ስለምንታይ ኢዩ ህግደፍ ንቅዋም ተሓሲምዋ?

ኩሉ ከምዝፈልጦ እቲ ብክኢላታትን ዓበይቲ ዓድን ንክልተ ዓመታት ዝኣኽል ግቡእ መጽናዕትታትን ምርምርን ተ ኻይድዎ ኣብ ጉንቦት 23—1997 ዝጸደቐ ቅዋም፡ ዝበዝሐ ዓንቀጻቱ ሃገራውን ንውልቀ-ምልኪ ዘየፍቅድን ምንባሩ ክጥቀስ ይከኣል። ገለ ኣብነታትን ሕመረት ምኽንያት መንጸግትን ድማ ከምዚ ዝስዕቡ ነይሮም፡-

ዓ/ጽ 39፡ 1= ፕረሲደንት መራሕ ሃገርን መንግስትን ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ምኻኑ ብንጹር ምስፋሩ ምስዊንታ መራሒና ኣይተጋጨወን።

ዓ/ጽ 41፡ 1 = ፕረሲደንት ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብፍጹም ብዝሒ ድምጺ ይምረጽ። ሓደ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንፕረሲደንትነት ንክሕጸ ናይ 20% ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ደገፍ ክረክብ ኣለዎ“ ይብል። ኣስተውዕል፡ ህዝቢ እቶም ዝሓሹ ኣባላቱ ኢዩ ብምርጫ ንባይቶ ዝልእኽ። ካብኦም ሃገር ክመርሕ ክምረጽ ዘለዎ እምበኣር ሓያል መዐቀኒ ከድልዮ ስለዝኾነ ኣይተኣማመነን መራሒና።

ዓ/ጽ 41፡ 2 =ዕድመን ስልጣንን ፕረሲደንት ማዕረ ዕድመ ናይቲ ዝመረጾ ሃገራዊባይቶ ንሓሙሽተ ዓመትይኸውን።

ዓ/ጽ 41፡ 3 =’’ሓደ ሰብ ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ንፕረሲደንትነት ኣይምረጽን’’ ይብል። እዚ ማለት እታ ሰድያ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝኹየጣ ከምዘየለ ብኑጹር ስለዘቐመጠ፡ ንበሓትቲ ደሞም ኣሽረኽሪኽዎም ኢዩ። ’’ወዲኣፎም ብሪ፡ ንሱ ኣንበሳ ዓሻክሩ ነብሪ’’ እንድዩ ነይሩ ነገር። እቲ ነባሪ ዝመስል እልልታ ድኣ ኣሻቡ በልዩ ኢዩ ብምርጫ ወዲምርጫ ’’ኣቱም ’’ ክበሃል ጸኒሑ ኣታ ክበሃል! እዝስ ክትሓስቦ’ዃ ንጋዳ፡ እሞ ኣብዚኣስ ጎይታ ከኣ ክህመል ኣይነበሮን። ሓንሳብ ወዲወርቂ ማህጸን ዝተሰመየ መራሒ ሰብነቱ ስሒቱ ምስ ነብያተ ሰማይ ከምእተጸምበረ ኩሉ፡ እሞ እቲ ምርጫ ከኣ ካብ ሓፋሽ ህዝቢ እንተዝኸውንስ ሕራይ፡ ካብዘይኮነ ግን ቅዋም ኣብ ከብሓ ትብለ በቃ በቃ!!

ዓ/ጽ 42፡ 2= ህጹጽ ኩነታት ምእዋጅ ንምክልኻል ሃገር ኣብ ዝድለየሉ እዋን ከኣ ኩነተ-ኵናት ምእዋጅ ፦ ይብል። እዚ ኣብ ንቡር ግዜ ኢዩ። ከምኣባና ግን ኩሉ ነገራትና ብፍላይ ከኣ ኩናትን ሰላምን ምስ ሕቡእ ውልቃዊ ኣጀንዳ ስለዘይሳነ ቀንዲ ጠንቂ መሐረሚ ኮይኑ። ከምዝፍለጥ ኹናት እንታይ ኣድላይነት ከምዝነበሮን ከመይ ከምዝተወሰነን ብዘይካ ክቡር ፕረሲደንት ካልእ ዝፈልጦ ኣይነበረን።

ዓ/ጽ 48፡ 2 = ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ምፍጻም ፍርዳዊ መዙ ካብ ምቁጽጻርን ምምራሕን ዝኾነ ይኹን ሰብ ወይ ስልጣን ናጻ ኢዩ።ፈራዶ ንሕግን ብሕጊ ንዝውሰን ስነ-ምግባርን ንሕልናኦምን ተኣዘዝቲይኾኑ“ይብል። ዓሻ ድየ በራኺ!! ዘበገሶ ኢዩ በሉ እቲ ህዝባዊ ዘይኮነስ ሰልፋዊ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝተመስረተ።

ዓ/ጽ 49፡ 1= ርእሰ ኣብያተ ፍርዲ እቲ ዝለዓለ ይግባይ ዝበሃሎ ቤት ፍርዲ ኢዩ። ብኣቦ ወንበሩ ድማ ይምእከል ይብል። እቲ ቀደም “ችሎት“ ናይ ሃይላት ብችሎት ወዲኣፎም ስለዝተተከኣልና መለሳ ፍትሒ ወይከ!

ካብዚ ዝተጠቕሰ ከምእንርድኦ ቅዋም ተተግቢሩ እንተዝነብር፡  ከምቲ ዝተወጠነ መሰጋገሪ መንግስቲ ካብ 1994 – 1997 ኣብቂዑ፡ ኣብ 1998 ምርጫ ምተገብረ’ሞ፡

1. ኩናት ባድመን ሳዕቤናቱን ኣይምመጸን።

2. ጉጅለ ዝተሰምዩ ሓርበኛታት መራሕቲ ኣይምተኣስሩን።ማእሰርቶም መሸም ከቢድ ስምብራት ኣለዎ።

3. ቀጥታ ተጠቀምቲ ነጻነትና፡ ወደባትና፡ ነዳድናን ካልእ ባህርያዊ  ሃብትናን ምኾንና። ክቡር ፕረሲደንት ድማ ዘመነ-ስልጣኑ ኣብ 2008 ማለት ድሕሪ ናጽነት ኣብ 17 ዓመታት ግዝኣቱ ብክብርን መዓርግን ጥሮታ ምወ ጸ’ሞ ከምእኒ ማንዴላን ካልኦትን ከቢሩ ክቡር ቅርሲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ኮይኑ ምሃለወ። ንወለዶታት“ ዝባን ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃም “ ጥራይ ዘይኮነስ፡ “ ዝባን ኣብርሃም ኢሰይያስ ኣፈወርቂ“ እውን ምተባህለ። ከምኡ ከኣ ግዚኡ ሓልዩ ናብ ዓለማውያን ትካላት መሰጋገሪኡ ኮይኑ ምሃለወ። አእ ኣይተዓደልናን!! ባውሬቶ ስስዐን ህርፋ ን ሽመትን! ናህናስ ከኣ ከምቶም ተወሳኺ ዙርያ ክምረጹ ክብሉ ቅዋሞም ክትመሓየሽ ፈቲኖም ብባሌህታ ህዝቦም ዝተኣደቡ፡ ወይ ከኣ ከምቶም ገለ ዙርያ ኣሕሊፎም እንደገና ዝወዳደሩ’ኮ ኣይኮነን። ናህና’ሞ ብሱሩ  ጭራሽ ዕዉር ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ቅዋምና ባህጊ ህዝብና ክንሱ ተሓኒቑ እዩ’ሞ ክንዲ ንምቕያሩ ኮነ ንምምሕያሹ ምጉያይ ከመይ ተግባራዊ ከምዝኸውን ምዕያይ ይሓይሽ እብል ብወገነይ ። እንተ’ቲ ባህጊ ህዝቢ ክሰምዕ ዘይደሊ መራሒ ድማ ቅን ጣብ ሓልዮት ኤርትራን ህዝባን ከምዘይህልዎ ብዝገብር ረኽቢ ስለዝተጎነፈ ንመድረኽ ንግደፎ። እንተ’ቲ ኩሉ ኣብ ቁዋም ኣስተዋጽኦ ዝገበረ፡ ብፍላይ ከኣ ፕሮፌሶር በረኸት ብዚ ሎሚቕነ ዝተሰርሓልካ ናይ መጀልሒ ቃላት ርእስኻ ዘድንን የብልካን። ንሱ’ሞ ከምሰብካ ጥራይ ኢዩ፡፡ ብሓቂ ድማ ንብረት ሃገር ብምዃንካ ከምቶም ካልኦት እንጽበዮ ም ኣባኻ’ውን ትጽቢት ከምዘለና ኣይትዘንግዕ “ ኢልካ ሓደ ሃገራዊ በሉለይ።

ኣብ ኤርትራ ክንደይ ሰልፍታት ኣለዋ?

ከምቲ ርዱእ ዳርጋ ኩሉ ወዲ ሃገር ሓደ መንግስቲ ኢዩ ዝፈልጥ። ሓደ ምንግስትን ሓደ ሰልፍን ዝብል’ውን ኣይውሑድን። ብዛዕባ’ቲ ’መንግስቲ’ ዝብል ኣምር’ዃ እንታይ ክዝረቦ፡ ህግደፍ ኣብዝተመስረተሉ እዋን ግና “ሰልፊ ድዩ ኣይኮነን“ ኣብ ዝብል ተነቃፊ ዋጢጥ ተኣትዩ ከምዝነበረ ኣይንርስዖን። ኣገባብ ኣቃውማኡ ከኣ ክሳብ እኹልምጽራይ ዝግበረሉ ቅጥዒ ብዘይብሉ ኣገባብ ብግፋ ናይ ኩሎም ተጋደልቲ እዩ ዝጀመረ። እዚ ማለት ከም ሰራቒ መጠን ኣብ ሕጋውነቱ ስኽፍታ ስለዝነበሮ በቲ ሓደ ሓባራዊ ስራሕ ከምዝሰርሐ ኣምሲሉ ናይ ኩሉ ሰብ ደገፍ ንምርካብ ክኸው ን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ድማ እናኣዘናግዐ ነቲ ካልእ ሓድሽ ድልየታት ንምቕታል ዝዓለመ እዩ። ቀስ እናበለ ከኣ ኣባላ ቱ ከለሊ ከኣለ። ጸኒሑ እሞ መሬት እናፋሕተረ ክንቁ ጀመረ። ቅልጽሙ ገቲሩ መን ከምኡ ኣብዝተሰምዖ እዋን ምስ በጽሐ ድማ ባዕሉ ምንግስቲ፡ ባዕሉ ሰልፊ ባዕሉ ኣብ ፡ ባዕሉ ውሉድን መንፈስቅዱስን ኮነ። ከምቲ ቀደም ኣብውሽ ጢ ህ.ግምባር ሕቡእ ሰልፊ፡ ኣብ ውሽቲ’ቲ ሰልፊ ከኣ ካልእ ናይ ህቡእ ሕቡእ ሰልፊ ዝተመስረተ፡ ኣብዛ ኩሉ ዝፈልጣን ትፈልጦን እትመስል ስልፊ ህግደፍከ ክንደይ ሕቡኣን ሰልፍታት ኮን ይህልዋ?

ባዕለን ይፈልጣ!! ኣነ ግን ብዛዕባ’ተን ዘገድሳኒ ክዛረብ። ከምቲ ኩልና እንፈልጦ ቀደም  ኣብ ግዜ መግዛእቲ ሃገርናን መንነትናን ንምብትታን ብስም ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ወገን፡ ፖለቲካን  ካልእን ዝተገብረ ምጉጅጃል ሰጊርናዮ ኢና።

እዚ „“ስምምዕ የብሎምን“ እናተባህለ ንከይንሰማማዕ ዝተወጠነ ሕዱር መግዛእታዊ ሕማም እንሆ ድማ ሎሚደጊሱ ኣብ ግዜ ህግደፍ ቅዲ ፈላልኻ ግዛእ ኣጉላዕሊዑ ንርኢ ኣለና። ከም ኣሰራርሓ ኣብ ሓንቲ ቤት ጽሕፈት ሓደ ሓላፍን ካልኣዩን /ምኽትሉን/ ኣለዉ። እዞም ኣብ ክልተ ጣውላ ዝጸንሑና ክልተ ሰብመዚ፡ ኩሉ ግዜ ዘይሰማምዑ ዘይቃደ ዉ፡ ሓዲኦም ዝገበሮ እቲ ሓደ ከፍርሶ ስለዝርአ ዝጅመሩ እምበር ዝውድኡ ጉዳያት ኣይረኣዩን፡ እንተተራእዮም’ው ን ብክቡር ጉቦ ዝተፈጸሙ ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም።

እዋእ! ደቂ መንግስቲ ዶ ኣይኮኑን፡ ብዓልመን ድዮም? ክበሃል ይከኣል። ብመሰረቱ ክልቲኦም ተሳንዮም ኣጋይሾም ዘየገልግሉ፡ ፍትሒ ዝባዓዶም ኣባላት ናይተን ክልተ ኣብ ውሽጢ ህግደፍ ዝቦቐላ ዘይፋለጣ ስዉራት ሰልፍታት እየም። ስለ’ቲ ስዉርነቱ ብዙሕ መብርሂ ኣይትድለይሉ። እንተደለኹሞ ግና ንሳቶም’ውን እኮ መኖም ናይ የማነ ህበ ይ፡ መኖም ከኒ ናይ ዓብደላ ጃብር ምዃኖም ኣይፈልጡን ኢዮም። ንርእሶም ነብሶም ኣብ ውሽጢ ድርዒ ህግደፍ ከምዝተሓቕፈት እናፈለጥዋ ጉጅለኦም ከኣ ከም ኣዝያ ዝተመጻረየት ተቓላሲት መጠን ብዘይካኣ ካልእ ውፍይቲ ከም ዘየለ ስለዝተሓበሩ ፍናን ርእሲ ኩሉ ይብሕቶም። ጭራሽ ብዋልታ ህግደፍ ተደሪዖም ጥራይ ከይኣኽል ነብሶም ከም ጽራየ-ላህመት ዘንሳፈፈት ስለዝቖጽሩዋ ኣብ ልዕሊ መሳርሕቶም ክጽብልሉ ይራኣዩ። ብሓጺሩ ከምቲ ሕጊ ተፈጥሮ ኣቶማዊ ኣንጻርነት ናይ ተባዕታይን ኣንስታይን ብመንጎኝነት ዘይሻራዊ ዝጥመር፡ ማለት ኤለክትሮንን ፕሮቶንን ብኒትሮን ዝሽምገሉ፡ ኣብ ፖለቲካ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓድነት ፍሉይነት፡ ኣብ ፍሉይነት ድማ ሓድነት እዩ መሰረት ምዕ ባለ ተባሂሉ ኢዩ ዝስራሓሉ። ኣብ ንቡር ህይወት ብሄራት ወይ ዞባታት ኣብ ማእከላይ መንግስቲ ከም ዝምሕደራ ን ማለት ኢዩ። ብዛዕባ ከምዚ ካብ ተላዕለ፡ ትርጉም ብዙሕነት ምስ ጭርሖ’’ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ ’’ ዝዋሰበሉ መገዲ ክንደ ምተገብአ። ብዙሕ ህዝቢ ናብ ሓንቲ ድሌት ክምርሽ ብቀንዱ ስምምዕ ስለዘድልዮ ማለተይ ኢዩ ። ብዛዕባ ክ ንደይ ድልየታት ኣሎን ብኸመይከ ይጥርነፍን ናይቲ ምሕደራ ግዳይ ኢዩ።

ከም ኣብ ሃገርና በሉ ህግደፍ ነብሱ ከም ኒዩትሮን /መንጎኛ/፡ እተን ክልተ ተሃላለኽቲ ኣንጻራት ድማ እተን ንከይሰማምዓ ዝተሰርሓ ሕቡኣን ሰልፍታት እየን፡ ሃለዋት ህዝቢ ብመራከቢ ብዙሃን ክልፍለፈሉ እንተዘይኮይኑ ቀደሙ ጉሱይ ኢዩ። ባዕላተን ሰረዝቲ፡ ባዕላተን መሃ ዝቲ ፈጠርቲ ብምዃን ናይ ከብድን ሕቖን ዝምድና ጠጢዕልና እንሆ።  ስለምንታይ መንግስታዊ ቅርጺ፡ ግሉጽነት፡ ግህዶ ምርጫ ዘይተፈቕደ? ምኽንያቱ ኩሉ’ቲ ስራሓት ለይቲ ንእኪትን ብታነን ዝዓለመ ስለዝኾነ ብብርሃን ቃልዕ ክሰርሑ ኣይከኣሎምን። ሓርማዝ ምረጹ፡ ሰገን ሰዊት ኮነ ካልእ ባይታ የለን ባቃ። መራሒና ከምቲ ውሳነ ፈጣሪ ም ስ ሕልና ደቂሰባት ክተሃላለኽ ስለዘይብሉ ርእሲ ንዘዘልዓለ ኣጸልሚቱ ምውጋን በቃ። ብላዕሊ ላዕሉ ሓደ ልብን ህ ዝብን እናተጨርሐ ብታሕቲ ከኣ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ትሕተ-ሃገራዊ ምጉጅጃል ተገማሚዕና ነልቅስ ኣለና። ኣብ ነፍ ሲወከፍ እትምስረት ማሕበራዊት ጥምረት ኮነ ኢልካ ብውሑዱ ክልተ ኣባላት ናይተን ክልተ ሕቡኣን ግንታት ክጽ ንበሩዋ ኣለዎም። ኣስተውዕሉ በሉ ዝኾነ ኣብታ ጥምረት ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ቀለስቱ ንሳቶም እቶም ዕሱባት ናይ ተን ስዉራት ሰልፍታት እምበር ዘይስምምዕ ናይቲ ተራ ህዝቢ ኣይኮነን። ነዚ ካብዘይምፍላጥ እንታይ ከምዝወረደና ዝውረጥ ኣይወሓደን። ጸላኢኻ ኣለሊኻ ክንዲምቅላስ ድማ ሰብ ኣብነንሕድሕዱ ክመጃረጥ ይውዕል ኣሎ።በሉ ህግ ደፍ በዚ ስንክሳር እዚ ኣቢሉ ኣብኩሉ ኣትዩ ኣሎ። ከምርዱእ መሸም ከምቲ ሓደ ዝበሎ ኣብዛ ክንዲ ሰለፍ ብዕራይ ዘይትኣክል ሃገርና፡ ልዕሊ ዕስራ ሰልፍታት ተመስሪተናልና ኣለዋ። ብሓቂ ድዩ ኣብ ሃገርና ክንድኡ ድልየታት ዘሎ? ኢልኩም ኣይትረበሹ። መስራቲ’ሞ ባዕሉ ህግደፍ ኢዩ።

ከይቅየማና ወየን ሰልፍታት እምበር ፈጣሪአን ኣብዛ ከተማ ኮይኑ ዘፍዝዝ ዘደንዝዝ፡ ዘባዕግግ ዘባህርር ከኒናታት እናለኣኸ ኣልሚስወን እንሆ።ኣብዚ ሃገርና ተወጢራስ ናይ ኣር ክብ ኣርክብ ግዜ፡ እቲ ፋዕራ ዘይብሉ ገዛኢ በሳጉማጎብየ እናመረሸ፡ገሊአን ካብተን ውድባት ከኣ ብማይክሮ ሜተር ምስጓም ከምቅኑቕ ኣገባብ ቃልሲ ወሲደንኦ ንርኢ ኣለና። እዚ ኩሉስ ንምንታይ ኣድልዩ እንተተባህለ ከኣ መታን ከይንሰማማዕ ዝተሃንደሰ ውጥን ኢዩ። ስለዚ እቶም ካብ ጻዕዳ መግዛእቲ ጀሚሮም ዝተቓለሱ ዓቢ ፖለቲከኛን ቅኑ ዕን ኣቦ ከምቲ ዝተባህለ መሬት ምስቀወጠት ኤርትራውያን ከይንሰማማዕ ከምእተሰማማዕና ጠቒሶም እንተኾይኖም ነዚ ህልም ዝበለ ጸሊም ጥበብ ግዝኣት ወዲሃገር’ኮን ብኸመይ ምገለጽዎ? መሸም ሎሚ ብህይወት እንተዝህልዉ ዝሓለፍዎ መስገደል ናይ“ ኢትዮጲያ በል ከይትሕመል ከይትሽመል ንዝብል ጽዕንቶን ፈተነታት ቅትለትን ከምዝበ ድሁ መጠን፡ ሎሚ ከኣ ዝተባህልዎ ጥራይ ክገብሩ እምበር መሰልዶ ፍትሒ ኢሎም ክሓስቡ ክዛረቡ ክጽሕፉ ከም ዘይብሎም፡ እንተድኣ ከምኡ ገይሮም ካብን ናብን ሃገሮም ከምድላዮም ክመላለሱን፡ ኣብ ሰለስቲኡ ዞባታት ድማ ገ ዛውቲ ክሰርሑ ከምዝፍቀደሎምን፡ ከምኡ እንተዘይገይሮም ግን ብስላዕ ህግደፍ ክሕመሉ ክሽመሉ ምዃኖም፡ ግደ ፍ ብሂወቶምስ ሬሳኦም ከይተረፈ እንተኣትዩ ከምዝእሰር እንተዝርድኡ፡ ብተወሳኺ ነታ ዝባረኹዋ ዘውዲ ብውዲት ህግደፍ ዝነኽኣ ዝትንክፋ ጥራይ ዘይኮነ ዝሕምሽሻ ዝወርሳ ካብ ጠጥዐ እዞም መሬት ሃገሮም ስዒሞም ብዕንባባን ክብርን ዝኣተዉ ሓርበኛስ እንታይኮን ምበሉ ? ንሶም መሸም ነዚኩሉ ነውርታት እናረኣዩ ብርግጽ ኣይመጽቀጡን  እሞ ወዮም ወዲ ከባቢ ምኢቲ ዓመት ወላዲስ፡ ብሽመል ህግደፍ እናተሰለቑ ንዒላዒሮኦም ዶ ወይስ ብእግሪ ኣያ ዑቕባያ ምስ’ዚ መንእሰይ ማልጥማልጣ ባው ምበሉ? ዶ ከምታ ቐደሞም ብቐይሕ ካርድ ብእርቡናለ ምተባረሩ? እየ’ኮ ዝብለኩም ዘለኩ?

ሃውቲትና ዶ ኣቱምሰባት ሓቀይ! እዚ ከዳዕ እዋን ገና ከለፋልፈና እዩ። በሉ ኣብ ሓንቲ ቤት ጽሕፈት ዝጸንሕኹም ሰራሕተኛታት ጉዳይኩም ኣየሳልጥልኩምን ኢዮም። ሰብ ጉዳይ ከኣ ካብ ዘይምፍላጥ “ካብ እከለስ፡ እከለ እባድኣ ይሓይሽ “ ብማለት ንዘይፍትሓዊ ጉዳይ ገንዘቦምን ግዚኦምን ይብልዑ። ኣብዚ ክበርህ ዝግብኦ “ መን ኢዩ ኣባል ናይዘን ኩለን ሰልፍተታት“ ዝብል ሕቶ ኢዩ። ኣባል ኩለን ኮይኑ ዘካውሰን’እሞ፡ እቲ ውልቁ ፈጣሪአን፡ እቲ መለ ኮታዊ ሓይሊ ክቡር ፕረሲደንት ኢሰይያስ በቃ!! ነታ ’ ባዕሉ ዘምጽኣ’ ነጻነት ሓምሽሽዋ እንተዘይከይዱ ድማ ክት ርእዩ ኢኹም ዕድመ ጥራይ ይፍጠረልኩም። እሞ ፈውሲ ኣለኒ ዝበለ ሰብ ሃየ ኣውያት ሃገሩን ህዝቡን ይስማዕ። ማለተይሲ ኣነ ከምቲከምኦም  “ ክላእ ሎሚ ዝሃድም እምበር ዝምክት መንእሰይ የለን“ ዝብልዎ ክደግም ብዘይም ድላየይ እየ።

ድሓን ቀንዩ።

ጎደፋ።

15-12-2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...