ርእይቶ መጽሓፍ - እዚ ጽሑፍ ብፍልይ ዝበለ መልክዕ ማለት ነዘን መፈለምታ ምዕራፋት ብኣዝዩ ሓጺር ምትርጋምን ተወሳኺ  ነጥብታት ብምቕራብን።

ምዕራፋት 1 - 2

መበገሲ ናይዛ መጽሓፍ ብድሕረ ባይታ ናይ ሃገረ ኤርትራ ይጅምር። ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ብድሕሪ ምውዳቕ ስልጣነ ኣኽሱም ኣብዚ ከባቢ ዝጸንሐ ናይ ደቅሰብ ምንቅስቓስን ምፍላስን ካብ ሓደ ናብቲ ሓደ ምትሕውስዋስን ነዛ ሎሚ እንሪኣ ብዙሕነትን ባህልታትን ዘለዋ ኤርትራ የርኢ። ካብዚ ብምብጋስ እዛ ተፈላልያ ዝነበረት ኤርትራ መዋግኢ ባይታ ናይቶም ኣብቲ ቦታ እቲ ዓንተራት ዝነበሩ መንግስታት ሓበሻን ግብጽን ኮይና ጸንሐት። ዓወት ናይታ ትምዕብል ዝነበረት ናይ ሓበሻ መንግስቲ ነጸብራቕ ኣብ ከበሳታት ኮይኑ ግብጺ ግን ኣብ ባርካ፡ ቦጎስን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ ጽልዋ ከምዘለዎ ጸኒሑ። ምምጻእ ማህዲ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ጆግራፍያዊ ምትፍናን ናይዛ ድሓር ኢትዮጵያን ግብጽን ጠጠው ኣቢልዎ ምኽንያቱ ክልቲኦም ናይዚ ሓደጋ እዚ ተረኸብቲ ስለዝኾኑ። ምስ ምምጻእ ጥልያን ድማ እቲ ቦታ ብሙሉኡ ከም ሓደ ባይታ ተታሒዙ ኣብ ሓደ ማእከላዊ ምምሕዳር መግዛእቲ ኣተወ።

ጆግራፍያዊት ኤርትራ ኣስታት 125,000 ኪ.ሜ.2 መሬት ዝሓዘ ኾይኑ፡ ሕዝባ ድማ ነቶም ኣብ ስደት ዘለዉ ቆጺርካ ዳርጋ 5.5 ሚልዮን እዮም። ናይ ቀይሕ ባሕሪያዊ ሃብቲን ኣስታት 354 ዝኾና ደሴታት ኣለዋ። መሬታ ኣብ ከበሳን መታሕትን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብዝተፈላለየ ናይ ኣየርን መሬትን ተኸቢቡ ሕዝባ ድማ ዝያዳ ክርስትያንን ውሕድ ዝበሉ ኣስላምን ዝቕመጡሉ ጽዕቕ ዝበለ ከበሳን፡ ዝያዳ ኣስላምን ውሑዳት ክርስትያን ዝቕመጡሉ ገማግምን፡ ሰሜናዊ ከበሳን ምዕራባዊ ቆላን ይርከቡ።

እዚ ናይ 5.5 ሚልዮን ዝብል ኣሃዝ ካብ ቀጥታዊ ምቑጻር ሕዝቢ ኣይተወስደን። እንታይ ድኣ ሕቡራትን መንግስታትን ካልኦት ኣህጉራዊ ትካላት ጥዕናን ሰራሕተኛታትን ወዘተ. ትሑዝ ቁጽሪ ሕዝቢ ዘርኢ ጽሑፍ እንተድኣ ዘይረኺበን ማተማቲካልን ስታትስቲክስን መበገሲ ብምግባር ኣብ ክንድዚ ዓመት ክንድዚ ኔሩ፡ ምዕባለ ቁጠባ ዓለምን ሳልሳይ ዓለምን ኣብ ግምት ብምውሳድ፡ ምዕባለ ጥዕናን ትካላውያን ስራሓት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሃዝ ቁጽሪ ሕዝቢ ብምብጻሕ ኣብ ጸብጻባቶም ስለዘእትውዎ ከም መወከሲ ይውሰድ። ብዛዕባዚ ኣብ መርባብ ዓዋተ ዝወጽአ ጽሑፍ ተመልከት። (Politics of Census, April 11, 2014)

ዓንደብርሃን ኣብዛ መጽሕፉን ምዕራፋት 1 ክሳብ 4፡ ብብዝሒ ካብታ ናይ ትረቫስኪስን ኮሎኒ ኢን ትራንስዚሽን ትብል ጽሑፋት እዩ ዝውከስ። ኣብዚኣቶም እቲ ከም ንቡር ዝፍለጥ ሕዝቢ ኤርትራ ካብቶም ሰለስተ ዓሌታት ማለት ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓረባዊ ገማግምን ዝመጽኡ፡ ሰማውያን፡ ሃማውያን (ኩሽ)ን፡ ኒሎቲካውያን እዮም። እዞም ኒሎቲካውያን ኣስታት 2000 ቅ.ክ. ካብ ምብራቓዊ ደቡብ ሱዳን ናብ ጋሽ ሰቲት ፈሊሶም፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ናብቲ ማእከላይ ከበሳ መጺኦም። ሃማውያን ድማ ካብ ሰሜን ሱዳን ናብ ሰሜናዊ ከበሳን ባርካ ቆላን ብምድፋእ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኒሎቲካውያን ብምድፋእን ብምዕላውን ናብ ገማግምን ናብ ኢትዮጵያን ሶማልን ከይተረፈ ፈሊሶም። ብ1000 ቅ.ክ. ድማ ሰማውያን ሳባውያን ካብ ደቡብ ምብራቕ ከበሳ ቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ነቲ ማእክላይ ከበሳ ክገዝኡ ጀሚሮም።

ሳባውያን ምዕብል ዝበለ ፖለቲካዊ ውደባን ሕርሻዊ ኣሰራርሓን ናይ ኣእማን  ኣጠቓቕማን ናይ ባሕሪ ስራሓውትን ከምዝተኣታቶ ገቢሮም። ምስቲ ኣብኡ ዝጸንሖም ሃማዊ ሕዝቢ ተሓናፊጾም ንግስነት ኣኽሱም መስሪቶም። (ኣብቲ መፈለምታ ናይ ክርስትና 100 ዓመት ኣቢሉ) ስለዝተሓናፈጹ ድማ እቲ “ሓባሽ” ማለት ዝተሓዋወሰ፡ ዝተሓናፈጸ ዝብል ስም፡ ሓበሻ ተባህሉ። ምስቲ ዘተኣተውዎ ባህሊ ናይ ኢትዮፒክ ቃንቃ ግዕዝ ኣምጽኡ። እዚ ናይ ኣኽሱም ጽልዋ ካብቲ ከበሳታት ሓሊፉ ናብቶም ሃማውያን እውን ጸሊዎም ኢዩ። …..ካብዚ ውሽጣዊ ምጽልላው ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ናይ ቃንቃ ጊጅለታት  ተቐልቐላ። ኒሎቲክ፡ ሃሚቲኽን ሰሚቲክን። እቶም ሰሚቲክ ንትግርኛን (48%)፡ ትግረን (35%)፡ ራሻይዳ (1%)። እቶም ሃማውያን ንዓፋር (4%)፡ ንሳሆ (3%)፡ ንቢለን (2%)ን፡ ንሕዳርብን (2%) ይምልከት። እቶም ኒሎቲካውያን ቃንቃታት ድማ ኩናማ (3%)ን ንናራን (2%) ይምልከት። ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ ሰለስተ ቃንቃታትን ብሔራትን ውርሻ ታሪኽ ኤርትራ ናይ ሰለስተ ሃይማኖታት ቦታ እያ። ኣኒሚስት፡ ክርስትያንን፡ ኣስላምን። እዚኣቶም ዝበዝሕ እዋን ታሪኾም ብሰላምን ብምክብባርን ኢዮም ኣሕሊፎምዎ። እቶም ትግርኛ 93% ክርስትያን 7% ኣስላም ጀበርቲ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ቢለን 30% ክርስትያን 70% ኣስላም እዮም። ዓፋር፡ ሕዳርብ፡ ናራን ራሻይዳን ድማ ኩሎም ኣስላም እዮም። ሳሆ 97% ኣስላም ክኾኑ እንከልዉ 3% ድማ ክርስትያን (ኢሮብ) እዮም። ትግረ ዝበዝሑ ኣስላም ኢዮም ምስ ውሑዳት ናይ ክርስትና ኣመንቲ (መንሳዕ)። ባዛን ኩናማን ዝበዝሑ ኣስላምን ኣኒሚስት ክኾኑ እንከለዉ ውሑዳት ክርስትያን እውን ኣለዉዎም።

ሕዝብን መሬት እዚ ናይ ሎሚ ኤርትራ ቅድመ ምምጻእ ኤውሮጳውያን ክርእ እንከሎ ክሳብ ንድሕሪት 8ይ ሽሕ ዓመት ናይ ደቅሰብን ቅድመ ደቅሰብ ህላወ ከምዝነበረ ምስክራት ኣሎ። ኤርትራ ዝብል ስም ካብቲ ቀይሕ ዝብል ናይ ግሪኽ ስም ተወሲዱ ብዘመነ ኣኽሱም ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ቦታ እዚ ሕጂ ኤርትራ ዝበሃል ዘሎ ቦታ ምኻኑ መረዳእታ ኣሎ። ኣዱሊስ ወደብ ንግስነት ኣኽሱም ክትከውን እንከላ፡ ብ7ይ ክፍለ ዘመን ስልጣንን ነጸብራቕ ኣኽሱም “ብሰንኪ ናይ ዓረብ ወራር ካብ ግብጺ” ደስኪሉ። እዚ ነቶም ናይ ሃማውያን በጃ ኣሕዛብ ካብ ብምብራቓዊ ግብጽን ሰሜን ሱዳንን ንደቡብ ከምዝደፍኡ ደሪኹን ነቶም ኣብ ስሜናዊ ከበሳን ባርካን ዝነበሩ ደቅ ዓዶም ናብ ማእከላይ ከበሳ ኣቢሎም ከምዝፍልሱ ጌርዎም። ካብዚ እዋን እዚ ኣትሒዞም እቶም ሓበሻ ናብ ብርኽ ዝበለ ከረናት ዝሓዘ ቦታታት ከምዝግዕዙን ኣብኡ ንነዊሕ እዋን ካብ ዓለም ተፈልዮም ክነብሩ ጀሚሮም። ብድሕርዚ ዝሰዓበ ናይ ለውጥን ዝተፈላለየ ናይ ዶባት ምግዓዝን ናይ ውሽጣዊ ምምሕዳራት ክዓብን ክንእስን ይርእ። ዳርጋ ን13 ዘመናት ስልጣን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዝተፈላለዩ ሰባት ክተሓዝ እንከሎ ማእከልነት ዘለዎ ምሕድራ ወይ ንግስነት ግን ክስርት ኣይተኻኣለን። እቲ ሰለሞናዊ ዛንታ ነጋውስ ኢትዮጵያ ከም መቐጸልታ ናይ ኣኽሱም ከምዝኾነ ኣብዚ ከባቢ ካብ ዛንታ ንላዕሊ መሉእ ሓቅነት ዘለዎ ከምዝይኮነ እዩ ዝሕብር ናይዚ እዋናት ታሪኽ። ናይ ኣምሓራ ስርዓት ኣብዚ ከባቢ ብ1270 ኣቢሉ ክምዕብል ምስጀመረ፡ እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ትበሃል ቦታ ኣብ ትሕቲ ናይ በጃ ናይ ሓባራዊ መግዛእቲ እያ ኔራ። ክሳብ ናይ ጥልያን ምምጻእ ዝሓለፈ 6 ዘመናት ኣብዚ ቦታ ዝተፈላለየን ማእከልነት ዘይብሉ  ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። እዚ ታሪኽ እዚ ከም ዝበዝሑ ተረኽቲ ዝብልዎ “ምድረ ባሕሪ” ካብቲ ማእከላይ መንግስቲ ፍልይ ዝበለን ቀጻሊ ረጽሚ ኣንጻር እቲ ናይ ኣበሲንያ ወይ ሓበሻ ዝበሃል ናይ ደቡብ ስርዓት ዝነበረ እዩ ይብሉ። ኣብ ዘመነ “እቶም ነዛ ሎሚ ዘላ ኢትዮጵያ ዝሃነጹ ነገስታት ተድሮስ፡ ዮውሃንስን ሚኒልክን ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ነብሱ ዝኽኣለ ዝተፈላለያ ዓድታትን ወይ ውን ነጻ ካብ ናይ ማእከላይ መንግስቲ ደቡብ” እዩ።

እቲ ገዛእቲ ናይዚ ቦታ እዚ ናብ ጎንደርን ናብ ትግራይን እናኸዱ ናይቲ እዋን ማእከላይ ንጉስ ስልጣኖም ክፈልጠሎምን ምስኡ ድማ ግብሪ ዝኸፍሉ ከምዝነበሩ ብሓጺር ተኣሚንካ እንተዝሕለፍ ጽቡቕ ኔሩ። እዚ ብሂል እዚ ካብቶም ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ተ.ሓ.ኤን. ዝጽሕፍዎ ታሪኽ ኣይፍለን። እቶም ነዚ ታሪኽ ዝድግፉ ጸሓፍቲ ድማ እቶም ፍሉጣት ጆን ትራቫስኪስ፡ ዶክተር ዑቕባዝጊ ዮውሃንስ፡ ሮይ ፓትማን፡ ገለ ድማ ካብ ኣልበርቶ ፖለራ ይወስድ። ትራቫስኪስ ንባዕሉ ኩሉ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ምስ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ “ውዲት” ዝተመርኮሰ ጌሩ እዩ ዘቕርቦ። እተን “ሃገራውያን” ሓይልታት ተ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ሓ.ኤን ነዚ ታሪኽ እዚ ብዘይ ምሕታትን ዓሚቕ ምርምር ከይገበራ እየን ተቐቢለንኦ ኣብቲ ዘዘንትውኦ “ናተን” ታሪኽ። ግዝኣት እንግሊዝን ጥልመትን ከምኡ እውን ንጠላይን ቦታ ምጥጥጣሕን፡ ኣብ ዕግርግራት ሰላማዊ ሰብ ክመውት እንከሎ ሳዕቤኑ ኣነኣኢስካ ምውሳድን ካልእ ጭብጥታት ነቲ ኣብ ከበሳ ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ኤርትራውያን ክገዝኡ እንተኾይኖም ምስታ ኣዝዩ ልዑል ጽልዋ ብሃይማኖት ይኹን ብዓሌትን ታሪኽን እትራኸብ ኢትዮጵያ ከድህቡ ዝደፍእ ምኻኑ ትረቫስኪስ ኣይኣመነን። ገጻት 15 – 34 ነጋሽ ረአ።

ቱርኪ ንምጽዋዕን ሰሜን ምብራቓዊ ገማግም ኤርትራ ብ1557 ክሕዝ እንከሎ ናብ ከበሳ ደይቡ ን”ዕስራ ዓመት ምስገዝአ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ተደፊኡ ወጺኡ”። እዚ ማለት ካብ ከበሳ እዩ እምበር ንምጽዋዕን ከባቢኡንሲ ኣብ ትሕቲ ናይ ”ናይብ” ስልጣን ክሳብ ብግብጻውያን ክሳብ ዝትካእ ጸኒሑ። ብድሕርዚ ግብጺ ድማ መታሕት ባርካን ጋሽ ሰቲት ብምሓዝ ኣብ ከረን መዓስከር ብምግባር ብ1872 ኣቢሉ ስልጣኑ ናብ ምጽዋዕን ከባቢኡን ግዝእቱ ኣግፍሐ። ባሕሪ ነጋሲ(ታት) ከከምዝጥዕሞም ሓንሳብ ምስቶም ናይ ሃይማኖት ኣሕዋቶም ዝኾኑ ናይ ኣቢሲንያ (ሓበሻ) ገዛእቲ፡ ሓንሳብ ምስቶም ናይ ኦቶማን ቱርክን ኣብ ገማግም ዝርከቡ ናይ ኣስላም ምክትላቶምን ይዛመዱን ስምምዓት ይገብሩ ነበሩ። ነቲ ፖለቲካውን ባህላውን ህላወ ምድሪ ባሕሪ ድማ ክዕቅብዎን ካብ ደቡብ ይኹን ካብ ምብራቕ ንዝመጽኦም ምፍርራሓት ብምምካትን ብምክልኻልን ርእሰ ምምሓዳሮም ዓቀቡ። ንኣብነት ናይ ኣዳል ሱልጣን ብመሪሕነት ኣሕመድ “ኣል ግራኝ” ኢብን ኢብራሂም ኣል ቓዚ ንምድረ ሓበሻ (ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ) ምስወረረ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ውግኣት ባሕሪ ነጋሲ ይስሓቕ ሓገዞም ከምዘበርከቱን ንስዕረት “ኣል ግራኝ” ኣገዳሲ ተራ ከምተጻወቱን ይንገር። (ምንጪ፡ ዑቕባዝጊ ዮውሃንስ, 1991, ገጽ 31)።

ግብጽን ንግስነት ኣቢስንያ ብመሪሕነት ናይ ትግራይ ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ በብጉዳዮም ማለት ክልቲኦም ንከበሳ ኤርትራን ገማግም ባሕሪ ንምቁጽጻር ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምውድዳር በርቲዑ ክሳብ ውግኣት ጊንዳዕ 1874፡ ጉንደት 1875፡ ጉራዕ 1876 ኣካየዱ። ግዜያዊ ዓወት ኣቢሲንያ (ድሓር ኢትዮጵያ) ንሓጺር እዋን ኣብ ከበሳ ህላውኡን ቁጽጽሩን ክተክል ኪኢሉ። ግብጻውያን ኣብ ሱዳን ብዝተሰአ ናይ ማህዲ ፈተነ ዕልዋ፡ ኣቢስንያ ድማ ቀጻሊ ናይ መግዛእቲ ጥልያንን ካልኦት አውሮጳውያን ሓይልታት ኣብቲ ከባቢ ስለዘሰከፎምን ኣተኩሮኦም ስለዝሰሓቦ ንከበሳ ኤርትራ ይኹን ኩሉ መሬታ ከተግብሩ ኣይከኣሉን ይብል ዓንደብርሃን

ልክዕ እዩ እንተኾነ ግን ታሪኽ ኣስመራ ርእሰ ኸተማ ኤርትራ ብትግራዋይ ምክትል ሃጸይ ዮውሃንስ ዝኾነ ራእሲ ኣሉላ ብመፈለምታ ከም ናይ ዓሳክሩ መደበርን ድሓር ድማ ምምሕዳሩ ከምዝኾነት ዝነግር ታሪኽ ኣይግለጽን። ኣብቲ እዋናት እቲ ኸኣ ተስሪታ። ጥልያን መቐጽልታ እዩ ጌሩ። ኣብዘን ዝጠቐሰን ውግኣትሲ መራሒ ኩናት ራእሲ ኣሉላን (ሃጋይ ኢርሊች ተወከስ) ዓሳክሮም ክኾኑ እንከለዉ፡ ኤርትራውያን ኣይነብርዎምን ማለት እዩ ዘስምዕ እዚ ጥቕሲ።  ከምኡ እውን ዓንደብርሃን ነዚ ሓቅነት ዘለዎ ግንከ ብስም ኣብዚ ኣገላልጽኡ “ኣብ ናይ ሓጺር እዋን ወተሃደራዊ ድፊኢት ዶብ መረብ-በለሳ-ሙና ነቶም ኣብ ገማግም ምዕራባዊ መታሕትን ከምኡ እውን ካብቲ ከበሳ (ራእሲ ኣሉላ ዘይኣተውዎ) ሰሜናዊ ከበሳ ኤርትራ ምንም ጆግራፊያዊ ኣገዳስነት ኣይነበሮን” ኢሉ ዝገልጾ ኣብ ኣፍኣዊ ይኹን ጽሑፋዊ ታሪኽ ኤርትራ በዚ ቀሊል ኣበሃህላ ጌርካ ክሕለፍ ግቡእ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ያታዊን ባህላውን መግለጽታት ከብሳ ኤርትራ ነዚ ናይ ራእሲ ኣሉላ ህላወ (ዋላ ድሓር ይኺዱ ማለት ንኤርትራ ገዲፎም ናብ ትግራይ ይመለሱ) በስላኦም ይኹን ጽቡቕ ነጽብራቕስ ገዲፎም እዮም። ንሓደ ኮነ ኢሉ ታሪኽ ራእሲ ኣሉላ ኣብ ኤርትራ ክጽሕፍ ዝፍትን ሰብ እኹል ምንጭታት ኣለዎ። ብሓጺሩ ኣብ ከበሳ ዝንገር “ፍርዲ ከም ኣሉላ፡ ጽድቂ ከም ላሊበላ” ቢሂል ድኣ ከመይ ኢሉ ኣብ ባህሊ ኣትዩ? ካልእ ኣፋኣዊ ዛንታት እውን ኣሎ። ምስኡ እውን ካልእ ኣፍኣውን ናይ ሓጋይ እርሊች ራስ ኣሉላ ዘርእስታ መጽሓፍን ብተረኽትን ብኢትዮጵያውያንን ምሁራት ዝተዳለወ ብዙሕ መጻሕፍቲ ኣሎ።  

ራእሲ ኣሉላ ንምድረ ባሕሪ ሰለስተ ሳዕ ኣቢሎም እዮም ወሪሮማ። ብመጀመርታ ንከበሳ ኤርትራ ምስቶም ሹመኛታት ብምስምማዕ ዳርጋ ብዘይ ግጭት እዮም ደይቦሞ። ናብ ቦጎስን ናብ ሰንሕትን ድማ ድይቦም እዮም። ብፍላይ ኣብ ሳልሳይ ወራሮም ኣብ ልዕሊ ብሔራት ናራን ኩናማን እዚ ዘይበሃል ጭካነ ዝመልኦ ራስያን ዕንወትን እዮም ኣካይዶም። እዚ ዘይርሳዕ ታሪኽ እዩ። ስለዚ ድማ ናይዘን ብሔራት ኤርትራ ታሪኽ ናይዞም ወረራታት ታሪኽ ዝሓዘ እዩ። (ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባ እዚ ዘሎ መወከሲ ረአ)

እዚ ክበሃል እንከሎ ናይ ባሕሪ ነጋስን ናይ ገዛእ ርእሶም ምምሕዳር ዝነበሮም ወረዳታትን ዓድታትን ኔሮም እዮም። ንኹሉ እዚ ኤርትራ ዝበሃል መሬት ብሓቂ ብሓደ ምእኩል ናይ ኢትዮጵያ ይኹን ናይ ሓበሻ ምምሓዳር ኣይተገዝአን እዩ። ከም ኣማሓደርቲ ኤርትራ ራእሲ ወልደሚኪኤልን (ካብ 1875-1879) ራእሲ ኣሉላን (1879-1890) እዮም ዝጥቀሱ። ግዝኣት ራእሲ ኣሉላን ራእሲ ወልደሚኪኤልን ኣብቲ ሕመረት ናይታ ድሓር ኤርትራ ዝኾነት ኣስመራን ከባቢኣን ስለዝነበረ ሓደ ታሪኻዊ ምስክርሲ ገዲፉ እዩ። ምስኡ ድማ ኣሉላ ናብ ሓገዝ ሃጸይ ዮውሃንስ ክኸይድ እንከሎ ካብ ዓሳክሩን ሓልፍቲ ወተሃድራቱን ኣብ ምድረ ባሕርን ኣስመራን ጊዲፉ እዩ ከይዱ። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ንሕጽር ዝበለ እውን እንተኾነ ክንገረሉን ክዝረበሉን ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ብድሕሪ ሃጸይ ዮውሃንስ ዝመጸ ሃጸይ ሚኒሊክ ብዘይካ ናይ ገዛእ ርእሱ ናብ ደቡብ ዘቕንዐ ወራራት ናብታ ኣብ መግዛእቲ ጥልያን ቀስ ብቐስ እትኣቱ ዝነበረት ከበሳን ቆላን ናይ ድሓር ኤርትራ ኣይተገደሰን ዝብሎ ዓንደብርሃን ሓቂ እዩ። ቆላሕታኡ ኣብ ካልእ እዩ ኔሩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ምስ ጥልያን ናይ ውጫለ ስምምዕ ኣብ 1889 ፈሪሙ ኣብ መንጎ እታ ሳላ ሃጸይ ሚኒሊክ ስማ ዝተረጋገጸት ኢትዮጵያን ጥልያን ዘጠመቓን ኤርትራን ወግዓዊ ፍልልይ ተኻኢሉ።

2ይ ምዕራፍ ብዛዕባ መግዛእቲ ጥልያን ብዝርዝር ይገልጽ። ጥልያን ንምጽዋዕ ብየካቲት 1885 ካብቶም ግብጻውያን ብዘይ ውግእ ክወርሳ እንከሎ ናይ በርሊን ውዕል ድማ ነዚ ናይ ጥልያን ግዝኣት ብወግዒ ፈሊጡሉ። መግዛእቲ ጥልያን ብወግዒ ብዕለት 1 ወርሒ ሓደ ማለት ጥሪ 1890 ከም መፈለምታ ኣፍሪቃዊት ግዝኣቱ ንኤርትራ ፈለጣ። ንግዝኣቱ ምቁጽጻር ግን ኣብያ ከየጋጠሞስ ኣይተረፈን። እንተኾነ ግን ዝተፈላለየን ዘይተማእከለን ስለዝነበረ ብሓጺርን ቀሊልን ኣገባብ ይጭፈልቕን ይጠፍእን ነበረ። እቲ ኣዝዩ ዝዓበየን ኣብ ታሪኽ ፍሉጥ ዝኾነ ግን ኣብያ ናይ ደጃዝማች ባህታ ሓጎስ እዩ። ኣብዚ ታሪኽ ባህታ ሓጎስ ኣብታ “ጸሊም ተመን፡ ጻዕዳ ተመን፡ ባህታ ሓጎስን ኣብያኡ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ጥልያን” ዝርእስታ መጽሕፍ ናይ ሪቻርድ ኮልክ እዩ ዝውከስ። ባህታ እምበኣር “ጥልያን ይረግሙናን፡ መሬትና ይወስዱን ኣለዉ። ኣነ ነጻ ከውጽኣኩም እየ……ነዚኦም ኣውጺእና መራሕቲ ሕይወትና ንኹን…” ብምባል ገለ 1600 ዝኾኑ ሰባት ሒዙ ተላዕለ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣብ ኩናይ ሓላይ 19 ነሓሰ 1894 ተኻይዱ ኣብኡ ድማ ደጃዝማች ባህታ ሓጎስ ተቐትሉ። እቲ ኣብያ በዚ ፈሸለ።

ደጃዝማች ባህታ ሓጎስ ምስ ጥልያን ተሰማሚዖም ክነብሩ ፈቲኖም እዮም። ማለት ጥልያን ከም ብዙሓት ናይ ኣውሮጳ ገዛእቲ ቦታ ምስሓዙ ነቶም ኣብኡ ዝገዝኡ ሰባት ኣብ ልዕሊኦም ኮይኖም ክነሱ ኣብቲ መዓልታዊ ስልጣኖም ግን ይፈልጡሎም ኔሮም። ከምእ እውን ጥልያን ምስ ባህታ ሓጎስ ማለት ስልጣኖም ስለዝባረኸሎም ኣብቲ ከባቢኦም ተስማሚዖም ዝነበሩሉ እዋንሲ ኔሩ። መዓልቲ እናሓለፈ ምስከደ ግን እዚ ግዝኣት ኣብ ልዕሊኦም እውን ከንሳፍፍን ዘይደለይዎ ነገራት ክእዝዞም ምስጀመረ እምቢ ክብሉ ጀመሩ። ሓደ ካብቲ ዋና መሬት ናይ ቤተ ከርስትያን ምስወሰዱ ዓቕሎም ተወድአ ይብል ዊኪፒድያ እውን። ዝርዝር ኣብ ላዕሊ ርአ። እቲ ቀደም “ቫበነ” እናበሉ ዝሓልፍዎ ዝነበሩ ነገራት በርትዖም። ተረኽቲ ኤርትራውያን ነዚኣ ማለት “ቫበነ ባህታ” ትብል ፍልጥቲ ሳጉኣ ኣየልዕልዋን እዮም። ካልእ ነቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ ዘፍሽሎ ዝነበረ ናይ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ብተዛማዲ ርጉእ ናይ ጥልያን መግዛእቲ ኣሜን ኢልካ ምቕማጥ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰበሰልጣን ዝነበረ ምውድዳርን ምብኣስን እዩ። ኣብነት ናይዚ ባዕሎም ደጃ. ባህታ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ነቶም ኣንጻሮም ወይ መጻናጽንቶም ዝኾኑ ሹማምንቲ ኤርትራውያን ብሓይሎም ኣብ ዓሰብ (ዓሰም) ኣሰርዎም። ድሓር ኣንጻር ጥልያን ኣብዝገበርዎ ቃልሲ ነዚኣቶም ሰባት ከምዝበደልዎምን ምስኦም ተሰማሚዖም እንተዝነብሩ ክንደይ ሓገዝቲ ምስረኸቡ ብዝብል ምምራር “ኣቱም ሰብ ዓሰመ ሰብ ዓሰመ …(ኣጥፋእናኩም?) መሬት ምስጠዓመ፡ ደለናኩም መሬት ምስጸልመተ” በሉ ይበሃል። ምኽንያቱ ምስኣድለይዎም እቶም ሹማምንቲ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ እንተዘውጽእዎም (ዛንታ ሓገዝ ሓቲቶምዎም ይበሃል) እውን ተቐይሞም ስለዝኾኑ ከምታ ዝጀመርካያ ወድኣያ ናብ ዝብል መረዳእታ እዩ ዝኽይድ። እዚ ታሪኽ ይድገም ከምዝበሃል ስልጣን ከለካ ንደቒ ሃገርካ ምብስባስ፡ ድሓር ጽንሕ ኢሉ ናይ መግዛእቲ ሓሳድነት ምስተረድኣካ ኣሕዋትካ ምድላይ ኣብ ናይ ተድላ ዑቕቢት ጉዳይ እውን ተራእዩ እዩ። (እዚ ግን ካልእ ዛንታ እዩ ግንከ ኣብቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝግበር ናይ ኤርትራውያን ቃልሲ ግን ብተደጋገምነቱ ምናልባት ክጥቀስ ኣርእስቲ ክኸውን ይኽእል እዩ)።

ብፍላይ እካ ኣፍኣዊ ዛንታ ከምዝነግሮ፡ “ቆነጃጁ ኤርትራውያን ደቀነስትዮ ምስ ዘዝጸበቑ ጠላይን ብምምርዓው ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ዓሌት ክፈጥሩ ምኻኖም ጥልያን ምስገለጹሎም ነዚ ኣይተቐበልዎን። ንበዓልቲ ቤቶም ምስነገርዋ፡ እዋእ ከምቀደምኩም “ቫበነ” ኢልኩም ዘይትቅበልዎ እንታይ ገዲሱኩም እንተበለቶም፡ እሞ ብጋልኪ ንጀምር በልዋ” ይበሃል። ድሕርዚ ብዙሕ ኣይጸንሑን ኤለትሪክ ናይ ሰገነይቲ በጣጢሶም ገለገለ ጥልያን ኣሲሮም ብወግዒ ተቃውሞኦም ብምእዋጅ ንበረኸኦም ወፈሩ። ድሕሪ ገለ እዋን ድማ እቲ ፍሉጥ ናይ ሓላይ ውግእ ተኻይዱ ኣብኡ ዓረፉ። ጀግነነቶም ከምዘለዎ ኾይኑ ከም ባህሊ መምስዝመጽአን ዝሓየለን ስልጣን ክትሳመማዕ ምፍታንስ ኔሩ እዩ። እዚ ካብቲ ናይ ባሕሪ ነጋስታት ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣይፍለን። ናይ ገዛእ ርእስኻ ስምዒታት ተቐቢልካን፡ እዚ ጉዳይ በዚ ኣይተሰማማዕናን ግንክ ንዝለዓለ ጥቕምን ምትሕብባር ንምዕባለን ደሞክራስን ሓሳባትና ለዊጥና ንስራሕ ዝብል ኣምር ኣይማዕበለን። ንኣብነት ኢትዮጵያ ናይ ባድመ ኩናት ምስተወለዐ፡ ካብ ኣብያተ ማእሰርትን ብምወጻእን ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ዜጋታታ ብምዕዳምን ንተኽእሎኦም ኣብ ሃገራዊ መዓላ ኣውዒላቶ። እዚ ሓደ ብፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ዝበሰለ ኣካል ዝገብሮ ስራሕ እዩ።

ናብ መግዛእቲ ጥልያን ብምቕጻል፡ ብድሕርዚ ኣብያ ደጃ. ባህታ ተቓውሞ እካ እንተቐጸለ ልዕልነት ተክኖሎጅን ወተሃደራዊ ኣስተምህሮን ወደባን ንመግዛእቲ ጥልያን ከምዝተርር ጌርዎ እዩ። እቶም ኣብ በብኩነታቱ ዝለዓሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ድማ ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ፍሉጥ ኣብያተ ማእሰርቲ ናኹራ ይዳጉኖም ነበረ። ናይዚእቶም ዓበይትን ሹማምንትን ኤርትራን ተኸተልቶምን ኣይዳ ኪዳነ እሱራት ናኹራ ብዝብል ኣርእሲ ኣብ መርበብ www.ehrea.org ገለ ካብኣታቶም 300 ናይ ዝኾኑ ኣስማት ዘርዚራ ኣቕሪባ ኣላ። ጥልያን ኤርትራ ምስደልደለ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ንምብሓት ንኢትዮጵያ ወረራ። እቲ ብፋሽስት መራሒ ሙሶሊኒ ዝተገብረ ፈተነ ድማ 5 ዓመት ብዘይውሕድ ግዜ ክፈሽልን ሓደ ካብ ኣብ ዓለም ፍሉጣት ናይ ኣፍሪቃውያን ስዕረት ኣብ ልዕሊ ናይ ኣውሮጳ ሓይሊ ዘመስከረት ውግእ ዓድዋ ትግራይ ብ1896 ተወድአ። እዚ ታሪኻዊ ዓወት እዚ ኣብ ሮሜ ዝነበረ መንግስቲ ንኽወድቕን ነቲ ኣብ መንጎ ጥልያንን ፈረንሳን እንግሊዝን ዝነበረ ውድድር ንልዕልነት ኢትዮጵያን ወግዓዊን መንግስታን ብኣውሮጳውያን ንኽትፍለጥ ኣኽኢሉ።  

ኣብ መወዳእታ ናይ 19 ክፍለ ዘመን መንግስቲ ጥልያን በሓደ ወገን በቲ ሓደ ድማ ኢትዮጵያን ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ዶባት ዝሕንጽጽ ስምምዓት ተፈራረማ። ጥልያን ንኤርትራ ብምልእታ ካብ ኣስመራ ኣማእኪላ ክትገዝእን ናብ ኣፍሪቃ ዘተኮረ መግዛእታ መበገሲ ንኽትኮና ኣብ ኤርትራ ዘድልያ ትካላት ክትተክል ጀመረት። ወደባት፡ መንገድታት፡ ህንጻታት፡ ጽርግያታት፡ ድልድላትን ንዓዲ ጥልያን ዝመስል ገዛውቲን ሆስፒታላት ፋብሪካታትን መንገዲ ባቡር ሰርሐት። ካብ 1936 ክሳብ 1941 ጥልያን ንኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣለዋ ዝበሃላ ኢንዱስትሪታት ዝርከበን ግዝኣታት ገበረታ። ነቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ዝነበሩ ኤርትራውያን ግን ከም ትሑታት ዓሌት ኣፍሪቃ ብምቑጻር ፍሉይ ገዛውትን ምስቶም ኣውሮጳውያን ጥልያን ብጀካ ከም ሰራሕተኛታት ብካልእ ከምዘይራኸቡ ዝገብር ዓሌታዊ ሕግታት ኣወጀት። ካብ 1935-1941 (6 ዓመታት) ጥልያን ነቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ኣስመራ መቐመጢ ጥልያን ዝኸውን ገዛውቲ ሰርሐት። እዚኣ ንኣስመራ “ንእሽቶ ሮማ” ኣጠሚቓ ናይ ጥልያን ምብራቓዊ ናይ ኣፍሪቃ ግዝኣት ዕንቑ ከተማ ንኽትከውን እዩ ዝነብረ ትምኒት በዚ ሎሚ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ዝርአ ዓይነት ህንጻታት ይንጸባረቕ። መንግስቲ ንብረት ዝገብር “ዶሚንያለ” ስለዝተኣወጀ እቲ ዝነበረ ናይ መሬት ኣጠቓቕማ ኣገባብ ተለወጠ። ከም ሓደ መልሰ ግብሪ ናይዚ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ናይ ጥልያን ውትህድርና ንኽኽተቡን “ዓሳክር” ንክኾኑን ዝደፍእ ሓድሽ ናይ ስራሕ ቦታ ተኣታተወ። እዚኣቶም “40% ናይ መንእሰያት ደቂተባዕትዮ ክኾኑ” እንከለዉ ኣብቲ ግዝኣታ ንኸተዕቢ እትገብሮ ዝነበረት ወራራትን ውግኣትን ኣብ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ተሳተፍቲ ኾይኖም ኣገልጊሎም።

ካብዚኣቶም ክንደይን ኣበይን ዝብል ታሪኽን ቁጽርን ዝርዝርን ውሑድ እዩ። እቲ ፍሉጥ ግን ካብ መንጎ 1980 ክሳብ 1941 ኣብ ውግእ ዓድዋ፡ ኣብ 1935-41 ምትሓዝ ኢትዮጵያን ናይ ሶማልን ሊብያን ወረራታት ተሳቲፎም እዮም። 1935-1946 ወረራ ጥልያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝብል ናይ ኒኮል ደቪድ መጽሓፍ ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ምትሓዝ ገለ 60,000 ተሳቲፎም 5,000 ሽሕ ድማ ኣብቲ ፈለማ ኩናት ሞይቶም ይብል። 60,000 ዝኾኑ ኣብ ሊብያ ብ1911-1932 ትካላት ሰርሑን ተዋግኡን ይብል። ኣብ ውግእ ከረን 1941 ድማ ገለ 9,000 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ሞይቶም ይብል። እዚ ኩሉ ግን እቲ ኤርትራዊ ከም ካልኣይ ዜጋ ይቑጸርን ብሰንኪ ሕብሩ ድማ ዓሌትነት ይገጥሞ ኔሩ። ትምህርቲ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ማለት ንጥልያን ዝጠቅም ጥራሕ  ተማሂሩ ብ1930ታት 20 ዝኾና ኣብያተ ትምህርቲ ምስ 4,177 ተማሃሮ ነበረ። ምስዚ ኩሉ ሽግራት ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ይነብሩን ብሓደ ኮይኖም ተመኩሮ የሕልፉ ስለዝነበሩ እቲ ኤርትራውነት ዝብል ኣምር እናተኣታተወ ከደ። እቲ ዓሌትነት ሓደ ካብ ጠባያት መንግስቲ ዝነበረ ናይ  ሙሶሊኒ ግዝኣት ድማ ነዚ መሊሱ ኣደንፍዖ።

ኣብዚ ናይ መግዛእቲ ጥልያን ዝገልጽ ታሪኽ ኤርትራ ግን እቲ ኣብ መፈለምታ ዝጀመርዎ ጥልያን ዝቐይርዎ ፖሊሲታት ኣይገልጽን። እዚ ናይ ጥልያን ስጉምቲ ናይዚ ትውልዲ እዚ ኣብሓጎታት ግን ይዝክርዎ እዮም። መረዳእታ ጽሑፋት እውን ኣሎ። ማለት ኣብ ተቃውሞ ኣንጻር ጥልያን ግን ከርሳዕ ዘይብሉ ምምጻእ ጥልያን ንመነባብሮኦም ርግኣትን ምክልኻልን ዝፈጠረሎም ዜጋታት ከምዝነበሩ እዩ። ብዛዕባ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ዝገበሮ ለውጥታት ከም ተኸስተ ነጋሽ ዝጠቕሶ “በንዓምር፡ ሓባብ፡ መንሳዕን, ማርያን ባዛን ኩናማንን ቢለንን ካብ ወረራ ትግራይን/ምድረ ሓብሻን ንመጀመርታ እዋን ክድሕኑ ኪኢሎም”። ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ነቲ ጭካነ ዝመልኦ ግፍዒ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጥልያን ዝወረደ ስምባደን ነብስኻ ምሕካኽን ንኸዕሪ እዩ ተላኢኹ። ብዛዕባ እዚ ብፍላይ ኣብ ምጽዋዕ ዝግበር ዝነበረ ቅትለትን ምውሳድ ንብረትን ኣብ ሮንግ, ገጽ 49-52 ተወከስ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ጥልያን ኣብ ኣጀማምራኡ መሬት ዶሚናለ እካ እንተወሰደ ጸኒሑ ግን ብጽልሚ ይኹን ብዴሳ ናይ ገዛእ ርእሱ ንብረት ምኻኑ ስለዝፈለጠሉ “ሓረስቶት ኤርትራ ንስነ ስርዓትን ርግኣትን ተቐቢሎም ብሰላም ይነብሩ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ እታ ሃገር ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝሃድሙ ገላውን ስደተኛታትን፡ ስራሕ ዝደልዩ ሰባትን ክትቅበል ጀመረት” ተኸስተ ነጋሽ ገጽ 15። ንመግዛእቲ ጥልያን ብኣሉታዊ መዳያቱ ጥራሕ ምግላጽ ነቲ ካብዚ ርግኣትን ሰላምን እውን ዝረብሐን ንዝበዝሕ ዓመታት ግዝኣቱ ድማ ሕይወቱ ዝተመሓየሸ ሰራሕተኛን ዓስከራትን ኣብ መነባብሮኦም ዘምጽኦ ተራ እውን ነቲ ‘ኤርትራውነት’ ጸልይዎ እዩ።

ብተወሳኺ ተኸስተ ነጋሽ ከምዝገልጾ “ብዝሒ ናይ ዓሳክር ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ነቲ ዝምድና ክልቲኦም ኣሕዛብ ጸልይዎ እዩ። ብኣልማማ ዝግበር ዝነበራ ናይ “ዶሚናለ” መሬት ምውሳድ ጨሪሱ ተረፈ። ጥልያን ንሕግታት እንዳባ ከምዝምለሱ ገበረ። ስለዚ ብ1920ታት ኤርትራይውያን ብዕስክርና ሊብያ ስራሕ ክረኽቡ እንከለዉ እታ ብጽርግያታትን ወደባትን እትምዕብል ዝነበረት ኤርትራ ብካብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሰደድ ኣታውን ምንጪ ቁጠባዊ ረብሓ ክትረክብ ክኣለት። እቲ ቁጠባ እውን ብሳላ ፋብሪካታት ምዕባለኡ ቀጸለ። ኣብ መንጎቶም ብሔራት ብረታዊ ረጽሚ ኣይነበረን። ካብ ኢትዮጵያ እውን ዝመጽእ ሓደጋ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ኣብ መወዳእታ 1930ታት ሓደ ሙሉእ ትውልዲ ብመግዛእቲ ጥልያን ኣብ ዝሰፈነ ሰላም ክዓቢ ከኣለ።” ከምኡ ገጽ 16 እዚ እውን ክግለጽ ዝነበሮ ጉዳይ እዩ። ስለዚ፡ ኦኮነር፡ ተኸስተን ዝተወክስዎ ጽሑፋት ኣብዚ የልቦን።

ግዝኣት ጥልያን ብ1941 በሓይልታት ኪዳን ክሰዓር እንከሎ ኣብ ከረን ዝተኻየደ ውግእ ኣገዳሲ ነበረ። ጥልያን ካብ 1890 ክሳብ 1941 ማለት ሓይልታት ኪዳን ብመሪሕነት ዓባይ ቢሪጣንያ ክሳብ ዝሰዓር እዩ ዝጸንሐ። ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ጥልያን ዝወርዶም ዝነበረ ማህሰይቲ ተቐይሞምን በቲ ድሓር ዝበርትዐ ዓሌትነት ተተንኪፎም ኔሮም። ኣብቲ ዝተኻየደ ውግኣት እንግሊዝ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ባንዴራ ንኽህልዋን ንነጻ ኤርትራ ከምዝዋግኡ ዝብል መልእኽቲ ብነፈርቶም ይዝርግሑ ነበሩ። እቲ ዝዝርጋሕ ዝነበረ ወረቓቕቲ ንኹሎም ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ንዓሳክር ጥልያን ኣንጻር ገዛእቶም ጥልያን ንኽልዓሉን ምስ ሓይልታት ኪዳን ክተሓባበሩን ይጽውዕ ነበረ። እዚ ጻውዒት እዚ ዘሰምበዶ ጥልያን ንገለ 40 ቦጦሎኒታት ፋሕ ኣበለ። ዝበዝሑ ኤርትራውያን ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ኢድ ምሃብ ንጥልያን ብተኣማንነትን ብመንፍዓትን እካ እንተኣገልገሉ እቶም ኣብ መንጎ ኩናት ንጥልያን ራሕሪሖሞ ዝኸዱ ዓሳክር ተግባር ሞራል ከምዝጎድልን ከምዘዳኸመን እዚ ድማ ንስዕረተ ጥልያን ተራ ከምዘበርከተ ይንገር። “ኤርትራ ንእንግሊዝ ኢዳ ምስሃበት ሓይልታት ኪዳን ኣተኩሩኡ ኣንጻር ጀርመን ጀነራል ሮመል ኣብ ግብጺ ንኽገብር ጠቒሙ። ከረን እንተዘይትወድቕ ኔራ ብደንከርክርን ደብዳብ ኣየርን ዝደኸመት ዓዲ እንግሊዝ ሓይሊ ኣይምረኸበትን። ናይ ከረን ምትሓዝ ንእሽቶ ግን ኣገዳሲ ተራ ኣብ ናይ ካልኣይ ኩናት ዓለም ካብቲ ርኡይ ናይ ናዚ ዕብላላ ናብ ናይ ሓይልታት ኪዳን ዓወት ከምዝከኣል ዘመልከተ ሓደ ኩነት እዩ።” ሮንግ, 2005, ገጽ. 97.  እዚ ኹሉ ተፈጺሙ ከብቅዕ ግን እዛ ሃገር እዚኣ ኣሽሓት ኣማኢት ኣብዚ ኩነታት ኣጥፊኣ ክነሳ ኣብ ቀጻሊ ግን ክንዲ እቲ ዝግብኣ ነጻነትን ደሞክራስን እትረከብ ኣብ ቀጻሊ መግዛእቲ ባዕዲ ንኽትኣቱ ዘመልክት መንገዲ ንኽትኣቱ መገዲ ተኸፍተ።

ምዕራፍ ክልተ በዚ ይውዳእ። ቀጻሊ ምዕራፋት….

ምዕራፍ 3 ፈተነ ምክፍፋል ኤርትራ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን። ምዕራፍ 4 ካብ መግዛእቲ ኣውሮጳ ናብ ኣፍሪቃዊ መግዛእቲ ምትሕልላፍ። ምዕራፍ 5 ቃልሲ ንነጻነት። ምዕራፍ 6 መንግስቲ ምትካልን ምዕባለን። ምዕራፍ 7 ርእስኻ ምኽኣልን ናይ ኩፖን ቁጠባ። ምዕራፍ 8 መርገም ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት። ምዕራፍ 9 ብልምዲ ሽግራት ብሓይሊ ናይ ምፍታሕ ጠባይ ታሪኽ። ምዕራፍ 10 ፍልልይ ኣብ መንጎ ፖሊሲን ተግባርን። ምዕራፍ 11 ቅልውላው ኣፍሪቃዊት መንግስቲ። ምዕራፍ 12 ኤርትራ፡ ኣወንታዊ መርኣያ ናይ ኣፍሪቃዊ መጻኢ? ምዕራፍ 13 ተራ ስደተኛታት ኤርትራውያን። ምዕራፍ 14 ንኤርትራ ምግልጋል። ምዕራፍ 15 ክፍታሕ ዝከኣል ዝነበረ ኩናት። ምዕራፍ 16 ዘይርጉእ ኩነት ድሕሪ ናይ ተኹሲ ደው ምባል። ምዕራፍ 17 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ብኸመይ? ምዕራፍ 18 ነዚ ዲና ተቓሊስና?

እዚ መጽሓፍ ኣዝዩ ብዙሕ ሓበረታ ዝሓዘን ክርሳዕ ዘይብሉ ትንተና ናይ ታሪኽን ቃልስን ብተወሳኺ ድማ እቲ ድሌትን ሕልምን ንደሞክራሲያዊት ኤርትራ ብስምዒት ጥራሕ ዘይኮነ ብግብሪ እውን ፈተነታት ከምዝተኻየደን ስለምንታይ ከምዝፈሸለን ዘረድእ ስለዝኾነ ክንበብ ዘለዎ እዩ። ብተወሳኺ ጸሓፊ ኣዝዩ ኣገዳሲ መጽሓፍ ከምዝጸሓፈን ክገልጽ እንተከልኹ ኣብ ካልኣይ ሕታሙ ንምንባብን ምርምርን ክጥዕም ኣብ መወዳእታ ኢንደክስ ክገብርን ናብ ናይ ኤርትራ ቃንቃ ክትርጎም ዝብል ርእይቶ አቐርብ። ከምኡ እውን ኣብ ኣቀራርባን ካብ ጽሑፍ ኣወሳስዳን ኣተራኩማን ንዝረአ ጌጋታት ሓላፍነት እወስድ።  

ተወሳኺ፡

ጆርጅ ከ. ኤን.  ትረቫስኪስ ካብ 1943 ክሳብ 1950 ከም ሓላፊ ኮሎኒያል ግዝኣተ ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለን “ኤርትራ፡ ግዝኣት ኣብ ግዜ ለውጢ” (Eritrea: A Colony in Transition) ትብል ንእሽቶን ግን ኣዝዩ ሓበረታን ምንጭታትን ዘለዎ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብተመራመርትን ታሪኸኛታትን ትውከስ መጽሓፍ ዝጸሓፈ እንግሊዛዊ እዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...