ከርተትኩም ነዊሑ

እዋይ ደቀይ - ከርተትኩም ነዊሑ
ሰብዶ ከምዛ ማይ - ከምዚ’ሉ ይውሕዝ’ዩ
ጽንሑለይ’ባ ቅሩብ - ኣይትግደፉኒ ምስ ዝብኢ
ክሳብ መዓስ’የ - ፋሕ ጭንግራሕ ክርኢ

ገሌኹም ንጎረቤት - ንሱዳን ብእግሪ
ዘዝወለድክኹም ንማዕዶ - ክትሳገሩ ባሕሪ
ዓረር ‘ንዳተቐበለኩም - ክትሓልፉ ብምስሪ
ማዕረ ኸምኡ ድዩ - ከፊኡ’ዚ ዓዲ
ዝመረጽክሙሉ ቅልስ - ምስ ዓሳ ነባሪ

ኣጻምእ ሊብያ - ክንዮ ንማልታ
መንገዲ ብጸልማት - ካብ ዕሙት መጻኢ
ዝጸንሐ ይጽናሕ - ኢልኩም ንኣውሮፓ
ተስፋ ድዩ ሃሲሱ - ኣብ ውሽጢ ዓድና
ደቀየ ኣባይኩም - ከርተትኩም ነዊሑ
ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ - እንትርፎ ኣብ ኩዕሶ

ብራዚል ዩጋንዳ - ኬንያ ሜክሲኮ
ነዊሑ መንገዲ - ስቓይኩም በዚሑ
ዘፍርሕ ዋሕዚ - ዓጋቲ ዘይብሉ
ዓቕሊ ጽበት ድዩ - ቀቢጸ ተስፋ

 



ኣርሒቑ ኣስዲድኩም - ናብ ዓዲ ይሁዳ
ይስመዓኒ’ዩ ደቀይ - ዝያዳኹም’ኳ ድኣ
ምስኪንኪን ክትብሉ - ኣብ ዓዲ ጓና
ይሓይሽዶ ኢልኩም - ክንርእዮ ባዕልና
ንግዚኡ እልይ - ክሳብ ዝወግሓልና

ሰብሃት ገ. ገ.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...