ሕጊ -

ታሪኽ ሃገር - ያታ ሕዝቢ
ወኸሳና - ዓቢ ነቢ
ሕያው መጽሓፍ - ተነባቢ
ቃል ትውፊትና ዓቃቢ
ኣብ ልቢ ‘እምሮ ዘጋቢ።

ሕጊ
ዋሕስ ድኻ - ልጓም ሃብታም
ምርኵስ ድኹም - ቀይዲ ኃያል።

ሕጊ
ዕቍባ ማእምን - እኖ ዘኽታም
እዝኒ ጸማም - ልሳን በሃም።

ሕጊ
ዘንጊ ሓቂ- ዘራይ ግፉዕ
መስመር ጽድቂ - ዕርዲ ጥቑዕ።

ሕጊ
ጸረ ዓመጽ - ጽርዲ ስርቂ
ጸያፍ ጸይቂ - ሚዛን ወርቂ።

ሕጊ
መድኅን ሕዝቢ - ኣደ ቅዋም
ጩራ ብርሃን - መሪሕ ሰላም።

ሕጊ ዘለዎ ሃገር ይዀርዕ
ሕጊ ዚጐደሎ ሕዝቢ ይነብዕ
ሕጊ ዚፈልጥ ሰብ ለባም
ሕጊ ዘይፈልጥ ግን ጨካን
ብሕጊ ዚምጉት ይረትዕ
ንኃይሉ ዚኣምን የጕባዕብዕ
ኣኽባር ሕጊ ዳኛ
መፍረስ ሕጊ ወንጀለኛ
ቀይዲ በተኽ ኣበረኛ
ነፈሰ-ገዳይ ደመኛ።

ሕጊ 
ጽላል ዓዲ  - ባይቶ እንዳባ - ልሙዕ ቆጽሊ
ሥሩዕ ሕዝቢ ጎይታ ክብሪ
ኣማም ሕጊ ጽኑዕ ደብሪ
ንኡስ ወለዶ በዓል ሕድሪ
ድጊ ትኸልን ቅዋምካ ‘ጽሪ።

ሕጊ ሒዝካ ፍትሒ ፈትሽ
ፍትሒ ዝራእ ሰላም ሕፈስ
ብመሰልካ ክተተንፍስ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...