ሰላም ኩቡራት ኤርትራውያን

ብ ዕለት 28-10-2011 ካብ ቲቪ ኤረ ዝረኸብኩዎ ብ ቪድዮ ዝተሰነየ ዜና፡ ኢሳይያስ ኣብ ከሰላ ኣብ ገዛ ገዲም ተጋዳላይ ዓብደላ ኢድሪስ በጺሑ ዝብል ምስ ተዓዘብኩ፡ ብዘይ ቃልዓለም ናብ ኣእሙሮይ ዝመጸ ሓሳብ፡ እዚ ተመን’ሲ እንዳ ሓርበኛ ዓብደላ ኢድሪስ ልዳት ክረግጽ ብምባል፡ ካብቲ ንሓርበኛ ሱዉእ ዓብደላ ኢድሪስን ንስድራቤቱን ዘለኒ ክብረትን ሓልዮትን ብምብጋስ፡ ብልቢ በቲ ፍጻሜ ስለ ዝሓፈርኩን ስለ ዝሓዘንኩን ጓሂየይ ብቕጽበት ናብተን ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሳ ዘለዋ መርበባት ሓበሬታ ልኢኸ።

ይኹን እምበር፡ ብዕለት 29-10-2011 ካብ ክልተ ግዱሳት ኣሕዋት ብኣካል ዘይፈልጦም ብኢመይል፡ እቲ ኢሳይያስ ኣብ ከሰላ ዝበጽሖ ሰብ ተጋዳላይ ነበር ሳዓቢ ኢሳይያስ ኮይኑ፡ ብሂወቱ ዘሎ ዓብደላ ኢድሪስ ዝባሃል ከምዝኾነ ገሊጾሙለይ። ኣነ ብወገነይ ውን ኣብ ካርቱም ዝፈልጦ ሰብ ስለ ዘለኒ ብወገነይ ደዊለ ሓተትኩዎ’ሞ፡ ንሱ ውን ልክዕ ከማይ ዓብደላ ኢድሪስ ካብ በሉ፡ እሞ ድማ ኣብ ከሰላ ዳኣ፡ እንዳ ሱውእ ሓርበኛ መራሒ ጀብሃ ዓብደላ ኢድሪስ ክኸውን ኣለዎ በለኒ።

ኢለዮ፡ በል ንከሰላ ናብ ትፈልጦም ደዊልካ ዝተጻረየ መልሲ ሒዝካለይ ጽናሕ ብምባል ተሳማሚዕና ብቖጸራ ተፈላሊና። ሎሚ ዕለት 30-10-2011 ኣብ ቆጸራና ደዊለ ረኺበዮ፡ ዝሃበኒ መልሲ ድማ፡ እቲ ኣስማት ሓደ ምዃኑ ወላ ኣብ ሱዳን ውን ሰባት ኣደናጊሩ ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ግና፡ ኢሳይያስ ኣብ ገዛ እቲ መምህር ጽንዓትን ሓቅን ዘይምብርከኽ መሰረት ብረታዊ ቃልሲ ዝኾነ ሱውእ ሓርበኛ ዓብደላ ኢድሪስ ከምዘይኣተወ ኣረጋጊጹለይ።

ብመጠን እቲ ሓዚነዮ ዝነበርኩ ድማ ሓጎስ ሰፈነኒ። ስለዚ ኩቡራት ተኸታተልቲ ጹሑፈይ፡ ነቲ ካብ ቲቪ ኤረ ዝረኸብኩዎ ዜና፡ ከምዘይትስሕትዎ፡ ንቦታን ነቲ ሽምን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እቲ ዜና ንቡዙሓት ሰባት ስለ ዘደናገረ ኣነ ውን ሓደ ካብቶም ዝተደናገሩ ስለ ዝኾንኩ፡ እቲ ዝጻሓፍኩዎ ካብ ሓልዮት ዝተበገሰ ምንባሩ ትስሕትዎ ኣይመስለንን።

ይኹን እምበር ንዝኾነ በቲ ኣብ መርበብ ዝወጸ ሓበሬ ዝተቐየመ እንተ ዳኣ ኣሎ ይቕሬታ ይሓትት።

ሳልሕ  ዓብደላ

ካብ ለምለም  ካናዳ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...