{autoremote linkfromdisplay="false" shuffle="false" autostart="true" width="320" height="20"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-ayfalkinMeskeremNeaminTekie409.mp3{/autoremote}

መስከረም

ኣይፋልኪን መስከረም
ግደፊ ኣይንጣለም         
ኣይነቐጸን’ቲ ቀለም

ኣብቲ ከውታ ጸላም
ብስም ኣግእዞ ለኣዳም
ትዝክሪዶ ክንፈራረም

ንስኺ ክትሓዝልና ንሕና ክንነፍዕ
እዝኒ ዘላቶ ኩሉ መታን ክሰምዕ
ቁልዒ ኣዳል ሓቢርና ክንውልዕ

ከምቲ ዝፈረምናሉ ውዕልና ዝእዝዞ
ኣሃዱ ክንብሎ ናይ 30 ዓመት ጉዕዞ
ጉዕዞ ራህዋዩ ነይሩ ንፍጹም ኣግእዞ

ሓቂዩ ንስለ ምሕንጋር ሓንጊርክና
ንሕና ውን እናወደቕና እናተሳእና
ከም ዕፉን እናተጨጨፍና ዓዲ ኣቲና

እንታይሞ መስከረም

መለክዒኺንዶ ድርብ ኮይኑ
ሓንጊርኪ ዘእተኽዮም ጀጋኑ
ገለ ይስውኡ ገለ ይዳጎኑ

ገለን ይድስክሉ ገለን ይባረሩ
ገለን ይእሰሩ ገለን ይሕየሩ
ውዕልና ድኣ ድርብ ድዩ ኔሩ

ኣይፋልኪን መስከረም
ግደፊ ኣይንጣለም
ኣይነቐጸን’ቲ ቀለም

ብመሰረት ውዕልና ንስራሕ
ነውሪዩ ግደፊ ኣይንጎራራሕ
ብመትከል ሓቂ ንመራሕ

ነብስኺ ፈትሺ ድሕሪት ተመለሲ
ሰነዳት ሓደ መስከረም ተወከሲ
መንበለ ነጻነት ብዘይ ዲሞክራሲ

ኣይቃልናን መስከረም ኣይቃልናን
ንሸራፍ ናጽነት ፍጹም ኣይውዕልናን
ንስርዓተ- ምልኪ ፍጹም ኣይፈረምናን

ሃብታም  ባህልና ንኽብሕጎግ
ምዕቡል ባይቶንዳባ ንኽዝረግ
ሰብኣዊ ክብርና ንኽንሕደግ

ኣይውዕልናን መስከረም
ግደፊ ድኣ ኣይንጣለም
ኣይነቐጸን’ቲ ቀለም

ተነስሒ ድኣ ጌጋኺ ኣርሚ
ነውሪዩ ብጾትኪ ኣይትጥለሚ
ሕሰብሉ ደቅኺ ኣይተዘኽትሚ

እንተ ንሕና ንሕና ኣቱም ሰብ
ግደፉ ንዑ ንልዝብ ንተኣከብ
ካብ ምትፍናን የለን መኽሰብ

ናይ ትማል ጌጋ ንተረኽቲ ይገደፍ
ዉዕሎና ከይቁጸ ሃገር ከይትኹለፍ
ሓቢርና “ይኣክል” ንበሎ ንህግደፍ
ኣቱም ገና ኣብ ትማል ንነብር
ካብ ጀብሃባ ሻዕብያባ ንብል
ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ንዘክር
ኣብ ኩሉ’ዮም  ዘለዉ ስዉኣትና
ብሜላ ንርገጽ ዓጽሞም ከይወግኣና
ብልቦና ንጎዓዝ ጥልመት ከይኮነና

ኣብቲ መጻወድያ ዘለዉኸ እንታይ ክብሉና
ኣቱም ሰባት ስለምንታይከ  ስክፍ ዘይብለና
አረ ኣበዩ ከይዱ እቲ ኩሉ ኤርትራዊ ሕልና

ገለ ንምልኪ ተቓዊሞም ንህግደፍ ዝፈንፈኑ
ገለ ውን ብፖለቲካዊ ኣረኣእይኦም ዝተሃድኑ
ኣዒንቶም ብሽፉኑ ኣካላቶም ይበርስ ኣሎ ይዓኑ

መስርሕ ሕጊ የለ ኣብ ፍርዲ ኣይቀርቡ
ሬድዮ ኣይፍቀዶም መጻሕፍቲ ኣየንብቡ
ምኡዝ መግቢ የለ ከብዶም ኣይጸግቡ
መጻሕፍቲ የለ ምስ ሰብ ኣይራኸቡ
ጸሓይ ኣይረኽቡ ንፋስ ኣይጸግቡ
ኣብ መናድቕ ይጽሕፉ ምስኡ ይዛረቡ

ነዚኦም ረሲዕና ኢና ኣብ ሓሸውየ ንካታዕ
ውድብ ዓዚዙና ያኢስ የማን ጸጋም ንላኻዕ
ንግዝያዊ ጥቕሚ ምስ ህግደፍ ንቆማጣዕ

ንዑ ድኣ መርገም ከይኮነና  ሃየንታ
ታሪኽዩ ተራፊ ንወለዶ ጽባሕ ዛንታ
ዓገብ ንበል ብዘይፍርሒ ብዘይስክፍታ

ኣፍንጫ እንተተሃርመት ኣይዓይኒንድያ ትነብዕ
ምእንቲ ኩልናዶ ኣይኮነን እዚ ኹሉ ኣደራዕ
ግደፉ ብእዋኑ ንሕሰበሉ ጽባሕ በብተራ ከይንብላዕ

እንተ ኣቱም መንጉመንጎ ጃላ
መዳምቕቲ ፈስቲቫላት ጓይላ
ንዑ ንተኣከብ ሃገር ትጠፍእያ ዘላ

ምስ መንሞ ኣይትበሉ ኣይተመሳምሱ
ባዕልኹም ተበገሱ ንመሰልኩም ተቓለሱ
ግቡእኩም ግበሩ ኣበር ጥራሕ ኣይትንከሱ

ኢሂ ኣይጉዳይኩም እንድዩ
ስለምንታይከ ምጽዋዕ ትደልዩ
ነቲ ጌጋዩ ትብሉዎ ብቓልሲ እለዩ
ምልኪ ደኣ ጨፍሊቑና እምበር
መዓስ ኣብ ህግደፍ ጥራሕ  ኣበር
ባይታ እንተልዩ ግን ኩሉዩ ክስገር
ደምበ ተቓውሞ ውን ልቢ ግበሩ
ተሞክሮኹም ገምግሙ ተመራመሩ
ስልጣን ውርሻ ኣይኮነን ኣሰጋግሩ

ብነኣምን ተኪኤ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...