ደቂ ሐምሳ ስሳታት … ሕደጉ’ባ ለብሙ

ማሕበረ ሐማዮ   . . . . . ከአ ጀሚርኩም’ዶ
ስጋ ሰብ ክትበልዑ   . . . ከም ቀይሕ ብሩንዶ
ምሳኹም ምላድ’ስ   . . .  ኮይኑ’ምበር ንጋዶ
ሐኪምካ ዘይጸርዩ     . . . ከም ዓበቕ በዲዶ።
 
ዘለፋ ስርሖም . .  . ናይ ወረ እንዳስትሪ
ሐሶት ዘዳምቑ . . .      ንሰብ መነወነሪ
ነዚ’ስ ተነዪቶምሉ  . . .  ጌሮሞ መፈከሪ
“ስነ ጥበባዊ” ዝብል ከአ … ወሲዶምሉ ዲግሪ።
 
እንቋዕ’ቲ ሐሶትኩም . . . ንፋስ’ውን አይኮነ
ህቦብላ አልዒሉ  … . . .      ዓይኒ ምደፈነ
እንቋዕ ወፈራኹም …    ውሕጅ’ውን ነይኮነ
ንመሬት ዘባድም . ..       ዘርኢ መቖንቆነ።
 
አካ ረአናዮ .. .  . .        እቲ ድርሳነ ጥልመት
ብቂም ጽልኢ ተዋጢሩ .. ምልክት ናይ ጽበት
ዓምቧዅ ኰኰዓዳ   …   ዘይብሉ’ኳ ክብደት
ነዚ’ስ ጊዜ ከተጥፍእሉ … የሕዝን’ዩ ብኡነት።
 
ሕዱር ቕርሕንቲኹም … መድሃኒት ስኢንክምሉ
አምሰልሲልኩም ብዋዕላ  …    ወየ ወየ ክትብሉ
ናይ ዝሞትወን ዘኪረን … ዝቁዝማ  ክትመስሉ
ድጉል ሕማማትኩም’ስ . .  . ገደብ ድአ  ግበሩሉ
ሐፋሽ’ኳ ይፈልጦ’ዩ . . .   ጉርሒ ናይ ጐሐሉ።
 
አንታ’ዘን መላሕስኩም … አደብ ግበሩለን
ክሰስ ወንጅል ዝብል .. ጫፈን ተሰቚረን
ተቓለስቲ ከጠቅራ . . . ምዓለን ምሕዳረን
ካን’ዶ ንሱ’ዩ . . .      መትከል ምግዳለን
ገዛኢ’ኳ ዘይብሉ . . .       ዕዳጋ ስኢነን።
ደቂ ሐምሳ ስሳታት . . . . . .    ሕደጉ’ባ ለብሙ
ዝአረገ  ክትሐኩ . . .      መንእሰይ ከይትልክሙ
መርዚታትኩም አይኾኖን’ዩ  . . . መፍትሒ ጸገሙ
አብ ትማሊ አይንበርን’ዩ  . . .  ናይ ጽባሕ ሕለሙ።

 


ንሎሚ ድሐን   … . . . .    ንሱ’ዩ ምኽርና
ብኸንቱ ከይጠፍእ . .  . .  ጊዜ ናይ ኩላትና
ንይበላኹም ክንምልስ …  ድሕሪት ከይትጐቱና
ኲናትና አንጻር ህግደፍ ይቕናዕ  . . . ክቐስን ህዝብና።
 
ደንቆሮ አይኮነን . . .    ዓይኒ’ለዎ ህዝቢ
ንኹሉ ዝከታተል . .  .     ጉዳዩ ዝናቢ
ርግእ ድአ በሉ . . .     ዋጋ የብሉን ናዕቢ
መስርዕ ተጸበዩ . . .   ንሱ’ዩ ፍርዲ ውሃቢ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...