መውዳእታ ሳልሳይ ክፋል፡

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝተኻየደ ኣኸባታት ኣሳያይማኡ ኮታ ኣጸዋውዓኡ ብዘየገድስ እወንታውን ኣሉታውን ውጽኢታት ኣለዎ ብማለት ወስ ኣቢለ ምንባረይ ዝዝከር እዩ። ዘይሓንኽ መንቀልወጥስ መመሪጹ ኣሔርጉቱኒ ይብል እዩ ነገራቱ፣ ብባህልና ኪዳን ዝኸበረ ዘይዝንጠል ጥምረ-ሓሳብ ዘጠቓለለ ኮይኑ ከምኡ´ውን ውዕሎ መጋባእያታት ዝትከለሉን ዝንቀለሉን ካብ ዝኹነ ይኹን ናይ ባዕዲ ቃል ዘይተዳቃለ ሕጻብና ጽንቃቕና እዩ። እንተኾነ ግን ባህላዊ መበቆሉ ዘቆናጽብ እንተደኣ ዓብሊልዎ ኩነታት እናተበላሸወ፡ እናተዘረገ ይኸይድሞ ትርጉም ስኢኑ ይሃስስ።

ክንዲ ዝኾነ ህዝቢ ንምድንጋር ዘይድፈር ምሩጽ ቃላት ናይ ህዝቢ ተጠቒሞም ዝተፈላለዩ ዘይራኸቡ ክንሶም ኪዳን መስሪትና እናበሉ ነጋሪቶም ደሰቑ፡ ስማ ዝሃገርኩም ዕልማውን መጃሂድንስ በየናይ መዓቀኒ እዮም ኪዳን ክምስርቱ ዝኽእሉ። ናይ ሓባር ጸላኢ እንተልዩካ ግን ንጊዜኡ ክትላፈን ይከኣል እዩ። ነዚ ኣበሃህላዚ ኣብ እዋኑ መሊሰሉ ነይረ። ቀጺሎም’ውን ሃገራዊ ዋዕላ ክብሉ ሰጋእ ኣይበሉን ነዚ’ውን ኣብ እዋኑ መሊሰሉ። ብትንቢት ቃላት መሪጽካ እትስድሮ ስድሪ ኣሎ ድዩ፤

ብወገነይ የለን በሃላይ እየ።

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፣ ንኹነታት ከከምኣመጻጽኣኡ ከምዘለዎ ከተቐምጦ ይግባእ። ምኽንያቱ ካብ ተርእዮ ሓቂታት ከይውጻእ። ኣኸባ ብሩክስልስ(በልጅም) ብሓቂ ንረብሓን ጠቕምን ህዝቢ ኤርትራ ተወጢኑ እንተዝነብር ነቲ ናይ ሓባር ጽላል ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝኣከበ ብስም ኪዳን ዝጽዋዕ ኣመራርሓኡ ክዕደም ነይርዎ። እንተኾነ ግን ብመንጽሩ ብሒል-ጎቦ  ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኣቶ ወልድየሱስ ዓማር ኣባል ኪዳን ክንሱ ሰልፉ’ሞ ኣብቲ መሪሕነት ኪዳን ኣብ-ዘይነበረሉ ናብቲ ኣኸባ ተዓዲሙ ብምስታፉ፡ ነቲ ዝነበረ ውሽጣዊ ሓምሎግሎግ  ዝነበር መጋረጃኡ ቀዲዱ ንግዳም ኣቃሊዕዎ።

መሪሕነት ኪዳን ነዚ ነቓዕዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኺቡ ነቲ ካብ ቅድም ኣትሒዙ ብኹሉ ወገናት ዝድፈኣሉ ዝነበረ ንናይ ሓባር ኣኸባ(ውዕሎ) ኣብ ረብሓኡ ከውዕሎ ኮታ ሕነ መፍደይ ኣኸባ ብሩክስልስ(በልጅም) ክጥቀመሉ ተጻደፈ።

ገይርዎ ከኣ፣ ካብዚ ብምምርካስ ነፍሲ ኣኸባ ብምምዛን፡ ነዚ ዕጹው ማዕጾ’ዚ ንምርሓው፡ ካብ ሓልፈ-ዘብጢ ሓደጋታት ንምድሓን ገለ ግዱሳት ኣብቲ ቦታ ዝተራኸብና ገለ ነገራት ንግበር ተበሃሃልና’ሞ ነዚ ዝስዕብ ውጥን ኣናፈስና።

ኣኸባ(ውዕሎ) ኣዲስ ኣበባ ካብ ሻራይ ሻራኻ ነጻ ዝነበርና ሰባት ናብ ናይ ህዝቢ ረብሓ ንኽንቅይሮ ዝከኣለና ጻዕሪ ኣካይድና እንተኮነ ግን ጉሒላ ወዲ-ዓዲ ከሎ ማዕጾኻ ኣይትዕጾ ኮይኑ ነገራቱ፣ ናብ ዕዳጋ ዘውረድናያ ሓሳባት ዝነበረት ጸባብ ቤት ምኽሪ ብሕጊ ዝተመሃሩ ካብ ዓሰርተ ዘይበዝሑ፡ ብኤርትራውያን ጥራሕ ዝምወሉ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ተጽዕኖ ነጻ ዝኾኑ፡ ፖለቲካዊ ሻርነት ጽልዋ ዘይብሎምሞ ነዚ ኣብ ደገ ተሪፉ ዘሎ ካብ ውልቀ ጀሚርካ ክሳብ ዝተወደቡ ሓይልታት ኣወሃሂዳ ካልኣይ ኣኸባ( ውዕሎ)ከተዳሉ፡ ኪዳን ከኣ ፖለቲካዊ መሪሕ ግደኣ እናተጻወተት ውሽጣዊ ግርጫታታ ሰሪዓ ዳግም ብምዕብል ዝበለ ኣገባብ ኣኸባ( ውዕሎ) ኣካይድና ነጋሪት ትንሳኤ ሓርነት ክንወቅዕ ከለና ንውርደት ዝተቓለዔ ህዝብና ኣብ ደገ ዘሎ ኮነ ኣብ ውሽጢ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቅበሎሞ ብቢዝዓቑሙ ሓሓንቲ ጸጸር ጸረ ህግደፍ ደርብዩ ካብቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኣደራዕ ክናገፍ ዝብል እዩ ነይሩ እቲ  መደብ።

ኣብቲ እዋንቲ ዘስግኣና ዝነበረ ኣጸቢቑ ከምዚ ሎሚ ተጋፊሕዎ ዘሎ ኩነታት ንኸይበጽሕ ብውልደኡ ከሎ ቆጺና መደብ ከነትሕዞ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ብህልኽ ዝተፋሕሰ ሽርሒ ክሳብ ዘይተፈወሰ እቲ ኩነታት መመሊሱ እዩ ክተሓላለኽ ምበር ዘምጽኦ ፍታሕ ኣይክህሉን።

ካልኦት’ውን ነዚ ኣብ ግዳም ተሪፉ ዝነበረ ሓይልታት ገዲፎም ከምዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ምሽብሻብ ባይቶ ከቑም ዝሓለኑ ኣይተሰኣኑን።

ነዚ ኩሉ ዝዋፈር ዝነበረ ነገራት እቶም ወነንቲ ኣኸባ (ውዕሎ)ንዓታቶም ክትንክፍ ዝኽእል ነገራት ኮት ባህ ዘየብል ብስሩዓቶም ኣቢሎም ይቆጻጸርዎ ስለ ዝነበሩ ዋላ ሓንቲ ነገር ክግበር ኣይተኻኣለን። ምኽንያቱ እግርን ኮበሮን ነንበይኑ ስለ ዝነበረ፡ ካልእስ ይትረፍ ሰክረታርያ ባዕላትና መሪጽናልኩም ኣለና ክብሉና እካ ዘይሓፈሩ፣ ብኽንደይ ውረድ ደይብ ዝመረጽናያ ስክረታርያውን ካብቲ ንሳቶም ዝወጠኑላ ፈልከት ኣይበለትን። ናይ መወዳእታ ጽማቕ  ዝነበረ ክትዕት እዩ ተነፍዩ  ክቐርብ ዝነበሮ እንተኮነ ግን ብኣንጻሩ ኮይኑ። ሓቂዶ ሓሶት ሃይለማርያም  ተስፋይ፤ ዘይጸዓድ ጊዜ ንኹሉ ዝተኻየደ ሓብሎቕሎቕ ጽባሕ ኣብ ኣደባባይ ከሳጥሖ እዩ።

እዚ ኮነ እቲ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ እቲ ካብ ዓቑሙ ንላዕሊ ስም ተዋሂብዎ ዘሎ ጉባኤ ከፍሪ ድዩ ወይስ ኣይፋሉ ከካየድ እዩ። ዝካየድ ዘሎ ምሕብላቕ ተፈጺሑ ዘይጸሪ ምኻኑ ዘካይዶ ዘሎ ሓጎጽጎጽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ቆርበት መዓስ ተባላሽያ ኣብ ምስጣሓ፣ ኣይፋል! ኣብ ምልፋዓ፣ ኣይፋል! መዓስ ደኣ ኣብ ምጥባሓ እያ ተበላሽያ እዩ ነገራቱ። መፈለምታኡ ዘይጠቀወ ውጽኢት ከምጽእ ኢልካ ምጽባይ ነብስኻ ምትዕሽሻው ጥራሕ እዩ። ዝተፈጸመ ጉባኤ ንበሎ ወይስ ኣኸባ ዕዉት ነይሩ እናበለካ ዓጀውጀው ምባል ዘይተርፍ እዩ። እዚ ሕልኩስ ኣበሃህላዚ ንዓና ኣእሪጉስ ናብ ደቅና ይሰጋገር ምህላዉ እዩ ዘሕዝን።

ኣስተውዕሉ’ሞ ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፣ ዘይዝኑባት ምእዙዛት ብሓቂ ነጻ ሽማግለ እንተዝነብሩ ስለምንታይ ኣብታ ዝተውሰነትላ ዕለት ጉባኤኦም ዘየቃንዑ፤ ኣብ ሓደ ወርሒ ክማላእ ዝከኣል ነገራት ኣሎዶ ይመስለኩም፤ እዛ ብርኩታስ እምኒ ኣላታ ደኣ ኮይኑ’ምበር ወይ ከኣ  ነኣይ ነጭዋስ ናብለቖታ፣ ንዓና ውጺዑና ዘሎ ዘይምብዛሕና ዘይኮነስ ዘይንረብሕ ኣብ ሻራይ ሻራኻ ተጸሚድና ጸረ ምዕብልና ንሃልል ስለ ዝኾና እዩ።

መደምደምታ

እዚ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ኣኸባ (ጉባኤ) ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን ኣኸባ ኣዲስ ኣበባ(ውዕሎ) በጨቕ ዘብልዎ ዝነበሩ ባይቶ ዝብል እንተ ኣቑሞም ኤርትራ ኣብ ዳግም ሓደጋ ይንቑትዋ ምህላዎም ዘይምዝንጋዕ። ካብቲ ዝሓለፈ ኣኸባ ዘይመምሃሪኦም ዘሕዝን እዩ። ዋላካ ነቲ ኣኸባኛ ዓምጺጾም ዝድልይዎ ክፍጽሙ እንተከኣሉ ብዘይካ ባዕላቶምን ስሩዓቶምን ዝበዝሕ ኣኸበኛ ሕጉስ ከም ዘይነበረ ካብቲ ዝካየድ ዝነበረ ዕጉምጉም ክምዘን ይከኣል እዩ።

እወንታውነት ኣኸባ(ውዕሎ) ኣዲስ ኣበባ፥ ዳርጋ መብዛሕቲኡ ዝነበረ ኣኸበኛ  ኮታ ኣብ ሻራይ ሻራኻ ዘይተመሮገ ናይ ሓድነቱ እምነ-ኩርናዕ ኣቐሚጡ ክበሃል ይከኣል፣ ንመናድቕ ዘይምትእምማን ሰቢርዎ፣ ብኽብሪ ተጸዋዊሩ ይደማመጽ ነይሩ፣ ቀንዲ ነቶም ብሃይማኖትን ብሀርን ክንግዱ ዝቃለሱ ዘለዉ ሕርሕራይ ጌሩ ነዲፉዎም እዩ።

ኣሉታውነቱ ጌና’ውን ዝቕጽልዎ ዘለዉ ህዝቢ ከበሳ ብዋጋ ኢሰያስ ንኻልኦት ብሀራት ይጭፍጭፈን ምህላዉ ክገልጹ ከለዉ ክትሰምዕ ከለኻ ትዕግስትኻ የውደኣካ። ብፍላይ ከኣ ደቂ ከበሳ ኢና በሃልቲ ብኣሕዋትና ኣስላም ሓለፋ ተፈታውነት ከጥርዩ ኣፎም መሊኦም ክንደላሕቑ ክትሰምዕ ከለኻ ምስ ኣእምሮኦም ዶ’ምበር ኣለዉ የብለካ።

እዚ ኮነ እቲ  ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓዲታት ጀሚሩ ክሳብ ኣውራጃታቱ ባዕሉ ሽማግለታቱ መሪጹ  ኣብ ዝገብሮ ሃገራዊ ውዕሎ እዩ ሃገራዊ ውዕሎ ክበሃል ዝከኣል። ብስም ህዝብን ሃገርን ላግጺ ክሳብ መዓስ እዩ። መንእሰይ ዋና ሃገር ንስኻ ስለ ዝኾንካ ዝሓለፈ ይኣክል ብማለት ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ሻራይ ሻራኻ ኢድካ ከይሓወስካ ናይ ባዕልኻ ሃገራዊ ጎደና ድሕነት ክትጸርግ ተጫኖ። ዝድህከካ ዘሎ ውርደት ብዘይንሕስያ ኣልሚምካ ክትኩስትሮ ዘየላቡ ወቕቲ ይጽውዓካ እንሆ’ሞ ክትብድሆ ጾታዊ ፍልልይ ዘይብሉ ኢድ-ንኢድ ተታሒዝካ ተላዓል።

 

ገብረሂወት ወልደሚካኤል

2011/11/14 ስቶክሆልም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...