ፈለማ ብኣጋጣሚ ዒድ ኣልፈጥር ንኣምንቲ ምስልምና እንቋዕ ጾመ ልጓሙ ፈቲሑ ኣብ ምብዓል ሮሞዳን ኣብጽሓኵም ክብሎም ደስ ይብለኒ፡፡ በዓልኩም በዓልና፡ በዓልና ድማ በዓልኩም ስለዝኾነ ክንደይ እኳ ደስ ይብለና፡፡ ኣብ ዓድና ዒድ ክበዓል እንከሎ፡ ብፍላይ ናይ ግዜ ቍልዕነትይ ብዙሕ ዝኽርታት ኢዩ ዝቕጀለኒ፡፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ገዛውትና ዝነበረ መስጊድ ክእዘን ከሎ….ኣብ ግዜ ዒድ ፍሉይ ቅነተ-ድምጺ ስለዝነበሮ ክሳብ ሎሚ ኢዩ ኣብ እእዛነይ ዘቓልሕ፡፡ "ኣላህ ዎ ኣክበር…" …እወ ልዑል ኣምላኽ ዝተመስገነ ይኹን፡፡

ሃገርና ኤርትራ ብቀቢላታትን ሃይማኖትን ክመናንህዋ ካብ ዝፈትኑ ዝተፈላልዪ ወራራትን ውዲታትን መኪታ ወጺኣ ኢያ፡፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ 40 ታት ይዅን 50 ታት ዝነበረ ርሱን ወቕትን ኢድ-ኣታውነት ናይ ንጉስ ሃይለ-ስላሴ፡ ኣቦታትና ብትብዓትን ልቦናን እንተዘይምክትዎ ምናልባት እዛ እንሕበነላ ሃገር ኣምበይምሃለውትን፡፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ጀጋኑ ኣቦታትና ነቲ ብማሕበር "ኣንድነት" ዝእለም ዝነበረ ቀጻሊ ሽርሕታት ንምምካት፡ ክንየው ሃይማኖታውን ባህላውን ሕጋጋት ሰጊሮም ነታ ፈኸም ትብል ዝነበረት ናጽነት ክዕቕቡ መሪር ቃልሲ ኣሕሊፎም ኢዮም፡፡ ንኣብነት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ፍጹም ለሚሳ ናብ ማሕበር ሕብረት ኣብዝኣተወትሉ ወቕቲ፡ ክቡር ኣቦና ነፍሲሄር ወልደኣብ ወልደማሪያም ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህው ከምዚ ኢሎም ገሊጾሞ ነይሮም፡፡

….ቅድም ኣብ እንዳ ሳልሕ ኬኪያ ተኣኪብና ትዝርብ ውዒልና ተሰማሚዕና፡፡ ብዘይ ዝኾነ ይዅን ናይ ቀቢላነት፡ ኣውራጃነት መንፈስ ንኤርትራ ንኤርትራውያን ክንዓዩ ንመሓሓል ተባሃሂልና፡፡ ኬኪያ ዝሓረዳ ደርሆ ተመሲሕና፡፡ ኣብ ቍርኣን ከኣ ጠቒዕና፡፡ ብድሕሪኡ እንዳ ደጃት ኣብርሃ ማይ ዕዳጋ ከድና፡፡ ብደጃት ኣብርሃ ዝተሓርደት ደርሆ በሊዕና፡ ኣብ ወንጌል ጠቒዕና ደሓር ሽማግለታት ሊኢኽና፡ ኣብ ኩለን ኣውራጃታት ከይዶም ነቶም ምስሌነታት “ ኤርትራ ንኤርትራዊያን” ኢሎም ዘፈርሙ ልኢኽና፡፡ ኣውራ ብምዕራባዊ መታሕት ጀሚርና፡ ደሓር ምብራቓዊ መታሕት ምጽዋዕ ማለት’ዩ ፡ ናብ ኣከለ ጕዛይ፡ ኣብ ሰራየ’ውን…..ብዙሕ ፌርማታት ኣኪብና፡፡ ( ካብ ኣይንፈላለ ገጽ 128 ዝተወስደ)፡፡

ኣብ ኣርባዓታት፡ ብረዚን ልቦንኦም ንሓድነትን ንፍቕሪን ክብሉ ክንየው ሕጋጋት እምነትን ባህልን ዝኸዱ ኣቦታት ካብ ነበሩና፡ ሕጂ ግና ከም ሸንቲ ግመል ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ጓል መንገዲ ከነድህብን፡ ነቲ እንኮ ጸላኢ ሕዝቢ ኤርትራን ናጽነታን ዝኾነ ጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ዲል ዝህብ ነቐዓት ከነግፍሕ ህርድግ ምባል ብሓቒ ሃይነታ ኣለዎ፡፡ ርግጽ ኢዩ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ክህሉ ግድን ኢዩ፡፡ ሃናጺ ርእይቶን ነቐፌታን እንተዓንበበ እውን ንኣተሓሳስባ የህብትሞ እምበር ኣይድክዮን ኢዩ፡፡ እንታይ ደኣ ነቔፌታን ርእይቶን ክንየው ልክዑ ሓሊፉ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓዊ ከሳውርን፡ ነቲ ዓሌትን ሃይማትን ቀቢላን ከይፈላለየ ብሓደ ዝዅስትር ዘሎ ሓርገጽ ስርዓት መመሊሱ ዝቕልብን ዘሰውድን እንተኾይኑ ግና ዘይሩዘይሩ ንጕድኣትን ብርሰት ህዝብን ዘገልግል ስለዝኸውን ክሕሰበሉ ዘለዎ ጕዳይ’ዩ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ብዘይካ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካልእ ጸላኢ ከምዘይብሉ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ ብዘይካ ስልጣኑን ዘይዓግብ ሱሱዕ ሸውሃቱን፡ ዝዓጦ ነገር ከምዘየሎ ከምም "ቡዳ" ንፈተውቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ከየተረፈ ከይሓነኸ ዝወሓጠ ስርዓት ኢዩ፡፡ ወዮ ደኣ……..ኣዒንቲ ገለ ኣሕዋትና እናጠመተ ዒሩ፡ ኣዒንቶም እውን እናሰምዔ ጽሚሙ ግዲ ኮይኑ እምበር፡ ካልእሲ ይትረፍ መንነት እዞም ብ"ጂ15" ዝፈለጡ ኣብ ቦታ መሪሕነት ዝነበሩ ሓርበኛታት እንተፈቲሽና ካብ ኵሉ ዓሌትን ኣውራጃን ሃማኖትን ዝውክሉ ስለዝኾኑ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ወኪል ሓደ ዓሌት ወይ ኣውራጃ ወይ ሃይሞኖት ገይርካ ክትውስኖ ምፍታን፡ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ በደሉ ምምኽናይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ሕስሙ ምጕዳል ኢዩ ዘስምዕ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ገና ብሓውን ኣበሳን ህ.ግ.ደ.ፍ ዝልሎ ዘሎ ህዝብና፡ እቲ ኣብ መንጕኡ ዘሎ ፍቕርን ስኒትን ምክብባርን ብናይ ግዳም መናፍሕን ቀይዲ በተኽ ህላን ከምዘይጽሎ ዓቢ እምነት ኣሎኒ፡፡ እቲ ከመይ እታ ሃገር ፋሕ ኢላ እንከላ ስምረቱን ሓድነቱን ዓቕቡ ካብዘኽይዶ ዘሎ ሓደ ምስጢር፡ እቲ ምዙን ባህሉን ያቱኡን ኢዩ፡፡ እምበር ከምቲ ዝወረዶን ዝወርዶን ዘሎን መግደራን ኣብ ካልእ ሃገር እንተዝኸውን፡ ቅድም ሕድሕዱ ተባዕሊዑ ምስ ተኾሳተረ ነይሩ፡፡

ኣብ መንጎ ህዝብና ዘሎ ፍቕርን ሕድሕድ ምክብባርን ከተለሊ ነዊሕ ፖለቲካዊ ትንተና ምጽሓፍ ዘድሊ ኣይመስለንን፡፡ ነፍሲ ወከፍና ዝዓበናሉ ከባቢ እንተደኣዳህሲስናን ፈቲሽናን፡ ነታ ፍቕሪ ነዊሕ ከይከድና ክንረኽባ ንኽእል ኢና፡፡ ቅኑዕ ልቦናን ጽጹይ ሕልናን ምህላው ጥራይ ኢዩ ዘድሊ፡፡

ማርያም ዛህራ መን እየን፧ ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ግር ኣቢሉ ይኸውን፡፡ እቲ ከመይ ማርያምን ዛህራን እንታይ ኣራኸብን እውን ዝብሉ ኣይሰኣኑን፡፡ ገዛባንዳ ጥልያንን ከባቢኡን ዝፈልጥ ግና ንማሪያም ዛህራ ዘይፈልጥ ሰብ የሎን፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ግዜ ደርግ ማይ ተሳኢኑ ሰብ ብጎረሩኡ ምስ ተለኮተ ፡ ኣደይ ዛህራ ነታ ኣብ ገዝኤን ንሕማቕ እዋን ትኸውን ኢለን ዘፍሓርኣ ዒላ፡ ማዕጹአን ኣርሕየን ዝመጸ ሰብ ክሰትየላ ኣፍቒደናሉ እየን፡፡ ብሳንኬሎ ማይ ሸይጠ ክህብትም ይኽእል ኢየ እውን ኣይበላን፡፡ እንታይ ደኣ ነቲ ረቢ ዝሃበን ህያብ ማይ ብነጻ ይዕድልኦ ፡፡ ንሱ ጥራይ ከይከውን እውን ኣብ ገዝኤን ዘጽለለ ሰብ፡ ከብዱ ከይዓንገለ ኣይወጽን ኢዩ፡፡በዚ ኢዩ ድማ እቲ ማይ ንጎረሩኡ ረኺቡ ዝጠለለን ዝረወየን እናመረቐ፡ "ማርያም ዛህራ" ዝብል ስም ዘጥበቐለን፡፡ እዚ ከም ኣብነት ንምጥቃስ እምበር ኣብ መንጎ ኣመንቲ እዚ ክልተ ሃይማኖታት ዘሎ ፍቕርን ስምረትን ክንየው እዚ ዝዓሞቐ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን፡፡ ኣብነት ናይዚ ጽቡቕ ሕድሕዳዊ ምክብባር ስዒቦም ካልኦት እውን ንፍቕሪ እዚ ክልተ እምነተት ዘራጕድ ተግባራት ክፍጽሙ እትስፎ፡፡ ኣብ ኣሉታ ጥራይ እናኣተኮረና ዝኸሰርናዮ ነዊሕ ዓመታት፡ ናይ ስቓይ ሞትን ሕሰምን ግዜ ምእንቲ ከብቕዕ፡ ናብ ኣወንታ ነድህብ፡፡ ካብ ባእሲ ቈየቛን ሕሜትን እንዓጽዶ ነገር እንተሃልዩ፡ ሕሰምን መግደራን ጥራይ ኢዩ፡፡ ደጊመ ዒድ መብሩክ ክብል እፈቱ፡፡

ኪሮስ ዮውሃንስ
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...