ወፍሪ ዋርሳይ(8ይ ክፋል) “ኤርትራ ህዝባዊ፡ ብመለክዒኡ ከም ሓንቲ ዓዲ ብዘይ ገለ ናይ ጸጥታ ብመላእ ህዝቢ ትመሓደርን ቅርጽን ጥሙር ማሕበራዊ ህይወት ትምራሕ ስለ ዝነበረት ኣስጋኢትን ዘይተዋጽእን ስለ ዝኾነ ክትልወጥን ማሕበራዊ ባህላስ ክፈርስ ኣለዎ ኢሉ ንክልውጣ በብእብረ ዝቑርመምን ዝሽርምምን ሜላ ተጠቒሙ እንሆ ሎሚ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣእትዮዋ ኣሎ”።

“ህዝባዊ ሓይልታት ክሳብ ናብ ህዝባዊ ግንባር ትሰጋገር 16 ናይ ሞት ፍርዲ ዝብይና ሕግታት ሓንቲ ድማ ርፍትያ ትብል ጥራይ ኢየን ነይረንኣ። እዘን 17 ሕግታት ካብ 1970 ክሳብ ጥሪ 1977 ኢየን ክሰርሓ ተመዲበን ነይረን። ኣብቲ ና 6 ዓመታት እተን ናይ ሞት ሕግታት ኣብ ምቕንጻል ተጋደልቲ ኣዝየን ነጢፈን። እታ ናይ ርፍትያ ትብል ግን ኣብ ገለ ገለ ዝፍርሑን ሓያል ቀቢላዊ ጸግዒ ዘለዎም እንተዘይኮይኑ ዳርጋ ኣይሰርሐትን። ኣብቲ ኣሰራርሓን ኣተጋብራን ድማ መን ኢዩ ናይ ሞት ፍርዲ ዝብይን፣ መዓስን ኣበይን መጋባእያ ዝብል ሕቶ ተላዒሉን ተሰሚዑን ኣይፍለጥን። ከምኡ ዝብል ሕቶ እውን ተሓቲቱን ከም ኣርእስቲ ተላዒሉ ኣይፈልጥን። እፈልጥ እየ ዝብል ሰብ ፈረዲ ነይሮም፣ ናይ ምክልኻል መስርሕ ፍቑድ ነይሩ ዝብል ፍጢር ደሊኹም ኣይትረኽቡን። ዝተቐንጸሉ ኣዲኦም ትቑጸሮም። መን ክቕንጸሉ በየናይ ዓንቀጽከ ተበይንሉኩም ተሰሚዑን ተኣዊጁን ኣይፈልጥን። ተሳሒቡ ንውሽጢ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ምስ ኣተወ ብኡ ኣቢሉ ዝተሸርባ እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ እቲ ዝኣተዉ መን ሓቲቱ ይፈልጥ። ብፍርድን ራዕድን ዝፍለጥ ዘበነ ጥፍኣት ኢዩ ድሕረ ባይታ ህዝባዊ ሓይልታት።”

“ማሕበረ-ሰብ ወይ ማሕበረ-ኮም ናይ ስለላ መርበብ ኣብ ኤውሮጳ።
 (ምስጢራዊ ስርሒት ህግደፍን ናይ ስለያ ማሕበራት ዘቃልዕ ስጉምቲ)

“ገለ ካብ ስጉምትና ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን።
  1. ዑቕባ ሓቲቶም ከብቅዑ ኣብቲ ጻውዒት ማሕበረ-ኮም ዝሳተፉ ንብንድስ ኣምት ምሕባርን።
  2. ቅቡላት ኮይኖም ከብቅዑ ኣብቲ ጽውዒት ዝሳተፉ ኣስማቶም ምግላጽን ዳግመ ጠመተ ክግበር ንጠልብ።
  3. እዚ ናይ ግብረ-ሽበራ እንዳ ተዋህቦ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ዝለኣኾም ሰለይቲ ዝበሓትዎ ከም ዝኾነ ምሕባር።
  4. ብዝከኣለና ናይ ህዝባዊ ሓገዝ ዝወሃቦም ካብ ደቆም ቀንጢቦም ንብረት ህዝብናን ጥሪቱን ዓዲጎም ናይ መጻኢ ህይወቶም ከጣጥሑ ዝርከቡ ምስጣሕ።
  5. ክልተ ካብ ሚእቲ (2%) ቀረጽ ዘኽፍሉ ግን ኣብ ዕለታዊ ተግባሮም ዘይኮነ ተዋፊሮም መሳርሒ ህግደፍ ዝኾኑ ምግላጽ።
  6. ነዝን ከምዝን ንምስላጥ ኣድላይ ኣብ ጎድንና ዝካፈሉ ጀርመናውያን ማሕበራትን ትካላትን ምሕባር። 
  7. ጭቡጥ ናይ መሰኻኽር ሓበሬታታት ስለ ዘለና ነቶም ኣብ ሃገር ዝርከቡ ስድራ-ቤታት ዑቕባ ዝሓተቱ ዝረኽብዎ ዘለዉ ባርባራዊ ግፍዕታት ምግላጽ። ……………………………..ከተማታት ዘለዉ በብሓደ ክንቆምሎም ሙዃና ከምኡውን ኣስማቶም ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት ክንህብ ኢና። ከምቲ ገለ ኣብ ኣሜሪካ ክሳብ ናይ ዜግነት ምምንጣል ዝተራእየ ኣብዚ እውን ዘይድገመሉ ምኽንያት የለን። ንጨቛኒ ዝድግፍ ባዕሉ ክስሕና ኣለዎ።”

“ብግዳም ዓወት ብውሽጢ ጥልመት ታሽዓይ ክፋል።
ብስራት ጥልመት ድማ ማይ ሓባር ዓባይ ምስክር እያ። እቶም ዛጊድ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ዝሰንከሉ ተሰውኡን ጀጋኑ ሓርነት እውን ከም ንሰደቓ ወይ ፋሲካ ዝተሓርደ ገንሸል እውን ተረሲዖም። እቲ ምጅማርን ምውፋይን ክርሳዕ ዘስተብሃለ፣ እንታይ ኢና ኮይንና ናይ ምርሳዕ ክእለትና ማዕቢሉ? ዝብል ሕቶ ከልዕል ይግደድ። ምውፋይን ንውፉይ ምርሳዕን መዓስ ካብ 1970 ኮይኑ ተጀሚሩ። እቲ ክዓጥቕን ከድምዕን ዝወፈረ ካብ መስከረም 1961 ከም ዝጀመረ ከይተረፈ እኮ ኢዩ ተረሲዑ። ዜጋ ሓሓዲሽ ኩነታት ጥራይ ጸልይዎ ዘዝሓለፈ ክርስዕ ታሪኽን ክውንነትን እንዳ ሃሰሰ ከም ዝኸይድ ክፍለጥ ነይርዎ። እንርስዓሉን መስመርና እንበትከሉን መስመር ኮነ ኢሉ እኩይ መራሕን ትካሉን ከም ዝተወፈይልና እንተዘይ ኣስተብሂልና ከም ሃገርን ህዝብ ቀጻልነትና ዘጠራጥር ኢዩ። ህርፋን ናጽነት እንበር ህርፋን ናይቲ ብቐዳሞት ወለድና ዝተመስረተ ብሕጊ ዝመሓደር ህዝብና ተኸቲልና ማሕበራዊ ምሕደራና ክንቀርጽ ብዘይ ምኽኣልና ሎሚ ዘይተጸበናዮ ገበል ንግስተ-ሳባ ከም ጽውጽዋይ መንእሰያት መግቡኒ ክብል የጽንተና ኣሎ። ርሱን እምኒ ክንዲ ነኾልሶ ንሞትናን ጥፍኣትናን ነጣቓዓሉ ኣለና።”

“ብግዳም ዓወት ብውሽጢ ጥልመት 13ይ ክፋል።
ንረብሓ ሃገሮም ከይድግፉ ዝደቀሱ ግን ኣይተሳእኑን። ንሶም እዮም እቶም ቀንዲ መተባባዕቲ ኮይኖም ነዚ ኩሉ ምጽሕታር ባይታን ዶሮናን ዝፈጠሩ። ኩሉ ግዜ መገዲ ሓልዮትን ለውሃትን ብምኻድና ከም ዕሽነት ተቖጺሩ ብዙሓት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ከይተረፉ ነቲ ወሳኒ ጉዳይ ሃገር ረሲዖም ኣብ ሕቑፊ ሳጥናኤል ኣትዮም። ወፍሪ ርእሰማል፣ ንብረት፣ ቤት ውይ ገዛ ስለ ዝሰርሑ ነቲ ዘፍሰስዎ ንዋይ ክብሉ ንሃገሮም ክሳብ ትደክምን ትምህምምን ንሕሰም ኣሕሊፎም ሂሆማ ሸይጦማን። መሬት ሓረስታይ ህዝብና ተማሲሖምን ገዚኦምን ነቲ ክሓልፈሉ ዝጽበ ዝነበረ ህዝቦም ደቁ ከፊሉ ዝለኣኾ ዝሰኣነ ህዝብና ዝምገበላ ቃጽዖኡ ኣግዲፎሞ። ነባርን ዘይቅህምን ሽግር ምፍጣሮም ኣይተገንዘቡን። መሬት ጥራይ ኣይኮነን ገዚኦም፣ ንመሰል መንነትን ህዝብና ዘቃልዑ ዝኸድዑን ናይ ጥልመት ቆፎ ከም ዝኾኑ ኢዮም ኣረጋጊጾም። ሎሚ እውን እቶም መሬቶም ተሸይጡን ብቕንብጣብ ብባዕዳዊ ባጤራ ተሓርጁ ጠፊኡስ መንነቶም ክጠፍእ “ሰፈራ” ብዝብል ጉልባብ ክሃልቁ ኢዮም ከም ዝነቐጸ ዕንጸይቲ ኣብ ካልእ ከባቢ ሕንፍሽፍሽን ህልቂትን ዝኽፈተሉ ዳስ ዘምርሑ ዘለዉ።”

“ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ወፍሪ ጊላነት
ኢሳያስ 20 ደማሙ ኣብ ኣዳራሹ ይውንን፣ ዝብል ጽሑፍ ካብ ሓደ ከም ዓጃቢ ዝተዋፈረ ዝሃቦ መግለጺ ኣንቢበ ነይረ። ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረእሙ ትብል ምስላ ጠበሽ በለትኒ። ከም ሰብ ተጻናጻናይ ባህሪ ኣለዎ። ንኹሉ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዘገድሶ ቦታ ኮይኑ ዕለታዊ ጸብጻብ ዝቕርብሉ ኣዋፊሩ ንሰብ ብከመይ ኣብ ልዕሊኡ ብስዉር ፍሕሶታት ዘርጊሑ። ብልጫታቱ ድማ ናይ ብሓቂ ዘይደክም ናይ ስራሕ ሰብ ኢዩ። ንሰብ ናቱ ኣይተጥፈኣሉ ትብል ሓቀኛ መግለጺት ክትከሓድ የብላን። ኣድብዩ ምስ ኩሉ ኣብ ኩናት ከም ዘሎ ገይሩ ይወስድ፣ ናይ ጽላሎት ውግእን ህውከትን ዝንስንስ ተወሳኺ ዕቡድ ወፍርን ዝመስል ህይወትን ዘሕልፍ ባዕላዊ ህሞትን ጥፍኣትን ፈጢሩ ይነብር። ንነብሱ ባዕሉ ዝኣሰራን ከም ዘይትዓግብ ጥራይ ዘይኮነስ ድቃስ ዝኸልኣን እንስሳ ኢዩ። ብሓጺሩ ኣይድቅስ ንካልእ እውን ኣየደቅስ። ጸለውቲ ነገራት ከም ብብዝሒ ቡን ምስታይ፣ ሽጋራ ምትካኽ፣ ኣልኮል ምጩንጋዕ የዘውትር። ኣብ ኣንስታይ ጾታዊ ዘለዎ ኣረጋእያ ድማ ወሲባዊ ተወልፈፉ ግን ንቅንዝርነቱ ዝተሓንገሮን ደረትን ዒብን ዘይፈልጥ ዝንባሌኢ ኢዩ። ሃገር ኣብ ጸበባ ኣእትዩ ከብቅዕ፣ መንእሰያት ኣብ ጎዳጉድን ስንጭሮታትን ጎቦታትን ቆጥቃጥን ይምክቱ፣ ጎይታና ድማ ኣብ ፍራሽ ምስ ቆናጁ ይገላበጥ።”

ስድራ ቤታትን ጾታዊ ሽጥሓንን 3ይ ክፋል
“(1) ምፍንጣሕ ስድራ-ቤት፡- ስድራ ትብል ብንጽል ትጽዋዕ መግለጺት መሰረት ናይ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ መባእታዊት ትካል ኢያ። ብዘይከኣ ዝቐውም የለን። ናይ ሽዑ ህዝባዊ ሓይልታት ግን ኣዝዩ ንኡስ ጉጅለ ናይ ሎሚ ህግደፍ ኣብ መንጎ ሓንቲ ስድራ-ቤት ከመይ ገይራ ትኣቱ? ብኣቦ ገይራዶ ብኣደ? ነየናዮም ምሓዝ ኢዩ ንዓና ዘዋጽኣና ዝብል ካብቲ ግቡእ ኣፈታትሓ ወጻኢ ጠዊኻ ንሕብረተ-ሰብ ኣብ ዓዘቕቲ ምሽማሙ ዝተሰረተ ኢዩ። መልሱ ድም ቀሊል ኢዩ። ኣቦ ናይ ግዳም ሰብ፣ ናይ ቤት ኣዛዚ ስለ ዝኾነ ካብ ክልቲኦም ንሓደ ከም ጨቋኒ ነቲ ካልኣይ ድማ ከም ተጨቋናይ ገርና ነቕርቦም። ስድራ-ቤት ምምቃል። ብሓጺሩ ናብቶም ቆልዑ ንምእታው መኖም ዝያዳ የርበሓና። ናብታ ቤት ክንኣቱ ኢና ደሊና። ዘገድሱና እቶም ናኣሽቱ ኢዮም እሞ ቆልዑ ብሓፈሽኦም ነቦኦምዶ ነዲኦም ይፈትዉ? ነዲኦም ኣንበር። ስለዚ ሰተት ኢልና ገዛ ክንኣቱ ንኣደ ንሓዝ ትብል ትዕወት። ….መን ረቢሑ መንከ ተጎዱኡ። ዝረብሐ ፈጺሙ የለን። ዝተጎድአ ግን ክልቲኡ ደምበ።”

“መድሃኒት ክንረክብ ሕማምና ንድሕሪት ተመሊስና ሃሰስ ንበሎ።
ኣብ ሃገራዊ ቅርጺ ምቕራጽ ኣብነት ዝኾኖ ኣመራርሓ ከም ስታሊን ዝመሳሰል መንገዲ ኢዩ ቀይሱ። እቲ ፍልልይ ከም ዓይነት ዝፍለየሉ መዐቀኒ እውን ኣለዎ። ቀንዲ ፍልልይ ናይ ክልቲኦም ስታሊን ክመርሓ ዝደሊ ሃገር ዓባይን ሰፋሕን ክትከውን ከላ፣ ብስልጣኔ ምስ ኤውሮጳ  ምትስሳር ዘለዋ፣ ናይ መሬት ጸጋታት ድማ ናብ ምብራቕ እንዳ ኣስፋሕፍሐት ንኣሲያ ገጻ ከተስፍሕ ዝወሰነት ነይራ። ሩሲያ ብነጋውስ ትምራሕ ናይ ዛር ዲናስቲ (ስርወ-ስርዓት) ዝነበራ ሃገርውን። ናይ ኢሰያስ ድማ ኣፍሪቃዊት ሃገር ግን ካብ ናይ ዘርኢ ሱር ምስ ዓረባዊ ክፍለ ዓለም መቦቀል ዘለዋ ኤርትራ ኢያ። እንተ ንምስፍሕፋሕ ብናተይ ጸብጻብ ናብ ኢትዮጵያ እንተ ተኻኢሉ እውን ንሱዳን ዝሓለነ ዓንዳሪ ሕማም ኢዩ ነይርዎ። እዝን ክንድዝን ተደራራቢ ሕማም ንምርዋይ መበቆል ቀይሕ ባሕርን ንደቡብን ምዕራብን ዝጠመተ ሕውስዋስ መሪሕነት ከቕውም መሪጹ። ስለዚ እቶም መሪሕነታት ካብቲ ዘስፍሕፋሓሉን ኣገዲዱ ምስ ናቱ ግዝኣት ዝዋፈሩ ልኡኻት ዝኾኑ ግን ብሕታውን ውልቃውን ዝንባሌታት ዘለዎም ስሱዓት ከጥሪ ኢዩ ሓንጺጹ። ከም ናይ ንግድን ሸቐጥን ትካላት ዝይኮነ ወፍሩ ኣብ ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎ ምስፍሕፋሕ ዘለዋ ትካል ኢዩ ከቐምጥ። ብግዳም ሲቪላዊ ምምሕዳር ከም ዘለዋ ሽፋን ይገብር፣ ብውሽጢ ግን ወተሃደራዊ ትሕተ ቅርጺ ዘለዋ ፖለቲካዊት ኣሃዱ ክትከውን ኣለዋ። ኣብ ኩሉ ዓይነት ምሕደራዊ ቅርጺ ዓለምና ትኽተሎ ኣሰራርሓን ቅርጽን ትካሉ ኣይትቕበልን። መንግስታዊ ቅርጺ፣ ናይ ሚኒስተራት፣ ምክፍፋል፣ ክፍለ-ምምሕዳራት፣ ኣውራጃ፣ ወረዳ፣ ዓዲ ዝበሃል ምስ ታሪኽን ኣመጻጽኣን ዘይምቕባል መደብ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ብሄር፣ እንዳ፣ ስድራ-ቤት ይነጽግ። እታ ናብ ኩሉ መሳገሪት ኤርትራ ስለ ዝኾነት፣ ከም መደብ ኣብ ናቱ ላቡራቶሪ ብስነ ፖለቲካዊ ስነ-ቀመማት ዝተማህዘት ክትከውን ኣለዋ።


 


Help Andom, an Eritrean-American, get elected to Congress by donating at  andomforny.com/donate 

Latest

ምስጋና ካብ ስድራቤት ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቦይ ተስፋጊዮርጊስ ብዓታይ

ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እነፍቅሮን እነኽብሮን ኣቦና ኣቦይ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ፡  ብኣካል ኣብ ቤትና መጺእኩም፡ ከምኡ’ውን ብዝተፋላለየ መንገዲ ናይ...

Eritrea: ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሎሚ ንጉሆ ሓይልታት ጸጥታ ጨውዮም ኣበይ ከምዝወሰዱዎ ከምዘይፍለጥን

ሎሚ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቃላሕ ንሰምዖ ዘለና ትርጉም ኣልቦ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ክምቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ሕልና እሱራት ኣብዚ ቀረባ እዋን...

ንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት’ዩ ብትግረ።

Hidden Motives in Every Day Life: The Elephant In the Brain – Kevin Simler Robin Hanson 2018 ትብል...

ካልኣይ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ክቡር ዶክተር አብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ረፓብሊካዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ።

ብዕለት 5 ሰነ 2018፡ ነዚ ብኣኻን በቲ ብመንግስትኻን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐረበ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከፍጽም...

Eritrea: ፐሮጀክት ዓርቢ ሓርነት - ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት:

እቲ ዕሉል ተለኣኣኪ ክፍእ ኮይኑ ኣሽሓት ሰባት ከበሳብስ ዝጸንሔ ወዲ ከበደ (ሓላፊ ቤት ምእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ። እዚ ብጭካኒኡ ዝልለ ንጽሃት...

Eritrea: ምድማር'ዶ ወይስ ምፍዃስ?

ማንኪ፡ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር፡ ምሳኹም ክንድመር ንወያነ ኣጥፉኡልና። ዶ/ር ኣብይ፡ ክቡር ማንኪ፡ ጀመርቲ ስለ ዝኾና ገና ምድማር ኢና ዘለና። ንስኹም ግን ቀዲምኩም ኣብ ምፉዃስ (elimination) ኢኹም በጺሕኩም። ግዜ ሃቡና...