳይት፣ ናይ ሻዕብያን ሻባይትን ካልኦት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ጋዜጣታትን መጽሐታትን ክቱር ፖሮፓጋንዳዊ ዘመተ ክዝርግሕ ቀንዩ። ኣብታ ሃገር ናይ ብሕቲ ነጻ ጋዜጣታትን መጽሐታትን ተለቭዥንን የልቦን።

ኣፍሪቃን ዲክተተራት መንእሰያት

ኣብ ኣፍሪቃ እስኪ መንእሰያት መራሕቲ እንታይ ከምዝገበሩ ንመልከት። መንግስቱ ሃይለማርያም ወዲ 37 ዓመት ከሎ እዩ ናይ ሃገረ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝተቖጻጸረ። እንተድኣ ብ1937 ተወሊዱ እሞ ብ1974 ስልጣን ሒዙ ኣብታ ስልጣን ዝጨበጠላ ዓመት ዕድሚኡ እዚ እዩ ኔሩ ማለት ኢዩ።

ስልጣን ክሕዝ እንከሎ፣ ወዲ 28 ዓመት (ብ1980 ኣቢሉ ስልጣን) ዝነበረ ናይ ላይበርያ ፕረሲደንት ሳሙኤል ዶ፣ ብጭካንኡን ደማውነቱ ዘሰካሕከሐ ፋሽስታዊ መራሒ ኔሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ናይታ ሃገር ቅዋም ዕድመ ፕረሲደንት 35 ክኸውን ኣለዎ ይብል ስለዝነበረ፣ ዝተወለደሉ ዕለት ንግንቦት 5, 1950 ለዊጡ ዝብል ሓተታ እውን ኣሎ። ኣብታ ሃገር ዘኸተሎ ዕንወትን ጥፍኣትን ብድሕሪ ምሟቱ እውን ንቻርለስ ተይሎርን  ሕድ ሕድ ምቅታትልን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ኣብ ናዕቢ ኣእትዩ እዩ ሓሊፉ።

ዕሉል ፋሽስታዊ ገዛኢ ኮንጎ፣ ሞቡቱ ሰ ሰኮ፣ ንባዕሉ ኣብ 35 ዓመት ዕድሚኡ (ብ1930 ተወሊዱ ብ1965 ኣብ ስልጣን ደይቡ) ኢዩ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካ ዝሑል ኲናት ተጠቒሙ ናብ ምዕራብ ብምድላው ስልጣኑ ዘደልደለ። ንፓትሪስ ሉሙምባ ንኽቕተል መደብ ከውጽእ ከሎ ኣብዚ ዕድመ እዚ እዩ ፈጺሙዎ። ኮንጎ ካብ ናቱ ዓይነት ስርዓተ ግዝኣት ሰሎሎን ሳዕበናትን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣይወጽአትን። ኣብታ ሃገር ዝጠፍአን ሕዝብን ዝዓነወ ንብረትን ማሕብረ ሰብን ናይ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ካልኦት ናይ መጽናዕቲ ጉጅለታት ዓወደ ትምህርቲ ኮይኑ ይርከብ። 

ክሳብ እግዳ ደጋፊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝነበረ ሙዕማር ኣል ቐዛፊ፣ ኣብ 27 ዕድሚኡ ስልጣን ምስሓዘ (ብ1942 ተወሊዱ ብሓይሊ ኣብ 1969 ዕልዋ ጌሩ)፣ ነታ ሃብታም ዝኾነት ሃገር ሒዙ፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ዝነውሐ ዓመታት ዝገበሩ ደክተተራት ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ኤርትራ

ብምኽንያት እገዳ ሕ. ሃ. ብሓላፍነት ዝሕተተ ዘሎ ኢስያስ ኣፈወርቂ፣ ብ1946 ተወሊዱ ይብል ናይ ቤት ትምህርቲ መዛግብቱ። ስለዚ መሳትኡ ንክኾኑ ዝኽእሉ ሙሴ ተስፋሚኪኤል፣ ደበሳይ ገበረስላሰ፣ ዮውሃንስ ስብሃቱ፣ ታረቀ ይሕደጎ፣ ደሃብ ተስፋጽዮን፣ ኣበራሽ መልከን ካልኦትን ”ብ1974 ኣቢሉ ብምኽንያት "ኣዕናዊ ምንቅስቓስ መንካዕ" ንኽቕተሉ ክውስን እንከሎ፣ ዕድሜኡ ኣስታት 28 ኔሩ ማለት እዩ። ካብ 3 ክሳብ 6 ዓመት ጸኒሑ (ካብ 1976-80) ኣቢሉ ብ”ግዲኦም” (ብኣጋላልጻ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ነበር) ”የሚን” ብምባል ክንድኡን ብውሑድ ዓመታት ካብኡ ዝዓብዩ ከም እኒ ጎይትኦም በርሀ “ብጻይ”፣ ተኽላይ ገብረክርስቶስ፣ ሚኪኤል በረኸተኣብን፣ ዶክተር ኢዮብ ገብረልኡልን ዝኣመሰሉ ንኽቕተሉ ክእዝዝ ከሎ ዕድሜኡ ልክዕ ክንዲ መንግስቱ ኣብ ስልጣን ክድይብ ከሎ ዝነበሮ ማለት ኣስታት 32 ዓመት ኔሩ ማለት ኢዩ።

ኣኼባ መንእሰያት ኣብ ኤርትራ 


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፣ ካብ ዕለት 16-19 ብስርዓት ኢሳያስ ዝተኻየደ "ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ"፣ ማዕከናት ኤርትራ ኣሳእልን ዛዕባን ፈሲቫላትን መደረን በዓላትን ክዝርግሓ ቐንየን። ብተወሳኺ እታ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሉ ዜና ስርዓት ኢስያስ እተውጽእ ዘላ ኦል ኣፍሪቃ ነዚ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ኣመልኪታ ነዚ ዝስዕብ ኣውጺኣ። ቃል ብቓሉ ብእንግሊዝ፤ “Youths from Sudan, Libya and Egypt who come to take part in the national youth gathering stated noted the advantage of the dynamic role of youths cultivated in academic and military discipline to the all-round national development drive.” 

እቲ ጽሑፍ ብዓይነቱ ልክዕ ከምቲ ስርዓት ኢስያስ ብእንግሊዝ ዘውጽኦ ኾይኑ፣ መርበብ ሻዕብያን ሻባይትን ካልኦት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ጋዜጣታት ግን ካብ ኩሉ ሃገራት መንእሰያት መጺኦም ብምባል እዩ ዜና ኣውጺኡ። ኣብዚ ግን ኣብ ምስርን ሱዳንን ሊብያን ዝርከቡ ጥራሕ ብፍላይ ተጠቒሶም ይርከቡ። እዚ ስራሕ ናይ ኣምባሳደራት ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ሊብያን ምስርንዶ ክኸውን ይኽእል ዝብል ሕቶ የኸትል። ኣተኲሮ ተዓዘብቲ ናብ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን፣ ኢሳ ኣሕመድ ኢሳ የድህብ ኣሎ፣ ምኽንያቱ ንሱ ካብ ቅድሚ ተ.ሓ.ኤ. ናብ ሱዳን ቅድሚ ምውጽኣ ጀሚሩ ኣብቲ ከባቢ ኣዝዩ ጥቡቕ ዝምድናን ተመኲሮን ስለዘለዎ ክኸውን ይኽእል ይበሃል። ምስዚ እቲ ድሕሪ ነጻነት ተረኪብዎ ዝነበረ ናይ ጀነራልነት ማዕርግ ኣበይ ከምዝተሰወረ ስለዘይተፈልጠ ክኸውን ይኽእል። 

 

ከም ትዕዝብቲ፣ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ኤርትራ ከይዶም ናይ ውልቀ መላኺ ስእሊ ሓቑፎም ዝሰኣሉ ካብ ወጻኢ ዝመጹ መንእሰያት ብኣትኲሮ ምስእትምልከቶም ቁጽሪ ዕድመኦም ግን እናጎደለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ማለት እቶም ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝኸዱ እሞ ስእሊ ፕረሲደንት ሒዞም ዝሰኣሉ ዝነበሩ ኣይኮኑን። ኣብ ዓዓመቱ ሓደሰቲ ድዮም ዝምልምሉ ዘለዉ ወይስ እቶም ናይ ቅድም ስለዝኣረጉዎም እዮም ዝብል ሕቶ የስዕብ።

መደምደምታ

ፍትሓዊ ሰብ ኣሎ፣ ዘይፍትሓዊ ሰብ ኣሎ። ፍትሓዊ መንእሰይ ኣሎ ዘይፍትሓዊ መንእሰይ ኣሎ። ፍትሓዊ ሽማግለ ኣሎ ዘይፍትሓዊ ሽማግለ ገዛኢ እውን ኣሎ፤ ከም ኣብነት ጀነራል ፒኖሸ ናይ ቺሊን፣ ካብ 80 ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎ ፎበርት ሙጋበ ዝኣመሰሉ ኣለዉ። ዕድመ ምስ ፍትሒ’ኳ ዘራኽብ እንተዘይብሉ፣ ኣብ ዝበዝሐ ስልጡን ዓለም ዝርከቡ ናይ ቅዋም ሓንጸጽቲ፣ ፕረሲደንት ይኹን ቀዳማይ ሚኒስተር ንክኸወን ዝበቕዐ ሰብ ናይ ዕድመ ገደብ ይገብሩሉ እዮም። ኣብ ኣሜሪካ እንተወሓደ 35 ክኸውን ኣለዎ ይብል። ዕለቱ ሓምለ 10፣ 1952 ዝብል ናይ ግዜ ፈደረሽን ቅዋም ብዛዕባ ዕድመ ዓንቀጽ 68፣ መራሕ መንግስቲ ንኽምረጽ ምእንቲ ዕድሜኡ 35 ዓመት ዝገበረን ፖለቲካዊ መሰላቱ ዝተኸብረ ኤርትራዊ ዜጋ ክኸውን ኣለዎ ይብል ኔሩ።* ኣብታ እተካትዕ “ቅዋም ኤርትራ” ግን ኣብ ትሕቲ ምዕራፍ ሓሙሽተ፣ ፈጻሚ ኣካል ዓንቀጽ 39 - ዓንቀጽ 47 ብዛዕባ ፕረሲደንት፣ መራሒ ሃገርን መንግስትን ብዛዕባ ዝተሓተ ዕደመ ናይ መራሒ ክኸውን ዘለዎ ሰብ ፈጺሙ ኣይጠቅስን።

 

*Article 68: Election of the Chief Executive #2: Only Eritrean citizens having attained the age of thirty-five years and in possession of their political rights shall be eligible for the office of the Chief Executive. 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...