ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ’ቲ ብኢምባሲ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ኣብ ሽወደን ዝምእረር ዘሎ ብ 2% ዝፍለጥ ዘይሕጋዊ ቀረጽ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ሽወደን ከም ዝተቓለሐ ንሕብር። እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ሽወደን ካብ ዝለዓል’ኳ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ይኹን’ምበር ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብትዅረት ክለዓል ዝገበረ ጉዳይ፡ ብደረጃ ባይቶ ኣብ ክትዕ ወሪዱ ምህላዉን ናብ ውሳኔ ገጹ ይገማገም ስለ ዘሎን ኢዩ። ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ብኣስገዳድ ዝምእረር ዘሎ ዘይሕጋዊ ቀረጽ ንምእጋዱ ብኩሉም ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ ዘይሕለል ጻዕርታት ክካየድ ጸኒሑን ጌና’ውን ይካየድ ምህላዉ ኢዩ። ኣብ’ዚ መዳይ ካብ’ቶም ዕዙዝ ግደ ዝጻወቶ ዘለዎ፡ ኣባል ባይቶ ሽወደን ኣቶ ኣርሀ ሓመድናካ ምዃኑ ኩላህና እንፈልጦ ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ርጡብን ዝተረጋገጽን ሓበሬታ ንምርካብ እዚ ሓጺር ሓተታ ምስ ኣቶ ኣርሀ ኣካይድና፣ ትሕዝትኡ ድማ እነሆ፡

ሕቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዜናዊ ማዕከናት ብዛዕባ’ቲ ብ20% ዝፈለጥ ኢምባሲ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንኤርትራውያን ዘኽፍሉ ቀረጽ ብዙሕ ተዘሪቡ፣ ኣብ ባይቶ ሽወደን ድማ ከም ዛዕባ ተላዒሉ ምህላዉ ተገሊጹ፡ ብዛዕባ’ዚ መብሪሂ ምሃብካና ዶ ?

መልሲ፡ ብቐዳምነት ነዚ ከብርህ ዕድል ዝረኸብኩ ከመስግን እፈቱ። እዚ ጉዳይ’ዚ ብመሰረቱ ምስ ሕቶ ፍትሕን ሕግን ዝተኣሰሰረ ብምዃኑ ሽወደን ብዕቱብነት ከብ’ቶም ዝከታተልዎም ጉዳይት ኢዮ። ኩላህና ከም እንዝክሮ ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን፡ ንኤርትራ ዝመብቆሎም ሽወደናውያንን ከምኡ’ውን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ኤርትራውያን ዜጋታትን ብጌደታ 2% ቀረጽ ከም ዘኽፍል ዝተረጋገጽ ሓቂ ኢዩ። ርግጽ’ዩ ገለ ውሑዳት ብድልየቶም ዝኸፍሉ ኣይሰኣኑን ኢዩም። መብዛሕቲኦም ግን ወይ ብፍርሒ ወይ ድማ ገለ ውልቃዊ ጠቕሚ ኣብ ኤርትራ ስለ ዘለዎም ኢዩም እዚ ብዘይ ሕጊ ዝተሸነነ ቀረጽ ክኸፍሉ ዝግደዶ። ንሕና እቲ ዘገድሰና፡ እቲ ጉዳይ 
ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ምዃኑ ኢዩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ብደረጃ እቲ ኣነ ኣብ ባይቶ ዝውክሎ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ (ሶሻል ዲሞክራት)፡ ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ብጾተይ ኣባላት ባይቶ ሽወደን ነዚ ጉዳይ ንምግጣም ነዊሕ ጻዕርታት ኣካይድና። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ፡ ኣብ’ታ ኣነ ኣባላ ዝዀንኩ ናይ ባይቶ ቀዋሚት ሽማግለ “ሽማግለ ፍትሒ” እዚ ጉዳይ ናብ ክትዕ ቀሪቡ።

ሕቶ፡ ብኸመይ ቀሪቡ፡ ንምንታይ ከ ኣብ’ታ እሳኻ ዘለኻያ ሽማግለ ቀሪቡ?

መልሲ፡ ንምብራህ ዝኣክል፡ ባይቶ ሽወደን (Riksdag) ኣብ 15 ቀዋሚ ሽማግለታት ዝተመቕለ ኢዩ ሓንቲ ካብኣተን እዛ ኣነ ኣባላ ዝዀንኩ ሽማግለ ፍትሒ ኢያ። ጉዳይ ምምእራር ዘይሕጋዊ ቀረጽ 2% ኣቐዲሙ ብሰለስተ ኣባላት ባይቶ ማለት ኣነን፡ ፈረድሪክ ማልም (ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ህዝቢ) ከምኡ’ውን ወ/ሮ ሂለቪ ላርሾን ካብ ( ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ - ሶሻል ዲሞክራት)፡ መጽናዕቲ ክቐርብ ተወሲኑ። እዚ መጽናዕቲ ምስ ተወደአ ናብ ሽማግለ ሕግን ከምኡ’ውን ሽማግለ ቀረጽን ቀሪቡ። እዚ ጉዳይ’ዚ ምስ ሕቶ ፍትሒ ዝተኣሳሰር ኢዩ ተባሂሉ ናብ’ዛ ሽማግለ’ዚኣ ተመሓላሊፉ። ኣብ’ዚ እውን ካልእ ጸገም ገጢሙና። እሱ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ባይቶ ኣብ’ታ ንሱ ኣባላ ዝዀነ ሽማግለ መጽናዕቲ ከቕርብ ኣይፍቀድን ኢዩ። ስለ’ዚ እቲ ሽመይ ዝሰፈሩ ምስ’ቶም ኣቐዲመ ዝጠቕስክዎም ክልተ ብጾተይ ኣባላት ባይቶ ዝተዳለወ መጽናዕቲ ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ፡ ከምኡ’ውን ካብ ካልእ ሽማግለ ባይቶ (ሽማግለ ሕግን ሽማግለ ቀረጽን) ዝተመሓላለፈ ረቒቒ ስለ ዝዀነ ኣብ ሽማግለ ንክትዕ ክቀርብ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ኣብ’ዛ ሽማግለ’ዚኣ ድሕሪ ምጽዳቑ ከኣ ናብ ብምሉኡ ኣኼባ ባይቶ ቀሪቡ ውሳኔ ክውሰደሉ ተመዲቡ። እዞም ዝተጠቕሱ ሽማግለታት ነቲ ጉዳይ ናብ ሽማግለ ፍትሒ ዘሕለፍሉ ምኽንያት እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ስለ ዘሎ ክሳብ ዝዀነ ብይን ዝውሰድ እቲ ሕጋውነት ናይ’ዚ ጉዳይ ንግዜኡ ንቤት ፍርዲ ዝምልከት ኢዩ ካብ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ዝዀነ ኰይኑ፡ ኣብ ሽማግለ ፍትሒ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝቐረበላ መጽናዕቲ፡ ኣነ ዕድል ተዋሂቡኒ ብጭብጥታት ዝተሰናየ ሰፊሕ መጐት ኣቕሪበ። ከም ረቒቕ (ወይ ንድፊ ውሳኔ) ተዳሊዩ ናብ ድምጺ ምስ ቀረበ ኣባላት ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ (ሶሻል ዲሞክራት) ከምኡ’ውን ጸጋማዊ ሰልፊ (ቨንስተር)፡ እስገዳዳዊ ምእምራር ዘይሕጋዊ ቀረጽ ክእገድ ምስ ዝብል ርእይቶ ከድምጹ ከለዉ፡ ሓምላይ ስልፊ (ሚልዮ ፓቲየት) ድማ ተዓቅቡ ገይሮም። እቶም ዝተረፉ ኣባላት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ልፍንቲ (ናይ የማን ስልፍታት) ኣይፋል ዝብል ድምጺ ሂቡ። ኣብ’ዚ ክጠቕሶ ዝደሊ ኣቶ ፍረድሪክ ማልም ኣባል ሊበራል ሰልፊ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ልፍንቲ ክንሱ፡ እሱን ሰልፉን ካብ’ቶም ብዛዕባ ጉዳይ ቀረጽ ይኹን ብዛዕባ ጉዳይ ነቲ ብዘይ ፍርዲ ንዓሰርተ ዓመት ዝኸውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝማስን ዘሎ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣመልኪቶም ኣንጻር ተግባራት ስርዓት ኤርትራ ተዓጢቖም ዝቃለሱ ምዃኖም ኢዩ።

ሕቶ፡ እዞም ኣይፋል ኢሎም ዘድመጹ ሰልፍታት እንታይ ኢዩ ዘቕርብዎ ምኽንያታት?

መልሲ፡ ኣብ ዝተኻየድ ክትዓት ዳርጋ ኩሎም ሰልፍታት ብመንፈስ ምስ’ቲ ንሕና ዘቕርበናዮ መርቶዖታት ይሰማምዑ ምዃኖም ገሊጾም ኢዩም። እቲ ብኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ዝፍጸም ዘሎ ምምእራር ቀረጽ ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ምዃኑ ከም ዝኣምኑ’ውን ገሊጾም። እንተዀነ ግን እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ቤት ፍርዲ በጺሑ ስለ ዘሎ፡ ክሳብ ብይን ዝውሰደሉ ምጽናሕ እቲ ዝሓሸ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዎም።

ሕቶ፡ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ልፍንቲ ነዚ ዝቐረበ ንድፊ ውሳኔ ዘይመቐበሊኡ ምስ’ቲ ንጋዘጤኛ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምልቃቓ ብወጻኢ ጉዳይ ሚንስትሪ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሱቕታ ዲፕሎማሲ (Silent diplomacy)  ፋሕ ካይብሎም ስለ ዝሰግኡ ኣይመስለካን?

መልሲ፡ ብርግጽ እዚ ካብ’ቲ ሓደ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን እዚ ፖሊሲ’ዚ ካሳብ ሕጂ ፍርያት ዘየርኣየ ኣገባብ ምዃኑ ይትረፍ ዶ ንሕና ኣባላት ባይቶ ህዝቢ ሽወደን’ውን ዘይግብራዊ ምዃኑ ዳርጋ ዓጊቡ ኢዩ።

ሕቶ፡ ብመሰረት እዚ ዘቕረበካላን መብርሂ እቲ ጉዳይ ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ባይቶ ንከይቀርብ ወዲቑ ማለት ዲዩ ?

መልሲ፡ ኣይፋልን፡ ጌና እቲ ጻዕርታት ኣብ ሽትኡ ንምብጻሕ ቀጻሊ ኢዩ ዘሎ። ባይቶ ሽወደን ንዕለት 15/03/2012 ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክፉት ክትዕ ከካይድ ኢዩ። ኣነ ከኣ ከም ቀንዲ መዳሪ ኰይኑ ሰፊሕ መግለጺ ከቕርብ ኢየ። ስለ’ዚ ዝኰነ ሰብ ኣብ’ቲ ናይ ባይቶ መርበብ ሓበሬታ ብቐጥታ፡ ወይ ድማ እቲ ኣኬባ ክፉት ስለ ዝዀነ ንተዓዘብቲ’ውን ስለ ዝፍቀድ ብኣካል መጺኡ ክከታተል ይኽእል ኢዩ።

ሕቶ፡ ኣብ መደምደምታ ንክሎም ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝግደሱ ኤርትራውያን እንታይ መልእኽቲ ተመሓላልፍ?

መልሲ፡ ብቐዳምነት፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ ክበጽሕን ብደረጃ ባይቶ ሽወደን ከም ኣገዳሲ ዛዕባ ኰይኑ ክዝረበሉ ናይ በይነይ ጻዕሪ ጥራሕ ዘይዀነስ፡ ናይ’ቶም ኩሎም ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ደኺምና ከይበሉ ዝተቓለሱ ኤርትራውያንን ከምኡ’ውን ናይ ብዙሓት ብጾተይ ኣባላት ባይቶ ሽወደን ምዃኑ ከስምረሉ እፈቱ። ብምቕጻል፡ እዚ ስርዓት’ዚ ነቶም ኤርትራዊ ዝመበቖሎም ሽወደናውያንን መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ኤርትራውያንን ብሓይሊ ዘይሕጋዊ ቀረጽ ከኽፍሎም ግቡእ ስለ ዘይኰነ ዓው ኢሎም እምቢ ክብሉ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክቃወም ግዴታኡ ኢዩ። ሽወደን ዓዲ ሕግን ፍትሕን ስለ ዝዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍርሒ ክሽቍረር ፈጺሙ ቅቡል ኣይኰነን። ብርግጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፈታው ሃገሩ ኢዩ፡ ንሃገሩ ክብል ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ይትረፍ ዶ ብገንዘብ እታ ክብርቲ ህይወቱ’ውን በጂዩ ኢዩ። ሕጂ ግን ሕጊ ኣልቦ ዝዀነ ስርዓት ወግሐ ጸብሐ ዘውጽኦ ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ድንጋጌታት ህዝቢ ኤርትራ ብግዲ ክቕበሉ ኣይጽበይን ኢየ። ነቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝቃለሱ ዘለዎ ዲሞክራስያውያ ሓይልታት ኤርትራ ካልኣዊ ፍልልያቶም ብዘየገድስ፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ እጃሞም ክብ ንምባል ኢደይ ኢድካ ኢሎም ብሓባር ክሰርሑ አመሕጽን። ከምኡ’ውን መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣንጻር ምልካዊ ስርዓትን ተግባራቱን ከካይድዎ ጀሚሮም ዘለዎ ውዕዉዕ ቃልሲ መጐሰይ ብምቕራብ፡ ሕጂ ብዝተደራረበ ዓቕሚ ንኣብርክቶኦምን ተርኦምን ክብ ከብሉ ጻዊዒተይ የቕርብ።

የቕንየልና ክቡር ሓው ኣርሀ።

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን

ኢርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - ዞባ ስካንዲናቭያ
01/03/2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...