አገዳሲ ህዝባዊ ሓቤረታ ..!!  ዘተ ምስ ክቡር ሓው ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብራሃም ኣባል ሰክረታርያ ሃገራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ

ዝኸበርክምን/ክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልዑል ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም/ክን።

ብምቅጻል ከምቲ ልሙድ ንዓርቢ 3 መስከረም (September), 2010  ክቡር ሓው ጋዜጠኛ መሓሪ አብራሃም፡ ጋሻ ናይ “Eritrean room for united and strong opposition“ ኮይኑ ከሚሲ፡ አብ (Paltalk)፡ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና። እዛ room እዚአ እትኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ማእከላይ አውሮፓ አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መደረ ጋሻና ዝጅምረሉ ግዜ ግን፡ ሳዓት 21፡00 እዩ።

ሓው መሓሪ አብራሃም፡ ዋና አሳናዳኢ TV-Zete አብ ሽወደን፡ ከም ጋዜጠኛ መጠን፡ ሓደ ካብቶም አብ ስደት ኮይኑ ክውንነት ህዝብናን ሃገርናን አብ ትሕቲ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ዘቃልዕ፤ ዝተፈላለዩ አባላትን መራሕቲ ውድባት/ሰልፍታት ኤርትራ፡ ከመኡ እውን ብውልቀ ተቓወምቲ፡ አብ መደቡ እንዳ ዓደመ፡ እውነታውን አሉታውን ምዕባሌታት ተቓውሞ ደንበ፡ ህዝብና ከም ዝፈልጦን ዝሕበርን፡ ዝገብር፤ ተቃሊሱ ዘቃልስ፤ ዘሎ ውፉይ ወዲ ሃገር አዩ።

ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብራሃም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽፍሊ መድያ መርበብ ሲቪካዊ ማሕበራት መሪሑ ብምኻድ ዝተሳተፈን ከምኡ ኣዉን ንዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ብምዉካል ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ተሳቲፉ፡፡ ብድሕሪኡ ኣዉን ናይታ ብተሳተፍቲ ዋዕላ ሙሉእ ዉሳነን ፍጹም ደሞካራሲያዊ ኣገባብን ካብ ዝተመረጹ 17 ዝኣባላታ ሰክረታርያ ዋዕላ ካብ ዉሽጣ ብብቕዓትን ክእለትን ካብ ዝተመረጹ ቀዳሞት ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ዝርካባ 4 ዝኣባላታ ዋዕላ እትመርሕ መሪሕነት ሰክረታርያ ብሙሉእ ድምጺ ተስተፍቲ ዋዕላ ዋዕላ ክመርሕ ካብ ዝተመርጹ እዩ፡፡

ትሕዝቶ መደረ ሓው መሓሪ አብራሃም፡ ኣብ ትሕዝቶን ዉጺትን ሃገረዊ ዋዕላ ንደሞክራሳዊ ለዉጢ ብዓይኒ ሰክረታርያ ዋዕላ እዩ፡፡ እዚ ኣገዳሲን ብሉጽን ሓበሬታ ክቡር ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብራሃም ከይሃልፈኩም ምሳና ክተምስዩ/ያ ንኹልኻትኩም/ክን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ ብኽብሪ ንዕድም።

ብዳሓን ምጽኡ

ካብ ኤርትራውያን፡ አባላት ዝተፈላለያ ውድባትን፤ በርገሳዊ ማሕበራትን፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፡ አብ መራኸቢ ብዙሓን (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፡ ከምኡ’ውን ከም ተቓወምቲ መጠን፡ ብአግባብ አቓላልሳና እንማያየጥን አንዛተን ደቂ ሃገር። This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...