ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘለኹም ኤርትራውያን ሰላምታይ ይብጻሕኩም

እዛ ርእሰ ጹሑፈይ፡ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ሱዳን ኣብዝነበርኩሉ፡ ሓደ ኣዝየ ዝፈትዎ ዓርከይ መኻፍልቲ ራህዋይን ጸበባይን ዝኾነ ፍስሃ ዝተባህለ ዘዕለለኒ መስሓቕን ቁምነገር ዘለዋን ዳእላ ዘይኮነት ኩውንቲ ዕላል ኢየ ከካፍለኩም።

ዓመቱ ኣብ መጀመርታ 1987 ዓ.ም.ፈ. ኮይኑ፡ ካርቱም ምስ ኣተኹ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኢና ምስ ፍሳሃ ተራኺብና። ይኹን እምበር ምስ ፍሳሃ ደቂ ጎዶቦ ኢና። ኣነን ፍሳሃን ብዕድመ መሳቱ ኢና።  እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ሂወተይ ክዝክሮ ደስታ ዝፈጥረለይን፡ ከም መንነተይ ውን ኣዝየ ዝሕበነሉ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዘይተበከለ ንፋስን ባህልን፡ ስነ ምግባርን ቋንቋን፡ ሙዕቡልን ፍትሓውን ሕብረተሰብ፡ ኣብ ገጠር ከበሳ ኢየ ተወሊደን ዓብየን።

ስለ’ዚ ሌላና ምስ ፍሳሃ፡ ከም ደቂ ጎዶቦ፡ ወለድና ማለት፡ ኣቦ ፍስሃን ኣቦይን ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ጡቡቕ ዕርክነት ስለ ዝነበሮም፡ እቲ ዕርክነቶም ድማ ናብቶም ዝወለዱና ደቆም፡ ናብተን ዓበይቲ ኣሕዋትናን፡ ናባይን ናብ ፍስሃን ስለ ዝተሰጋገረ፡ ዕርክነትና ኣብ ኑኡስ ዕድሜና ኢዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ዝቐጸለ ሂወትና ውን፡ ናብቲ ኣብ ሞንጎ እተን ክልተ ዓድታት ዘሎ ሩባ፡ ኣጣልና ኣባጊዕና ኣእዱግና ኣቡዑርና ሒዝና ማይ ከነስቲ ክንወርድ ኮለና፡ ኣእዱግና ዓጊትና ከነሳግር ኣእዱግ ሰሪርና ክንቃዳደም ኣብ ቀላይ ክንሕምብስ ናይ ደስታን ጸወታን ግዜ ነሕልፍ ነበርና ምስ ፍስሃን ምስ ካልኦትን፡ ኣብቲ ናይ ግርህናን ናይ ሕውነትን ናይ ቅንዕናን እዋን።

ዓድና ክርስቲያንን ኣስላምን ዝነብሩላ ዓዲ ኢያ። ኣብቲ ከባቢና ዘለዋ ዓድታት ውን፡ ኣስላምን ክርስቲያንን ዝነብሩለን ዓድታት ኣለዋ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ከም ኣካል መንነቱን ባህሉን፡ ኣብ ግዜ ሓጎሱን ሓዘኑን ሓቢሩ ዝዋስኣሉን ዝታሓጋገዘሉን ኣዝዩ ሙዕቡል ስነ ምግባር ዝውንን ህዝቢ ኢዩ። ገለ ካብኡ፡ ወፈራ ኢዩ፡ ወፈራ ንሓደ ኣባል ናይቲ ዓዲ ወይ ቁሸት ሓገዝ ምስዘድልዮ፡ ብዘይ ክፍሊት ብወለንታ ብተወፋይነት እቲ ህዝቢ ዝዕመም ስራሕ ኮይኑ፡ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣድማዕን ኣፍራይን ባህሊ እቲ ህዝቢ ኢዩ።

ውሑድ ካብቲ ብወፈራ ዝዕመም ስራሓት ንምግላጽ፡ ዘይሕረስ ዝነበረ ቦዱ ቦታ፡ ብወፈራ ጸሪግካ ግራውቲ ምፍጣርን ምዝላይን፡ ብወፈራ ምሕራስን ምዱኳዕን፡ ብወፈራ ዓውዲ መኼዳ ጌርካ ምህርቲ ምሕፋስ። ኮምኡ ውን ኣብ ገዛን ዳስ ናይ መርዓን ምስራሕ፡ ብወፈራ ክልቲኡ እምነታት ብምትሕግጋዝ ኢዩ ዝሰላሰል። እቲ ካልእ ዘሐብን ባህልና፡ ኣነ ኣዝየ ዘፍቅሮ፡ ህዝብና ውን ዘፍቅሮን ሃንቀው ኢሉ ዝጽበዮን፡ ኣብ ሓድነቱን ምክብባሩን  ዓቢ ግደ ዝጻወትን፡ ንግደት ኢዩ። ክልተ ዓይነት ንግደት ድማ ኣሎ፡ ንሱ ድማ፡ ንግደት ናይ ክርስቲያንን ንግደት ናይ ኣስላምን ኢዩ። ናይ ክርስቲያን ንግደት፡ እቲ ኣባዓዕላ ተማሳሳሊ ይኹን እምበር ኣስማት ናይቲ ንግደት ይፈላለ ኢዩ። ውሑድ ንምግላጽ፡ ንግደት ገብሪኤል፡ ምኪኤል፡ ጋብር፡ ማርያም ጽዮን ወ.ዘ.ተ. ክኸውን ኮሎ፡ ናይ ኣስላም ድማ፡ ዓሹራ፡ ኣኸደር፡ ሸኽ ሕቡእን መ.ዘ.ተ.ን ይባሃሉ።

እቲ ክትዝክሮ ዘደፋንቐካ፡ ኣብ ከባቢና ናይ ክርስቲያን ንግደት ክኸውን ኮሎ፡ ኣስላሙ ክርስቲያኑ ናይቲ ከባብን ካብ ሩሑቕን ከይተረፈ ኣዝማድናን ፈተውትናን ኣስላምን ክርስቲያንን ይነግዱና እሞ፡ ሓሪድናን ሽሻይ ኣዳሊናን ኣጋይሽና ብምቕባል፡ ብስምረትን ብሓድነትን ብሓጎስን፡ ሚኪኤለየ ምሳኻ ማዓለየ ዱኳነይ ተኺለ እንዳበልና ነሕልፎ ነበርና። ኣብቲ ናይ ኣስላም ንግደት ድማ ልክዕ ከምቲ ናይ ክርስቲያን፡ ሓሪድናን ሽሻይ ኣዳሊናን ነብዕሎ። ኣዝማድናን ፈተውትናን ኣስላምን ክርስቲያንን እቲ ከባቢ ድማ ይነግዱና ብሓባር ብስምረትን ብሓጎስን ድማ ነብዕሎ ነበርና። ነዚ ዓይነት ሙዕቡል ባህልን መንነትን ዝውንን ኩቡር ህዝቢ፡ ሎሚ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ብበደዊን ከም በለስ ተጠቢሑ ኮላሊቱን ሳምቡኡን ልቡን ክምዝሓቕ መቸም ብምንታይ ኢና ክንገልጾ።

ቅድሚ ናብ’ታ መስሓቕ ዕላል ዓርከይ ፍሳሃ ምምላሰይ፡ ብዛዕባ መንነትካ ምኽባር ክገልጽ ይፈቱ። ንሕና ኤርትራውያን ከምንፈልጦ፡ 85% ህዝቢ ኤርትራ ብማሕረስን ብሞጓሰን ዝነባበር ህዝቢ ኢዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ሰራሕተኛ መንግስትን ዝተፋላለያ ትካላትን ብንግድን ይነባበር። እሞ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ዳኣ፡ ንምንታይ ኢና ገለና ኣብ ገጠር ምውላድናን ምዕባይናን ዘሰክፈናን ዘሕፍረናን፡ ኣብ ከተማ ዘይተወለድናን ዘይዓበናን ክንስና ወትሩ ከም ደቂ ከተማ መሲልና ክንርአ ህርድግ ንብል። ምኽንያቱ ኣብ ገጠር ምውላድን ምዕባይን እኳ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘኹርዕን ዘሐብንን ኣብ ካልእ ኬድካ ዘይትረኽቦ ፍልጠትን ቶሞኩሮን ብልጫታትን ኣለዎ’ዩ። ኣብ ከተማ ምውላድን ምዕባይን ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ዘሐብንን ዘኹርዕን ብልጫታት ኣለዎ’ዩ።

ኣብ ካናዳ ምስ ኣተኹ፡ ኢሚግረሽን ወይ ኣብ ናይ ሓደስቲ ስደተኛታት ቤት ጽሕፈት፡ ምስ ሕብረተሰብ ካናዳ ዘላሊ ኣኼባ ስለ ዝነበረ፡ ቅድሚኡ ንፋለጥን ዘይንፋለጥን ዓበይቲ ናኣሽቱ፡ ኣንስቲ ኣሰብኡት፡ ኣወዳት ኣዋልድ፡ ኣስላም ክርስቲያን፡ ኤርትራውያንን ደቂ ካልእ ሃገራትን ነበርና’ሞ፡ ወረቐት ዓዲሎም መንነትና ንኽንገልጽ ኣዘዙና። ሹዑ 90% ነታ ዝተወለድካሉ ቦታ ትብል ሕቶ፡ ኣስመራ ብምባል መሊሶማ። መብዛሕትኦም ግና ኣብ ኣስመራ ዝተወለዱ ወይ ዝዓበዩ ኣይነበሩን ኣይነበራን ። ሽዑ ሓንቲ ካብቶም ሓለፍቲ ስደተኛታት ጻዕዳ ካናዳዊት ነቲ ዝመላእናዮ ሰነድ በብሓደ ድሕሪ ምፍታሻ፡ ከምዚ ክትብል ሓቲታትና፡ እስከ ኩሉኹም ኣብዚ ዘለኹም ኤርትራውያን ጥራይ ኣእዳውኩም ሓፍ ኣብሉ በለትና፡ ኩሉና ድማ ኣእዳውና ሓፍ ኣበልና፡ ሽዑ ከምዚ ክትብል ሓተተትና፡ ሃገርኩም ከም ኩዌት ሓንቲ ከተማ ጥራይ ዲያ ዘላታ ካልእ ከተማታት ወይ ዓድታት የብልኩምን ምስ በለትና፡ ተጣማሚትካ ፈዘዝ ኮነ።

ድሕሪኡ ገለ ካብቶም እቲ ሓቂ ዝተወለድናሉን ዝዓበናሉን ዓዲ ዝመላእና፡ ከምዚ ክንብል እቲ ሓቂ ገሊጽናላ፡ ህዝቢ ኤርትራ 85% ብማሕረስን ብሞጓሰን ኢዩ ዝነባበር፡ ስለዚ ቡዙሓት ከተማታትን ዓድታትን ድማ ኣለዋና፡ እዚ ተመሊኡ ዘሎ ሰነድ ናይ ዝበዝሑ ጌጋ ኢዩ፡ ግና ብኽፍኣት ኣይኮነን፡ ስለዚ ንርእሰ ከተማ ሃገር ዘይኮነ ነቲ ሓቀኛ ዝተወለድካሉ ቦታ ምግላጽ ኣድላይ ሙዃኑ ኣብርህሎም ኣብርህለን ብምባል ገሊጽናላ፡ ነቶም ኣሕዋትና ኤርትራውያን ውን ብመንነቶም ክሕበኑ ተላቢናዮም።

ብሓቂ ወዲ ሰብ ብዝተወልደሉ ዓዲ ወይ ከተማ ወይ ሃገር ኣይኮነን ዝምዘን። መምዘኒ ሰባት ቁኑዕ ስነምግባርን፡ ሞያን ትምህርትን፡ ፍትወት ስራሕን ኣፍራይነትን ማሃዝነትን ኢዩ። ነዚ ዘረጋግጽ፡ ክንደይ ኢና ኣብ ከተማታት ካብ ሩኹባት ስድራቤት ተወሊድና ከነብቅዕ፡ ነቲ ዝነበረና ጹቡቕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ሓሽሽና፡ ሞያ ይኹን ትምህርቲ ዘይብልና ባዶ ዝተረፍና። ክንደይ ድማ ኣሎ ኣብ ገጠር ተወሊዱ ክንሱ፡ ደድሕሪ ፍልጠት ብምስዓብ ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዙ ወይ ካብ ስድርኡ ተፈልዩ ንኽማሃር፡ ምስ ሰባት ተጸጊዑ ብምንባር ሱኑ ነኺሱ መኪቱ ኣብ ዝብጻሕ ብምብጻሕ ወናን ሞያን ዲግሪታትን ዝኾነ፡ ኣብ ስደት ውን ኮምኡ።

ናብ ዓርከይ ፍስሃ ክምለስ፡ ወላዲኡ ንፍስሃ፡ ኣቦይ ወልዳይ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ምስ ኢታሊያውያን ኣብ ገዛውቲ ምህናጽ ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ኣድናቖት ዘትረፉ ባዓል ሞያ ነበሩ። ምቕማጦም ግና ኩሉ ግዜ ኣብ ዓዶም ከባቢ ኣስመራ ኢዩ። ፍሳሃ ውን ኣይሓመቐን ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ፡ ናብራ ማሕረስን ጉስነትን ጠንጢኑ ናብ ስራሕ ህንጻ ብምድሃብ፡ ካብ ወላዲኡ ብዝቐሰሞ ሞያ ምህናጽ ገዛውቲ፡ ይበል ዘብል ነዳቓይ ኮነ። ነዚ ይበል ዘብል ሞያ ሒዙ ድማ ናብ ሱዳን ቅድመይ ተሰዲዱ ጸንሓኒ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ኣብ መጀመርታ 1987 ናብ ካርቱም ምስ ኣተኹ ድሕሪ 2 ክልተ ወርሒ ኢና ተራኺብና። ድሕሪ ምርኻብና፡ ፍስሃ ምስ ካልእ መታዓብይትና ንዕኡ ወዲ ዓዱ ምስ ዳንኤል ኣራኸበኒ። ቅድሚ ምርኻብና ኣነ ኣብ ሓደ እንዳ ዙሑል መስተ ዝሽየጦ ስራሕ ጀሚረ እኳ እንተነበርኩ ዝረብሕ ስራሕ ኣይነበረን።

ኣብ ዓለም ኣብ ስደት ምስ መታዓብይትኻን ምስ ትፈትዎምን ትኣምኖምን ሰባት ምርኻብ ዝህበካ ፍናንን ተስፋን ዝዓቢ የለን። ስለዚ ፍስሃ ንዳንኤል ኣብቲ ዝሰርሖ ዝነበረ ምህናጽ ኣባይቲ፡ ሙኩር ነዳቓይ ኢዩ ኢሉ ስለ ዘእተዎ ቀጻሊ ብምስራሕ መንደቕ ለሚዱ ነብሱ ክኢሉ ኣብ ጹቡቕ ኩነታት ጸንሓኒ። ንዓይ ውን ከምታ ናይ ዳንኤል፡ ፍስሃ መጀመርታ ሓደ ቅያር ክዳን ጀንጀነኒ፡ ቀጺሉ እቲ ኩሉ ግዜ ክዝክሮ ዘስሕቐኒ፡ ነቲ ዝነበረኒ ስራሕ ገዲፈ ምስኡ ክሰርሕ ምስተሰማማዕና፡ እንታይ ይብለኒ፡ እርግ ዝበለ ኮምፕላስዮኒ ናይ ስራሕ ክዳን ሂቡ ሕጂ ተሪፋ ዘላ እርግ ዝበለት ቆቢዕ መሽረፈት ኢያ ብምባል ቆቢዕ ውን ረኸበለይ፡ ወናም ነዳቓይ ድማ መሰልኩ።

ድሕሪኡ ነቶም ኣስራሕቲ ዋናታት ሱዳናውያን፡ ናዓይ እዚ ኣብ ኤርትራ ፉሉጥ ነዳቓይ ኢዩ፡ ግና ቋንቋ ዓረብ ስለ ዘይፈልጥ ምሳይ ጥራይ ኢዩ ክሰርሕ ብምባል ኣእሚኑዎም ስራሕ ጀመርኩ። ኣነ ግና ብዛዕባ መንደቕ ይኹን ምልማጽ ዝኾነ ኢደ እግሪ ኣይነበረንን። እቲ ክገብርን ተወፋይነት ናይ ስራሕን ግና ኔሩ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ሓገዝን ሓልዮትን ፍስሃ፡ ብዘይ ምሹቕራር፡ ኣብቲ ሃሩርን ዶሮናን፡ ናይ ንእስነትናን ዓድናን ከባቢናን እንዳ ኣዕለልና ማዓስ ጀሚርናን ማዓስ ወዲእናን ይፍለጠና ኣይነበረን። ከምቲ ፈጣሪ ንዝታሓጋገዙን ንዝፋቐሩን ኢየ ዝሕግዝን ዝፈቱን ዝበሎ ኣብ ቁዱስ መጻሕፍቲ፡ ፈጣሪ ነቲ ምትሕግጋዝናን ፍቕርናን ግዲ ተዓዚቡ ኩሉ ይቐንዓና ነበረ።

ሳላ ፈጣርን ሳላ ሓልዮት ፍሳሃን፡ ስራሕ ለሚደዮ ብዘይ ሙቁራጽ ንሾመንተ ወርሒ ድሕሪ ምስራሕ፡ ሃንደበት ካብ ኣዝማደይ ካብ ሱዳን ዘውጽእ ቪዛ ስለ ዝላኣኹለይ፡ ዕረ እንዳ ጣዓመኒ እንዳ ተደፋነቕኩ፡ ካብ ዝፈትዎም ኣሕዋተይ መታዓብይተይ፡ ኣብ ራህዋን ጸበባን መኻፍልተይ ተፈልየ ካብ ዝነብር ዓመታት ሓሊፉ። ብዘይ ቃል ዓለም፡ ኣብ ስደት ከምቲ ምስቶም ካብ ህጻንነተይ መታዓብይተይ ኣሕዋተይ ፍስሃን ዳንኤልን ካልኦትን ሰብ መትከል፡ ኣብ ውራይካ ዝዕጠቑ ኣብ ሽግርካ ዝምክቱ፡ ሓቢርና ዘሕለፍናዮ ሂወት፡ ዝነበረና እምነት፡ ክሳብ ሕጂ ኮምኡ ዓይነት ዕርክነት መስሪተ ኣይፈልጥን።

ናብታ መስሓቕ ዕላል ፍስሃ ክኣቱ፡ ኣብቲ ገጽና ብዶሮና ክዳውንትና ብኖራ ተደፍዲፉ ኮሎ፡ እንዳ ሰራሕና፡ ነታ ዓዲ ጠቒሱ እንታይ ይብለኒ፡ ኣብታ ዓዲ ሓደ ኣዝዩ ዑሉል መታለሊ ሰብኣይ ነበረ፡ እቲ ምትላሉ ድማ ንኹሉ ኮይኑ፡ ነሰብኡት ብምትላል ገንዘብን ንብረትን ተለቂሑ ዘይመልስ፡ ክፍኣትን ሽርሕን ብምምሃዝ ነታ ዓዲ ብምኑቛት ተኸኽ ኣበሎም። ክሳብ ዝፈልጡዎ ድማ ነዊሕ ግዜ ወሰደሎም።  ብዝኸፍአ ግና ናብ ደቂ ኣንስትዮ ዕላማ ዝገበረ ስለ ዝነበረ፡ ነታ ሓንቲ ብሓሶት ክምርዓወኪ’የ  ነተን ካልኦት ምስ ሰብኡተን ብምብኣስ፡ ነተን ዝተረፋ ብሓይሊ ብምዕማጽ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ኣታሊሉ ነደን ንጓላን ብምግሳስ ነታ ዓዲ ኣራኸሳ።  እተን ግዳያት፡ ነቲ መታለሊ ኣብ ቃልዕ ወጺአን ኣግሂደን ስለ ዘይከሰሰኦን ብሕጊ ስለ ዘይተታሕዘን ሱጉምቲ ስለ ዘይተወሰደሉን፡  እቲ ህዝቢ ብሕሜታን ብጥርጣረን ጥራይ ይሓልፎ ስለዝነበረ፡ ወዮ መታለሊ ሰወደን ጸይቅታቱ ቀጸለን ነታ ዓዲ ድማ ብዝኸፍአ ኣራኸሳ።

ኣብ’ታ ዓዲ ሓደ ማዓልቲ ኣንስቲ ማይ ከምጻኣ ናብ ሩባ ምስ ወረዳ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ስለዝነበረት፡ ኣነ’የ ቅድሜኽን በጺሐ ኣነ’የ ቅድም ዕትሮይ ዝመልእ ትብላ ነታ ሓንቲ። እታ ካልእ ሰበይቲ ድማ፡ ኣይፋልክንን ሰናዱ’ዶ ኣይነበርናን፡ ኣነ’የ ቅድሜኽን ዝበጻሕኩ፡ ስለዚ ኣነ’የ ቅድሜኽን ዝመልእ ብምባል ተሃላሊኸን ተናሃሃራ። እቲ ቆዮቛ ምስ በዝሐ እታ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ንሕና ሕተታልና ካብ ውሉድ ዎሎዶና ዝደፍረና ሰብ የለን፡ ሎምስ ድማ ብከምዚ ከማኽን ፎኳስ ምስበለተን፡ ወዮ ሰበይቲ ኣይሓመቓን  ከምዚ ክብላ መለሳለን፡ ንዓይ’ሲ ፎኳስ፡ ኣንትን ጉዳመኛ ዓዲ ብዓዱ ዝፈልጠን፡ ንሰንን ጓለንን ብሓደ ሞኾስ ዝኽወሳ በለተን ንብለኩም።

ስለ’ዚ፡ እዚ ናይ ሃገርና ኩነታት ምስ ትዕዘቦ ድማ፡ ምስ’ቲ መታለሊ ኣንስቲ ዝማሳሰል መታለሊ ገጢሙና ስለ ዘሎ፡ ኣቐዲምና ስለ ዘይፈለጥናዮን ስለ ዘይተንሳእናን ዘይተቓወምናን፡ ብሕጊ ስለ ዘይቀየድናዮን፡ ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ተራኺሳን ማህሚናን፡ ዕሸላት ደቃ ሃገር እሾኽ ምስ ኮነቶም፡ ናብቲ ሃጽ ኢሎም ዝኣተውዎ ጉዕዞ ስደት፡ ከም ስጋ ጉዚ ኩቡር ኣካላቶም ኣብ ሳሃራ ግብጺ ተቖሪጹ ክሽየጥን ደቁ ክዕመጻን ይርከብ። እዚ ናይ ታሪኽና ኩፉእ ትርኢት ከኸትም ብተግባር ኣለና ዘይብል ዝካኣሎ ዘይገብር ወዲ ሃገር፡ ምስ ህሉዋት ክጽብጸብ ኣይግባእን። ምልክን ዓመጽን ድማ ብሱሙር ተቓውሞን ብህዝባዊ ማዕበልን ጥራይ ኢዩ ከኸትም ዝኽእል እምበር፡ ተጸቢኻን ተሓቢእካን ኣይኮነን።

 

ንተቓወምቲ ውድባትን ንህዝቢ ኤርትራን ዘማሓላልፎ መልእኽቲ

ብኣዋጅ ተኣዊጁ ከምዘሎ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ወርሒ 11-2011 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ንተቓወምቲ ውድባቱን ከዘኻኽሮም ዝደሊ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብኢደወነን ሓደ ሰብ፡ ብሓደ ሞኾስ፡ ቡዙሕ መሰላትን መንነትን ንብረትን ኤርትራውያን ብዘይ ድልየትን ፍቓድን ህዝቢ፡ ተጋሂሶምን ተጨፍሊቖምን ስለዘለው፡ ነቶም ዝተጋህሱን ዝተጨፍለቑን መንነትን ዋንነትን መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብደቂቕን ብጥንቃቐን ኣጽኒዑ፡ ነቲ ብውልቀ መላኺ ዝተፈጸመ ጌጋን ገበናትን ኣለሊዩን ኣዐሪዩን፡ ብመትከል ክኣምን ብኣዋጅ ክእውጅ ካብ መንገዲ ጥፍኣት፡ መንገዲ ንኺድ ጥራይ ክቑጠብ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ንሱ፡ ሕቶ መሰል ብሄር ጀበርቲ’ዩ፡፡ ሕቶ መሰል ብሄር ጀበርቲ፡ ይጽናሓልና ዘይባሃል ቀንድን መትንን ህላወ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ተቓወምቲ ውድባት መትከልኩም ከተነጽሩ ታሪኽ ይሓተኩም ኣሎ፡ ምእንቲ ሰላምን ምዕባለን ናይ ጽባሕ ኤርትራ።

ኣብዚ  ከታሓሳስቦም ዝደሊ፡ ንሕና ብሄር ጀበርቲ፡ ቅድሚ ኩሉ ምእንቲ ኤርትራ ዝተበጀናን መስዋእቲ ዝኸፈልና ከምሙዃና መጠን፡ ብመንጽሩ ድማ  ዝተበደልና ኢና። ንሱ ድማ መጀመርታ ብማሕበር ኣንድነት ክኸውን ኮሎ፡ እቲ ካልእ ቡዙሕ ዘይንዛረበሉ ድማ, እቲ ኣብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ) ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብባዓል ሕሸል ኣብ ልዕሊ ሓርበኛታት ደቂ ብሄር ጀበርቲ፡ ደቂ ቀይሕ መሬት መጺእክን እምባኣር እንዳበልካ ዝተፈጸመ ገበናት ቅትለት ኣይረሳዕናዮን። ገለ ካብቶም ግዳያት ንምጥቃስ ሓዎቦታተይ ባዓል ኢማም ሱለይማን፡ ኣሕመድ ዓጣን ይርከቡዎም። ሕጂ ውን፡ ዝኾነ ውድባት ይኹኑ ውልቀሰባት፡ ኣንጻር ምርግጋጽ መሰል ብሄርነት ጀበርቲ ደው ዝብል፡ ካብ ማሕበር ኣንድነትን፡ ካብ ባዓል ሕሸልን፡ ካብ ህግደፍን ፈሊና ከምዘይንሪኦም፡ ንዝኾኑ ተጻባእቲ፡ ኣንጻሮም ብትብዓት ከምንምክት የጠንቅቕ።

ነቲ ካብ ብሄራት ኤርትራ ብብዝሑ ኣብ ሳልሳይ 3ይ ደረጃ ዝስራዕ ብሄር ጀበርቲ፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ደይ መደይ ኢሎም ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዞም፡ ብትምክሕትን ብብደዐን፡ መሕነቒኡ ገመድ፡ መጽደፊኡ ገደል ኣዋዲዶም፡ ኣብቲ ጹሩይ ገጻት ሰነዳት ታሪኹ ጉሓፍ ብሙግሓፍ፡ ኣንጻር ብሄር ጀበርቲ ቡዙሕ ወፍሪ ተኻይዱ’ዩ። ኣብ ድሕሪ ነጻነት ውን ብጋህዲ ከይተረፈ ኢሳይያስ ባዕሉ ኣብ 1993 ኣብ ኣመሪካ ኣኼባ ኣብዝገበረሉ፡ መበገሲ ዘይነበሮ ነቲ ዝቐርበሉ ዝነበረ በዳሂ ሕቶታት ክንዲ ምምላስ፡ ዘሊሉ ናብ ብሄር ጀበርቲ ብምሕላፍ፡ ንሕና’ሞ እንታይ ኢና ክንገብር፡ እቲ ዘገርም እቶም ትግርኛ ተዛረብቲ ኣስላም፡ ነቲ ቋንቋ ትግርኛ ኣይንደልዮን ይብሉ፡ ኣብ ገዛኹም ብምንታይ ትዛረቡ ብዓረብ፡ ሓድሽ ታሪኽ ክትፈጥሩ ብምባል ዘገርም ሃተፍተፍ ንህዝቢ ኣንጻር ብሄር ጀበርቲ ንምቕናዕ ዝተፈጸመ ሰሚዕናን ርኢናን ኢና።

ሕልምታትካ ንምፍጻም፡ መንገደይ ስለ ዝፈልጦ ዕንቅፋት ክኾነኒ ክቃወመኒ ኢዩ ኢልካ ንነብስኻ ስለ ዘእመንካያ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከተናቑቶን ታሪኹ ክትብልልን ከተድንኖን፡ ከተግልሎን እንተኮይኑልካ ድማ ከተጽንቶ ብተግባር እንዳሰራሕካ፡ ንመንነቱን ብሄራዊ መሰሉን ቀንጢጥካ፡ ንኣባላቱ ብምጭዋይን ብምቕታልን ብምህዳድን ከተንበርክኾ ኩሉ ዝካኣለካ ፈጺምካ፡ ተመሊስካ ኣካለይ ኢኻ ክትብሎ፡ ነታ ብዓቐንካን ንዓኻን ጥራይ ዝተሰርሐት ኮቦርታኻ ተጎምጒምካ፡ ንኻልእ ኮቦርታ ኣይግባኣካን’ዩ፡ ንኮቦርታይ ከም ናትካ ሓሲብካ ጥራይ ትም በል ምባል ናይ ነገር ጥዕና ኣይኮነን። ብዘይ ድልየቱ  ነቲ መዘናኻን ማዕሬኻን ዝኾነ ብሄር ጀበርቲ፡ ግዝያዊ ስልጣን ስለ ዝጨበጥካ ጥራይ፡ ንዓለም ኣይትጽርኒ ብምባል፡ ንሕግን ቅዋምን ጸይንካ፡ ንብሄራዊ መንነቱ ደምሲስካ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዘይተተንከፈ ታሪኹ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝርከብ፡ ከም ጎደናታት ኣቦና ፊተውራሪ ዓሊ በኺትን ኣቦና ደጊያት ሓሰን ዓሊን ደምሲስካ፡ ንስኻ ዝመረጽካሉ ሽም ዓዲልካ፡ ፈቲኻ ጸሊእካ ብሽመይ ኢኻ ትጽዋዕ፡ ኣብ ፈረሰይ ተጎርቢትካ ኢኻ ድማ ትነብር፡ ፈረስ ኣየድልየካን’ዩ ብምባልካ፡ ንስኻዶ ኣይኮንካን ሓድሽ ታሪኽ ክትፈጥር ንኮንቱ ትጽዕር ዘለኻ።  ይሰምረልካ’ዶ’ሞ። ህላወ መለኽቲ’ኮ ክሳብ እቲ ዝተገፍዐ ብሓባር ዝላዓል ጥራይ ኢዩ ዕድመኡ። መለኽትን ገፋዕትን ካብ ታሪኽ ዘይማሃሩ ስለዝኾኑ፡ ኩሉ ግዜ ዝሳዓሩን ዝምከቱን ኣይመስሎምን ኢዩ። ስለዚ’ዩ እምባኣር ንኩዉንነት ዝርኢ ዓይንን ዝመዝን ኣእሙሮን ዘይብሎም።

ሓንቲ ብቆልዓይ ኮለኹ ካብ ዓበይቲ ዝሰማዕኩዋ ታሪኽ ከካፍለኩም፡ ኣብ ሓደ ዓዲ መርዓ ነበረ’ሞ፡ ኣሳሳይ ታዓጣቒ ውራይ ኣብ ማእከል ዳስ ተጠሊዑ ከምዚ በለ። ኩቡራት ዑዱማትና ቡልዑልና ስተዩልና፡ ዝጎደለ ክንምልእ ዘየሎ ክንቅርብ ይብሉ ኣለዉ ሰብ ውራይ ይብል’ሞ፡ ግምጥል ኢሉ ናብ ሰራሕቲ ጻሕልን ቀረብቲ ማኣድን ሶሊኹ ብምእታው ድማ፡ ኣንትን ኣንስቲ እንታይ ኢና ንዕዘብ ዘለና ገዛ እምበር ኣጥፊእክንኣ፡ ኣብ ጻሕሊ ስጋ ተብዝሓ ኣለኽን እንጀራ ውን ኣጉድላሉ ብምባል ብምህዳድ ሞኽ ኣበለን ይባሃል። እዚ ምናልባት ኣብ ባህልና ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ መሲልካ ክትረአ ምፍታን ቃል ዓለም ኢዩ ዝባሃል።

ጉጅለ ህግደፍ ድማ ብማዕከናት ዜናታቱ ከምስል ብዛዕባ ህዝብን ሓድነትን ይልፍልፍ እኳ እንተኾነ፡ ብተግባር ግና፡ ከምዚ ዝጠቐስኩዎ ኣሳሳይ መርዓ፡  ህዝቢ ኢሂን ሚሂን ከይባሃሃልን ከይሰምርን ብጉዳዩ ከይዝትን ኣንጻሩ ደው ከይብልን፡ ህግደፍ ከም ሓድነት ህዝቢ ጌሩ ዘባህርሮ ነገር የለን። ስለዚ ብ ኣምሰሉ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ቲ.ቪ. ኤረ ኣይንታለልን ኢና ንብሎ።

ኣብ መደምደምታ፡ ንኩቡራት ተረከብቲ ሃገር መንእሰያት ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ዝወርደኩም ዘሎ፡ ንሰማዒኡ ውን ድቃስ ዝኸልእ ፍጻመታት፡ ተሳቒናን ሓዚናን እኳ እንተሃለና፡ ኣብ ኣመሪካን ኢሮፓን፡ ብገንዘብ፡ ዓቕሚ ናይቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ፡ ነቶም ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ኡጓንዳን ካልኦት ሃገራትን ፋሕ ኢልኩም ዘለኹም እሞ በብማዓልቱ፡ ዘዘይተጸበናዮ፡ ድሕሪ ነጻነት ዝተወለዱ ህጻናት ደደዊሎም ኣነ ወዲ ሓፍትኻ’የ ኣብ ካርቱም ኣለኹ፡ ኣነ ጓል ሓፍትኻ’የ ኣብ ኡጓንዳ ኣለኹ ኣነ ወዲ ሓወቦኻ’የ ኣነ ዓርክኻ’የ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለኹ በጃኻ ርድኣኒ ብምባል፡ ዘየዕርፍ ዘተክዝ መልእኽቲ እንዳመጸ፡ ነቲ ሓደ $100 ነቲ ካልእ ኮምኡ ነታ ካልእ ኮምኡ ዝካኣለና ንገብር እኳ እንተሃለና፡ ዓቕምና ውሱን ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስዚ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው። ስለዚ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሲናይ ዘለኹም፡ $20,000 $40,000 ንሓደ ሰብ ካበይ ይምጻእ።

ስለዚ በጃኻትኩም መንገዲ ጥዕና ዓመት ኪዶ ከምዝባሃል፡ እዛ መገሻ ጥፍኣት መገሻ ሲናይ ፉጹም ክትስረዝ ኣለዋ።

ኣንታ ፈጣሪ ነዚ ግዳይ ዘይሓሰቦ ዝረኸበ ህዝብና ምሕረትካ ኣውርደሉ

ክሳብ ዝመጽእ ጹሑፈይ ንራኸብ ሰላም ቅነ

ስኒት ንሃገራዊ ጉባኤ

ሳልሕ  ዓብደላ

ካብ ለምለም ካናዳ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

10-11-2011 ዓ.ም.ፈ.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...