ዝኸበርኩምን ዝኽበርክንን ደቂ ኤርታራ ቅድሚ ዝኣገረ ከምቲ ልሙድ ልባዊ ሰላምታይ ተቐበሉ፡ ብምቕጻል ንኹሉ እንደልዮ ፍታሕ መሰረቱ ሓድነትና ጥራይ ምዃኑ ፈሊጥና፡ ቃልስና ንሓድነትናን ነቲ ኣብ ድሕሪ ለውጢ እንግዝኣሉ ሕጊ ንምፅቋብን ዘትኮረ ክኸውን ኣለዎ።

ሓድነትካ ኣደልዲልካ ነቲ ኣብ መጻኢ እትሓስቦ ኣገባብ ምሕደራ ባይታ ክትምድምደሉ ምጽናሕ፡ ጠቕሙ ድሕሪ ለውጢ ቅልጡፍ ምስግጋር ኣብ ምግባር ይሕግዝ፡ ኩሉ ጊዜ ካኣ ሓድነትን ሕግታትን መሰረት ዝገበረ ናይ ለውጢ ውጽኢት ነባሪ ሰላም ኢዩ ዘምጽእ።

እዚ ማለት እቲ ሓቀኛን ነባሪን ዝኾነ ሕጊ ዝሙርኩሱ ኣጋባብ ቃልሲ ብዝቐልጠፈ ዜዐውት መገዲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሕጊ ካኣ ሓያላት ናብ ምልኪ ንኸይሰግሩ ዝቕይድ መፅገቲ መለኽቲ ኢዩ፡ ኣብ ትሕቲ ሓያል ምልኪ ዘሎ ህዝቢ ድማ እታ ክጥንቀቓ ዘለዎ፡ ካላኣይ ጊዜ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዘይምውዳቕ እያ ክትከውን ዘለዋ።

እቲ ብኹሉ መልክዓት ሕሰም ንመላእ ህዝብና ዘጨንቕ ዘሎ መርኣያ ዘይብሉ ናይ'ዚ ዘሎ ስርዓት ኣካይዳ መወዳእታ ንኽርከቦ እሞ ሓቢርና ኡፈየ ንኽንብል ዓቢ ጥበብን ልቦናን ዝሓትት መድረኽ ኢና ዘለና።

ኣብ እዚ እዋን እዚ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘሎ መን ኢዩ ብዘየገድስ ለባም ዝኾነ ሃገራዊ ፍታሕ ኢዩ ዝጽበ ኣሎ።

ኩሉ ዘለና ፍልልይ ካኣ መሰረታዊ ኣይኮነን፡ በቶም ኣብ ምፍልላይና ረብሓ ዝነበሮም ኣብ ኤእዋኑ ዝገዝኡና ዝነበሩ ገዛእቲ ሰረት ሒዙ ስለ

ዝጸንሐ ከም ሕዱር ሕማም ኮይኑ ካብኡ ከይንወጽእ ዓጊቱና ዘሎ'ዩ።

ነዚ ካኣ መምስ ዘለና ርእይቶ ክንሳማማፅ ኪኢልና ክንስፅሮ ክሳፅ ዘይ

ካኣልና ኩሉ እቲ ዝድለ ስርዓተ ምሕደራ ይኹን እቲ ኩሉ ዝደልዮን ብሃረርታ ዝጽበዮን ዘሎ ሰላምን ቅሳነትን ክመጽእ ዝኽእል ኣይኮነን።

ስለ'ዚ ብእንካን ሃባን ብምጽውዋርን ነቲ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ዘድሊ ደረጅኡ ከየብጻሕናዮን ብስርዓተ ባይቶ ክንግዛእ ክሳፅ ዘይካኣልናን ዝኾነ ይኹን እነምጽኦ ፍታሕ ነባሪ ክኸውን ስለ ዘይእል ብፅምቆት ንሕሰበሉ፡፡

እንተዳኣ ብጥበብን ልቦናን ዘይተቓሊስካ ኣሽንዃይ ከም'ዚ ናትና ኣብ ጉፅዞ ብረታዊ ቃልስና ብብዙሕ ፍልልያት ዝመጻናስ ካልእ እንተኾነ'ውን ንደቂ ሰብ ዝፈላልዩ ኣታሓሳስባታት ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ካብ ከም ናትና ዝኾነ ኩነታት ከምቲ ዝድለ ንኽትፅወት ቀሊል ኣይኮነን።

ብዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሕጊ ስለ ዝፈልጥ ንሕጊ ኣልቦነት ዝጻወር ህዝቢ ኣይኮነን ስለ'ዚ ካብ ሎሚ ንድሓር ነዚ ሕጊ ኣልቦነት ክጻወሮ ከምዘይኮነ ርዱእ ኢዩ፡ ስለ'ዚ ሎሚ ካብ ቃልሲ ምድሓር ኣይግባእን፡ ማለት ቃልስና ብዝሓጸረን ብጽቡቕን ምእንቲ ክውዳእ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ይሓትት።

ሎሚ ዝገዝኣና ዘሎ ኣካል ካኣ ልፅሊ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓይሊ የብሉን እቲ ልፅሊ ህዝቢና ሓይሊ ዝነበሮስ ብኸቢድ መስዋእቲ ጀጋኑና ተሳዒሩ'ዩ ስለ'ዚ እቲ ኩሉ ሽግርና ስምምፅ ሰሪ ዘይምህላውና ጥራይ ኢዩ።

እዚ ንማንም ብሩህ ክኸውን ኣለዎ፡ ንኡ ኣለሊና ብሓባር ክንቃለሶ እንተ ኺኢልናስ ኣብ ኣዝዪ ዝሓጸረ ጊዜ ክውዳእ ዝኽእል ሽግር ኢዩ ዘለና

ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰገሮ ውግኣት ርኢኻ ዘሎ ሓይሊ ናይ እዞም ህዝቢ ዝቕጥቅጡ ዘለው ጉጅለ ኣዚዩ ንእሽቶ ኢዩ፡ ቲወሳኒ ትገብሮ ምፍላጥ'ዩ።

ሓደ ሰብ ንሓደ ሓው ኢዩ ዝቐትልን ዝኣስርን ዘሎ እቲ ማእከላይ ዓሌት ኢዮም ከምዚ እዮም ዝውድኡና ዘለው ክንብል እንተኾንና እውን ህዝብና ከይትሓወሶ ዝኸውን ዘሎ ኣይኮነን፡ ስለ'ዚ እቲ ጎዲሉ ዘሎ ንቕሓትን ዘይ ምስምማፅን ምዃኑ ንኹልና ብሩህ ክኸውን ኣለዎ።

ብሓጺር ኣዛራርባ ሓድነትና ፍሩስን ስምምፅ ዘይብልናን ስለ ዝኾነና ጥራ ይ፡ እምበር ህዝብና ካብ ጸላኢ ምውጻእስ ንኽትሓልሞ ኣሸጋሪን ዘይካኣል ዝመስል ዝነበረን ሓይሊ ገዛእቲ ስዒሩ መሬቱ ሓራ ዝገበረን ኣብ ቅድሚ ዓለም ኣድናቖት ዘትረፈን ጂግና ህዝቢ ኢዩ፡ ሎሚ ስለምታይ እንድዒ።

 

ክሳፅ ኣብ ዝመጽእ ካልእ ሰናይ ቅነ።

 

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...