ሃገራዊ በዓላትና ብመንጽር  ኣካይዳና

ኣብ ሃገርና ዝኻየዱ ህዝባዊ መንግስታዊን በዓላትና  ኣብ ነፍሲወከፍ እዋንን ግዜን  ብ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ባዓላት ፥ ባህላዊ ጉዳያት፡  ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ  ተማእኺሉ ዝቕርብ መደብ ወይ ባዓል እዮ። እዚ ብኹሉ መዳያት ክትርእዮን ክትጥምቶን እንከሎኻ ዝበዝሐ ክፋላቱ ኣረ ኩሉ ሽነኻቱ  ንሳዕሳዒትን ዳንኬራን ኣጣሚሩ ዝኸይድ ጥራሕ ዘይኮነ፡  መላእ ሕብረስተሰብ ኣድህብኡ ኣዛዚዮ ዝኸደሉ  ስፊሕ ዕድልን ባይታን ዝተፈጥረሉ  ቀንዲ ምኽኒያት  ውዲት፡ ተንኮልን ቅጥፍናን ናይቲ ስርዓት ንኸይቓላዓልን ግልባብ ጌርካ ነቲ ህዝቢ ምዝናይ ከም ዓቢ ውራይ ዝሽባሽበቡ ትርኢት ናይቲ ወይ ተዋስኦ  ስርዓት እዮ።

  ኣብነት ካብቲ ብዙሕ ኣምጺእና ምስ እንዛረብ ኣብ  ነፍሲወከፍ  ወርሒ ሓምለ ዝካየድ ፊስቲቫል ኤርትራ  ኤክስፖ ከም ሓደ ዛዕባ   ወይ እዉን ኣብነት እንተኣምጺእና ፥ ኤክስፖ ከምቲ እቲ ስርዓት ኣብ ማዕኸናት  ዜናኡ ዝምድረሉን  ዝገልጾን ኪንዮ ፈንጠዝያን ዳንኬራን ንሕሉፍ ግዜ  እዋናውነት ህልዎ ኩነታትን ፥ሽግራት ምዝንባላትን ህዝቢ ፡ ብዓቢኡ ዝሓለፈ  መድረኽ ከመይ ሓሊፎ ወይ ሰጊርናዮ? እንታይ ዓሚምና? እንታይ’ከ ኸሲብና? እንታይ ብደሆታትን መልእኽትታትን  እንታይ መኽሰብት ከኣ ኣረጋጊጽና? ብመንጽሩ ከ  ካብ ዝበዓሉ ዝጸንሑን ዝመጽኡን ባዓላትና  እንታይ ረቢሕና ኣሎና? እናበልካ ንሕሉፍ  ጉዕዞ ምግምጋም ንመጻኢ ምሕላምን እዚ ኣብቲ ስርዓት ኪንዮ ዘረባ ኣብ ባይታ ኣይርኣን’ዮ። ክንዲ ዝኾነ  ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሃገርና ዝኻየድ ዘሎ ፊስቲቫል  ኤክስፖ  ፥ ባዓላትና ኪንዮ በዓል ኣብ እንሰጋገረሉ ዘሎና፥  ኣብ ሃገርና  ዝሓለፈ ጉዖዞ ቃልሲ  ተመሊስና ብምውካስ  መጻኢና እንታይ እዮ ዝመሰል? እንታይ መልእኽቲ ኢና’ኸ እነመሓላልፈሎ? መጻኢ እንታይ ከምስል እዮ ከ ዘለዎ? ብውድዕውነት ክጥመት ኣገዳሲ እኳ እንተነበረ እዚ  ዝበሃል ግና ዘይተባህለ ንግዜኡ ገዲፍና ግና  ናብ ሕጂ ኣልዒልናዮ ናብ ዘሎና ኣርእስቲ ከነብስል።

  ኤስክፖ ኣብ ቀጽራ ሓቂፋቶ ዘላ ብርዕን ቁጽሊ ወረቐት ክገልጾ ዘይክእል ከቢድ ረዚንን፡ ስነድ ታሪኽ ዝተነጽፎ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሳላ ዘይግቡዝ  ጅግንነትን ታሪኽን ፥ ንረብሓ ሃገር ዘቐድሙ ተወፋይነትን ህርኩነትን፡ ቀዳማይ መንጸፍ ፍትሒ ናይቶም ንወጽዓ ህዝቢ  ዝተበጀዎን  ዝተሳቐዮን  ኣቦታት ኣዴታት መንእስያት  ዝተቐበረሉ ቦታ ታሪኽ፥ ቦታ ጅግነነት፡ ቦታ ፍትሕን፡ ቦታ ሰነድ ታሪኽን እዩ።   ሳላ እዚ  ዝተገልጸ  ድምር ወርቓዊ ደምን ስቕያትን ከኣ  ነጸነት ክንጎናጽፍ ኣኺሉና እዮ። እዚ እናኾነ ግና ዝምልከቶ ኣካል ነዚ ኤክስፖ ኣብ ቀጽራ ሓቒፋቶ ንዘላ ስነድ ታሪኽ ፡ስነደ ጅግነነት ደቂ ናጽነት ፡  ሓርነት ሓንቲ መዓልቲ እኳ ይኹን ስርዓት ህግደፍ ነዚ ኣውኪኢሉ  ይፈልጥ ጥራይ ዘይኮነ ህላውነት ናይ’ዚ ክብሪ ዝሰረቱ ሓወልቲ እዉን ሓሲብዎ ኣይፈለጥን ። ከም ውጽኢት ከኣ ዓመት መጸ ወርሒ ሓምለ ብሳዕሳዒትን ዳንኬራን ክለሃይን ንታሪኽ ናይቲ ቦታ ክጥምዝዝን ትዕዘቦ?  

ዓመት መጸ ፌስቲቫል ኣብ ዝኻየደሉ  እዋን  ከም ጋዜጠኛ  ነቲ ዝኻየድ መደብ  ጸብጻባት ንኸኻይድ  ተሳቲፈዮ ኣለኹ።  ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ ከኣ ኣብዚ ዝኻየዱ  መደባት  ሓንቲ እዃ  ነዚ  ደምበ ሓርነትን ናጽነት ዝኾነ ቦታ፡ ጀጋኑ ዕድል ተዋሂብዎ ኣውኺሉ ኣይፈልጥን።  ኣብ 2012 እዮ   መስርሕ  ቃለ መሕተት ኣብ ዝኻይደሉ ዝነበርኹ እዋን ካብቲ ብዙሕ ኣብ ዋዕዋዕታን ዳንኬራን ዝነበረ ህዝቢ ክልተ  ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ኣቦ  ኣብ ሓደ ሽነኽ ናይ ሓደ ጽላል ኮፍ ኢሎም   ኣብ በበይኑ ሓሳባት ተሽሚሞም እንከለዎ ጎፍ ኢለዮም  ሰላምታ ተለዋዊጥና ። ምስ ዝኻየድ ዝነበረ  ህሞት ናይቲ ስዓት ከዕልሎም ኢለ መቕዲሒት ቲቪይ ማይክሮፎይን ምስ ቀራረብኹ ግና   ፈቓደኛ ከምዝይኾኑ ሓቢሮምኒ  ሞያይ ዘፍቕዶ ከእምኖም ጽዒረ። ኣቕቢጾምኒ ፡ < እዛ ጓለይ እዚ ቦታ ረዚን ታሪኽ ዘለዎ ቦታ እዮ፥ ንስኽላ ድኣ ኢና  ድሒንና እምበር ብጾትና ኣብዚ ቀጽሪ ኣለዎ፥ ሕጂ ድማ ነዚ ኽንዕዘብ ዘይኮንኹንና  ነዖኦም  ከነዕልል  ኢና መጺእና ፡ በሉኒ። ኣስዒቦም ነቲ  ብየማነ ጸጋም ናይቲ ቀጽሪ ዝኻየድ ዝነበረ ዳንኬራን ሳዕሳዒትን ክሳዶም ጠውዮም እናተዓዘቦ እዚ እናኾነ ግና   ኣብ የማናይ ሽነኽ ኢዶም ንዝነበረት በትሪ ጌሮም እናመልከቱ እዚ ትዕዘብዮ ዘሎኺ ፥ < ደም ኣዕጽምቲ ኣቦታትኽን ኣዴታኽን ዝተቐበሮን ዝፈሰሶን እዮ። ክትዛረቦ እንተደሊኹም ነዚ ተዛረብሉ። ንየሕሎቕትኺ ተዛረብዮም።  እስኸ  ዝሪ ነዚ ዝገልጽ  ወይ ከኣ ቦታ ተዋሂብዎ ነዚ ዛንታ ዘዘንቱ ኣሎ’ዮ?   መዓስን ኣበይን ናይዚ ቦታ እዞም ሕጂ ንርእዮም ዘሎና ዕሽላት ይፈልጥዎ እዮም በሉኒ።ዳሓር ግና  ኣነ እዉን ኣብ ዝበልዎ ርዒመ፡   ኣብ ሓሳቦም ጸኒዐ። 

 ብርግጽ  ዓይንና ዝርእዮ፡ እዝንና ዝስምዖ ግዳያት ን ኣደዳ ባህሪ ላምፓዶዛ ናይ ዝኾነ  ኣሕዋትና ኣሓትና  ኣጋጢሙ ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ህዝቢ በዚ ፈጻሜ ዘይተተንከፈት ስድራ ኤርትራ ኣይነበረትን። ብሰጋ ደመን ዝተኣሳሰረ እንተዘይኾነ  ካብ ሓደ ዕትብቲ ዝወጻእካን ከም ምኳኑ መጠን ኣመና ዝስምዓኻ ከቢድ ስምዒት ኣብ ቦታኡ እዮ።  ህግደፍ ግና  ነቶም  ብዘይ ፍትሓውነትን  ግዳይ  ዓመጽ ዝተዳሃኹ  ኣሕዋት ናይ  ሓዘን መግለጺ እዉን ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ኣይመጠወሎን። እኳ ድኣ ስድተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብብምባል እዮ ዝስደመም  ሓበሬታ ኣውጊዕዎ።

እዚ ከይኣኽል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዓዲ  ጥልያን  ቦሎኛ እዉን እንተኾነ  ግዳያት ባሕሪ ላምፓዶዛ ንቡር ስርዓተ ቀብሪ ዘይተገብረሎም  ግዳያት ጸጉሪ ርእሶም ተማሕዮ ከይበርቐወ ፡ ኣዒንቲ ኣስካሬያን ከይፈሰሰ፡ ኣይ ዓመት ኣይዕለት ንብዓት ወለዲ ኣሕዋት ምፈሳስ ከየቋረጸ  ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን  እናተደራረበ ወደይ ተበልኻ ጓለይ ክሳብ  መዓንጣ ዘይቆረጸ ህጻውንቲ፡ ንቡር ዘይረኸበት ሓራስ ፡ ዕትብቲ ዘይተቖርጾ ዕሽል ግዳይ ባሕሪ ኮይኖም እዚ ከይኣክል መሬትን ሓመድ ደበ ዓዶም እዉን  ዝሓረሞምን ኣብደን ዝበለ ስርዓት ፡ እዚ ከይኣክል ኣብ ጋህሶም እንከለዎ እዚ ንወጽዓ ህዝብን አይግደሶ ስርዓት  ዳንኬራን ሳዕስዒትን ተታሓሒዝዎ።እዚ ምስ ምንታይ ክቕጸር ይከኣል? እቲ ዝሕዝን ላምሲ ፈሪቂ ጎና ዶ ትስብሕ እዮ ነገሩ።፡  ብ ልሳን ናይቲ ስርዓት ዝተደናገሩ ውሑዳት ኣብ ልዕሊ  ደቖም ኣሕዋቶም ክዘሉ ተዓዚብና፡ እሞ ከ ድኣ  እዚ ኩነት እዚ ኣብ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝቕየር ኣይመስልን። ዞባና ሎሚ ኣዉን ዝያዳ ካልእ እዋን ኣብ ኣዝዮ ተሃዋሲ ጽንኩርን ፈታንን መድረኽ እዮ ዝርከብ። ኣዋያት መንእስያትና  ጌና ኣብ እዝንና ምቕላሕ ኣየቖረጸን፡ እዚ እናኾነ  ባዓላትና ኪንዮ ካልእ ረብሓዊ ባእታ ን ዳንኬራን ዋዕዋዕታን ጥራይ ምህዋሱ፡ መዝሙር ስኒትናን ውሑሉልን  ኣካይዳና ይብርዞ ኣሎ።ታሪኽ ምስሊ እዮ፥ ምስሊ ናይቲ ክትገልጾን ክትድህስሶን ዘይክኣል ሓይሊ ሒዙ ከኣ ‘ዮ ነቲ ትማል ኣብ ሎምን  ዝጓዓዝ ጽባሕ ከኣ  ምስሊ ሓቂ ኮይኑ ክምስኽር’ዮ።

 ብፍላይ  ኣብዚ  ዘለናዮ ዘይዓግብ ሽውሃት ግብትና፡ ጠገለ ዘይብሉ ዝምታን ብልሽውናን ርግጸት ሕጊ፡ ስእነት ማሕበራዊ ፍትሕን ግዕዙይ ምሕደራን  ዓሚቕ ቑጠባዊ ፖለቲካዊን ቅልውላዋላት እናፈጠረ  ሕብረተሰብ  ኣብቲ ክጭብጦ ዝሕልን ራእይ፡ ወይ ዕላማ ንከይበጻሕ ዝሕልን ስርዓት ግዜ ምሃብ ምስ ግህሰት ብ መሰልካ እዮ።

 ኣብ መዛዘሚ ጽሑፍና ብዕውት መኣዝን ክንምርሽ ልዑል ሃገራዊ ስኒትን ርግኣትን እምበር ክዕቀብን ክሕይልን ኣለዎ። ንምሕያሉ ክኣ ነንሕድሕድና እሂን ምሂን እናበልና ብቐጻሊ ድኻማትና ኣናፈወስና ክንኸይድ  የድሊ። ውፉ ይ ስታፌ ህዝቢ ኣውራ ድማ ጉሉሕ ተራ  ህዝብን መንእስያት ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት እቲ ቀንዲ ምስጢር ናይ ዓወትና እዩ። ስለዚ ሃገራዉነት ሃገራዊ  ዕላማን ተዓቒቡ ክቕጽል ተራ ህዝቢ  ተራ  መንእስያት ኣብ ኩሉ መዳያት ክዓዝዝ ውዳበን ንቅሓትን ብስፊሕ ክኻየድ እንከሎ ከኣ’ዮ ውድቐት ናይቲ ግንባር ክነጸባርቕን ክርኽምሾን ዝረጋገጽ፡ ዓመት መጸ ባዓል መጸ ዳንኬራን ሳዕሳዒትን ግና መለስኡ ዘይፍለጥ ንጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ እዮ’።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...