አብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብናን፣  አብ መላእ ክፍለ ዐለም ከም ደቂ ዘግራ ፋሕ ኢልና ብምብትታን እንነብር ኤርትራውያን ነዚ አብዚ አብ መጨረሻ ናይ‘ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ አብ አ.አ. ኢትዮጵያ ንኽጋባእ ተቖጺሩ ዘሎ „ሀገራዊ ጒባኤና፤“  ብሀንቀውታ ንኹላትና ንድሰተሉ ብሥራት ክንሰምዓላ ብተስፋ እንጽበያ ዘሎና ወርሒ ከምዝኾነት፣ ወገን ህዝቡ ዝኾነ ኩሉ ተቓላሳይ ዝፈልጦ ሐቂ ኢዩ፤ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢና መልእኽትና ንምብጻሕ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ንዐና ወኪሎም ምእንቲ ህዝብና ሠላምን ራህዋን ብደሞክራስያዊ መርሆ አቢሉ መታን ክነግሠሉ ብሐይሊ አምልኽ ክምክቱን ክዘራረቡን፣ ነዞም ፀሃያይ ህዝብና እታ ኩንዶ መዓልቲ ዘይትበጽሕ መሲላቶም ንወዮ „ሀገራዊ ጉባኤ!“ ንሐደ ወርሒ ይናዋሓልና ዝበልዎ።

„መዓልትን ከልብን ከይጸዋኦካዮም ይመጹ!“ ከምዝኾነ ኹሉ፣ ወዮ ክትናውሓሎም ብምፍርራህ ብአስገዳድ  30 መዓልትታት ክቛጸረላ ተጽዕኖ ዝገበሩላስ እንሆ ደበኽ!  ብምባል ሕጂኸ ናብይ? እንታይ ይውሓጥኩም መጻእክኹም‘ምበኣር! „እምባሕ!“ እናበለት ከተፈራርሆም ጀሚራ ስለ ዘላ፣ ነቶም ውሽጣውያን ልኡኻትን ከምኡ‘ውን „ካባ!“ ተቓውሞ ተኸናኒቦም ምስኦም ተሰግሲጎም  ዝመጹን ዕሱባት! „ናይዚ መንደዓት መርገም ህዝብና!“ ብመሸከሎም ብምልላይ፣ አቃሊዖም ጥርሖም አውጺኦም  ከምዝብልልዎምን ከምክፍሽልዎምን፣ ጥራሕ ዘይኮኑ  ነቲ አደራዕ ስቓይ ባርነት ኮይኑ ዘሎ ህዝቦም ሕጂ‘ውን ብሐይሊ እቲ ኩሉ ዘይሰኣኖ ፈጣሪ ፀሓይ ከብሩቑሉ ይኽእሉ ኢዮም ኢልና ብምትእምማን  በብዘለናዮ ሀገራት ወከልትና መሪጽና ኢና።

እቲ ዘገርም ግን „ሐሳውን ስንቅን እናሓደረ ይፈኩስ!“ ከምዝብልዎ አበው፤ ነቲ ዐሚ ከም‘ዚ ሎሚ  ዝተዋዕለ „ ሀገራዊ ዋዕላ፤“ እቶም ሠልፊ ህዝቢ ኢሎም ንነብሶም ዘጠመቑ፣ ንሕና ብእንደልዮ ዐይነት አገባብ እንተዘይኮይኑ አይንውዕሎን ኢና፣ ብምባል ምስ ተሐስሙ፣ ዳርጋ ብምሉኡ ህዝቢ ተቓዊሙዎምስ! ነቲ „ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!“ ብምድጋፍ እቲ ጉዳይ ብተባህለ መዐልቲ ብዐወት ከምዝተዛዘመ፣ ናይ ቀረባ ታሪኽና ኢዩ።

ኮይኑ ግን እዞም ሽዱሽተ ውድባት ኢና በሃልቲ፣ አብ ቅድሚ ህዝቢ ከም ስንቂ ክፈኹሱን፣ „አንድዬ!“ ዕርቃንኩም ውጹ ክብሎምስ፣ ከምቶ ቀዳሞቶም ብሐንቲ ልሳን ንሕና ብንደልዮ አገባብ ጉባኤ እንተዘይተጋቢኡ አይንካፈሎን ኢና ብምባል ዱላኦም ኣልዒሎም ስለዘዋጣወጡ መዓልቲ ኩንዶ ከም ዝተጎተ ጋህዲ ኮይኑ ከምዝነበረ ብጉሁይ ልብና እንዝክሮ ሐቂ ኢዩ፤ ብሐደ ወርሒ ከኣ እንታይ ተንኮል ጎንጒኖም ከም ዝመጹ፤ አብ ምጨረሻ ናይ እዚ ወርሒ ዝርኤ ኢዩ።

ኮይኑ ግን እቲ „ሕንቅል-ሕንቅሊተይ!“ አብ መንጎ እዞም ክልተ ተወዳድውርቲ ገበትቲ ኃይልታት፣ እቲ ሐደ ነቲ ሐደ ማርካ መሊሱ አውዲቑ ብምሕላፍ፣ እቲ ሉጓም ባይቶ አብ ኢዱ ብምጭባጥ፣፣ ንዕኡ ብዝጥዕሞ አቕጣጫ እናጠማዘዘ አብ መደያይቦ ስልጥን መጺኡ፣ ንህዝቢመኽደን መሶብ ብምድፋእ አብ ናይ ሕልሚ ኲረቻ ሥልጣን ቁጢጥ  ምባል ናይ‘ዚ „ምጉዱር፤ መጻጉእ!“ ተካእቲ ብሙኻን ነቲ ፀልማት ባርነታዊ ሥርዓት ቀጸልቲ ኾይኖም ንምምባር፣ ወይ ከኣ ህዝብና መቦቆላውን ሀይማኖታውን ቅርሕንትታት ኣብ መንጉኡ ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ብምብላሕ ነንሕድሕዱ ብሰንኪ በዚ „ መርገም ህዝቢ!“ አብ ጽንተት ገጹ ዝገማገም ዘሎ፣ ብዝኸፌ ከጽሕይዎ እንተዘይኮይኑ፣ ፈጺሙ  ድሕነት ህዝቢ አብ የእምሩኦም አሽንኳይ‘ዶ ክሐስብዎስ ክሐልፍ‘ውን ተንኪፍዎም ከምዘይ ፈልጥ ብተግባራቶምን፣ ካብ ጋዜጣዊ መግለጺታት ኢሎም ዘውጽእዎ ጥራሕ ምዕዛብን ምምልካትን ኢዩ።

ከም ነአብነት እስኪ ገለ ካብቶም ክናባት  ጒጅለ „መልእኽቲ ናብ ህዝቢ‘ዶ፣ጋዜጣዊ መግለጺ፣ “እናበሉ ብመዓር ዝተሸፈነ ሐጫጪ ቃላት  ተጠቒሞም፣ አብ ልዕሊ ህዝቢ ከላግጹን ክመጻደቑሉን ከለው ነንብብን ንተዓዘብን፣ ምስ ደቂ መዛምርቶም ብምሕባር ነቲ ብኾምሽን ዝተወሰነ መዓልቲ አፋራሪሆምን አገዲዶምን ንሐደ ወርሒ ንድሕሪት ከምዝጉተት ከምዘይገበሩ፣ እታ ኮምሽን አሰናዳኢት  ሀገራዊ ጉባኤ ብዝወሰነቶ  መዓልቲ ብምድጋፍ፣ ንተፈጻምነቱ ከኣ ብትግሃትን ብተወፋይነትን ከምዝሰርሑ ቃል ከምዝኣተው፣ መግለጽታቶም  ይሕብር፣ እቶም ሐደ ሸነኽ ከኣ ንሕና እንደልዮ ብዛዕባ ማሕበረ-ሰብ (በሔር) ንምውሳን እቲ መጻጒእ ክሳብ ዝወድቕ ምጽባይ ዘይኮነ ሕጂ ክፍለጠልና አለዎ፣እናተባህለ  ቅድመ ኹነት እንዳሃብካ፣ መሊስካ ምእንቲ መሰልን ራህዋን ካብ ዘለዎ ድቕድቕ ፀልማት ባርነታዊ ናብራ ሐራ ከንውጽኦ ኢና ንቃለስ ዘሎና፣ ምባል ደኣ እንታይ ኮን ክባሃል ይከኣል ይኸውን?

„ዘይሓልፈላ ጭሩስ መስከረም ትዓውር!“ ይብሉ አበው፣ እዚ ማለት እቲ ፀልማት ክረምቲ አሽንኳይ ሰብ ፍጡርስ እንስሳታት ምስ ለመምታ ሐዊስካ፣ በረርቲ የዕዋፍ ደሚርካ፣ ንሠለስተ ወርሒ ምሉእ ምስቲ ብርቱዕ ዝናብን፣ ህቦብላ ንፋስን፣ ብርቱዕ ሽሾ ዝናብ፣ ቀላያትን ሩባታት ምስ መልኡ፣ አብ ርሑቕ ዐድታት ዘለው አዝማድን ፈተውትን፣ ጥራሕ ዘይኮኑ አብ ጎዶቦታት ዘለው ከይተረፉ ተፈላልዮም ጸልማት ክረምቲ ዝኸርምሉን፣ እንስሳታት ምስ የዕዋፍ ካብ ጎዳጉዶም ይኹን፣ ካብ ሰፈሮም ሪሒቖም ከይዶም ይኹን በሪሮም መግቦም ማዕሪሮም ከርሶም ከዔንግልሉ ዘይክእልሉ ወርሓት  ሐሊፎም፣ መሬት ክጽሒ ፀሓይ ክትበርቕ  እኽሊ ከኣ ክሽውት ፍጥረታት ብታሕጓስ ክዕንድሩን የዕዋፍ ጥዑም ዜማ ከስመዓ ምስ ጀመራን፣  ካብ ዚኣቶም ሐደ ፍጡር እግሩ ወይ ኢዱ ክቑረጽ ወይ ከኣ ዐይኑ ክዐውር፣ ዑፍ እንተኾነት‘ውን ከምኡ፣ ዝሐልፈሉዶ ይመስለኩም?

ከምኡ‘ኣ ሀገርና አብዚ እዋን‘ዚ „እዚ መንድዓት መጻጉእ ህዝብና ውርደት ዝኽብረቱ፤“ ብዐድን ብበራኻን ማለት ዐለም ብዐለማ በቲ ናቱ ተግባራት ስለዝተሃወኸት ናይ ቁጠባ መትንታቱ ብምዕጻዉ መተንፈሲን መላወስን ክትከልኦ እናተሸባሸበት ከላ፤ መንእሰያት ተላዒሎም  ሐራዲ ቀታሊ፣ ውረድ እናበሉ አብ አደባባይ ንዮርክ ክድህልዎን ከባርርዎን ከለዉ፣ አብ ካልኦት አደባባይ ኤውሮጳ ነቶም ወይጦታት ውሻላት ወከልቱ፣ ከም አብ ቤት መቕደስ ዝአተወት ከልቢ ውጹ እናበዎም ውቃቤኦም እናደሃሉ፣ አብ ዝአተውዎ ከም ተላጋቢ ሕማም ዘለዎም„ኬን!“ ተባሂሎም እናተበረሩ  ከለው፣ እዚ ኹሉ ተደማሚሩ ዐቕሊ  ጽበት ሒዝዎ፣ ትንፋስ ሐጺርዎ እናዕለበጠ ኸሎ፣ አብ ክንዲ ተጥርኒፍካ ዘሎካ ሐይሊ ብምትሕብባር እንተተረኽበ‘ውን ካልእ ደገፍቲ ሐይሊ ወሲካ ኢደይ ኢድካ ኢልና አብቲ ዘይተርፍ  ናይ ታሪኽ ጓሓፍ ሰፈሩ ምስቶም የዕርኽቱ ክጽምበር አብ ክንዲ ምግባር፣ ቅድም አይንሳተፎን ብምባል ሕጂ‘ኣ „እዚ ውርደት ዝኽብረቱ!“ ከይወደቐ ኸሎ  ንእንሐቶ ሕቶና ሕጂ ክምለሰልና  አለዎ! ምባል ምስ ምንታይ ክቑጸር ይከኣል?

አብዚ እዋን‘ዚ ሐታትን ተሐታትን መላስንከ  መን‘ዩ? ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ሀይማኖቱን መበቆልን ብዘየገድስ ብሐባር አብ ሐደ ዐውዲ ዝኽዬድ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ!  ከምዚ ካብ ኮነ‘ምበኣር እዚ አብ እንግደዓ ህዝብና ተጻዒኑ ዘሎ ጒጅለ ሸፋቱ ብዝሃጸጸ አገባብ፣ ከመይ ጌርና ብሐበራ ሐደ ልብን ኢድን ኮንና አሽቀንጢርና ንምድርባይ አገባብ አክንዲ ንትልም፣ ተሊምና ኸኣ ሐሳብና አብ መፈጸምትኡ ምስ አብጻሕና፣ ብድሕሪ‘ዚ አብ ሀገር ሐደ ንኹሉ ማሕበረ-ሰብና ዝሐቖፈ ደሞክራስያዊ መንግሥ‘ቲ ድሕሪ ሙቛም ዘሎ ሕቶታት አብ‘ቲ  ብምርጫ ዝቐውም  „ህዝባዊ  ባይቶ፣“ ቀሪቡ፣ ምስ ተኻታዓሉን ተዘራረበሉ ዝምለስ ኢዩ፤ ሕጂ‘ውን ብድጋሜ  እንተደኣ ብሐቂ ምእንቲ እዚ አብ ውሽጢ በጽፋር በርነት ተዓትዒቱ ተታሒዙ ዘሎን፣ ምእንቲ አብ ፈቐዶ ባሕርታትን ምድረ በዳታትን ዝሀልቕ ዘሎ ምንእሰይን፣ ምእንቲ ብቪድዮታት እንርእዮ ዘሎናን፣ ብጽሑፋት ናይ ርድኡና አውያት እነምብቦ ዘሎና፣ ናይቶም አብ ምድረበዳ ሲናኢ በቶም በዶዊን ጅሆ ተታሒዞም ኮላሊቶም አብ ናይ ዐለም ዕዳጋ ተዘርጊሑ ዝውዕል ዘሎን፣ ምእንቲ እቶም ብጠያይት ወታደራት ምስሪ በደዊንን መለማመዲ ዒላማ ዝኾኑ ዘለው መንእሰያትን አዴታትን ንምድሓን ኢና ንቃለስ ዘሎና ትብሉ ኮንኩም?

እቲ   ቀሲንካ ደቂስካ ዘይሕደረሉን እዋናውን አንገብጋብን  ሕቶናን ግዳጅናን ክኸውን ዝነበሮ! ብሐባራዊ ሐይሊ ተጠቒምካ፣ ቅድሚ ህዝቢ ምጽናቱ ብኸመይ አገባብን ስልትን ተጠቒምና ኢና ንሕዝብና ብዘይ ወዓል ሕደር ካብዚ አጋጢምዎ ዘሎ ናይ ጽንተት መገዲ ነውጽኦ? ደኣ ምኾነ ነበረ‘ምበር፣ ህዝቢ ባዕሉ ይፈልጥ፣ ንሕና ንስልጣና  ብኸመይ አገበብን ስልትን  ተጠቒምና ኢና ሽውሃትና እነማልኦ? ዝብል ስሱዕ ፍልስፍና አይመቐደምናን።

ስለዚ አቱም ሐደራ ለኣኽትኹም ተሸኪምኩም ናብ ዝተባህለ ጉባኤ እተምርሑ ዘለኹም፣ አቐዲመ ልዑል እግዚኣቢሔር ንጉባኤኹም ይባርኮ! እብል፤ ቀጺለ ዝመስለኒ ሐሳባት ፈይ ከብል እፈቱ፤

1. መጀመርያ መዕልቲ፣ መታን እቲ ኺዳን ዝበሃል ነቲ ጉባኤ ብብልሓት ከይጨውዮ፣ እቶም ተወከልቲ ጥራሕ ተኣኪብኩም ብኹፉት ልቢ ሌላ እንተትገብሩ እብል።

2. ኮምሽን ካብቶም ብዝሐለፈ እዋን ብውክልና ዝመጹ ልኡኻት ዝቖመት ስለዝኾነት ክሳብ‘ቲ ጒባኤ ዝስየም እቲ ዝላዓለ ሥልጣን ናይታ ዘላ ኮምሽን ኢዩ፣ ስለዝኾነ ከምዝመስለኒ ነቲ ጒባኤ ዝምርሓሉ ሰነዳት ብአኣ ጸዲቑ ዝቐረበ ጥረኣሕ‘ዩ ሕጋውነት ዘለዎ እብል።

3. ነቲ ጒባኤ ዝመርሑ ዝበዝሑ ካብ ተወከልቲ እንኮላይ ካብተን ወዓሩ ዘለውኦ እንተዝኸውን ምተመርጸ። ምኽንያቱ ኪዳን ንዝውክልዎ ዘይብሎም 34 ውድባት ሀደንቲ ሥልጣን ከምዝኾኑ ዘይምርሳዕ።

4. ንህዝቢ ክመርሑ ይኽእሉ ኢዮም ዝተባህሉ፣ ንብምሉኡ ሕብረተ-ሰብናን እንኮላይ ደቅንስትዮን ዝወከለ ብሕልፊ መንእሰያትን ካብ ወከልቲ ህዝቢ ዝዕብለልዎ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግሥቲ ብምቁቛም እንተዝእወጅ፣ እብል።

5. ካብቶም ዝተወከሉ ግዝያዊ መሰጋገሪ ባይቶ ምቁቛም፣ ብዝሒ ወንበራት ብድምጺ ብልጫ ይውሰን፤  ባይቶ ዝካትዓሉ ጉዳይ ህዝቢ፣ ብብዝሒ ድምጺ ክውሰን ምግባር።

6. ወታደራዊ ሐይሊ ናይ እዘን ውድባት አብ ትሕቲ እዚ መሰጋገሪ መንግሥቲ ብምምጻእ ብሐድሽ አቛቛም አቛቚምካ ብሐደ ስጥራተጂ ስሪሒታትካ ምክያድ፣ እዚ ኮር ናይ‘ቲ ዝመጽእ ሀገራዊ ሠራዊት ይኸውን።

7. አብ መጨረሻ ብዛዕብ ቁጠባ፣ ኩለን ውድባት ናይ አባላትን ብዝሐት ብዘየገድስ ሐደ ማዕረ ዝተተመነ ገንዘብ አብቲ ቑራዕ ግዝያዊ መንግሥቲ መዋጽኦ ከዋጽኣ ምግባር።

 

„አብ ቤት ንጉሥ ስለ ዘሎኺ፣

ካብ ኩሎም አይሁድ ተፈሊኺ፣

ንበይንኺ እትድሕኒ ኢልኪ ብልብኺ አይትሕሰቢ።

በዚ ግዜ‘ዚ ስቕ እንተበልክስ፣

ንአይሁድ ሐገዝን ሐራን ካብ ክልእ ቦታ ክመጽእ እዩ፣

እስኽን ቤት አቦኽን ግና ክትጠፍኡ ኢኹም።

ንስኺኸምዚ ንዝበለ እዋን ናብ መንግሥቲ መጺእኪ

እንተኾንኪኸ መን ይፈልጥ።

መጽ፡አስ፤ 4፤ 13-14፤

 

ካብ ሻም/ኃይለ-ሥላሴ ገብሩ፡

በሔረ ጀርመን፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...