ናብ ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ
ካብ ሽመይ ክጠቕስ ዘይደለኹ ኣባል ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣስመራ
ኣቐዲመ ኣሳልጦ ንስራሕኩም እትምነየልኩም

{autoremote linkfromdisplay="false" shuffle="false" autostart="true" width="250" height="20"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-RadioWagahtaMedebSemati11141121702.mp3{/autoremote} Right Click › Save MP3 Audio (.mp3) :

ኣዳለውቲ ድምጺ ሬድዮ ናይ ወጋሕታ ባና ከም ሽምኩም ንሃገርና ከውገሐላ ተስፋ ይገብር። ወጋሕታውያን   ሓበሬታ ከሊእካ ህዝቢ ንምግዛእ ዝተኣደነ ሽርሒ ሳላ እተን ብስለት ዘለወን መርበብ ሓበሬታታትን ሬድዮታትን ሓይልታት ተቓውሞ ተኸሺሑ ሕጂ ህዝብና ኣብ ኩሉ ሸነክ ዘየማትእ ሓበሬታ ሃብታም ተሞኩሮ ረኪቡ ኣሎ። ብሕልፊ’ኳ ንስካትኩም ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘለኩም ሰፊሕን ዓሚቁን ምንጪ ኣብቲ ሓደ ጫፍ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ናብቲ ካሊእ ጫፍ ንምብጻሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ኾይንካ ከማን ብዛዕባ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ፍጻመታት ሓበሬታ ትረኽበላ ሬድዮ ኾይና ኣላ ሬድዮ ወጋሕታ።

ንኣብነት’ኳ ኣብ ሕሉፍ ንህግደፍ ዘቃልዐ ሰነዳት ብፍላይ ብፍላይ ኣባላት 21 ዙርያ መንእሰያት ኣብ ሳዋ ዘልዓልዎ ሕቶታትን ተቓውምታትን ብሰነድ ኣሰኒኩም ከምዘቃላሕኹምዎ ኣብ መርበብ ሓበሬታኩም ከምዝተዘርገሐን ሰሚዕናን ሪኢናን።

ብተዛማዲ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ስራሕ ኤርትራ ግሉጽን ስቱርን ተቓውምታት’ኳ እንተሃለወ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2008/2009 ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ስራሕ መማህራን’ውን ብጋህዲ ካብ ዘቕረብዎ ግን ከኣ መዓኽን መራኸብቲ ሓፋሽ ህግደፍ ዝሸፋፈንኦ ተቓውሞታት ከቕርበልኩም።


ሓፈሻዊ ኩነታት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ
(ኣብዚ ሕጂ እዋን)

ዝትጸሓፈሉ ዕለት፡ 09/11/2009
ድሕረ ባይታ

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብመሰረት ኣብቲ እዋን ዝወጸ መምርሒ ትምህርቲ

  • መባእታ ደረጃ (primary school)- ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ክፍሊ
  • ማእከላይ ደረጃ (Middle school)- ካብ 6ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ
  • ካልኣይ ደረጃ (High school)- ካብ 9ይ ክሳብ 11 ክፍሊ’ዩ ኔሩ። ድሒሩ ዝተገበረ ምትዕርራይ ኣብ ማእከላይን ካልኣይን ኾይኑ ማለት ማእከላይ ካብ 6ይ ክጅምር ካልኣይ ካብ 9ይ ክጅምር መባእታ ግን ከምዘለዎ ኾይኑ ብቋንቋ ኣዶ ክኸውን ተጌሩ።

ድሕሪ 2003 ’ውን ኣብ ውሸጢ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ሳዋ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቲ ተጀሚሩ። ከም መልቐቂ ፈተና ካልኣይ ደረጃ (High scool leaving certificate examination/matriculation) ኣብ ከባቢ መጋቢት ትምህርቶም ዝውድኡ ተምሃሮ 11 ክፍሊ ተፈቲኖም ንወተሃደራዊ ታዓሊምን ሃገራዊ  ኣገልግሎትን ናብ ሳዋ ይወረዱ’ሞ መስከረም ውጽኢቶም ሰሚዖም እቶም ዝሓለፉ ናብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ እቶም ዝተረፉ’ውን ዕጭኦም ውትህድርና ይኸውን ኔሩ። ኣብ ሳዋ 12 ክፍሊ ምስተጀመረ ግን እቲ ፈተና ኣብ 12 ክፍሊ ከምዝኸውን ተጌሩ። ኣብዚ ዓመተ ትምህርቲ  ብፕረዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሳዋ ንዝነበሩ ተምሃሮ ዘገርም ሓድሽ መብጽዓ ተዋሂቡ ”ካብ ሕጂ ፈተና ዝተረፈ  ፍቆዶ በረኻ ዝሓለፈ ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ዕድል ክትረኽቡ ኢኹም”  ቅድሚ እዚ ንተምሃሮ ምንጋሩ’ውን ኣብቲ እዋን ንኣስታት12/13 ዓመታ እታ ሃገር ክትሰርሓሉ ንዘጸንሐት ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ በቶም ኣብተን ዓመታት’ውን እንተኾነ ከም ካቢኔ ኾይኖም መንበር ጥራይ እንዳተቐያየሩ ዘመሓድሩ ዝነበሩ ካቢኔ  ሚኒስተራት ኤርትራ ብኽነት(wastage) ተባሂሉ ተወጊዙ  ኔሩ።  ነዚ መለውጦ ክመጽእ ድፍኢት ዝገበረ ብሽም ቁልጡፍ መቐይሮ ስርዓት ትምህርቲ ኤርትራ (Rapid transformation of Eritrean Educational system) ዝተብሃለ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2002 ዓ/ም ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ’ዩ ኔሩ።

ኣብቲ እዋን ኩሎም ዝምለከቶም ኣካላት ዱንጉይ ለውጢ ምዃኑ ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይበሉን። ተምሃሮ 12 ክፍሊ ከይተረፉ ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ብመልክዕ ሰሚናር ክገልጽ ናብ ሳዋ ንዝመጾም ሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሓደ ተምሃራይ ብሕቶ መልክዕ ዘቕረበሉ ጽቡቅ ኣብነት’ዩ።”ካቢኔ ሚኒስትራትን መራኸቢ ብዙሃን ኤርትራ Wastage  ዝበልኦ ሚኒስትሪ ወኪልካ ኣብዚ ብምምጻእካ እንታይ ይስምዓካ” ኢሉ ኣኾሪዎ ኔሩ፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቅድሚ እዚ ዓመተ ትምህርቲ ካብ ሃገራዊ መርመራ ንዝተዓወቱ ተምሃሮ እተአንግድ እንኮ ዩኒቨርስቲ ኤርትራ ዝነበረት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ንክትዕጾውን ስርሓ ደው ክተብልን ተፈሪዳ። ኣብ ክንድኣ ካልኦት ሓደሽቲ ኮሌጃት ብቁልጡፍ ተመስሪተን ንሳተን ከኣ

  • The Eritrean Institute of Technology ከምኡ’ውን ካልኦት 5 ኮሌጃት
  • The College of Agriculture
  • The College of Art and Social Science
  • The College of Business and Economics
  • The College of Marine and Technology
  • Orota School of Medicine and College of Health Science

እዘን ትካላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ‘ውን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ካብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ብዝተመረጹ ኮነሬላት ንክመሓደራ ብመርመራ ዘይተመመዩ ተምሃሮ ኣብ ዝሓሸ  ዓውደ ትምህርቲ ብሰበይ ሰብካ ተመዲቦም ትምህርቲ ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣጸጋሚ መስርሕ ተጀሚሩ።

ንዝለዓለ ትምህርቲን ንሽሙ ዓውዲ ትምህርቲ መፍለዩ ተባሂሉ ዝወሃብ ምሕላፍ ምትራፍ ዘይብሉ ሃገራዊ መርመራ መመሊሱ ንታሕቲ ዘንቆልቁል ዝነበረ ውጽኢት ተምሃሮ ኣራጢጡ ባይታ ዘቢጡ እዚ ነቲ ብዘይ መጽናዕቲ ዝተዋህበ ናይ ዓያሹ መብጽዓ ኣብ 2005 ከምዝፈርስ ገበሮ። እቲ ፈተና ከም መሕለፊን መትረፊን መፍለይን እንተኾነ’ውን እቲ ዘስዓቦ ቁስሊ ግን ፈጺሙ ክፍወስ ኣይከኣለን። ኣብ 2008 ን2ይ ደረጃ ዳይረክተራት ኣብ ሳዋ ኣብ ዝተገረ ኣኼባ ናይቲ ዓመት ውጽኢት ብዶክተር ብስራት ሓላፊት ማእከል መርመራ ጸብጻብ ተነቢቡ ኔሩ። ካብ ተሳተፍቲ እቲ መርመራ ልዕሊ 60% ብኩሉ ዓይነት ትምህርቲ F ከምዘምጽኡን ዝምልከቶም ኣካላት ክሓስብሉን ከምዝግባእ ተላቢያ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን

ኣብ ታሕሳስ 2008 ዝወጸ ጽሑፍ ሚ/ትምህርቲ ኤርትራ (Eritrean Overview of Educational Sector) ብደረጃ ሚኒስትሪ’ውን ዝእመነሉ ፍሩያት ድኽመት ግን እቲ ጽሑፍ ብሽም ብድሆታት (Challenges) ዘስፈሮ ክጥቐስ ይከኣል።

  • ዘይምሩየት ትሑት ቐረብ (መሳለጢ ትምህርቲ)
  • ትሑት ትሕዝቶን ዘይተዛማድነት (ስርዓት ትምህርቲ)
  • ተሑት ውሽጣዊ ብቕዓት (ውጽኢት ትህርቲ ተምሃሮ)
  • ድሩት ምሕደራዊ ብቕዓት (ምሕደራ ትምህርቲ)

እዚ ክማላእ ክጸፍፍን ክጸርይን ዝግብኦ መባእታዊ ግን ከኣ ኣገዳሲ ድክመታት ብደረጃ ሚኒስትሪ ብድሆታት ኢልካ ምሕላፍ ንምትዕርራዩ’ውን ተገዳስነትን ድሌትን ከምዘየሎ ዝሕመረቱ ብምዃኑ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ እጃሞም ዘበርክቱ ዜጋታት ተስፋ ዘቁርጽ’ዩ።

ኩነታት ተምሃሮ (ኣብ 2ይ ደረጃ ዝመሃሩ)

  1. ኣብ ኩለን 2ይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ (31 ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ) ሓደ ተምሃራይ ትምህርቲ ክምዝገብ ናይ ምምሕዳር ኩፖን ዘለዎ ዋሕስ ሒዙ ክቐርብ ይግደድ። ትምህርቲ እንተቋሪጹ’ውን ንምምሕዳር ከባቢ ብዝተመዝገበላ ኩፖን ቁጽሪ ይሕብር። እታ ኩፖን ህይወት ምልእቲ ስድራቤት‘ያ። ኣብ ሙሉእ ሃገር ወርሓዊ መቁነን (እዘን ተደለይቲ ሃለኽቲ ከም እኽሊ፡ ባኒ፡ ሽኮር፡ ላንባ….) ዝኣመሰላ ብኩፖን ይዕደላ ካብ ዕዳጋ ውን ¼ ክሳብ 1/10  ስለዝሓስር ብዘይ ኩፖን ናብራ ኣጸጋሚ’ዩ። ብኩፖን ዝገዛእካዮ ሒዝካ  ዕዳጋ ተማዕድው። ንኣብነት ሓንቲ 5 ዝኣባላት ስድራ ብ0.50 ናቕፋ 3 ባኒ ንመዓልቲ፡ 15 ኪሎ ምሸላ ንወርሒ ንኪሎ ብ10 ናቕፋ፡ 3 ኪሎ ሽኮር ንወርሒ ብ13 ናቕፋ… ትረክብ እዚ ስለዘይኣኽል ብዕዳጋ ይምልኡ። ኣብ ዕዳጋ ባኒ 5 ናቕፋ፡ ማሸላ 33 ናቕፋ፡ ሸኮር 60 ናቕፋ ኣብ ላዕሊ ንዝተጠቕስ መስፈሪ ይዕድጉ።
  2. ኣብ ኤርትራ ካብ ቦታ ቦታ ንክትንቀሳቐስ ኣብ እትነብረሉ ከተማ (ዓዲ) ገዛውቲ ከይተረፈ ብሽም መንቐሳቐሲ ዝፍለጥ ወረቐት ፈቓድ ክህልወካ ኣለዎ። ኣብ ክሊ ዕድመ ትምህርቲ ዝርከቡ መንእሰያት መንቐሳቐሲ ፍቓዶም ታሴራ ቤት ትምህርቲ’ዩ።
  3. ንኣሽቱ ይኹን ዓበይቲ ንግዳዊ ትካል ዘለዎም ስድራ ቤት ፍቃድ ንግዲ ከሓድሱ ምስዝደልዩ ዓመታዊ ግብሪ ምኽፋሎም ኣኻሊ ኣይኮነን። ሃለዋት ደቆም ከካብ ዘለውዎ ትካል ሰራሕተኛታት እንተ ኾይኖም ኣሃዱ ወተሃደራት እንተኾይኖም ካብ ቤ/ትምህርቲ ተምሃሮ እንተኮይኖም ክቕርቡ ይግደዱ እዚ መስርሕ’ውን ዓመታዊ’ዩ።

እዚን ካልእን ደፊኡዎምን ኣገዲዱዎም ናብ ኣብያተ ትምህርቲ (ብሕልፊ ኣብ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ ዕድመ ክሊ ዝርከቡ) ኣብ ትምህርቶም ዘለዎም አጠማምታን ድሌትን ትሑት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ትሕቲ ደረጃ ትምህርቲ ዘቋረጹ ወይ’ውን ምስዝተርፉ ዕጭኦም ዊዓ (ውትህድርና) ስለዝኸውን ሽቁሩራት ከም ሓደ  ብሰብ ዝተሰርሓ መሳርሒ (Man Made Machine)  ግበር ዝበልካዮ ዝገብር ኣይትግበር ዝበልካዮ ዘይገብር ንተበላሕነቶም ኮነ ንምህዞ ዘይግደሱ ውጹዓት ተስፋኦም ጽልመት’ዮም። ብሕልፊ ብዕድመ ዕብይ ዝበሉ ተምሃሮ ኣብ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ወተሃደራት ወይ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ምስዝረኣያ ዝሃድሙ ወይ ክሃደሙ  ዝፍትኑ ምርኣይ ልሙድ’ዩ። ዕድል ኣብ ዝረኸቡሉ ሞት ወይ ነዊሕ ማእሰርቲ ክስዕብ ዝኽእል ስግረ ዶብ ንምፍታን ድሕር ኣይብሉን’ዮም። እቶም ውሑዳት ዝርካቦም ብስድርኦም ብዝግበረሎም ኽንክን ኣብ መባእታ ንፋዓት ዝነበሩ ብዕድመ ምስ በሰሉን ኣብ 2ይ ደረጃ ምስ በጽሑ “ደይ ተማሂርና‘ውን ናብ ሳዋ” ዝብል ኣተሓሳሰባ ተገዳስነቶም ከንቆልቁል ይረኣይ። ነቶም ተገዳስነቶም ክዕቕቡ ዝኽኣሉ’ውን ክሳብ ሕጂ ንልዕሊ 7ተ ዓመታት ኣብ 2ይ ደረጃ ኣብ ኩሉ ዓይነት ትምህርቲ መምሃሪ መጻሕፍቲ (Text Book) ኣይተዳለወን ብቕዓት ዓይነት ተገዳስነት መማህራን’ውን ንተምሃሮ ዝስሕብ ኣይኮነን።

ኩነታት መማህራን

  •  
    • ብሓፈሽኡ ኣብ ኩለን ትካላት መንግስቲ ዝምደቡ ካብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝተመረቁ መንእሰያት ትሑዝ 3ተ ዓመት ብዘይ ደሞዝ ክሰርሑ ይግደዱ። 1ይ ዓመት ብሽም ዩኒቨርስቲ ሰርቪስ ናይ ጁባ 441 ናቕፋ፡ 2ይ ዓመት ብሽም ንጡፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት 145 ናቕፋ፡ 3ይ ዓመት ብሽም ምዱብ ሃገራዊ ግልጋሎት 500 ናቕፋ ነዚ ሕሰም  ምስ ወድኡ’ውን ኣብ 1996 ምጣነ ሸርፊ ዶላር 5.30 ብር ኪሎ ዝወጸ መሳልል ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንኽኣትው ወይ ኣብ መንጎ ምስግጋር ዘጋጥም ልሙድ ጌጋ ወይ ብትሑት ብቕዓት ብልሹውን ምሕደራን ልሙድ ምድንጓይ ብቁማር ተባሂሉ ዝሕለፍ’ዩ። ኣብ ካልኦት ትካላት ብባህርይን ዓይነት ስራሕ ገለ ርህሩሃት ሓለፍቲ ተወሳኺ ኣታዊ ዝረኽቡሉ መገዲ ሃስስ የብሉሎም’ዮም። ኣብ ሞያ መምህርና ግን ኸምዚ ኽግበር ዘይኽእል ብምዃኑ ህዝቢ ከባቢ ክሕግዝን ክዋጽእን ብምምሕዳራት ከባቢ ይሕተት’ዩ። እዚ ግን ናይ ተመጽዋትነት ስምዒት ይፈጥረሎም ከቢድ ናብራ ኤርትራ ንምግጣሙ ናብ ትሑት መዓልታዊ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝዋፈሩ ዋላ’ውን ናብ ውትህድርና ክስሓቡ ዝብህጉ መማህራን ኣለው።
    • ኣብ ኣመዳድባ መምህራን ብዓይነት ትምሀርቲ ምዕሩይ ብዘይምዃኑ ኣብ ዝተመደቡላ ቤት ትምምህርቲ  ኣብ ዘይፈልጥዎን ምስ ትምህርቶም ኣብ ዘይሳነ ዓውዲ ትምህርቲ ዝምደቡሉ እዋን‘ውን ኣሎ።
    • ውጹእን ወድዓዊ ናይ ቅያር ፖሊሲ ዘይምህላው ኣብ ፍርቂ ዓመት ወይ‘ውን ኣብ መወዳእታ ዓመት “ሕጂ’ኸ ናበይ ይቕይሩኒ ይኾኑ” ዝብል ሻቅሎት ኣብ ኩሉ መምህር ዝፍጠር’ዩ። ብሕልፊ ናብ ሳዋ ኣብ መወዳእታ ዓመት ካብ ሓንቲ 2ይ ደረጃ ክሳብ ሓሙሽተ መማህራን ክቕየሩ ግድን እዩ።
    • ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ/ስልጠና ንካልኣይ ደረጃ መማህራን ዘይምህላው፡ እንተ ኣሎ’ውን ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሕዙእ ዝኾነ ዕድል ትምህርቲ’ዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ካብ ዝተኻየደ ስልጠና ብደረጃ ማስትሬት ብጣዕሚ ዘገርም ናይ ላንካስተር/ኢንግላንድ ክጥቐስ ይከኣል። እዚ ስልጠና ንሓለፍቲ  ዝተዋሃበ ኾይኑ እቶም ተሳተፍቲ ካብ 8ይ ክፍሊ ከይተረፉ ዝኣተውሉ ኩሎም’ውን ቐዳማይ ዲግሪ ዘይብሎ ክኾኑ ከለው እታ ዩኒቨርስቲ’ውን ዝሃበቶም ሰርቲፊኬት Invalid in UK ዝብል ሕታም ጽሑፍ ኣብ  ታሕቲ ኣስፊሮምሉ። ድሕሪ እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ እተን ዩኒቨርስታት መረዳእታ ትምህርቲ  ስለዝሓታ ተስፋ ዝህብ’ዩ ኔሩ እንተኾነ ግን ዝተላእኩ መብዛሕትኦም ብዘይምምላሶም ተቋሪጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተጀመረ ናይ ተልእኮ ትምህርቲ’ውን ኣሎ። እዚ ንማስትሬት ዝካየድ ዘሎ  ትምህርቲ ብሙሉእ ብሓለፍቲ ዝተታሕዘ’ዩ። ብገንዘብ ህዝብን መንግስትን ንካልኦት ማስትሬት ከይተረፈ ዝመሃሩ ኣለው። ኣብ እዋን ፈተና ወይ ውን ዕዮ ኩለን  ቤ/ጽ ሓለፍቲ ዕውት ምዃነን‘ውን ናይ ስራሕ ሃጓፍ ዝፈጥር ዘሎ’ዩ።
    • ካብ ኮሌጃት (ማይ ነፍሒ) ወዲኦም ዝመጹ መማህራን‘ውን ኣብ ኮሌጅ ከለው ብወተሃደራዊ ኣተሓሕዛ ስለዝሓልፉ  ከም ሲቪል መማህራን ኾይኖም ከዓዩ ይጽገሙ ምስቲ ንኣሽቱ ምዃኖምን ብዘለዎም ፊነንሳዊ ጸገም ብዝሒ ብኩራትን ስነ- ምምህርናዊ በዳላት ይፍጽሙ።
    • ኣብ መንጎ ትምህርቶም ትምህርቲ ከይወድኡ ዝምደቡ ተምሃሮ ኮሌጃት‘ውን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኮነ ኣብ ዕድሚኦም ዝወርድ ዘሎ ክሳራ ማንታ ጎድናዊ ሳዕቤኑን ዘየቕስን ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኾይኑ ይርከብ። መንግስቲ ኣብ ዝደለዮ እዋን ብዘይጭቡጥን ዘየማትእን ምኽኒት ኮሌጃት ዓጽዩ መኣስ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ከም ዝምለሱ ከይነገረ ንመነባብሮ ብዘጸግም ናይ ጁባ ሰልዲ ኣብ ዘይፈልጥዎ ሞያን ባህልን ዝምድቦም ተምሃሮ ብዓቢኡ እዞም መንእሰያት ኣብ መንግስቲ ዘለዎም እምነት ጠቕሊሉ ከምዝጠፍእ ጌሩዎ ይርከብ። ብካልእ ወገን’ውን ትምህርቲ ከም ዝብድልን ተምሃሮ ከምዝጎድእን ጌርዎም ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2008/09 ካብ መኣዲ ትምህርቶም ተጎናዲቦም ብስም ምትዕርራይ ዓመተ  ትምህርቲ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ናብ ሚኒስትሪታትን ኣብያተ ትምህርትን ዝተመደቡ ልዕሊ 2ይ ዓመት ተምሃሮ እዚ ኮሌጅ ዘጋጠሞም ክጥቐስ ይከኣል። ብዓቢኡ እቲ ኣብ ዝተላለየ ጊዜን  ኩነታትን ዝግበር ምቁራጽ ትምህርቲ ኣብ ዝለዓላ ትካላት ትምህርቲ ይበዝሕ ምህላው ከምኡ’ውን ተሓታቲ ኮነ ኣዋዲ ዘይብሉ ምዃኑ ተምሃሮ ቐሲኖም ውራይ  ትምህርቶም ከይገብሩን ብተስፋ ንብቅዓትን ንዝሓሸ ፍልጠት ከይጽዕሩ ዘሰናኽል ኣብ ንኡስ ዕድመ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ተበላሓትነትን ምስትውዓልን ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ብምዃኑ መንእሰያት ምጽዋሩ ብምስኣን ሓለምትን ጠመትን ከምኡ’ውን ግዳይ ስግረ ዶብ ከም ዝኾኑ ጌሩዎም ኣሎ። እዚ መስፈሪ ዘይርኸቦ በደል ኣብ ልዕሊ ትምህርትን መንእሰያትን ውርጹጻት ብምንታይ ከመኽንይሉ ከምዝኽእሉ ከምኡ’ውን ነቲ ዝረኸቡዎ መኽሰብን ጥቅምን እንታይ ኢሎም ይገልጽዎ ይኾኑ? ዋላስ እንተ ዘይዓሪቡዎም 13 ዓመታት ተጸብዮም እታ ልምድቲ “ብኽነት” ትብል ቃል ከምጽኡ ደሊዮም?
    • ኩነታት መነባብሮ መማህራን‘ውን ነቲ ሞያ ኣዝዩ ከም ዝፍንፈንን ከምዝጽላእ ካብ ዝገበርዎ ረቋሓታት ሓደ’ዩ። ብሓፈሻ ሙሉእ  ሃገር ኣብ ሕማቅ መነባብሮ ከምዘሎ ዘይከሓድ ኾይኑ ከም መምህር ግን መነባብሮ ዝደሃኾን ሰይሰይ ዝበለሉን ክፋል ህዝቢ የሎን። ብሰንኪ ዓቢ ጸገም‘ውን ምስ ስነ-ምግባር መምህርና ዘይሳነ ስራሕ (ሽቅለት) ዝተጸመዱን ዝተዋፈሩን መማህራን ብዙሓት’ዮም (ኣብ ስቱር ቦታ ዝስከሙ ኣብ ወደብ)፡ ኣብ እንዳ ባኒ፡ ኣብ  ዓበይቲን ንኣሽቱን ሆቴላት ከም ኣሳሰይቲ (waiter)፡  ኣብ መጓዓዝያ ምድሪ ከም ተቆጻጸርቲን ፎቶሪኖን፡ ገዛ ገዛ ከም ቆናኒት እንዳዞሩ ደቂ ሃብታማት ዝምህሩ… ዝሰርሑን ብዙሓት መማህራን’ዮም። ኣብ ወሰና ወሰን ዶባት ዝተመደቡ’ውን ዝመችኦም ጊዜ ተጸቢዮም ሃገሮም ራሕሪሖም ይሃድሙ ወይ’ውን ጽቡቅ ኣታውን ገንዘብን ክረኽብ ዝኽእል ድለላ ምስጋር መንእሰያት (ስግረ-ዶብ) ይኣትው  (እንታይ እሞ ክገብሩ ንምብዳህ ሕማቅ መነባብሮ’ምበር ክብረት መምህርና ጠፊኡዎም ኣይኮነን)።
    • ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ (ብሕልፊ 2ይ ደረጃ) ተምሃሮን መማህራንን ንመንቐሳቐሲ ወረቐት ክብሉ ዝተዓቁሩለን መጻንሒ) መዕቐሊ ትካላት’ምበር ፍልጠት ዝሽመተለን መጻኢ ወለዶታት እታ ሃገር ዝኹስኾሱለን ትካላት ካብ ምዃን በቲ ምድንቋር ወለዶን ምልማስ ስርዓተ ትምህርትን ስርሐይ ኢሉ ዝሓዞ መንግስቲ ተፈሪደን ይርከባ።
    • ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2008/09 ኣብ 2ይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዝምህሩ ልዕሊ 300 መማህራን ስርሖም ኣቋሪጾም። እዚ ድማ ዓመታዊ ብምዃኑ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ገዳይምን ናይ ስራሕ ተመኩሮ ዘለዎም መማህራን ንዓይነት ከማን ኣብ ዘይርከብሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ። ብሕልፊ ኣብ ዞባታት እታ ብበዝሒ ሙኩራት መማህራን ዝሓሸት ዝነበረት ዞባ ማእከል (ኣስመራ) ሪጋኣ በጺሑ ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብመማህራን ዞባ ማእከል “ሱናሚ” ተባሂሉ ዝተጸወዓ ምቅይያር መማህራን ብሕልፊ ናብ ሳዋ ንዝሓለፈ ኩርካሕን ሓርጎጽጎጽን ተጻዊሮም ሰለይ ክብሉ ዝጸንሑ ምኩራትን ዓበይቲ መማህራን ዘኾረየን ነቲ ዝፈትውዎን ዝደኽሙሉ ሞያ ክገድፍዎ ዝደፍኣን ዘቀላጥፋን ፍጻሜ ኔሩ።
    • ካብተን ዘይጠቅማ ደሞዝን ናይ ጁባ ክፍሊት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን ኩነታትን ዝግበር ውጽኢትን ተቆራጽን ጥጡሕ ሕጊ መነባብሮን ጡረታን ዘይምህላው፡ ኩነታት ስልዒትን ከምኡ’ውን ኣከፋፍላ ኣበል ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታት ስሩዕ ዘይምዃን ብሕልፊ ናይ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ትሑት ዘይሚዛናዊ ምዃን ብሰንኪ ብልሽውን ትሑት ብቕዓት ምሕደራ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እቲ ዝግባኣካ ክፍሊት ብእዋኑ ዘይምርካብ  ብርትዓዊ ዋጋ ዝመጽእ ሃለኽቲ  ኩለን ሚኒስትሪታት ተጠቐምቲ ክኾና ከለዋ መማህራን ግን (ብጀካ ኣባላት ቤ/ጽ) ምሕሳሞም….. ንመማህራን ዝፈታተኑ ዘለው ኩነታት’ዮም።

ብሽም ርትዓዊ ድኳን ዝፍለጥ ድኳን ሃለኽቲ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ጨንፈር ዞባ ወይ ንኡስ ዞባ ይምእከል። ተጠቃሚ እቲ ድኳን ክትኸውን‘ውን ምስቲ ጨንፈር ዘለካ ዝምድና ይውስኖ። ናይ ሓንቲ ኣሃዱ ዝምድና ምስዚ ጨንፈር ክድልድል ስሩዕ  ሰሙናዊ ኣኼባ ክተካይድ በቲ ጨንፈር ንዝለኣኽ ፖለቲካዊን እዋናዊ ጽሑፋት ብተገዳስነት ክትመያየጥን ህ.ግ.ደ.ፍ ዝደልዮ መልስ-ዕንጋለ ክትሰድድን ኣገዳሲ ሓበሬታ ክትሰድድ ወርሓዊ ጸብጻብ እታ ጨንፈር ብእትደልዮ ኣገባብ ኣጸሓሕፋን  መንፈስን ጌርካ ክትሰድድ ማእቶታዊ መዳባት ኣብ ጊዜ ዕረፍቲ ኣባላትካ ክተካይድ …ካብ ዝሕተታ ረቋሕታት’የን። እዘን ዝተጠቀሳ ብዘለዎም ተደራራቢ  ስራሕን ዋሕዲ ጊዜን  ድሌት’ውን  ዘይብሎም እቲ ምምስሳል’ውን ፍጊዕ ስለዝበሎም ክኸውን ይኽእል ብመምህርና ዘይትግበራ ኣብ ርእሲ ምዃነን ጨናፍር ህ.ግ.ደ.ፍ ዘለዎም ኣጠማምታ ምሁራን’ውን ኣብ ትሑታዊ ቅልውላው (Inferiority Complex)  ዝተመስረተ ብምዃኑ ጨናፍር ህ.ግ.ደ.ፍን መማህራንን ሓመድን ዓይንን ኾይነን ኣለዋ።

  •  
    • ሱፐር ቫይዘራት ኣብ ምኽያድ ጥጡሕን ስሩዕን ስርዓተ ትምህርቲ ከበርክትዎ ዝኽእሉ ሞያዊን ምሕደራዊ ሓገዝ ንኣብያተ ትምህርትን መማህራንን ሸለል ዝተባህለን ዝተረስዓን ይመስል። ን2ይ ደረጃ ዝምደቡ ሱፐር ቫይዘራት ዘለዎም ብቕዓት ተቐባልነት ብመማህራን ትሑት’ዩ። እቲ መስርሕ ሱፐርቪዥን ኣብ ክንዲ ደገፍ ዝህብ ኣብ መጥቃዕቲን ተወራዛይንትን ዝተመርኮሰ ብምዃኑ ብዙሓት መማህራን ብሱፐርቪዥን ሕጉሳት ኣይኮኑን።  ኣብ ዞባታት ብዘሎ ዋሕዲ ሱፐርቫይዘራት ጸገም መጓዓዝያ ተወሲኹዎ የሎን ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ። ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣትሒዙ ኩለን መካይን መንግስቲ ምስ መራሕተን (ኣውቲስትኣን) ናብ ጋራጅ  መንግስቲ ዝበሃል ትካል መንግስቲ ተጠርኒፈን ብምህላወን ሓንቲ ሚኒስትሪ ወይ ኣብ ዞባታት እትርከብ  ጨንፈር ንስራሕ መኪና ምስትደልይ ብመልከዕ ክራይ ናብዘን ትካላት’ያ እትጥቀም ሚኒስትሪ ትምህርቲ‘ውን ከምተን ካልኦት ሚኒስትሪታት ደሞዝ ሰራሕተኛታት (መማህራን)፡ ሱፐርቪዥን፡ ዑደት (ምብጻሕ) ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቀረብ መሳለጥያን ንዋት ትምህርቲ…. ዝኣመሰላ ስራሕ ተካርያ ክተሳልጥ ትፍትን መንግስቲ ነዚ ነዳዲን መቐያየሪ ኣቁሑት መካይን ንምቁጣብ መስርሕ  “ካብ የማናይ ጁባ ኣውጺእካ ናብ ጸጋማይ ጁባ ምእታው”  ካብ ዝእወጅ ምስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ፋሕ ምባለን ንሚኒስተሪ ትምህርቲ  ስርሑ ከምዝቑጥብ ጌርዎ ይርከብ። ብሰንኪ እዚ’ውን ሱፐርቪዥናዊ  ስራሕ ኣብ ዓመት ወይ ኣብ ስሚስተር ሓንሳብ  ንኣብያተ ትምህርቲ ከምዝብጻሕ ተጌሩ ኣብታ ሓንቲ ምብጻሕ’ውን መማህራን ተካሪዮም ይምለሱ።

ኩነታት ወለዲ (ህዝቢ- Community)

ኣብ ትምህርቲ ዘለዎም ኣጠማምታን

ብመሰረት ጽሑፋዊ ፖሊሲ ሚኒስተሪ ትምህርቲ ሃገረ ኤርትራ ንዝኾነት ቤት ትምህርቲ ዝለዓለ ኣመሓዳሪኣ ካብ ወላዲ፡ መማህራንን ተምሃሮን እትቐውም ብስም PTA (PTSA) እትጽዋዕ ማሕበር ይኸውን። ብዝሒ ኣባላት እዛ ማሕበር ብደረጃ ኣብያተ  ትምህርቲ ይውሰን። ዝኾነ ሓላፊ ቤት ትምህርቲ’ውን ነዛ ማሕበር ከቅውምን ከደልድልን ከም ቐዳማይ ስርሑ ብምውሳድ ይጽዕር እንተኮነ ግን እዘን ማሕበራት ብጀካ ኣብ ናይ ግሊ/ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ካልኦት  ህዝቢ ጸማም እዝኒ ሂብዎ ይርከብ ወለዲ ብኩነታት ትምህርቲ ዘይዕጉባት ምዃኖም ዓቢ መርኣያ’ዩ።

ውጽኢት ደቆም ኮነ ኩነታት ትምህርቲ ወለዲ ንምዕዛብ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ምኻድ ተሪፉ ብፍሉይ ኣጋጣሚታት  ጥራይ’ዮም ወለዲ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝበጽሑ ካብዘን ፍሉያት ኣጋጣሚታት ክጥቀሳ ዝግባኣን

  1. ኣብ ሙሉእ ሃገር መስርዕን ቅጥዕን ዘይብሉ ግፋ ልሙድ ተርእዩ’ዩ። በዚ ህዝቢ ግፋ ዝብል ስም ዝጽውዖ ግፍዒ ተምሃሮ ምስ  ድቪዝኦምን ጥራዞምን፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምስ መረጋገጺ ወረቀት ህላወ ኣብ ስራሕ፡ ወተሃራት ምስ መንቐሳቐሲ ወረቐቶምን ፍቓዶምን ዝግፈፍሉን ዝቅየዱሉን እዋናት ኣሎ። ኣብ ከምዚ እዋን ተምሃሮ ደቆም ዝተታሕዙዎም ወለዲ መረጋገጺ ንምርካብ ናብ ደቆም ዝመሃርሉ ቤ/ትምህርቲ ክቐርቡ ስለዘለዎም ናብ ቤ/ትምህርቲ ክኸዱ ይግደዱ።
  2. ትካል ዘለዎም ወለዲ ፍቓድ ንግዲ ከሓድሱ ምስ ዝደልዩ ኣብ ዕድመ ክሊ ትምህርቲ ናይ ዝርከቡ ደቆም ኣብ ትምህርትን ሃገርን ምህላው መረጋገጺ ካብ ቤ/ትምህርቲ ከምጽኡ ኣለዎም።
  3. ሓደ ናይ ቅድም ተምሃራይ ዝነበረ ናይ ቀደም ዝተመሃረሉ መረዳእታ ብኣካል ኮነ ብወኪል ክወስድ ምስ ዝደልይ ነዚ ናይ ውልቁ ሃብቲ ዝኾነ መረዳእታ ወረቀት ክረክብ ኣብ ድሌት ካልኦት ሰባት’ዩ ዝውሰን። ካብ ሃገር ወጻኢ ዝነበር እንድሕር ኾይኑ ካብቲ ዝነብረሉ ሃገር ካብ ዝምልከቶ ኣካል 2% ከምዝከፍል፡ ኣብ ሃገር ውሽጢ  ንዘለው ዝሰርሕሉ ትካል ወይ ኣሃዱ ንኽወስዱ ከምዝፍቀደ ዝገልጽ ደብዳበ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተሳተፉ ምስ ዝኾኑ መረዳእታ መክኒት ክቅርቡ ይግባእ እዚ’ውን ቤ/ትምህርቲ ዝነበረት ከይኮነት ቤ/ጽ ዞባ ትውስኖ።

ኣርእስቲ፡   ገምጋም ሰራሕ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዓመተ ትምህርቲ 2008/09

ቦታ ኣኼባ፡  ቤት ምኽሪ ንግዲ (ኣዳራሽ) ኣስመራ

ተሳተፍቲ፡
 ልዕሊ 150 ተሳተፍቲ ካብ ኩለን ዞባታት ብውሑዱ 15 ሰባት ሓለፍቲ ጨንፈር ዞባ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ሓለፍቲ ጨንፈር ንኡስ ዞባ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ሱፐርቫይዘራት፡ ናይ ዓበይቲ 2ይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዳይሪክተራት፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሃገረ ኤርትራ ዳይሪክተር ጀነራላት 5ተ ክፍልታት ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኩሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ህዝባዊ ርክባት ዞባዊ ምምሕደራት ተረኺቦም።

እዚ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 14 ክሳብ 17 ዓመተ 2009 ዝተካየደ ኣኼባ ኣነውን ተሳቲፈዮ ኔረ። ኣብዚ ኣኼባ ዝነበረ ኩሉ ፍጻሜታት ብመስርዕ ኩለን ዝተልዓለ ነጥብታት ብደቂቅ ከቕርብ እንተተጸገምኩ’ኳ ነተን ኣገረምቲ ዝነበራ ግን ብተርምሞ ኣብ ሓንጎለይ ከስፍረን ተገዲደ።

ብቐንዱ ኣብ ከምዚ  ኣኼባ ንከይትግደስ ዝገብር ኩነታት ኣሎ እግረ መገደይ ንሳቶም’ውን ክገልጾም።

  •  
    • በቲ ዝግበር ኣኼባ  ዝጸድቕን ዝረቕቕን መደብ ዘይምህላው፡ ንውዱእ ጉዳያት ምዕዛብ ስለዝኾነ
    • ዓመት ዓመት ዝደጋገምን ዘይዕረን ጸገማት ምስማዕ ስለዘሰልችው
    • ንሓደ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ሚነስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከይተረፈ ክምልስ ይጽገም ስለትሪኦ ከምሓንጻጽን ኣጽዳቕን ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ ኢልካ ትሓስቦ ሰብ “ደሓን ንመንግስቲ ሪፖርት ክንገብር ኢና”፡ “ነዚ ጉዳይ ንዝምልከት ንላዕለዋይ ኣካል ክንሓትት…” ዝብል መልሲ ይህብ።
    • ኩሉ ተሳታፊ ንኣበልን ሓለፈቲ እንተልዮም’ውን ቁርስን ምሳሕን ስለዝህልው ነዚአን ጥቕምታት ክብል ኣብ ቦታ ኣኼባ ይርከብ። እዚ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታት ዘሎን ዘሕስብን ዘስደምምን ግን ከኣ እንዳተለምደ ዝመጸ ባህሊ ብምዃኑ ዋላ ካቢኔ ሚኒስተራት’ውን ንኣበል ክብሉ ዝእከቡ’ዩ ዝመስለና።
    • ዓውደ ዘተ (Work shop) “ወርቂ ጨብ” ዝብል ስም ብተዋዘይቲ ተጠሚቐን ንሓደ ዓውደ ዘተ ካብ ዘቕርብ ሰብ ንላዕሊ ዝፈልጡን፡ ነቲ ዓውደ ዘተ መሃሪ ፍረ ዘለዎን ጠቓምን ክገብሩ ዝኽእሉ ፈላጣትን ክኢላታት እንከለው ብዘረባ ክእለት ወይ’ውን ብጥቕምን ዝምድናን ምስ ሓለፍቲ ርክብ ዘለዎም መደናገርቲ ነገር ክሓማትሉ ዝሓልፍን ዝጠፍእን ግዜን ገንዘብን የሕዝን። ንክሳተፉ ዝለኣኹ’ውን ካብቲ ዓውደ ዘተ ተማሂሮም ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ወይ ነቲ ዓውደ ዘተ ብሓሳብ ዘህብትሙ ከይኾኑ ጽጉማት ሰለዝኾኑ ሓለፍቶም ስለዝፈትዎም ንኽጥቐሙ (ብገንዘብ) ተባሂሎም ይሳተፉ።

ናብቲ ኣኼባ  ክምለስ፡ እቲ ኣኼባ  ብሚኒስተር ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ተኸፊቱ ናብ ጸብጻብ ምስማዕ ኣትዩ።

  1. ዳይረክተር ጀነራል ክፍለ ሞያዊ ስልጠና (TVET Technical & Vocational Education and Training) እቲ ጸብጻብ ኣብ ክልተ ዝተገምዐ ኔሩ። (ኣብ ሳዋ ዝርከብ  ማእከል ሞያዊ ስልጠና ኤርትራ ኣብ ካልእ ቦታታት ዘለዎ ቤት ትምህርቲ ስነ-ኪነት) ንሳዋ ወኪሉ ዘቕርብ ዝነበረ ሰብ ሽሙ ዘይሓዝኩዎ  ክጅምር ከሎ ንሳዋ ከም ሓንቲ ዞባ ክትሕሰብ ብበዝሒ ተምሃሮ ከምትዕብልል ብከምኡ’ውን ነታ ቤ/ትምህርቲ ዘለዋ ዓበይቲ ሽግራት ንምፍታሕን ዝገበሮ ጻዕሪ ኣቕሪቡ። ነቲ ኣካዳሚያዊ/ሞያዊ ክፋል ባዕሎም ከምዘማሓድርዎ፡ ኣብ መነባብሮ ተምሃሮን መማህራንን ቁጠባዊ መዳያትን ግን ኮ/ል ኣብርሃም መድህን (ወዲ መድህን) ከምዘመሓድሮ፡ ንመነባብሮን ቁጠባን ካብኡ ሓሊፉ’ውን  ሞያዊ ስልጠና ሓለፍቲ መዓስከር ኢዶም ከምዘእትውን፡ ብሓጺሩ ኣገላልጻ “ብቋንቋ እቶም ኮነሬላት ክንዛረብ ንጽገም ኣለና” ኢሉ። ኣስዒቡ’ውን እቲ ካሪክለምን መስርሕን’ውን ንስራሕ ብቁዓት ዝኾኑ ተምሃሮ የፍርይ ከምዘየለ፡ ዋሕዲ መሳርሒ ዓቕሊ ዘጽበበሎም ምኳኑ፡ እቲ ሕሱር መሳርሒ ዝበሃል ንኣብነት መጋዝ ዕንጨይቲ ከማን ሓንቲ ንሸውዓተ ተምሃሮ ከምትበጽሕ፡ ኣብ ዓበይትን ናይ ሕርሻ ማሽነሪ ሰልጢኖም ኢሎም ዘመረቕዎም ተምሃሮ ብሰንኪ ነዳዲ ዘይምህላው ተንቐሳቐሲት ማሽን ተንኪፎም ዘይፈልጡ ከምዝኾኑን… ካልእን  ዘርዚሩ። ኣብ መማህራን’ውን ብቕዓት ከምዘየሎ  ቅድሚ ሕጂ ኣብኡ ዝወድኡ ከምዝተመደቡ፡ (ብናቱ ኣገላልጻ “12 ዝወድኡ ን12 ክፍሊ ይምህሩ ኣለው” ኢሉ)። ብሓቂ ንብዙሓት ጸባ ኣስቲዩና። ናቱ ጸብጻብ ምስተወድአ ዓበይቲ ሓለፍቲ ግን ተኸኽ ከምዝበሉ ኣየጠራጥርን። ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ 3ይ ዓመቶም ዝገበሩ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ክሳብ ሕጂ ንነብሶም ሓዱሽ ስለዝቆጽርዋ ኣብ ዝኾነ ግዜ ንዕዖም ዝውክል ብሓራቕ መልሱን ብተሪር ዘረብኡን ዝፍለጥ ኣቶ ጴጥሮስ ሃ/ማርያም ዳይሪክተር ጀነራል ክፍሊ መጽናዕትን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ (Research & Human Resource Development) እዩ። ኣብ ማእከል ዘረባ’ውን ከዕጠይጥይ ጸኒሑ ምስተወድአ’ውን ማይክራፎን ከይተጸበየ’ዩ ጀሚሩ። ጥቃ ሚኒስተር ኣብ ቅድሚት’ዩ ኮፍ ኢሉ። ካብ ተዓዘብቲ ኣብ ኣኼባታት ከም ተቓውሞ ዝተለምደ ሓደ ሰብ ቕጭ ዘምጽእ  ወይ ድምጺ መንግስቲ ክፍተው ክዛረብ እንተጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ዘሎ ሰብ ተሳታፊ ነንሕድሕዱ ሚስ ኮል (Missed Call) ይጅምር። ኣቶ ጴጥሮስ’ውን ክቓወም ምስጀመረ ሞባይላት ከም ኣመለን ክርብሻ ጀሚረን። ማይክራፎን Wireless ብምኳኑ ክንሰምዖ ኣይንክእልን ኣትሪሩ ግን “ንስራሕ ድልዋት ዘይኾኑ ተምሃሮ ኢና ነመርቕ ዘለና” እትብል ዘረባ ረጊጹ ሓውሲ ምፍርራሕ  ዘለዎ ዘይምስምማዕ ኣስሚዑ። ቐጺሉ’ውን “ሕጂ ብዝሒ (Quantity) ዝጠመተ  ንቐጻሊ ግን ብቕዓት (Quality) ዝጠመተ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሉ። ብካሊእ ወገን’ውን ኣብ ሳዋ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ (ን12 ክፍሊ) ዳይሪክተር ኣቶ ክፍላይ ፍርሒ ዝተሓወሶ ደገፍ ንኣቕራቢ ጸብጻብ ሂቡ። ኣብ ምሕደራ ቤ/ትምህርቶም ሳዋ ወታሃደራዊ ምትእትታው ከምዘሎ ግን ይመሓየሽ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣቶ ክፍላይ ብዙሕ ጊዜ ድፍር ኢሉ ብዘቕርቦ ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ጸብጻብ’ዩ ዝፈልጦ ኔረ ማለት ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ሳዋ ዝተገበረ ናይ 2ይ ደረጃ ዳይሪክተራት ኣኼባ  መመረቕታ’ውን ስለዝነበረ ዳርጋ ኩሎም ካቢኔታት ኣብ መኽፈቲ’ውን ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኔሮም “ክሳብ ሕጂ እዛ ስዓት 67 መማህራን ንሱዳን ከይዶም፡ ተምሃሮ’ውን ብዙሓት ካብ ሳዋ ይጠፍኡ ኣለው” ኢሉ ተዛረቡ ድሕሪ ሳልስቲ’ውን “ቅድሚ ትማሊ ክሳብ እዛ ስዓት 67 ዝበልኩ ሎሚ 71 በጺሖም” ኢሉ ከምኡ ሓቃዊ ጸብጻብ ሰለዘይለመድና ኣድኒቐዮ ኔረ።

    ኣብ ጸብጻብ ካልኦት ሞያውያን ኣሰልጠንቲ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን እተን ሽግራት ብወኪለን ቐሪቡ። ድሕሪ ምቕያር ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተቐልቐለ ሓዱሽ ነገር ሽግራት ብዘይሽፍንፍን ምቕራብ’ዩ። “ምስ ኩለን ሃገራት ስለዝተበኣሰና ስራሕ ኣብ ዘይብሉ መዲቡዎ ሰብኣይ ቦታ ረኪብሉ” እዩ ተባሂሉ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሕመቃቱን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ምስኮነ ብተዋዘይቲ ዝተዋህቦ ገምጋም።

    ኣብ ሞያዊ ስልጠና ሳዋ ዝምደቡ ተምሃሮ እቶም ኣብ 12 ክፍሊ ማትሪክ ንሰርቲፊኬት ነጥቢ ዘምጽኡ’ዮም። ኣብ ሳዋ 12 ክፍሊ ዝተምሃሩ  ድሕሪ ማትሪክ ወርሒ ዓሪፎም ነጥቢ ምስወጸ ንዲግሪን ዲፕሎማን ናብ ኮሌጃት ዝተረፉ ናብ ሰራዊት፡ ሰርቲፊኬት ዘምጽኡ መሰልጠኒ መማህራን፡ ኣጋር ሓኪም፡ ኮሌጅ ሕርሻ፡ ይምደቡ። ኣብ ሞያ ዝምደቡ ግን እታ ዓመት ኣብ ሳዋ ስለዝመሃርዋ ጌሮም ዝጸልእዋ። ብዝኾነ ፈትዮም ጸሊኦም ይጸንሑ ቅድሚ 2ተ ዓመት ኣኺሉ ካብቲ ቦታ ምውጽኦም ኣብ ሳዋ ኮይኖም ብድፍረት ንሱዳን መውጽእን መእተውን  ኣጽኒዖም ንሱዳን የንቆልቁሉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሳዋ ኣፍደገ ሱዳን ዝብል ሽም ተዋሂባ ቅድም 11 ክፍሊ ዝወድኡ ናብ ሳዋ ክነብጽሕ ክንእዘዝ ከለና ተምሃሮ ከይተርፉና ኢና ንቆጻጸር ኔርና። ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመት ግን ምስ ተምሃሮ ተሓዋዊሶም ንሳዋ ዝወርዱ ካብ ታሕተዎት ደረጃ ትምህርቲ ወይ ዘይመሃሩ መንእሰያት ኣስገርትን ሰገርትን ተሓዊሶም ስለዝወርዱ ስቕያት’ዩ ኾይኑ። ኣብ ሎሚ ዓመት’ውን እቲ መዓስከር ከይተረፈ ፈሊጥዎ ኣብ ከባቢ 60 ኪ/ሜትር ዝጅምር ብርቱዕ ቁጽጽር ተካይዱ። ኣብ ጥሪ ካብ ሳዋ ዝለኣኽ ኣስማት 11 ክፍሊ ተምሃሮ ሒዞም’ዮም ኣብ ነሓሰ ንዝመጹ ተምሃሮ ተጸብዮምዎም ከም ውጽኢት’ውን ብዙሓት መንእሰያት’ዮም ተረኪቦም።
  2. ኣብ ጸብጻብ ዳይሪክተር ጀነራል ንዓበይትን መራኸቢታትን (Adult Education & Media Department) ሽሙ ኣይተሓዘለይን’ዩ ግን “ኣቻ” ትብል ሳጓ ኣላቶ ካብዚ ክፍሊ ጸብጻብ ኣይተጸበናን ምኽንያቱ ዘይተቓልሐ “ሬድዮ ባና” እንኮ ናይ ትምህርቲ ሬድዮ ኣብታ ሃገር ሓደ ረፍዲ ብታንክታትን ሰራዊትን ተኸቢባ ኣብኡ ዝጸንሐ ኩሉ’ዩ ተቐይዱ ኔሩ። ዓመት ይገብር ዋና እቲ ዳይሪክተር ጀነራል’ውን ተኣሲሩ ጸኒሑ ደሓር’ዩ ተፈቲሑ ክሳብ ሎሚ’ውን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሬድዮ ትምህርቲ ተቋሪጹ’ዩ ዘሎ። ምሸታዊ ትምህርቲ’ውን ኣብ ኣስመራ ካብ 5ተ ዘይበልጻ ኣብያተ ትምህርቲ’የን ዘለዋ። ዕድመ ንእስነቶም ኣብ ገድሊ ዝሓለፎም ተጋደልቲ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ጸገም ትምህርቲ ዘቋረጹ/ጻ ዓበይቲ ኩሉ ናይ ትምህርቲ ጽምኢ ዘለዎ ኤርትራዊ እንዳሰርሐ ንኸይመሃር መንግስቲ በታ ግፋ ዝብላ ግፍዒ ኣሰናቢዱ ደው ከምትብል ካብ ዝገብር 6ተ/7ተ ዓመት ተቆጺሩ።
  3. ብኣቶ ሙሳ ናይብ ጀነራል ዳይሪክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ (General Education Department) እቲ ቀንድን ሕመረት ትምህርቲ ዝቆጻጸር ኣካል ብምዃኑ ብዙሕ ዘይተዓመ ስራሕ ቀንዲ ተወቃሲ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ዝኾነ ኣካል/ክፍሊ መጀመርያ መድረኽ ተዋህቡ ብዕሙቆት ክትንትን ትጽቢት ኩላትና ኔሩ። መራሒ መድረኽ ግን ንምቕራብ 30 ደቂቅ  ንሕቶ፡ ሪኢቶ መልሲ ርብዒ ስዓት ኢሉ ዝዓገቶ ጸብጻብ ሰሚዕና። ኣቶ ሙሳ’ውን ዋዛ ኣይኮነን ካብ ኩሎም ዝሓሸ ሰብ ኣብ ኣዘራርባ’ውን ናይ ምእማን ክእለቱ ክውደስ ዝግብኦ’ዩ፡ በዚ ብክእለቱን ዝተዋሃቦ ሓጺር ጊዜ ተጠቂሙ ነቲ ክነጉድ ዝኽእል ሕቶታት ባዕሉ እንዳተንከፈ ተገላጊሉ። ን7ተ ዓመት መመላእታ ብዘይ መምሃሪ መጻሕፍቲ ዝመሃሩ ዘለው ተምሃሮ ኤርትራ ዘለዎም ጸገም ቀሊል ከምዘይኮነ ኣብ ገለ ደረጃ ትምህርትን ዓይነት ትምህርቲ ዓማ መጻሕፍቲ ንፈተነ ተሓቲሙ ከምዝተዘርገሐ እቲ ካልእ’ውን ንሕትመት ከምዝኣተወ ኣሕተምቲ ዘማርሩሉ ክብሪ ወረቐትን ሕትመትን ተገሊጹ።

    ኣብ ተምሃራይ ዘማእከለ ኣገባብ ኣመሃህራ ዘሎ ዓቢ ሃጓፍ፡ ንዋት ትምህርቲ ኣብ ምዝርጋሕን ኣብ ግቡእ ቦታ ምብጻሕ ቀንዲ ተሓታቲ ዞባታት ምዃነን (ኣብዚ ዘስሕቕ ፈጻሜታት ከይተረፈ ተገሊጹ፡ ኣብ መባእታ ደረጃ ዝርከቡ ተምሃሮ ብኣዶ ቋንቋ’ዮም ዝመሃሩ። ኣብ መባእታ ከይተረፈ መምሃሪ መጻሕፍቲ ኣብዘን ክልተ ዓመት’ዩ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። ኣብ ዝርግሐ መጻሕፍቲ ናይ ሓደ ብሄር መጻሕፍቲ ብጌጋ ናብ ካልእ ቦታ ከይዱስ ተመሊሱ ክሳብ ቦትኡ ዝበጽሕ ዓመት ዝገበረሉ ኩነታት ኔሩ)

    ኣብ ኣገማግማ ተምሃሮ ዘሎ ጸገምን ሓዱሽ ኣገማግማ ስርዓት ከምዝተሓንጸጸን ክተኣታተው ምዃኑን፡ እዚ ኣብ መወዳእታ  ጊዜ ተዋህብዎ ብሓደ ገዲም ናይ ቁጽሪ መምህር ዝነበረ ኣብ ዓይነት ትምህርቲ ቁጽሪ ኣብ ጊዜ ደርጊ ከይተረፈ ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበሮ ሕጂ ግን ኣብ ክፍሊ ግምገማ ዝሰርሕ ዘሎ ኣቶ ዳዊት ኣብርሃ ቐሪቡ። ዓቢ ስራሕ ግን ክትሓስቦን ክትሕንጽጾን መማህራንካን ዓይነቶምን ምፍላጥ ኣብ ግምት ምእታው ዝጎደሎ ስራሕ/ሕንጻጽ ኔሩ።

    ጸገም ምዕሩይ ዝርገሐ ትምህርቲ (ካብተን ኣብ ሃገር ሙሉእ ዘለዋ 2ይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ቤተ ፈተነ ዘለዎን ብቁዕ ዝበሃል ኣርባዕተ ምዃነን ኤሌክትሪክ ኣብ ዘይብሉ ቦታታት ዘለዋ 2ይ ደረጃ ቤ/ትምህርትታት ዘለወን ጸገምን) መማህራን ዘይተማልኡለን ቤት ትምህርትታት ምዃነን። እቲ ሽግራት ብኣቅራቢ ጸብጻብ ስለዝቐረበ’ውን በዳህቲ ሕቶታት ኣይተላዕለን።
  4. ብኣቶ  ጴጥሮስ ሃይለማርያም ደይሪክተር ጀነራል ክፍሊ መጽናዕትን ምምዕባል ዓቅሚ ሰብን  ብዙሕ ስሓቢ ዘይኮነ ጸብጻብ ቀሪቡ። ምጅማር ተልእኾ ትምህርትን ቀጻልነቱን ዝሕመረቱ ዘጉህይን ዘሕዝንን ረቋሒ ንዕድል ትምህርቲ ይወሃቡ ኣባለት’ውን ተገሊጹ።
  5. ብኣቶ ገብረሃንስ ዳይሪክተር ጀነራል ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን እዚ ክፍሊ ብዘለዎ ተነቃፊ ስራሕ ልዕሊ ዝኾነት ክፍሊ ጥማራትን ከክንዲግዛዕ ዝኾኑ ጸገማት ዝተሰኸመ’ዩ። ንኣቐራርብኡ’ውን ሕፍረት ዘሰኸመ ኔሩ።

    ኣቶ ገብረሃንስ ብዙሕ ኣሃዛት ብሽም ወጻኢን ባጀትን ሃሊሉ። ኣብ ሱዳን ብሽም ቤ/ትምህርቲ ሰውራ ንዝፍለጣ ትካላት ትምህርቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ብሽም ሓደ ሸኽ ይለኣኽ ከምዝነበረ፡  እዚ ሸኽ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንህይወቱ ዘስግእ ብምዃኑ ናብ ኤርትራ ስለዝኣተወ እቲ ወጻኢ ዝግበር ሰልዲ እቶም ሸኽ ናብ ከሰላ ከይዶም ንሓደ መንግስቲ ዘይፈልጦ ሰብ ከምዝህብዎ እቲ ሰብ ነተን ቤ/ትምህርታት ከምዘብጽሕ ገሊጹ። እንተኾነ ግን ምእኩል ስለዘይኾነ ንምቁጽጻር ከምዝጽገሙን ሕጂ ብዝበጽሖም ሓበሬታ መሰረት ነተን ኣብያተ ትምህርቲ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾኑ ጉጅለታት ከምዝንቀሳቀሰለንን ከምዝጥቀምለንን ንሳቶም’ውን ብሓላፍነት (ብሕልፊ ኣቶ ገብረሃንስ) ከምዘይሕተቱ መስሓቂ ዝኾነ ዘረባ ደርጉሑ ክቕጽል ኣይኸኣለን። ኩሉ ተሳታፊ ብተገርሞ ሆ ኢሉ ምዝራብ ከልኦ “ኣምባሳደር ዘለዋ ሃገር፡ ማሕበረ ኮማት ዘለውዎ ቦታ ብሓደ ሸኽ… ውልቀ ሰብ እንታይ ተስምዓና ኣለካ?” ዝብል ቀረበ። ጫውጫው ምስ በዝሐ ዋላ ሓንቲ ቃል ከይተዛረበ ዝወዓለ ሚኒስተር ኣቶ ሰመረ ርእሶም ንጽር ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ  “ዝምልከተና ኩላትና የሕትተና’ዩ መጽናዕቲ’ውን ክንገብር ኢና” ኢሉ መዕረፊ ገበረሉ።

    ብዛዕባ ውዱእ መምርሒ ጥሮታ ብዘይምህውላን ኣብ ዘልዓሎ ነጥቢ’ውን ካልእ ውርደት ነበረ። ብእርጋንን  ብሕማምን  ኣብ ምዱብ ስርሖም ክነጥፉ ዘይኣሉ ልዕሊ 700 ኣባላት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዘይ ስራሕ  ብኾፎም ካብ ዓመት ንላዕሊ ደሞዝ ከምተኸፈሎምን ከምኡ ዓይነት ጸገም ዘለዎም ይውስኩ ከምዘለው ገሊጹ። እዚ’ውን ኣብ መወዳእታ ሕቶታት ዘልዓለ’ዩ ኔሩ። ብመሰረት ኣዋጅ ሕጊ መልዕሎን ጥሮታን ኩሉ ኣብ ሃገር ዘሎ ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብ ወርሓዊ ደመዎዙ ዝቁረጾ እንተኾነ’ውን ኣብ መስርሕ ግን ብዛዕባ’ቲ ዝኸፈሎ መሰል ጥሮታ ጌና ኣይተተግበረን። ብሕልፊ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ኣኼባ’ውን ተላዒሉ ኔሩ ክሳብ ናይ ኣቶ ሃይለ መብራህቱ ጉዳይ ካብቶም ዓበይቲ ገዳይም  ተጋደልቲ ሓደ ዝነበረን ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ነቲ ሚኒስትሪ ዘገልገለ ኣብ 2008 ብሓደጋ መኪና ዝሞተ  ሓለፊ ጨንፈር ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ ክሳብ’ቲ ኣኼባ ዝተገበረሉ እዋን ወርሒ ነሓሰ 2009 ንልዕሊ 8 ወርሒ ሙሉእ ንስድራ ቤቱ ዋላ ሓንቲ ደገፍ ከምዘይረኸቡ ሓደ ፈላጢኡ ኣልዒሉ። ካልኦት’ውን ንኣብነት ኣብ ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ኣብ ሰራሕ ከለው መብዛሕትኡ ግዜ ብፍላይ ደመዎዝ ከፈልቲ  ብተቓወምቲ ጉጅለ ጀሃድ  ሓደጋ ወሪድዎም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ 11 ዓመት 10 መራሕቲ መኪና ኣባላት እዚ ሚኒስትሪ ተቐቲሎም’ዮም። ይኹን’ምበር ክሳብ ሕጂ በዚ ሚኒስተሪ ዝተገበረ ድጋፍ የለን። ብተመሳሳሊ  ብሕማም ንዝሞቱ’ውን ቀሪቡ ኣብ ዝቕጽል  ክልተ ወርሒውሽጢ ድጋፍ ክግበር ብዝብል ልሙድ መህደሚ ሓሳብ’ዮም ካብቲ ኣኼባ ሃዲሞም።

    ብዛዕባ ዝጣየሳ ደ/ኣንስትዮ መማህራን ኣብ ኤርትራ ዋላ ኣብ ሚኒስትሪታት ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ብዓይኒ ውትህድርና’ዩ ዝጥመት። ኣብ ዕድመ ክሊ ሃ/ኣገልግሎት ዘሎ ጾታ ብዘየገድስ ሃ/ኣገልግሎት ወዲኡ ደመዎዝ ዝወስድ’ውን ብፍቃዱ ሰራሕ ከቋርጽ ስራሕ ክቕይርወይ’ውን ናይ ውልቀ ትካል ክኸፍት ዘይፍቐድን “ኮብሊሉ” ዝብል ሽም ወይ ቃል ለጊብዎ ተዳላይ (Wanted) ሊስት’ዩ ዝኣቱ። ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ግን ቃል-ኪዳን ዘለወን (ምርዕዋት) ወይ’ውን ውላድ  ዘለወን ደ/ኣንስተዮ ሰራሕ ከቋርጻ እንተደሊየን ክፍቐደለን ዝብል ሕጊ ወጺኡ ኣብ  ኩለን ሚኒስትሪታት ይስርሓሉ ኣሎ። እንተኾነ ግን ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓንጻጺ ባዕሎም  ኣቶ ገብረሃንስ ከይኾኑ ኣይተርፉን እተን ዓበይቲ  ነቲ ሚኒስትሪ ብዙሕ ብዓይኒ ጾታ ተራእዩ’ውን ክድገፍ ዝግበኣን እንተለዋስ “ልዕሊ 14 ዙርያ ንዘለዋ ጥራይ ምስዝሓታ ይፋነዋ” ተባሂሉ። እዚ ብሓቂ ዓቢ ሓላፍነት ተዋሂቡ ሚኒስትሪ ዝኣክል ከማሓድር ቦታ ዝተውሃቦ ናይ መባእታ ደረጃ ሞኒተራት ክፍሊ ዘይፍጽምዎ ጌጋ ክሓስብ ካልእ ምኽንያትእንተዘይሃልዩዎ ዝገርም’ዩ። መብዛሕትአን ቅድሚ 14 ዙርያ ዝነበራ ደ/ኣነስትዮ ብዙሕ ከርተት ዝበላ ክሳብ ኣብ ሰራዊት ዝገልገላ ብዕድመ’ውን ንጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዝከብድ ዕድመ (ልዕሊ 35 ዓመት) እየን። እቲ ምኽንያት ዋሕዲ መማህራን ስለዘሎ እንተኾይኑ’ውን ቀዳምነት ይግበኣን ብዓይኒ ብቕዓት እንተኾይኑ’ውን ንምምህርና ኮነ ብደረጃ ትምህርቲ ዝለዓለ ተሞኩሮ ዘለወን ኣብተን ልዕሊ 14 ዙርያ’የን። ከምቲ ግቡእ ከም ካልኦት  ሚኒስትሪታት ኣሓት እንተዝፈቀድ ቐዳምነት እንተኾይኑ ግን ዝተበደላ ከለዋስ ዘይርደእ መስርሕ’ዩ። እዚ’ውን ብዙሕ ተቓውሞ ኣልዒሉ ብጀካ ሓንቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ጽቡቕ  ቦታ ካብ ዝግባኣ ንላዕሊ ኩርሲ ዝሓዘት ተጋዳሊት ጓል ኣንስተይቲ “ማዕርነት” ዝሕመረቱ ተራ ዘረባ ዘስምዓት “ከም ኣሕዋተን ኣብ ዝተመደብኦ ቦታ ክሰርሓ ኣለወን” ዝብል ተዛሪባ።

    ድሕሪ’ዚ ዝቐረበ ጸብጻብ ዞባታት’ዩ ኔሩ። ብኩለን ዞባታት ዝቐረበ ጸብጻብ ግን እቲ ልሙድ ቁጽሪ ትምህርቲ ክንድዚ ሚእታዊት  ወሲኩ፡ ተሳታፍነት ደ/ኣንስተዮ ብክንድዚ ወሲኹ’ዚ ምሕላፍ ብክንድዚ ወሲኩ፡ ዝተረፉን ዘቋረጹን ተምሃሮ ብኽነት ክፍለ ግዜ ብክንድዚ ሚእታዊ ነክዩ  ወዘተ ዝብል’ዩ ኔሩ።  ንብዙሓት ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ኣድህቦና ዝስሓበ ግን ፍሉይን ቕኑዕን ክበሃል ዘለዎ ጸገማት ዘቕረበ ሓላፊ ጨንፈር ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ኣቶ ቃልኣብ’ዩ ኔሩ። ካብተን ዝጠቀሰን ሽግራት ህድማ ተምሃሮን መማህራንን ብመገዲ ስግረ ዶብ ንኣብነት ካብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ጥራይ 335 ተምሃሮ፡ 130 መማህራን ንኢትዮጵያ ከምዝኸዱ ገሊጹ።

    ኣብዚ ንሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ወኪሉ መልስን ተቓውሞን ዘቕረበ ኣቶ ጴጥሮስ ነቲ ጸብጻብ ተቃዊሙ ዘስመዖ ቃል ኩነታት ኤርትራ ናብዚ እዋን ዘንጸባርቅ ኔሩ።- ኣቶ ጴጥሮስ “እዚ እዋናዊ ጸገም’ዩ ከመይ ብዓቕሊ ንሰግሮ ክበሃል ይግባእ ብዓቢኡ’ውን መማህራን ወይ ተምሃሮ ከም ፍሉያት ወሲድና ኣይነጋንን። ካብ ማእከል ከተማ መንግሰቲ ኣሚንሎም ኣብ ደረጃ ሓላፍነት ኮፍ ዘበሎም ከይተረፉ ብናይ መንግስቲ መካይን ቤ/ጽ ዓዓጽዮም ክሃድሙ ምሽ ንርእይ ኣለና” ኢሉ ነቲ ጸብጻብ ብመልክዕ  ንምንሻው ነቲ ኩነታት ግን ከይተፈለጦ ብዝያዳ  ገሊጽዎ።

ኣብ ኤርትራ መዋእለ ህጻናት ብክልተ ምሕደራ ዓይነት ምሕደራ’የን ዝነጥፋ  ብማሕበረሰብ (ኮሚዩኒቲ) መማህራን‘ውን ብመንግሰቲ ዝመሓደራ መንግስቲ ደመዎዝ  ይኸፍሎ፡ ብኮሚዩኒቲ ዝመሓደር ደመዎዝ ህዝቢ ይኸፍሎ። ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ብኮሚኒቲ ዝመሓደራ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ናይ ሓደ ዓመት ደመዎዝ ዘይተኸፈሉ መማህራን ኣለው። ነዚ ኩነታት ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ጥራይ ኣብ ጸብጻቡ ገሊጽዎ ብደረጃ ዞባ ዝግበር ፍታሕ ስለዘየሎ’ውን ንዓመታ ክዓጽውወን ከምዝኾኑ ገሊጹ።

እዚ ሕቶ ንምምሕዳርን ፋይናንስን ስለዝምልከት ኣቶ ገብረሃንስ’ዩ ክምልሶ ፈቲኑ። ናይ ዞባ ደቡብ ጸገም ጥራይ ከምዘይኾነ ዋላ ዞባ ማእከል (ኣስመራ) ከማን ከምኡ ጸገም ከምዘሎ ንምፍትሑ ክሳብ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንትን ሚኒስትሪ ፋይናንስን ከምዝበጽሑ እቲ ፍታሕ’ውን  ናይ ዝሓለፎም 13 ኣዋርሕ በጀት ከምዘይተፈቐደ ናይ ሓደ ዓመት ግን ተፈቂዱ ከምዘሎን ንዝመጽእ ወርሒ ከምዝኽፈሉ ገሊጹ ፍታሕ እንተተገይሩ ከማን ዘስደምም’ዩ።

ትምህርቲ ንዓበይቲ ሓደሽቲ መማህራን፡ ነባራት መማህራን ምስግጋር ደመዎዝ ብጌጋ ትሑት ደሞዝ (ካብ ዝግበኦም ንታሕቲ) ዝወስዱ መማህራን ምትዕርራይ ደሞዝ ኣዝዩ ከምዝደንጎየ ተስፋ ዝጸንቀቁ ስራሕ ይገድፉ ከምዘለውን’ውን ገሊጹ። ሕጂ’ውን ንኣቶ ገብረሃንስ ስለዝምልከት እቲ ልሙድ “ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ክተዓራረይ’ዩ” ዝብል ተስፋ ተዋሂቡ። ነዘን ልሙዳትን ዘይትግበር መጽብዓን ተስፋን ዝሰልቸዎም ኣባላት ምክልካል ዘውጽእዎ ጆክ (ዳእላ) ብጣዕሚ ትገልጾ’ያ።

“ሓደ ኤርትራዊ ምራኽ ገዚኦም ዘብልዕዎ ዘይብሎም ምራኽ ብሓደ ወገን ጸባ ጡብ ኣዲኡ ኣይጸገበን። ንሱ ይዝክር ብጥሜት ሕርር ኢሉ ክደሃይ ይውዕል። ዘብልዖ ዘይብሉ ዋና ከኣ ዓቕሉ ጸቢብዎ ንጉሆ ይትስእ’ሞ “ጥሜት ሞይትካ ምሽ ምራኸይ ምሽክናይ ኣጆካ ምሸት ቀጠልያ ሳዕሪ” ንጽባሕትኡ “ጸባ ላም ብሰንኬሎ” ድሕሪኡ “ሓዱሽ ናይ ግራት ቃንጫ… እንዳበለ ብተስፋ ሰለይ ከብሎ ቐንዩ ኣብ መወዳእታ ግን ሓመድ እንዳለሓሰ ዝቐነየ ምራኽ ጠጠው ምባል ከማን ስኢኑ ዋንኡ’ውን ሓረዶ። ሙሉእ ነብሱ ዓጽሚ ጥራይ ኾይኑ እታ ተስፋ ትሰምዕ ዝነበረት እዝኒ ግን ንበይና ሰቢሓ ተረኸበት”። ድሕሪ’ዚ ዝረብሕ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣይነበረን።

ወደሓንኩም!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...