ፍትሒ ንእሱራት ኤርትራ

ሀገረ ኤርትራ ነጻ ካብ ትወጽእ ክሳብ ሎሚ ብዙኃት እሱራታ ብዓሰትርተታ አሽሃት በጺሖም ይርከቡ። አብ ሀገርና ኤርትራ ግዝአተ ሕጊ ብዘይምንጋሱ እሱራት ብዘይ ገለ ሕጋዊ መስርሕ ኢዮም ዝእሰሩ። ዋላዃ ቅቡልን ቅኑዕን እንተ ዘይተባህለ ቅዋም ብዘይ ምትግባሩ፤ ድማ ሀገረ ኤርትራ ብዓዋሉ ተወኒና መሬት ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ሕዝቢ ኤርትራ ገይሮሙዋ ይርከቡ።

ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሀገሩ ፍትሒ ስኢኑ እሱራት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ጃንዳ ህግደፍ ይሳቐዩን ይሞቱን ከም ዘለዉ ዘለዉ ንርእዮ ዘሎና ሓቂ ኢዩ። ጃንዳ ህግደፍ ዒም ዝበል ይተሓግም እናበለ ብዝከፍኤ ንመንእሰያትን ንአረጋውያንን ይአስሩ አለዉ። ነዚ ዘይፈልጥ ዜጋ አሎ እንተድአ ዄይኑ ድማ ብደዉ እንከሎ ንከይሰምዕ፤ ንከይርኢ፤ ንከይዛረብ፤ ብሕልናኡን ብአእምሮኡን ዝተአስረ ዜጋ ኾይኑ ንረኽቦ።

ጠለብ እሱራት፤ ጠለብ ሕዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እሱራት ዝጠርለብዎ ዝሓተትዎን ኣብ ኤርትራ ሀገርና ግዝአት ሕጊ ክነግስ ቅዋም ክትግበር ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ክተአታቶ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ንክህሉ ድማ ሓጋጊ ፈጻሚ ፈራዲ አካላት ሓደ መንግሥቲ ሰብ ሥልጣኖም ነናጽነቶም ዝተሓለወ ንክኸውን ነጻ አተሓሳስባ ንምትእትታውን ንግዱድ ዕስክርና፤ ዝነጽጉ ዜጋታት ኤርትራ መሰላቶም ተሓልዩ ንመሰላቶም ተጠቂሞም ተቓውሞታትን ነቐፌታትን ከስምዑ ምሁብ መሰላቶም ምዃኑ ምእማን።

ጃንዳ ህግደፍ ድማ ንሕዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ንእሱራት ብጸረ-ሀገር ብኽድዓት መንጂሉ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ንዓመታት አብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርትታት ተዳጒኖም ክማስዩ ይርከቡ። እዚ ናይ ፈተራ ክሲ እዚ ነቲ ካብቶም ክሱራት ክመጽእ ዝኽእል ብመርትዖን ሓቅነትን ከዋጽኦ ስለ ዘይክእል ብክድዓት ክኽሰሱ ተመደበ።

እምበአር ከስ ቤት ማእሰርትታት ጃንዳ ህግደፍ ከመይ ይመስል? አበየናይ ቦታትት ኤርትራኸ ይርከብ።ንዝብል ሕቶ መብርሂ ክንህብ።እዚ ድማ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። ቤት ማእሰርቲ ጃንዳ ህግደፍ ኢሰብአዊ ግፍዕታት ዝትግበረሉ፤ ብሕይወትካ እንከሎኻ ዘማስን መስርሕ መቕጻዕቲ ዝካየደሉ አስካሕካሒ ቤት ግፍዒ አረማውያን ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኲሉ ቤት ማእሰርትታት ህግደፍ ምስ ውድቐት ጃንዳ ህግደፍ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ክፍለት ዘልዎ ኢዩ።

  • አገባብ መርመራን አቐጻጽዓን፤-ንእሱር ብዘስካሕክሕ መቕጻዕቲ ምስ ተኻየደሉ ከፈተወ ንዘይገበሮን ንዘይወዓሎን እወ እወ ፈጺመዮ ዘብል ኢዩ።ስለምንታይ እወ ቀልጢፉ ንክመውት ስለ ዝምነ።ገለ ካብቶም መቕጻዕትታት ከምዚ ዝስዕቡ ኢያቶም።
  1. ብስም አልማዝ ዝፍለጥ ኢዳክን እግርካን ኩርንኩሪት አሲሮም ኣብ ምቈት ጸሓይ ዝሰጥሕ አብ ቃራና ባላ ዘንጠልጥል መቕጻዕቲ ኢዩ።
  2. ብስም ሄሊኮፕተር ዝፍለጥ አእዳውካን ኣእጋርካ ብሓባር አጣሚሮም ገልቢጡ አሲሩ ርብ ቃራና ዘንጠልጥል አገባብ መቕጻዕቲ ኢዩ።
  3. ብስም ኮንተይነር ዝፍለጥ ዕጹው ንእሽቶይ ገዛ ብሓጺ ዝተሰርሔ ዄይኑ ዕቅልካ ዘጽብብ አገባብ መቕጻዕቲ ዝካየደሉ ኢዩ።

እዚመርምራዊ መቅጻዕቲ እዚ ናይ ብዙኃት ኤርትራውያን ሕይወት ዘማሰነን ዘጥፍኤን ኢዩ። እቶም ዕድል ረኺቦም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጹ ዜጋታት ድማ ጥዑይ አካላት ኮነ አእምሮ ዝሰአኑ ካብ ናይ ዓለም ሥራሕ ወጺኦም ጽግዕተኛታት ናይ ሥድራ ቤታቶም ዝኾኑ ኢዮም።

እምበአር ሕዝቢ ኤርትራ ንጸላእቱ ዝኾኑ ጃንዳ ህግደፍ እንታዎት ምዃኖም ክሓትትን ክርዳእን መታን በብሓደ አነጺሩ ክመምዮ ዘለዎ ጉዳያት ብዙኅ ከም ዘሎ ምፍላጥ የድሊ።

ቦታታት ቤት ማእሰርትታ ኤርትራ

  1. ዓሰብ ( )ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  2. ባሕርያ (Marine(navy) base. ቤት ማእሰርቲ ባሕረኛታት
  3. ባረንቱ (General Prison. ) ቤት ማእሰርቲ
  4. ማይ ድማ (South of Asmara): Military Camp. ) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  5. መትከል አቤት (Military prison) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  6. መ. ኢተር (Meeter Military prison ) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  7. ተሐድሶ (military prisons with shipping containers used as punishment cell) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ናይ ባቡር ክንተይነር ገዛ ንመቅጻዕቲ ዝጥቀምሉ
  8. ማይ ዕዳጋ Military prisons with shipping containers used for punishment·)ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  9. ካምቦ ነዳፋር ሰንዓፈ (Military prisons ) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  10. ኪሊማ (General Prison. ) ቀንዲ ቤት ማእሰርቲ አብ ጥቓ ዓሰብ
  11. 11. ድባርዋ (Adi Quala and Adi Ugri): General Prison·(The name is) ቀንዲ ቤት ማእሰርቲ
  12. ደሴታት ደሃላኽ (detention centre i.e. political prisoners ደሃላኽ ከቢር ቤት ማእሰርቲ
  13. ዒራዒሮ (Filfil-Selomuna between Asmara and Massawa ቤት ማእሰርቲ ፍልፍል ሰሎሙና
  14. ጋሕተላይ (forced military labour camp). ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  15. ገልዓሎ (near the Red Sea coast): military forced labour camp ) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  16. ገደም ): forced labour camp to build the ) ቤት ማእሰርቲ
  17. ሓዳስ ማይ አስካር (in Sawa along the boarded with Sudan): military prisons with underground cells.ተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ (ትሕቲ መሬት ካድረታት ዘለዉዎ)
  18. ማይ ዕዳጋ (Military prisons with shipping containers used for punishment· ቤት ማእሰርቲ
  19. ማይ ሰርዋ (with underground cells and shipping containers i.e. used to punish political-prisoners and national service dodgers. ቤት ማእሰርቲ
  20. ማይ ተመናይ (military prison with underground cells.) ቤት ማእሰርቲ (ትሕቲ መሬት)
  21. ሰምበል (detention centre for i.e. political prisoners and religious-stream followers ) ቤት ማእሰርቲ
  22. ዓደርሰር ሳዋ (military punishment(harsh punishment probably torturing)- and training camp with underground cells ) ወተሃድራዊ መቕጻዕቲ ዝካየደሉ ቤት ማእሰርቲ
  23. ተሰነይ (military prisons with shipping containers used as punishment cell.) ቤት ማእሰርቲ ጠባይ መአረሚ ተባሂሉ ዝጽዋዕ
  24. ትራክ ቢ(military prison ) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  25. ጸጸራት (military prison with underground cells primarily for EPLF-veterans. ቤት ማእሰርቲ
  26. መርመራ ገበን (punishment ) ቤት ማእሰርቲ
  27. ዊዓ ( military punishment and training camp for i.e. national service dodgers / deserters and religious minorities.) ማእከላይ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  28. ዓዲ አበይቶ ( Major Prison for Asmara, with shipping containers serving as punishment cell.) ቤት ማእሰርቲ
  29. ዓዲ ቀይሕ (detention Centre i.e. for national service dodgers )ቤት ማእሰርቲ አጂፕ (detention centre i.e. for journalists ) ቤት ማእሰርቲ
  30. ዓዲ ዃላ ( 40 km north of the Ethiopian boarder between Asmara ) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  31. ዓላ ( Prison cells in shipping containers. ቤት ማእሰርቲ አብ ኮንተይነራት ምስ ጨካን አተሓሕዛ
  32. ዓዲ ንፋስ( (in/near Assab): military detention centre.) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ
  33. ባረንቱ General Prison. ዓቢ ማእከላይ ቤት ማእሰርቲ

ብተወሳኺ አስታት 140 ዝኸውን ምስጢራዊ ቤት ማእሰርትታት ጃንዳ ህግደፍ አብዚ ዘይጠቐስናዮ ከም ዘሎ ፍሉጥ ዄይኑ እዚ እውን ክቃላዕ ዘለዎ ጉዳይና ሀገርን ሕዝብን ኢዩ።

ሐ. አብ ቢኦአት ማእሰርትታት ጃንዳ ህግደፍ ብሓለዋ ጸጥታታት ብዘይ ግቡእ አተሓሕዛ

ሕይወቶም ዝሰአኑ ዜጋታት ኤርትራ፤-

 ስም ኃላፍነትቦታ መዝነትዕለት ዓ. ም. ፈ
1.ጀነራል ኦቕበ አብርሃጠቕላላ ስታፍ ኤርትራእምባትካላሐምለ 13 2002
2.ፍስሃየ ዮሐንስ የሽዋደራስን ጋዜጤኛንእምባትካላጥቅምቲ 12 2002
3.ማሕሙድ ሸሪፎምኒስተር ዞባዊ ምምሕዳርእምባትካላሰነ 5 2003
4.ሳልሕ ከኪያሚኒስተር መጐዓዓዝያዒራዒሮሰነ 9 2003
5.አስተር ፍስሓጽዮንኃላፊ ማኅበራዊ ጉዳያት ዓንሰባዒራዒሮሰነ 13 2003
6.ዮፉፍ መሐመድ ዓሊጋዜጠናዒራዒሮሰነ 13 2007
7.ሐመድ ሕመድአብ ሚኒስትሪ ጉዳያን ወጻኢ ኃላፊ ማ/ምብራቕዒራዒሮመስከረም 22 2003
8.ተክለጊዮርጊስ ሓጐስ ቅስሙአማሓዳሪ ንኡስምም. ጸሮናዒራዒሮመጋቢት 16 2004
9.ሳህለ ጸጋዝአብአኽባር ሕጊዒራዒሮጥሪ 1 2005
10ስዒድ ዓብደልቃድርጋዜጠኛዒራዒሮመጋቢት 3. 2005
11.መድኃኔ ኀይለጋዜጠኛዒራዒሮሐምለ 2 2006
12.አባ ኪዳነ ማርያም ፈላሲ አብ ማርያም ዓይላ ዒራዒሮሐምለ 2002

ክቡራት ዜጋታት ብዙኃት ኤርትራውያን ዜጋጣት ብሕብእ ሕቡእ ሕይወቶም ይጠፍእ ምህላዉ ኲሉ ፈሊጡ ብሓድነት ነዚ ጠጠው ንምባል ብሓደ ማዕረ ከም ስኒ አድጊ ዄንና ንሥራሕ።

ለበዋ ንኤውሮጳዊ ማኅበር

እቶም አብ ላዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ኢሰብአዊ ግፍዕታት ዝፈጸሙን ዝፍጽሙ ዘለዉን ገበነኛታት ብምዃኖም ብስም ሕዝቢ ኤርትራ ዝግበር ምትእንጋድ ኮነ ዝኾነ ለቃሕ ምሃብ ንጥቕምሚ ሕዝቢ ኣኤርትራ ዘይኮነስ ንረብሓ ጉጅለ ቀተልትን ገበነኛታትን ምዃኑ ነፍልጥ አሎና።

እዞም ናይ ጃንዳዚ ትእዛዝ ተቐበልትን ተግበርትን አብ ሀገራት ኤውሮጳ ምስ ዝገሹ እዞም አስማቶም እንዝርዝሮም ዘለኦና አብ ድሩት መዝገብ ንክአትዉን ካብ ዝኾነ ምትእንጋድ ክእገዱን ምስ ዝክአል ክእሰሩን አስማቶም እንሆ ንዝርዝሮ።

1ኢሳያስ አፈውርቅ
2ሓጐስ ገብረሕይወት
3መሓመድ ዑመር
4ተክላይ ማንጁስ
5ስብሓት ኤፍረም
6ተኽላይ ኃብተሥላሴ
7ፊሊፖስ ወልደዮውሃንስ
8ኃይለ ሳሙኤል ቻይና
9ገብረእግዚአብሔር ዓንድማርያም (ዉጩ)
10አልአሚን መሐመድ ስዒድ
11የማነ ገብርአብ
12የማነ ገብረመስቀል
13ዓብደላ ጃብር
14ዘምሕረት ዮውሃንስ
15ዮሴፍ ይስሓቕ
16አብርሃ ካሳ
17ሲምኦን ገብረድንግል
18ናይዝጊ ክፍሉ
19ወዲ (ወለላ)
20ዑመር ሐሰን ጠውል
21ኢዮፍ ዮሴፍ
22አብርሃም ዓፋን
23ኢሳቕ አርእያ ዓፉን
24ዓሊ ዓብዱ
25ኃይለ ምሕጹን
26ሚካኤል ዮሓንስ (ዮሐስ)
27መሕመድ ቀሰም ሐምድ
28ጠዓመ መቐለ ታደሰ
29ፍስሀዬገብረሕይወት

ሕዝቢ ኤርትራ ንጸላእቱ ዝኾኑ ህግደፍ መን ምዃኑ ክሐትትን ክርዳኣን መታን ህግደፍ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ብተግባር ክፈልጦም አለዎ። እቲ ደቁ ኢዮም፤ ነጻነት አምጺኦም፤ ኢሎም ዝአምንዎም እዃ እንተኮኑ እውን በይናቶም አይተቃለሱን ፤ወይ እውን ፈጺሞም ዘይተቃለሱ አብ ምትላልን ወጽዓን ሕዝቢ ኤርትራ ዝተዋፈሩ ናይ ተንኮል ማእለማን ጃንዳ ኢያቶም።ስለዚ ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ክንርድኦ ዝግባእ ሓቂ ኢዩ። ህግደፍ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ዘይኾነስ ጸረ እቲ ትሕዝቶ ስሙ ዝሰርሕ ውድብ ኢዩ። ህግደፍ ማለት ህግሓኤ ማለት ኣይኮነን እንታይ ድአንውድብ ህግሓኤን አባላቱን ዝፈናጥሔን ዘሕቀቐን ዝአሰረን ኢዩ።

እምበአር ከስ ህግደፍ እቲ አብ ውሽጢ ህግ ዝተበቆለ እሞ ንህ.ግ.ሓ.ኤ ዘሕቀቀ መን ኢዩ ፤መልሲ ህግደፍ ኢዩ። ብዙኃት ክትርድእዎ ዝግባእ እንተሃልዩ ህ.ግ ማለት ህግደፍ አይኾነን። እዚ ንምዕባሌን ሥልጣኔን ዓጊቱ ጸረ ቅዋም ዝኮነ ጃንዳ ፤ መራሕቲ ህግደፍን ደቂ መዛሙርቶምን ዝኾኑ ቁሩባት ጉጅለ አብ ኤርትራ ዝነብሩ ኢያቶም።

ስለዚ ኤርትራውያን ዜጋታት አስላማዩ ክስታናዩ ገብሩ ሠራሕተኛኡ ብዝተፈላለየ ስልታዊ ስርሒት ብጽሉቕ ጽሉቕ ካብ 1970 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ ሎሚ ዝከይድ ዘሎ መግለጺ ዘይርከቦ ክሕደትን ጥልመትን ዘይኾነስ ንብርሰት ሕዝቢ ዝዓለመ ዕላማን ስርሒትን ንምትግባር ዝነቀለ ጉጅለ ምዃኑ ተነጺሩ ይርኤ አሎ።

እዞም ሕይወት ኤርትራውያን ዝበልዑ ዘለዉ እኽብካብ ገበኛታት ኢያቶም። ስለ ዝኾነ ዕጫ መራሕቲ ጃንዳ ህግደፍን ምሳርሕቶምን መስርሕ ዘተ ወይ መስርሕ ዕርቂ ዘይኾነስ መስርሕ ፍርድን ማእሰርትን ጥራይ ኢዩ።እዚ መስርሕ እዚ አብ ውሽጢ ሀገር ወይ እውን አብ ዓለምለካዊ ቤት ፍርድታት ክኸውን ይኸአል።

ከምቲ ምስላና ዝብሎ ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደን ኢዩሞ ዓለምና ሎሚ አብ ንእሽቶ ዓዲ ተለዊጣትሉ እትርከብ ህሞት ክሕብኡላ ዝኽእሉ ዋላ እውን ቆጥቋጥ ትኹን ከዋሊ አይክርከብን ኢዩ።ስለዚ ነዚ መረዳእታታት ዝኾነ ከአ ኣብዚ እዋና ዝተጋህዱ ብዙኃት አብነታት አለዉ። ከምቲ ቀደም ገበን ፈጺምካ መሕብኢ ከም ዘየሎ ሕጊ ዓለምለካዊ ቤትፍርድታት አግሂድዎ ይርከብ።

ስለዚ ነቶም በዞም ገበነኛታት ንመዋእሎም ዝተሳቐዩን ዝተአስሩን ኤርትራውያን ዜጋታት ክንዝኽሮም ግድነት አሎና። እዞም እሱራት እዚአቶም ከአ ካብ 1973 ጀሚሮም ኮነ ቅድሜኡ ክሳብ ሎሚ አብ ዝነበሩ ይንበሩ ብጥርኑፍ ናይ ምዝካር ምኽንያት ዝኾነትና ዕለት ብሓባርን ብሓድነትን ክንዝዝኽሮምን ንወጽዓታቶም ክንመምን ኣብዚ ንክብሮም ተአኺብና ንርከብ።ደቕና ስለ ዝኾኑ።ስለዚ ከአ ኢና እሱራት ኤርትራ ፍትሒ ንክረክቡ ድማ እዛ ዕለት 18.09.2001 ዓ.ም.ፈ/ ደው ኢልና ድምጽና ንምስማዕ መሪጽና።

እቲ ሓቂ ብሀንደፍደፍ ዘይኮነስ ብምስትብዓልን ምስትውዓልን ክምዘን ዘለዎ ሓቂ አሎ። ብርግጽ ተቓለስቲ ንኡስ ዕድሜታቶም ሕይወታቶም ከፊሎም ንሕዝቦም ነጻን ሓራ ክገብሩ ከም ዝጸዓሩ ምስክር ዘይድልዮ ንጹር ሓቂ ኢዩ እንተኾነ ግን መን ኢዩ ንሕዝቢ ኢሉ ዝተዋግኤ እቲ ዝጠለመ ድዩ ወይ እቲ ዝተሰውኤ. እቲ ዝጠለአምከ ምጥላም መአስ ጀሚርዎ። መንከ ተደጋጊፍዎ ዝብሉን ካልእ ብዙኅ ሕቶታትን ክስዕቡ ናይ ግድን ይኸውን።

ስለዚ ሕዝቢ ኤርትራ ነቲ ብናይ ዘይፈልጦ ማእለማን ተንኰል ተጻዊድሉ ዘሎ ክፈትሕ ዝክእል ሜላን ስትራተጅን ከውጽእ ይግደድ። እዚ ከአ ብሐደን ሓባርን ብመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘቁሞ ሕብረተሰባዊ ኃላፍነት ክሽከም ዝኽእል ናይ ሓባር ቅልጽም ምፍጣር ግድነት ዄይኑ ይርከብ።

ነቲ አብ አርእስትና ኢልናዮ ዝሎና ንምድጋሙ፤- እሱራት ኤርትራ ፍትሒ ንክረክቡ ድማ እዛ ዕለት 18.09.2001 ዓ.ም.ፈ. ደው ኢልና ድምጽና ነስምዕ ።ንናይ ሓባር ዕዮ ከአ ብሥኒትን ብሓድነትን ምስ እንዓዮ ንማእሰርታዊ አርዑት ጃንዳ ህግደፍ ንምዕናው ወርሒ መስከረም መቀያይሮ ናይ ኲሉ ምዃና ንምርግጋጽ ብሓዲሽ አተሓሳስባን አረአእያን ብሓባር ንዕላማና ክንበጽሕ ብዛዕባ ወርሒ መስከረም ክንዛረብ ከሎና ብዛዕባ ባሕቲ መስከረም 2002 ብግዕዝ ባህሊ ኤርትራ ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ንትርኽ። ስለዚ መስከረም ፍሉይ አገዳሲ ታሪካዊ ምዕራፍ ዘለዋ ስለ ዝኾነት ብዓቢ ሀገራዊ ዕማም ነቲ ሸቶ ንምብጻሕ ብኢደይ ኢድካ ሓባራዊ ምድግጋፍ ንሥራሕ እናበልና ቃልና ንድምድም።

ፍትሒ ንእሱራት ኤርትራ

ሀገር ናይ ብዙኃት ብዙኃት ንሀገር

ኤርትራዊ ማኅበር ተጣባቒ ሰብአዊ መሰል ሽቱትጋርት ባደን ቩርተምበርግ ጀርመን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...