Asmarino Fundraising: Because There Is So Much More to Be Done!

ኣገዳሲ ህዝባዊ መጸዋዕታ ንነበርቲ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን።

ሸኸም ዋዕላ ናይ ደገፍቱ…… ውጽኢቱ ግን ንኩልና’ዩ!!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ነበርቲ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን!!! ኣቦታትና ንከንቱ ኣይምስሉን’ዮም፡ ዝወዓለ ይንገር፡ ዝሰሓተኸ ይምከር፡ እቲ ብቤላቤሎው ከይህውትት፡ እቲ ድማ ሰኣን ተመክሮ ኣብ ጌጋ ከይሽመም፡ ብማለት’ዮም ነዚ ምስላ’ዚ መሲሎሞ።

ስለዝኾነ፡ ንሕና፡ እቶም ብኣካል: ኣብቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ንሓሰ 2010፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብኤን ብፍጹም ዓወትን መንፈስ ሓድነትን ዝተዛዘመን፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ዝተኻፈልና
ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ደቅኹምን፡ እቲ ውዕሎን ሓቀኛ ስእሊን ናይቲ ዋዕላ፡ ክንሕብረኩምን ንሕቶታትኩም መብርሂታት ክንህብን መሰልኩምን ግዴታናን ስለዝኾነ፡ ንኹሎም ግዱሳት ብዓቢ ኣኽብሮት ንዕድም።

ዕለት፡ 11.09.2010
ስዓት፡ 15 00 (ሰለስተ ድ.ቀ)
ኣድራሻ፡ Goldstein Strasse 31-32 ፍራንክፈርት (ብስትራሰንባን
ቁጽሪ 12 ናብ Gerauer Str. Haltestelle ትወርዱ)

ተሳተፍቲ ዋዕላ ካብ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን፡
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማEታትና።

28/08/2010

 
BLOG COMMENTS POWERED BY DISQUS
 

Videos

Latest Comments

Announcements