ዝዓነወ  ዋልድቢት
ኳና ዋልድቢትካ.............

ተርኪሱ ምስ ሰበበ ምስ ዓሰወ
መሰረቱ ምስ ዘንበዐ ምስ ዓነወ

ክብደቱ ምስ  ዘንበለ ምስ  ዘዘወ
ምስ በዅቦኸ  ምስ  ገርነወ

እንተ ወተፍካዮ  ጉዑር  እምኒ
እንተ  ለበጥካዮ ጭቃ እምኒ 
 
እንተ ለመጽካዮ ኖራ  ጸበርያ
እንተ ደገፍካዮ ገመል መጠልያ.........
 
እቲ መኣዝን  ይጭነቕ  ይበኪ
እቲ  ጉዑር  ይሕምተል ይስልኪ

እቲ ገመል ይሕልቅም  ይቐጥን
እቲ ዓንዲ ይሃምም  ይሰጥም
 
እቲ ጸፍጸፍ  ይጸድፍ የንካራሩ
እቲ  ዘንቀ  ይጸብብ  ኣንጸርጺሩ  
 
ዋልድቢት ቤትካ ምስ ዘዘወ............
 
ማዕጾ  ልዳት  ይጭነቕ ይጠማዞ
ወንድወንዶ  ይጠዋወ  ይቀናዞ
 
መሸጎር  የእዊ  ረዳት ይጽውዕ
ማዕጾ ተረቢሹ ብዙሕ ይውዕውዕ
 
ቆፎ  ሓርቢትዎ  ንድኾን ይነግር
ሓቂ መሲልዎ ንጊዜ ዝሰግር 

ዋልድቢትካ ምስ ዘዘወ.............

ጕዑር  እምኒኻ ሽግር ኣየናግፍ
ባላ ገረብካ መንደራጕሕ  ኣይድግፍ
 
ምጽብባቕ እምኒኻ ፈራስ ኣየዐሪ
ምኵሕሓል  ቆፎኻ  ኣይሕግዝ ኣይዘሪ 

ዝቖንቆነ ዓንዲኻ ኣይጠልል ኣይሰብሕ
ዝጸልመተ ውሻጠኻ ብርሃን ኣይደጕሕ

ስለዚ ድማ..........
እቲ ዝኣረገ  ብኽብረቱ ምጋሽ ይሕሾ
ሓቂ መሲልዎ  ብጊዜ ከይዕሾ 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...