ሓጺር መግልጺ ዳግማይ ኣደቡሓ፡

ኣቐዲመ ነቲ ዝተገብረና ክብርን ልግስን፡ ብህዝቢን ብመንግስትን ኢትዮጵያ ከመስግን ይፈቱ፡ ዝተገብረ ኣገባብ ጭዉነትን፡ ስነ ስርዓትን፡ ምቅሉልነትን፡ ትሕትናን፡ፍቅርን፡ ፍሽኽታን፡ ንኸተመስገን ቃላታት ዘይርከቦ ሕውነት ዝመልኦ ብምንባሩን መሰታ ዘይብሉ ከበሬታ ንኣንበብቲ ክገልጽ ይፈቱ፡ ናይ ሕዝቢ ሃዋሳ ጉባኤ ተፈጺሙ ክንወጽእ ከሎና፡ ብጣቓዒትን ዕልልታን ኣፈነዉና፡  ኣመስጊነ ንኣመስገንቲ ከመሓላልፍ  ታሪኻዊ ስል ዝኾነ።

ባይቶ ኣብ ሃዋሳ ኣቑምና ክንመጺእ ከለና ምእንቲ ሓዲነት፡ ሞራል ከየውድቕ ህዝብና፡ ከሚኡ ድማ ኣብ ጉዕዞ እናተኣረመ ክኽይድ ይኽእል ይኸውን፡ ብማለት ኢና “ጨጛሩ ንውሽጢ” ጌርና ዝመጻእና፡ እንተኾነ ካብ ዝፈራሕናዮ ኣይወጻእናን፡ ኣዳላውቲ ጉባኤ ናይ ህዝብና ሚዛን ዘይሓለወን ብዞና ኮነ፡ ብሃይማኖት፡ ዘይድለየካ ሕቶታት ዘልዕለልካን፡ ኣብ ዘየድሊ ጥርጠራታት ዘእቱ እዩ ነይሩ።

ኣባላት ኪዳን ናይ ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ይቃልሱ ድዮም ዘልዉስ መነባብሮኦም ምጥጣሕ እዩ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኮንካ? ሕጂ ድማ ኣን ክንዲ መግዛእቲ ህግደፍ ንገደል ዘጽድፉ ከድሕንዎ ዝመጣጠሩ ዘለዉ ይመስሉ።

ጉባኤ ሃዋሳ ብሹድሽተ ኣባላት ኪዳን ዝተወነነ ነበረ፡ ኣስማቶም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ። እዞም ሽዱስተ ዉድባት ኪዳን ንሓደ ወርሒ ክነዋሕ ዝገበሩ ክኾኑ ከለዉ፡ ንድፊ ጉባኤን፡ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶን 127 ክኸውን፡ ፈጻሚ ሽማግለ 21 ክኾኑ፡።4 ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ኽህልዋ
ከም ዘለዋ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝወዲእዎ፡ ቅዲሚ ሓደ ሰሙን ምስ ካብ ወጻኢ ኪዳን፡ ውዕል ንኽገብራ ሓቲተን ከምዝነበራ ብጭብጢ ዝረጋገጽ እዩ። ኣቐዲሞን ንጉባኤ ዝኸዱ ሰሚዖሞ ምንባሮም ዝዝከርዩ።

ኣብ ሃዋሳ ዝተረኽበ ጉባኤኛ ቁጽሩ 594 ነበረ፡ ብሃይማኖት ኣስማት  እስልምና 70% ክኸውን እንከሎ፡ ኣስማት ክርስትና ድም 30% እዩ፡ ብስም ህዝቢ ዝመጸ ድማ ካብ 30% ንታሕቲ እዩ ክባሃል ዝካኣል፡ ህዝቢ ማለት ዉድብ ዜይብሉ ማለትዩ። ዉድባት ዝወከሉን፡ ብስም ህዝቢ ተባሂሎም ዝመጸን ዉድብ ዘለዎም ድማ 70% እዩ፡ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ኣይረሓቅኩን።

ሓፈሻዊ መግለጺ ጉባኤኛ ብብዝሒ ኣባላት ዉዲባት እዮም ክትብል ግን ሓቂ እዩ፡ ብስም ህዝቢ ዝመጻእና ኢሎም ድማ ክምድሩን፡ ክዘርጉን፡ ክምጉቱን ተራእዩም።

ኣንባቢ ዝርዝሩ ተዓዘብ፡

1.     ኾምሽን ኣብ ኣዋሳ ጉባኤኛ ምስ ተኣከበ እንኻዕ ብሰላም ኣብ ኣብዚ ኣብ ቅዓና ድሕሪ ምባል ጉባኤ ተኸፍተ፡ እዚ ተኣኪቡ ዘሎ መልክዕን፡ ሚዛንን ህዝቢ ኣኤርትራ፡ ዝመስልን ዝውክልን እዩ ኢላ ገለጸት።

2.     ብግቡእ ድማ፡ ናይ ሓድ ዓመትን ፈርቃን ጸብጻብ ኣየቕረበትን ቀጺላ ባዕላ ንዝፈጠረቶ ሕማም ናይ ኣቶ ዳናኤል ተወልደን፡ ኣቕሪባ ናብ ዕንክሊል ከትእቱ ጸዓረት።

3.     ኮሚሺን ኣጀንዳ ኣብዘይ ሓላፍነታ ኣቕረበት፡ ተቃውሞ ንኮምሽን እኻ እንተነበር ብዕብጥብጥ ኣሕልፈቶ።

4.     ሰክረታርያ ንኽትቀውም ድሕሪ ምክታዕ ቁጽራ 27 (ዕስራን ሸዊዓተን) ተወሰነ።

5.     ሰክረታርያ ምስ ተመርጸት መልክዕን ሚዛንን ህዝቢ ኤርትራ  ዘይተሓለወ ነበረ፡ ሓሙሽተ ናይ ክርስትና ስም ዝሓዙ፡ ዕስራን ክልተን ድማ ስም እስልምና ዝሓዙ ኮይና ተመርጸት።

6.     ሕቶ፡ ብኣቶ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ራድዮ ኣሰና ቐረበ “እዛ ሰክረታርያ ከምቲ ብኮሚሽን ዝተነግረና፡ መልክንዕን ሚዛንን ህዝቢ ኤርትራ ኣብዛ ሰክረታርያ ንርኢ የለንን….” መልሲ ኣይተዋህቦን።

7.     ብድሕሪዚ ምጉርምራምን ቲሒም ቲሒምን ቀጺሉ መልክንዕን ሚዛን ህዝብና ኣይተሓለወን ምስ በዝሔ፡ ኣባልት ኪዳን ቀልጢፎም ንኮሚሺን ወቀሳኦም ዘርግሑ…… “እዛ ኮሞሺን ዘይግባእ ጌራ ብብዝሒ ሰባት ካብ ሱዳን ስል ዘምጽኤት ሚዛን ስለ ዘይተሓለወ ….ኣብቲ ዝመጽእ ምሕራይ ኣባላት ባይቶ ብብዝሒ ክርስትያን ካብ ኣመሪካን ኤውሮፓን ኢትዮጵያን ክኣትዉ ኣለዎም…ሚዛን ህዝብና ክሕሎ ኣለዎ.”( ሑሰን ከሊፋ፡ በሺር ኢስሓቕ፡ ተወልደ ገብረስላሴ…ተዳሙ ንምጥቃስ)።

8.     ለባማት፡ሽማግልታ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ዘለዉሉ ህዝብና ንብዙሕ ዘመናት ብሓደ ዝነበረዩ፡ ሕጂ ድማ ተኻባቢርካ፡ ተካኣኢልክን፡ድኣ ምበር ክምዚ ንርእዮ ዘለና ኣይጽቡቅን፡ በብወገና ንሕሰብን ንመኻኸርን ዝብል ኣባታውን ለባን ኣተሓሳስብ ፈልፈልን ተነዝሔን።

9.     ኣባላት ሰምየን ኣመሪካ ፍሉይ ኣኸባ ገበሩ፡ ሰልስተ ሽማግለ ኣውጺኦም፡ ርእይቶን ለበዋን፡ ንኹሎም ኣባልት ኪዳንን ንዘይ ኣባላትን ከምዚ ዝስዕብ ኣቅረቡ፡ ኣብዚ ዝመረጽ ባይቶ 25 መንበር ክዉሃብ፡ ብስም ህዝቢ።  ምኽንይት ድማ፡1. ኣብ ሰምየን ኣመሪካ ቡዙሕ ህዝብና ተጣራጠርን ናይ ህግደፍ ሰዓብን ስል ዘሎ ናብ ደምበ ተቓውሞ ከንምጽኦ የኽእልና 2. መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ደምበ ተቃዎሞ እምነት ክሕድር የቃልጥፎ 3. ካብ ሰምየን ኣመርካን ከማኡ ድማ ካብ ኤውሮጳን ኣውስትራያን ማእከላይ ምብራቕን ክንድኦም፡ ብትምህርትን፡ ተመኩሮን፡ ክእለትን፡ ክርከቡ ስል ዝኽእሉ፡ ነዚ ባይቶ የሔይሎን የምዕብሎን ኢልና ንኣምን።
ዝብል ምስቀረበ “ኣመሪካ ወርቂ ዝኾነ ሓሳብ ኣቕሪቦም ተባህለ”
እዚ ግን መጠበሪ ኾይኑ ረኸብናዮ።

10.                       ጉባኤ ተወዲኡ ኣመዳዳብ መናብር እትምድብ ሓንቲ 17 ዝ ኣባላታ ሰክረታርያ ተመርጸት፡ እዚኣ የማናይ ኢድ ናይ ኪዳን እያ፡ ኣከራኻሪ ነጥቢ ኣምጽእት፡ 60% ንዊድባት 40% ንህዝቢ ኢላ መጎተት፡ ድሕሪ ላዕልን ታሕትን 52%ንዊድባት=66 መናብር 48% ንህዝቢ ድማ 61 መናብር ተመደበ፡ ኣንባቢ ልቢ ግበር፡ ካብዘን 61 መንብር 20% ንመንእሰያት 20% ንደቂ ኣንስትዮ 10% ንሲቪክ ማሕበራት ዝተረፈ ዲማ ንህዝቢ ውድባት ዘይብሎም ተባህለ።

11.                       ሰመን ኣመሪካ 13 እዩ ዝተዋህባ እንተኾነ ድሕሪ ብዙሕ ክርክር ካብ ሱዳን ሓደ ካብ ኢትዮጵያ ሓደ ንኣመርካ ተዋህበ 15 ኮነ፡ ካብዚ ስዒቡ ብኸምዚ ተምቃርሔ።

12.                       ካናዳ ሓሙስተ ሒዞም ከዱ፡

13.                       ንዩኤሴ ዲማ 10 ተዋህባ፡ ካብዚኤን ዲማ 20% መንእሰይ 2ተ መንበር ወሰዱ፡ 20% ደቂ ኣንስትዩ ወሰዳ 2ተ መንበር ወሰዳ (ዉድባት እየን)፡ 10% ዝተመደበ ዲማ ንሲቪክ ማሕበራት እዩ፡ ናይ ሲቪክ ማሕበራት ወከልቲ ኣብቲ ምርጫ ክኣትዉ ንሕጸ ምርጫ ተሓጽዩ፡ እንተኾነ ወከልቲ ሲቪክ ማሕበራት የቐንየልና፡ ንሕና ኣብዚ ኣይንምረጽን ኢና ኢሎም ወጹ፡ ከምቲ ዝተመደበሎም ንዝደለዩዎ ሰብ መሪጾም ወካሊኦም ክሰዱ መሰሎም እዩ፡ በቲ ዝተመደበ (11/2) ሓደን ፈርቃን መንበር ንስቪክ ማሕበራት ካብ ሰምየን ኣመሪካ መንበር ናታቶም እዩ

ብ4 መጋቢት 2012 ኣቦ መንበር ባይቶ ንደሞክራሲን ለውጥን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሲቪካዊ ማሕበራት ወኪል ክም ዘደስክሉ ተኣወጀ፡

መጀመርያ ከም ጌሮም ንሲቪክ ማሕበራት ተቐበሉ? ቀጺሎም ሕጂ በየናይ ሕጊ እዮ ንሓደ ኣባል፡ ካብ ባይቶ ከደስከሉ ኣዋጅ ዘውጽኡ? መንክዩ ሓልፍነት ዝሃቦም? ብቕዓት ኣልቦዶ ኣየምስሎምን?

1. ኣቦ መንበር ጸጋይ ዮሃንስ ኮነ ዶክተር ዩሱፍ ብርሃነ መንሓልፍነት ዝሃቦም እዩ ከይ ኣጻረዩ ከደስክሉ ዝወሰኑ? ባይቶውን ከደስክል መሰልውን የብሉን ከደስክል ከኣ ኣይክእልን እዩ።

ሲቪክ ማሕበራት ናይ ሰሜን ኣመሪካ 10% ክውሃቦም ከሎ ኣበይ ኣለዉ
ኣይባሃልን ድዩ ወይስ እንኻዕ ተረስዑ፡ ንሕናውን ኣይንደልዮምን ማልትድዩ? ኣበይ ኣተወ ናይ ሲቪክ ኣባላት ወኪል ዘየብልስ እንታይ (1 ½)? ብጽሒቶ ንመን ይመድቡ ንዓኣቶም ይምልከት።

2. መምርሒ ካብ ኣቶ ሳልሕ ቓዲ (ዓሊ ሳልም) ከማኡድማ ካብ ዉድብ ሳግም ወሲዶም ንዝብል ዘረባ ብከመይ ክንጸግ ይኽእል?

3. ኣቶ በሽር ኢስሓቅን፡ ኣቶ ተወልደ ገብረስላሴን፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪክ ማሕበራት ስልዘይፈትዉዎን ድዩ ኣቶ ጸጋይን ዶክ ዩሱፍን ናባሎም ከደስክሉ ተገዲዶም? ኣየ ብኸምዚስ ኣስመራዶ ይእቶ?

4. ንምኻኑ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ እንፎቱን ዕርበቱን እናሃለወ፡ ኣብ ክንዲ ንገደል ዘጽድፍዎስ፡ ከድሕንዎ ዝመጣጠሩ ኮይኑ ይረ ኣየና? ስለምንታይ እዚ ኹሉ ሸበድበድ ኣብ ዘይ ሰዓቱ?

ሕዝቢ ኤርትራ ጸገምካ ገና ኣይተውዲኤን ዘሎ፡ ልቢ ኢልካ ተዓዘብ፡ እዞም ዉድባት በዞም ዝስዕቡ ዝምርሓ ትሕዝቶኤንን ዕላምኤንን  ደጋጊምካ ተመልከቶ፡ ንረብሓኤን ድየን ዝቃለሳ ዘልዋስ ወይስ ንህዝቢ? እስማቶም ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ቀጺሉ ሓንጎሎም ብዘበን ኣድቡሓ ጥራይ ዝሓስብ ኮይኑ ይራኣየና።

ኣስማት ገበርትን ሓደግትን ኣብዚ ባይቶን ተመልከት፡

1. በሺር ኢስሓቅ
2. ተወልደ ገብረስላሴ
3. ኣድሓኖም ገብረማርያም፡
4.ሑሰን ከሊፋ           
5. ሸንገብ
6.ቱርኪ

እዞም ሓለፍቲ እዚኣቶም ልቢ ኢልካ ተኸታተሎም ተመልከቶምን፡
ጉባኤ ኣደቡሓ ብ1969 ዝተገብረ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ፈሊጥካ ንኽትመራመር ይላቦ! ከምይ ነይሩ፡ ውጺኢቱ ድማ ብኽመይ ተዛዘመ።
ከምቲ ቐዳማይ ንክኸውን ኣይምነይን፡ እንተኮነ መንገዱ ናብኡ ገጹ ይመስል።

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና
ዉድቀት ንመንድዓት ተቃለስትን
ጨቓኒ ስርዓት ህግደፍን

ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣመሪካ

5 መጋቢት 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...