ቅድሚ 10 ዓመታት ኣብዛ ዕለት እዚኣ 18 መስከረም 2001 ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ገዳይም ካድራትን ጋዜጠኛታትን፣ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ጀጋኑ ኤርትራ ብዓመጽ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ተዳጒኖም ኣለዉ። እዞም ዒራዒሮ  ዊሒጣቶም ዘላ ጀጋኑ ደቂ-ህዝቢ ብዙሓት ካብኦም፡ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ተኣምር ዝሰርሑ፣ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ስልጥንትን ብልጽግትን ዲሞክራሲያዊት ቅዋማዊት ሃገር ኪሃንጹ ዝጸዓቱ፣ ኣብቲ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ግጭት ዶባት ኣብ ክንዲ ብኩናትን ሓይልን፡ ብሰላምን ዲፕሎማስን ኪፍታሕ ዝመኸሩ፣ እቲ ጎንጺ ምስተኸስተ ከኣ ኣልያን ምሕደራን እቲ ኩናት ኪጸፍፍን ኪውርጽጽን ዝመጎቱን ዝሓተቱን ጀጋኑ ኢዮም።

ምኽንያትን መበገስን ናይቲ ኣብ 2001 ዝነቶገን ዝተዋዓወዐን ሕቶ ዲሞክራሲያዊ ጽገናዊ ለውጢ፡ ብሰንኪ ድኽመት ኣመራርሓን ኣተኣላልያን መንግስቲ፡ ንነዊሕ ግዜ ኪውህለል ዝጸንሐ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብህዝብን ተጋደልትን ሓሓሊፉ በጨቕ ዝብል ዝነበረ ናይ መላእ ህዝቢ ቅሬታን ናይ ለውጢ ሕቶን እምበር ናይ ውሑዳት ጉጅለ ወይ ምትእኽኻብ ጠለብን ሕቶን ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንሕግን ሕጋዊ መዳያትን እናጎሰየ ብምልክን ዕብለላን ርእሰ-ብሄር ኪካየድ ዝጸንሐ ዘይትካላዊ ሓላፍ ዘላፍ ኣሰራርሓን ንሱ ዘስዓቦ ቅሬታን ብፍሽለት ኩናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ እቲ ብታሕዎት ቐጸላ ሕብረተሰብ ዝለዓል ዝነበረ ናይ ጽገና ሕቶ ድምጺ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተሓዊሱዎ ደሚቚ ምስተቓልሐ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን እቶም ደለይቲ ለውጥን ናይ ቃላት ኩናት ጀመረ።

እቲ ንነዊሕ እዋን እናተዋህለለ ዝተኾመረ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታውን በይናዊ ውሳነ ፕረዚደንት ንሃገር ኣብ ሓደጋ ከእትዋ ምስተራእየ ብዙሓት ካብዞም ጉጅለ-15 ብጽሑፍን ብኣፍን መኺሮም  ምስተቐብጾም ናብ ህዝብን ሰራዊትን ቅሉዕ ደብዳበ ኪጽሕፉ ተገዲዶም።

እተን በብቑሩብ ኪዓብያን ኪዕምብባን ዝጀመራን ባይታ ዘተን ልዝብን ኪኾና ተስፋ ዝተነብረለን ብሕታውያን ጋዜጣታትና ከኣ ንርእይቶን ሓሳባትን እቶም ደለይቲ ለውጢ ብምቅላሕ፡ ህዝቢ፡ ሕቶታቶምን ጠለባቶምን ኪሰምዕን ኪከታተልን ልዑል ኣበርክቶ ገይረን ኢየን። ድሕሪኡ ድማ ብዙሕ ግዱስ ዜጋ በብዓቕሙ፡ ብጽሑፍን ብኣፍን፡ ክልቲኦም ወገናት ጸገንትን ኣኽረርትን፡ ማለት፡ እቶም “ኣብ ኩሉ ኩነታትና ሕማቕ ስለዘሎና ኣካይዳን ነመሓይሽ።” ዝበሉን፡ እቶም “እዚ እተቕርቡዎ ዘለኹም ሕቶ ግዜእን እዋኑን ኣይኮነን።” ብምባል ዝሓንገዱን፡ ኣብ መኣዲ ጠረጴዛ ከቢቦም ጉዳዮም ብዘተን ልዝብን ኪፈትሑ ጸዊዑን ተማሕጺኑን።

እንተኾነ  ሕማቕ ኣጋጣሚ ኬይኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከም መራሒ ሰውራን ሃገርን ኣብ ክንዲ ረጊኡን ሰኺኑን ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ብምቕዳም ነቲ ጉዳይ ብዘተን ልዝብን ዝፈትሖ፡ ሓይልን ዓመጽን ስለዝተጠቕመ እታ ወርሒ ተስፋን መስተርሆትን ዝነበረት መስከረምና ዘሕዝን ታሪኻዊ ስሕታን ኪትስንድ ተገዲዳ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ዲሞክራሲያዊ ሕቶን ጽገናዊ ጠለብን ሚኒስተራቱን ጀነራላቱን ብሓይሊ ምስጨፍለቖ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝጸንሖ ናይ ዘተን ልዝብን ተስፋ በኒኑ ርእሱ ከድንን ተቐሲቡ። እቶም ለውጥን ጽገናን ዝጠለቡ መራሕቲ ጥራሕ ዘይኮኑ፡ እቶም ንፕረዚደንት ልቢ ከዕቢን ፍልልያቱ ኣብ ጠረጲዛ ኪፈትሖን ዝመኸሩ ሽማግለታት እውን ከይተረፉ ኣብ ማሕቡስ ተዳጒኖም። ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጨፍላቕን መላኽን ሓይሊ ከምዝወደቐት ጋህዲ ኮነ። እተን ከም ሕሱም ዝተመነናየን ዕለታት ሕድገትን ድሕነትን፣ ዕለታት ዕርቅን ፍትሕን ከኣ ዛጊት ደቢነንን ጸልሚተንን ይርከባ ኣለዋ።

ኣብ 2001 ናይዛ ዘለናያ ወርሒ፡ ኣብ መስከረም 18፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብመጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ ተቖሪና እንከላ፡ ብጣቓን ትክን መጥቃዕቲ ህንጻታት ኒውዮርክ ተጎልቢቡ ነቶም ጀጋኑ ኣብ ጎዳጉዲ ዳጊኑዎም።

ካብታ ኣብ ጽኑዕ ሸላታት ዘስፍሮም ዕለት ጀሚሩ ከኣ ኩሉ’ቲ ንሕሉፍ ታሪኾም ዝገልጽ ስእሎምን ምስሎምን ሽሞምምን ድምጾምን ካብ ማዕከናት ዜናኡ ብምእላይ ካብ ልቢ ህዝቢ ኪሓኮም ፈቲኑ። እንተኾነ እቶም ጀጋኑ፡ ፍትሕን ሓርነትን ንኺረጋገጽ ብዘልዓሉዎ ዲሞክራሲያዊ ሕቶን ብዝወሰዱዎ ተባዕን ቅኑዕን ስጉምትን ብዝኸፈሉዎ ድርብ መስዋእትን ተወፋይነትን ሓንሳብ ዘይኮነ ዓሰርተ ሳዕ ኣብ ልቢ ህዝቢ ስለዝተሰነዱ ካብ መስኮት ተሌቭዢኑ እምበር ካብ ልቢ ህዝቢ ኪሓኮም ፈጺሙ ኣይከኣለን ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ’ቲ ፈጺሙ መሰል ዘየፍቅድ ጨፍላቒ  ስርዓት ዋላኳ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ “ፍትሕን ፍርድን ንጀጋኑና!” መቑሕ ዕራዒሮ ይሰበር!” “ሓቅን ፍትሕን ኣብ ባይቶ” “ዘረባ ክልተ ዘይሰምዕ መጋባኣያ ኣይንቕበልን” ኢሉ ብምጭራሕ ድምጹ ከስምዕ እንተዘይከኣለ፡ ብልቡ ግን፡ ቃል ከሳስን ተኸሳስን ከይሰምዐ፡ ዘረባ ክልተ ከየኾምሰዐ ንፍርዲ ከምዘይህወኽን፡ እቶም ፍትሒ ተነፊጉዎም ኣብ ጎዳጉዲ ዝበልዩ ዘለዉ ጀጋኑኡ ንዘልኣለም ካብ ትርኢቱ ከምዘይክወሉ ብቓላቱ ዘይኮነ ብልቡ ኣድሚጹዎ ኢዩ። ውዒልካ ሓዲርካ መዓልቲ ፍዳን ኩነኔን ከምዘይተርፍን፡ እቲ ዓማጽን መላኽን በዓል ግዜ ብህይወት እዞም ዑንቊ-ባሕሪ ደቂ ህዝቢ ተሓታቲ ከምዝኸውን ብዝተፈላለየ መገዲ ካብ ምሕባርን ምጥንቃቕን ከኣ ዓዲ ኣይወዓለን ዘሎ።

እቲ ዝኸፍአን ዘሕፍርን ጉዳይ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ኣብ ቓልሲ ኤርትራ ኮነ ድሕሪ ናጽነት ኣዚዩ ረዚንን ክቡርን ኣበርክቶን ታሪኽ ዘለዎም ጀጋኑ፡ ካብ ናይ ዝኽሪ ኣሳእልን ካብ መስኮት ተሌቪዥን ብምእላይ እቲ ብወርቂ ቐለም ዝተጻሕፈ ታሪኾም ካብ ማዕከናት ዜናኡ ኪኣልዮ ምፍታኑ ኢዩ።

እዞም ሕቶ ዘልዓሉ ደለይቲ ለውጢ  ቅድሚ መስከረም 2001 ኣብ ዝነበረ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ምስ ፕረዚደንትን፡ ከም አሕዋትን አዕሩኽን ከም ብጾትን መቓልስትን ኬይኖም ብሓባር ውዑይን ዝሑልን ዘሕለፉ ጀጋኑ ኢዮም። ይኹን እምበር ንሕሉፍ ጀግንነቶምን ተወፋይነቶምን ኪሒድካ ካብ ታሪኽ ኪትሓኮም ምፍታን ድሕረትን ሕስረትን ኢዩ። ምናልባት እውን ራዕድን ሻቕሎትን ዝፈጠሮ ጭንቀት ኪኸውን ይኽእል።

እቲ ፈጺሙ ኣብ ነብሱ ዘይተኣማመን፡ ብዝፈጸሞ ሃገራዊ ክሕደትን ገበንን ወትሩ ኪብህርር ዝነብር ወገን ድማ ኢዩ ንምስልን ስእልን ንስምን ድምጽን ዝኸሓዶም ብጾቱ ኪርኢ ዘይደሊ። ወትሩ፡ ምስ ስእሎምን ምስሎምን እናኽጋጠም እቲ ዝፈጸሞ ገበንን ክሕደትን ስለዝረኣዮ እትረፍ ኣብ  ተሌቪዥን ካብ ዝርእዮ ስእሎምን፡ ብሓሳብ ካብ ዝቐርጾ ጽላሎቶም ከይተረፈ እውን ይርዕድን ይስንብድን።

እቶም ጉጅለ ዓመጽቲ፡ ኣብቲ ብጉጅለ-15 ዝተላዕለ ሕቶ ሃገራዊ ጉዳያት ምሉእ ነብሰ ምትእምማን እንተዝነብሮም ኣሎና ንዝብልዎ ጭብጥታትን መርትዖታትን ሒዞም ናብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ከቃልዕዎም ምተጓየዩ ነይሮም። ይኹን እምበር እቲ ኣሎና ዝብልዎ መርትዖ ዝጭበጥን ዝድህሰስን ስለዘይኮነ ኣብ ናይ ፈጠራ ዛንታታት ኪኺወሉ ግድን ኮይኑዎም። ስለዝኾነ እቲ ዝተላዕለ ዛዕባን ሕቶን ንፕረዚደንትን ጃንዳኡን ስለዘጥቅዕ ኣብ ክንዲ ናብ ዘተን ልዝብን ናብ ሓይልን በትርን ኪጎዩ ሃጺጾም።

ዝኾነ ይኹን ክስን ክሱስን ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ሓቅነቱ ተመስኪሩ እቲ ክሱስ በዳሊ ኬይኑ ኪሳብ ዝርከብ ብሕጊ ናጻ ኢዩ። ክሲ ብጭብጥታትን መርትዖን ወይ ድማ ብነብሰ- እምነትን ንስሓን ምስተረጋገጸ ጥራሕ ከኣ’ዩ እቲ ክሱስ እንተስ ብተግሳጽን ማዕዳን እንተስ ንዝፈጸሞ በደላት ዝመጣጠን መቕጻዕትን ፍርድን ተዋሂቡዎ ከም ገበነኛ ዝተሓዝ። እንተዘይኮይኑ፡ ድምጹን መልሱን ከይተሰምዐ፡ ንዝቐረበሉ ክስታት ኣብ ቅድሚ ናጻ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ከይሞጎተ፡ እቲ ከሳሲ ብዝበየነሉ ፍርድን መቕጻዕትን ጥራሕ ገበነኛ ኢኻ ተባሂሉ ኣብ ጎዳጉዲ ኪበሊ ፈጺሙ ኣይግባእን ኢዩ። እንተኾነ ካብ መላኽን ዓማጽን ፍትሕን ርትዕን ኪትጽበ ስለዘይከኣል ኣብታ ሞዴል ኣፍሪቃ ኪትከውን ዝተመነናያ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈልናላ ኤርትራና ይረአ እነሆ።

እዞም መራሕቲ ሰውራን ሃገርን ዝነበሩ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ጀጋኑ ኣብ መስርሕ ቓልሲ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኮነ ንሓድሕዶምን ዘይምርድዳእን ምስሕሓብን ነይሩዎም ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ዝጸንሐ ዘይምቅዳው ከኣ ኣብቲ ክስተት ሕቶ ለውጢ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ኪነብሮ ግድን ኢዩ። እትረፍ ፍጡር ወዲ ኣዳም እምኒ እውን እንተኾነ ንሓድሕዱ ስለዝጋጮ እዞም ኣብ ብዙሕ ፈታኒ እዋን ሓቢሮም ዝተጓዕዙ መቓልስቲ ኣብ መስርሕ ቓልሲ ዝተፈጥረ ውልቃዊ ግርጭት ኪነብሮም ባህሪያዊ ኢዩ። እቲ ውልቃዊ ግርጭትን ዘይምቅዳውን ግን ንሃገራዊ ዛዕባን ሕቶን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዎ ኣይምተገበአን ነይሩ። እንተኾነ  እቲ ነቲ ጉዳይ ብዝሰኸነ መንፈስን ልቦናን ኪኣልዮ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ መራሒና ነብሱን ስምዒቱን መሊኹ ጉዳይ ሃገር ከቐድም ስለዘይከኣለ ንሕማቕ ዕድልና ነዚ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ኪንስከሞ ንግደድ ኣሎና። ፕረዚደንትና ነቲ ህዝባዊ ጠለብ እቲ ዝግበኦ ፍትሓዊ መልሲ ሂቡዎ እንተዝነብር ሎሚ ንምስሉን ስእሉን ከምቲ ናይ ፈለማ ተስዓትታ ኣብ ልቢ ህዝቢ እምበር ኣብ ካናቴራታትን ፖስተራትን ኪርእዮ ኣይምበሃገን።

ሎሚ ግን እታ ቐደም እውን እንተኾነ ኣልቡም ኢሳይያስ እናተባህለት እትሕመ ዝነበረት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን እታ ንሱ ጥራሕ ተረጋጊኡ ዝምድረላ ተሌቪዥን ዊሒደንኦስ ስእልታቱ  ብጎስጓስን መምርሒ ውሽጠ ውሽጥን ኣብ ዘዝወዓሎ ኣኼባታት ኣብ ካናቴራታትን ፖስተራትን ተዘርጊሑ ኪድረፈሉ ንዕዘብ ኣሎና።

እዚ ሰውራ መሪሑ ዘዐወተ፣ ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ዝከኣሎ ዘበርከተ ብህዝብን ሰራዊትን ልዑል ተቐባልነትን ተፈታውነትን ዝነበሮ መራሒና፡ ሎሚ ሰኣን ልቢ ምዕባይን ልቦና ምግዛእን፡ ፍትሒ ጓዕጺጹ ንሃገርና ኣብ ፍጹም ምልኪ ብምቑራኑ ካብቲ ዝነበሮ ተፈታውነት ዓሰርተ ዕጽፊ ኣንቆልቊሉ ይርከብ ኣሎ።

ትማሊ ቅድሚ ናጽነት ኮነ ሒደት ዓመታት ድሕሪ’ውን ነቲ ተኣምር ሰሪሑ ዝኣተወ ጅግና ሰራዊት ሓርነት ብእኩብ ኢዩ ዝድረፈሉን ዝግጠመሉ ነይሩ። ሎሚ ግን ኮር ተገልበጥ ኬይኑ ንሞያ እእላፍ ኣወጊንካ ብዘይ ሕፍረትን ኣስሓኮን ንመራሒና ብተምሳል ውክልና ሓንሳእ ከም ገመል ሓንሳእ ከም ኣርሓ፡ “ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና” እናተባህለ ኪዋጠየሉ ንሰምዕ ኣሎና። እዚ ከኣ ነቲ ትማሊ ዝነበረ ግን ሎሚ ፈጺሙ ዝተሳእነ ተፈታውነትን ኣድናቖትን ካብ ቃላትን ስእልን ሃሰው ምባል ጥራሕ ኢዩ።

ብሰንኪ ኣበርን ድኽመትን ምሕደራኻ ሓንሳብ ካብ ልቢ ህዝቢ ወጺእካ ኣብ ግዳም ምስ ሰፈርካ ሎሚ ‘መስኮት ተሌቪዥን ካልእ ኪሕውሰላን ኣይክእልን ኢየ። ንዓይኳ ኣይኣኸለትንን።” ብዝዓይነቱ ፍጹም ብሕትውና ሕዛእቲ በይንኻ ኪትገብራ ምፍታን ከኣ መርኣያ ምንቁልቋል ተቐባልነትካ ኢዩ።

እቶም ሰውራን ሃገርን ዝመርሑ ጀጋኑ ድሩዕን ዑቕበን፣ ጴጥሮስን ኬክያን፣ ናቲን ሕመድን፣ በራኽን ሸሪፎን፣ ኣስቴር፡ ብርሃነን እስጢፋኖስን፣ እቶም መሰረት መጻኢ ናጻ ፕረስ ከንጽፉ ብብርዖም ዝተቓለሱ ተባዓት ጋዜጠኝታት፡ ስዩምን ጀሽዋን፣ ተመስገንን ዳዊትን፣ መድሃኔን ማቴዎስን፣ ኣማኒኤልን ዮሴፍን፣ ዮሱፍን ዓብደልሓይን፣ እቶም ጽኑዓትን ተባዓትን ገዳይም ካድራት፣ ሰናይትን ሚርያምን፣ ፈረኦንን፣ ስዩምን ኣቡዓረን፣ ዓወርን ሲራጅን፣ ጎመራን ካልኦት ኣማኢት ደቂ ህዝብን ካብ መስኮት ተሌቪዥን እንተተሓኩ ካብ ልቢ ህዝቢ ከቶ ኣይክእለዩን ኢዮም።

ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ)

ለንደን

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...