ኩቡራት አሕዋትን አሐትን
 
ኩላትና ኤርትራዊያን ዘዕቡዩና ስድራና ብሐቂ ብጽቡቅ አታዓባቢያ እዮም አዕብዮምና። ብባህልና ብምክብባር ብፋራህቲ ኢዝጊሄር ብፊቅሪ ዞሎዎ ገሮም እዮም ዘዒቦዩና፤ ካብቲ ዘገርም እዚ ሕጅ ዲሞክራሲ ዝባሃል ዞሎ አብ ዓለምና።
 
ካብ አቦታትና ዝዎሶድዎ ካይኮኑ ውን ዘጣራጥር እዩ፤አብ ዓድና ግን አቦታትና ካብ ጥንቲ ብዲሞክራቲ ምምሕዳር ሐቢሮም እሂን ምሂን እሎም እዮም ዝኾዱ ነሮም፤ ኩሎም ዓድታት ድማ ሕጎም አሎዎም፤ኩሎም ድማ ሐቢሮም ኢሂን ምሂን እዳቦሉ ኽሳብ እዚኦም ሰብ ሕማቅ ዒላማ ዝሞጹ አብ ሃገርና፤ ማለተይ ኽሳብ ናጽነት ኤርትራ።
 
ስለዚ አቦታትና ካይተማህሩ ሙሁራት እዮም ነሮም።
 
ስለዚ ክቡራት አሕዋትን አሐትን አብ,ቲ ቀንዲ ዘረባይ ኽምለስ እቲ ባህልና ባህሊ አቦታትና ሕዝና አሰር አቦታትና ክንሕዝ አሎና፤ሐደ ካብቲ ሕማቅ ባህሊ ግዛእቲ ዘምጽኡዎ አብ ሃገርና እዚ እመስል፤ብመንግስቲ ሃይለ ስላሴ ንህዝቢ ኤርትራ ጽሕፋካ ዘይውዳእ ታሪኺ ስለ ዝኮነ ቁሩብ ክጠቅስ እየ፤ አብ ብዙሕ ዓድታት ኤርትራ ከንድድዎ ኮሎው ከሙኡ አብ ገለ ዓድታት ድማ በተኽሪስቲያን እሰርሕሎም ነሮም እዩም ንኽርስቲያን እዩ ዝቦሎዎ ሐላፈነት ሂብካ ከመይ ገርካ ምስቲ አስላማይ ሐው ተባእሶ እዩ ነሩ ስርዓት ገዛአቲ።
 
እዚ ሕጂ ህግደፋ ዝባሃል ዞሎ አብ ሃገርና፤ብተዓጻጸፋ ካብ ሜዳ ኤርትራ ጀሚሩ እኖሆ ክሳብ ሕጅ ብህዝቢ ኤርትራ እጻወቱ እዝኦም ውን ጽሒፋካ ዘይውዳእ እዩ ናቶም ታሪኽ፤ ግን ቁሩብ ኽጠቅስ እፈቱ (1)ካብ 1966 ኽሳብ 1970 ነብሶም ብንሕናን ዒላማናን ዝብል ሽም አጠሚቆም ተሐለቅቲ ኽርስቲያን ህዝብና ኮይኖም ቡዙሕ አዳናጊሮም እዮ,ም ጀብሃ ሐራዲት ጀብሃ አስላም እዮም ወዘተ፤እንዳበሉ ኽሳብ 1974 ጸኒሖም እዮም፤ካብቲ ዝገርም ንጅግና ሐምድ ዓዋተ ከምሽፋታ እዩ ነይሩ እሎም ክሳብ ትማሊ ሐሳዊ መናፈሕ ዝነፈሑ ዝነቦሩ እዮም ክቡራት አሕዋት ምልስ ኢልኩም እሞ ረአዩዎ ደርጋ ፈርቂ ሞዋእል ኮይኑ ሕጅ ደቂ ሐንቲ ሃግር ኮሎና ብጀብሃን ሻዕቢያን እንዳቦሉ አብ ዱሙን አንጪዋን መሊሶምና ወረ አብ ገለ ገለ ዓዲታት አብ መርዓ ጀብሃዊያን ወይ ሐዘኖም ካይትኾዱ ዝተባሁሉ ውን አሎው ግን ንታሪኽ ሙዙጉብ ንሕዶጎ፤
 
ስለዚ ክቡራት አሕዋት ኩሉ ንገቡሮ ንርአዮ ከምቶም አቦታትና ብሐደ ንምከር ብሐደ ነታ ተሪፋትና ዘላ ዕድሜ እንዳተጻወትና ኽነሕሊፋ አሎና ግን ነስመራ ምኻድ ግን ኽትተርፋ እያ መኽኒያቱ ህግደፋውያን ምስ ሐውካ ትዛረብ ነርካ እሎም ውን ካይአስሩኻ እዚ እዩ ህግደፋ ወይ ስርዓት ሃይለስላሴ፤ዝደልዩዎ ስልማትን ወፋያን ሐገዝ ድኻም ኩቡራት አሐት አሕዋትን ነዝአ ጀጋኑ አሕዋትና ዘምጽኡዋ ነዛ ለምለም ሃገርና ኢሎም ተመልሱ ክንደይ ሙሁራት ዓድና ክነገልግል እሎም ንዓዶም ከይዶም ገሊኦም ተአሲሮም ገሊኦም ድማ ዓዶም አብ ዓዘቅቲ አትያ ከምዘላ ፋሊጦም ቀልጥፎም ተመልሱ ቡዙሐት እዮም ከሙኡ ዓድና ናጻ ኮይና እያ ኢሎም አርባዓ ዓመት ከርተት እሎም ዘምጽእዎ ገሊኦም ቁማር ተባሂሎም ገሊኦም ድማ አብ ዓቢ ኽሳራአትዮም አብ ዘዝነቡሩላ ዓዲ ተመሊሶም ኢዶም ጠውዮም አብ ዘሮ ተመሊሶም አብ ኮለል አትዮም አሎው አብ ወጻኢ ትነብር ዞሎኽ ኩሉ ኤርትራዊ ዘቦርኮቶ ማእለያ የቡሉን ነይሩ ግን ሕጂ አብ ሕማቅ ኩነታት እነብር አሎው ጪፈራ ህግደፋ ግን ጽቡቅ እነቡሩ አሎው ምስ ኮራኹሮም ዶቆምን። 
 
አደን አቦን ደቆም ገዲፎም ጽቡቅ ኽንረኤ ካይቦሉ ስሚንቶ ወልዊሎም ንዓደይ ኢሎም ዘምጽኡዎ ገንዘብ ኩሉ ዝሕገዝ ሐጊዞም ዝተረፋ ድማ ንኡሽቶይ ገዛ ዝሰርሑዋ ኩሉሙሉ ሙኻን ምስ አበዮም ሰብአይን ሰበይቲን አብ ፎቆዶ ቤትፋርዲ ኽዋጠጡ እውዑሉ አሎው ብዙሐት ዓዲ ገጾም ዝኾዱ አሕዋትና ሰብ ሐዳር ፋሕኢሎም እዮም ዝሞጹ። ስለዚ ኹቡራት አሕዋትን አሐትን እዝኦም ፋላልዮምና እምበር ኩላትና አሕዋት ኢና ብሐባር ካይንመክር ከምቲ ናይ አቦታትና ንኦኦም ፋሕ ዘብል ስለዝኾነ ብሐባር ከምዘይንኸይድ ገሮምና እም፤ሕጂ ኩሉ ረሲዒና ዝወርድ ዞሎ አብ ሃገርና ሐቢርና መፋትሒ ኽንረኽቦሉ ምእንታን ስለዚ ክቡራት አሕዋት አሐትን ስራሕ ሰይጣን ገዲፊና ስራሕ መልአኽ ንሐዝ ንሕና ተኻባቢርና ብኢሂን ምሂን እንድሕሪ ከድና አብ ሞንጎና ንፋስ ዝአቱ ዮሎን ኩላትና ቅያ ስራሕ ሰሪሕና እና ንሃገርና ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ውን ከምዚ እመጸኒ ዝበለ ዮሎን ኩሉ ተሪፈ ነኒሕድሕድና ልባዊ ሰላም የውርደልና ንሕና ኤርትራዊያን ሃብታማት ኢና ብተሞኩሮ እሞ ሰላም ሕድሕድ ዱቤይ ጁባ ዩጎንዳ ካርቱም ኦሮፓ አሜሪካ ከሙኡ ገንዘብ ውልቂ ሰባት ተባሂሉ ገንዘብ ኤርትራዊያን ገንዘብ ህግደፋ ኮይኑ ዞሎ ብሐላፈነት ዓሰርተ ሹዱሽተ ሰባት ሸም ምጥቃስ ዘይድሊ ንግዙኡ ህዝብና ብገዛእ ገንዘቡ ትቅጥቅጡዎ ዘሎኹም ግዜ ካይአኸለ መፈትሒ እንተ ገቦሩኩሙሉ ነዓኹም ታሪኽ ንህዝቡኹም ድማ ራህዋ እዩ

ውድቀት ንጉጂለ ህግደፋ 
ዘለአለም ዝኽሪ ንስውአትና
 
ብሃይለ ፋረዝጊ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...