ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ግንቦት 2010
መእተዊ

 


ከም ብዙሓት ናይ ሳልሳይ ዓለም ሀገራት ብሓፈሻ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ፡ ኤርትራ ከም ሃገር መጠን ውጺኢት መግዛእቲ እያ። ታሪኽ ኤርትራ እውን ምስ ታሪኽ መግዛእትን፡ ቃልሲ ጻረ መግዛእትን ዝተተሓሓዘ እዩ።
 
ኤርትራ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ክፈለ ዘመን ሰንሰለታዊ መግዛእትን፡ ናይ ሰላሳ ዓመታት ብረታዊ ቃልስን፡ ነጻ ወጺኣ ካብ ትበሃል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ኮይኑ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ነጻነት፡ ህዝብና ርእይዎ ዘይፈልጥ ጭቆናዊ መግዛእቲ የሕልፍ ኣሎ። ካብቲ ባዕዳዊ ወራርን መግዛእትን ዘሕለፎ፡ ኣብ ዝሓሰመ ገሃነማዊ ኩነታት ተሸሚሙ ይርከብ።
 
እቲ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተማህዘ “ፈላሊካ? ግዛእ” ዝብል ስልቲ ተጠቂሙ፡ ጨካን ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝብና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣንጠልጢሉዎ ይርከብ። ትምኒትን ሃረርታን ኩሉ ኤርትራዊ፡ ፍረ ቃልሱ ነጻነት፡ ከስዕቦ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ፡ ማሕበራውን ፓለቲካውን ራህዋ፡ ሰላምን ቁጠባዊ ጻጋን፡ ቅሂሙስ ኣብቲ ዘካየዶ ፍትሓዊ ቃልሲ ከም ዝጠራጠር ገይሩዎ፡ እንተተባህለ ምግናን ኣይመስለናን። ርክብ ስርዓት ህግደፍን፡ ህዝቢ ኤርትራን፡ ብመልክዕ ገዛኢን ተገዛኢን፡ ጥራሕ እዪ ክርኤ ዝክ?እል። ህዝቢ ኤርትራ ዝተቃለሰን ዝተሰወአን ግን፡ ብድሌቱ መንግሰቲ ኣብ ስልጣን ከምጽእን፡ ካብ ስልጣን ከውርድን፡ ልኡላውነት ዘጨብጦ ሰርዓት ንምትካል እዩ ዝነበረ።
 
ኣብ ኣንጻር መግዛእቲን፡ ኣብ ጊዜ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተኻየደ ውሽጣዊ ቃልሲ፡ ዘኸተሎ ናይ ሰብን ንብረትን ጥፍኣት፡ እዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ኣሸጋሪ እዩ። እዚ ዝተጠቅሰ ስልቲ ቃልሲ፡ ንገዛኢ ሓይሊ በዲሁ፡ ሓድነት ተቃለስቲ ዓቂቡ፡ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ተኻይዱ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ብርግጽ እቲ ናይ ስቓይ ጊዜ ምሓጸረ። መስዋእቲ ሰብን ጥፍኣት ንብረትን ብመጠኑ ምተወሰነ ነይሩ። ሕጂ እንተኾነውን፡ ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ፡ ብናይ መላእ ተቓውሞ ሓደነትን ምውህሃድ ቃልስን እንተዘይተገጢሙ፡ ንምፍትሑ ኣሸጋሪ እዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓወት ንኽበጽሕውን ዘጠራጥር እዩ።
 
ግድነታዊ ሃገራዊ ዋዕላ
 
መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዘለዎ መርገጺ፡ ንጹርን፡ ዝጸንሔን እዩ። ብወርሒ መስከረም 2003፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝገበሮ ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤ፡ ካብ ዝተመያየጠሎም ዓበይቲ ነጥብታት ሓደ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ዝምልከት ነይሩ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እተጽንዕ ሓንቲ ሽማግለ ቆይማ፤ ብመጠኑ ስፍሕ ዝበለ ዝርዝር ጹሑፋት ኣቕሪባ። ካብኡ ቀጺሉ’ውን፡ ሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት ብኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኣብ 2009 ኣብ ዝተገብረሉ ጻውዒት፡ ብመትከል ሓላፍነቱ ተሰኪሙ ተካኻፋልነቱ ኣረጋጊጹ። ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ጉዳይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ ኢሉ ሰለዝኣምን።
 
ነዚ ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ፡ ከቢድ ኩሉ-መደያዊ ቅልውላው፡ ስነ-መጎታዊ ኣቅጣጫኡ ንልዑላውነት ሃገርን፡ ድሕነት ህዝብን፡ ኣብ መጨረሻ ጥፍኣት ዘምርሕ፡ ኣብ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ጊዜ በጺሕና ከምዘለና ክንግንዘብ ይግባእ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት፡ ንናይ ፓለቲካ ውድባትን፡ ሰልፍታትን፡ ጥራሕ ዝግደፍ ጉዳይ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ፍታሕ ንምምሃዝ፡ ኣብ ልዕሊ ተሳታፍነት ናይ ፓለቲካ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ብዝሰፍሐ ድምጺ ህዝቢ ዝውከለሉን ዝስመዓሉን መንገዲ ምርካብ ኣድላይ ይኸውን። ነዚ ህጹጽ ዕማም ንምትግባር፡ እቲ መሰረታዊ ተበግሶ ሃገራዊ ዋዕላ ምክያድ ግድነቱ መድረኽ ዝጠልቦ እዩ። እምበኣር፡ ሃገራዊ ዋዕላ፡ እንኮን፡ መተካእታ ዘይብሉን፡ እዋናዊ መሳርሒ፡ ንሃገርን ህዝብን ከድሕን ዘኽእል ኮይኑ ተለልዩ ኣሎ።
 
ክሳብ ሕጂ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣበር ኮይኑ ጎሊሑ ዝርኤ፡ ሓደ ምኽንያት ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል እንተልዩ፡ ምጉታት ኣፈታትሓ ሽግር እዩ።

ከም ምኽንያት ናይዚ ኣበር ምጥቃስ እንተተደልዩ፡ እቶም ብዙሕ ጊዜ ሸንኮለል ዘብሉ ዓበይቲ ሕቶታት፡ ብህዝቢ ኤርትራ ክውሰኑ ዝግብኦም ክንሶም፡ ብናይ ፓለቲካ ሰልፍታት ጥራሕ ክሕሰቡን ክፍጸሙን ክፍተኑ ሰለዝጸንሑ እዪ፡ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።
 
ሃገራዊ ዋዕላ ሃረርታ ህዝቢ እዩ።
 
ዝሰፍሐን፡ ንሙሉእ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ዝውክል ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክጋባእ እዩ ዝነበሮ። ሎሚ ዘይኮነስ፡ ብ1991 ኣብ ድሮ ናጽነት። እዚ ኹሉ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከኣ፡ ነቲ ብሰርዓት ኢሳያስ ዝተመንዘዔ መሰል ንምምላስ እዩ። እዚ ተወጢኑ ዘሎ ዋዕላ፡ ኣብ ወጻኢ ዝግበር ሰለዝኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሰፊሕ ህዝቢ፡ ወከልቱ ክልእኽ ኣይኽኣል ደኣ እምበር፡ ንተኻፋልነት ኩሉ’ቲ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝቃለስ ምስዝረጋገጽ፡ ትጽቢት ህዝብን ዕማማት ዋዕላን ኣብ ግምት ምስ ዝኣትው፡ ህዝቢ ከምዝቕበሎ ኣየጠራጥርን። ህዝቢ ኤርትራ ከምድላዩ ከይንቀሳቐስ ተዓጊቱ፡ ብዝምልከቶ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ይኹን ፓለቲካዊ ጉዳይ ሓሳቡ ከይገልጽ ተኸልኪሉ ስለዝርከብ።
 
ህዝቢ ኤርትራ፡ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ፡ ብስውር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ኣብ ምቹእ ኩነታት ድማ ብቕሉዕ ይቃለስ ኣሎ። እቲ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ተጠርኒፉ ይኸውን፡ ብውልቁ ዝቃለስ ዘሎ እንተኾነ’ውን፡ ንጨቛኒ ስርዓት ኣውዲቑ፡ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ እዩ።
 
ብኣረኣእያ መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካውያንማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ፡ ትጽቢት ኣብዚ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ምስ ናይ ህዝቢ ትጽቢት ምውህሃድ ጥራሕ፡ ንዋዕላ ሕጋውነት ንምልባስ እኹል ኣይኮነን። ዕማማት ናይዚ ዋዕላ፡ ካብቲ መሰረታዊ ደሞክራሲያዊ መዝነት ወጺኡ ክውስን ኣይግባእን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ዋዕላ ህልዋት ዓበይቲ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ ከለሊ። ግቡእን ወድዓውን ገምጋም ቃልሲና እንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከገብር። ናይ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ሕጽረታትን ጌጋታትን ኣለልዩ ክእርም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣሊኻ፡ ንህዝቢ ናይ ምውሳን ስልጣኑ ከረክቦ ዘኽእል ስትራተጂ ምሕንጻጽ እዩ። ናይዚ ዋዕላ ሓላፍነት ኣብዚ ዝተደረተ ክኸውን ይግባእ። እቶም ዓበይቲ፡ ንሃገርን ንህዝብን ዝምልከቱ ሕቶታት፡ ክለዓሉ እኳ ኣድላይነት እንተሃለወ፡ ብህዝባዊ ወከሳ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ መዕለቢ ክግበረሎም ንህዝቢ ክግደፈሉ ኣለዎ።
 
ኣቀራርባ ሃገራዊ ዋዕላ
 
እዚ ኣብ መጨረሻ ወርሒ ሓምለ 2010፡ ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ውድዓዊ ነቀፌታን ግቡእ ስክፍታን ኣስዒቡ ኣሎ። እቲ ዋና ነቐፌታ፡ ሕጽረት ጊዜን ኣቃውማ ኣሰናዳኢት ሽማግል ዋዕላ ዝምልከት እዩ። ብፍላይ ንወከልቲ ሲቪካውያን ማሕበራት ዝጠመተ ኮይኑ፡ እቲ ዝስማዕ ስክፍታ፡ ኣሳታፍነት ናይዚ ዋዕላ ምሉእ ኣይኮነን ዝብል እዩ። ሕጽረት ጊዜ ብርግጽ ኣሎ። ብልክዕ ከገምቶ ዝኽእል ግን እቲ ስፍሒ ዋዕላን፡ ዕማማቱን እዩ። ኣብ ውሽጢ ኪዳንን፡ ካብ ኪዳን ወጻኢን፡ ሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት ዘተ ካብ ዝካየድ ዓመታት ወሲዱዩ። በብጊዜኡ ከም ረስኒ ሕጻን፡ እቲ ዛዕባ ይለዓል ይቅህም ጸኒሑ እዩ። ስለምንታይ ክሳብ ሎሚ ዘይተኻየደ ዝብል ሕቶ መልሲ ዝህልዎ ኣይመስለናን።
 
ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ጊዜ ዝህብ ከምዘይኮነ፡ ማንም ሃገራዊ ክሰማምዓሉ ዝኽእል ሓቂ እዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝተወሰነሉ እዋን፡ ናይ ግድን ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ ኩነት ነይሩ። ንሱ ድማ ውሳኔ እገዳ ቤት ምክሪ ጻጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እዩ። እገዳ ቤት ምኽሪ ጻጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ፡ ፍሉይ ዕድልን፡ መንገድን ከፊቱ ኣሎ። እዚ ዕድልዚ ግን ብጊዜኡ እንተ ዘይተጠቂምናሉ፡ ክጠፍእ ምኻኑት ክዝንጋዕ የብሉን። ነዚ ዕድልዚ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ንምውዓል ድሌት እንተድኣ ሃልዩ ድማ፡ እቲ ጊዜ ሕጂ እዩ።
 
ውሳኔ እገዳ ቤት ምኽሪ ጻጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ዝውሰድ ድሮ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሓሊፉ። እዚ ውሳኔ’ዚ፡ ብርግጽ ንዕድመ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንምሕጻር ክሕግዝ ከምዝኽእል ዘማትእ ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ብስምረት፡ ብዘይ ውዓል ሕደር፡ ዲፕሎማሲይዊ ሜላታትና ኣወሃሂድና፡ ክንነጥፈሉ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ዘከራኽር ኣይመስለናን። ነዚ ናብ ግብሪ ንምቱርጋም ክሕግዝ ዝኽእል ኣገባብ፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝበለጽ የለን።
 
ኣወኻኽላ ሲቪካውያን ማሕበራት ንዓኤን ጥራሕ እዩ ዝምልከት። ቁጽሪ ወከልተን ምስተወሰነ ንመን ከምዝልእካ ናታተን ልኡላዊ መሰል ምዃነን ክንርዳእ ይግባእ። ሓደ ነገር ከይተጠቕሰ ኽሕለፍ ዘይብሉ፡ እንደገና ንጹር መብርሂ ክግበረሉ ኣድላይ ዝኾነ ኣሎ። ንሱ ከኣ መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ፡ ሕጂን ንሓዋሩን፡ ብመትከል፡ ምስ ዝኾነ ፓለቲካዊ ውድብ ወይ ሰልፊ ፍሉይ ጸግዒ ክህልዎ ኣይክእልን። መርበብ፡ ነቲ በብጊዜኡ፡ ዝፍሓቕ ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምዕቃብን፡ ምስ ጥርኑፍ ሓይልታት ተቓወምቲ ተወሃሂድካ ዕድመ ስርዓት ኢሳያስ ምሕጻርን፡ ኣብ ቦትኡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምምስራትን፡ ስልጣን ነቲ ሕጋዊ ወናኒ ዝኾነ ህዝቢ ንምርካብ እዪ ዝቃለስ።
 
መርበብ ካብ ኪዳን ሓሊፉ፡ ምስ ማንም ፓለቲካዊ ሰልፊ ሕሉፍ ዝምድና የብሉን። ተጻብኦውን የብሉን። ሰለምንታይ ምስ ኪዳን፡ እንተተባህለ፡ እቲ ምኽንያት፡
፩ይ፡ ንመብዛሕትኤን ናይ ፓለቲካ ውድባት ዝሓቖፈ ሰለዝኾነ፡ ምስ ኪዳን ምስራሕ ማለት፡ ምስ ኩለን ውድባት ኣባላት ኪዳን ምስራሕ ማለት ሰለዝኸውን፡ ምስ ፍሉያት ውድባት ጸግዒ ካብ ምውሳድ የድሕን። ካልኣይ፡

፪ይ ብዓቢኡ፡ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብጥርኑፍ ሓይሊ ተቓወምቲ ጥራሕ ከምዝዕወት ሰለዝዓገበሉ። ሓደ ጥርነፍ፡ ሕብረሰልፋዊ ትካል ተቓወምቲ፡ ንኹሎም ኣካላት ሕበረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ጽላል ሰለዝኾነ፡ ብመንገዱ ዝመጽእ ለውጢ፡ ውሕሰነት ዘለዎን፡ ዘላቒን ክምዝኸውን ሰለዝኣምን። እዚ ሰለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት፡ ብፍላይ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳያት ምስ ኪዳን ዘሎዎ ርክባት ቀጻሊ ክኸውን እዪ።
 
እዚ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣሳታፊ ክኸውን ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ሕቶ መርበብ እዩ። ነቲ ዝተፈላለየ ሃብታም ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘቖመ ኣካል ክውከል ድማ ኣለዎ። ንኹሉ'ቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዘየሎዋ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለሳ ፖልርቲካዊ ሰልፍታት ኣብዚ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ክሳተፋ፡ ኤደኪ ዝግባእ ጽዕርታት ከካይድ ንላቦ።
 
ደሞክራሲያዊ ምዃን ጥራሕ ኣይኮነን ተሳታፍነት ዜጋ ዘገድድ። ተሳታፍነት ዜጋ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ብዝኾነ ምኽንያት፡ ክውገን ዘይክእል፡ መሰል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሓድነትን ድሕነትን ህዝቢ ዘረጋግጽ፡ ዓወት ዘውሕስን፡ ዘቀላጥፍን፡ መሰረታዊ ረቛሒ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።
 
ልዑላውነት፡ ከም ኣምር፡ ሓደ ባህሪ፡ ናይ ዝውሰን ወይ ዝፍጸም ነገር፡ ሕጋውነትን ርእይተ-ሓላፍነትን፡ ዘመልክት እዩ። ካብ ወጻኢ ይኹን፡ ካብ ውሽጢ፡ ክመጽእ ንዝኽእል ተጽዕኖ ብፍጹም ዘየፍቅድ፡ ካብ ዝኾነ ኣካል ቁጽጽር ነጻ ምዃን እዩ ክበሃል ይከኣል። መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ሉዑላውነቱ ዓቂቡ፡ ናይ ርእይቶ ፍልልይ፡ ብመሰረቱ ከም ሃብቲ እምበር፡ ከም ሽግር፡ ከምዘይርኤን፡ ብኹሉ ወገናት ዝመጽእ ርእይቶታት፡ ኣብ መኣዲ ዋዕላ ከምዝቕረብ፡ ንምግባር ከይተሓለለ ከሰርሓሉ እዩ።
 
ዕማማት ሃገራዊ ዋዕላ

 
ኣብ ፓለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ሜዳታት ዝካየድ ቃልሲ፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ ንስርዓት ህግደፍ፡ ከም ኣማራጺ መተካእታ፡ ክቐርብ ዝኽእል ጥርኑፍ ሓይሊ ንኽመጽእ ጌና ብዙሕ ጻዕሪ ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ንርዳእ። ኣብ ርሑቕ ኮንካ፡ ተዓዛቢ ጥዕና ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃን፡ ተቓዋሚ ከብል ኣይኽእልን። እዚ ስርዓት እዚ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ጌጋታትን፡ ኣብ ውሽጢ ብዝካየድ፡ ስውር ህዝባዊ ተቓውሞን ይዳኸም ኣሎ። ተራ ተቓወምቲ ሓይልታት ግን፡ ኣብዚ ስዓት'ዚ፡ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ድሕሪ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ሓደ ዓይነታዊ ለውጢ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ክርኤ፡ ርትዓዊ ትጽቢት ናይ ህዝቢ ክንግንዘብ ይግባእ።
 
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ሃገርን ህዝብን፡ ኩነታት ተቓወምቲ ሓይልታትን እምበርኣር፡ መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ፡ መሰረታውያን ዕማማት ዋዕላ ኢሉ ዝኣምነሎም፡ እዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ጉዳያት እዮም።
 
1. ኩሉ ክፍልታት ሕብረትሰብ ኤርትራ፡ ካብ ነናቱ ስሚዕታትን ኣረኣእያን ተበጊሱ፡ ወሪድዎ ንዘሎ ሽግራትን፡ ዓመጻትን ክገልጽ ዕድል ምሃብ። ካብኡ ብምብጋስ፡ ውድዓዊ ኩነታት ተቓወምቲ ሓይልታትን፡ ኣብ ትሕቲ ጨካን ስርዓት ኢሳያስ ዝርከብ ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ፡ ሰፊሕን ዓሚቝን ገምጋም ምግባር።
 
2. ውጺኢት ገምጋም ውድዓዊ ኩነታት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ መሰረት ብምግባር፡ ሓፈሻዊ ዓቕምታትን፡ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ተቓወምቲ ሓይልታትን፡ ኣወሃሂድካ፡ ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር ዘኽእል ስትራተጂ ምሕንጻጽ።
 
3. ነቲ ዝተሓንጸጸ ስትራተጂ፡ ዘተግብር ልዑላዊ ኣካል፡ ካብ ተቓወምቲ ናይ ፓለቲካ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ካብ ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ካብ ናይ ሚድያ ማዕከናት፡ ካብ ዓበይቲ መራሕቲ ሃማኖታት ክርስትያንን፡ ኣስላምን፡ ካብ ውልቀሰባትን ወዘት ዝተዋጽኡ ወከልቲ ዝቖመ ኣካል ክኸውን። እዚ ልዑላዊ ኣካል፡ ናይ ኩሉ ሕብረትሰብ ኤርትራ ውክልና ዘረጋግጽ ክኸውን።
 
4. ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ንምርግጋእ ክውሰዱ ዝግብኦም ስጉምትታት፡ ጊዜያዊ መንግስቲ ብኸመይ ይምስረት? ሃገራዊ ዋዕላ ብንጹር ከቐምጥ። መዝነቱን፡ ዕድመኡን ውሱንን ንጹርን ክኸውን።
 
5. ብዝተፈላለየ ሜላታት ህ.ግ.ደ.ፍ. ማሕበራዊ ፈትሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተበጣጢሱ፡ ሓድነቱ ፈርከሽከሽ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ብዘተኣማምንን፡ ውሕሉልን ኣገባብ፡ ክኣሊ ዝኽእል፡ ብቕዓትን፡ ንኹሉ ሕበረተሰብ ኤርትራ ዝውክልን፡ ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎን ጊዜያዊ መንግስቲ ከኸውን።
 
6. ወሳኔታት ሃገሪዊ ዋዕላ ንጹራትን ቀየድትን ክኾኑ። ዘይብሩህን፡ ባዕላዊ ትርጉም ዘስዕብ ውሳኔ፡ ሃጓፍ ሰለዝፈጥር፡ እቲ ዝውሰድ ወሳኔታት ኣብ ጽሑፍ ክሰፍር እንከሎ ብጥቃቐን፡ ተጋባእቲ ዝኣተውዎ ቃል ብልክዕ ዘንጸባርቕን ክኽውን።

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ
 
ኤርትራውያን ንፍትሕን ደሞክራስን - በነሉክስ
ኤርትራዊ ማሕበር ተጣባቒ ንሰብኣዊ መሰል - ?ርመን
ኤርትራዊ ማሕበር ንሰላም - ጀርመን
መቓልሕ ኤርትራ - ጀርመን
ስኒት ሰላም - ጀርመን
ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ - ሽወደን
ኤርትራዊ ጠቕላላ ባህላዊ ሕብረት - ሽወደን
ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን - ኖርወይ
ኤርትራውያን ንሰላምን ደሞክራስን - ስዊዘርላንድ
ኤርትራዊ ማሕበር ኩናማ (ኩናማ ናርካባ ቱማዳ) - ጀርመን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...