ነጸላይ ጻዕዳ!

ጥበብ ማእለማ፡ ኣሰር ዕላማ እትፍተል ዓለባ
ካብ ጸሓይ ንግሆን ምሸትን ዝማሙቕ ጉልባባ
ድኻን ሃብታምን እተመሳስል፡ ህያብ ባህሊ’ንዳ’ባ
ታቦትን እምነትን ዘማዕርግ ድባባ።

ነጸላይ ጻዕዳ፡ ዕጣቕን መልክዕን፡ ኣብ ሓጎስ ኣብ ኩዳ
ክብረትን ሚዛንን፡ ኣብ ሓዘን ኣብ ጋዳ
ጽላል ናይ በረኻ መዕቆቢት ቴንዳ።
ብኽያትን ንብዓትን፡ ሰሓቕን ረሃጽን፡ ዘይእግሞ ኸብዳ!
በዚሑ መሪሩ ምጻ’ሩ ዘይኸብዳ።

ነጸላይ ጻዕዳ፡ መዓልቲ ብጸሓይ ብለይቲ’ሳሒታ
ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ብመኽሰብ ክሳራ
ክድምር እንከጉድል! ኣብ ዝባነይ ውዒላስ፡ ትቕርቀር ምሕዳራ።
ኣብ ልዕሊ ተንኮበት ብትሕቲ ኮበርታ፡ ከም’ዛ ተማኽር-ተዛቲ ንሂወት ብልሓታ።
ኣጸልምታ’ቢላ፡ ምድካመይ ኣስተባሂላ፡ ብጎድነይ ደጊፋ ተዕልበኒ’ባይታ።

ኣጆኻ ና’በለት ብሙሉእ ዳጌታ፡ መኣዲ ፍቕሪ’ማቒላ!
ከም ጠስምን ኣዋዘን፡ ተመቅር ናይ ምርባሕ ውዑይ ጣይታ
ጉርብትናን ስድራቤትን፡ ፍቕርን ሰላምን ስለዝኾነ መልእኽታ።
ነጸላይ ጻዕዳ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ጣሻ፡ መስአ ዝ’መልሓሳ

ጥውጥዋይ ልባ ትሽዓተ ዝ’ቐልባ!

ብድኻም ተሳዒረ፡ ምሕዳረይ እንክሳፈር ናብ ናይ ሕልሚ ጠፈር፡
ክረኣየኒ እንተጀሚሩ ርሑ……ቕ ከምዘሎ ጋርሳ
ገማግም ዓቢ ሩባ፡ ሸኻ ለምለም ሰቲ፡ ምስ ዳዕሮ ምስ ሳግላ
ኣብ’ቲ ጀራዲኑ ጨራሩ ዝዝምራ፡ ካብ ዕምባባ ናብ ፍረ እናተናጠራ።

ከም’ዚ ዘ’ለ ናይ ተኸስ ሃተፍተፍ፡ ዘዘኻኽሮ ተረት፡ ናይ ትማሊ መቐረት
ብፍላይ ብዛዕባ’ታ ዓለም ምስ ተፈጥረት ምሕዳር-ኣዳም ዝነበረት፡ ዝብሉዋ ገነት
እምኒ መሬት ከይጠረረት፡ ንቐያሕቲ ንጸለምቲ፡ ንቖልዑት ዓበይቲ ጻዕዳ ነጸላ ምስ ከደነት
ብመዛሙር ደሚቓ፡ ንኹሉ ኣስሒቓ፡ ንእሽቶን ዓቢን ኣዛኒቓ፡
ቤት ትምህርቲ ይኹን ሆስፒታል ከይተኸለት

ንሕማምን ድኽነትን ኣርሒቓ፡ ንዂናትን ዕግርግርን ንዒቓ
ንኹላቶም ደቃ ጥዕናን ራህዋን ኣስኒቓ፡ ብማዕርነት መሪቓ
በራድን ጀበናን ፈቐድኡ፡ ማክያቶን ካፑቺኖን በብኹርንዑ ኣውዕያ-ኣሚቛ

ሰሓቕ ተጻወት ብላዕ ስተ ዝሰፈና መጻኢ-ዕድል’ያ፡ ትበሃል ከምዘይነበረት ኣብ እዋን ቁልዕነት፡
ተቐይራ ትመስል ኣብ ንእስነት፡ ናብ ጽልግልግ-በዓቲ መሓኽሎ ናይ ጎርዞ ናጽነት።
ቀያሕ ኩሕለይቲ፡ ብሕፍረት ድዩ ብጥልመት ነጸላኣ ደርብያ ከምዝፈለለት
ጥራይ ዝባና ካብ መሬት ናብ ሰማይ ከምዝበረረት፡ ደሃይ ካበ’ጥፍአት
ክትምልስ እንተኾይና ጽባሕ’ኳ ዘጠያይቕ’ዩ ኢዳ ናይ ብኡነት።

ምናልባት በ’ንጻሩ፡ ወዮ ሕልሚ ኣንፈቱ እንተቐይሩ’ሞ
ብድቃስ ብሰመም ደልሃመት ናይ ገሃነም
ሂ…ም-ቢ..ም! ብልጭ ድርግም ብዘብል ነጎዳን በርቅን እንተተዓብሊሉ፡
ምሒር ጸልሚቱ፡ ኣኽላባትን ኣራዊትን ካብ ምንባሕ ሓሊፉ፡

ክሳብ ዝጠልቁ ናብ እሳተ-ነበልባሉ፡ ኣጋንንትን መላእኽትን ዝጓየዩሉ

ዑምቆቱ ዘይዕቀን ናይ ረመጽ ማዕበል

ኣብ እግሪ ኣጻድፍ ገደል ናብ ዘቃጽል ባርዕ እንተተቐይሩ፡

ብድቁሰይ ባዕዚዘ፡ በይነይ እንተርዒደ፡

ይመጣላዕ’ሞ፡ ነጸላይ ይብላ ብእግረይ ረጊጸ ብርእሰይ ይስሕባ።

ነጸላይ ጻዕዳ፡ ኣብ ሰብነተይ ስለትጥምጠም ከም’ዛ ዝሰግአት ሩሐይ ከይትጠልማ

መስተንክር’ዩ ብልሓታ።

ነጸላይ ናተይ፡ ናይ ስድራ ቤተይ፡ ዓለተይ ክብረተይ፡

ምስክረይ ኢኺ! ካብ ክጥነስ ክውለድ ክሳብ ግዜ ሞተይ

ሙሉእ-መዋዕለይ መሰነይተይ፡ መልክዕ ዜግነተይ።

ነጻላይ ጻዕዳ፡ … ጓል ጡጥ፡ ጥበብ ማእለማ፡ በዓልቲ ዕላማ

ሓጎስ ይኹን ሓዘን ዘይጽግማ፡ ጽጋብ ይኹን ጥሜት ዘይእግማ፡

እሞ ኣብ ሎሚ በጺሓ ደኣ እንታ’ዩ ጸገማ?

ፊል-ፊል ትብል ዘላ፡ ተንጠልጢላ ብ’ዓላ።

ሕብራ ተቐይሩ ማሕሚሓ ተቐዲዳ፡ ዘርከበ’ረግጻ፡ ጓና ይኹን ወዳ፡

ወይስ ትማሊ ጠጥዑሙ በሊዓ ንሎሚ ቀጺዓ ንጽባሕ ወጺዓ’ያ!..... ቃጽዖ ቃጺዓ

እምባሕ ትብል ዘላ ተጠሊዓ።

ምናልባትኮን ስለ’ዚ ዶኾን’ኸውን ነጸላይ ጻዕዳ ትሓዋውስ ዘላ እንዳ።

ዓዲ-ዓረብ ከይዳ ብሽጋራ ሓሪራ
ኩላሊት ክጥባሕ መንቀጺ ደም ተቖጺራ!

ጸለሎ ተኸዲና ተኸኸ ትብል ዘላ ከም ናይ ሞጎጎ ወይና፡ ዝባንዶኾን’ያ ስኢና ትስከማ?
ትጉተት ኣብ መሬት ፈቐዶ ጎዱፍ እንዳ ይሁዳ።

ነጸላይ ጻዕዳ፡ ዝሓለፈ’ኣክል ክብለኪ’ባ ባባ
ካብ’ንዳ ዝናን-ባህታን፡ ዕድለይ ክርከባ

ክውንዘፈኪ’ሞ፡ ብዛዕባ ምስ ርሑቕ-ቀረባ፡ ብሓባር ንምንብባር
እዋን ትደሊ’ላ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ።

ዳንኤል ተ/ዮውሃንስ (10/10/14)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...