ሰማያዊን ቀይሕን ቢጫን ቀጠልያን

ሕብርታት ነጽብራቕ ናይ ጸሓይ ኣብ ሃዋህው እዮም፡፡ ቀስተ ደበናዊ ጩራታት ተለኽዮም ኣብ ልዕሌናን ትሕቴናን ይውንዘፉ፡፡ ንሓደ ብደበና ዘይተሓወሶ ሰማይ ብቐትሪ እንተጠመትካዮ ዕብየት ናይዚ ዘለናዮ መሬትን እንታውነትን ህላወ ናይ ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ እዛ ሓንቲ መሬት የብርህ፡፡

ሰማያዊ ሕብሪ ከም ኣብነት ናይ ኤርትራ ኮይኑ ብዙሕ ተዘሪቡሉን ተደሪፉሉን እዩ፡፡ ኣብ 60ታት “ኣቲ ሰማያዊት ኣብ ጫካ ሓዲርኪ ከም ኣራዊት...” እናተባህለ ዘይፍትሓውነት ጭቆና ምስ ቁርን ኣስሓይታን ከምዘሕድርን ተስፋን ቅንዕናን ድማ ብዙሓት ተኸተልቲ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ፡፡ “ንዕናይ ንባሕሪ፡ ንዕናይ ንባርካ፡ ንዕናይ ንሳሕል” እናተባህለ ኣብ ትሕቲ ሰማያዊ ሰማይ ብቀይሕ ደም ዝተለኸየ ነጻነት መጺኡ፡፡ እታ መባእታዊት ሰማያዊት ሕብሪ ካብቲ ፈደራላዊ ብይን ሕቡራት መንግስታት ስለዝመጸት፡ ከምኡውን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብን ብዘይ ድሌት ህዝባ ስለዝወረደትን ዝተተከአትን ከም ተስፋ ናይ መንነት ተራእያ፡፡ እታ ወላዲት ዝኾነት ኣብ ሰማያዊ ሕብሪ ዝዓለበት ናይቲ ብዓቢኡ ሕቡራት መንግስታት ባንዴራውን እንተተዓዘብና መርኣያ ጥርናፈ ናይ ኣህዛብን ንዝበለጸ ናብራ ናይ ምንባር ትምኒትን ስለትገልጽ ጽቡቕ ትምኒት ደቅሰብ ንሃገራት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ተራኽብ፡፡ ናይ ትስፍውን መጻኢ ሓድነት ኣህዛብ ዝኾነት ቆጽላ ኣብ ትሕቲ ሰማያዊ ሕብሪ ሰፊራ ንርእያ፡፡

ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ናይ ኩሎም ኣህዛብ፡ መሰል ህጻናትን ደቀነስትዮን፡ መሰላት እሱራት (ናይ ኲናት ምሩኻት ይኹኑ ናይ ውሽጢ ሃገር)፡ ከምኡውን ናይ ሓባር መሳርሒ ዝኸውን ሕግታት ኣስፊሩ ይርከብ፡፡ ኣብ ዓለም ሕግን ሰነ ሰርዓትን እንተዘይሃልዩ እቲ ዝኸፍአ ባህርይ ክስዕርን ኣብ ናይ ካልኦት መሰልን ናብራን ክኣቱ ስለዝኽእል ምእንቲ ሰላምን ምርድዳእን ምክብባርን ክሰፍን እዩ ተፈጢሩ፡፡ ሕጊ፡ ንደቅሰብ ብተፈጥሮኦም ቦታኦምን እንታውነቶምን ብትሪ ስለዝሕልዉ፡ ኣብ ኣገባብ መነባብሮኦም እናተኸባብሩ ብሓባር ዝነብሩሉ ሃዋህው ክፈጥር ይጽዕር፡፡ ኣብዚ መስርሕ እዚ ድማ ዝተፈላለየ ሕጊ ክመጽእን ክዕረን ክመሓየሽን ይርአ፡፡ ዘይምዕብልን ፍጹምን ዘይቅየርን ሕጊ ስለዘየለ፡፡

እቲ ሰማያዊ ናይ ሰማይን ሰማያዊ ናይ ባሕርን ነታ ብጆግራፍ ኣብ መሕለፊ ክፍለ ዓለማት ትርክብ ሃገር መዕቆብን መሐጎስን ብባህልን ብቁጠባን ሃብታም ክትከውን ድኣምበር በቲ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሕብሪ ተጸልያ ናይ ደምን ምርጻምን ባይታ ክትከውን ኣይምተገብአን፡፡ ርህራሀን ሕውነታዊን ግርህነትን ህዝባ ድማ ከም ጽቡቕ ባህርይ ተውሲዱ ህላወኻ ኣብ ሓደጋ ከየውደቕካ ብኸመይ ትዕቅቦ እዩ እቲ ክኸውን ዝነበረ ሕቶ፡፡ ምኽንያቱ ደቅሰብ ናይ ገዛእ ሃገሮምን መንነቶምን ምክልኻል ባህሪያዊ ስለዝኾኖም፡፡ እንተዘይገብሩን እንተዘይሓልዮምን ድማ ከም ብዙሓት  “ነበሩ” ዝባሃሉ ኣህዛብ ስለዝጠፍኡን ዝጸንቱን፡፡

ሓደ ካብቲ ናይ መግዛእቲ ጽልዋ እንተተዓዝብና ኣብ ክንዲ ሓሊፉልካስ ንሰላምን ንመሰልን ተኽብር መመሊስካ ሓይልኻ ምርኣይን ነቲ “ገዛእን ጭቛንን” ዝነበረ ኣካል ምትካእ ይመጽእ፡፡ እዚ መነነትካን ኣንጸርጽሮትካን ቓንዛኻን ብሕነ ምፍዳይ ኣብ ካልኦት ከማኻ ደኺሞም ዝጸንሑ ኣባላት ሕብረተሰብ ምውጻእ ይርአ፡፡ ነብስኻ ምፍታውን ካብ ደቅሰብ ንላዕሊ ክትከውን ምእንቲ ንኻልኦት ደቅሰብ ምጭቋን ስለምንታይ ጸጸኒሑ ከምዝቕልቀልን ዝጸንሕን ትዕዝብትን ትምህርትን ክውሰደሉ ዘለዎ ተርእዮ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ግዳይ ተተካእቲ ደቅሰብ ከይንኸውን ምእንቲ፡፡

እዚ ንመዋእል ኣብ ታሪኽ ዝነበረን ንኸይቕጽል ድማ ብዙሓት ደቅሰብ ጊዜኦምን ህይውቶምን ዝወፈዩሉ ተርእዮ እዩ፡ ኣብተን ሕጊ ብመሰረቱ ከኽብራ ዝፍትና ሃገራት ግን እናዘሓለን ልጓም በጢሱ ክኸይድ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ይርእ። ቁሩብ በጢሱ እንተኸደውን ንመላእ ሕብረተሰብ ከምዘየናውጽን በብመስርሑ ዝፍታሕ ጉዳይ ኮይኑ ይርአ፡፡ ሕብረተሰብ ካብ ታሪኽ ተማሂሩ ገደብን መእረምታን እንተዘይጌርሉ እዚ ጸገም እዚ ስለዘይጠፍእ፡፡ ደቅሰብ ተኸታታሊ ጠባያት ኣስተብሂሎም እግሪ ከይተኸለ እንከሎ እንተዘይገቲኦምዎ ጎዳእነቱ ተጋሂዱ እዩ፡፡

ደም ንደም ይዕድምን ቀይሕ ዘሪኡ መቀጽልታ ናይ ምግሃስ መሰልን ቀጽጽር ናይ መላእ ናብራ ህዝቢ የኸትል፡፡ እዚ መርኣያ ናይ ጨቋኒ ኣገባብ ክብርታት ደቅሰብ ኣየኽብርን፡፡ ንስቕ ምባልን ትዕግስትን፡ ከም ዕሽነትን ድኽመትን ወሲዱ፡ ንዝኾነ ጽቡቕን ጥዑምን እናኣባጨወ፡ ንሰማዒ ከም ዘይፈልጥ እናረኣየ ሰነኣእምሮእዊ መጉዳእትን ይዘርእ፡፡ እዚውን እንተዘይሰሪሑ ብሓይሊ ምእሳርን ምቕታልን የዛይድ፡፡ እዚኣቶም ተርእዮታት እዚኣቶም መበገሲኦም ምፍላጥን ናብ ምንታይ ንምብጻሕ ምዃኑ ምልላይን ምሕታትን የድሊ፡፡ ንዝኾነ ዘረባን ባህላዊ ርኽሰትን ኣካላዊ ጥፍኣት መበገስን መዕለብን ስለዘለዎ፡፡

ሰማያዊ ናይ ርግኣትን ሰላምን ህድኣትን ተስፋውን ሕብሪ እዩ፡፡ ደርማሳዊ ብዝመስል ሓይልን ደምሳሲ ክፍኣትን ክልበድን ክጠፍእን ኣይግባእን፡፡ ስለዚ ኻኣ እዩ ነቲ ብርቱዕ ዝመስል እውን እንተኾነ ካብ ናይ ሰብ ገደብነቱ ዘይሓልፍ፡፡ ሓደ ካብቲ ጽናሒ ዝኾነ ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ሞት ኣብ ክንዲ ንጡፍ ናይ ምንባር፡ ደማዊ ድፍኢት ንዘለዎምን ዘለውን ዝህልዉን ገዲፍካ ምኻድ፡ ክርአ ጸኒሑ፡፡ በቲ ሓደ ወገን ሓሲቦም መዲቦም ኣኣብ ዘለኻዮ መጺኦም ስጋብ ዝወሩኻን ዘባሳብሱኻን፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ዝኣስሩኻን ዝቐትሉኻን ምጽባይ እንታይ ይበሃል? ተኸታታሊ ኪውረስ ዘለዎ ታሪኽሲ ነቲ ሓቦን ቆራጽነትን ሓቂ ምፍታውን ክንዲ ዝኸውን ሕማቕን ሓዊ ንሓዊ ዘባልዕን ሰባት፡ ቆልዑን መንእሰያት ደቀንስትዮ ይኹን ደቅተባዕትዮ ክሳቐዩ እናረኣኻ ምስሓቕን ምንሻውን እንታይ ይበሃል? ሞትን ቀይሕ ዝሕብሩ መንግዲ ጌና ስለዘይተመነውና ድኣ ከይከውን?? ንኹሉ ሽግር ብሩራዊ ጥላም﻾ ኣለዎ ይበሃል፡፡ እዚ ዝሓለፈ ግን ዶብ ጥራሕ ኣይኮነን ሓንጺጹ፡ ንመጀመርታ እዋን ኮኖ ደቅሰብ ሓሊፍካ፡ ብኣገባብን ሕግን እንታውነት ዝምርመረሉን ናይ ታሪኽ ተመሃርቲ ብኸመይ ከምንኸውን ንምዝገበሉ ጌዜ እዩ ከፊቱ፡፡ ኣብዚ ንምብጻሕ ዝተኸፍለ ይግባእ ድዩ ኣይኮነን ግን ክንካታዓሉን ክንመራመረሉን ንኽእል፡፡

እቲ ዝሓለፈ ቑስሊ ኣይሓወየን፡ እዚ ሕጂ ዝፈሰሰ ደም ኣይረግአን፡፡ ሬሳታት ኣይተላዕለን፡ ብቀይሕ ዝጨቀወ መሬት ኣይነቐጸን፡፡  ማእሰርትን ማህሰይትን ጠጠው ኣይበለን፡፡ ስለዚ ናይ ማእሰርትን ማህሰይትን ውርሻ ዘለዎ ህዝቢ ኣሎ ማለት ድዩ? ወይ ከኣ ናይ ዝኣስርን ዝሞቅሕን ኣመል ኣይረወየን ማለት ድዩ?? ኣብ ናይ መዓልታዊ ኣዘራርባና ኣቀራርባ ህላወና ኣብዛ ዓለምን ዕረፍትና ካብዛ ዓለም እዚኣን መግለጺኡ ምቅያር ከድሊ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ቅድሚ ግብሪ ቃል ስለዝቕድም፡፡

ስለዚ ነቲ ሞትን ግዳይነትን ንክንቕበሎ መንገዲ ዘለስልሰልና ዘሎ “መስዋእቲ” ቅድመ ግንቦት 1991 ዓ. ም. ማለት እቲ ዝዓበየ ዋጋ ናይ ነጻነት ዝተኽፍለሉ ጌርና ንውሰዶ፡፡  እታ ሞት ትበሃል ቃል ድማ ከምቶም ኣቦታትናን ኣዴታትናን ተቀቢልና፡ ንዝሞተ ከምቲ ባህልና ዝነበረ ሞይቱን ኣዕሪፉን“ንበል፡፡ ምኽንያቱ መስዋእቲስ ብሓዊ ዝሓረረ ሓሙኽሽቲ እንተዋሓደ ናብ ሰማይ እኳ ይዓርግ፡፡ ዘይተነግረሉን ዘይተረድኣሉን ብድሕሪ ሕጂ ከምዚ ንኸይርክብ ተስፋ ዘይርከበሉኽ እንታይ ይበሃል? 

ክብረትን ኩርዓትን ሓቦን ናይ ታሪኽ መቐጸልታ እዮም፡፡ ቃላት  ኣብ ኣቃራርባን ኣቀባብላን ኽውን ነገራት ጽልዋ ኣለዎም፡፡ ስለዚ ነቲ ህልዊ ድማ ብዘይ ሽፋንን መጸበቕን ከምታ ዘላታን ከምታ ዝጎደለናን ክርድኣና እንከሎ ስጋብ መዓስ ኢና እቲ ንሞቶ ንሞቶ? መን ክነብሮ? ንመን ከንብሮ ???? ኢልና ናይ ነዊሕ መደብ እንተንሓስብ ነቶም ካብ ህይወትና ንላዕሊ ፈቲናዮምን ከይመጹ እንከለው፡ ነጻን ሰላምን ዘለዋ ሃገር ከነውርሶም ዝተማጻባዕናሎም ደቅናን ደቆምን መልሲ ምተዛዘመሎም፡፡

ሓደ መዓልቲ ድማ ሰላምን ሓርነት ናይ ሓሳብን ናብራን ህላወን ምስ ሰፈነ፡ ሓድሽ ትውልዲ ነቲ ኣብ ኩሉ ኤርትራ ዝርከብ ሬሳታትናን ናይ ኲናት ቦታትን ከም ናይ ታሪኽን ናይ ቱሪስት መዛወርን ክርእይዎን ብኸመይን ስለምንታይን ኣብዚ ከምዝበጻሕና ዝመራመሩሉን ዘጽንዑሉን ጌዜ ክመጽእ እዩ፡፡ ንዝተገብረ ጌጋታት ድማ ከየመኽነዩ ክርድኡዎን ብታሪኾም ንክኾርዑ ዝነበረ ትምኒት ጌና ይዝንቢ ኣሎ፡፡ ንሰማይን ሰማያውን ብተጣብቕ ሃገር ተባሪኽና ኢና፡፡ ብተፈጥሮና ድማ ናይ ደምን ኲናትን ወልፊ የብልናን፡ ደቅሰብ ንህይወት ድኣምበር ንቁልጡፍ ሞትን ጽንተትን ስለዘይተፈጥሩ፡፡

ቢጫ ሕብሪ ጥራሕ ኣይኮነን.....እታ ትሽዓተ ዓለማት ኣብ ዙርያኣ ዘኹድዳላ ጸሓይ ሕብራ ቢጫ እዩ፡፡  ብመንጽር ተለስኮፕ ነበልባልን ናይ ሓዊ ማዕበል ሃልሃልታ ዝስዕዝዓላ ባህርያዊት ክቢ ምዃና ተርኢ፡፡ ናታ ህላወ ነቲ ኣብ መሬት ዝርከብ ዝዓበየ መልክዑ ብቀጠልያ ዝረአ ኣታኽልቲ ከም ዝበቑል ይገብር፡፡

ኣታኽልቲ ብዘይ ጸሓይ ኣይበቕሉን እዮም፡፡ ወዮ ድኣ ማይ ማይ ይበሃል እምበር ጸሓይውን እንተጠፊኣ.....ዝኾነ ተኽሊ ኣይበቁልን እዩ፡፡ ናይ መፈለምታ ህለወ ባህርይ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እኳ እንተኾነ፡ ብዘይ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነትሲ እቲ ዝተዋሃበካ ሃብቲውን ክትጥቀመሉን ክትሕጎሰሉን ኣይትኽእልን፡፡ ሓረስታይ ይሕረስ፡ ነጋዳይ ይንገድ፡ ተመሃራይ ይመሃር ዝተባህለ እምበኣር ሃዋህው ናይ ናብራ ስጋብ ክንደይ ንምንቅስቓስ ናይ ህይወትን ምዕባሊኡን ከም ዝጸሉ ንምብራህ እዩ፡፡

ቢጫ ኣብ ጸሓይ ጥራሕ ኣይኮነን ዝርከብ፡፡ ኣብ ማዕድናት፡ ዝነቐጸ ቆጽሊ፡ ውሽጢ እንቆቆሖ፡ ዘይቲ፡ ጸጉሪ፡ ዓለባ፡ ህሩድ፡ ወዘተረፈ፡ ትንስእ ካብ ንብል ስጋብ ዓይንና ዓጺና ክንድቅስ ንጋደም እንሪኦ ሕብሪ እዩ። እታ ንለምለም ኣቃባጢራ ንምድረ በዳ ድማ ቃዕ ኣቢላ እተሕርር ጸሓይ መዓልቲ መዓልቲ ባህርያዊ ኣመልን ሳይንሳዊ ግዴታን ስለዘለዋ እያ እተወጽእ። ክትስእ እንከላ ነዚ ከምዚ፡ ነቲ ከምቲ፡ ኢላ ኣይኮነትን ፕሮግራም ትገብር፡ እታ ዓለም ኣብ ዙርያኣ ከተኽብብን ንሳ ድማ ንዓዓ ብጮራኣ ከተዳህስስን ስራሓ ስለዝኾነ፡፡ እቲ ጮራ ብዘዓበየ ንክፍለ ዓለማት ብዝነእሰ ድማ ንሓንቲ ግራት ብኸመይ ይትንክፋ ናይ ጆግራፍ፡ ኣተሓሕዛ፡ ብዝሒ ሰብ፡ መራኸቢ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ይውስኖ፡፡

ኣብዛ ከባቢ ጸሓይ እትዘውር ዓለም ዝርከቡ ውልቀ ሰባት እምበኣር ነዚ ብተፈጥሮ ዝተዋህቦም ሃብቲ ብኸመይ ይወስድዎ እንተተባህለ ኣብነት ናይ ሓደ ሰብ ክውሰድ ይከኣል፡፡ ንኣብነት ፍረወይኒ ተኺሉ ፍርያቱ ክሽየጥ እንተድኣ ደልዩ ብጀካ ኣብቲ ናይ ቀረጽ ምኽፋልን፡ ናይ ዋንነት ወረቕቓቲ ምምስካርን ጥዕና ናይ ክባቢ ናይቲ ዘለዎ ዝምልከቶ ሓባራዊ ዝትንክፍ ሕግታት ምኽባር እንተዘይኮይኑ ነቲ ብባህርይን ብዋንነትን ዝተረከቦ ዕድል ክጥቀመሉ ክኽእል ኣለዎ። ካብኡ ሓሊፉውን እቲ ገዚኡ ዝሸይጥ ነጋዳይ፡ ዝስከምን፡ መኪና ይኹን መርከብ ጺዓኑ ንወጻኢን ንውሽጥን ዝወስድ መስርሕ ናይ ምስልሳል መንገዲ ክቅጽልን ከማዕብልን ይግባእ። 

ኣብ ከባቢ ደቅሰብ ዝርክብ ባህርያዊ ሃብቲ ኩሉ ካብ ናይ ዓለም ሕግታትትን ፍርያትን ዝፈልፈለ ኮይኑ ነፍስ ወከፍ ሰብ ግን ብህይወቱን ክእለቱን ዋንነቱን ዝነብረሉ ሃውህው ይመርጽ። ናተይ ኢልካ ዝሓዝካዮ ስለተኽብሮን ትሰርሓሉን፡፡ ናይ ወልቀ ሰብ ንብረትን ህይወትን እንተዘይተኸቢሩ እቲ ማሕበረ ሰብውን ኣይከብርን፡፡ ኣብ ገጠር ሰላምታ ናይ ጸሓይ ክበሃል እንከሎ ንኹሉ ውልቀ ሰብ ኣብ ዝተራኸበሉ እዩ ዝለዋዋጥ፡፡ እዚኣ ናይ ሓባራዊ ስነ ስርዓት ኣብነት እያ ምኽንያቱ ነቲ ዝበዝሐ ኣብ ሕርሻ ንዝዋፈር ሰብውን ድሃይ ከባቢኡን ኩነታት ንፋስን፡ ዕዳጋን ወረ ምልውዋጥ ስለዘድልዮ፡፡

ማሕበረ ሰብ ክምዕብል ብውልቀሰብ እዩ ዝጅምር፡፡ ንኣብነት መምህር ሓደውን እንተኾነ ናይ ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝርከቡ ተማሃሮ ፍልጠትን ኣእምሮን ኣማዕቢሉ፡ መጻኢ ህይወት ዕድሎም ዝመርጽሉን በብዝምባሌኦም ዘለዎም ድሌት ዘማዕብሉሉን ዝኸዱሉን መንገዲ የርእዮም፡፡ እዚ ንኹሉ ይስለጦ ኣይስለጦ ብዘየገድስ ካብታ ፍረ ናይ ፍልጠት ዝተጠዓመትላ መዓልቲ እቲ ወልቀ ተማሃራይ ናይ ናብራኡ መሰላሰሊ እትኸውን ናይ ሓሳብ መንገድስ ኣብታ ቤት ትምህርቲ የበግሳ ኣሎ ማለት እዩ፡፡      

ሓደ ካብ ናይ ባህርይ ቢጫን ቀጠልያን ኣብነታት ናይ ሱፍ ዕምባባ ንርአ፡፡ ጸሓይ ብምብራቕ ክትመጽ እንከላ ከምዛ ብማግነት ዝንቀሳቐስ ኣካል እታ ዕምባባ ካብታ ጸሓይ እትቕልቐለላ ጀሚራ ስጋብ ኪኖ ደረት ትርኢት ምዕራብ እትበጽሕን፡ ጸልማት ነጊሱ ጩራ ዝጠፍእ ርእሳ ምስታ ጸሓይ እናኸደት ምስ ምጥፋኣ ድማ ክሳዳ ናብ መሬት ኣንቆልቊላ ትድቅስ። ጸሓይ ነዛ ፍልይ ዘበለት ተኽሊ እምበኣር ቀንዲ መምዘነታ እያ ማለት እዩ፡፡ እዚኣስ ናታ መንቀሳቐስን መምዘንን ረኺባ ኣላ፡፡ ናይ ቁጠባ መምዚኒኸ እንታይ እዩ? 

ማዕድን ሃልዩ፡ ፍርያት ሃልዩ፡ መንገዲ ሃልዩ፡ ኣይሃልዩ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ሃብቲ ብኸመይ ተማዕብሎ፡ ንነፍሰ ወክፍ ዜጋኸ ብኸመይ ይጠቕሞ?  ክእለትን ባህግን ሃልዩ ከከም ክባቢኻ ሪኢኻን ተዓዚብካን ፍርያትካ ንናይ ናብራ መመሓየሽን ብጽሬትን ብጥዕናን እትነብረሉን እትምዕብለሉን ኩነታት እንተድኣ ናይ ምውሳን ናጽነት ዘየለ እንታይ ይገበር?

ዘይሓኪም ናይ ጥዕና፡ ዘይኢንጂነር ናይ ኤለትሪክ፡ ዘይቁጠበኛ ናይ ሃብቲ ኣከፋፋላ ወሳኒ፡ እንተ ኮይኑሞ እቲ ናይ ዕዳጋ ሕጊ ተሪፉ ናይ ሰባት፡ ሰባት ኮይኖም ጥራሕ ዘይኮነ እሞ ናይ ክእለቶምን ሓላፍነቶምን ተቐባልነት ኣብ ሕቶን ምልክት ዘለውሉ፡ ንሳቶም ብዛዕባ እቲ ተራ ህዝቢ ዝውስንዎ፡ ኣብ ምቕባልን ዘይምቕባልን ናይ ሓስብ ምልውዋጥ እንተድኣ ዘየለ እንታይ ዝኣመሰለ ናብራ ክሕለፍ እዩ? ዘይኣውቲስታ ዘዋሪ መኪና እንተሓዘ፡ ነቲ መዐገቲ ናይ ፍረኖውን ስለዘይፈልጦ መዓስን ኣበይን እያ ደው ትብል ጥራሕ ዘይኮነ፡ እንታይ እንተኾይንካ ኢኻ እንታይ ትኸውን ኣይፈልጥን፡፡ ነቲ ምስኡ ተውጢሑ ንዝኸይድ ግን ሒዝዎ ክጸድፍ እዩ ማለት እዩ፡፡  

ቀደም ጥረ ኣፍሪኻ እተን ካብ ሕማምን ምጽራይን ዝተረፈን ዝደሓነን ማለት ኣብ ዕዳጋ ይውዕል ኔሩ። ሎሚ ግን ቁጠባን ስራሕን ነጻ ኣብ ዝኾነሉ ቦታን ግዜን ኣገባብ ፍርያትን ንዕኡ ዝምልከት ሕክምናዊ ናይ ምክልኻል ሕግታት ማዕቢሉ፡ እቲ ስራሕ ግን ካብቲ ዝነበሮ ኣብ ብዙሕ ዓይነት፡ ዝተማጻረየን፡ ኣብ ተክኖሎጂውን ዝለዓለ መስርሕ ዝበጽሓሉ እዋን እዩ።

ብዘይ ስራሕ ቁጠባ ኣይመሓየሽን ይበሃል፡፡ ናይ ስራሕ ነጻነትን ጽላልን መደንፍዒ ዝኸውን ኣጆኻ ዝብል ሕጋዊን ስነ ስርዓት ዘለዎ ኲነት እንተድእ ተናዓቑ ከመይ ኢሉ እዩ እቲ ናብራ ክመሓየሽ?  ሕቶታት ዝበዝሑ መልሲ ምስዝሰኣን እዩ፡፡

ስለዚ ናይ ድባርዋ ናይ ነሓሲ ማዕድን ህላወኡ ካብ ዝፍለጥ ነዊሕ ጌሩ፡፡ ከምኡውን ብዙሓት ናይ ማዕድን ኩባንያታት ኣትየን ስምምዓት ተፍሪሙ፡፡ በዚ ኩነት ግን “ኣነስ ብሳላኦም ዝተርኽበ ቑጠባዊ ምንቅስቓስ ናብራይ ተመሓይሹ ዝብል ቁጽሪ ናይ ደቅሰብ ስጋብ ዝውስኽ ግን ምዕባለ ኣለና ማዕድን ኣለና ምባል ጥራሕ ትርጉም የብሉን፡፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...