እቲ ነቓዕ ተስፋ ክጽግን'ዩ !

ኣንቲ  ኣደይ..............!
እዚ ጊዜ'ሲ....

እሂና ዝወደይ ?

ብሓቂ'ስ ክቐድድ ዲዩ  ክወግሕ
ብሓቂ ክወግግ ዲዩ  ክጸብሕ
ብሓቂ ክሃጥር ዲዩ  ክሰብሕ
ብሓቂ ክትስእ ዲዩ  ክነቅሕ ?

ኣንታ ሊላይ ወደይ!.........
ከመይ ደኣ ዘይወግሕ......

ብሓቂ ክብርህ 'ወ ክቐትር
ብሓቂ ክደምቕ 'ወ ከም በራውር
ብሓቂ ክወግሕ 'ወ ባና ክበንን
ብሓቂ ክቐትር 'ወ ፍስሃ ክኸውን ።

እንዲዒ' ኸ ኣደይ!..........

ጸሓይ ኣጋግዘ ፡ ይጎየና 'ሎ
እዋን እቶ-እቶ ፡ ይጽልምተና'ሎ

ኣንታ ሊላይ ወደይ፡ እዝገ-ፍለጠካ!
እቲ-ምንታይ'ሲ....?

ብቱርኪ ናጽነት ምስደለና
ብጥልያን ናጽነት ምስደለና
ብጃንሆይ ናጽነት ምስደለና
ብደርግ ናጽነት ምስደለና
ብደቅና ናጽነት ምስደለና
ኣየናይ እዋን'ከ ምስቀሰ'ና !

ሊላይ ወደይ...............
ናይ ሎሚ ገደደ ብደቅና
ገረብ ብሓኽላ ፡ ብኸርስና
ብጩግራፍና ፡ ብወንጭፍና
ኣብ ግራትና ፡ ኣብ ደንቤና
ከም ደቂ ጓና ፡ ተኾርሚና

ሊላይ ወደይ...............
ባዕላቶም ኣዘዝቲ መኳንንቲ
ባዕላቶም ነደቕቲ ኣፍረስቲ
ባዕላቶም ሰራዕቲ ፈረድቲ
ባዕላቶም ሓዛእቲ-በየንቲ
መጕሰዖም ዘድርጉ በላዕቲ

ብዝኾነ ሊላይ ወደይ............
እንተ ሕጂ'ሞ፡  ሓዲኣ'ላ
እታ ማህጸነይ ኤህ ኢላ'ላ
ብርጉም ውላዳ  ተዳሂላ
ኣደ ርጉም ኰይና ተበዲላ
ኣደ ሕሱም ኰይና ተደፊራ

በሊ ኣደይ መዓረይ !
ጽንዓት ኣንበሳ ይሃብኪ.......

ብሓቂ...............................
ነቲ ቐራን ፡ ጸድፊ የውርደሉ
ነቲ እሾኽ ፡ ሓያል ይፍጠረሉ
ነቲ ለዋህ ፡ ለይቱ የውግሓሉ
እንተ ነቲ ዓሻ ፡ ጸሓዩ የዕርበሉ

ኣሜን ሊላይ ወደይ !

እታ ኪዳነ-ምሕረት ባዕላ'ላ
ትጥምት ተማዕዱ ኣንቆልቊላ
ትጽብጽብ መዓልታ ኣስተብሂላ
ክትሓርሶ ጥንሳ ኣውጊሓ-ኣራፊዳ
===============
የርህዎ ኣምላኽ /Yerhewo AmlaK


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...