22 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ዑቕባ መሰል ረኺቦም። ረፋድ 26/4/10 ኣዲስ-ኣበባ ብሰላም ኣትዮም።

ብ24 ሰነ፡ 22 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ 2-18 ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ማእሰርትታት ግብጺ ክሳቐዪ ድሕሪ ምጽናሕ ረፋድ ብሰላም ኣዲስ-ኣበባ ኣትዮም፡፡

እዞም ብዕለት 26 ረፋድ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኩነታት ጥዕንኦም ደሓን’ዩ’ኳ ክበሃል እንተታኻእለ፣ ካብኣቶም ክልተ መንእሰያት ግን ብ
ግብጻውያን ወተሃደራት ብዝወረዶም ግፍዒ ሰንኪሎም’ዮም ኣዲስ-ኣበባ ኣትዮም፡፡ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተዉሉ ድማ ድሕሪ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ሓገዝ ብምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ < (ጠውቑ) ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ (ARRA)”  ናብ ሕክምና’ዮም ተላኢኾም፡፡

እዞም ብዕለተ 26  ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት (7) ሸውዓተ ደቂ-ኣንስትዮን (2) ክልተ ህጻናትን ይርከብኦም፡፡ ከምኡ’ውን ካብዞም 22 እቶም 11 ወተሃደራት ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡

“ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ (ARRA)” ካብ ቤት-ማእሰርቲ ግብጺ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ፤ ክሳብ ሎሚ 1338 ተቐቢሉ ይርከብ፡፡

ዝተወሰነ ምስሊ ብዕለት ሰነ 26፡ 2010 ካብ ዝኣተዉ ብኸፊል።


ክሳብ መዓስ እዩ ከምዚ ኢልካ?

 ("ተወሳኺ" ይብሉ ህዝባዊ ግንባር "ኣብ ነቐፈታን ነብሰ ነቐፈታን"፤  ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዜና ዓለም ብዛዕባ ስደት ናብ ግብጺ ዝወጸ ተመልከቱ። (<ጠውቑ) ከይጠወቕካ ኣይመጽን እዩ። ብዛዕባ ግብጽን ምምላስ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ኣብዚ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጠውቑ።) "ዘይበለዐ ነይመንዐ" ይብሉ ኣቦታት። 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...