መወዳእታ ሳልሳይ ክፋል

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፥ በደል ክበጽሖ ዝደሊ ሰብ ኣይክህሉን። ነዚ ኣምርዚ እናተረደኤ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከምኡ ዝኣምሰሉ በድል ክፍጽም ሰጋእ ዘይብል ግን ሕልናኡ ዝቐተለ ዓመጸኛ ምኻኑ እዩ። ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከምኡ ዝኣምሰሉ ሰብ ብርኩ ብኻልኦት ተበዲሎም ክልክዑ እናረኣየ ከም ዘይረኣየ ዓገብ ዘይብል ብበለጽ ዝደንቆረ ፈራሕ እዩ።

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ዝኾነ ይኹን ሓሳባቱ ክጽሕፍ ዝነቅል ኣካል ንገለ ከሐጉስ ንገለ ከኣ ከሕርቕ ኢሉ ዝተበገሰ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ መወዳእታኡ ተገልቢጡ ዘራጽሞ ንዋናኡ መንቀሊኡ ምኻኑ ክንዝጋዕ የብሉን። ሕመረት መንቀሊ ርትዕን ፍትሕን ክኸውን ይግባእ። ጸግዒ ሒዝካ መዓር ዝነዝዕ ቃለት ጸፋጺፍካ ምጽሓፍ ፍታሕ ኣየምጽእን። ከምኡ’ውን ብትዕቢትን ብድዐን ዝተሃወጸ፡ ኣጻብዕቱ ደም ደቂ ህዝቢ ዝነዝዕ ዘሎ፡ እሞ ኸኣ ብዓለም ተፈንፊኑ ዝተቓለዐ ኢደውነናዊ መግለጺ ስርዓት ዘይብሉ ውልቀ ምልኪ ዓልቆም ምባል ኣየድምዕን። ቀንድን ኣገዳስን ዝኾነ ይኹን ኣካል ተግባራቱ መዚኑ ከግልጾ ዝኽእል ንጹር ክሳዳዊ ቅዲ ሓንጺጹ ከተተግብሮ ምስ ዝረጋረግ ጥራሕ እዩ። ብዘይ ንጹር ክሳድ ብሃቦ ተረከቦ ዝዛዘም ዓንቀጽ የለን። ቆፎ ንህቢ ብዘይ ሽም ኣየምዕርን በቢዝወጾ ናብ ቆፎኡ ከይተመለሰ ይጠፍእ። ሽም ዘለዎ ንህቢ ግን ዋላ ይውሓድ ቆፎኡ ለቂቑ ይሰደድ እዋኑ ሓልዩ ተባዚሑ ክሃምም ይኽእል። እዚ ከኣ ተግባር ዘመስከሮ ክውንነት እዩ።

ብውልቀይ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ጉጅለ ብዛዕባ ህዝቡን ሃገሩን ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ድሕነቱ ክሕለወሉ ዝኽእል ውዕሎ ይኹን ጉባኤ ክገብር መሰሉ እዩ። ካብ ማንም ከምኡ ዝኣምሰለ ኣካል ፍቓድ ክወስድ ነይርዎ ዝብል ባእታ ወይ ጉጅለ እንተልዩ ዕሽነት እዩ። ኣይትውክለንን ግን ክብል ይኽእል። ንህዝብን ሃገርን ኣብ ዋጋ-ዕዳግ ክሳብ ዘይኣእተወ ኮታ ብጭብጢ ክሳብ ዘይተረጋገጽ መሳርሒ እናበልካ ዓጀውጀው ምባል ምጽላም ጥራሕ ኮይኑ’ዩ ከስምዕ ዝኽእል። ውዒሉ ሓዲሩ ከኣ ሓቅነት ስለ ዝስእን ሃሲሱ ይተርፍ፡ ብቐሊሉ ዘይድምሰስ በሰላ ቅርሕንቲ ክገድፍ ግን ተኽእሎ ኣለዎ። ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ጥቃቐ ዘድልዮ እዩ። ካብ ስምብር በትሪ ስምብር ጸርፊ ይኸፍእ’ዩ ነገራቱ።

ሓባል መጠመቲኣ ትኮሓል ክብል ከለኹ፡ንዓሻ ደርጉሓሉ ክንደይ ከይፈልጦ ንለባም ግን ኣምተሉ ክንደይ ከይስሕቶ እዩ ነገራቱ። ሓበላኣ ክትክውል ኢላ ዝገበረቶስ መሊሱ ኣጉሊሑዎ ንማለት እዩ።  ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ጉባኤ ዝብልዎ …..ጉባኤ ዘይምባሎም ፡ (ለ ) ንርእሶም ከስርሖም ዝኽእል ሕጊታት ክሕግጉ ጉዳዮም ኮታ ዋኒኖም እዩ። መቐይሮ ኮታ መሰጋገሪ ቁዋም ሃገር ኢልካ ከተጽድቕ ግን ዓብይ ዝላ ንድሕሪት ኮይኑ ይረኣየኒ። ውክልና ሃገር ዝሃቦም ህዝቢ የለን። ከምኡውን ጸር-ህግደፍ ዝቃለስ ብምልኡ ኣየካተተን፡ ካልእስ ይትረፍ ነቲ ዓመትን ፈረቓን ብዝወከልዎ ተመሪጹ ብዝለዓለ ሓላፍነት ጉባኤ ንምዕዋት ዝመከተ መንእሰይ ዳኒኤል ተወልደ ኣብ ድሮ ጉባኤ ብውልቀ ሰብን ተሓባበርቱን ክስጎግ ከሎ ዓገብ ብማለት ጉዳዩ ተፈቲሑ ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ዘይምስታፉ። ምግሃስ  ምሕላው መሰል ’’ሀ’’ ከይበለ ምጅማሩ፡ ( ሓ) ቀንዲ ዘገረመኒ ኣባላት ናይ ውድባት ክንሶም ብስም ኣባላት በርገሳውያን ማሕበራት ኮይኖም ኣብቲ ዘቖምዎ ባይቶ ዝብልዎ ተመሪጾም ዝብል ምስ ኣንበብኩ እዩ። ኣንቱም ህዝቢ ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፉ ብስም  ኪዳን ዝግለጹ ኩሎም እካ እንተዘይተባህለ ገለ ካባታቶም ተዋጋኣይ ብረት ለበስ ሰራዊት ኣለና በሃልቲ ኢዮም። እዚ ሰራዊት’ዚ ከኣ ዛጊት ዘይምእኩል ምኻኑ ይግለጽ። እዚ ኣቑምናዮ ዝብልዎ ዘለዉ ባይቶ በየናይ መዓቀኒ እዩ ነዚ ብቱን ሰራዊት’ዚ ክቆጻጸሮ ዝኽእል፤

ንኺድ ጥራሕ ስራሕ ህግደፍ

ንጉየ ንቀዳደም ተታሒዝና ንጽደፍ

ብኡሳት ክንስና ሓልይቲ መሲልና ንደጋገፍ

ዝላደየ ስሳዐ ጠምበርበር ወትሩ ደርገፍገፍ

ተጠባራይ ህዝቢ ኣደናጊርና ነብሎ ዓንቀፍቀፍ

ያዕያዕ ዘብዝሓ ሓቀኛ ልሳኑ ክኹለፍ

መማቕርቲ ደቂ-ኣንስትዮ ነእቱ ከይንዝለፍ

 

ኣንቶም መናእሰይ ተላዓሉ’ባ ተበራበሩ

ቃልሲ ወጽዓኹም እጎዱ ኣጎሃህሩ

ምስ ወቃዕቲ ኮበሮ ኣይትሳራሰሩ

ኣስተውዒልኩም መምዩ ከይትደናገሩ

ጭልቅዕ ንእስነትኩም ምናምን ኣይተሕርሩ

ካብ ትምህርቲ ኮነ ሓዳር በኹሩ

ናይ ወለዶ ሃጋፍ ተፈጢሩ

ኣይተጽቅጡ ለባማት ወለዲ እናተሓየሩ

ኣለናልካ በልዎ ህዝብኹም ኣይተቑርሩ

ዝሓለፈ ይኣኽሎ ውሑዶ ተሸቑሪሩ

ውሑዳት ኣይኮኑን ብዘይፍርዲ ዝተቐበሩ

ሃየንታ’ዩ ብዙሓትስ ንውልቀ መላኻ ከጫፍሩ

 

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፥ ስምዒትካ ምቁጽጻር ጽቡቕ እዩ። ወትሩ ተሃዋሲ ምኻን ኮታ ብዝተቐልቀለ ተርእዮ ልብኻ ተሰሊብካ ንፋስ ነናብ ዝነፈሶ ምንፋጽ ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ይበዝሕ።  ንጉባኤ ኣዋሳ ካብ ዓቑሙ ንላዕሊ እናሃቡ ከቀናጅውዎ ዝህቅኑ ቡዙሓት ኣለዉ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን እንተኾነ ብዙሕ ኣኸባታት መምስ ውሳኔታቱ ተቐልቂሉ እዩ። ብዙሕ ተጻሒፍዎ’ውን እዩ። እንተኾነ ግን ከም ኣመጻጽኣኡ ብዘይ ፍረ ሃጉጉ ተሪፉ። ንውሳኔታት ጉባኤ ኣዋሳ’ውን ካብዚ ተረክቦታትዚ ነጻ ክውጽኦ ዝኽእል መዓቀኒ የብሉን። ስለዚ ኩቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ ዘይኮንካዮ ነገራት እየ እናበልካ ክውንነት ናብ ጥቕምኻ ንኽትልውጥ ደርጋዕጋዕ ምባል ካብ  ሓባል መጠመቲኣ ትኾሓል ዝብል ባህላዊ ብሂል ዘይነጻጸል ክውንነት እዩ።

 

ገብረሂወት ወልደሚካኤል

2011-12-20

ስቶክሆልም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...