እቲ ውዕል ሕቡራት ሃገራት እንታይ ይብል ንመልከት። ብኽብረትኩም፣ እስከ እቲ ኣብ 1951 ዓ.ም ዝተደንገገ ዓናቅጽ ነስተብህለሉ።,,እጠቅስ“
 
International Obligation
The Universal Declaration of Human Rights, adopted in 1948, is a statement of the basic rights and fundamental freedoms owed to all human beings. As a declaration, it does not have binding force, but it is internationally recognised as a cornerstone of human rights protection. Article 14.1 states; everyone has the right to seek and to enjoy in other countries asylum from persecution.” This principle, is a root of refugee rights world wide, and forms the basis of the 1951 Convention relating to the Status of Refugee.
 
Further, under article 2 of the 1951 UN Convention, every refugee has duties to the country in which she/he finds her/himself. In particular, the person must conform to its laws and regulations as well as to measures taken for the maintenance of public order. Refugees have equal not preferential treatment before the law. ይብል።
 
ኣቐድም ኣቢሉ እዚ ኣብ ኣስመራ ተወሺጡ ዘሎ ሽፍታ፣ ኣብ ናይ ግብረ ሽበራ መዝገብ ምስፋሩ ዝዝከር ኢዩ። ነቲ ሓቂ ከዊልዎ ክነብር ድማ ኣይከኣለን። ንኣልቓዒዳ ኮነ ንኣልሸባብ ይሕግዝ ምንባሩ ኣሉ ዘይበሃለሉ ሓቂ ኢዩ። እቶም  ኣዕቒብዎም ዝነበረ ሶማላውያን ጽባሕ ድማ ንዓና ከምኡ ንኻልኦት ኣዕቁቡ ከውርረና ኢዩ ኢሎም ሓቂ ብምዝራብ ኣሳጢሖሞ።

ንሓደ ሶማላዊ ከይኣመንኩሉ ዲኹም ምስኡ ተጸጊዕኩም? ክብል ሓቲተዮስ ዝሃበኒ ምላሽ እንሃትልኩም። ኩሉ ካብ ሃገሩ ዝሕክል፣ መሓከሊቱ ኣስመራ ኢያ። ኢሰያስ ጉድለት ዘለዎም ሰባት ጥራይ ኢዩ ዘጸግዕ። ኣብ ህግደፍ ዘለዉ መሪሕነት እውን ገለ ዝፈልጠሎም ጉዳይ ኣልይዎም ኮይኑ፣ ሓቲትካዮም ኣይምልሹን ኢዮም። ኩላ ትስራሕ ነገር ብኡኡ ጥራይ ኢያ ትውሰን። ንዓና ምስ ኣሓዋትና ክንራኸብ እሞ ክንዛተ እንተበልናዮ፣ ርክብኩም ኣብ ኣስመራ ጥራይ ክትከውን ኢየ ዘፍቕድ ስለ ዝብለና ክንጠራጠሮ ጀሚርና። ተቓወምቲ ኮና ክንኣቱን ክንወጽእን፣ ፍቓድ ካብኡ ጥራይ ኢና ንወስድ። ፍቓድ ዝህብ ዋላ ሓደ በዓል ስልጠን ኣብ ኣስመራ የለን። ዝተላኣኸልና ገንዘብ እውን ዋላ ብባንክ ይምጻእ ከንውጽኦ ካብኡ ክታም ክህልዎ ኣለዎ። ኢሰያስ ሕሙም ኢዩ። ኤርትራውያን ንፈትወኩም ነርና። ግን ተገሪህና ዝኣተናዮን፣ ህዝቢ እውን ኣሚናን፣ ኢሰያስ ምስ ዝኾነ ሰብ ክሰርሕ ዘየፍቅድን፣ ለይትን ቀትርን ትእዛዙ ክትጽበን፣ ትገብሮን ትንቀሳቐሶን ናይ ሶማል ይኹን እንበር ንሱ ዘየፍቀዶ ኣይትገብርን። ናይ ኣምሓራን ናይ ኦሮሞን ሓንሳብ ተማራሲሖም እንበር ካብኡ ዘገላግል የምጽኣልና በሃልቲ ኢዮም። ሰብ ዝንዕቕን፣ ኣብ ዓለም ንሱ ጥራይ ፈላጥ ገይሩ ዝግምግም ዕቡድ ኢዩ። ኤርትራውያን ደፋር ሰብ ዘለኩም ኣይመስለንን ነይሩ። ጎረባብትኹም ከም ሱዳን ዝኣመሰሉ ጉድለት እውን ኣለዎም፣ ግን ከማኹም ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ ግን ኣይረኣኹን በለኒ።
 
ሶማላውያን ሎሚ ተዓሪቖም ምስ ኣሓውቶም ብሓብር ነታ ሃገር ካብ ፖለቲካዊ ግዕጋዕ ከንጽህዋ፣ ሓቂ ክዛርቡ ስለ ዝመረጹ ,,ብዕጥቅን ብማልን ይሕግዘና ነይሩ”  ክብሉ ጭብጥታት ኣቕሪቦም ኢዮም። ጅቡቲ ከም ጎረቤት ሃገር ክትዓረቑ ባይታ ስለ ዝፈጠረት እውን ተወሪራ። ገና ዘይተገልጸ ምስጢር ድማ ምሩኻት ኤርትርውያን እውን ኣብ ኢድ ሶማል ኣለዉ። ንሰራዊት ኡጋንዳ ክሳብ ቅርቅርትኹም ብኣልሸባብ ከዝብጠኩም ኢየ ክብል ዝፈከረ ኢሰያስ፣ ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ኮይናቶ፣ ኡጋንዳ ሓቂ ስለ ዘቃልዐት ነታ ሃግር ጸብሐ ወግሐ ጸላኢትና ክብላ ይውዕል ኣሎ። ንኢሰያስ መን ኢዩ ፈታዊኡ። ነቲ ምስ ክሉ ዝናቐስ ዓንዳሪ መራሒኦም ዝኽተሉ፣ ከመይ ዝበሉ ክኾኑ ይኽእሉ ትብሉ? ብኣልሸባብ ገይሩ ኣብ ናይሮቢ ግብረ ሽበርኡ ኣካይዱ። ከንያ እውን ጸላኢቱ ክትከውን በቒዓ። ሃገራት ኣፍሪቃ ኩለን ከደምቲ ኢሉ ዝገልጽ መነወሪ ሽፍታ፣ ንመጀመርያ ግዜ ንሓንቲ ኣፍሪቃዊት (ንኤርትራ) ከም ሃገር ማዕቀብ ክግበረላ ተወሲኑ። ንየመን፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ ኮነ ጂቡቲ ዝወረረ መን ዲዩ? ኣርባዕቲኤን ሃገራት ዓቢደን ክንብል ንኽእልዶ? ካብ ኩሉ ግበረ ሽበራዊ ተግባሩ ኣብ ልዕሊ እዛ ደምያን ፈሪሳን ዘላ እሞ ተቓሊሳን ናጽነታ ዘግሃደት ሃገርና ኤርትራ ዝፈጸሞ ናይ ክሕደት ተግባሩ ልዕሊ ኩሉ ሚዛን ክወሃቦ ምተገአ። ኣቦ ኣደ ጠወርቱ ደቁ ከይሓቁፍ ዝገበረ መን ኢዩ? ደቅኹም ስንኩላት ብጥይት ዝጨርገፈስ ንኻልኦት ይገድፍዶ ትብሉ? ፍትሕን ሕግን ዝጎደላ፣ ንቡር ናይ ስድራ ምትእኽኻብ ዝተሓረማ ገዛ ሎሚ ሓግዝኒ፣ ኣድሕንኒ ክብላስ መንኮርዶ ኣይኮነን? ዓበድበድ ክብል ዝኣተዋ ጉድጓድ ሓደ ወይ ሓንቲ ኤርትራዊ/ዊት ከናግፎ ወይ ከተናግፎ ዝሓስብ ውዲት ዘለዎ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። እቶም ውዲት ዘለዎም ምስኡ ወጊኖም ኢዮም። ንሕና ናይ ስደት ገዛና ኣጽሪና ናብታ እንፈትዋ ሃገርና ክንኣቱ ኢና ንመርጽ። እቲ ጉዕዞ ንዊሕን ዘገምታውን ይኸውን ግን ዘይብጻሕ ኣይኮነን።
 
ብሓፈሽኡ እቲ ዓለማዊ ውዑል መሰል-ሰብ ዘፍቅዶ ብመጀመርያ ናይ ዑቕባ ሕቶ፣ እቲ ፍታሕ ከም መሰረት ዘህልዎ ዝጠልብን ዘማልእን እመማ ኢዩ ተመሓላሊፉ። እቲ መስልን ናጽነትን ዝተነፍጎ ዜጋ ኣብታ ናይ ዕቕባ ዝሓተተላ ሃገር፣ መሰሉ ዝሕለወሉ ፍትሓዊ ናይ ኩለን ሕግታት ኩርናዕ ዝኾነት ሰረት ኢያ። ብዓንቀጽ 14 ንኡስ ቁጽሪ 1 ድማ ነፍስ-ወከፍ ሰብ ህላዌ ናቱ ተረጋግጽ ጥራይ ዘይኮነት እቲ ዘሳደዶ ክስደድ ዝገብሮን ዝስዕቦ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ምልክታ ክማለኣሉ ኣለዎ ይብል። ኣብታ ዓንቀጽ 2 ብ1951 ዝጸደቐት ድማ እቲ ተቐባል ዑቕባ ናይታ መዕቆቢቱ ሃገር ሕግታትን ቅዋምን ዝጠልቦ ከይተረፈ ከማልእ ኣለዎ ዝብል ወሳኒ መርገጺ ዘንበረ ኢዩ።
 
እዚ ምዕሩይን ፍትሓውን ዓንቅጽ ሰጊርና፣ ንደሞክራሲያዊ መሰል ዝረግጽ ጉጅለን ኣካልን ተግባራት ክንክተል ድማ ኣየፍቅድን። ብሓጺሩ መንግስቲ ኢየ በሃላይ ዘኸተሎ ኮነ ቅድሚኡ ዝነበሩ ስርዓታት ዘኸተልዎ ምልካዊ ተግባራት ደጊፍና ንዓናቅጽን ሕግታትን ሕቡራት ሃገራትን፣ ናይ መሰል ሰብ ተጣባቕቲ ዘነውር ተግባራት ብስም ስደተኛታት ኤርትራውያን ክካየድ ከንፍቅድ የብልናን።
 
ውድባት ኮነ ሰልፍታት ምስኡ እውን ኩሎም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ነዚ ነጽለሉ ዘለና ናይ ናጽነት ህይወት ኣብ ሃገርና ክትግበር ክንጽዕር ኢዩ ዝግበኣና። ብኣንጻሩ ግን ነውራም ብዝኾነ ናይ ምጥፍፋእ ቅርጺ ዘለዎ መስመር ሓደ ሰብ ስዒብና ንገብሮ ናይ ሓሶት መናፍሕን ናይ ሽፍታ ጻውዒት ምኽባርን ኣብ እንቕመጠሉን እንነብረሉ ሃገራት ክፍጸም ብልኡም ኮነ ብዘይ ተገዳስነት ስቕ ኢልና ከንዕዘብ ኣይግባእን።
 
በቲ ሓደ መዳይ ኣነ ከም ሰብ መጠን፣ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ከም ስደተኛን ዕቕባ ዝሐተትኩን ንመሰል ዑቕበኛታት ክሰርሓሉን ክተሓባረሉን ከም ዝጸናሕኩ ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ዜጋታት ዝፈልጥዎ ሓቂ ኢዩ። ነቲ ናይ ዕቕባ ሓተቲ ዘማልእ ሕቶታት ክማላእ ኣድላይ ዓቕመይ ዘፍቅዶ ተግባራት ተዋሲኤሉ ኢየ። ኣብ ገለ እውን ብምጽማም ዝሓለፍኩዎ ተጻዋርነት፣ ምእንቲ ሓተቲ ዑቕባን ረብሓ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ስድራ ቤቶም ክብል ዓይነ ዝጸቐጥኩሉ ውሑድ ኣይኮነን።
 
እቲ ኣብ ኣስመራ ተኾዲጩ ዘሎ ሕሱም ጸላእ ህዝቢ ኤርትራ ብገለ ውሽጣውያን ሰዓብቱ ደድሕሪ ዑቕባ ሓተቲ እንዳ ሰዓበ ንመሰሎምን መነባብሮኦም ዝሃሲ ተግባራት ክፍጽሙ ዝደፋፍኦም ኣካል ከም ዘሎ እንዳ ተዓዘብና ምጽቃጥና፣ ኣብ ኣስመራ ኮነ ኣብ ርሑቕ ኣማዕዲዩ ነተን ዘዕቁባና ሃገራት ዝሃሲ ተግባራት የካይድ ምህላዉ ካብዞም ኣብቲ ሰልፊ ዝካፈሉ ንላዕሊ ምስክር ክህልወና ኣይክእልን።

ሎሚ ኤርትራ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተፈንፊና ምህላዋ ክንዲ ዘሕዝነና፣ ረብሓ ሓደ ሰብ ከነማልእ ክንዋፈር ንሃገርና ዘነውር ተግባር ከም ንፍጽም ዘለና ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነፍስ-ወከፍና ብግሉጽን ብትብዓትን ከነቃልዕ ሓላፍነት ወላዲት ሃገርናን ህዝብና ትጽውዓና ኣላ። ደቅና ቀለብ ዓሳ ኮይኖም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እንዳ ሃለቑን እንዳ ጠሓሉን ክንዲ ዘሕዝነና፣ ኣብ ፈቐዶ ዳንኬራን ሳዕስዒትን ናይዚ ኣራዊት ጉጅለ ዝዓደሞ ተረኺብና፣ ህዝብና ከም ዝጠዓሞን ብጸጋታት ንዓለም ንምግባ ከም ዘለና ዘምስል ምሕንባጥ ሓሊፍና፣ ጭቆና ኣይመረረናን ኣሎ ዝብል ዕድመ ባዕልና ኢና ንቕርበሉ ዘላን። ጭቆና መቂሩና ኣሎ ዝብል ሰልፊ ብስም ስደተኛታት ክካየድ ሕልናይ ኣየፍቕዶ እንበር እቲ ዝስለፍ ፍጡር ንዓይ እውን ስቕ ክብል እንተ መሪጸ ንጻውዒት ስውኣትና ከም ዝጠሓስኩ ኮይኑ ከም ዝሰሚዑኒ ገይረኡኒ ኣሎ። ነዞም ኣብ ከርሲ ሃገሮም ዘሎ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝኸሓዱ፣ ናይ ናጽነት ትርጉም ዘይርድኦም ሰባት ክቃለሶም ኣለኒ ካብ ዝብል መርገጺ እንሆ ኣድላይ ስጉምቲ ክወስድ መዲበ ኣለኹ።
 
ገለ ትካላት ዝተኸሉ፣ ፍሉይ ረብሓ ዘለዎም ተበለጽቲ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዕቕባ ዝሓተተን ኮነ ቀጺሎም nዝሓቱን ዘጻብብን ዝጽይቕን ተግባር ዘካይዱ ክቃለሶም መዲበ።

ነቶም ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ክጸንሑ ምተመነኹ። ይኹን እንበር ንመዋእል ዝኣክል ኣብ ናይ ስደተኛታት ደንበ ከም ኣብ ከባቢ ኤርትራ ዓመታት ከርተት ክብሉ፣ ጽባሕ ናይ ወለዶምን ህዝቦምን ሰኸም ስለ ዝኾኑ፡ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ኣብ ብመጠኑ ኣድላይ ነገር ዝረክብሉ ከባቢ ክበጽሑ እመርጽ። እዞም ሰልፊ ዝገብሩ ግን ንኩነታት ደቆም ኣሕዋቶምን ዝብድል ገበን ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ዝረስዕ ይመሎም ይኸውን። ግን ገበን ኢዮም ኣብ ልዕሊ ደቆም ክፍጽሙ ዝረኣዩ። ስመይ መንነተይ  ከይሓባእኩ ምእንቲ መሰል ዜጋታት ኤርትራውያን ዓቕመይ ዝፈቕዱ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ተበጊሰ።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...