21/10/2011

ህዝቢ ብሄረ ዓፋር ንግዳዊ ስራሕ ከየሰላስልን ጸጋታት ባሕሪ ከይጥቀምን

ንዝወጸ መምርሒ ምልክነት ኢሳይያስ ብትሪ ይቓወሞ’ሎ።

ካብ ውሽጢ ዝመጸና ደብዳቤ ከምዝሓበሮ- ምልክነት ኢሳይያስ ህዝቢ ብሄረ ዓፋር ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተንቀሳቂሱ ንግዳዊ ስራሕቲ ከየሰላስልን ጸጋታት ባሕሩ ተጠቂሙ መነባብርኡ ከይመርሕን ቅድም ኢሉ ዘውጸኦ መምርሒ ሕጂ ሃለዋትና ኣብ ሓደጋ ወዲቁ’ዩ ስለዚ ዝግበር ግበሩ ብዝብል ተሪር ተቓውሞ ተወለድቲ ዓፋር ይብዳህ ኣሎ።

ከም ውጽኢት ናይቲ መምርሒ ንዓመታት ዘሕለፍናዮ ሕሱም ሃለዋት ሕጂ ካብ ዝኸፍኣ ናብ ዝብኣሰ ተሰጋጊሩ ሃለዋትና ኣብ ሓደጋ ወዲቁ’ሎ ዝበለ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዲዖ፡ ዕዲን ባርዓሶላን ዝነብር ህዝቢ እቲ ስርዓት ንሃለዋትና ተገንዚቡ ዝግብኣና መፍትሒ ተዘይሂቡና ናይ ገዛእ ርእስና ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ናብ ዝብል ተባዕ ስጉምቲ ከምዝተሰጋገረ ተፈሊጡ’ሎ።

ህዝቢ’ተን ንኡሳን ዞባታት ነዚ ዓቕሉ ዝተፈታተነ ኩነታት ተቓውምኡ ብምግላጽ መፍትሒ ክነዳየሉ ንምሕታት ዝውክሉዎ ዓበይቲ ዓዲ ሓርዩ ናብ ቤትጽሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ሰዲዱ ንሜጀር ጀነራል ሑሞድ መሓመድ (ካሪካረ) ጥርዓኑ ከምዘቅረበ ድማ እቲ ደብዳቤ ሓቢሩ’ዩ።

እቶም ወከልቲ ሽዑ ንካሪካረ ናይ ቀረባ ዕዳጋና ካብ ኣስመራ ንላዕሊ ጎረቤት የመን’ያ እንተኾነ ግና ንኣትወሉን ንወጸሉን ኣፍደገ ባሕሪ ብመንግስቲ ንዓመታት ስለዝተዓጸወ ሓደጋ ጥሜትን ዓጸቦን ተደሚሩዎ ከም ህዝቢ ከይንበርስ ዘስግኣና ብድሆ ኣጓኒፉና ይርከብ ስለዝኾነ ምስ የመናውያን የሕዋትና ዝጸንሓ ናይ ሸቀጥ ልውውጥ ክንገብር ይፈቀደልና ብምባል ጥርዓኖም ኣቅሪቦም’ዮም።

ሜጀር ጀነራል ካሪካረ ዝሃቦም መልሲ ግን ሕቶኹም ልዕሊ ዓቕመይ ስለዝኾነ ክገብሮ ዝኽእል የብለይን ዝብል ከምዝኾነ ድማ እቲ ደብዳቤ ይሕብር።

በዚ ዘይተጸበይዎ መልሲ ዝተገረሙ እቶም ሽማግለታት ሓላፊ ስለያ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ዝኾነ ሜጀር ተስፋኣለም ስዩም ብምኻድ ተመሳሳሊ ጥርዓን ዘቅረቡ’ዃ ተኾኑ ንሱ ዝሃቦም መልሲ ግን ትእዛዝ መንግስቲ ስለዝኾነ ንጥርዓንኹም ብወገና ንገብሮ ፍታሕ የለን ትም ኢልኹም ነናብ ዓድታትኹም ተመለሱ ዝብል ምዃኑ ተነጺሩ’ሎ።

ብድሕሪ’ዚ እቶም ሉኡኻት ህዝቢ እንዳርኣየ ስለዘይጸንት ትህቡና መፍትሒ ተዘይሃልዩ ንሕና ዝመስለና ክንገብር ኢና ብምባል ካብ ባጽዕ ናብ ከባቢኦም ከምዝተመለሱ እቲ ካብ ውሸጢ ዝመጸና ደብዳበ ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ’ሎ።

----------------------------------------///////////----------------------------------

21/10/2011

ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ንሃለዋትና ዝብድህ ጸገም ገጢሙና’ሎ

ዝብል ለበውኦም መልሲ ምስ ሰኣኑሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ምርጫ ብምውሳድ

ኣንጻር ምልክነት ኢሳይያስ ስጉምትታት ይወስዱ’ለው።

ህዝቢ ዓፋር ጸጋታት ባሕሩ ከይጥቀም ዝኽልክልን ናብ ጎረባብቲ ጁቡትን የመንን ዝሰላሰል ተወለድቲ’ቲ ብሄር መነባብሮኦም ዝኣልዩሉ ንግዳዊ ስራሕቲ ክቋረጽን ብምልክነት ኢሳይያስ ዝወረደ መምርሒ ድሕሪ ደጊም ንሃለዋትና ኣብ ዝብድህ ደረጃ ስለዝበጽሓ መፍትሒ ይገበረሉ ብምባል ህዝቢ ዘስምዖ ተቓውሞ ምላሽ ብምስኣኑ ተወለድቲ’ቲ ብሄር ገዛእ ርእስና ናይ ምድሓን ዝበሉዎ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝጀመሩ ካብ ውሽጢ ዝመጸና ደብዳቤ ኣረጋጊጹ’ሎ።

ህዝቢ ዓፋር ሕጂ ግዳይ ሓደጋ ዓጸቦ ብምዃኑ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ጸጋታት ባሕሩ ክጥቀምን ናብ ጎረባብቲ ከይዱ ንግዳዊ ስርሑ ከሰላስልን ከምዝደሊ ብምግላጽ ብሉኡኻቱ ኣቢሉ ሃለዋት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቀ ምልክነት ኢሳይያስ ቅድም ኢሉ ንዘውጾኦ መምርሒ ዳግም ክሓስበሉን ከመሓይሽን ዘቅረቦ ለበዋ መልሲ ስኢኑሉ’ዩ ዝበለ እቲ ደብዳቤ ስለዝኾነ እቲ ህዝቢ ነቲ ዝመስለና ክንገብር ኢና ዝበሎ ምርጫ ተግባራዊ ክገብር ከምዝጀመረ ከኣ ኣነጺሩ።

ብመሰረት’ዚ ኣዝዮም ብዙሓት ተቐማጦ ከባቢታት ምምሕዳር ዓድታት ባርዓሶላ፡ ጋሕሮ፡ ገላዕሎ፡ ፎሮ፡ ዒዲ፡ ቡሪ (ኢንገል)፡ ጢዖን ካልኦትን ድሕሪ’ዚ ኩነታት መብዛሕትኣን መንግስቲ ኤርትራ ካብ የመናውያን ኣስገርቲ ዓሳ ወሪሱ ኣካርዩዎም ንዝነበራ ካብ 30 ስጋብ 40 ዝኾና ጀላቡ ሒዞም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝተሰደዱ ጠቒሱ’ዩ።

ብተመሳሳሊ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ብሄር ዓፋር ዘለውዎም 17 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሆሪ ንዝዓይነታ ዋንነታ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ዝኾነት ናይ ውግእ ጀልባ ጽዒናቶ ንዝነበረት ብረት ደርብዮም ንኣዛዚኦም ኣብ ገለዓሎ ኣሲሮም ናብ የመን ሃዲሞም ዕቑባ ዝሓተቱ ኾይኖም ካልኦት 8 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ሓንቲ ጀልባ ጌሮም የመን ኣትዮም’ዮም።

ንካልኦት ክጠፍኡ ሓሲቦም ተባሂሎም ዝተተሓዙ ዜጋታት ከዘራርብ ምስ ኦፕሬተሩ እሱራት ናብ ዝነበሩሉ ቦታ ይጓዓዝ ዝነበረ ሽፋ ዝብሃል ናይ ስለያ ሓላፊ ኣብ መገዲ ኣድብዮም ብምጽናሕ ነቲ ሓላፊ ቀጥቂጦም ብምድርባይ ንሬድዮ ርክቡ ሰባቢሮም ነቲ ካልኣዩ ኦፕሬተር ሒዞሞ ናብ የመን ዝኣተው ዜጋታት’ውን ኣለው።

እዞም ኩሎም ስርሒታት ብዓበይቲ ዓዲ ኣቢሉ ህዝቢ ዓፋር ዘቅረቦ ለበዋ ብምልክነት ኢሳይያስ መልሲ ምስ ሰኣነ ዝተፈጸሙ ከምዝኾኑን እዚ ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ብጅምላ ዝገብሩዎ ዘለው ዋሕዚ ነቲ ጠላም ጉጅለ ዓቢ ሕማም ርእሲ ኾይኑዎ ከምዘሎን ድማ እቲ ደብዳቤ ኣብሪህዎ’ዩ።

-----------------------------------------------////////////--------------------------

21/10/2011

ብጅምላዊ ምብትታን ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ዝሰንበደ ምልክነት ኢሳይያስ

ንህዝቢ ዓፋር ከጉባዕብዕ ከንቱ ፈተነ ይገብር ኣሎ።

ሃለዋትና ብሕሱም ሓደጋ ድርቂ ኣብ ምልክት ሕቶ ስለዝኣተወ ጸጋታት ባሕርና ክንጥቀምን ናብ ጎረባብቲ ነጊድና ናብራና ክንመርሕ ክፍቀደልናን ኣለዎ ዝብል ሕቶ ኣቅሪቦም መልሲ ዝሰኣኑ ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ዝኾኑ ዜጋታት ጀላቡ ሒዞም ብጅምላ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝገብርዎ ዘለው ምብትታን ንምልክነት ኢሳይያስ ናብ ዘሻቅል ጠርዚ ኣእትይዎ’ሎ።

ካብ ውሽጢ ዝመጸና ደብዳቤ ከምዘረጋገጾ- ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ዘስደምም ኩነት ዝሰገረ ምብትታን ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ዘሰንበዶ ምልክነት ኢሳይያስ ነቲ ህዝቢ ከፈራርሕን ከቀባጥርን ምስሉይ ፈተነታት ዝጀመረ ኾይኑ ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወ/ሮ ጽጌሬዳ ወልደገርግሽ ብሓደ ሓላፊ ስለያ ባሕሪ ተዓጂባ ናብ ጢዖን ዒዲን ብምኻድ ንሽማግለታት ዓዲ ኣኪባ ከተፈራረሕ ፈቲና’ላ።

ንሳ ኣብቲ ኣኼባ እዚ ብጻዕቂ ዝርኣ ዘሎ ህድማ ናይ ደገ ሓይልታትን ሃሱሳትን ሽርሒ ስለዝኾነ ኣቃሊልካ ዝርአ ዘይምዃኑ ፈሊጥኹም ዓበይቲ ዓድን ነበርትን ክትገትእዎ ይግባእ ተዘይኾይኑ ግን እንገብሮ ባዕልና ንፈልጥ ክትብል’ያ ከተፈራርሕ ፈቲና።

ይኹን’ምበር ህዝቢ ዓፋር ልዕሊ ሕቶ መሰልን ዲሞክራስን ዝስራዕ ቀዳምነት ዝውሃቦ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ ስለዘልዓለ እዚ ክምለስ እንዘተይክኢሉ ንህልውንኡ ክብል ብኣንጻር ካብ ምቅላስ ድሕር ከምዘይብል ፈታውን ጸላእን ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ብዙሓት ይዛረቡ ከምዘለው እቲ ደብዳቤ ሓቢሩ’ዩ።

እቲ ደብዳበ ኣብ መወዳእታ በዚ ጉዳይ ዝግደስ ኩሉ ወገን ከም ህዝቢ ንህልውናና ኣብ ንገብሮ ቃልሲ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ክድግፈናን ጸገማትና ናብ ህዝቢ ዓለም ከጋውሓልናን ንላቦ ክብሉ ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ጻውዒት ከምዘቅረቡ ኣመልኪቱ’ዩ።

----------------------------------------///////////---------------------------------

21/10/2011

ምልክነት ኢሳይያስ መልሲ ክህበሉ ንዘይክኣለ ሕቶ ህዝቢ ብሄረ ዓፋር ብምፍርራሕን ግፋን ክጉዕጽጽ ከንቱ ፈተነ ከምዝገበረ ተረጋጊጹ።

ህዝቢ ብሄረ ዓፋር ጸጋታት ባሕሩ ከይጥቀምን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንግዳዊ ምንቅስቃስ ከይገብርን ንዝተነበረሉ እገዳ ብምቅዋም ዘቅረቦ ሕቶ መልሲ ምስሰኣነሉ ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ኣልዒሉ ተወዲቡ ናብ ስደት ብምውሓዝ ይወስዶ ብዘሎ ስጉምቲ ዝሰንበደ ምልክነት ኢሳይያስ ነቲ መልሲ ክህበሉ ዘይክኣለ ሕቶ ብምፍርራሕን ብግፋን ክጉዕጽጽ ፍሹል ፈተነ ከምዝገበረ ምንጭታት ወጋሕታ ኣረጋጊጾም ኣለው።

ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ሃለዋትና ኣብ ሓደጋ ወዲቁ’ዩ ካብዚ ንላዕሊ ክንጻወር ኣይንኽእልን ብምባል ዘቅረብዎ ሕቶ መልሲ ምስሰኣነ ናይ ገዛእ ርእሶም ምርጫ ክወሰዱ ዝጀመሩ ኾይኖም ምልክነት ኢሳይያስ በዚ ተዳሂሉ ቅድም ኢሉ ብኣማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ በሕሪ ወ/ሮ ጽጌሬዳ ንዝጀመሮ ምፍረራሕ ሕጂ ከኣ ብውጩ ኣቢሉ ቀጺሉሉ’ሎ።

ውጩ ንዓበይቲ ዓዲ ዓፋር ኣኪቡ ልብኹም ስለዝሸፈተ ናብ ጎረባብቲ ትገብሩዎ ዘለኹም ምብትታን ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ደይቡ’ሎ። ስለዝኾነ ናይ ገዛእ ርእስኹም ብርጌድ ብምምስራት ባዕልኹም ክትመርሕወንን ናይ ጸጥታ ኩነታት ሓላፍነት ባዕልኹም ክትሽከሙን ክግበር’ዩ ክብል ተዛሪቡ’ዩ።

እዚ ንቀልቢ ህዝቢ ዓፋር ክቅይር ዝተገበረ ፈተነ በርዒኑ ከምዝተረፈ ድሕሪ ምርግጋጹ ከኣ ኣብ ምድረ ዓፋር ሰፋሕቲ ግፋታት ብምክያድ ተወለድቲ’ቲ ብሄር ዝሓቆፈ በራጊድ ምቋም ዝብል ምስሉይ ሜላ ክንጠፈሉ ይግበር ከምዘሎ ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ ኣነጺሩ።

እቲ ንሕቶ ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ንምጉዕጻጽ ዝዓለመ ፈተነ ደቀንስትዮ’ቲ ብሄር ኣገልገሎት ክትህባ ተመዝገባ ኢልካ ብምግዳድ ንባህልን ልምድን ህዝቢ ዓፋር ብዝጻረር መገዲ ኣቢሉ’ውን’ዩ ዝፈጸም ዘሎ።

ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ብጃካ’ቲ ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ኣልዒሎም ናብ የመንን ጁቡትን ዝገብሩዎ ዘለው ዋሕዚ ጥሪቶም ሒዞም ናብ ጎረቤት ኢትዮጵያ’ውን ይስደዱ ከምዘለው ኣብ ቀረባ መዓልታት ልዕሊ 400 ጥሪት ሒዞም ኣብ ሓንቲ ጸሓይ ናብ ጎረቤት ኢትዮጵያ ከምዝኣተው ብኣብነት ጠቂስና ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር’ዩ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...