ዝሓለፈ ቀዳም ለይቲ ሓደ ዝፈልጦ ኤትራዊ ዓርከይ ተሌፎን ደዊሉ ኢሳያስ ኣፈርቂ ንአመሪካ ኣብ ናይ ሕ.ሃገራት ኣኼባ ክሳተፍ ይመጽእ ኣሎ ነቶም ቀንዲ ደገፍቱ ድማ ክረኽቦም ክዕድሞም ኢዩ በለኒ። እሞ እቲ ንደገፍቱ ዝህቦ ዘረባ ትሕሕዝቶኡ ትፈልጥዶ ምስ በልኩዎ ንሱ ድማ ንእከሊት ትበሃል ኣብቲ ናይ ኢሳያስ ቤት ጽሕፈት ትሰርሕ በዚ ኢመይል ርኸባ ኢሉ ሓበረኒ። ከምታ ዝበለኒ ረኺበያ “ሽመይ ከይተውጽኦ ነቶም ደገፍቱ ሽመት ክህቦም ኢዩ። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ ዘረብኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ” ኢላ ዝነገረትኒ ከምዘላታ የቕርበልኩም ኣለኹ።
 
“ዝኸበርኩም ኮራኩረይ!!! መጸዋዕታይ ኣኽቢርኩም ብምምጻእኩም ካብ ልቢ እየ ዘመግነኩም።  ኤርትራ ነጻ ካብ ዝወጸትሉ ግዜ ብሳል ዘየቛርጽ ሓገዝኩምን ደገፍኩም ህግደፍ ብናተይ መሪሕነት ዝፈጸሞም ዓብይቲ ስርሒታት ቁሩብትለይ ክጠቕሰልኩም ደስ ይብለኒ። ንሳቶም ድማ፣
 
1.     እትው ምስ በልና ቀልጢና ካብ 200 ንላዕሊ ዝኾኑ ናይ ምስልምና ኣመንትን መማህራን ዝነበሩ ዓፊና ብምውሳድ ኣበይ ኣተው ከይተባህለ ኣሕቂቕናዮም። በዚ ድማ ሓጎስ ክስማዓኩም ኣለዎ።
 
2.   ብ 1993 ኣብ ልዕሊ መሰሎም ዝሓተቱ ነባራት ተጋደልቲ ኣድላዪ ማእሰርትን ቅንጸላን ፈጺምና።  በዚ ድማ ተሓበኑ።
 
3.    ብ1994 ኣብ መንገዲ ማይ ሓባር ነቶም ናብራና ቁርብ ይመሓየሸልና ዝበሉ ሕንቁቓት ኣካለ ስንኩላን ብዘይ ንሕስያ ብጠያይት ዓጺድናዮም። እዚ ኣዝዩ ከምዘኹርዓኩም ኣይጠራጠርን ኢየ።
 
4.    ካብ 1994 ጀሚረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ምስምስ ተጠቒመ እቲ ሓዲሽ ወለዶ ካብ ናይ ትምህርቲ መኣዶም መንዚዐ ብምውሳድ ናይ ህግደፍ ባራዩ ጌርናዮም። ብተወሳኺ ከምዚ ከማኻትኩም ንቡር ሓዳር ገይሮም ከይወልዱን ከይዝምዱን  ከልኪልናዮም ኢና። ኣደዳ ሕማምን ናይ ኣእምሮ ምንዋጽን ከምዝሓድሮም ጌርና። ኤርትራ መጻኢ ወለዶ ከምዘይህልዋ ድማ ዘይሕለል ጻዕሪ ነካይድ ኣሎና። በዚ ኣዚኹም ከምትኾርዑ ኣይጠራጠርን።
 
5.  ካብ 1992 ጀሚረ ነቶም ዝተፋላለየ ናይ ሃይማኖት እምነት ዘለዎም ከም ጀሆቫ ዊትነስን ጴንጠ ቆስጠን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጉኖም ኣለኹ። ቀስ ኢለ ድማ ነቶም ካልእ ሃይማኖት ዝእምነቶም ካብ ምእሳር ኣይዓረፍኩን። ካልእ ተሪፉስ ነቲ ኣቡን’ውን ካብ ሓላፍነቱ ኣውሪደ ኣሲረዮ ኣለኩ። ንዓይ ዝሰማማዓኒ ካልእ ኣቡን ሸይመ ኣሎኹ። በዚ ፍጻሜታት እዚ ሓጎስኩም ወሰን ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ።
 
6.   ካብ 1994 ጀሚረ ብዘይዕርፍቲ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ውግእ እናጻሕተርኩ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ መንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ ሰላም ከምዝስእንን ኣብቲ ውግአት ከምዝጠፍእን ገይረ። በዚ ድማ ተወሳኺ ሓበን ክስመዓኩም ይግባእ።
 
7.    ነቲ ብ1997 ዝጸደቐ ቅዋም ሃገር ጉሒፈ ብዘይ ሓንቲ ሕጊ ሃገርኩም ይገዝአ ኣለኹ። እዚ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ክትኮርዑሉ ዝግባእ ተግባር ኢዩ ኢለ ይአምን።
 
8.    ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ብ998 ኮነ ኢለ ዝወላዕኩዎ ናይ ዶብ ውግእ ዋላዃ 2,500 ኬ.ሜ. ትርብዒት ነቶም ርጉማት ወያኔ እንተኣረከብኩን ፣ 42,000 ዝአኽሉ መንእሰያት እንተጠፉኡን፣ እዚ ዘይበሃል ንብረት እንተዓነወ እቲ ውግእ ብናትና ዓወት ኢዩ ተዛዚሙ። እዚ ድማ ብናታትኩም ዘይተወሰነ ሓገዝ ዝተፈጸመ ዓወት ዝለዝኾነ ዮሃና ክትብሉ እደሊ።
 
9.     ቅድሚ 10 ዓመት ነቶም ንብዙሕ ዓመታት ዝተጋደሉን ሃገር ነጻ ዘውጹኡን ከደዓት፣ ከምኡ’ውን ነቶም ተሓባበርቶም ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን፡ ነቶም ኩሉ ነገር ብልዝብን ብሰላምን ፍትሕዎ ዝበሉ መደናገርቲ ዓበይቲ ዓዲ ቀፍዲደ ንዒራ ዒሮ ተወሲዶም ኣብ ጸልማት እናነበሩ በብሓደ ከምዝሞቱ ገይረ። እዚ ዘሐብን ተግባራተይ ሳላ ናታትኩም ኮራኩረይ ሓገዝን ደገፍን ዘይተፈለየኒ ኢየ ክፍጽሞ ዝበቓዕኩ’ሞ ንስኻትኩም ድማ ናይዚ ዓወትዚ ተኻፈልቲ ስለዝኾንኩም ዝለዓለ ሓበን ክስመዓኩም ይግባእ።
 
10.    ኣብዚ እዋን እዚ ነቶም ናተይ ምሕደራ መሪሩና እናበሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሃገር ጠንጢኖም እግሮም ናብዝመረሖም ከምዝጠኡ ንገብር ኣሎና። ከምቲ ዝሰማዕኩሞ ብሓንቲ መዓልቲ 400 ኤርትራውያን ህጻናትን ሽማግለታት ዝርከብዎም ካብ ሓንቲ መርከብ ጥሒሎም  ሞይቶም። ኣነ በቲ ተዋጽኡለይ ገንዘብ ተጠቒመ ሃገር ናብ ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት የእትዋ ኣሎኹ። 
 
ዝኸበርኩም ኮራኩረይ!!! እዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩውን ዉሱናት ዓወታት ብሳላ ናታትኩም ደገፍን ሓገዝን ምብርትታዕን ኢየ ክፍጽሞ ዝበቓዕኩ። ስለዚ ናይዚ ኹሉ ድኻምኩምን ተሓባባርነትኩምን ተአማንነትኩምን ሕጂ ናይ ምስክር ወረቐት ክህበኩም ኢየ። ንሱ ድማ ካብ  ሕጂ ጀሚርኩም ካብ ኮርኩርነት ናብ ከልብነት  ክብ ከምዝበልኩም ዘራጋግጽ ናይ ሽመት መዓርግ ኢዩ።  በዚ ሓድሽ ሽመትኩም ከምትኾርዑን ከምትሕበኑን ኣይጠራጠርን ኢየ።
 
ዝኸበርኩም ኣኽላባተይ!!! ኣብዚ እዋንዚ ዝሕዞን ዝፍንዎን ጠፊኡኒ ኢዩ ዘሎ። ጸላእተይን ጸላእትኹምን ኣዝዮም እናበዝሑ ይኸዱ ከምዘለዉ ንዓኻትኩም ከይተረፈ ብሩህ ኢዩ። ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ብዘይካ’ቶም ቁሩባት ኣባላት ህግደፍ ኩሉ ዓኽ ኢሉ ጡፍ ኢሉኒ። እቶም ርጉማት ወያኔ ይፈራሩሁኒ። እቶም ኢጋድ ዝበሃሉ ናብዚአ ገጽካ ተወዝ ከይትብል ይብሉኒ። እቶም ናይ ኣፍሪቃ ማሕበር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተላዚብኩም ሽግርኩም ፍትሑ ይብሉኒ። ባይቶ ኤውሮጳ  ኣብ ልዕለይ ዝተፋላለየ ማዕቀብ ክገብሩን ፈጺሞም ሓገዝ ጠጠው ከብሉን ወሲኖም። ኣነ’ውን ናብተን ሃገራቶም ንኸይንቃሳቐስ ወሲኖም ኣለው።
 
ዝኸበርኩም ኣኽላባተይ!! እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕለይ ተወሳኺ ማዕቀብ ክግብሩ ይዳለው ኣለዉ። ኣነ ብወገነይ ዝሓለፈ ወርሒ ብቐጥታ ናብ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ደብዳበ ጽሒፈ ነይረ። እቲ ዕላማይ ናብዚ ንኒዩ ዮርክ ምስመጻእኩ መታን ክራኸቦን ናቱ ከዳሚ ንምዃን ድሉው ምዃነይ ንምግላጽ ኢዩ ነይሩ። ግን እታ ዝሰደድኩሉ ደብዳበ ኣይሃቡዎን። ክሳብ ሕጂ ምስ ናይ ጆኒ ካርሰን ጸሓፊት ኢያ ኮፍ ኢላ ዘላ ሰሚዐ። ባራክ ኦባማ ናብዚ ምስ መጸ ክራኸቦ ዝኽእል ብዶክተር ሱዛን ራይስ ገይረ ኢየ። ነዛ ኮርማም ቅድሚ 13 ዓመት ብዛዕባ ናይ ዶብ ዃናት ጠጠው ይበል እሞ ብዘተ ፍትሕዎ ምስ በለትኒ ኣዋርድ ኣቢለ ኢየ ሰዲደያ። ነዚ ኣይረሰዓቶን ኣላ።ጆኒ ካርሰን ቅድሚ ክልተ ዓመት ቪዛ ይወሃበኒ ኢሉ ፓስፖርቱ ናብ ኤምባሲየይ ምስ ሰዶዱ፡ ኣይከአልን ኢዩ ኢልኩም ምለስሉ ኢለዮም ብዘይ ቪዛ ምስ መለስሉ ሓሪቑ። ነዚአ ቂም ሒዙ ምስ ባራክ ኦባማ መራኸቢት መንገዲ ስኢነ ኢየ ዘለኹ። 
 
እሙናት ኣኽላባተይ!! ከምትፈጥዎ እቶም ሓደ ክልተ ዝነበሩኒ የዕሩኽተይ ማለት ቓዳፊን ሙባረክን ካብ ስልጣኖም ብሓይሊ ጠላማት ደቂ ዓዶም ወሪዶም ኢዮም። እቲ ሓደ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ እቲ ሓደ ድማ ንግዜኡ ኣብ ገሊኡ በዓትታት ተሓቢኡ ኣሎ። ብኹሉ ሸነኽ መእተዊ ስኢነ ዓቕለይ ጸቢቡኒ ኢዩ ዘሎ። በይነይ ተሪፈ። ናተይ ሽግር እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብዚ ወርሒ እቶም ጠላማት ኤርትራውያን ሙሁራትን ክኢላታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተአኪቦም ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ጽጋብን ሓጎስን ቅሳነትን ገዲፎም ብዛዕቦ ዘይነበረን ዘየሎም ጸበባን ሽግርን ክዛተዩ ቀንዮም ሰሚዐ። እዚ ኣነዋሪ ተግባር ኢዩ። ብተወሳኺ እተን ኣብ ውሽጠን ከምዚ ከማኻትኩም እሙናት ኣኽላባተይ ኣስሊኸ ብምእታው ፋሕ ብትን ዘእትወሎም ዝነበርኩ ጠላማት ውድባት ተጠርኒፎም ሃገራዊ ጉብኤ ከካይዱን ንዓይ ካብ ስልጣነይ ክአልዩ ይሸባሸቡ ኣለው ይበሃል ኣሎ። ነዚኦም ንምብታን ዝአክለኒ ጻዕሪ የካይድ ኣሎኹ። በዚ ሓጎስን ሓበንን ክስመዓኩም ይግባእ።
 
እሙናት ኣኽላባተይ!! ከምትሰምዕዎ ነቶም ኩናም ዝበሃሉ ብሄር ንብረቶም ዘሪፈ መሬቶም ድማ እናአሕደኩ ንዓኻትኩምን ከማኻትኩምን ስለዝሃብኩ ኣንጻረይ ብረት  ዓጢቖም የሸግሩኒ ኣለው። ከምኡ’ውን እቶም ዓፋር ዝበሃሉ ብሄር ከምቀደሞም ዓሳ እናገፈፉ ከይበልዑ ከልኪለዮም። በቲ ክቡር ሽምኩም ተጠቒመ ድማ ከምድላየይ ይአስሮምን ይቕንጽሎም ስለ ዘለኹ ኣንጻረይን ኣንጻርኩምን ብረት ዓጢቖም ድቃስ ከሊኦሙኒ ኣለው። እቶም ዓሳውርታ’ውን ኣንጻረይ ይንቀሳቐሱ ኣለው። እቶም ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ድማ በቲ ብናታትኩም ሓገዝን ምብርትታዕን ብሽምኩም ተጠቒመ ኣብ ልዕሊኦም ዝወስዶ ዘለኹ ስጉምትታት ተማሪሮም ግዲ ኮይኖም ፈንፊኖሙኒ ኣለው። እቶም ጀበርቲ ዝበሃሉ ብሄርውን ከምቶም ካልኦት ኣስላም ዓክ ኢሎም ጡፍ ኢሎሙኒ። እዚ ጥራይውን ኣይኮነን። ካብቶም ናይ ትግርኛ ብሄር’ውን ዳርጋ ሕጅስ መብዛሕተኦም ኣንጻረይ ኮይኖም። ብሓጺሩ ጠሊሞሙኒ። 2% ከይኸፍሉ’ውን ዕጭ ሓንፈፍና  ኢሎም ሓንጊዶም ኢዮም።
 
እሙናት ኣኽላባተይ!! ኣነ ብኹሉ ወገን ከም ኣፍ ዕንቚ እያ ጸቢባትኒ ዘላ። ግን ሳላኹም እዛ መንግስትና ትልኽ ትብል ኣላ። በዚ ግን ብዙሕ ኣይትሰንብዱ። ኩሉ ከም ምሕላፉ ክሓልፍ ኢዩ። ዋላ ሰማይን ምድርን እንተ ተጣበቓ ናታትኩም ሓገዝ ኣይጋደፈኒ እምበር ኣነ ካብ ስልጣነይ ወረድኩ ማለት ዘበት ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ድማ ኣነ ብሂወተይ ከለኹ ህዝባዊ ምርጫ ዝበሃል ፈጺሙ ዘይሕለም ምዃኑ ሕጂውን ደጊመ የረጋግጸልኩም ኣለኹ። በዚ ቆራጽ ስጉምተይ ከምትሕበኑን ከምትኾርዑን ኣይጠራጠርን ኢየ። ኣብ መወዳእታ ድማ መጸዋዕታይ ኣኽቢርኩም ብምምጻእኩም ብዙሕ የመስግነኩም። በዚ ሓድሽ ሽመትኩም ክትሕበኑ ድማ ዓቢ ተስፋይ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ትሰርሕዎ ዝነበርኩም ናይ ኮራኩር ስራሕ ኢዩ፡ ካብ ብሕጂ ግን ነዚ ሓዲሽ ሽመትኩም ተጠቒምኩም ጻዕርኹም  ተአማንነትኩምን ዝተዓጻጸፈ ክኸውን ኣለዎ”። 
 
ክቡራት ኣንበብቲ እዛ ዘንበብኩምዋ ከምዘላታ ዝተነግረትኒ ኢያ። ነቶም ንመስከረም 25 ዝሽየሙ ድማ ኣስማቶም ምስ ፈለጥና ክንገልጸልኩም ኢና።
 
ዓወት ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
 
ውድቀት ንኢሳያስን፣ህግደፍን ኣብ ደገ ዘለው ኣኽላባቱን




Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...