ዓኮሴኤ (ICER)

ሃለዋት እቶም  ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስድተኛታት አማዕዲኻ ምርአዩ እቲ ዝቐለል ኢዩ።  ውሽጡን ውሻጤኡን ንምድህሳስ ምስ እትህቅን ግን ኣስከሕካሒ ምዃኑ ኣነጺርካ ትግንዘቦ። ምናልባት’ውን ጊዜዊ ጋሻ ኴንካ ንቅሩብ መዓልታት ጸገሞም ምስ እትካፈል ወይ ከአ ካብ ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ስደትኛታት ካብ ትረኽቦ መጀመርያ ምንጪ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ምህላዎም ትርዳእ።  እምብአርከስ  ነዚ ከቕርቦ ተዳልየ ዘለኹ ጸብጻብቁጽሮም ካብ 40 ንላዕሊ ዝግመት ነበርቲ ስደተኛታት ካምፕ ጎርጎር፣ ዓውድያ፣ ወድ ሸሪፋይ፣ ሱኪ፣ ኣቡዳ፣ ሸገራብ፣ ስታ ወዕ ሽሪን፣ ማይ ዓይኒ፣ ዓዲ ሓሪሽ፣ ሽመልባ ወዘተ ዝተለቕመ ኢዩ። ካብ ነበርቲ ስደትኛ ካምፕ ሰመራን ካልኦት ተለጠፍቲ ካምፕታት ዓፋርን ግን ኣብዚ ጸብጻብ ብዘይ ምወሳኹ ምሉእ ከምዘይገብሮ እንዳተነሳሕኩ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዝረኸብክዎ ስለ ዘሎ ብኣኡ ክጅምር ይመርጽ።

መጀመርያ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ሕጋዊ ተፈላጥነት የብሎምን። ርግጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ካብ ኣደራዕ መንግስቲ ህግደፍ ሃዲሞም ምፍላሶም ዝአምን እኳ እንተኾነ ብዓቅሚ ስእነት ምኽንያት ካብ ምዕቛብ ሓሊፉ ዝኾነ ዓይነት ንዋታዊ ድጋፍ ክገብር ኣይከአልን ኢዩ። እቲ ሕሰም ዝብገስ ካብ ዩንኤችሲአር ኢዩ። ዩንኤችሲአር ነዞም ስደተኛታት ኣቓልቦ ዘይመውሃቢኡ ካብ ዘቕርቦ ሓንካስ ምስምሳት ከአ እዞም ከም ስደተኛታት መሲሎም ዝረአዩ ብሄረሰብ ዓፋር ካብ ስግር ምዕዶ ምፍላሶም ብቑዕ መረድእታ ስለ ዘይብለይ ኢዩ ዝብል። ርግጽ ከም ዝተፈላለዩ ብሄራት ኤርትራ ምስ ስግር ዶባት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብሄራት ናይ ዝምድናዊ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዝከሓድ እኳ እንተዘይኮነ ናይ ዓፋር ብሄር ፍሉይ ዝገብሮ ይብሉ ናይ ዩንኤችሲአር ሰብ መዚ፡ ንአዋርሕ ዝአክል ካብ ካምፕ ተአልዮም ኣብ ፈቐዶ ቁሸታትን ከተማታት ዓፋር ክልል ተሸጋሺጎም ከም ዝነብሩ ጭብጥታት ኣሎና ይብሉ። ብወገና እዚ ብተደጋጋሚ ሓቂ መሲሉ ዝንገር ጭብጢ ዝጎደሎ መጎተ ኢዩ ንብል። ንአዋርሕ ዝአክል ሃለዋቶም ከይገበሩ ምስ ዝፀንሑ ስደተኛታት ዓፋር ሂወቶም ንምዕንጋል ዝወስድዎ ስጉምቲ ድአምበር ካልእ ምኽንያት ከምዘይብሉ ካብቶም ናብ ሃዋሳ ዝመጹ ሽማግለታት ክንርዳእ ንኽእል። ክሳብ ኣዚ ዘለናዮ እዋን ስደተኛታት ቀጻሊ ረዲኤት ከምዘይውሃቦም፡ ቀጺሉ’ውን ክሳብ ሕጂውን ናብ ወጻኢ ሃገር ንምስፋር ዕድል ከምዘይተዋህቦም ጭብጥታት ኣሎና። ብአንጻሩ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ቁጽሮም ክሳብ ሾመንተ ሽሕ ዝኾኑ ናብ ሳልሳይ ሃገር  ምልአኾም መዛግብ ዩንኤችሲአር ይምስክር።

ደሃይ ሱዳን

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ምናልባት ካብ ኣፍሪቃ ብቀዳምነት ደረጃ ዝስርዑ ኢዮም እንተበልና ከም ኣጋንኖ ኣይቁጸርን ይኸውን። እዚ ማለት ብቑጽሪ ምብዝሖም ጥራይ ዘይኮነስ ፈለምቲ ስደት ኣብ ኣፍሪቃ ምዃኖም ብምግማት ኢዩ። ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብወግዒ ክሳብ 270,000 ይበጽሕ። ኣብ ሸገራብ ዝብሃል መዓስከር ጥራይ ክሳብ 75,000 ምህላዎም ይንገር። እዚ ኣሃዝ’ዚ ንተቀማጦ ከረንን ጊንዳዕን ደሚርካ ዝዳረጎ ይኸውን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበርክዎ ዑደት ፈራይ ሳልሳይ ወለዶ ዝኾኑ ሽማግለ፡ ኣብዚ ነዊሕ ዕድሜኦም ብዙሓት ስደተኛ ናይ ስደት እዋኖም ሓልፉ ክሞቱ፡ ዝወለድዎም ኣብ ሽምግልና ዝበጽሑ ከምዘለዉ ኣዘንተዉለይ። ብሓጺሩ ሳልሳይ ወለዶ ዘቕጸሩ ኢዮም። ክንርድኦ ዝግባእ ካብ ተወሰነ ግዜ መሰል ስደተኛ ከም ዝንፈገካ ኢዩ። ብሕልፊ ናይ ምፍላስካ ጠንቂ ዝኾነ ሓድሕድ ውግእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዞቡ ምስ ዝበጽሕ፡ ትጽቢት መጽወትኻ ናብ ሃገርካ ምምላስ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዝወሃበካ ህጹጽ ረዲኤት ብአጋኡ ተቆጽዩ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ኮንካ ሂወትካ ትመርሕ። ዘጓነፈካ ሰንፈላል ኣብ ጥርዙ ዝበጽሕ ድማ ንሃገርካ ንምምላስ ዘሎካ ዕድል እናምህመነ ምስ ዝኸይድ ኢዩ። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠሞም ድቦላ ድማ፡ እዚ ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ዝተተኽለ መንግስቲ መዳሕንቶም ኣብ ዝተቐብረሉ መሬት ንኽይምለሱ ብዝገበሮ መሰናኽል ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ብረዲኤት ዩንኤችሲአር  ተሰንዮም ሂወቶም ዝመርሑ ስደተኛታት ቅጽሪ ኣዝዩ ዉሑድ ኢዩ። እቲ ዝተረፈ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ማእሪሩ ይነብር። ናብራ ኣይትበሎ፣ ናብራ ህበይ።

ከም ኣብ ማንም ናይ ስደተኛታት መዓስከር ዘጓንፉ ናይ ሂወት ሽግራት ኣብ ሱዳንውን ብዓቢኡ ኣንጋሕጢጦም ይርከቡ። እቶም ሽግራት ከም ኣገዳስነቶም እንተዘይተወስዱ ድማ ንምፍትሖም ይትረፍ ቆጺርካውን ዘይውድኡ ስለ ዝኾኑ ካብ ኣቕጣጫካ ኣስሒቶም ኣብ ዘርምዘርሞ ወይ አብ ክትወጾ ዘይትኽእል መዓሙቕ ይሸኽሉኻ። በዚ ምክንያት’ዚ እቶም ብዓቅሚ ነፍሲ ወከፍና ክብድሁ ዝኽእሉ ነገራት ምስማይ ንግደድ።  እምበአርከስ ካብቶም ኣገደስቲ ተባሂሎም ዝርቁሑ ሕክምናን ቤት ትምህርትን ኢዮም። ምስ ዶር. ከሊፋ ሳልሕ ሞሃድ ኣብ ዝገበርክዎ ርክባት እቶም ቀንዲ ኣሸጋሪ ሕማማት ከም ሽኮርያ፣ ዓሶ ከምኡ’ውን ካብ ዘይንጹህ ማይ ምስታይ ዘስዕቡ ሕማምት  ይኾኑ። ነዞም ሕማምት ንምቕላስ ወይ ንምዕጋስ ድማ ናይ መድሃኒት ኣቕርቦት ኣዝዩ ይሓጽር። ርግጽ ኣብቶም ጉዙፋት መዓስከራት ኣለይቲ ክንክን ጥዕና ኣለዉ። ብዘይ መድሃኒትን ካልእ መሳርሒ ሕክምናን ግን ህላዌ እቶም ተኸናኸንቲ ጥዕና ፋይዳ የብሉን። እንኮላይ ናይ ዶር. ከሊፋ ሙልእ ተወፋይነት ወሲኽካ። እዚ ኣብ መንጎ መንእሰይን ኣዛውንትን ዕድመ ዝርከብ ሓኪም ኤርትራዊ ብሕጻንነቱ ዝተሰደ ኮይኑ ኣቦ ወንበር ናይ ኤርትራውያን ናይ ሕክምና ሰብ ሞያ ኣብ ሱዳን ኢዩ። ኣብ ርእስ’ዚ ፉሉያት ብኤድስን ብኮላሊት ሕማም ዝሳቐዩ ምህላዎም እቲ ዶር. ይገልጽ።

ብሕክምና መዳይ ካብ ዘድልዩ ነገራት ብኽፋል፡-

1) ንዓሶ ዝከላኸሉ መድሃኒታት

2) ኣንጻር ሽኮርያ ኢንሱሊን ብልቃጣት

3) ኣብ ማይ ዝንስነሱ ጸረ ብዓይኒ ዘይራአዩ ህዋሳት ከኒናታት ወይ ሓሪጭ

ብዝተረፈ ብህያብ ወይ ብወፈያ ክርከቡ ዝኽእሉ ግንከስ ብቀጻሊ ሙሉእ ኣገልግሎት ንኽህቡ ድማ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዘድልዮም ከምኒ ሓንቲ ኦቶብላንሳ ከምኡውን  ኮላሊት ተጻሪ መሳርያ (kidney dialysis) ከም ዘድሊ ዶር. ከሊፋ ይገልጽ። ንመረድእታ ዝአክል ሓንቲ ብጸይቲ ተቐማጢት ጀርመን ወ/ሮ አሕላም ኮላሊት እተጻሪ መሳርያ ብወፈያ  ረኺባ ከተብቕዕ ስአን መጓዓዓዝያን ከምኡውን ብዘጋጠመ ሽግር ቢሮክራሲ ኣብ ሱዳን ጻዓታ ፍረ ከይገበረ በርዓነ። ዝኾነ ኮይኑ ዓቕማ ብዝፈቐዶ መንገዲ መድሃኒት ኣወፍያትሎም ንሃገራ ተመልሰት።

ካልእ ከም ወሳኒ ኮይኑ ዝቐረበ ሕቶ ቤት ትምህርቲ ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ ኩለን መዓስከራት ሱዳን ክንዮ 8ይ ክፍሊ ዝውሃብ ደረጃ ትምህርቲ የብለንን። እቶም ኣብ ገበታ ትምህርቲ ንኽሳተፉ ዕድል ዘለዎም ተማሃሮ ዉሱን ኮይኑ ናብ ካልአይ ደረጃ ዝመጣጠሩ ተማሃሮ እንተሃለዉ ካብ ካምፕ ወጻኢ ዝርከባ ከተማታት ክኸዱ ይግደዱ። እዘን ብማከላይ ደረጃ ዝተዓደላ ከተማታት ሱዳን ድማ ካብ 50 ክሳብ 100ኪሎመትር ካብ ካምፕ ሪሒቐን ይርከባ። እዚ ማለት ብተዛማዲ ካብ ጡጡሕ መነባብሮ  ዘለዎም ቤተሰብ ዘይውለዱ ተመሃሮ ንኻልአይ ደረጀ ቤት ትምህርቲ ንምኻድ ዘለዎም ዕድል እምንቲ ይኸውን። ብግምት ድማ ዳርጋ ፍርቂ ተመሃሮ ዕድሎም ተቖጽዩ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሕዎ ካብ መባእታ ሓሊፉ ናብ ማእከላይ ደርጃ ኮይኑ ይውሰን.። ዘይተወቕረ ነየጥህን ዘይተማህረ ነየድሕን ዝብሃል ምስላ ኣቦታት ነዚ ኣብ መዓስከራት ሱዳን ዘሎ ዋሕዲ ትምህርቲ ብንጹር ይገልጾ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቶም ብዓይኒ ሞኵባዕቲ ተጸሚቖም ካልአይ ደረጃ ትምህርቲ ዝውድኡ ተማሃሮ ናብ ዩኒቨርስቲ ንምእታው ዘሎዎም ዕድል ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል። ክንግንዘቦ ዘለና ነገር ኣንተሃልዩ ንዋይ ብምስአን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሕጋዊ መሰናኽላት’ውን ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ስደት ተወሊዱ ብሸፈጥ እንተዝይኮነ ብሕጊ ዜግነት ዝተውህቦ ኤርትራዊ የሎን። ሱዳን ክሳብ ሰለስት ሚእቲ ሽሕ ሰብ ተተአናግድ’ምበር መሰል ስደተኛታት ከምዘይትሕሉ ስውር ኣይኮነን። የግዳስ ስደተኛታት ንዘተፈላለየ ብልሽውና ተቃሊዖም፡ ግዳይ ሰርጀንትን፣ ተሓዝ መዛግብትን፣ ዳኛታት ሱዳን ኮይኖም ይርከቡ።

ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ሕዳር ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝአተዉ ስደተኛታት ቅጽሪ ብርግጽ 1,500 ኢዮም። ካብ ሰለስተ ዓመት ዘይበዝሕ ጊዜ ዝተመስረተት ሓዳስ መዕቆቢት ዓዲ ሓሪሽ ጥራይ ክሳብ 14,000 ተቐማጦ ምእንጋዳ ይንገር። መብዛሕቶም ስደተኛታት መንእሰያት እኳ እንተኮኑ ብመጠኑ ትሕቲ ዕድመን ኣረጋውያንን ይርከብዎም። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ስደተኛታት ካምፕ ምስ ክልተ ሆላንዳውያን ብጾቱ ዑደት ዘካየደ ሃብቶም ዮውሃንስ ከም ዝገለጾ ኣደ ሸሞንተ ቆሉዑ ታሽዓዮም ኣብ ካምፕ ዝተወልደ ናጽላ ኵነታታ ሓቲቱ ከምዝተረደአ፣ ብናብራ ተማሪራ ምስ በዓል ቤታ ዓዶም ራሕሪሖም ከም ዝተሰዱ ኣጻወተቶ። እቲ ዘሕዝን ግን ምኽንያት ናይ መንእሰያት ካብ ሃገር ምፍላስ ኢዩ።  መንእሰያት ካብ ሃገር ምፍላስ ዳርጋ ኣድማሳዊ መልሲ ኮይኑ ዝርከብ ‘ እቲ ዓዲ ተስፋ ስኢናሉ ‘ ኢዩ። ካብ ተስፋ ምቑራጽ ዝተላዕለ ድማ ዓይኖም ከይሓሰዮ ዝብልዔ ይብላዓኒ ብማለት ጉዕዞኦም ይቕጽሉ። እቲ ዘሕዝን ድማ መብዛሕቶም ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመስሪቱ ዝርከብ ስደተኛታት መዓስከር ክድስክሉ ብመጠኑ ድማ ግዳይ ዘረፋን፡ ቕትለትን፣ማእሰርትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብዘይፍቓዶም ናውቲ ሰውነቶም ብሸፋቱን ተሓባበርቶም ናይ ዓለምለኸ ማፍያታት ክምእረር ንዕዘብ። እዚ ኵነታት’ዚ ብርግጽ ከምዘጋጥም  ብዓኮሴኤን (ICER) ብኻልኣት ግብረ ሰናይት ማሕበራት ብተደጋግሚ’ኳ እንተተነግረ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸማም እዝኒ ወዲቑ ይርከብ። ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዝርከቡ ቤተሰቦም ኣብ ምፍላስ መንእሰያት ብሕልፊ ካብ ስደተኛታት ካምፕ ንኽወጹ ዝገብርዎ ምትብብዓት ኣዝዩ ኣሰካፊ ኮይኑ ንረኽቦ። ምናልባት እቶም 1,500 ዶላር ከፊሎም ደቖም ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን መሪቖም ዘፋንዉ ቤተሰብ ገበኖም ዕሽሽ ክብሃል ይክአል። ምኽንያቱ ኣብ’ዚ እዋንዚ ኣብ  ኤርትራ ምቕማጥ ከም ገሃንመ እሳት ኮይኑ ስለ ዝርአዮም ይኸውን።  ርግፅ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ እታ ብታሻዓይቲ ሲኦል እትምሰል ናይ ዳንተ ኢንፈርኖ ስለ ዝኾነት ኢዩ። ግንከስ ንእልፊ ሕሊና ዘይብሉም  ህግደፋውያን ሰብ ጹሩራን፣ ንሓተላ ኤርትራውያን ዜጋታትን፣ ንሽፋቱ ሱዳንን ረሻይዳን ጁባ ካብ ምስሳን እቲ ካብ 1,500 ክሳብ 30,000 ዶላር ዝግመት ናይ ደም ገንዘብ ናብ ምምሕያሽ ናብራ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን እንተዝውዕል’ዶ ኣይመሓሸን?

መሬት ወጊሑ ኣብ ሃገሮም ክሳብ ዝምለሱ ክንግብሮ ዝግበአና ብዙሕ ኣሎ። ቅድሚ  ሕጂ እቶም ከም ዘላቒ መፍትሒ ዘይኮነስ ከም መጠበሪ ግንከስ ኣድላይ ተባሂሎም ዝግመቱ ነገራት ብመንገዲ ICER ተሓቢሩ ነይሩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን ብትሽዓተ መንእሰያት (ቶማስ ሰለሞን) ዝተበገስ ፕሮጀክት ድጋፍ ንኽረክብ ብተደጋጋሚ ምሕጽንታ ምቕራብና ይዝከር። ክስትውዓል ዘለዎ እቲ ብዓለምለኸ ማሕበራት ዝውፈ ሓገዛትን ረዲኤታትን ተወሳኺ ድአምበር ምሉእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ጉዳይ ስደታኛታት፡ ጉዳይ እቲ ወዲ ሃገር ኢየ ብሃላይ (ፈታውን ተጻራርን መንግስቲ ብዘየግድስ) ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ነዚ ዝርስዕ ዜግነቱ ኣብ ሑጻ ከም ዝመስረተ ባዶሽ ይምሰል።

ብዶሆታትና ብኽፋል ከምዞም ዝስዕቡ ኢዮም። ብወልቀሰብ ይኹን ብውዳቤ መልክዕ ከአ ክፍትሑ ይኽእሉ።

ሱዳን

1) እቶም ንነዊሕ እዋናት ድራር ዕለት ተነፊግዎም ካብ ¾ ንላዕሊ ዝኾኑ ኤርትራውያን ሰፋሮ መዕቖቢ ሸጋራብ፣ ስታወዕሽሪን፣ ዓውድያ ወዘተ፡ ዩኤኔችሲአር ኣቓልቦ ሂቡ እቲ ዘየምውት ዘየሕዊ ራሽን ክዕደሎም ብርቱዕ ጎስጓስ ምክያድ።

2) ንዓሶ ዝከላኸሉ መድሃኒታት፡ኣንጻር ሽኮርያ ኢንሱሊን ብልቃጣት፡ ኣንጻር ብዓይኒ ዘይራአዩ ህዋሳት ኣብ ማይ ዝንስነሱ ከኒናታት ወይ ሓሪጭ

3) ንኾላሊት እተጽሪ ማሺን- ወይ ተገዚኡ ወይ ብወፈያ- ምልጋስ

4) ኣውቶብላንሳ-ወይ ተገዚኡ ወይ ብወፈያ- ምቕራብ

( እዚ ብድሆ’ዚ ብሕልፊ ነቶም ብሕክምና ሞያ ተዋፊሮም ዝርከቡ ሰባት በቐዳምነት ይምልከት። ሁጹጽነቱ ብምስትውዓል ድማ ከተሓባብሩ፣ ወፈያ ክሓቱ፣ ግዴታኦም ይኸውን)

5) ንተወሰነ ጊዜ ብወለንታ ዘገልግሉ ሓኻይምን ኣለይቲ ሑሙማትን ኣገዳስነቶም ዑዙዝ ኢዩ።

6) ዝወሰደ ጊዜ ይውሰድ ብዘየገድስ፡ ሓንቲ ማእከላይ ደረጃ ኣብታ ዓባይ መዓስከር ዝስረሓሉ ሜላታት ሃሰውሰው ምብል።

 

ኢትዮጵያ

1- ህዝባዊ ኣደራሽ

1.1 ቤተ መጻሕፍቲ

1.2 ኢንተርነት መደበር

1.3 ኢንፎርማሺን ማእከል

1.4 ማሕበረ ሰብአዊ ኣገልግሎት ዝውፍያ ቢሮታት

 

2. መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ንሕጻናት

 

3. ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ

3.1   ሹዱሽተ ኮምፕዩተራት( ኣዲስ ኣበባ፡ መቐለ፡ ሰመራ)

3.2   ሰለስተ ኮፔራት(Xerox)

3.3 ሰለስተ ሓተምቲ(printers)

 

*እዚ ኣብ ደብረማርቆስን፡ ባሕረ ዳርን ደሴን ዩኒቨርስታት ዝተመዝገቡ ተመሃሮ ዘይምልከት ኢዩ።

** ብዛዕባ’ዞም አብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ፕሮጀክትታት ንምውካስ ኣብ ታሕቲ ዝተመልከቱ ኣድራሻታት ተጠቐም(ሚ)።

 

Sudan Project

Dr. Khalifa Salah Mohd

Physician, University of Sudan

Tel.  249122448859

e-mail. This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

OR This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

Ethiopian Project

Tomas Solomon & Efrem Khasai

www.urer.org

Tel. 202 718 o889

 

ICER

www.iceritreanrefugees.org

Tel.  202 568 6508

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...