ሓሙስ 23/10/2014 ኣብ  ከተማ ኖርሳምፕቶን ኣብ ስራሕ ዊዒለ፡ ኣማስያይ ብባቡር ናብ ለንደን እናተመለስኩ፡ ብሞባይል፡ ሞት ወዲ ቫካሮ ኣርዲኦሙኒ። ነቲ ዝሰማዕኩዎ ነገር ክኣምኖ ኣይከኣልኩን። ክኣምኖ እውን ኣይደለኹን። ኣንታ ንሕና ኤሪትራውያን ዘይንፈልጦ መርገም ኣለና ዲዩ ኢለ ኣስተማሲለ።

ንወዲ ቫካሮ ንሞት  ኣይሃብኩዎን። ግን ከኣ ነቲ ዝኾነ ክቕይሮ ስለዘይክእል ክቱር ሓዘን ንመንፈስ ክወሮ ተሰመዓኒ።

እቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ መላእ ዓለም እናዞረ "ንሕበር ንሰማማዕ - ሓደ ድምጽን ቅልጽምን ኬይንና ንጸላኢና ንግጠም!" እናበለ፡ ኣብ ድኻሙን ሕማሙን ኤርትራውያን ከሕብር ኮለል ኢሉ ናይ ተስፋ ባብ ዝኸፈተ ሰብ፡ ዝሓለኖ ከይተግበረ ምኹላፉ አሕዚኑኒ።  ግን ከኣ፡ ፈልሲ ሓድነት ተኺሉ ስለዝሓለፈ፡ ሕጂ እውን ፈልሲ ሓድነት ንምዕንባብ ብዝያዳ ክንሰርሕ ኣለና፡ ብምባል ምስ ነብሰይ ተጸናናዕኩ።

ንገዛ ምስ ኣተኹ  ተቐላጢፈ ንመራኽቢ ብዙሐን ንኣሰና  ከፊተያ።  ኣካያዲ እታ መርበብ ሓበሬታ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱ ጓሂ ብዝመልኦ ድምጹ ሐርበኛ ተወልደ ተስፋማሪያም ካብዛ ዓለም ብሞት ከምእተፈልየ ድሮ ንህዝቢ ሓቢሩ ጸኒሑኒ።

ነቲ መርድእ ዘሰኒ ዝነበረ ዜማን ቅኒትን ንውሻጣዊ ስምዒተይ መሊሱ ቀስቂሱዎ።

መድሓኒ ሃገር መድሓኒ

መድሓኒ ሪማ  መድሓኒ

ኣነ ክስዋእ ንበሩ

ኣነ ክሓልፍ  ክበሩ

ኢሉና ከይዱ ንሐዋሩ  እያ እትብል ነይራ።

ሐቂ ተወልደስ እባ ኣበጊሱስ ተፈልዩና ንሐዋሩ።  እወ ተወልደ፧ ንዑ ንሕበር ንዑ ሓደ ንኹን ተወሃሂድና ንስራሕ ኢሉ ኣበጊሱና ሓሊፉ ኣሎ። እታ ንመርድእ ዘሰነየት ዜማ ከኣ ነቲ ንሱ ዓዲ ዓዲ ዘይሩ ዝገበሮ ጎስጓስን ኣስተዋጽኦን ኣንጸባሪቓቶ።  ኣምር ናይ ሐድነት ፍትሕን ኣብ ኣተሓሳሰባ ሕዝቢ መታን ከስርጽ (a form of empowering the people) እሞ ናይ ዲሚክራሲ ኣተሐሳስበኣም ብንቕሐት የሕይሎም  ብ ግብሪ ልለውጢ ክሰርሕሉ።  ተወልደ ኣብ ዕስራ ከተማታት ዓለም፡ ምስ ከቢድ ሕማሙ እናተቖራቖሰ ንዝነበሮ ናይ መወዳእታ ዕድመኡ ዓቕምን ሓይልን፡ ምልኪ ንምስዓር፡ "ሓደ ንኹን!" ኣብ ምባል ተጠቒምሉ ሓሊፉ'ሎ። ስለዚ ንሕና እዞም መዓስ ከምእንስዕቦ ዘይንፈልጥ ዜጋታት ኤርትራ፡ ሃየ ዝተኸሎ ፈልሲ ሓድነት ኣብ ምጥጣዕ ሓቢርና ንቃለስ - ሓቢርና ንስራሕ።  ኩላትና ደቂ ኣዳም መወትን ሓለፍትን ክነስና ኣብዛ ሓጻር ዕድመና ብህዝቢ ዝዝከር ስራሕ ሰሪሕና ዘይምሕላፍና ኣተሓሳሲቡኒ። 

ተወልደ፡  ኣብ  ስደት ኣብ ዝነብር ህዝቢ ናይ ፍትሕን ደሞክራስን ኣተሓሳስባ ንከሰርጽን፡ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ቃልሲ ብሓደ ድምጽን ቅልጽምን ንኽሳተፍ ድሕሪ ምንቅስቓሱ፡ እቲ ንጥፈታት ብዝተወደበ መገዲ ንኽሰላሰል ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት፧ ኮሚተታት ክቖማ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሓድነታዊ ምንቅስቓስ እውን ኣብ ለንደን ክኸውን ሓሳብ ኣቕሪቡስ፧ ኣብ መስርሕ ትግባረ እንከሎ እዩ ብሞት ተፈልዩ።

ኣነ  ምስ ጨንፈር ሃገረ እንግሊዝ (EUJ-UK (Eritrean for Unity and Justice united Kingdom Branch ብምትሕብባር፡ እቲ ንዓለም ለኻዊ ንጥፈታት ትልሚ ወዲ ቫካሮ ከወሃህድ ዝተሓስበ ቤት ጽሕፈት  ብናይ ዓዲ እንግሊዝ ሕጊ  ንኽምዝገብ ሜሜራንዶምን ኣርቲክሊስን ናይ ማሕበር (Memorandum and Articles of Associatioon)  ንምድላው  ምስ ኣካየድትን ሓለፍትን ጨንፈር ዓዲ ኢንግሊዝ ተሓባቢረ እናሰርሐኩ እየ ዕረፍቲ ተወልደ ተረዲኤ።

ማሕበር  ዓለም ለኻዊ ኮሚቲ  ሐድነት ኤሪትራውያን ንፍትሒ  “Eritrean for Peace and Justice-International (EUJ-International  ካብ 9 ከተማታት ዓለም  (ዓዲ ጣልያን፡ ኣመሪካ፡ ስዊዘርላድ፡ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ሆላንድ፡ ወዘተ ዝተመርጹ ኣካየድቲ ዘለውዋ ብፈልሲ ወዲ ቫካሮ ዝተተኽለት ማሕበር እያ። ወግዓዊ ቤት ጽሕፈታ ኣብ ምምስራት እንከለና ኢና ከኣ ፈላሚ እቲ ፈልሲ ከምተፈልየና  ዝተረዳእና፡፡ ብሰንክዚ እየ ከኣ ንጽሑፈይ " ወዲ ቫካሮ ብሞት ተፈልዩና፡ ዕዳ ግን ኣሰኪሙና!" ክብል ኣርእስቲ ዝሃብኩዎ።

ወዲ ቫካሮ፡  ሰብ ክሐልፈሉ ዝደሊ ሕያዋይ፡   ንሰብ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ኣለኹ ዝብል ደንጋጺ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ምቕሉል እዩ ነይሩ። ንክንደይ ስንኩላትን ሕሙማትን ተጋደልትን ስቪልን ናብ ዓዲ ጥልያን ኣምጺኡ ዘየሐከመ፡፡

 ነዛ ዓንቀጽ እናጽሐፍኩ ኣስመራ ተዘከሩኒ። ዓመቱ 1996 እዩ። ኣብ ኣስመራ ንዝክሪ ዓብደራሕማን መሓመድ ባቡ ፕሮግራም ነዳሉ ስለዝነበርና እሞ ንበዓልቲ ቤቱ ክንዕድማ ስለዝደለናን ገንዘብ ስለዝሓጸረናን ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከይደ "ኣንታ ወዲ ቫካሮ ንሰበይቲ ኣብደልራሕማን ባቡ ግዳ ደርሶ መልሲ ናይ ነፋሪት ቲከት ዘይትኸፍለልና።" ክብል ሓተትኩዎ።  ነብሲ ሄር ባቡ - እቲ ንቃልስና ኣብ ዓለም ዘቃልሕ ዝነበረ ኣፍሪቃዊ ምሁርን ናይ ታንዛንያ ብጊዜ ፕረሲደንት ጁሊስ ኒረረ ሚኒስተር ዝነበር እዩ።

ዓብደልራሕማን ባቡ ኣብ ለንደን እዩ ዓሪፉ። ንሕና እቶም ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንህንጸት ሃገር ክንካፈል ዝመጻእና ከም ገብሩ ተስፋማሪያም ዶክተር ሰይፈ በርሀን፣ ከማኡ ኣውን ካብ ኣመሪካ ዝመጸት መኣዛ ተስፋሚካኤል በዓልቲ ቤት ንተወልደ እስጢፋኖስ - መጀመርያ ኣብ ኤሪትራ ኢንተርነተ ካፈ ዝኽፈቱ   ኬንና ኢና ኣዳሊናዮ።

ወዲ ቫካሮ፡ " እዚ ድኣ ሐላፍነትና እንድዩ፡ ጸገም የለን፡  ይቕናዕኩም ጥራሕ፡  ካብ ሉፍታንሳ ኢንቮይስ ጥራሕ ኣምጸኣለይ ኢሉኒ።" ብመልሱ ጸባ ሰትየ- ዓጊበ። ከምቲ ዝበሎ ከኣ ገይሩ ወዲ ቫካሮ። 

ነብሲ ሄር መሐመድ ሳልሕ ሐጎስ  እውን ነቲ ውሩይ ኣፍሪቃዊ ወዲ ሰነጋል ገጣሚ ኣሕመድ ሸኽ፡ ናይ ነፋሪትን ናይ ሆቴሉን- ክሳብ ኣብ ኢርትራ ዝጸንሕ መሻርፉን ኪኢሉልና። መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ኤርትራ ክሳተፍ  ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ምሁርን በዓል ጸጋን ምቕሉል ዜጋ እዩ ነይሩ።

ወናኒን ኣካየድን ፋብሪካ ኦሞ ዝነበረ መሓመድ ሓጎስ ኣብ መንደፈራ ቤት ትምህርቲ ክሰርሕ መደብ ነይሩዎ። ይኹን እምበር እቲ ብሰራሕተኛታቱን ህዝብን ምስጉን ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ብ 1 ሓምለ 2008 ኣብ ኤርትራ ብግፊዒ ተቐቲሉ፤ ሕልሙን ሕልምናን በኒኑ ተሪፉ። ናይ እዞም 2 ሰብ ገንዘባዊ ሐገዝ ካብ ናይ መንግስቲ ሐገዝ ካብ ክምዚ ግበር በዚ ኺድ ኣድሒኑና። 

ኣብቲ ኢግዚብሺን ፕረሲደንት  ኢሳያስ እውን ከም ሰቡ ተዓዲሙ  መጺኡ ነይሩ።   እቲ ናይ ባቡ ስእላዊ ኤግዚቢሽን፡  ርክብ ምስ ናይ ቻይና ፕሪሜር ቹኡንላይ ምስ ተቓላሳይ መሰል ጸሊም ዓሌት ኣብ ኣመሪካ፡ ማልኮም ኤክስ ፡- መደረታት ዘቕረበለን ዩኒቨሲታትን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። እዚ ዓቢ ኢግዚብሽን ካብ ማእከል ኣፍሪቃ ( Africa Centre) ለንደን ብካርጎ እዩ መጺኡ። እቲ ኣብ ኣደራሽ ማዛጋጃ ቤት ዝተኻየደ ዕዉት ፕሮግራም ከኣ ኣብ እዋኑ  ኤሪ-ቲቪ  ናብ ሕዝቢ ኣቃሊሐቶ ነይራ።  ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ኣሕመድ ሽኽ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ዝመደበሩ ናይ ፓን ኣፍሪቃን ምንቅስቃስ  ናይ ባህሊ  ሐላፊ ኮይኑ  ካሳዕ ብሕማም ዝመውት ኣብ ኢንተበ ይቕመጥ ነይሩ።

ንወዲ ቫካሮ  ብሕሊናይ  ተሰናበትኩዎ ፥ ቀጻልነት ናይቲ ኣብ ለንደን ተጀሚሩ ዘሎ ስራሓት ኣብ ሕቶ እናእተኹ፡ ካብቲ ኣብ ቅድመና ተገቲሩ ዘሎ ብድሆታት ምኻኑ ብምግንዛብ ብዝያዳ ከበርክት ምስ ነብሰይ ቃል ኣትየ።  እቲ ስራሕ  ሐድጊ ነብሲ ሄር ተወልደ ተስፋማሪያም - ወዲ ቫካሮ ስለዝኾነ፧ ክንበኽየሉ ዘይኮነስ ኣብነቱ ክንወርስን ክንሰርሕን ድማ እላቦ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...