ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪም ናብ ዝተፈላለዩ ጎሮባብቲ ሃገራት ዝስደዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ’ውን ኣየዕረፉን፡፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰዱ ክሳብ ነሓሰ 31, 2010፣ ዘሎ ግዜ ቁጽሮም 51,718 ክበጽሕ ከሎ፡ ኣብ ሓሙሽተ መዕቆቢ ስደተኛታት፣ ማለት ኣብ ትግራይ፡ ሽመልባ፣ ማይ-ዓይኒ፣ ዓዲ-ሓሩሽ፡ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ዓፋር ድማ፡ ኣብ ኣስሓይታን በርሓለን ከምዘጽለሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ኤርትራው በብወርሒ ካብ 1,800 ንላዕሊ ዶብ ኣቋሪጾም ክኣትዉ ከለዉ ካብዚኣቶም ውሽጢ ካብ 45% ንላዕሊ ዝኾኑ ወተሃደራት ናይ ስርዓት ህግደፍ ከምዝኾኑ’ውን ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡

ምስግጋር ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሽመልባ ናብ ሳልሳይ ሃገር ኣብ ምስልሳል ይርከብ፡፡ ከም መርኣያናቱ ድማ ካብ 2006 ክሳብ መወዳእታ ወርሒ 2009 ዘሎ ግዜ፡ 5,822 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ከምዝተሰጋገሩ፡ ጸብጻብ ቤ/ጽሕፈት ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ይገልጽ፡፡

 



ብዘይካ’ዚ ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ሃገር ተሰጋጊሮም፡ ናብርኦም ብዝሓሸ መንገዲ ክመርሕሉ ዝኽእልሉ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ግደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ስደተኛታት ድማ ዘይርሳዕ ረዚን ታሪኽ’ዩ፡፡ ብጻዕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ን6,800 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሽመልባ ዕድል ከምዝተዋህበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2010፣ 3,100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሰጋገሩ ኣብ መስርሕ ይርከብ፡፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2010፣ ምስዞም ናይ ሰኑይ 6 መስከረም ንምስግጋር ዝተዳለዉ 130 ኤርትራውያን ስደተኛታት ደሚርካ፤ 1,458 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ከም ዝተሰጋገሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡

ነዘም ሰኑም 6 መስከረም ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰጋገሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ምምሕዳር ቤ/ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ብክብ ዝበለ ናይ መፋነዊ ግብዣ ሎሚ ድ/ቀትሪ ጌርሎም፡፡
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...