ጭቃ ዓዲ ጭቃ ዓዲ: መዓስ ተሰይሙ ንብላሽ መልሓስ ርእሲ ንእዲ: መዓስ ኮይኑ ንድቃስ ትርኣስ ኣብታ ነዋሕ ለይቲ: ክንዮ ዓዲ ራእሲ ኣብ ክንዲ ጥብ ማይ ዓይኒ: ኣብ ሞት ሕርሲ ክንደይከ ዘይተፈወሱ ክንደይከ ዘይፈለሱ ክንደይከ ዘይተመልሱ ክንደይከ ዘይተሓፍሱ እታ ጭቃ መሬት ደኣ'ምበር መዘከርታ ሰብ መሰል: ሕጊ መሰረት ካልእ የብላን: ሕማም ምረት ገብሪኤል ጓንጉል 11 ታሕሳስ 2011 Previous Next