ዓላማ እዚ ጻዊዒት እዚ፡ ካብ ሰናይ ድሌት ሰላምን ብልጽግናን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመንጨወ ኮይኑ፤ ህዝብን መንግስትን ከምኡውን ፖለቲካዊ ውድባትን  ኤርትራ ነዚ አብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ምቹእ ኩነታት ተጠቂሞም ንረብሓ ክልቲአን ሃገራት ክሰርሑ፤ አንፈት ንምሕባርን ንምዝኽካርን ዝዓለመ እዩ።
 
አነ ብዘይ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ንዓመታት አብ ጎረቤት ሃገር ድሕሪ ምጽናሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝወሰዶ ሰናይ ተበግሶ ማለት፤ ዝኮነ ኤርትራዊ አብ ኢትዮጵያ ኪመሀርን ክሰርሕን ብዝፈቀዶ መሰረት ንኢትዮጵያ አትየ፤ ሕጋዊ ስደተኛ ኮይነ፤ እቲ ንነዊሕ እዋን ሲኢነዮ ዝነበርኩ ዕድል ትምህርቲ ረኪበ፤ አብ አዲስ አበባ ዝርከብ ኮሌጅ ዝመሀር ዘለኩ ኤርትራዊ እየ። በዚ አጋጣሚ እዚ፡ እቲ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዝገበረለይን ዝገበረለይ ዘሎን ምትሕብባር ብውልቀይ ከመስግኖም እደሊ።
 
ካብ ኤርትራ ክወጽእ ከለኹ ብዘሎ ኩነታት ሃገርና ዝነበረኒ ሃገራዊ ስምዒት አዚዩ ተዳኺሙ ኔሩ። ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ብወንጌል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእግዛብሄር ካብ ዝፈልጦ ንነጀው ግን፡ እግዛብሄር፡ እንደገና ሃልሃል እትብል ፍቅሪ ንሃገረይን ንህዝበይን አብ ልበይ የሕዲሩ አሎ። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ኩነታት ዓደይ ተመሐይሹ ተመሊሰ ዓደይ ክአቱ ዓቢ ባህግን ሃንቀውታን አሎኒ። ስለዚ’የ ድማ፡ እግዛብሄር ንምድርና ክዕረቃ ጸሎት ካብ ምግባር ሐሊፈ፡ እቲ ናይ ኩሉ ዜጋ እዋናዊ ዝኮነ ሕቶ “ለውጢ” ክምልስ ዝክእል ጠቃሚ ሐሳብው’ን ከቅርብ ዝተሳእኩ።
 
አብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ካበይ ኢና ንጽበ ዘሎና? ንዜጋታት ብሓይሊ ብምዕፋን? ብዩኤን? ብሓያላት ሃገራት? ብተቃወምቲ ውዱባት? ብአድማ ወይ ብዝሒ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ? ወይስ ካልእ ሸርሒ ብምፍጣር ዲዩ ለውጢ ክመጽእ እንሐስብ ዘሎና? እዚ ኩሉስ ተፈቲኑስ ዋጋ ዘይተረክቦ እዩ። መሊስና፡ መላሊስና እንተፈተናዮውን ብጀካ ጊዜ በሊዑ አዳኪሙ ከጥፈአና ካልእ ፋይዳ የብሉን። እንታይ ደአ እዩሞ ዝሐይሽ? ፍትሒ ካብ ፈጣሪ ክወርደልና’ዶ ኢድና አጣሚርና ሱቅ ኢልና ንጸበ? አይፋል!! እሞ እንታይ ደአ እዩ እቲ ፍታሕ? እቲ ፍታሕሲ አብ ኢድ ህዝብን መንግስትን ፖለቲካዊ ውድባትን ኤርትራ እዩ ዘሎ። እሱ ከአ፡ ፈቲና ጸሊእና ተሪፋትና ዘላ ምርጫ “ዕርቂ” ምግባር ጥራይ እያ። እዚ ግን ካብ ኵናት ምግጣም ንላዕሊ ቆራጽነት ዝሐትት በዳሂ ነገር እዩ። ብርግጽ ንዕርቂ ኢልካ ዝክፈል ዋጋ ቀሊል ስለዘይኮነ።
 
ዕርቂ ናይ ሰላም አፍ ደገ እያ። ምሉእ ሰላም ክወርድ እንተድአ ኮይኑ፤ መጀመርታ ዕርቂ ክፍጸም ክኽእል አሎዎ። ቅድሚ ዕርቂ ምፍጻሙ ከአ ንዕርቂ ካብ ልቢ ምድላይ የድሊ፡ እንተደሊናዮ ጥራይ ኢና ክንረክቦ እንክእል። እዚ እንታይ ማለት እዩ? ነቲ ጸላእየይ እዩ፡ ጎዲእኒ እዩ፡ ዓሚጹኒ እዩ፡ እትብሎ –መታን እቲ ዝዓመጸካ ነገር ኪመልሰልካ ወይ ክክሕሰካስ ገለ ንዕዑ ዘሐጉሶ ሰናይ ነገር ደሊካ በቲ ልቡ ዝርከበሉ መገዲ ምቅራብ ማለት እዩ። ብሓጺሩ፡ ክፉእ አብ ክንዲ ክፉእ ዘይኮነስ፡ ነቲ እከይ ብሰናይ ዝመልኽ ስልቲ ምጥቃም ማለት እዩ።
 
እሞ በዛ ስልቲ (ዕርቂ) እዚአዶ ውሽጣውን ግዳማውን ቅልውላው ሃገርና ክንፈትሖዶ ተበጊስና ንፈልጥ ኢና? መንግስቲ ንህዝቢ፡ ህዝቢውን ንመንግስቲ፤ ፖለቲካዊ ውዱባት ንመንግስቲ ከምኡ ከአ መንግስቲ ንፖለቲካዊ ውዱባት–ዕርቂ ብምድላይ አቀራርባዶ ሽግርና ክንፈትሖ ሓሊንና’ዶ ንፈልጥ ኢና? ነዚ ክንገብር ብዘይ ምድላይናዶ’ኸ አይኮነን አብ ጸጽባሕ ምብትታን ጥፍአትን ዝኮውን ዘሎ? ትማሊ ትማሊዃ አስታት አርባዕተ ሚእቲ መንእሰያት ኤርትራ አብ ባሕሪ ሊብያ ጠፊኦም አለዉ። ሕጂ’ከ እዚ ከቢዱና’ዶ  ከነዘስቘርቁር ኢና? ወይስ መበል ዕስራ ዓመት ናጽነት ብጓይላን ስኽራንን ግኑን ጃህራን ከነብዕሎ ኢና? ጽባሕ’ከ ካብዚ ዝገድድ ጥፍአትን ምብትታን ከምዘይመጽእ እንታይ ውሕስነት አሎና? እዚ ተርእዮ እዚ፡ ሓላፍነት ተሰሚዑና ከይደንጎና አብ አካይዳና ለውጢ ክንገብር እዩ ዘገንዝብ። ካብዚ ተበጊሰ እየ እምበአር ነዚ ጻዊዒት ዘቅርብ ዘለኩ።
 
አብ ውሽጢን ወጻኢን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ይኩን መንግስቲ ኤርትራ ምእንቲ ረብሓ ሃገር ኢሉ ውሽጣዊ ይኩን ምስ ጐረቤት ኢትዮጵያ ዘሎ ሽግር ብሐድሽ አቀራርባ ንምግጣም ክዳለዉ አሎዎም። ምቹእ ጊዜ ስለዝመጸ ንዕርቂ ዝዕድም ንድፊ ክንድፍ አሎዎ።  ኩሉ እብቲ ዝሓለፈ ዝተጠቀምናዮ ህልኽ ሓዲግና ንሐድሕድና ይቅረ ተብሃሂልና ምሕረት ክንገብር እዩ እቲ ዝጽበየና ዘሎ ዝበለጸ ስልቲ ንለውጢ። እዚ ክንገብር ዘክእለና ምቹእ ኩነታት ወይ ጽብቕ አጋጣሚ ከአ ሕጂ እያ።
 
ሎሚ ከም እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ አብ ዓቢይ ጉዳይ ተጸሚዶም አለዉ። ፕሮጀክት ዓቢ ዲጋ አባይ። ነዚ ፕሮጀክት ንምዕዋት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ከም ሐደ ሰብ ደው ዝበለሉ እዋን እዩ። እዚ አጋጣሚ ንሕናው’ን ንዝምድና ክልትኤን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ክንጥቀመሉ ንክእል ኢና። ዐቅሚ ከአ አሎ። ምኽንያቱ ማንም ኤርትራዊ ዋላውን መንግስቲ ኤርትራ ብመትከል፡ ራህዋን ብልጽግናን ኢትዮጵያ ስለዝቅበልን ስለዝድግፍን እዩ። ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ አብ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ሃገራዊ ልምዓት አንፈቶም አቅኒዖም ማለት፡ ንኤርትራ ብኩሉ ሸነኹ ረብሕኡ ዕዙዝ እዩ።
 
እምበአር፡ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኤርትራን መራሕቲ ዝተፈለለዩ ውድባትን ትካላት ኤርትራን ከምኡውን ውልቀሰባት አብነት ብምዃን መርአያ ድሌት ዕርቂን ሰላምን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን አብዚ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዝዋፈረሉ ዘሎ ዓቢ ጉዳይ ማለት ምስራሕ ሓጽቢ አባይ አዎንታዊ ግዲኦም ክጻወቱ ሞራላዊ ሓላፍነቶም ክዋስኡሉ ይግባእ። ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ዘለዋ ሰናይ ድሌት ብግብሪ እትገልጸሉ ጽቡቅ አጋጣሚ እዩ። እንተሓሰብናዮ፡ ሒዝናዮ ዝጸናሕና አረአእያን ደው አቢልና ብሐድሽ አቀራርባ ለውጢ ከነምጽእ እንክእለሉ ጊዜ እዩ ዝመስል። ንኢትዮጵያውያን ሐጽቢ አባይ ንክሰርሑ አጆኩም ምባል ጥራይ እኳ፡ ኩነታት ክልቲአን ሃገራትን ክልውጥ ዓቢ ተክእሎ አሎዎ። ኩሉ ኤርትራዊ ብመትከል ምድጋፍ ሓሊፉ ብገንዘብ፣ ብንዋትን ብሞራልን ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ አብ እዛ ጉዳይ እዚአ ደገፉ እንተርአየ እንታይ ክመጽእ ይክእል? ብጀካ ህዝብን መንግስትን ኤርትራን ብዝወሰዶ ሰናይ ስጉምቲ ተበራቲዑ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ከአ ብጊደኦም ዐጸፋ፡ ብሰናይ ክምልስዎ እንተዘይኮይኑስ ካልእ ሕማቅ ነገር ከምጽእ ዝክእል አይኮነን።
 
የዋህነት ክመስል ይክእል እዩ። ብርግጽው’ን የዋህነት እዩ። ንነብስና ክንጥብራን ንካልኦትውን ክንጥብሮም እንተዘይደሊና’ስ፤ አብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝተጠቀምናዮም ሽርሕን ጉርሕን ዝመስሉ፡ ግን ከአ ጉርሒ ዘይኮኑ’ከ፡ ንሽግራትና መሊሶም ካብ ምብአስ ሓሊፎም እንታይ’ዶ አጣብዮም እዮም?  መፈትሒ ኮይኖም ዲዮም? እሞ እንታይ ደአ ንጽበ አሎና? አብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እምበአር፤ ንዕርቂን ሰላምን ኢሉ ዝግበር ጽቡቅ ነገራት ኩሉ ሓጋዚ ካብ ምኻን ሓሊፉ ዚጎድእ ነገር የብሉን። 
 
ስለዚ ንለውጢ ንበገስ። ዕርቂ ንድለያ። ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ህዝቢ ምስ መንግስቲ፣ ፖለቲካዊ ውዱባት ምስ መንግስቲ፣ መንግስቲ ምስ ፖለቲካዊ ውዱባት፣ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ይተዐረቅ።
 
አብዛ እዋን እዚአ፡ ገንዘባዊ ይኩን ንዋታዊ ወይስ ሞራላዊ ደገፍ ኤርትራ፡ ንኢትዮጲያ፡ ንሰላም አፍ ደገ ካብ ምክፋት ሓሊፉ፤ ብዘይ ድፊኢት ግዳማዊ ሐይሊ ይኹን ውሽጣዊ ጎነጽ፡ እቲ ኩላትና ብናፍቆት እንጽበዮ ለውጢ ኤርትራ ክውን ክገብሮ ዐቢ ተክእሎ አሎዎ። ክንከስበሉ ዝግብአና ዕድላት ብከንቱ ክሐልፈና የብሉን። ክንነቅሕ አሎና፤ እዛ አጋጣሚ እዚአ ከተምልጠና የብላን። ሃገራዊን ዞባዊን ዕርቂ ንግበር እሞ ሰላም ይውረድ በቓ። አይመስለኩምን???
 
እግዛአብሄር ንኤርትራ ይባርኽ !!
xxxx xxxxx This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ስ.ቁ 00251-09xxxxxxxx
አዲስ አበባ
ግንቦት 05, 2011
 
መተሐሳሰቢ
ንድሕነት አብ ኤርትራ ዘለዎ ቤተሰበይ ሽመይ ይኩን አድራሻይ አብዚ ዝቅጽል ጽሑፈይ ከይጥቀስ ሐደራ።
     

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...