ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ክልተ ኣዋርሕ የሕሊፈ ኔረ። ናይ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳቲፈ: ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ገለ ኤርትራውያን ተመሃሮ ተራኺበ ብጉዳይ ሃገር ተዘራሪበ: ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን በጺሔ'ውን ዝሓስብክዎ መደባት ተግቢረ።

ዓርቢ ዕለት ዕስራን ሽዱሽተን ሚያዝያ ን ጀርመን ዝምለስሉ እዋን ክልተ መዓልታት ጥራሕ ተሪፉኒ ስለ ዝነበረ ንገለ መቅርበይ ክፋኖ ምሸት ሰዓት ትሽዓተን ፈረቃን ኣቢሉ ይኸውን ካብ ገዛ ናብ "ሃያ ሁለት" ዝተባህለ ከባቢ ንምብጻሕ ብእግረይ ይጎዓዝ ኔረ።ኣብ ከባቢ ቅዱስ ገብርኤል ሆስፒታል ምስ በጻሕኩ ፍሉይ ምንቅስቃስ ተዓዘብኩ። ብድሕረይ ሓደ ቀስ እንተበልኩ ቀስ ዝብል እንተቀልጤፍኩ ዝቅልጥፍ ሰብ ብድሕረይ ከምዝነበረ ኣስተውዓልኩ። ብድሕር'ዚ ሃንደበት ብሓይሊ ክሳደይ ክሕነቅ ይዝከረኒ።

ኣዝዩ ተሪር ቅልጽም ዝነበሮ ሰብ ስለዝነበረ ክፍንጽጎ ይኹን ክቃለሶ ፍጹም ኣይከኣልኩን። ቅድሚ ሃለዋት ምጥፈአይ ከኣ "ከዳዕ" እትብል ቃል ካብቲ ሓናቅየይ ሰማዕኩ። ብድሕርዚ እንታይን ከመይን ከምዝነበረ ኣይዝከረንን። ንግሆ ሓለፍቲ መንገዲ ሰባት ካብ ዝወቅክዎ ከተስኡኒ እንከለዉ ኣብቲ ዝተሓነቅኩሉ ከባቢ ኣይጸናሕኩን። ኣብ ርሑቅ ቦታ ኣብ ከባቢ እንዳጉሓፍ እየ ተደርብየ ተረኺበ። ኣብ ኣፍልበይ ዝገደፉለይ ወረቀት ከኣ "ከዳዕ መዋቲ" ይንበብ። እዚ ሕሱር ሰይጣናዊ ፈተነ ናይ ሰነፋት ጥራሕ ስለ ዝነበረ ሕጂውን ዝጃጁ ኣይኮንኩን!! ቃልሰይ ቀጻሊ እዩ!!

 

ኣለኹ!

ዝድሃል ከይመስለኩም ዝጃጁ
ብፍርሂ ከይመስለኩም ኣፍይ ዝዓጹ
ንዕላማይ ኣይፈልጥን'የ ሰንቢደ
ክምክት'የ ገና ኣብ ስምረት ዓሪደ
ማሕነቅትኹም ኣብ ክሳድ ተራፊ
ድምጸይ ንህዝብይ: ሓላፊ ተራፊ
ኣለኹ ኣይምዕትኩን ክቅጽል እየ ስርሔይ
ክሳብ ዝዛዝሞ ስፈ ናይ ዕላማይ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...