ደራሲ ኮሎነል ጸጉ ፍስሃየ ብሓፈሽኡ ነ’ንበብቲ፡ ብፍላይ ድማ ንደለይቲ ለውጥን ዕርቅን ስግጽ ዘብል፡ ናይ ታሪኽ ኣርእስቲ ዝመረጸላ መጽሓፉ፡ “ብዓቕመይ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ዝተዓዘብኩዎ ሕቡእ ተመኩሮታት ጆባእ እብል።” ብምባል’ዩ ሸውሃት ትጽቢትን ሃንቀውታን ናየ’ንበብቲ ዘዕግብ ዝመስል፡ ብዛዕባ ትማሊ ልሙድ ዕለታዊ ኣሰራርሓ ዝነበረ ሽፍትነት-መሪሕነት ኣብ ውሽጢ ገድልን-ምግዳልን ዝትንትን ዓይነይ ዝረኣዮ ጸብጻባ’ለኒ’ሞ፡ ህ……………ሞ በሉኒ፡ እናበለ’ዩ ንድርሰቱ ተተሓሒዙዎ።

    ቀንዲ ትሕዝቶ መልእኽቲ መጽሓፉ ድማ ነቲ ብሞያ ዝሞተ፡ ኣነዶ ንስኻ ንመልኽ ኣብ ዝዓይነቱ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ኲናት ዝተሳዕረ ቅዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ምውቃስን፡ ናይ’ዚ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ዘዕኑ ዘሎ እሳተ ጎመራ ዝመስል ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ኡንኮ ተሓታቲ ድማ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣምሲልካ ንምቕራብ’ዩ ዝመስል እቲ ቐንዲ ጻዕሪ። ብዓቢኡ መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ከምዝቀራረቡ ወይ ድማ ክሳብ ክንደይ ከምዝረሓሓቑ ብምድህሳስ፡ ከምሳዕቤኑ ድማ ኣብ ጉዕዞ’ቲ መስርሕ መዓርግ ኮሎነልነት ክሰከሞ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓላፍነትን ተሓታትነትከ እንታይ ክመስል’ዩ ዝድለ? ንዝዓይነቱ ሕቶ ናብ ሚዛን ኣንበብቲ ክተቕርቦ ትጠራጠር’ያ ትመስል ኣደራርሳ መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ።

ብዘይ ምግናን ግን ህዝባዊ ግምባር ብከም’ዚ ሕጂ ናይ መጽሓፍ ዛዕባ ክኸውን ዝድለ ዘሎ ናየ’ወዳድባ ስልቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ከምዝተንቀሳቐሰ ናይ ታሪኽ ሓቂ’ዩ። እቲ ናየ’ወዳድባ ሜላ’ቲ ብናይ ሕጂ ዓይኒ ንድሕሪት ናብ ታሪኽ ብምጥማት እንክረአ እንታይ ይመስል ዝብል ገምጋም ካልእ ዛዕባ ኮይኑ፡ ኣብ ግዜኡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ቅቡል ኮይኑ ኣስሪሑ’ዩ። ከምውጽኢቱ ድማ፡ ዓውድኻ ከም ዘርእኻ ስለስዝኾነ፡ ንቕዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ወሊዱ ይረአ’ሎ። እዚ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ’ዚ ከም ዝምስክሮ ቅዲ’መራርሓ ህዝባዊ ግምባር ናብ ቤተመንግስቲ ናየ’ስመራ ምስ ኣተወ፡ ጸሓይ ናይ ናጽነት እናማሞቐ ምስ እዋን ናይ ምትዕጽጻፍ ብቕዓት ከጥሪ ዘይምኽኣሉ፡ ድኽመታት መሰረታዊ ናይ ሓሳባት መንቀሊኡን፡ ምልባሰ ዓይነታዊ ምዕባለ ናይ ታሪኻዊ ጉዕዝኡን ዝሕብር’ዩ።

   እዚ ብሕብእቲ ሰልፊ’ቢሉ ምልካዊ ስርዓት ዝመልመለ ታሪኻዊ ጉዕዞ ቅዲ’መራርሓ ህዝባዊ ግምባር ና’በ’ቢሉ ይግስግስ ከም ዝነበረ ኣብ ትዕዝብቲ መንካዕን የሚንን ጥራይ መኣስ ኮይኑ ወዲቑ፡ ብዙሓት ዓበይትን ምሁራትን ተዛሪቦሞ ከስምዑ ከምዘይከኣሉ ናየ’ደባባይ ምስጢር’ዩ። ብዙሓት ካልኦት ድማ በዓል ዶክተር እገለን ፕሮፈሰር እገለን ኣብ ውሽጡ ዝሓቖፈ መስርሕ ሎሚ እንተዘይነቐሐ፡ ንለውጥን ዕርቅን ጽባሕ ንግሆ ከርክበሉ’ዩ’ሞ ኣንጻሩ ካብ ምምዳር ሱቕ ምባል ክሓይሽ’ዩ ዝበሉ ውሑዳት ከምዘይኮኑ ምዝካር ድማ ምግናን ኣይመስለንን። ርሑቕ ከይተኸደ ናይ ባድመ ፖለቲካ ክባራዕ እንከሎ፡ ድምጽን መልክዕን ናይ’ቲ ቅዲ’መራርሓ ኮይኖም ኣብ ረድዮን ጋዜጣን ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዝነበሩ ሊቃውንቲ ምዝካር ማለት ምሕሳው መኣስ ኮይኑ።

    ስለ’ዚ ንጹር’ኳ እንተዘይመሰለ ባህጊ-መጽሓፉ ንኮሎነል ጸጉ፡ ብሓጺሩ ናበ’ንበብቲ ከቕርቦ ዝደሊ ጉዳይ ግና’ሎ። ምናልባት ምስ ግዜን ናይ ኩነታት ምዕባለን በብቑሩብ ምግሃዱ ግን ዝተርፍ ኣይመስልን’ዩ። ዝኾነ ኾይኑ ኮሎነል ኣብ ናይ ቅድሚት ገበር ክሰፍር ዝመረጾ ስእሊ ንዓይኒ ዝማርኽ ታሪኻዊ መልክዕ’ዩ። ካብኡ ንላዕሊ ከኣ ኣብ ናይ ድሕሪት ገበር ዘስፈሮም ምሩጻት ኣስማት ናይ ፍሉጣት ኤርትራውያን ዝተመልከተት ዓይኒ፡ መልእኽቲ መጽሓፉ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንለውጥን ዕርቅን ዘርብሕ ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ኣፋፍኖት ናይ መስተርሆት ብገለ’ቢላ ተንጸባርቕዶኾንትኸውን ብዝዓይነቱ ባህጊ ገጻት ንምግንጻል ዓሰርተሳዕ መመልከቲት ኣጻብዕቲ ብጥፍጣፍ ዘጠልቂ ናይ ልቢ ተርባጽ’ያ ተሳውር።

    ይኹን ደኣ’ምበር፡ ሽሕ’ኳ ህዝባዊ ግምባር ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ንባህሊ ኤርትራ ኣቃዊሱዎ ከምዘሎ ብንጹር ትምስክር መጽሓፍ እንተኾነት፡ ከም መሰረት ኣርእስቲ መጽሓፍ፡ ሓበሬታ ካብ ዝወዓሉ ብምቕሳም ኣንፈት ኣረኣእይኡ ብምምእዝዛይ ንምንቅስቓስ ናይ’ዛ ኣብ ዝወዓለቶ ዘይትሓድር ዓለም ዕዳጋ ክጸናቶ ዝህንጦ ልቦና ኣንባቢ፡ ሓደ ክልተ ፍልዮ ከይገንጸለ ብቕጽበት’ዩ ናብ ጓል መንገዲ ዝምራሕ። ኣብነት ንምጥቃስ፡

ትምህርቲ

   ኮሎነል “ኣብ ግዜ ንእስነተይ ሕዉስ፡ ፈታው ዕላል፡ ተጻዋታይን ውዑይን’የ ኔረ።  …….. ኣቦይ ምስ መጸ’የ ቀዲመዮ ብምእታው ከንብብ ከምዝወዓልኩ መጽሓፍ ገንጺለ ዝጸንሖ ዝነበርኩ። ብተፈጥሮይ ግን ናይ ትምህርቲ ምቕባል ተውህቦ ስለዝነበረኒ ኣብ ትምህርተይ ኮፍ ኢለ ዝሰምዖ ይኣኽለኒ ነበረ።” (ገጽ-14) ክብል ዕዮ-ምስክሩ ባዕሉ ብምፍራሙ፡ ኣቤ…….ት! እዚ ደራሲ ከመይ ዝበለ’ዩ፡ ብንእሽትኡ ድዩ ኮሎነል ተሸይሙ? አረ ንምዃኑ ናበይ ገጻ’ያ ከተምርሕ ዛ’መጽሓፉ? ብዝዓይነቱ ጥርጣረ፡ ብዛዕባ ከተመሓላልፎ ትደሊ መልእኽታ ወይ ድማ ክህልዋ ዝኽእል ናይ ቀለም ብርኩታ ሃሰስ ንምባል ብዘይዕረፍቲ ንባብ ንምቕጻል ትዕድም ድርሰት መሲላ’ያ ትብገስ መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ።

     መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ ብዛዕባ ትምህርቲ ኣንጊሃ ተንጸባርቖ ኣረኣእያ ከምኡ ዝመስል ኮይኑ፡ ኣብ ምዝዛማ መንእሰያት ኤርትራ ወይ ድማ ተመሃሮ ናይ ሳዋ “ናይ 12 ክፍሊ መልቀቒ ፈተና ንክደግሙ’ውን ይፍቀድ ኣይነበረን፡ ንፕረሲደንት ወዱ ኣብርሃም ምስ ተረፈ’ዩ ንመጀመርታ ግዜ ተፈቒዱ።” (ገጽ 272) ብዝብል ኣበሃህላ፡ ብቐጥታ ንፕረሲደንት ኢሳያስን ወዱን ምስ ምሕንጻጽን ምርማስን መደብ ትምህርቲ መንእሰያት ኤርትራ ትቛርን።

    ብምቕጻል ኣብ ገጽ 260 ድማ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣዝዩ ጸቢብን ምስ ምዕባለ ዘይስጉምን ኮይኑ፡ እቶም ብዛዕባ ትምህርቲ ሓቲትካዮም ናብ ኢሳያስ በጺሖም ምስ ተመልሱ፡ ነቲ ትምህርቲ “ከላም ፋርቕ’ዩ” ክብሉ’ዮም ዝስምዑ ዝነበሩ።” ዝብል ኣበሃህላ ብዓቢኡ ቲ’መንግስቲ’ውን ብዛዕባ ምሕንጻጽ መደብ ትምህርቲ ኣፍልጦን ሓልዮትን ዝነበሮ ኣይመስልን’ዩ ክሳብ ምባል ዘድፍር ትዕዝብቲ ይንጸባረቕ።

  እዛ “ከላም ፋርቕ” ጸርፊ’ያ ትመስል። ብልክዕ ትርጉማ እንታይ ከምዝኾነ እንድዒ። ንሱ ብዘየ’ገድስ ግን መንግስቲ ኤርትራ ክበሃል እንከሎ ንመን’ዩ ዝምልከት? ብዛዕባ ትምህርቲ ሓቲትካዮም ምስ ተመልሱ …. ዝበሃለሎምከ በዓል መን’ዩም? እቶም ሓተ’ትን ተጸበይቲ መልስን ክመስሉ ዝደልዩ ዘለዉኸ ከመይ ዝበለ ስልጣን ዝሓዙ’ዮም? ዝብሉ ሕቶታት ወዮ ድኽነት ናይ ሓሳባት ኣብ’ቲ መስርሕ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ሱር ከምዘለዎ ዝሕብሩ’ምበር፡ “ኢሳያስ እንታይ ስለ ዝኾነ’ዩ ድላዩ እናገበረ ነዛ ሃገር ሸይሸይ ዝብለላ ዘሎ።” (ገጽ 252) ብዝብል ሸፈጥ ክምኽነየሉ ብቑዕ ኣይመስለንን ከም ርኢቶይ።

      ከመይ’ሲ ቅዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናይ’ቲ መስርሕ ፍረ’ምበር ካብ ሰማይ ዝነጠበ መርገም መኣስ ኮይኑ። ብዘይምግናን እቲ መስርሕ ብዓቢኡ ብዛዕባ ተራ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዘማዕበሎ መሪሕ-ኣረኣእያ ክሳብ ክንደይ ዝዓሙቕ ናይ ሓሳባት ድኽነት ከምዝወጸዖ ንምርግጋጽ፡ ማይን መብራህትን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጂቡቲ ዝገዓዘ፡ ኤርትራ ናይ ጸላኢ’ዩ ብምባል ልባን ቀልባን ምስደፈነቶ’ዩ ዝብል መመላእታ ዝደሊ ኣይመስለንን።

                                        ዉሕ ዉሕ ኣብ እንዳ ስዋ፡

   ጸሓፋይ ናብ ገጽ 14 – 15 ብምቕጻል ድማ “ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ …… ምስ መድህን ዝተባህለት ጓል ተፈታትየ፡ ወዲ 14 ዓመት ጥራይ ብምንባረይ እቲ ዝምድና ናብ ጸወታን ዕላልን ዝተሓጽረን፡ ንመጻኢ ግዜ ድማ ንፍቕሪ ዝጠመተ’ዩ ኔሩ።” ብምባል  ሓደ ይብል’ሞ፡ ናብ ካልኣይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ድሕሪ ምእታዉ፡ “ገለ ገለ ደቀ’ንስትዮ ክጥምት’ኳ እንተፈተንኩ….” ካብ ምባል ከይሓለፈ፡ ምስ ጸወታ ኩዕሶ፡ ካልቾ ፓሊና ንምድራብ “ናብ ቤት ሻሂ መንእሰይን ሓሓሊፈ ድማ ምስቶም ኣዕሩኽተይ ናብ እንዳ ስዋ ብምኻድ ሓደ ሓደ ምባል ጀሚረ።” ብምውሳኽ ንትሕዝቶ መጽሓፉ ብናይ ስዋን ሽጋራን ትክን ጨናን ብዘይንሕስያ ዕብልኽ የብላ።

      ስለ’ዚ ኣብ ግዜ ንእስነት ምስ መስተን ጓይላን ኣተሓሒዙ ንዘማዕደዎ ናይ ፖለቲካ ዓይነት ብኣብነት ንምዝካር ድማ፡ ንሓደ ካብ መሳትይቱ “ናይ ባርያ ደርፊ ከተስምዓና ንጓል ደመቁ ሓተታ። እቲ መንእሰይ ማዕረ ማዕረ ባርያ ምስታ ደርፊ ተኸታቲሉ ዓው ኢሉ ደርፉ ቀጸለ፡ እቶም ካልኦት’ውን ሰዓብናዮ፡ ገዛ ዉሕ ውሕ በለት።” ብምባል መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ ብ “ዉሕ ዉሕ” ናይ ስዋን ጓይላን ዝደምቕ ዝመስል ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ጸብጻብ ከምተእቱ ይሕብር።

   ብምቕጻል፡ ከም ትጽቢት ንቡር ባህሊ ኤርትራ ብጥንቃቐ ዝጥመቱ፡ ስዋ ዱቋ ጽራይ ቢራ ኣረቂ ዱሙዱሙ … ትምባኾ ዝብሉ ቃላት ሕልፍ-ሕልፍ ኢሎም ከም መማቕርቲ ፍጻሜታት ፍቕርን ምዝንጋዕን ኣብ ትሕዝቶ መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ ዝጥቀሱ’ኳ እንተኾኑ፡ ሽጋራ ትብል ቃል’ሲ ብውሕዱ ክሳብ 30 ግዜ ኣብ’ታ መጽሓፍ ተቖሪሓ’ላ።

    ኣብ መወዳእታ ድማ ወዮ ናይ ንእስነት መሰረት ዘለዎ ዝመስል፡ ስዋ ጸጸጊብካ ዉሕ ዉሕ ናይ ምባል ዝምባለ፡ ናይ ዓወት ኩታ ተኸዲኑ ቤተ መንንግስቲ ምስ ኣተወ  “ኣብ ኤክስፖ ናይ ምክልኻል በዓል ኣብ ዝነበረሉ ኣጋጣሚ መስተ በዚሑ፡ ጀነራላት ምክልኻል ንሕና ኢና ሃገር ኣምጺእናያ ኢሎም ነብሶም ኣተዓባብዮም ኣብ ዝተጃህሩሉ እዋን፡ ኢሳያስ ንባዕሉ መስተ ኣብዚሑ ተደራቢሹ፡ ኣበይ ዝነበርክን ምክልኻል! ሃገር ኣሃዱ 72’ያ ኣምጺኣታ ዝበለሉ እዋን ኔሩ’ዩ።” (ገጽ 238) ብምባል ናይ ሃገርን ናጽነትን ትርጉም ንገደሉ ሸለው ዘብሉ ኣናብስ ከምዝዓትዓትዎ ንመጻኢ ዕድል ኤርትራውነት ዘብርህ ድምጺ ናየ’ናብስ’ያ ተቃልሕ መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ።

       እወ ኣናብስ ናይ ገድልን ምግዳልን ኣምጺእናያ እናበሉ ዝዋጠጡላ ሃገር እንታ’ያ ግዲ? ንኤርትራ ካብ ጸላኢ ማለት ኢትዮጵያ ብዝፈሊ ርሕቀት ክዕቀን ስለዝተሓንጸጸሉ ድምቀት ናይ ናጽነት፡ ኢሳያስ’ውን ከም’ቶም መዛትይቱ ወይ ድማ ጀነራላቱ ክሰክርን ክጀሃርን እንተተራእየ “ኢሳያስ ንባዕሉ መስተ ኣብዚሑ ተደራቢሹ” ምባል ንኢሳያስ ከም ፍሉይ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰብ ብዝጽብጽብ ኣጉል ምኽንያት ሎሚ’ውን ከም ትማሊ መዓልቲ ንምቕታል እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ቐንዲ ሕማም እንታይ ምዃኑ ኣይሕብርን’ዩ። ናብ ለውጥን ዕርቅን’ውን ኣየምርሕን’ዩ።  ብኻልእ ኣዘራርባ ኣመራርሓ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ጥዑም መዓልቱ ብዘይካ ኢሳይስ ሂወት ከምዘይነበሮ ከም በዓል ኮሎነል ዝመስሉ ጸሓፍትን ደቂ-ውሽጢ ናይ’ቲ ገዛን ዝምስክርዎ ክስተት ኮይኑ፡ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ሕማቕ መዓልቱ ብዘይካ ኢሳያስ ሂወት ከምዘይብሉ ድማ ብሓባር ንርእዮ ዘለና ታሪኽ’ዩ።

   ስለ’ዚ ተራ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሎም’ውን ከም ትማሊ ብቐሊሉ ዝትካእ ኣይመስልን’ዩ። ናብ’ቲ ቐንዲ ነጥቢ ንምምላስ፡ እዛ ኢሳያስን ጀንራላቱን ኣምጺእናያ እናበሉ ኣብ ስኽራኖም ዝዋጠጡላ ኤርትራ እንታይ ኢያ?

                                  መሬትን ባሕርን’ያ ክበሃል ድዩ ዝድለ ዘሎ?

   ናጽነት ማለት ሃገር ማለት ኣብ መዋዕል ዜጋታት ብዝንጸባረቕ ናይ ምምሕያሽ ለውጢ ክዕቀን ዝግብኦ እንተኾይኑ፡ ካብ ሳዋ ክሳብ ሽመለባ፡ ካብ ትሩቡሊ ክሳብ ላምፐዱሳ፡ ካብ ከሰላ ክሳብ ሲናይ …. ዘሎ ኩነታት ኤርትራውነት’ዩ ህሉው መልክዑ። ስለ’ዚ እዞም ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ “ኣምጺእናያ” እናበሉ ዝፈኻኸሩላ ሃገር እንታይ ኢያ ክበሃል’ዩ ዝድለ ዘሎ? ኣይንሳቶም ዶይኮኑን ነዚ ቄባዕ ቅዲ’መራርሓ ኢሳያስ መዋርዶ ናብ ዘይቀረቡሉ ናይ ስልጣን ገደል ኣሳፊሮም ካብ በረኻ ሓዚሎሞ ዓዲ ዝኣተዉ። ብዘይ ምግናን ግን ኣብ ስኽራኖም ዝንጸባረቕ ዝመስል ዘሎ ሕማም- ልቦም ናይ ስልጣን ባህጎምን ደሃይ ዝናኦምን’ዩ። ምእንት’ዚ ድማ’ዮም ኣዒንቶም ሸፊኖም ብናይ ኢሳያስ ኣዒንቲ ዝርእዩ መሲሎም ክቐርቡ ዝጽዕሩ።

    ዝኾነ ኾይኑ መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ ኣብ ገጽ 244 ብምቕጻል “ኢሳያስ ካብ’ቲ ንጸላኢኻ ኣቆናጺብካ ካብ ምግማት ዝመንጨወ ግጉይ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ሃገራዊ ድሕነት ተበጊሱ፡ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኣትሒቱ ብምግምጋምን፡…….. ኣብ ዶብ ዝተኸስተ ቀለልቲ ግጭታት ከምዝተዓባበ ጌሩ ናብ ኲናት ዝኣተወ።” ብምባል ..  “ግጉይ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ሃገራዊ ድሕነት” …. ተባሂሉ ክጥቀስ ዝኽእል ናይ መንግስቲ መጽናዕቲ ምስ ፖለቲካ ናይ ባድመ ተተሓሒዙ ከም መሰረት ናይ’ቲ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ዝተወስደ ኲናት ናይ ምጅማር ውሳነ ክንጸባረቕ ይረአ።

       እዚ ድማ ኣብ’ቲ መስርሕ ዝሰረጸ ምስእዋን ዘይተዓጻጸፍ ኣረኣእያ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ክሳብ ክንደይ ዝዓሙቕ ሱር ከምዝሰደደ ከንጸባርቕ እንተዘይኮይኑ፡ ከም’ቲ ዝድለ ጸላኢ ካብ ኤርትራ ምስ ወጽአት ወተሃደራዊ ዓቕሚ ናይ ኢትዮጵያ ከመይሉ’ዩ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ናይ መጽናዕቲ ዛዕባ ኮይኑ ዝተረፈ? … ጉድ’ዩ!

ሰማፎሮ ጥሕስተሽን ይፈለጋሉ ቃኘው ስተሽን!

    ቀደም ዘመን ንጉስን ዘውድን’ዩ’መስለኒ፡ ፖሊስ ትራፊክ ምስተኸተበ ሓደ ወዲ ሸዋ፡ ኣበ’ስመራ ክሽቅል ተመደበ። ሻቡ ብዓረብያ ብኻሮሳ ብመኻይን፡ ልዕሊ ኹሉ ግን ብብዝሒ ብሽግለታን ኣንጎሎታትን ምድንጋር ከይኣኽሎስ፡ ናየ’ስመራን ናይ ቃኘውን ቋንቋ ኣጊሙዎ፡ ቀይሕ መብራህቲ ንዝጠሓሰ ኣመሪካዊ ዓስከር ደው ኣቢሉ፡ ሰማፎሮ ጥሕስተሽን ይፈለጋሉ ቃኘው ስተሽን፡ ብምባል ንኸባቢኡ ክመሳሰል ፈቲኑ፡ ዝዓይነቱ ናይ ቀደም ዕላል፡ ማለት’ሲ ከም ሓንቲ ኣብነት ናይ ነጸብራቕ ፍልልይ ደረጃ ምዕባለ ደቀ’ስመራ ብንንጽጽር ምሰ ደቂ ሽዋ፡ ዘዘኻኽር ክሳብ ዝመስል፡ ኣብ ገጽ 20 “ንጽባሒቱ ንግሆ ኣነን ኣብርሃምን ደንጒና ኩሉ ተምሃራይ ተሰሪዑ ጸንሓና። ክንቅጻዕ ምዃና ፈሊጥና፡ ካብኡ ኣይሕለፍ ኢልና፡ ኣመሪካን ሮክ ናይ ሬር ኤርዝ ናይ 1971 ደርፊ “ኣይ ጃስት ዎንት ቱ ሰለብረት”  እናደረፍና ናብ’ቲ መስርዕ ተጸንበርና። ሓንቲ ተሰሪዓ ዝነበረት ጓል ክላስና “ሰለብረት” ኢላ ንደርፍና ብምቕባል ተጸንበረትና። ……. ነዛ ምሳና ዝደረፈት ኣብ’ቲ ብእንዳ በረምበራስ ዝፍለጥ እንዳ ሻሂ ይኹን ናብ እንዳ ማማ ሂፒ - ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበረ እንዳስዋ- ሒዝናያ ክንከይድ ጀመርና።” እዚ ከም’ዚ ዝበለ ንመኣዲ ትምህርቲ ዝሕሰም ናይ ንእስነት ዓይነት ምስ ሃገራዊ ስምዒት ክጽብጸብ እንተኾይኑ ዝድለ ዘሎ’ምበኣርከስ ዘሕፍር’ምበር ንታሪኽ ዝበቅዕ ኣመዓባብላ መንፈስ ናይ ምግዳል ዝእምፍት ፍጸሜ ኣይመስልን’ዩ። ምናልባት እቲ ናይ ሽዑ ትምህርቲ ናይ ጸላኢ’ዩ ኔሩ ኢልካ ንምውንጃል ስዋ ምስታይ የድሊ ኔሩ ክበሃል እንተዘይኮይኑ።

     ንሱ ከይኣክል ድማ “ሓሺሽ” ትብል ቃል ምስ ፍቕርን ምቕታልን ተዛሚዳ ኣብ ገጽ 20 – 21 ተዘኪራ ትንበብ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም ግን ነዛ ናይ ሓሺሽ ዛዕባ “ጸላኢ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣቓልቦ መንእሰያት ካብ ፖለቲካ ንምርሓቕ ፡ ኣብ ትልሂት ኣድሂቦም ውራይ ሃገራዊ ቃልሲ ክዝንግዑ ዝጥቀመሉ ዝነበረ መሳርሒ’ዩ ነይሩ።” ብምባል ህሉው ኩነታት መስርሕ ምኹስኳስ ንእስነትን ኤርትራውነትን ኣብ ሳዋስ ይጽናሕ ደሓን፡ ካብ’ቲ ኣዳዕዲዑ ይውዕለሉ ኔረ ዝብሎን፡  ብስዋን ሽጋራን ዝዓመረ ምስ ምንቕቓሕ ሃገራዊ ስምዒት ክዛመድ ዝተደለ ዝመስል ሓሸውየ፡ ንሓሺሽ ናይ ጸላኢ መሳርሒ ስለዝኾነት ኣርሒቕኩም ርኣዩዋ ክበሃል ዝተደለየ’ዩ ዝመስል።

ኣጋንንቲ’ውን ብመዓልቶም’ሲ መላእኽቲ’ዮም ኔሮም’ዩ ዝብል ቲ’ዓቢ መጽሓፍ።

      ኮሎነል ከመ’በሃህልኡ፡ ጌና ወዲ 14 ዓመት እንከሎ’ዩ ብሙቐት ጾታዊ ዝምድና ምስደቀ’ንስትዮ ክጽሎ ጀሚረ ዝብል። እዛ ዝምባለ’ዚኣ ሽዓ ምስ ጀመረት ከኣ ኣብ በረኻታት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣብ እግሪ ገረብን ኣብ ቤት ጽሕፈታትን ከምዝሳዕረረት ብምጽብጻብ’ያ ክትምዕርግ ዝተባህገ’ላ ትመስል መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ።

     እቲ ዝገርም ኮሎነል ኣስማተን ብምቑራሕ ናይ ፍቕሪ መቛድስተይ ኔረን ክብል ኣብ መጽሓፉ ዘስፈረን ኣንስቲ፡ እቲ ዝመረጾ ዓይነት ኣተራርኻ ናይ’ቲ ፍጻሜታት፡ ልዕሊ ኹሉ ኣብ ዕለታዊ ሂወተን፡ ምናልባት ሰብሓዳር እንተኾይነን ድማ ኣብ ሓዳረን ከኸትሎ ዝኽእል ሕማቕ ሳዕቤን ስለምንታይ ኣብ ግምት ከእትዎ ዘይደለየ፡ እንድዒ።

ናይ ደቀ’ንስትዮ ደላላ።

   ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ገጽ 222 “ንሓደ ናይ ከተማ ዕላል ኣዳቒቑ ዝፈልጥ ብላዕ ኢሉዎ ዝሳጉኡ ድንኪ ናይ ደቀንስትዮ ደላላ….” ዝብሉ ገለጽቲ ቃላት ይንበቡ። እቲ ምስኡ ተተሓዚ ዘሎ ኣብ መንጎ ናይዝግን ኮሎነልን ዝንጸባረቕ ካብ ሳሕል ጀሚሩ ክሳብ ቤተመንግስቲ መንግስቲ-ኤርትራን ባራት ናየ’ስመራን ዝቐጸለ ናይ ስልጣን ውድድር ብዝየገድስ፡ ብላዕ-ኢሉዎ ዝበሃል ሰብ ኣብ ንእስነቱ ካብ ቤት ንግዲ ናብ ቤት ንግዲ እናተንቀሳቐሰ ዝላኣኣኽ፡ ገዛ ዘጽሪ፡ ካብ መኪና ኣቑሑት ዘራግፍ ወይ ዝጽዕን፡ መኪና ዝሓጽብ … ብሓጺሩ ጉልበቱ ዝሸጠሉ ስራሕ ከይነዓቐ ነብሱ ዝኣሊ ዜጋ ከምዝነበረ ካብ ካተድራለ ክሳብ ባር ኢምፐሮ የማን ጸጋም ዘሎ ትካላት ዝምስክሮ’ዩ።

     ምናልባት ኣብ’ዛ ሓዳስ ኤርትራ ብላዕ-ኢሉዎ ድማ ኣብ ዕብየቱ እዞም ብደላላ ምስ ኣንስቲ ክራኸቡ ዝደልዩ ሰብ-እዋን ሓዲሽ ስራሕ እንተፈጢሮሙሉ ግን እንድዒ። አረ’ቶም ብደላላ ኣንስቲ ሃሰስ ዝብሉ ክበሃለሎም ዝድለ ዘሎ ሰብኡት ከመይ ዝበሉ’ዮም? ሰበስልጣንዶ ወይስ ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ ሃብታማት?? ዝገርም’ዩ፡ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣስዒቡዎ ዘሎ ውድቀትኮ ክሳብ ክንድ’ዚ’ዩ።

     በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ጸሓፋይ ኣሕሊፈዮ ክብል ዝጽብጽቦ ምቅይያር ዝምድናታት ምስ ደቀ’ንስትዮ ኣብ ናይ በረኻታት ውዕሎ፡ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ዛንታ ብዛዕባ ቀይዲበተኽ ስራሕ ደቂ በረኻ የሳኒዶኾን’ኸውን ምስ ባህልን ወግዕን እንዳቦኻ ብዝዓይነቱ ናይ ጥርጣረ ዓይኒ ካብ ምጥማት ሓሊፉ “ፍቕሪ” ብምባል’ዩ ኣዳዕዲዑ ዘቃልሖ። ምናልባት ንሱ’ውን ንኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ ይፍቀዱሎም ካብ ዝነበሩ ሓለፋታት ሓደ’ዩ ኔሩ ንምባል እንተዘይኮይኑ። ብዘይ ምግናን ንመጽሓፍ ናይ ታሪኽ ዝበሃግ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኣይመስልን’ዩ።

    እወ፡ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣብ ልዕሊ ደቀ’ንስትዮ ዝንጸባረቕ ናይ በዓል ስልጣን ተበላጽነት፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ መስርሕ ክሳብ ክንደይ ሱር ሰዲዱ፡ ምስ ዓወት ተጸምቢሩ ዓዲ ከምዝኣተወ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገጽ 272  “ኣብ ርእሲኡ’ውን በቶም ዓለምቲ ወተሃደራት ኣባላት ናይ’ቲ መዓስከር ሓሓሊፉ ናይ ዓመጽ ተግባራት ኣብ ልዕሊአን ከጋጥም ጸኒሑ’ዩ።” ብምባል መዓርግ ኮሎነልነት ብሓላፍነት ዘይሕተተሉ ወይ ድማ እቲ ደራሲ ምስ ፍቕሪ ከመሳስሎ ዝፍትን ምቅይያር ደቀ’ንስትዮ ኣብ በረኻ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ነዚ ሕጂ ኣብ ሳዋ ይፍጸማ’ሎ ተባሂሉ ክዝከር ዝድለ ገበን ታሪኻዊ መሰረት ኮይኑ፡ ነ’ቦታትን ነ’ደታትን ድቃስ ከሊእዎም ከምዘሎ ኣብ ግምቱ ዝኣተወ ኣይመስልን’ዩ።

ፍቕሪ።

    እወ ካልእ ንምባል ዘይኮነ’ሲ፡ ፍቕሪ ማለት ካብ’ቲ ንሰብን ንእንስሳን ዘመዓራሪ ዝመስል ባህርያዊ፡ ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣንስተይትን ዝፍጸም ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ምውሳእ ንላዕሊ ናይ ሕልና ስራሕ’ዩ። ፍቕሪ መሰረት ናይ ስድራቤትን ሕብረተሰብን’ዩ። ፍቕሪ ዓንዲ ሕቖ ባህልን ሃይማኖትን’ዩ። ፍቕሪ መምዘኒ-ብቕዓት መዝነት፡ መሳልል ናይ ናጽነት፡  መፍትሕ ናይ ሰላምን ቅሳነትን ስለዝኾነ ንኣሚንካ እሙን ብምዃን’ዩ ዝምዘን። እዚ እምነት’ዚ ኣብ መስርሕ ምኹስኳስ ዜግነትን ንእስነትን እምኒ ኩርናዕ’ዩ።

      ከምኡ ስለዝኾነ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ናይ ፍቕርን ሂወትን ባህሊ ዓደ’ቦና፡ ክንደይ መርዑት ኣብ ሰዊት ዕድመአን ሰብኡተን ብፍቶት ይኹን ተገፊፎም ክጋደሉ ገዲፎመን ምስከዱ፡ ንኣሚነን እሙናት ኮይነን ኣብ ምጽባይ ተኾርምየን መሬት ከምዘዕረበኦ፡ ምዝካር ኤርትራውነት ዝምክሓሉ ድሙቕ ባህሊ ከምዝኾነ ዝማታእ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን።

   እንተ ንኮሎነል ግን እዛ ኣብ 14 ዓመቱ ጀሚራትኒ ዝብላ “?”፡ ናብ መኣዲ መለሊኽን ዕትሮን፡ ሽጋራን ትምባኾን ጸምቢራ፡ ካብ ትምህርቱ ከተባኹሮን ወዳቢ ሸበሮ ክትገብሮን ፈቐዶ እንዳ’ባ’ሻውል ኮለል ከተብሎን ነዊሕ ኣየወሰደላን። ኣነቓቕላ ነጸብራቕ ፖለቲካዊ ንቕሓት መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ ከኣ ካብ’ዚ በ’ባሻውል ዝዝከር መልክዕ ኣስማሪኖታት ብዙሕ’ያ ተዳቕል። ካብ እንዳ ስዋ ተበጊሳ ድማ “መውዓልየይን ቤትጽሕፈተይን ኣብ ገዛይን ኣብ ንያላን ካልኦት ናይ መዘናግዒ ቦታትን ኮይኑ ተሪፉ።”  ገጽ (261) ብምባል’ያ ትዛዝሞ ነቲ ሞያ።

        እቲ ዓቢ ምስጢር ብዙሓት ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ’ቲ ዝተሓተ ክሳብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ስለምንታይ ኮንኸውን ብመስተን ስኽራንን ዝልልዩ? ብኻልእ ኣዘራርባ እዚ ኮሎነላት ጀነራላት ሚኒስተራት ክሳብ ፕረሲደንት ኣብ ስኽራን ዝእለኹሉ መልክዕ መንግስቲ ኤርትራ፡ መሰረታዊ ናይ ሓሳባት ድኽነት ናይ’ቲ መስርሕ ዝሕብር’ዩ ዝመስል ምባሉ ምግናን ኣይመስለንን።

ኮሎነልን ኢሳያስን ፊት ንፊት።

     ምናልባት ድሕሪ ምሕታም መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ ወዲ ኣፎም ሊንጎ ምስ ኮሎነል ጸጉ ፊት ንፊት ኣብ ተለቪዝን ቀሪቦም ብዛዕባ ናይ ትማሊ ውዕሎኦም ኣብ ሜዳን ኣባልነቶም ኣብ ሕብእቲ ሰልፍን እንተዝጸባጸቡ ኔሮም፡ ወዲ ኣፎም ሓቂ’ሞ ንዛረብ ኮሎነል፡ ትማሊ ንስኻ ከም መምህር ናይ ፖለቲካ፡ ሓላፊ ናይ ምርመራ፡ ከም በዓል ስልጣን ናይ ሓለዋ-ሰውራ ብዓቢኡ ድማ ከም ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ፡ ክሳብ 3+ ኣንስቲ ከምዝቐያየርካ ካብ ተዘከረካ፡ ኣነ ከም ሓለቓ ሓለቓ … ናይ ሓለቓኻ ክሳብ ክንደይ ኣንስቲ ክቐያይር የምዕረለይ ከምዝነበረ ክሳብ ሎሚ ከመይ ዘይተሶቕረካ? ኣይ ከከም ስልጣ’ና ኣብ’ታ ሕብእቲ ሰልፊዶ’ይኮነን ዝልካዕ ዝነበረ ሓለፋታትና ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ቀደም በዓል ኣነን ንስኻን ብዘይ ጥራዝ ብዝመሃርናዮ ፖለቲካ፡ ሓፋሽ ብኣፍጾሙ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ፡ ነቒሑ ተወዲቡ ምስ ተዓጥቀ፡ ከም መላእኽቲ ይቖጽረና ከምዝነበረ ኣይትስሕቶን ኢኻ።

     እሞ ሕጂ ደኣ እንታይ ክትብል’ኻ ትፍትን ዘለኻ? ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ኣብ እርጋ’ና ልብን ኩላሊትን ምስተቐየረልና፡ ሓፋሽ ኣብ ግዝኣትና ድኽነትን መግረፍትን መሪሩዎ፡ ምሰ’ጋንንቲ ካብሰርዓና፡ ምስ ሰብን ምስ ወለ’ዝግን ክንዕረቕ፡ መን’ፈልጥ ድማ ማኣዱ ሻዕብያና ፋሕ ብትን ምእንቲ ከይብሉና፡ ፈቐዶ ደብርታት እዝግዮ ምባልዶ ኣይምሕሸናን? ዝገርመካ’ዩ ኮሎነል፡ ኣቦና ኣዳም ኣብ ገነት ክነብር እንክሎ’ሲ እዞም ናይ ሎሚ ኣጋንንቲ መላእኽቲ’ዮም ኔሮም’ዩ ዝብል ተመኩሮ ቲ’ዓቢ መጽሓፍ። ስለ’ዚ ሰብ ከይሰምዓና’ምበር ንሕና ከም ሰበስልጣን ዛ’ሕብእቲ ሰልፍና ብጠጠውና ዝሞትና ኢና ንመስል ዘለና፡ ክሳብ ምባል ኣይመስተማሰለንዶ ወዲኣፎም?

ጸላኢ።

    ዝኾነ ኾይኑ ከም ሳዕቤን ናይ’ቲ ኹሉ ቀይዲ በተኽ ኣኻይዳ፡ ወዮ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ሰልፊ-ዝሓብእ ሰልፊ ክበሃለሉ ዝድለ ዘሎ መስርሕ ብዓቢኡ ኣንጻር ጸላኢ ወይ ድማ ጸላኢ ካብ ኤርትራ ብምስጓግ ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ዝተኻየደ ቃልሲ ከምስሎ ዝኽእል ድኽመት ናይ ሓሳባት ኣብ ሂወት’ቲ መስርሕ ክሳብ ክንደይ ከምዝሰርጸ ዘነጽር ኣገላልጻ ንምምስካር፡ ኣብ ውሽጢ’ዛ መጽሓፍ “ጸላኢ” ትብል መዐቀኒ-ፖለቲካ ብውሕዱ ክሳብ ሰብዓ (70) ግዜ ተጠቒሳ’ላ። እወ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ጸላኢ ዝግበር ኲናት’ዩ ዘበሎ ናይ ሓሳባት መንጸፉ፡ ኣንጊሁ ኣብ ካይሮ ዝረቐቐ ሓሳባት ኮይኑ፡ ንጹር መልክዑ ድማ፡

     **ብኽርስትና ብኢትዮጵያውነት ከምኡ’ውን ብኣኽሱማዊ  ዝና ዝምክሑ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ብመሪሕ ዝጽውዑሉ፡ በቲ ንሃጸይ ዮውሃንስን ንናይ ትግራይ መኳንንትን፡ ንወረርትቲ ጥልያንን ኣዕራብን ኣሕሊፉ ዝሃበ ፖለቲካ ሃጸይ ምንሊክን  መሳፍንቲ ሸዋን ምስ ተቐይመ፡ ሩባ መረብ ዝሰገረ ኣተሓሳስባ፡ ኣበ’ስመራ ብጋዜጣን ብስብከትን ብዛዕባ ጽልእን ቂምታን ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዝተዘርአ ፕሮፓጋንዳ ሓደ ሕብሩ እንክኸውን፡

       **ኣብ መድረኽ ህቡራት ሃገራት ዓለም ከይተረፈ ብወግዒ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ሃይማኖቱ እስልምና’ዩ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከኣ ናይ ታሪኽ ዝምድና’ኳ የብለንን። ምናልባት ብዛዕባ ወደብ እንተኾይኑ ድማ ጅቡቲ ትቐርባ ንኢትዮጵያ። ንኣና ድማ ጣይታ ጣፍ እንተተረፈና’ውን መሸላ’ለና ክሳብ ምባል፡ ህልኽን ጽልእን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝመሃሩ ሸኽ ኢብራሂም  ሱልጣን ዘውረስዎ ሓሳባት ከኣ ካልኣይ ገጹ ምዃኑ’ዩ። ከም ድምር ሳዕቤኑ ድማ እነሆ ኤርትራውነት ምስ ናጽነቱ ሰላምን ስራሕን ሓርቢቱዎ፡ ብሰንኪ’ቲ ብጽልእን ኣነዶ ንስኻ ንመልኽን ዝተበከለ ፍልስፍና እንዳ ዝናን-ባህታን ተደናጊሩ  ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዕውፍውፍ ክብል ይረአ’ሎ።

*** ልዕሊ ኹሉ ግን ንጉስ ሃይለስላሰ ምእንቲ ስሞምን ዝናኦምን ክብሉ ምኽሪ በዓል ኣክሊሉ ሃብተወልድ ዝመስሉ ብጾቶም ጥሒሶም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ ብምፍራስ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራ ከም ሃገር ክትቅጽል ኣይትኽእልን’ያ ብዝብል ናይ ሸፈጥ ፖለቲካ ህዝቢ ምሰ’እመኑ፡ ምእንቲ ዝናኦም ከም ነፋሒቶ ዝገላበጡ ዕሉላት መደናገርቲ ከም በዓል ኢሳያስ ከም ዝተፈጥሩ ዝርሳዕ መኣስ ኮይኑ። ስለ’ዚ እዚኣቶም ንመበቆሎም “ጸላኢ” ክብሉ እዋን ዝዓርቦም እንተኾይኑ እዚ ዝምባለዚ’ውን ኣብ’ቲ ዓቢ ገዛ እንዳ ህዝባዊ ግምባር ሰሪጹ ዘሎ ናይ ሓሳባት ድኽነት ዘነጽር’ዩ።

ረፈረንደም።

  ኣብ መንጎ ስኮትላንድን ዓዲ’ንግሊዝን ክግበር ዝቐነየ፡ ብሓባርዶ ወይስ ነንበይንና እንተኾና ኢና ብዝያዳ ንረብሕ ኣብ’ዛ ዓለም ዕድጋ ዝብል ና’የረኣእያ ፍልልይ’ሲ፡ እስኪ ብምርጫ ንወስኖ ዝዓይነቱ ሚዛናዊ ኣሰራርሓ ሰለስተ ሰሙናት ዘካትዕ ሳልስቲ ድማ ኣብ ምርጫ ዘውዕል ዛዕባ’ምበር ን30 ዓመታት ካብ ስራሕ ኣብኲሩ ደም ዘፋስስ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ቂምታን ጽልእን ፖለቲካ ከም መናበሪ ዘሐንጽጽ ምስጢር ከምዘይብሉ ዘብርህ’ዩ።

     መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ ካብ’ቲ ንእዋንን ነ’ንበብትን ጆባእ ክትብሎ ዝነቐለት ምኽሻሕ ምስጢራዊ ናየ’ወዳድባ ሜላ  ሽፍትነት-መሪሕነት ገድልን-ምግዳልን ንላዕሊ፡ ክትውዳእ ናብ ምቕራባ’ቢላ ተናኺፋቶ ዘላ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ አኮኖምያዊ ሕጋዊ ከምኡ’ውን ስትራተጅያዊ ናይ ምንብባር ስልቲ፡ ሓጺሩ ደኣ’ምበር ኣዝዩ ብርቱዕ’ዩ።  ኣብነት ንምጥቃስ፡

    ካብ ገጽ 180 – 181 ዘሎ ንጉባአ ኣትላንታ ዝምልከት ጽሑፍ፡ “… ኢሳያስ ንፕረሲደንት ካርተር እቲ ዝርርብ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዘንጸባረቐ፡ ረፈረንደም ተኻይዱ፡ ነጻነት ይኹን ፈደረሽን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብዝተወሰነ ደረጃ ነብሱ ዝኽእለሉ ናይ ኣውቶኖሚ ምሕደራ ምርጫ ክገብር ከምዝኽእል’ዩ ሓቢሩዎ።” ዝብል መበገሲ ዘነጸረ ዲፕሎማሲ መሰረት ብምግባር፡ ወዮ መሪር ናይ ሰላሳ ዓመታት ኲናት ብወተሃደራዊ መንገዲ ክዛዘም ኣብ ምቕራቡ’ሲ፡ ኣብ ኣትላንታ መራሕቲ ደርግን ሻዕብያን ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ብዛዕባ ኣብ ቅድሚኦም ክቀላቐል ዝጀመረ ኣማራጺ ዕድላት ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ክዝትዩ ጽቡቕ ፍቓዶም ከም ምዃኑ ብምርግጋጽ ንጠለባት እዋን ባእላ ዝገብር ሓፈሻዊ ምዕባለ ከምዘርኣዩ ትሕብር።

ናይ ግብጺ መራሒ ሑስኒ ሙባረክ።

       ብምቕጻል ድማ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብወገና ኣብቲ ዝተጸውዐ ናይ ሰላም ዝርርብ ንክትሳተፍ ትድለ እምበር፡ ብወገን ፕረሲደንት ካርተር ናይ ኤርትራ ጉዳይ ናይ መሰል ርእሰ ውሳነ፡ ናይ ህዝባዊ ወያነ ድማ ንመንግስቱ ንምእላይ ዝካየድን ዝተፈልየን ምንባሩ ተገንዚቡ ነቲ ጉዳይ ምስ ናይ ኤርትራ ሓዋዊሱ ክርእዮ ኣይመረጸን።” ብንጽጽር ምስ’ዛ ናይ ካርተር መልእኽቲ’ዚኣ፡ “ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ ግብጺ መራሒ ዝነበረ ፕረሲደንት ሑስኒ ሙባረክ ኣብቲ  ናይ ሰላም ዝርርብ ንክሳተፍ ድሌቶም ኣርእዮም ነይሮም’ዮም።” ዝብል ጽሑፍ ይንበብ። እወ ናይ ግብጺ መራሒ ሑስኒ ሙባረክ ክሳተፍ ክልቲኦም ተሰማምዑ፡ ዝብል ጸብጻብ ምስ ድኽነት ናይ ሓሳባት መራሕቲ ኤርትራ ዝጽብጸብ ዓቢ ምስጢር’ዩ። ስለምንታይ ኣብ ምዉት ሰዓት ግብጺ ምስ ምሕዳስ መጻኢ ዕድል ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢዳ ክትሕውስ ተደልያ?

     እወ ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ኣቶ ኣላሚን ንኤርትራ ወኪሉ ብቛንቋ ዓረብ ዶክተር ኣሻግሬ ድማ ብኣምሓሪኛ ዝሃብዎ መግለጺ ንመጀመርያ ግዜ፡ “ሰላም ባለም ዙርያ ሁሉ ለሰው ዘር በሙሉ….” ብዝብል ናይ’ቲ ውሩይ ኢትዮጵያዊ ደራፋይ ማሕሙድ ኣሕመድ ሙዚቃ ተሰንዩ፡ ብሓዲሽ ናይ ለውጥን ዕርቅን ቋንቋ ኣብ ተለቭዝን ናይ ኢትዮጵያ ከምዝተመሓላለፈ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ኣቶ ኣላሚን ስለምንታይ ብዓረብ ተዛሪቡ ዘይኮነ’ሲ ስለምንታይ ናይ ግብጺ መራሒ ሑስኒ ሙባረክ ክሳተፍ ክልቲኦም ወገናት ተሰማሚዖም ይበሃል’ዩ ምስጢር ኮይኑኒ ዘሎ?

    ምስ ምቕባእ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስታይን ኤርትራ ተተሓሒዛ ግብጺ ክትዝከር እንከላ ድማ፡ “ኣብ’ቲ ንፓትርያርክ መንፈሳዊ ኣኽሊል ንክደፍኡ ንከሰንዮም ናብ ግብጺ ምስኦም ከይደሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ካብ’ቲ ኣብ መንጎ ናይ ኢትዮጵያ ልኡኻትን መዘናታቶም ዝኾኑ ናይ ግብጺ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተገብረ ርክብ …… ኣቡነ ያዕቆብ …. ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ መንበረ ፓትርያርክ ንክትጸንሕ እዮም ተኸራኺሮም። … እዚ ድማ እቲ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ኩነታት ኮይኑ ብዘይካ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተተሓሓዘ ናይ ዓባይ ኢትዮጵያ ኣረኣእያ፡ ብሸነኽ ናይ ግብጺ ሲኖዶስ ኣባላት ዝነበሩ ምስ ሃገራዊ ረብሓ ዝጋጮ ዝተኸስተ ተርእዮ ኣይነበረን።” ገጽ 232.   ብምባል ንሃይማኖታዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ሃገራዊ ረብሓ ዝጋጮ ዝምባለ ከምዘለዎ ዘምስሎ  ፖለቲካዊ ስግኣት ተኣሳሲሩ ዝንበብ መልእኽቲ’ሎ። ዝኾነ ኾይኑ እቲ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ሓቁ ምእንቲ ክወጽእ፡ ኣቕሽሽትን ደባትርን ኣብ ጎንደርዶ ኣብ ኣለክሳንድርያ ዝተመሃርኩም ትበዝሑ? እስኪ ባዕልኹም መስክሩ ምባል ይሓይሽ። ንሓዋሩ ድማ ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ንናይ ሃይማኖት ምሁራትን ንኣመንትን ዝገድፍ መንግስቲ ይፍጠረልና።

ግብጽዶ ኢትዮጵያ ይቕድማ ንረብሓ ሓዳስ ኤርትራ ክበሃል እንተኾይኑ ግን፡

     ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝእመት ዝብል ናይ ኣዳም ሓጢኣት ዝመስል ሕቶ፡  ካብ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ኲናት ናብ ከም’ዚ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝተፈጸመ ኣገባብ ኣተኣላልያ ዝምድና ስኮትላንድን ዓዲ’ንግሊዝን ማዕቢሉ ብረፈረንደም ናብ ለውጥን ዕርቅን የምርሓ’ሎ ምስተባህለ ዝተቓማ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ዝብል ጸብጻብ፡ ናይ መጀመርታን መወዳእታን ቡትሮስ ቓሊ ኢሉ ግብጺ ምስ በለ ቁጽሪ ኽልተ ዝሕውስ ኣይመስለንን። ጌጋ’ኽለኣለይ!

      በ’ንጻሩ ካብ’ተን ንረፈረንደም ዝተቐበላ ሃገራት ቀዳመይቲ ኢትዮጵያ ክትከውን እንከላ፡ ከም’ቲ ኣብ ገጽ-182 መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ ዝተጠቕሰ፡ በዓል “ከንያ ሱዳን ታንዛንያ ሰነጋል ዚምባብወ ከምኡ’ውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃ (OAU) ኣብ’ቲ ጉባአ ክሳተፋ ጽቡቕ ፍቓደን ምዃኑ እንኪገልጻ፡ ሕቡራት ሃገራት ዓለም (UN) ግን፡ እቲ ጉዳይ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ኢትይጵያ ስለዝኾነ ኣይንሳተፎን ኢና” ዝብል ምኽንያት ኣቕሪቦም ከምዝሓንገዱ ትዘክር ደኣ’ምበር ኣብ መወዳእታ ኢትዮጵያ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም (UN): ብዝጸሓፈቶ ወግዓዊ ደብደበ፡ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ንመስርሕ ረፈረንደም ክዕዘብ/ክድግፍ ኢትዮጵያ ከምዘይትቃወም፡ ምሰ’ረጋገጸ መዓጹ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ከምዝተራሕወ መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ ኣይዘከረቶን።

      እወ መጻኢ ዕድልና እንታይ ክመስል’ዩ ዝድለ? ንኢትዮጵያ ብጽልእን ኣነዶ ንስኻ ንመልኽን ዝዓይነቱ ናይ ትማሊ ህልኽ እንዳ ዝናን ባህታን ምጥማት ረብሓ’ለዎ ድዩ? እዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብኸመይ ትሪኣ’ላ፡ ሓዳስ ኤርትራኸ እንታይ ክትመስል’ያ ትድለ ዘላ እንተተባሂሉ፡ ኢትዮጵያን ጸላእን ዘራኽብ ከምዘይብሉ፡ ካብ ህሉው ዝምድናታት ናይ ኢትዮጵያ ምስ ጂቡቲ ከንያ ሱዳን ወይ ድማ ሶማል’ምበር፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማያት ሩባ ኣባይ እንክዋጠጣ፡ ግብጻውያን ንረብሓ ኤርትራ ዘቛስይሉ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ረብሓ ኣይረኣየንን።

ስለ’ዚ ንሕቡራት መንግስታት ዓለም (UN) ናብ ረፈረንደም ናይ ኤርትራ ክዕዘብ ብጽሑፍ ዝዓደመት ሃገር ኢትዮጵያ፡ ዝተቓወሙ ድማ እንዳ ቡትሮስ ቓሊካብ ኮኑ፡ ኢትይጵያን ጸላእን ንተመሳስል ናይ ታሪኽ ጎደፋ ኣብ መጽሓፍ ካብ ምጽሓፋ፡ ምእንቲ ረብሓ ሓዳስ ኤርትራ ሙግሓፋ’ሓይሽ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ።

       ገድልን ምግዳል ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ክሳብ ክንድ’ዚ ናይ ግብጻውያን ኢድ ዝሕወሶ እንተኾይኑ  ግን፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣበ’ደባባይ ዝበሎ፡  “በውግያ ስልታቸውና ስትራተጅያቸው እጅግ ስናደንቃቸው፡ በርካሽ ዓላማቸው ግን እጅግ እንንቃቸዋለን።” ማለት’ሲ እሂን ምሂን ተበሃሂልካ ክህነጽ ዝኽእል ናይ ሓባር ረብሓ እናተራእዮ’ዩ ንዚምባብወ ዝተዓዝረ ኮሎነል መንግስቱ።

    ኣብ መወዳእታ ከይዘከርኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ትምህርቲ ካብ መጽሓፍ ሕብእቲ ሰልፊ፡

1.      ኣብ ገጽ 177 ዘሎ “እዞም ጽባሕ ንግሆ ንህዝብና ከነመሓድር ኢና እናበሉ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝበላልዑ ዘለዉ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣብ’ቲ ዋላ ምስ ወጹ ኢና እንርእዮም።” ኣቦና፡ ኣባሓጎ ደራሳይ።

2.     ኣብ ገጽ 197 “ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደሃይ ናይቶም ኣብ ገድሊ ኣብ ምርኮኝነት ኣብ ትሕተይ ዝነበሩ ጀነራል ዓሊ ሓጅን  ኮሎነል ግርማ ተሰማን ኮሎነል በዛብህ ጴጥሮስን ረኺበ ምስ ጀነራል ዓሊ ሓጅ .. ኣብ ገዝኦም ናይ ምሳሕ እንግዶት ጌሮሙለይ ምስ ስድራ ቤቶም ተላልየ…” ይብል ኮሎነል። ማለት’ሲ ጸሓፋይ ንእገረ መንገዱ ብኣዲስ ኣበባ ክሓልፍ እንከሎ ሃለዋቶም ክፈልጥ  ሓደ ብሓደ ሃሰስ ምባሉ ኣዝዩ ዝነኣድ ስጉምቲ ኮይኑ፡ ጀነራል ድማ ኣብ ገዝኦም ድራር ጋቢዞም ምስ ስድራቤቶም ዘላልዩሉ ምኽንያት ልቢ ዝትንክፍ’ዩ። ኮሎነል ካብ ሽዓ መዓልቲ ምግዳል ጀሚሩ እንተዝኸውን ኔሩ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን “ጽልኢ” ዘይኮነስ እዚ ናይ ኮሎነልን ናይ ጀነራልን ልባዊ ምትሕልላይ መሰርት ምኾኖ ኔሩ። ብሓፈሽኡ ከም ርኢቶይ፡ ኮሎነል ብንእሽትኡ ክጋደል በረኻ ቅድሚ ምኻዱ ኣብ እንዳ ስዋ ወደባት ዓደይ እናተደርፈ ዉሕ ዉሕ ምስ ዝብሉ መናእሰይ ትረኣዮ ዝነበረት ኤርትራ ከም መበገሲ ናይ ጽሑፉ ኣንጺፉ፡ እዛ ኣብ ምውጋሕ ናይ ናጽነት እሞ ድማ ኣብ መኣዲ ምስ ስድራቤት ጀነራል ዓሊ ሓጅ ክምሳሕ እንከሎ ክትረኣዮ ዝጀመረት ሓዳስ ኤርትራ ከም መዛዘሚ ናይ መጽሓፉ ብምቕራቡ፡ ክሳብ ክንደይ በሊሕን ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍን ከም ዝኾነ ዝሕብር’ዩ።

3.     ኣብ ገጽ 134 “እቶም ኣባላት ሓለዋ ምሩኻት ምስቶም ምሩኻት ብምትሕብባር ኣብ መነባብሮ ክልቲኦም ዓይነታዊ ለውጢ ከተኣታትዉ ዝበቕዑ። እቲ ስራሕ ካብ ምርባሕ ጠለ በጊዕ ድርሁ ክሳብ ኣብ ደረቕን ጨዋምን ቦታ ጎቦታት ብምዝላይ … ከም ጉዕ ኮሚደረ መለንዛኒ ዝኣመሰሉ ኣሕምልቲ ምፍራይ..በጺሑ።

  ስለ’ዚ ምስ ህዝቡ ተሓባቢሩ ኣብ መነባብሮ ክልቲኦም ዓይነታዊ ለውጢ ከተኣታቱ ዝበቅዕ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ምእንቲ ክትከል፡ እዚ ናብ ስልጣን ምስቃል’ምበር ካብ ስልጣን ምራድ ዘይተዓለመ መስርሕ ገድልን ምግዳልን ምስ ኢሳያሱ ዝጸባጸበሉ ብቕዓት ይፍጠረሉ። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ምስ ኣሓዋቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ መርዓን ኣብ ቀብርን፡ ኣብ በዓልን ዓውደ-ዓመትን ኣብ ንግድን ዓውድን … ብናይ ምሳሕ እንግዶት ዝራኸበሉ ንቡር መነባበሪ ባህሉን እምነቱን ጆባእ ዝብሎ ስርዓት ይፍጠረሉ።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...